ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንፉዕ መራሒ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ንፉዕ መራሒ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ንፉዕ መራሒ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

“ውጸልና: ይኣኽለና። ብስም ኣምላኽ: ውጻእ!”—ኣባል ባይቶ ብሪጣንያ ሊዮፓርድ ኣመሪ ንቓላት ኦሊቨር ክሮምወል ጠቒሱ እተዛረቦ

ካልኣይ ውግእ ዓለም ንሸሞንተ ወርሒ ዚኸውን ብዙሕ ዕንወት ኣስዓበ: ብሪጣንያን መሻርኽታን ከኣ ስዕረት ይበጽሐን ነበረ። ኣብቲ መንግስቲ ቦታ ዝነበሮም ሊዮፖልድ ኣመሪን ካልኦትን ኣብ መሪሕነት ለውጢ ደለዩ። ስለዚ: ብ7 ግንቦት 1940 ሚስተር ኣመሪ ኣብ ባይቶ ሓፋሽ ብሪጣንያ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቓላት ጠቒሱ ንቐዳማይ ሚኒስተር ነቭል ቼምበርሌን ተዛረቦ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ሚስተር ቼምበርሌን ስልጣኑ ሓደገ: ዊንስተን ቸርችል ከኣ ተረከቦ።

መሪሕነት ሓደ ኻብቲ ንደቅሰብ ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት እዩ። እንተዀነ ግን: ኵሉ መራሒ ንመሪሕነት ብቑዕ እዩ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ስድራቤት እኳ ኸይተረፈ: ሰበይትን ውሉዳትን ሕጉሳት ኪዀኑ እንተ ዀይኖም: እቲ ኣቦ ብቑዕ ኪኸውን ኣለዎ። ካብዚ ተበጊስካ ንሃገር ወይ ንዓለም ንምምራሕ ዜድሊ ብቕዓት እሞ ሕስብ ኣብሎ! እምበኣር: ንፉዓት መራሕቲ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እንተዀነ ዜገርም ኣይኰነን።

በዚ ምኽንያት እዚ በሽሓት ንዚቝጸር ዓመታት እዚ ዘይበሃል ንግስና: ሰውራ: ዕልዋ: ሽመት: ምርጫ: ቅትለት: ከምኡውን ለውጢ ስርዓታት ተገይሩ እዩ። ነገስታት: ቀዳሞት ሚኒስተራት: መሳፍንቲ: ፕረዚደንትታት: ዋና ጸሓፍቲ: ከምኡውን ውልቀ-መለኽቲ ስልጣን ሒዞምን ወሪዶምን እዮም። ትጽቢት ዘይተገብረሉ ለውጥታት ነቶም ሓያላት መራሕቲ እውን ከይተረፈ ኻብ ስልጣኖም ኣውሪድዎም እዩ። (ነታ “ሃንደበት ካብ ስልጣን ምውራድ” እትብል ኣብ ገጽ 5 ዘላ ሳጹን ርአ።) ኰይኑ ግን: ብቑዕን ነባርን መራሒ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ ዀይኑ።

“ብዘሎና ኽንዓግብ ኣሎና”ዶ ወይስ ኣማራጺ ኸነናዲ፧

ብዙሓት ሰባት ንፉዕ መራሒ ንምርካብ ብዚምልከት ተስፋ እንተ ቘረጹ እምበኣር ዜደንቕ ኣይኰነን። ኣብ ገሊአን ሃገራት ዚነብሩ ሰባት ዘይግደሱን ተስፋ ዝቘረጹን ምዃኖም ብፍላይ ኣብ እዋን ምርጫ እዩ ዚንጽር። ኣብ ኣፍሪቃ ዚነብር ጀፍ ሂል ዚበሃል ጋዜጠኛ “ሰባት ነቲ ኣብ ህይወቶም ዜጋጥሞም ጸበባ ኪቕይሩ ዘይክእሉ ዀይኑ ምስ ተሰምዖም እዩ ዘይምግዳስ ወይ ዘይምድማጽ ዚበዝሕ። . . . ኣብ ኣፍሪቃ ሰባት ምስ ዘየድምጹ: ዓጊቦም ማለት ከይከውን ይኽእል እዩ። እዚ ነገርዚ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ዚሰምዖም ዘይብሎም ኰይኑ እተሰምዖም ሰባት ዜድህይዎ ኣውያት እዩ” በለ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ኣዳላዊ ዓምዲ እውን ብተመሳሳሊ ብዛዕባ ዚመጽእ ዘሎ ምርጫ: “ምሉእ ብምሉእ ክኢላ ዝዀነ ሕጹይ እንተ ዚወዳደር እምነ” ድሕሪ ምባል ወሲኹ ኸኣ “ከምዚ ዓይነት ሰብ ግን የሎን። ፈጺሙ የሎን። ብዘሎና ኽንዓግብ ኣሎና” ኢሉ ጸሓፈ።

ደቅሰብ በቶም ዘለዉ ዘይፍጹማት መራሕቲ ‘ምዕጋብ’ እንተ ዘይኰይኑ: ካልእ ኣማራጺ የብሎምን ድዩ፧ ሰብኣውያን መራሕቲ ነቲ ተገዛእቶም ዜድልዮም ነገራት ኬማልኡ ዘየምኽኣሎም: ንፉዕ መራሒ ኽንረክብ ከም ዘይንኽእል ድዩ ዜርኢ፧ ኣይፋሉን። ብርግጽ ብሉጽ መሪሕነት ኣሎ። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ እቲ ንደቅሰብ ዚኸውን ብሉጽ መራሒ መን ምዃኑ ኸምኡውን እቲ ንሱ ዚህቦ ኣገልግሎት ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ኻብ ኵሉ ዓሌት ንእተኣከቡ ሰባት: እንተላይ ንዓኻ ብኸመይ ከም ዚጠቕመካ ትገልጽ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ላዕሊ ብጸጋም:- ነቭል ቼምበርሌን

ኣብ ላዕሊ ብየማን:- ሊዮፖልድ ኣመሪ

ኣብ ታሕቲ:- ዊንስተን ቸርችል

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Chamberlain: Photo by Jimmy Sime/Central Press/Getty Images; Amery: Photo by Kurt Hutton/Picture Post/Getty Images; Churchill: The Trustees of the Imperial War Museum (MH 26392)