ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ሓጋይን ክረምትን ኣየቋርጽን እዩ’

‘ሓጋይን ክረምትን ኣየቋርጽን እዩ’

መስተንክር ፍጥረት የሆዋ

‘ሓጋይን ክረምትን ኣየቋርጽን እዩ’

ኣብ ገሊኡ ቦታታት መራር ጸሓይ ንምድረ-በዳ ኽትልብልቦ ኸላ: ኣብ ካልእ ክፋል ምድሪ ኸኣ ደድሕሪ ቘራሪ ወርሓት ንመሬት ተሙቖ። እወ: ካብ ጸሓይ ዚርከብ ሙቐት ሓደ ኻብቲ ንክሊማን ወቕትታትን ዚውስን ቀንዲ ረቛሒታት እዩ።

ወቕትታት ኣብ መላእ ምድሪ እተፈላለየ እኳ እንተዀነ: ንዓኻ ግን ብኸመይ እዩ ዚጸልወካ፧ በቲ ኣብ ጽድያ ዚወቅዕ ኣኸዛ መንፈስካ ይሕደስዶ፧ ኣብ ክረምቲ ዝናም ኪዘንም ከሎ ኸመይ ይስምዓካ፧ ኣብ መጀመርታ ቐውዒ ጐላጕል ብዕምባባታት ኪመልእ ከሎ ባህዶ ይብለካ፧ ኣብ ሓጋይ ግራት ታሕሲሱ ቆፋፉ ብእኽሊ ምስ መልአ ልብኻ ብሓጐስ ደይኰነን ዚምላእ፧

ወቕትታት ዚቀያየር ብኸመይ እዩ፧ ብሓጺሩ ምድሪ ቕንን ዝበለት ብምዃና እዩ። እቲ እትዞረሉ ዘንጊ ብመንጽር እቲ ምድሪ ኣብ ዙርያ ጸሓይ እትዞረሉ ቕናት ኪርአ ከሎ ብ23.5 ዲግሪ ዝቐነነ እዩ። ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩ: ወቕትታት ኣይምሃለወን ነይሩ። ወትሩ ድማ ሓደ ዓይነት ክሊማ ጥራይ ምሃለወ። እዚ ኸኣ ነትክልትን ንዑደት ምህርቲ ዘራእትን ምጸለዎ።

ንወቕትታት ከም ዚቀያየር ገይሩ ዝሰርዖ: ፈጣሪ ምዃኑ መርትዖ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንየሆዋ ኣምላኽ “ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ: ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም” ኢሉ ኺዛረቦ ሓቁ እዩ።—መዝሙር 74:17 a

ኣብ ሰማይ ዚርከብ ኣካላት ኣብ ምድሪ ዀይኑ ንዚዕዘብ ሰብ ዘየማትእ መሐበሪ ወቕትታት እዩ ዚዀኖ። ኣምላኽ ንስርዓተ-ጸሓይ ኪፈጥር ከሎ: “ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹኑ: ንዘበናትን [“ንወቕትታትን:” NW] ንመዓልትታትን ዓመታትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹኑ” በለ። (ዘፍጥረት 1:14) ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ ጸሓይ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ብልክዕ ኣብ ልዕሊ ቕናት ምድሪ ወይ ኤኳቶር እትዀነሉ እዋን ኣሎ። እዚ እዋን እዚ ኤኲኖክስ ይበሃል: ኣብ ሓያሎ ሃገራት ከኣ ወቕቱ መጀመርታ ጽድያን ቀውዕን እዩ። ኣብ እዋን ኤኲኖክስ ዳርጋ ኣብ መላእ ምድሪ ንውሓት መዓልትን ለይትን ማዕረ እዩ ዚኸውን።

ወቕትታት ዚህሉን ዚጅምርን ግን ብምኽንያት እቲ ኣብ ጠፈር ዚርከብ ኣካላት ጥራይ ኣይኰነን። ወቕትታትን ክሊማን ኵነታት ኣየርን ብእተሓላለኸ መገዲ እተኣሳሰረ እዩ። እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስን እቲ ብጻዩ በርናባስን ነቶም ብዛዕባ ሕርሻ ኣጸቢቖም ዚፈልጡ ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበሩ ሰባት ኪዛረብዎም ከለዉ: ‘ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን ዚህቦም ንልቦምውን ብመብልዕን ሓጐስን ዜጽግቦም’ ኣምላኽ ምዃኑ ገለጹሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 14:14-17

እቲ ዜደንቕ መስርሕ ጽማረ-ብርሃን ወይ ፎቶሲንተሲስ ነቲ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ኣትክልቲ: ፋይቶፕላንክተን ዚበሃል መስርሕ ከኣ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዚርከብ ኣትክልቲ ብህይወት ንኪቕጽል የኽእሎ። ሳላዚ ድማ ሕጂ ዘሎ ሰንሰለታዊ ምግብን በብዓይነቱ ህያዋን ነገራትን ክትርድኦ ብዜሸግር መገዲ ብዅነታት ኣየርን ክሊማን ይጽሎ። ጳውሎስ “እታ ብዙሕ ጊዜ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናም ዝሰተየት ምድሪ ነቶም ብዛዕባኦም ዚሐርስዋ ዚጠቅም ፍረ እንተ ሀበቶም: ካብ ኣምላኽ በረኸት ትረክብ እያ” ብምባል ኣብ ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ኢድ የሆዋ ኸም ዘሎ ሓበረ።—እብራውያን 6:7

ኣብቲ ኣብ እዋን ጽድያ ባህ ዜብል እተመጣጠነ ሙቐት: ዝነውሐ መዓልትታት: ዝያዳ ብርሃን ጸሓይ: ከምኡውን መንፈስካ ዜሐድስ ዝናም ዘለዎ ኸባቢ እንታይ ከም ዚኸውን ሓንሳእ ደው ኢልና እንተ ሓሲብናሉ: እታ “በረኸት” እትብል ቃል ዝሰፍሐ ትርጕም እዩ ዚህልዋ። ዕምባባታት ይዕምብብ ሓሸራታት ከኣ ካብቲ ኣብ ሓጋይ ተዓቚቦምሉ ዝነበሩ ቦታ ብምውጻእ ንዘራእቲ የዋስቡ። ከምዛ ኣብዚ ስእሊ ዘላ ብሉ ጀይ እትበሃል ዓይነት ዝኣመሰላ ኣዕዋፍ ንዱር ብመዝሙረን ይመልኣኦ: ጽባቐ ድማ ይውስኻሉ። ምድሪ እውን ባህ እተብል ትኸውን። ነፍሳት ከኣ ናይ ምውላድን ምዕባይን እንደገና ናይ ምውላድን ዑደት ህይወት ይጅምሩ። (መሃልየ መሃልይ 2:12, 13) እዚውን ኣብ መወዳእታ ኽረምቲ ወይ ኣብ ቀውዒ ምህርቲ ንምሕፋስ የኽእል።—ዘጸኣት 23:16

ተግባራት የሆዋ በቲ ንምድሪ ዜቐመጠሉ መገዲ ብዜደንቕ መገዲ ተገሊጹ እዩ። ሳላዚ ኸኣ መዓልትን ለይትን: ወቕትታት: እዋን ዘራእትን ቀውዕን ኪቀያየር ክኢሉ። ድሕሪ ሓጋይ ክረምቲ ኸም ዚመጽእ ኣይንጠራጠርን ኢና። ከመይሲ: “ምድሪ ኽሳዕ ዘላ: ዘርእን ዓጺድን: ዛሕልን ዋዕን: ሓጋይን ክረምትን: መዓልትን ለይትን ኣየቋርጽን እዩ” ኢሉ እተመባጽዐ ኣምላኽ እዩ።—ዘፍጥረት 8:22

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 2004 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓምለ/ነሓሰ ርአ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

እታ ንህይወት ኣድላዪት ዝዀነት ወርሒ

ካብ ጥንቲ ኣትሒዛ ወርሒ ንደቅሰብ ክትምስጦምን ከተደንቖምን ጸኒሓ እያ። ወርሒ ንወቕትታት ከም እትጸልዎ ግን ትፈልጥዶ፧ ነቲ ምድሪ እትቐነሉ ዲግሪ ኣብ ምቍጽጻር ትሕግዝ እያ። ጸሓፊ ስነ-ፍልጠት ኣንድርው ሂል: እዚ ነገር እዚ “ኣብ ምድሪ ብህይወት ንምቕጻል ዜኽእል ኵነታት ኣብ ምፍጣር ኣዝዩ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ” በለ። ወርሒ ነቲ ምድሪ እትቐነሉ ዲግሪ ቐዋሚ ኸም ዚኸውን ገይራ እንተ ዘይትቈጻጸሮ ነይራ: ሙቐት ምወሰኸ: ኣብ ምድሪ ምንባር እውን ኣይምተኻእለን። ስለዚ ድማ እዮም ተመራመርቲ ስነ-ኰዀብ “ወርሒ ናይ ምድሪ ኽሊማ ኸም እተመጣጥን ጌርካ ኽትውሰድ ይከኣል እዩ” ኣብ ዚብል መደምደምታ ዚበጽሑ።—መዝሙር 104:19

[ምንጪ ስእሊ]

Moon: U.S. Fish & Wildlife Service, Washington, D.C./Bart O’Gara

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃን ሓውሲ ደሴት ዓረብን ዚርከባ ኣግማል