ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቀጶዶቅያ ብንፋስን ማይን ኣብ እተጸርበ ኣኻውሕ ዚነብሩላ ዓዲ

ቀጶዶቅያ ብንፋስን ማይን ኣብ እተጸርበ ኣኻውሕ ዚነብሩላ ዓዲ

ቀጶዶቅያ ብንፋስን ማይን ኣብ እተጸርበ ኣኻውሕ ዚነብሩላ ዓዲ

ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ቀጶዶቅያ ተዛሪቡ ነይሩ። እታ ናይ መጀመርታ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ መልእኽቱ: ‘ነቶም ኣብ ቀጶዶቅያ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ሕሩያት’ እውን እያ ተጻሒፋ። (1 ጴጥሮስ 1:1) ቀጶዶቅያ እንታይ ዓይነት ዓዲ እያ ነይራ፧ ተቐማጦኣ ኻብ እምኒ ኣብ እተጸርበ መንበሪ ዚነብሩ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ንመጀመርታ ግዜ ክርስትና ብኸመይ ኪፈልጡ ኽኢሎም፧

ብ1840ታት ናብ ቀጶዶቅያ ዝኸደ ዊልያም ኤፍ. ኣይንስዎርዝ ዚበሃል ብሪጣንያዊ ተጓዓዚ: “ብሃንደበት ኣብ መንጎ ኮናዊ ቕርጺ ዘለዎን ኣዕኑድ ዚመስልን ሓያሎ ኣኻውሕ ኣቲና ጠፋእና” በለ። ሕጂውን ናብዚ ኣብ ቱርኪ ዚርከብ ቦታ ዚኸዱ ሰባት: በቲ ፍልይ ዝበለ ገጸ-ምድሪ ይድነቑ እዮም። እዚ ኣብ ስንጭሮታት ቀጶዶቅያ ዚርከብ ብሓንሳእ ተኣኪቡ ዚርአ ተዓኒዱ ደው ዝበለ ኣኻውሕ: ፍልይ ዝበለ በእማን ዝቘመ “ሓወልትታት” እዩ። ገሊኡ ኽሳዕ 30 ሜትሮ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝቝመቱ ዓብዪ መውጽኢ ትኪ ኺመስል ከሎ: ገሊኡ ኸኣ ኣዝዩ ዓብዪ ኮኖ ጀላቶ: ሓወልቲ: ወይ ቃንጥሻ ይመስል።

ጸሓይ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ነዚ ሓወልትታት እዚ በብዓይነቱ ሕብሪ ኸም ዚህልዎ እያ እትገብር። ኪወግሕ ከሎ እቲ ሓወልትታት ሃሳስ ቀይሕ ሕብሪ ይህልዎ። ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ: ፈሳም ጻዕዳ ኺህልዎ ኸሎ: ኣብ እዋን ዕራርቦ ኸኣ ናብ ብጫ ዝቐረበ ቡናዊ ሕብሪ ይህልዎ። ነቲ “ኮናዊ ቕርጺ ዘለዎን ኣዕኑድ ዚመስልን ሓያሎ ኣኻውሕ” መን ኣቚምዎ፧ ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ሰባትከ ስለምንታይ እዮም ኣባይቶም ኣብቲ ኣኻውሕ ዝገበሩ፧

ብንፋስን ማይን እተጸርበ

ቀጶዶቅያ ኣብ ማእከል እቲ ኣብ መራኸቢ እስያን ኣውሮጳን ዚርከብ ሓውሲ ደሴት ኣናቶልያ እያ ተደኲና። ኣብዚ ቦታ እዚ ኽልተ ግዜ እሳተ-ጎመራ እንተ ዘየጋጥም ነይሩ: እቲ ኸባቢ ሮራ ምዀነ ነይሩ። ኣሽሓት ዓመታት ይገብር እዚ ሓያል እሳተ-ጎመራ ነቲጕ ነቲ ኸባቢ ብኽልተ ዓይነት ኣኻውሕ መልኦ። ስለዚ: ኣብቲ ኸባቢ ተሪር ጸሊም እምንን በቲ ዝነቐጸ ሓሙዅሽቲ እሳተ-ጎመራ ዝቘመ ፈኲስ ጻዕዳ እምንን ይርከብ።

ወሓይዝን ዝናምን ንፋስን ነቲ ፈኲስ ጻዕዳ እምኒ ምስ ባሕጐጎ: ዓሚቝ ስንጭሮ ተፈጥረ። ድሕሪ ግዜ: ገለ ኻብቲ ኣብ ደንደስ እዚ ስንጭሮ ዚርከብ ኣጻድፍ ብምስብባር ሓያሎ ኮናዊ ቕርጺ ዘለዎ ኣዕኑድ ኰነ። ነቲ ኸባቢ ኸኣ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓይነት ጽሩብ ኣእማን መልኦ። ገሊኡ ኮናዊ ቕርጺ ዘለዎ ኣኻውሕ ብዙሕ ነዃላት ስለ ዘለዎ ስፈ ንህቢ እዩ ዚመስል። እቶም ተቐማጦ ኣብቲ ፈኲስ እምኒ መንበሪ ዚዀኖም ክፍልታት ጸረቡ: ስድራቤቶም ኪውስኽ ከሎ ድማ ነቲ ኣኻውሕ ብምጽራብ ተወሳኺ ኽፍልታት ኣዳለዉ። እቲ መንበሪኦም ኣብ እዋን ሃሩር ዝሕል ዝበለ: ኣብ እዋን ዛሕሊ ኸኣ ምዉቕ ኰይኑ እዮም ረኺቦምዎ።

ኣብ መራኸቢ ስልጣነ ምንባር

እቶም ኣብቲ በዓትታት ቀጶዶቅያ ዚነብሩ: ኣብ መራኸቢ ስልጣነ እንተ ዘይነብሩ ነይሮም: ካብ ዓለም ተገሊሎም ምተረፉ። እቲ ውሩይ ንግዲ ሃሪ ዚጐዓዓዘሉ ዝነበረ ኻብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኽሳዕ ቻይና ዚበጽሕ 6,500 ኪሎ ሜተር ዚንውሓቱ መገዲ: ብቀጶዶቅያ ኣቢሉ እዩ ዚሓልፍ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ሸቃጦ: ፋርሳውያን: ግሪኻውያን: ከምኡውን ኣባላት ሰራዊት ሮሜ በዚ መገዲ እዚ ይሓልፉ ነበሩ። እዞም ተጓዓዝቲ እዚኣቶም ሓድሽ ሃይማኖታዊ እምነት የተኣታትዉ ነበሩ።

ኣብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ቀጶዶቅያ ኣይሁዳውያን ተቐማጦ ነይሮም እዮም። ገለ ኻብቶም ኣብዚ ቦታ እዚ ዚቕመጡ ዝነበሩ ኣይሁድ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. በዓል ሓምሳ ኼብዕሉ ናብ የሩሳሌም ከይዶም ነይሮም። መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረደ: ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ካብ ቀጶዶቅያ ዝመጹ ኣይሁድ ሰበኸሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-9) ገለ ኻብኣቶም ነቲ መልእኽቲ ተቐቢሎም ናብ ዓዶም ሒዞምዎ ኸይዶም ኪዀኑ ኣለዎም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ጴጥሮስ ኣብታ መልእኽቱ ነቶም ኣብ ቀጶዶቅያ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝጠቐሶም።

ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ግን ኣብ ቀጶዶቅያ ዝነበሩ ክርስትያናት ብኣረማዊ ፍልስፍና ኺጽለዉ ጀመሩ። ኣብ ራብዓይ ዘመን ዚነብሩ ዝነበሩ ሰለስተ ኣውራታት መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ቀጶዶቅያ: ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይርከብ ሰረተ-እምነት ስላሴ ኣበርቲዖም ተጣበቑሉ። እዚኣቶም ግሪጎሪ ብዓል ናዚያንዘስ: ባሲል ዓብዪ: ከምኡውን ሓዉ ግሪጎሪ ብዓል ኒሳ እዮም።

ባሲል ዓብዪ: ፈላሲ ዄንካ ምንባር እውን ኣተባብዐ። እቲ ኣብ ኣኻውሕ እተሰርሐ በዓትታት ቀጶዶቅያ ነቲ ባሲል ዓብዪ ዜተባብዖ ዝነበረ ናብራ ባሕታውያን ዚኸውን እዩ ነይሩ። ፈለስቲ እናበዝሑ ምስ ከዱ: ኣብ ውሽጢ እቲ ዓበይቲ ኮናዊ ኣኻውሕ ኣብያተ-ክርስትያን ተሃንጸ። ክሳዕ መበል 13 ዘመን: ነቲ ኣኻውሕ ብምጽራብ ኣስታት ሰለስተ ሚእቲ ኣብያተ-ክርስትያን ተሰርሐ። መብዛሕትኡ ኻብዚ ኸኣ ክሳዕ እዚ ግዜና ኣሎ።

ሕጂ ነቲ ኣብያተ-ክርስትያንን ገዳማትን ዚጥቀመሉ እኳ እንተ ዘየለ: ናብራ ህይወት እቶም ኣብታ ዓዲ ዚነብሩ ሰባት ግን ብዙሕ ኣይተቐየረን። ሓያሎ በዓትታት ክሳዕ ሕጂ መንበሪ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ናብ ቀጶዶቅያ ኻብ ዚኸዱ በጻሕቲ: እቶም ተቐማጦ ነቲ ተፈጥሮ ናብ ኣባይቲ ብምቕያር ዘርኣይዎ ብልሓት ከየስተንከረ ዚሓልፍ የልቦን።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ቀጶዶቅያ

ቻይና (ካቴ)