ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መስጐጕቲ እናወረዶም ክነሶም ሕጉሳት

መስጐጕቲ እናወረዶም ክነሶም ሕጉሳት

መስጐጕቲ እናወረዶም ክነሶም ሕጉሳት

“እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን: ብጹኣን ኢኹም።”—ማቴዎስ 5:11

1. የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ ሓጐስን መስጐጕትን እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂብዎም፧

 የሱስ ንሃዋርያቱ ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ኺልእኮም ከሎ: ምጽራር ከም ዜጋጥሞም ኣጠንቀቖም። “ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ” በሎም። (ማቴዎስ 10:5-18, 22) ኣቐዲሙ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ምጽራር ነቲ ውሽጣዊ ሓጐሶም ከም ዘየጥፍኦ ንሃዋርያቱን ንኻልኦትን መረጋገጺ ሂብዎም ነይሩ። አረ ሓጐስሲ ኸም ክርስትያን መጠን ምስ ዜጋጥም መስጐጕቲ እውን ኣተሓሒዝዎ እዩ! መስጐጕቲ ብኸመይ እዩ ሓጐስ ዜምጽእ፧

ምእንቲ ጽድቂ ስቓይ ዚወርዶም

2. ብመሰረት የሱስን ሃዋርያ ጴጥሮስን: እንታይ ዓይነት ስቓይ እዩ ሓጐስ ዜምጽእ፧

2 የሱስ ሓጐስ ዚርከበሉ ሻምናይ መገዲ ኺጠቅስ ከሎ “ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ: መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:10) ስቓይ ዚነኣድ ነገር ኣይኰነን። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ሓጢኣት እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዐገስኩምከ: እንታይ ትምክሕቲ አለዎ፧ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዐገስኩም ግና: እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ሓደ ኻባኻትኩም ከም ቀታሊ: ወይስ ከም ሰራቒ: ወይስ ከም ገባር እከይ: ወይስ ኣብ ነገር ካልኦት ከም ዚጽምበር ኰይኑ መከራ ኣይጽገብ። ከም ክርስትያን መከራ እንተ ጸገበ ግና: ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግኖ እምበር: ኣይሕፈር” በለ። (1 ጴጥሮስ 2:20፣ 4:15, 16) ብመሰረት ቃላት የሱስ: ምእንቲ ጽድቂ ዜጋጥም ስቓይ ሓጐስ የምጽእ እዩ።

3. (ሀ) ምእንቲ ጽድቂ ምስጓግ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) መስጐጕቲ ኣብ ቀዳሞት ክርስትያናት እንታይ ጽልዋ እዩ ነይርዎ፧

3 ናይ ሓቂ ጽድቂ ብመጠን እቲ ፍቓድን ትእዛዛትን ኣምላኽ ምግባር እዩ ዚዕቀን። እምበኣር ምእንቲ ጽድቂ ምስቓይ ኪበሃል ከሎ: ሓደ ሰብ ስርዓታት ኣምላኽ ንኺጥሕስ ወይ ኣምላኽ ዚሓቶ ብቕዓታት ንኸየማልእ ጸቕጢ ኺወርዶ ኸሎ ዜጋጥሞ ስቓይ ማለት እዩ። ሃዋርያት ብስም የሱስ ከይሰብኩ ተነጊርዎም ምስ ኣበዩ: ብመራሕቲ ኣይሁድ ተሰጉ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:18-20፣ 5:27-29, 40) እዚ ግን ንሓጐሶም ኣጥፊእዎዶ ወይ ንስብከቶም ዓጊትዎዶ፧ ኣይፋሉን! “ምእንቲ ስሙ ኺሐስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ: ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሐጐሱ ኸዱ። ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 5:41, 42) እቲ መስጐጕቲ ሓጐስ ኣምጸኣሎም: ኣብ ዕዮ ስብከት ዝነበሮም ቅንኣት ድማ ተጐሃሃረ። ጸኒሖም እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ኣምልኾ ሃጸይ ኪሳተፉ ብምእባዮም ብሮማውያን መስጐጕቲ ወረዶም።

4. ገለ ኻብቲ ክርስትያናት ዚስጐጉሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

4 ኣብዚ ግዜ እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስብከት “ወንጌል መንግስቲ” ደው ኬብሉ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም: መስጐጕቲ ወሪድዎም እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ክርስትያናዊ ኣኼባታቶም ምስ ተኣገደ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣኼባታቶም ከይሓድጉ ዝሃቦም ትእዛዝ ካብ ምጥሓስ: ዚወርዶም ስቓይ ኪቕበሉ መረጹ። (እብራውያን 10:24, 25) ብሰንኪ ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ወይ ደም ምውሳድ ብምእባዮም መስጐጕቲ ወሪድዎም እዩ። (ዮሃንስ 17:14፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29) ይኹን እምበር: እዚ ንጽድቂ ዘለዎም ኣቕዋም ነዞም ሕጂ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ብዙሕ ውሽጣዊ ሰላምን ሓጐስን ኣምጸኣሎም።—1 ጴጥሮስ 3:14

ምእንቲ ክርስቶስ ዚስጐጉ

5. ኣብ ህዝቢ የሆዋ መስጐጕቲ ዚወርደሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

5 እቲ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ዝገለጾ ታሽዓይ ሓጐስ ዜምጽእ ምኽንያት ምስ መስጐጕቲ እውን ይተሓሓዝ እዩ። “እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን: ብጹኣን ኢኹም” በለ። (ማቴዎስ 5:11) ህዝቢ የሆዋ ዚስጐጉሉ ቐንዲ ምኽንያት ክፍሊ እቲ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ዘይምዃኖም እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ: ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ: ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር: ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን: ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ” ኢሉ ነገሮም። (ዮሃንስ 15:19) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ብተመሳሳሊ “ናብቲ ዕያግ ርኽሰት ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኹም: እናተጻረፉ ብእኡ ይግረሙ አለዉ” በለ።—1 ጴጥሮስ 4:4

6. (ሀ) እቶም ቅቡኣት ተረፍ ኰኑ እቶም ብጾቶም ዚጽረፉን ዚስጐጉን ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ከምዚ ዝኣመሰለ ጸርፊ ንሓጐስና ይንክዮ ድዩ፧

6 ቀዳሞት ክርስትያናት ብስም የሱስ ዚገብርዎ ስብከት ደው ኬብሉ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም መስጐጕቲ ኸም ዝወረዶም ርኢና ኢና። ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” ብምባል መዝነት ሃቦም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) እቶም እሙናት ቅቡኣት ተረፍ ኣሕዋት ክርስቶስ በቶም “ብዙሓት ሰብ” ዚበሃሉ እሙናት ብጾቶም እናተደገፉ: ነዚ መዝነት እዚ ብቕንኣት ፈጺሞምዎ እዮም። (ራእይ 7:9) ስለዚ: ሰይጣን “ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን ዝተረፉ ዘርኣ [ዘርኢ እታ ብ“ሰበይቲ” እተመሰለት ክፍሊ ሰማያዊት ማሕበር ኣምላኽ]” ይዋጋእ እዩ። (ራእይ 12:9, 17) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን ነቲ ሕጂ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ንምስክረሉ ኢና: እዛ መንግስቲ እዚኣ ነታ ጽድቂ ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም ዕንቅፋት ንዚዀና ሰብኣውያን መንግስትታት ከተጥፍአን እያ። (ዳንኤል 2:44፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) በዚ ምኽንያት እዚ ንጽረፍን ንስጐጕን እኳ እንተ ዀንና: ምእንቲ ስም ክርስቶስ ስቓይ ዚወርደና ምዃኑ ግን የሐጕሰና እዩ።—1 ጴጥሮስ 4:14

7, 8. ተጻረርቲ ኣልዕል ኣቢሎም ብዛዕባ ቐዳሞት ክርስትያናት እንታይ ይብሉ ነበሩ፧

7 የሱስ ንሰዓብቱ ዋላ እውን ሰባት ምእንታኡ ‘ብሓሶት እንተ ተዛረቡሎም’ ሕጉሳት ኪዀኑ ነገሮም። (ማቴዎስ 5:11) ቀዳሞት ክርስትያናት ከምዚ እዩ ኣጋጢምዎም። ኣብ ከባቢ 59-61 ከ.ኣ.ዘ. ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብኡ ዚነብሩ መራሕቲ ኣይሁድ ብዛዕባ ክርስትያናት “ብዛዕባ እዛ ሻራ እዚኣ ግና ኣብ ኵሉ ቦታ ኸም ዚጻረሩ: ንፈልጥ ኢና” በልዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:22) ጳውሎስን ሲላስን “ምስ ኣዋጅ ቄሳር ዚጻላእ ነገር ይገብሩ” ብዚብል ምኽንያት “ንዅሉ ዓለም ዜናዕቡ” ተባሂሎም ተኸሱ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:6, 7

8 ከነት ስኮት ላቱረት ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ ብዛዕባ እቶም ብግዜ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፍ ከሎ ኸምዚ በለ:- “እተፈላለየ ኽሲ እዩ ዚቐርበሎም ነይሩ። ክርስትያናት ኣብ ኣረማዊ ጽምብላት ምስታፍ ብምእባዮም ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ተባህሉ። ኣብቲ . . . ከም ኣረማዊ በዓላት: ህዝባዊ መዘናግዒታት ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ህይወት ዘይሳተፉ ብምዃኖም: ጸላእቲ ዓሌት ወድሰብ ብምባል ኣደዳ ባጫ ዀኑ። . . . ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ለይቲ ኸም ዚራኸቡን . . . ፍኑው ጾታዊ ርክብ ከም ዚገብሩን ይዝረብ ነበረ። . . . [በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ] ኣመንቲ ኣብ ዚርከቡሉ ጥራይ ይበዓል ብምንባሩ: ክርስትያናት ወትሩ ሕጻናት ብምስዋእ ደሞምን ስጋኦምን ከም ዚበልዑ በላበለው ተናፈሰ።” ኣብ ርእሲ እዚውን ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ኣምልኾ ሃጸይ ምስታፍ ብምእባዮም: ጸላእቲ ሃገር ተባሂሎም ተኸሱ።

9. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ናይ ሓሶት ክስታት ብኸመይ ምላሽ ሃቡሉ: ሎሚ ዘሎ ዅነታትከ ኸመይ እዩ፧

9 እዚ ናይ ሓሶት ክስታት ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ እተዋህቦም ሓላፍነት ካብ ምፍጻም ኣይዓገቶምን። ኣብ 60-61 ከ.ኣ.ዘ. ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ‘ኣብ ኵላ ዓለም እናፈረየን እናዓበየን ዚኸይድ ዝነበረ ወንጌል:’ “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር እተሰብከ” ኢሉ ኺዛረብ ክኢሉ ነይሩ። (ቈሎሴ 1:5, 6, 23) ሎሚውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብሓሶት ይኽሰሱ እዮም። ኰይኑ ግን: መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ ዕዮ እናሰፍሐ ይኸይድ ኣሎ: ነቶም ኣብኡ ዚሳተፉ ኸኣ ብዙሕ ሓጐስ የምጽኣሎም ኣሎ።

መስጐጕቲ እናወረዶም ክነሶም ከም ነብያት ሕጉሳት

10, 11. (ሀ) የሱስ ነቲ ሓጐስ ዜምጽእ ታሽዓይ ምኽንያት ብኸመይ እዩ ደምዲምዎ፧ (ለ) ነብያት ስለምንታይ እዮም ተሰጒጎም፧ ኣብነታት ሃብ።

10 የሱስ ነቲ ታሽዓይ ሓጐስ ዜምጽእ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ “ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጎምዎም እዮም እሞ . . . ተሐጐሱ” ብምባል እዩ ዘረባኡ ዓጽዩ። (ማቴዎስ 5:12) እቶም የሆዋ ንዘይእሙናት እስራኤላውያን ኬጠንቅቕዎም ዝለኣኾም ነብያት ዚቕበሎም ስኢኖምን ተሰጒጎምን እዮም። (ኤርምያስ 7:25, 26) ሃዋርያ ጳውሎስ “ብዛዕባ . . . ነብያት . . . እንታይ ክብል እየ፧ ብዛዕባኦም ከየዘንትወልኩም ጊዜ ይሐጽረኒ እዩ። ንሳቶም ብእምነት . . . ብልግጫን ብመግረፍትን: ኣብ ልዕሊ እዚውን ብመቝሕን ማእሰርትን ተፈተኑ” ኺብል ከሎ ነዚ እዩ ዚምስክር ነይሩ።—እብራውያን 11:32-38

11 ብዘመን እቲ እኩይ ንጉስ ኣከኣብን ሰበይቱ ኢዛቤልን ብዙሓት ነብያት የሆዋ ብሰይፊ ተቐትሉ። (1 ነገስት 18:4, 13፣ 19:10) ነብዪ ኤርምያስ ኣብ ጕንዲ ተኣስረ: ኣብ ካልእ እዋን ከኣ ኣብ ጭቃ ዝመልኦ ዔላ ተደርበየ። (ኤርምያስ 20:1, 2፣ 38:6) ነብዪ ዳንኤል እውን ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ተደርበየ። (ዳንኤል 6:16, 17) ኵሎም እዞም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ነብያት ነቲ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ብምጥባቖም መስጐጕቲ ወሪድዎም እዩ፧። ብዙሓት ነብያት ብመራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ተሰጒጎም እዮም። የሱስ ንጸሓፍትን ፈሪሳውያንን “ደቂ ቐተልቲ ነብያት” ኢሉ ጸውዖም።—ማቴዎስ 23:31

12. እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘበልና ኸምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ነብያት መስጐጕቲ ኺወርደና ኸሎ ኸም ክብሪ ጌርና እንርእዮ ስለምንታይ ኢና፧

12 ሎሚውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘበልና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ቀናኣት ስለ ዝዀንና ንስጐጕ ኢና። ጸላእትና “ብጐነጽ ሃይማኖት ከም እነቐይር” ገይሮም ይኸሱና: ንሕና ግን ቀደም ዝነበሩ እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ተመሳሳሊ ነቐፌታ ኸም ዘጋጠሞም ንፈልጥ ኢና። (ኤርምያስ 11:21፣ 20:8, 11) በቲ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ነብያት እተሰቀዩሉ ምኽንያት መስጐጕቲ ኺወርደና ኸሎ ኸም ክብሪ ጌርና ኢና እንርእዮ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ብዛዕባ እዚ “ኣቱም ኣሕዋተይ: ነቶም ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቡ ነብያት: ኣርኣያ ሓሳረ መከራን ትዕግስትን ግበርዎም። እንሆ: ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና” ኢሉ ጸሓፈ።—ያእቆብ 5:10, 11

ሕጉሳት ንምዃን ዜኽእል ኣገዳሲ ምኽንያታት

13. (ሀ) ብመስጐጕቲ ዘይንጕሂ ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ጸኒዕና ንኽንቅጽል ዘኽኣለና እንታይ እዩ: እዚኸ ናይ ምንታይ መርትዖ እዩ፧

13 መስጐጕቲ ኣብ ክንዲ ዜጕህየና: ኣሰር እቶም ነብያትን ቀዳሞት ክርስትያናትን ክርስቶስ የሱስን ንስዕብ ከም ዘሎና ምፍላጥና ብዙሕ እዩ ዜጸናንዓና። (1 ጴጥሮስ 2:21) ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዙሕ ዕግበት ኢና እንረከብ። ንኣብነት: እዚ ዚስዕብ ቃላት ሃዋርያ ጴጥሮስ ኪጥቀስ ይከኣል:- “ኣቱም ፍቁራተይ: በቲ ንምፍታን ዝረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ: ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም: ኣይትገረሙ። ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም: እቲ ናይ ክብርን ናይ ኣምላኽን መንፈስ ኣባኻትኩም ይሐድር እዩ እሞ: ብጹኣን ኢኹም።” (1 ጴጥሮስ 4:12, 14) መንፈስ የሆዋ ኣባና ስለ ዘሎን ስለ ዜበርትዓናን ጥራይ መስጐጕቲ ኽንጻወር ከም ዝኸኣልና ኻብ ተመክሮ ንፈልጦ ኢና። መንፈስ ቅዱስ ዚህበና ድጋፍ በረኸት የሆዋ ኸም ዘሎና መርትዖ እዩ: እዚ ኸኣ ብዙሕ ሓጐስ የምጽኣልና።—መዝሙር 5:12፣ ፊልጲ 1:27-29

14. ምእንቲ ጽድቂ ኽንስጐጕ ከለና ንኽንሕጐስ እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧

14 ምእንቲ ጽድቂ ዚወርደና ምጽራርን መስጐጕትን ሓጐስ ዜምጽኣልና ኻልእ ምኽንያት ከኣ ከም ናይ ሓቂ ክርስትያናት መጠን ንኣምላኽ ውፉያት ኴንና ንመላለስ ከም ዘሎና ስለ ዜረጋግጸልና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ኣብ ትሕቲ ፈተና ንጽህናና ምሕላውና ነቲ ሰይጣን ኵሎም ፍጡራት ንየሆዋ ዜምልኽዎ ብስስዐ ተደሪኾም ከም ዝዀነ ገይሩ ዝኸሰሶ ኽሲ ተወሳኺ መልሲ ዚህብ ምዃኑ ብዙሕ እዩ ዜሐጕሰና። (እዮብ 1:9-11፣ 2:3, 4) ኣብቲ ምርግጋጽ ጽድቃዊ ልዑላውነት የሆዋ ንእሽቶ እውን እንተዀነ እጃምና ብምብርካትና ንሕጐስ ኢና።—ምሳሌ 27:11

በቲ ዓስብኹም ባህ ይበልኩም

15, 16. (ሀ) የሱስ ‘ንኽንሕጐስን ባህ ንኺብለናን’ እንታይ ምኽንያት እዩ ዝሃበና፧ (ለ) ንቕቡኣት ክርስትያናት እንታይ ዓስቢ እዩ ኣብ ሰማያት ዚጽበዮም ዘሎ: እቶም ብጾቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ዓስቦም ዚረኽቡኸ ብኸመይ እዮም፧

15 የሱስ ከምቶም ጥንታዎት ነብያት እናተጸረፍናን እናተሰጐጕናን ሕጉሳት እንዀነሉ ኻልእ ምኽንያት እውን ሂቡ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ እቲ ታሽዓይ ሓጐስ እንረኽበሉ ምኽንያት “ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ: ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም” በለ። (ማቴዎስ 5:12) ሃዋርያ ጳውሎስ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ: ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 6:23) እወ: እቲ ‘ብዙሕ ዓስቢ’ ህይወት እዩ: እዚ ድማ ዚግብኣና ዀይኑ ዝረኸብናዮ ኣይኰነን። የግዳስ: ብናጻ ዚወሃበና ውህበት እዩ። የሱስ ብዛዕባ እቲ ዓስቢ “ኣብ ሰማያት” እዩ ዝበለሉ ምኽንያት ካብ የሆዋ ዚመጽእ ብምዃኑ እዩ።

16 እቶም ቅቡኣት “ኣኽሊል ህይወት:” ማለት ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ዘይትመውት ህይወት ይቕበሉ እዮም። (ያእቆብ 1:12, 17) እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም “ካልኦት ኣባጊዕ” ኣብ ምድራዊት ገነት ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺረኽቡ ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበዩ። (ዮሃንስ 10:16፣ ራእይ 21:3-5) ክልቲኦም ጕጅለታት ነቲ “ዓስቢ” ብጻዕሮም ኣይኰኑን ዚረኽብዎ። እቶም ቅቡኣት ኰኑ እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ሳላ እቲ “ማእለያ ዜብሉ ጸጋ” ኣምላኽ እዮም ዓስቦም ዚረኽቡ። እዚ ድማ ንሃዋርያ ጳውሎስ “ስለቲ ዘይንገር ውህበቱ ንኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ” ኺብል ደረኾ።—2 ቈረንቶስ 9:14, 15

17. መስጐጕቲ ኺወርደና ኸሎ እንሕጐስን ባህ ዚብለናን ስለምንታይ ኢና፧

17 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ድሕሪ ሓጺር እዋን ንገለ ኻብኣቶም ኔሮ ብዘስካሕክሕ መገዲ መስጐጕቲ ዘውረደሎም ክርስትያናት “ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር: እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና: በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን: እቲ ምፍታንውን ተስፋ: በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ: እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ” ኢሉ ጸሓፈሎም። ብዘይካዚውን “ብተስፋ ተሐጐሱ: ብጸበባ ተዐገሱ: ጸሎት ኣዘውትሩ” በሎም። (ሮሜ 5:3-5፣ 12:12) ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ: እቲ ብተኣማንነት እንረኽቦ ዓስቢ ኻብቲ ዚግብኣና ኣዝዩ ዚዓቢ እዩ። ነቲ ፈቃር ኣቦና የሆዋ ኣብ ትሕቲ ንጉስና የሱስ ክርስቶስ ኴንና ንዘለኣለም ከም እነገልግሎ ምፍላጥና ዜምጽኣልና ሓጐስ ደረት የብሉን። እወ: ባህ እዩ ዚብለና።

18. መወዳእታ እናቐረበ ምስ መጸ ኣህዛብ እንታይ ኪገብሩ እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም: የሆዋኸ እንታይ ኪገብር እዩ፧

18 ኣብ ገሊኡ ሃገራት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መስጐጕቲ ወሪድዎም እዩ: ሕጂውን ይወርዶም ኣሎ። የሱስ ብዛዕባ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ዝሃቦ ትንቢት ንናይ ሓቂ ክርስትያናት “ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም” በሎም። (ማቴዎስ 24:9) ናብ መወዳእታ ገጽና እናቐረብና ምስ ከድና: ሰይጣን ነህዛብ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዘለዎም ጽልኢ ኸም ዜርእዩ ኺገብር እዩ። (ህዝቅኤል 38:10-12, 14-16) እዚ ኸኣ የሆዋ ስጕምቲ ዚወስደሉ ግዜ ዚሕብር እዩ። ብዛዕባ እዚ “በዚ ኸምዚ ኣነ ግርማውን ቅዱስን ምዃነይ ክግሀድ: ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ከኣ ባዕለይ ክፍለጥ እየ። ንሳቶምውን ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ: NW] ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም” በለ። (ህዝቅኤል 38:23) የሆዋ ነቲ ዓብዪ ስሙ ኪቕድሶ: ንህዝቡ ድማ ካብ መስጐጕቲ ኼድሕኖም እዩ። ስለዚ: “ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።”—ያእቆብ 1:12

19. ነታ ዓባይ “መዓልቲ ኣምላኽ” እናተጸበና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

19 እታ ዓባይ “መዓልቲ ኣምላኽ” እናቐረበት ምስ ከደት: ምእንቲ ስም የሱስ ‘ክንሓስር ብቑዓት ኴንና ስለ እተቘጸርና’ ንተሓጐስ። (2 ጴጥሮስ 3:10-13፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:41) ኣብታ የሆዋ ዘምጽኣ ጽድቂ ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም እንረኽቦ ዓስብና እናተጸበና ኸለና ኸምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ ‘ብስራት ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣይነብኵር።’—ግብሪ ሃዋርያት 5:42፣ ያእቆብ 5:11

ድግማ

• ምእንቲ ጽድቂ ምስቓይ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

• መስጐጕቲ ኣብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧

• ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ነብያት እዮም ዚስጐጉ ዘለዉ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

• መስጐጕቲ ስለ ዝወረደና ‘እንሕጐስን ባህ ዚብለናን’ ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

“እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን . . . ብጹኣን ኢኹም”

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Group in prison: Chicago Herald-American