ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብንጽህና ተመላለስ

ብንጽህና ተመላለስ

ብንጽህና ተመላለስ

“ኣነስ ብንጽህናይ እየ ዝመላለስ።”—መዝሙር 26:11

1, 2. (ሀ) ንጽህና ወድሰብ ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ብዛዕባ ልዑላውነት ኣምላኽ እተላዕለ ጕዳይ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) መስተውዓልቲ ፍጡራት ኣብ ጐድኒ ልዑላውነት የሆዋ ምዃኖም ብኸመይ እዮም ዜርእዩ፧

 ሰይጣን ኣብ ገነት ኤድን ምስ ዓለወ: ኣምላኽ ንዅሎም ፍጡራቱ ኺገዝእ መሰል ዘለዎ እንተ ዀይኑ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። እተወሰነ እዋን ጸኒሑ: ደቅሰብ ንጥቕሞም ጥራይ ንኣምላኽ ከም ዜገልግሉ ኸሰሰ። (እዮብ 1:9-11፣ 2:4) በዚ ኸምዚ ንጽህና ደቅሰብ ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ብዛዕባ ልዑላውነት የሆዋ እተላዕለ ጕዳይ ኰነ።

2 ልዑላውነት ኣምላኽ ኣብ ንጽህና ፍጡራቱ ዚምርኰስ እኳ እንተ ዘይኰነ: ደቅሰብን መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽን ኣብዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ኣቕዋም ከም ዘለዎም ኬርእዩ ይኽእሉ እዮም። ብኸመይ፧ ብንጽህና ብምምልላስ ወይ ብኣንጻሩ ብምምልላስ እዮም ነዚ ዚገብሩ። እምበኣር ሓደ ውልቀ-ሰብ ብንጽህናኡ እዩ ዚፍረድ።

3. (ሀ) እዮብን ዳዊትን: የሆዋ እንታይ ኪምርምርን ኪፈርድን እዮም ደልዮም፧ (ለ) ብዛዕባ ንጽህና እንታይ ሕቶታት እዩ ዚለዓል፧

3 እዮብ ብምትእምማን “ኣምላኽ ንጹህ ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጥሲ: ኣነ ብቕኑዕ ሚዛን እምዘን” በለ። (እዮብ 31:6) እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት “ዎ እግዚኣብሄር: ብንጽህና ተመላሊሰ: ከይተሐንኰልኩ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ተወኪለ እየ እሞ: ፍረደለይ” ኢሉ ኺጽሊ ኸሎ የሆዋ ንንጽህናኡ ኺምርምሮ እዩ ሓቲቱ። (መዝሙር 26:1) ንሕናውን ብንጽህና ምምልላስናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ እዩ! ንጽህና ግን እንታይ እዩ: ብንጽህና ምምልላስ ኪበሃል ከሎኸ እንታይ ማለት እዩ፧ በዚ ኸምዚ ንምምልላስ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

“ብንጽህና ተመላሊሰ”

4. ንጽህና እንታይ እዩ፧

4 ንጽህና እትብል ቃል ቅኑዕ: ብዘይ ጕድለት: ጻድቕ: ከምኡውን ብዘይ ኣበር ምዃን ተመልክት። ይኹን እምበር: እዛ ቓል እዚኣ ቕኑዕ ነገር ካብ ምግባር ንላዕሊ እውን እተጠቓልል እያ። ብስነ-ምግባር ጥዑይ ምዃን ወይ ብምሉእ ልብኻ ንኣምላኽ ውፉይ ምዃን ተመልክት እያ። ሰይጣን ንኣምላኽ “ግናኸ ኣብ ገጽካ እንተ ዘይክሕዱካስ: ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ስጋኡን ዓጽሙን ሃሰስ ኣይትብሎን” ኢሉ ንእዮብ ኪኸሶ ኸሎ: ንውሽጣዊ ድራኼኡ እዩ ኣብ ሕቶ ዜእትዎ ነይሩ። (እዮብ 2:5) ንጽህና ግቡእ ተግባራት ጥራይ ዘይኰነስ: ቅኑዕ ልባዊ ድራኸ እውን ዚሓትት እዩ።

5. ንጽህናና ንኽንሕሉ ፍጹማት ክንከውን ከም ዘየድልየና ዜርእየና እንታይ እዩ፧

5 ንጽህናኻ ንኽትሕሉ ግን ፍጹም ክትከውን ኣየድልየካን እዩ። ንጉስ ዳዊት ዘይፍጹምን ኣብ ህይወቱ ኸበድቲ ጌጋታት ዝፈጸመን እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን “ብንጽህና ልቢ” ኸም እተመላለሰ ገይሩ እዩ ዚዛረበሉ። (1 ነገስት 9:4) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ዳዊት ንየሆዋ የፍቅሮ ነበረ። ልቡ ንኣምላኽ ውፉይ ነበረ። ጌጋታቱ ኸይሓባብአ ተኣሚኑ: ተግሳጽ ተቐቢሉ: መገዱ ድማ ኣዐርዩ እዩ። እወ: ንጽህና ዳዊት ኣብቲ ንየሆዋ ኣምላኹ ብምሉእ ልቡ ዝነበሮ ተወፋይነትን ፍቕርን ኪርአ ይከኣል እዩ።—ዘዳግም 6:5, 6

6, 7. ብንጽህና ምምልላስ እንታይ የጠቓልል፧

6 ንጽህና ኣብ ከም ሃይማኖታዊ ተወፋይነት ዝኣመሰለ እተወሰነ መዳይ ባህሪ ወድሰብ እተደረተ ኣይኰነን። ንብምሉኡ ህይወትና ዝሓቘፈ እዩ። ዳዊት ብንጽህና ‘ተመላለሰ።’ ዘ ኒው ኢንተርፕረተርስ ባይብል “እታ ‘ምምልላስ’ እትብል ግሲ ‘ናብራ’ ወይ ‘ኣነባብራ’ ዚብል ትርጕም ዝሓዘለት እያ” ትብል። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እቶም “ብመገዶም ፍጹማት ዝዀኑ” ኺዛረብ ከሎ: “ምስክራቱ [ናይ ኣምላኽ ማለት እዩ] ዚሕልዉ: ብምሉእ ልቢ ዚደልይዎ ብጹኣን እዮም። እከይ ኣይገብሩን: ብመገድታቱ ኸኣ ይመላለሱ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 119:1-3) ብንጽህና ምእንቲ ኽትመላለስ: ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባርን ብመገድታቱ ንምምልላስን ብቐጻሊ ኽትደሊ ወይ ክትጽዕር ኣሎካ።

7 ብንጽህና ንምምልላስ ኣብ ጽንኩር እዋን እውን እንተዀነ እሙናት ኴንና ናብ ኣምላኽ ምልጋብ የድሊ። ንዜጋጥመና ፈተናታት ክንጻወር: እናጸበበና ኽንጸንዕ: ወይ እዛ እክይቲ ዓለም እተምጽኣልና መስድዒታት ክንጻረር ከለና ንጽህናና ንጹር እዩ ዚኸውን። የሆዋ ነቲ ዚጸርፎ ምላሽ ንምሃብ ስለ ዚኽእል ‘ንልቡ ነሐጕሶ።’ (ምሳሌ 27:11) እምበኣር: ከም እዮብ “ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን” ብምባል ቈራጽነት ንምግባር ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። (እዮብ 27:5) መበል 26 መዝሙር ብንጽህና ንኽንመላለስ እንታይ ከም ዚሕግዘና ትገልጸልና።

“ንዀላሊተይን ልበይን ኣጽርዮ”

8. ዳዊት ኰላሊቱን ልቡን ብየሆዋ ኺምርመር ካብ ዘቕረቦ ለመና እንታይ ተማሂርካ፧

8 ዳዊት “ዎ እግዚኣብሄር: መርምረንን ተዐዘበንን: ንልበይን ኰላሊተይን መርምሮ” ወይ ብመሰረት እቲ በዅሪ ቛንቋ እብራይስጢ “ንዀላሊተይን ልበይን ኣጽርዮ” ኢሉ ጸለየ። (መዝሙር 26:2) ኰላሊት ኣብ ውሽጢ ኣካላትና እዩ ዚርከብ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኸኣ ንውሽጣዊ ሓሳባትን ስምዒታትን የመልክት። ምሳልያዊ ልቢ ኸኣ ጠቕላላ ውሽጣዊ እንታይነት ሓደ ሰብ: ማለት ድራኸታቱን ስምዒታቱን ምስትውዓሉን የመልክት። ዳዊት ብየሆዋ ኺምርመር ኪሓትት ከሎ: ውሽጣዊ ሓሳባቱን ስምዒታቱን ብደቂቕ ኪምርመር እዩ ዚጽሊ ነይሩ።

9. የሆዋ ንዀላሊትናን ልብናን ብኸመይ እዩ ዜጽርዮ፧

9 ዳዊት ኰላሊቱን ልቡን ኪጸርየሉ እውን ለሚኑ እዩ። የሆዋ ውሽጥና ዜጽርየና ብኸመይ እዩ፧ ዳዊት “ነቲ ዚምዕደኒ እግዚኣብሄር እባርኾ አሎኹ: ብለይቲ እኳ ኰላሊተይ ይምህራኒ እየን” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 16:7) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣምላኽ ዚህቦ ማዕዳ ኣብ ውሽጢ ዳዊት ከም ዝኣተወን ኣብኡ ኸም እተቐመጠን እሞ ንውሽጣዊ ሓሳባቱን ስምዒታቱን ከም ዚምህሮ ወይ ከም ዚእርሞ የመልክት። ነቲ ብቓል ኣምላኽ: ብተወከልቱ: ከምኡውን ብማሕበሩ ኣቢሉ ዚመጽእ ማዕዳ ብሞሳ እንተ ኣስተንቲንናሉን ኣብ ውሽጥና እንተ ኣንቢርናዮን ንሕናውን ከምኡ ኽንጥቀም ኢና። የሆዋ በዚ መገዲ እዚ ንኼጽርየና ኣዘውቲርና ንጽሊ እንተደኣ ዄንና: ብንጽህና ንኽንመላለስ ኪሕግዘና እዩ።

‘ሳህልኻ ኣብ ቅድመይ እዩ’

10. ንዳዊት ብናይ የሆዋ ሓቂ ኺመላለስ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

10 ዳዊት ቀጺሉ “ሳህልኻ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ እዩ እሞ: ብሓቅኻ እመላለስ አሎኹ” በለ። (መዝሙር 26:3) ንሳህሊ ኣምላኽ ኣጸቢቑ እዩ ዚፈልጦ ነይሩ: ብሞሳ ኸኣ የስተንትነሉ ነበረ። “ነፍሰይ: ንእግዚኣብሄር ባርኺ: ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ” ኢሉ ዘመረ። ሓደ ኻብቲ “ግብርታት” ኣምላኽ ኪዝክር ከሎ ኸኣ ቀጺሉ “እግዚኣብሄርሲ ንዅሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር እዩ። መገድታቱ ንሙሴ: ግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ” በለ። (መዝሙር 103:2, 6, 7) ምናልባት ዳዊት ነቲ ግብጻውያን ብመዓልትታት ሙሴ ዝገበርዎ ንእስራኤላውያን ዜጥቅዕዎም ዝነበሩ መጥቃዕቲ እዩ ዚሓስብ ነይሩ። ከምኡ እንተደኣ ዀይኑ: እቲ የሆዋ ዜድሕነሉ መገድታት ንሙሴ ብኸመይ ከም ዘፍለጦ: ንልቢ ዳዊት ተንኪፍዎ: ብናይ ኣምላኽ ሓቂ ንኺመላለስ ቈራጽነት ንኺገብር ድማ ኣበርቲዕዎ ኪኸውን ኣለዎ።

11. ብንጽህና ንኽንመላለስ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

11 ንሕናውን ቃል ኣምላኽ ኣዘውቲርና ምስ እነንብብን ነቲ እተመሃርናዮ ምስ እነስተንትነሉን ብንጽህና ንኽንመላለስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ሰበይቲ ጶጢፋር ንዮሴፍ ጾታዊ ርኽሰት ንኺፍጽም ምስ ሓተተቶ ኸም ዝሃደመ ምዝካርና ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ተመሳሳሊ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ ንኽንሃድም ከም ዜተባብዓና እተረጋገጸ እዩ። (ዘፍጥረት 39:7-12) ስጋዊ ብልጽግና ወይ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚርከብ ዝናን ስልጣንን እንተ ፈቲኑናኸ እነስተንትነሉ ኣብነት ኣሎናዶ፧ እቲ ንኽብሪ ግብጺ ዝነጸገ ሙሴ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። (እብራውያን 11:24-26) ትዕግስቲ ወይ ጽንዓት እዮብ ምዝካርና: ሕማም ኰነ ኻልእ ጸገማት የጋጥመና ብዘየገድስ ንየሆዋ እሙናት ክንከውን ዘሎና ቘራጽነት ከም ዜደልድሎ ኣየጠራጥርን እዩ። (ያእቆብ 5:11) መስጐጕቲ እንተ ወሪዱናኸ፧ ነቲ ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ዘሕለፎ ምዝካርና ትብዓት ኢና እንረክብ!—ዳንኤል 6:16-22

“ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን”

12, 13. ካብ እንታይ ዓይነት ዕርክነት ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧

12 ዳዊት ካልእ ንንጽህናኡ ዘደልደለሉ ረቛሒ ኺጠቅስ ከሎ: “ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን: ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩን። ንማሕበር እኩያት እጸልኣ: ምስ ረሲኣንውን ኣይቅመጥን እየ” በለ። (መዝሙር 26:4, 5) ምስ ረሲኣን ከቶ ኣይቅመጥን እዩ ነይሩ። ክፉእ ዕርክነት ይጸልእ ነበረ።

13 ንሕናኸ፧ ምስቶም ብመደባት ተለቪዥን: ብቪድዮታት: ብሲነማታት: ብመርበብ ሓበሬታ: ወይ ብኻልእ መገዲ ጌርና እንረኽቦም ሓሰውቲ ሰባት ምቕማጥ ንኣቢ ዲና፧ ካብቶም ኣምሰሉታት ንርሕቕ ዲና፧ ገሊኦም ኣብ ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕ እንረኸቦም ሰባት: ንኼታልሉና ኢሎም ኣዕሩኽትና የምስሉ እዮም። ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ብናይ ኣምላኽ ሓቂ ዘይመላለሱ ሰባት ናይ ቀረባ ዕርክነት ነማዕብል ዲና፧ ከሓድቲውን ቅኑዓት ብምምሳል ካብ ኣገልግሎት የሆዋ ንኼርሕቑና ዘለዎም ውጥን ይሓብእዎ ይዀኑ። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽልተ ዓይነት ህይወት ዚመርሑ ገለ ሰባት እንተ ሃልዮምከ፧ ንሳቶም እውን ኣምሰሉታት እዮም። ሕጂ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ዜገልግል ዘሎ ጄሰን ብንእስነቱ ኸምዚ ዝኣመሰሉ ኣዕሩኽ ነበርዎ። ብዛዕባኦም ድማ ከምዚ በለ:- “ሓደ መዓልቲ ሓደ ኻባታቶም ‘ሕጂ እንገብሮ ነገር ዜገድስ ኣይኰነን: ከመይሲ: ሓድሽ ኣገባብ ምስ መጸ: ክንመውት ኢና። እንታይ ይሓልፈና ኸም ዘሎ ኣይክንፈልጥን ኢና’ በለኒ። እዚ ዘረባ እዚ ንዓይ ኣንቂሑኒ እዩ። ሓድሽ ኣገባብ ኪመጽእ ከሎ ኺመውት ኣይደልን እየ።” ጄሰን ምስዞም ሰባት ዝነበሮ ዕርክነት ብምብታኽ ጥበባዊ ውሳነ ገበረ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣይትታለሉ: ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ኢሉ ኣጠንቂቑ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 15:33) ካብ ሕማቕ ዕርክነት ክንርሕቕሲ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!

‘ንብዘሎ ተኣምራትካ ኸዘንትዎ እየ’

14, 15. ‘ንመሰውኢ የሆዋ ኽንዞሮ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 ዳዊት ኣስዕብ ኣቢሉ “ዎ እግዚኣብሄር: ነእዳወይ ብንጽህና እሐጽበን: ድምጺ ምስጋና ኸስምዕ: ንብዘሎ ተኣምራትካውን ምእንቲ ኸዘንትዎስ: ንመሰውኢኻ እዞሮ አሎኹ” በለ። (መዝሙር 26:6, 7) ንየሆዋ ምእንቲ ኸምልኾን ንዕኡ ዘለዎ ተወፋይነት ምእንቲ ኺእውጅን ብስነ-ምግባር ንጹህ ኪኸውን ደለየ።

15 ኵሉ እቲ ፈለማ ኣብቲ ማሕደር: ደሓር ከኣ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ዚግበር ዝነበረ ምስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚተሓሓዝ ነገራት “ናይታ ሰማያዊት ምስልን ጽላሎታን” እዩ ነይሩ። (እብራውያን 8:5፣ 9:23) እቲ መሰውኢ ነቲ የሆዋ ንመስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ንድሕነት ደቅሰብ ኪኸውን ብምቕባል ዘርኣዮ ፍቓድ እዩ ዜመልክት። (እብራውያን 10:5-10) እምበኣር: ኣብቲ መስዋእቲ ብምእማን ኢና ነእዳውና ብንጽህና እንሓጽቦ: ‘ንመሰውኢ የሆዋ ድማ እንዞሮ።’—ዮሃንስ 3:16-18

16. ተኣምራት ኣምላኽ ምእዋጅ ንዓና ብኸመይ ይጠቕመና፧

16 ብዛዕባ እቲ ብበጅነት እተረኽበ ነገራት ብምሉኡ ኽንሓስብ ከለና: ልብና በቲ ንየሆዋን ነቲ ሓደ ወዱን ዘሎና ምስጋና ደይኰነን ዚምላእ፧ እምበኣር ካብ ልባዊ ምስጋና ተበጊስና ንኻልኦት ነቲ ሰብ ኣብ ገነት ኤድን ካብ እተፈጥረሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ኣምላኽ ኣብ ሓዳስ ዓለም ንዅሉ ኸም ዝነበሮ ዚገብረሉ እዋን ዚፍጸም ዘሎ ተኣምራት የሆዋ ነፍልጦም። (ዘፍጥረት 2:7፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:21) ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ብርግጽ ዕቝባ እዩ ዚዀነና። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ኣብቲ ዕዮ እቲ ትሑዛት ምዃንና መጻኢ ተስፋና ብሩህ ይገብሮ: ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ዘላትና እምነት የደልድላ: ከምኡውን ንየሆዋን ንሰባትን ዘላትና ፍቕሪ ህያው ይገብራ።

‘ንቤት ማሕደርካ ኤፍቅሮ እየ’

17, 18. ንክርስትያናዊ ኣኼባታትና ዘሎና ኣረኣእያ እንታይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧

17 እቲ ማሕደርን እቲ መሰውኢኡን ኣብ እስራኤል ማእከል ኣምልኾ የሆዋ እዩ ነይሩ። ዳዊት ነቲ ቦታ እቲ ኸም ዚፈትዎ ኺገልጽ ከሎ: “ዎ እግዚኣብሄር: ንቤት ማሕደርካ: ነቲ ኽብርኻ ዚነብረሉ ቦታ ኤፍቅሮ እየ” በለ።—መዝሙር 26:8

18 ኣብቲ ብዛዕባ የሆዋ እንመሃረሉ ቦታታት ምእካብ ንፈቱ ዲና፧ ነፍሲ ወከፍ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ስሩዕ መደብ መንፈሳዊ ትምህርቲ ዚወሃበሉ ብምዃኑ: ኣብቲ ዘለዎ ማሕበረሰብ ከም ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ ዜገልግል። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ዓዓመት ኣውራጃዊ ኣኼባ: ናይ ወረዳ ኣኼባ: ከምኡውን መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ኣሎና። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ “ምስክራት” ወይ መዘኻኸሪታት የሆዋ እዩ ዚቐርብ። ነዚ ‘ኣዚና ነፍቅሮ’ እንተደኣ ዄንና: ኣብ ኣኼባታት ንምእካብ ሃንቀውታ ኺህልወና እዩ: ምስ ተኣከብናውን ጽን ኢልና ኽንሰምዕ ኢና። (መዝሙር 119:167) ምስቶም ንብሕታዊ ድሕንነትና ዚሓልዩን ንጽህናና ሓሊና ንኽንመላለስ ዚሕግዙናን ክርስትያናት ብጾትና ኽንከውንሲ ኽሳዕ ክንደይ መንፈስ ዜሐድስ ኰን እዩ!—እብራውያን 10:24, 25

‘ንህይወተይ ኣይትመንጥላ’

19. ዳዊት ብምንታይ ሓጢኣት እዩ ገበነኛ ኪኸውን ዘይደለየ፧

19 ዳዊት ብናይ ኣምላኽ ሓቂ ዘይምምልላስ ዘለዎ ሳዕቤን ኣጸቢቑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ: “ንነፍሰይ ምስቶም ኣብ ኣእዳዎም ዓመጻ [ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ እብራይስጢ: “ነውሪ”] ዘለዎም ሓጥኣን: ንህይወተይ ከኣ ምስቶም የማነይቲ ኢዶም መማለጃ ዝመልኤት ሰብ ደም ኣይትመንጥላ” በለ። (መዝሙር 26:9, 10) ምስቶም ቀይዲ በተኽ ዝዀኑን መማለጃ ዚወስዱን እኩያት ሰባት ኪቝጸር ኣይደለየን።

20, 21. ብመገዲ እቶም ፍቕሪ ኣምላኽ ዘይብሎም ከም እንመላለስ ኪገብረና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

20 ሎሚ ዓለምና ብርኽሰት ኣጥለቕሊቓ እያ ዘላ። ተለቪዥን: መጽሔታት: ከምኡውን ፊልምታት ንውርምና ወይ “ዕብዳን” እዩ ዜተባብዕ። (ገላትያ 5:19) ገሊኦም ባሮት ስእለ-ጽዩፍ ኰይኖም ኣለዉ: እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ርኽሰት እዩ ዚመርሕ። ብፍላይ መንእሰያት ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጽልዋታት ተኣፈፍቲ እዮም። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ምስ ኣንጻር ጾታ ንበይንኻ ግዜ ምሕላፍ ልሙድ እዩ: መንእሰያት ከኣ ከምኡ ኺገብሩ እዮም ጸቕጢ ዚግበረሎም። ገሊኦም መንእሰያት ንሓዳር ገና ኸይኣኸሉ ፍቕራዊ ርክብ ይጅምሩ። ነዊሕ ከይጸንሑ ነቲ ኣብ ውሽጦም እናወሰኸ ዚኸይድ ጾታዊ ድሌቶም ንምርዋይ: ኣብ ርኹስ ተግባራት ይሳተፉ: ምንዝር ክሳዕ ምፍጻም እውን ይበጽሑ።

21 ዓበይቲ እውን እንተዀኑ ኻብዚ ሕማቕ ጽልዋታት እዚ ሓራ ኣይኰኑን። ኣብ ንግዲ ዚግበር ምትላልን ንርእስኻ ዚጥዕመካ ጥራይ ውሳነታት ምግባርን ንጽህና ኸም ዝጐደለ እዩ ዚሕብር። ብመገድታት ዓለም ምምልላስ ካብ ኣምላኽ እዩ ዜርሕቐና። እምበኣር: ‘እከይ ንጽላእ: ሰናይ ከኣ ነፍቅር:’ ብንጽህና ድማ ንመላለስ።—ኣሞጽ 5:15

“ኣድሕነኒ ምሐረኒውን”

22-24. (ሀ) ኣብ መወዳእታ መዝሙር 26 እንታይ ምትብባዕ ኢና እንረክብ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ መፈንጠራ ኢና ኽንመያየጥ፧

22 ዳዊት ንኣምላኽ እተዛረቦ ዘረባ “ኣነስ ብንጽህናይ እየ ዝመላለስ: ኣድሕነኒ ምሐረኒውን። እግረይ ኣብ ጥጡሕ ቦታ ደው ኢላ አላ: ኣብ ማሕበራት ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ” ብምባል እዩ ዛዚምዎ። (መዝሙር 26:11, 12) ንጽህናኡ ንምሕላው ዝነበሮ ቘራጽነት ምስቲ ንኺድሕን ዝገበሮ ልመና ኣጸቢቑ ይተኣሳሰር እዩ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ! ሓጥኣን እኳ እንተ ዀንና: ብንጽህና ኽንመላለስ እንተደኣ ቘሪጽና የሆዋ ኺሕግዘና እዩ።

23 ናብራና ንልዑላውነት ኣምላኽ ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና ኸም እነኽብር የርኢ። ነፍሲ ወከፍና የሆዋ ውሽጣዊ ሓሳባትናን ስምዒታትናን ንኺምርምረና ዀነ ንኼጽረየና ብጸሎት ክንሓቶ ንኽእል ኢና። ቃል ኣምላኽ ብትግሃት ብምጽናዕ: ብናይ ኣምላኽ ሓቂ ኽንመላለስ ንኽእል ኢና። እምበኣር: ዝገበርና ጌርና ኻብ ሕማቕ ዕርክነት ንርሓቕ: ንየሆዋ እውን ኣብ ማሕበራት ነመስግኖ። ብቕንኣት ኣብቲ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ንሳተፍ: ዓለም ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ኽቡር ርክብ ኣብ ሓደጋ ኸተእትዎ እውን ኣይነፍቅደላ። ብንጽህና ንምምልላስ ዚከኣለና ዅሉ ምስ እንገብር: የሆዋ ኸም ዚምሕረና ወይ ሞገሱ ኸም ዜርእየና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

24 ንጽህና ንዅሉ መዳይ ህይወትና ዚትንክፍ ስለ ዝዀነ: ካብቲ ሓደገኛ መፈንጠራ ዝዀነ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። እዚ ኸኣ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንመያየጠሉ ኢና።

ትዝክሮዶ፧

• መስተውዓልቲ ፍጡራት ብንጽህናኦም ኪፍረዱ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ንጽህና እንታይ እዩ: ብንጽህና ምምልላስከ እንታይ የጠቓልል፧

• ብንጽህና ንኽንመላለስ እንታይ ይሕግዘና፧

• ንጽህናና ንምሕላው ካብ እንታይ ሓደጋታት ክንጥንቀቕን ክንርሕቕን ኣሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንውሽጣዊ ሓሳባትካ ንኺምርምሮ ኣዘውቲርካ ትሓቶ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ሳህሊ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ዲኻ እትገብሮ፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ፈተናታት እናኣጋጠመና ንጽህናና ምሕላውና ንልቢ የሆዋ የሐጕሶ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ የሆዋ ብንጽህና ንኽትመላለስ ዝገበረልካ ምድላው ትጥቀመሉ ዲኻ፧