ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈሳዊ ሸቶታት ብምውጻእ ንፈጣሪኻ ኣኽብሮ

መንፈሳዊ ሸቶታት ብምውጻእ ንፈጣሪኻ ኣኽብሮ

መንፈሳዊ ሸቶታት ብምውጻእ ንፈጣሪኻ ኣኽብሮ

ሓደ ሰብ ናብ ኣየናይ ወደብ ይኸይድ ከም ዘሎ ዘይፈልጥ እንተ ዀይኑ: ንፋስ ናብ ዝዀነ ይኹን ኣንፈት ይንፈስ ኣየገድሶን እዩ።” እዘን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ሮማዊ ፈላስፋ እተዛረበን ቃላት እዚኣተን ህይወት ኣንፈት ኪህልዋ እንተ ዀይኑ: ሸቶ ኸም ዜድልያ እየን ዜጕልሓ።

መጽሓፍ ቅዱስ: ሸቶ ገይሮም እተመላለሱ ውልቀ-ሰባት ዝገደፍዎ ኣብነት ዝሓዘ እዩ። ኖህ ን50 ዓመት ኣቢሉ ድሕሪ ምዕያይ “ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ [ኣ]ዳለወ።” ነብዪ ሙሴ “ናብቲ ዓስቢ ጠመተ።” (እብራውያን 11:7, 26) እቲ ንሙሴ ዝተክኦ እያሱ ኸኣ ነቲ ኣምላኽ ንምድሪ ከነኣን ኪሕዝ ዝሃቦ መምርሒ ሸቶኡ ገበሮ።—ዘዳግም 3:21, 22, 28፣ እያሱ 12:7-24

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታቱ ብዘይ ጥርጥር በተን “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” ዚብላ ቓላት የሱስ ተጸልዩ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) በቲ ኻብ ጐይታና የሱስ ብቐጥታ ዝመጾ መልእኽትን ራእይን: እንተላይ በቲ ‘ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ስም የሱስ ኪጸውር’ እተዋህቦ መዝነት ተለዓዒሉ: ኣብ ብምሉኡ ንእሽቶ እስያን ኣብ ኣውሮጳን ክርስትያን ጉባኤታት ኣብ ምቛም ዓብዪ እጃም ኣበርኪቱ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:15፣ ቈሎሴ 1:23

እወ: ኣብ ታሪኽ ደቅሰብ ብምሉኡ ኣገልገልቲ የሆዋ ኽብ ዝበለ ሸቶታት ኣውጺኦምን ንኣምላኽ ክብሪ ብዜምጽእ መገዲ ፈጺሞምዎን እዮም። ንሕናኸ ብኸመይ ኢና መንፈሳዊ ሸቶታት ከነውጽእ እንኽእል፧ እንታይ ሸቶታትከ ኸነውጽእ ንኽእል፧ ሸቶና ምእንቲ ኽንወቅዕከ እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክንገብር ንኽእል፧

ቅኑዕ ድራኸ ኣገዳሲ እዩ

ዳርጋ ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና ሸቶታት ከነውጽእ ንኽእል ኢና: ኣብዛ ዓለም እዚኣ እውን ብዙሕ ሸቶታት ዜውጽኡ ሰባት ኣለዉ። ቲኦክራሲያዊ ሸቶታት ግን ምስ ዓለማዊ ህርፋን ሕደ ኣይኰነን። ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ዜውጽእዎ መብዛሕትኡ ሸቶታት ብቐዳምነት ሃብቲ ኺድልቡ ኸምኡውን መዓርግን ስልጣንን ኪረኽቡ ኻብ ዘለዎም ድሌት ተደሪኾም እዮም። ስልጣንን ዝናን ንምርካብ ሸቶ ምግባርሲ ኽሳዕ ክንደይ ጌጋ ዀን እዩ! ንየሆዋ ኣምላኽ ክብሪ ዜምጽኣሉ ሸቶታት: ምስ ኣምልኾኡን ምስታ መንግስቱን ብቐጥታ ዚተሓሓዝ እዩ። (ማቴዎስ 6:33) ከምዚ ዝኣመሰለ ሸቶታት ካብቲ ንኣምላኽን ንብጻይናን ዘሎና ፍቕሪ እዩ ዚብገስ: ኣብ ኣምልኾ ወይ ንኣምላኽ ውፉይ ኣብ ምዃን ከኣ ዘተኰረ እዩ።—ማቴዎስ 22:37-39፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:7

ተወሳኺ ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ንምርካብ ኰነ ብሕታዊ መንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር መንፈሳዊ ሸቶታት ከነውጽእን ክንስዕቦን ከለና: ካብ ቅኑዕ ድራኸ ንበገስ። እንተዀነ ግን: ብቕኑዕ ድራኸ ተበጊስካ ዚወጽእ ሸቶታት እውን ሓድሓደ ግዜ ኣብ መፈጸምታ ኣይበጽሕን እዩ። እሞ ደኣ ብኸመይ ኢና ሸቶ ኸነውጽእን ክንበጽሖ ዜኽእለና ዕድል ከነስፍሕን እንኽእል፧

ሓያል ድሌት ናይ ግድን የድሊ

የሆዋ ብኸመይ ከም ዝፈጠረ እስከ ንርአ። ነተን ተኸታቲለን ዝመጻ ናይ ፍጥረት እዋናት “ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ” ብዚብላ ቓላት ከፋፊልወን ነበረ። (ዘፍጥረት 1:5, 8, 13, 19, 23, 31) ኣብ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍ እዋን ፍጥረት: ነታ መዓልቲ እቲኣ ዘለዎ ሸቶ ወይ ዕላማ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። ንምፍጣር ዝነበሮ ዕላማ ኸኣ ፈጸሞ። (ራእይ 4:11) እዮብ “[የሆዋ] ነፍሱ እትደልዮ እዩ ዚገብር” ብምባል ተዛረበ። (እዮብ 23:13) የሆዋ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ‘ብዙሕ ጽቡቕ ከም ዝዀነ’ ኺርእዮን “ብዙሕ ጽቡቕ” ኪብሎን ከሎ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ዕግበት ኰን እዩ ኣምጺኡሉ!—ዘፍጥረት 1:31

ሸቶታትና ምእንቲ ኽንወቅዕ: ንምብጻሑ ሓያል ድሌት ኪሓድረና ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ድሌት ምእንቲ ኸነማዕብል እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ የሆዋ ምድሪ በረኻን ጥራያን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን: ጸኒሓ እንታይ ከም እትኸውን ኣቐዲሙ ይርእዮ ነበረ። ኣብ ብምሉኡ ጠፈር ክብርን ውዳሰን እተምጽኣሉ ምልክዕቲ ዕንቊ ኸም እትኸውን ይፈልጥ ነበረ። ብተመሳሳሊ: ነቲ ዘውጻእናዮ ሸቶ ንምፍጻም ዘሎና ድሌት: ነቲ ሸቶ ምስ በጻሕናዮ ብዛዕባ ዚርከብ ውጽኢታትን ረብሓታትን ብምስትንታን ከነማዕብሎ ንኽእል ኢና። ቶኒ ዚበሃል ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ ከምኡ እዩ ገይሩ። ነቲ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ሓደ ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበሮ ምብጻሕ ኣይርስዖን እዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ‘ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ምንባርን ምግልጋልን ከመይ ይመስል፧’ ዚብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮኡ ይመላለስ ነበረ። ብዛዕባ እዚ ኻብ ምሕሳብ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን: ሸቶኡ ንምውቃዕ ከኣ ቀጻሊ ጻዕሪ ገበረ። ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት ኣብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኬገልግል ኣመልኪቱ ተቐባልነት ምስ ረኸበ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ተሓጒሱ!

ምስቶም ነቲ ኽንበጽሖ እንደሊ ሸቶ ድሮ ዝበጽሕዎ ምስ እንቀራረብ ሸቶና ንኽንወቅዕ ድሌት ከም ዚሓድረና ይገብር። ወዲ 30 ዓመት ዝዀነ ጄሰን ኣብ መጀመርታ ዀተቴ ዕድሚኡ ኸሎ ናብ ኣገልግሎት ምኻድ ኣየሐጕሶን እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ወድአ: ብውዕዉዕ ስምዒት ፓይነር ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ሰባኺ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኼገልግል ጀመረ። ንጄሰን ከምዚ ዝኣመሰለ ድሌት ኬማዕብል ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ “ምስቶም ፓይነር ኰይኖም ዜገልገሉ ምዝርራበይን ምግልጋለይን ብዙሕ እዩ ጸልዩኒ” ብምባል ባዕሉ መለሰ።

ሸቶታትና ምጽሓፉ ኺሕግዝ ይኽእል እዩ

ንዘይንጹር ሓሳብና ንምግላጽ ቃላት ምስ እንመርጽ: እቲ ሓሳባትና ንጹር እዩ ዚዀነልና። ግቡእ ቃላት ከምቲ ጓሶት ነባጊዖም ዚጓስዩሉ በትሪ ብምዃኑ ንህይወት መምርሒ ኣብ ምሃብ ሓያል እዩ። (መክብብ 12:11 ትርጕም 1990) እንሓስቦ ቓላት እንተ ጽሒፍናዮ: ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ዓሚቝ ጦብላሕታ እዩ ዚሓድግ። ስለዚ ኸኣ እዩ የሆዋ ንነገስታት እስራኤል ነቲ ሕጊ ቐዲሖም ኪጽሕፉዎ ዝኣዘዞም። (ዘዳግም 17:18) እምበኣር: ነቲ ኼጋጥመና ዚኽእል ዕንቅፋታትን ብኸመይ ከም እንሰግሮን ብምግላጽ: ሸቶታትናን ነዚ ንምብጻሕ እንጥቀመሉ ሜላታትን ኣብ ወረቐት ክንጽሕፎ ንደሊ ንኸውን። ክንፈልጦ ዘሎና ጕዳይ: ከነጥርዮ ዘሎና ኽእለት: ከምኡውን ኪሕግዙናን ኪረድኡናን ዚኽእሉ ሰባት ንምፍላጥ እውን ኪሕግዝና ይኽእል እዩ።

ኣብ እስያ ኣብ ዚርከብ ምሕድግ ዝበለ ዞባ ንነዊሕ እዋን ፍሉይ ፓይነር ኰይኑ ዘገልገለ ጀፍሪ: መንፈሳዊ ሸቶታት ምውጻኡ ጽኑዕ ንኪኸውን ኣበርክቶ ገይሩሉ እዩ። ብዓልቲ ቤቱ ሃንደበት ምስ ሞተቶ ብዙሕ እዩ ሓዚኑ። ጀፍሪ ኣብ ህይወቱ ምትዕርራይ ድሕሪ ምግባር: ሸቶታት ኣውጺኡ ኣብቲ ፓይነር ብምዃን ዚፍጽሞ ኣገልግሎቱ ምሉእ ብምሉእ ኪጽመድ ወሰነ። መደባቱ ኣብ ወረቐት ድሕሪ ምጽሓፍ: ኣብ መወዳእታ እታ ወርሒ ሰለስተ ሓደስቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓሎም ሰባት ኪረክብ ብጸሎት እተሰነየ ሸቶ ገበረ። ኣብ ጸጽባሕ ንጥፈታቱ ይርኢ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓሰርተ መዓልቲ ኸኣ ምዕባለታቱ ይምርምር ነበረ። እሞኸ ሸቶኡ ወቒዑዶ፧ ኣርባዕተ ሓደስቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓሎም ሰባት ብምርካቡ: ሸቶኡ ኸም ዝወቕዐ ብሓጐስ እዩ ገሊጹ።

ከም ምልክት ንኪዀነካ ናይ ሓጺር እዋን ሸቶታት ግበር

ገሊኡ ሸቶታት መጀመርታ ኣጸጋሚ ኺመስል ይኽእል እዩ። እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ቶኒ: ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምግልጋል ዘይከውን እዩ መሲልዎ ነይሩ። ከመይሲ: ፋሉልን ህይወቱ ንኣምላኽ ዘይወፈየን እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ምስ መገድታት የሆዋ ተሰማሚዑ ኺመላለስ ወሰነ: ንጥምቀት ብቕዓት ኪህልዎ ድማ ሸቶ ገበረ። ነዚ ሸቶ እዚ ምስ በጽሖ: ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ፈለማ ሓጋዚ ፓይነር ዝዀነሉ: ጸኒሑ ስርዓታዊ ፓይነር ዝዀነሉ ዕለት ምልክት ገበረ: በብተራ ድማ ፈጸሞ። ንእተወሰነ እዋን ፓይነር ኰይኑ ድሕሪ ምግልጋሉ: ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ምግልጋል ዘይብጻሕ ሸቶ ዀይኑ ኣይተሰምዖን።

ንሕናውን ነቲ ኣብ ነዊሕ እዋን ዚብጻሕ ሸቶና ኣብ ናይ ሓጺር እዋን ሸቶታት እንተ ኸፋፊልናዮ ዝሓሸ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ እተውጽኦ ናይ ሓጺር እዋን ሸቶታት: ናብቲ ናይ ነዊሕ እዋን ሸቶ ዜብጽሕ ምልክታት እዩ ዚዀነካ። ነቲ ዝገበርናዮ ምምሕያሽ በቲ ምልክታት ጌርካ ምዕቃኑ: ኣእምሮኻ ኣብቲ ሸቶ ንኼተኵር ይሕግዝ። ብዛዕባ እቲ መደብና ብተደጋጋሚ ናብ የሆዋ ምጽላይ ከኣ ኣንፈትና ኸይንስሕት ይሕግዘና። ሃዋርያ ጳውሎስ “ከየባተኽኩም ጸልዩ” ኢሉ ተማሕጸነ።—1 ተሰሎንቄ 5:17

ቈራጽነትን ሓቦን የድሊ

ጽቡቕ መደብ እኳ እንተ ገበርና: ንምፍጻሙውን ሓያል ድሌት እኳ እንተሎና: ገሊኡ ሸቶታት ኪብጻሕ ኣይከኣልን ይኸውን። እቲ ዮሃንስ ዚበሃል ማርቆስ: ሃዋርያ ጳውሎስ ናብቲ ኻልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ኺማልኦ ኸም ዘይደለየ ምስ ፈለጠ: ብዙሕ ጕህዩ ኪኸውን ኣለዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:37-40) ማርቆስ ካብቲ ዜጋጠሞ ተማሂሩ: ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ንምግባር ሸቶኡ ኼተዓራሪ ነበሮ። ከምኡ ድማ እዩ ገይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ጸኒሑ ጳውሎስ ንማርቆስ ብጽቡቕ ኣልዒልዎ: ኣብ ባቢሎን እውን ማርቆስ ምስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ጽቡቕ ርክብ ነበሮ። (2 ጢሞቴዎስ 4:11፣ 1 ጴጥሮስ 5:13) ምናልባት ኣብ ህይወቱ ዝረኸቦ ዝዓበየ ፍሉይ መሰል: ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ታሪኽ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ምጽሓፍ እዩ ነይሩ።

ንመንፈሳዊ ሸቶታትና ኽንበጽሖ ኽንጽዕር ከለና: ዕንቅፋታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ተስፋ ኣብ ክንዲ እንቘርጽ: ነቲ ጕዳይ ከም ብሓድሽ ክንምርምሮን ክንግምግሞን ምትዕርራይ ክንገብርን ኣሎና። ዕንቅፋት ኬጋጥመና ኸሎ: ምምሕያሽ ንምግባር ብቘራጽነትን ብሓቦን ክንጽዕር ኣሎና። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ተግባርካ ንእግዚኣብሄር ወፍዮ: ሽዑ ሓሳባትካ ኪቐውም እዩ” ብምባል የረጋግጸልና።—ምሳሌ 16:3

እንተዀነ ግን: ሓድሓደ ግዜ ብሰንኪ ዜጋጥመና ዅነታት ንገሊኡ ሸቶታት ክንበጽሖ ኣይንኽእል ንኸውን። ንኣብነት: ጥዕና ምስኣን ወይ ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ንገሊኡ ሸቶታት ክትበጽሖ ኸም ዘይትኽእል ይገብረካ ይኸውን። እቲ ልዕሊ ዅሉ እንረኽቦ ዓስቢ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምርካብ ምዃኑ ኣይንረስዕ። (መዝሙር 37:11፣ ፊልጲ 3:13, 14) እዚኸ ብኸመይ እዩ ዚርከብ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ “እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር . . . ንዘለኣለም ይነብር” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 2:17) ህሉው ኵነታትና ንእተወሰነ ሸቶ ኽንበጽሖ ኸም ዘይንኽእል ዚገብረና እኳ እንተዀነ: ‘ንኣምላኽ ክንፈርሆ: ትእዛዛቱውን ክንሕሉ’ ንኽእል ኢና። (መክብብ 12:13) መንፈሳዊ ሸቶታት ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ንኸነተኵር ይሕግዘና። እምበኣር: ብእኡ ጌርና ንፈጣሪና ነኽብሮ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን]

ክትሓስበሉ ዘሎካ መንፈሳዊ ሸቶታት

○ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ምንባብ

○ ንነፍሲ ወከፍ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ምንባብ

○ ጸሎትካ ምምሕያሽ

○ ፍረ መንፈስ ምፍራይ

○ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ተሳትፎ ምግባር

○ ኣብ ምስባኽን ምምሃርን ብዝያዳ ውጽኢታዊ ምዃን

○ ብተሌፎንን ንእግረ-መገድን ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታትን ናይ ምምስካር ክእለት ምምዕባል