ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኪዝከር ዘለዎ ውልደት

ኪዝከር ዘለዎ ውልደት

ኪዝከር ዘለዎ ውልደት

‘እንሆ: ሎሚ መድሓኒ—ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ—ተወሊዱልኩም ኣሎ።’—ሉቃስ 2:11

ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመት ይገብር: ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ቤት-ልሄም ወዲ ወለደት። ካብ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም ኣገዳስነት እዚ ውልደት እዚ ዘስተውዓሉ። ገሊኦም ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሓደሩ ጓሶት ከኣ ብዙሓት መላእኽቲ ረኣዩ: “ሰላም . . . ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” ኢሎም ኪዝምሩ ኸለዉ እውን ሰምዕዎም።—ሉቃስ 2:8-14

ድሕርዚ እቶም ጓሶት ልክዕ ከምቲ እቶም መላእኽቲ ዝሓበርዎም ንማርያምን ንዮሴፍ ሰብኣያን ኣብ ደምበ ረኸብዎም። ማርያም ነቲ ሕጻን የሱስ ኢላ ሰመየቶ: ኣብቲ ደምበ ኣብ ዝነበረ መብልዕ ማል ድማ ኣደቀሰቶ። (ሉቃስ 1:31፣ 2:12) ሕጂ ድሕሪ ኽልተ ሽሕ ዓመት: ሓደ ሲሶ ዝዀኑ ደቅሰብ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ዚስዕቡ ይዛረቡ። እቲ ምስ ውልደቱ እተተሓሓዘ ፍጻመታት ከኣ ብህቡብነቱ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ቀዳምነት ዝሓዘ ዛንታ ኸይኰነ ኣይተርፍን እዩ።

እታ ስርዓት ካቶሊክ ኣጸቢቓ እትስዕብን ንባህላዊ በዓላት ሓለፍ ብዝበለ መገዲ እተብዕልን ሃገረ ስጳኛ: ነታ ኣብ ቤት-ልሄም ዝሓለፈት ፍልይቲ ምሸት እትዝክረሉ ሓያሎ መገድታት ኣማዕቢላ እያ።

ልደት ኣብ ስጳኛ ዚበዓለሉ መገዲ

ካብ መበል 13 ዘመን ኣትሒዙ: ምስ ውልደት የሱስ ዚተሓሓዝ ትርኢታት ሓደ ኻብቲ ልሙድ ተርእዮታት በዓላት ስጳኛ ዀይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ሓያሎ ስድራቤታት ነቲ የሱስ ደቂሱሉ ዝነበረ መብልዕ ማል ዚመስል ንእሽቶ ምስሊ ይሰርሓ እየን። ናይቶም ጓሶት: ናይቶም ሰብ ጥበብ (ወይ “ሰለስተ ነገስታት” ዚበሃሉ): ከምኡውን ናይ ዮሴፍን ማርያምን የሱስን ምስሊ ብካይላ ገይሮም ይሰርሑ። ክንዲ ሰብ ዚኸውን ዓበይቲ ምስልታት እውን ኣብ እዋን ልደት ኣብ ኣደራሻት ምምሕዳር ከተማ ይግበር እዩ። ፍራንሲስ ብዓል ኣሲሲ ሰባት ኣብቲ ኣብ ወንጌል ዚርከብ ጸብጻብ ውልደት የሱስ ንኼተኵሩ ኢሉ እዩ ነዚ ባህሊ እዚ ኣብ ኢጣልያ ጀሚርዎ። ጸኒሖም ፈለስቲ ፍራንሲስ ነዚ ልምዲ እዚ ኣብ ስጳኛን ሓያሎ ኻልኦት ሃገራትን ልሙድ ከም ዚኸውን ገበርዎ።

እቶም ሰብ ጥበብ ወይ ሰብኣ ሰገል ኣብ ኣበዓዕላ ልደት ስጳኛ ማዕረ እቲ ኣብ ካልእ ሃገራት ንሳንታ ክላውስ ዚወሃብ ኣትኵሮ ስለ ዚግበረሎም ኣገዳሲ ግደ ኣለዎም። ኣብታ ዲያ ደ ሬየስ (መዓልቲ ነገስታት) እትበሃል 6 ጥሪ: ከምቲ እቶም ሰብ ጥበብ: የሱስ ምስ ተወልደ ገጽ በረኸት ኣምጺኦምሉ ዚበሃል: ንቘልዑ ስጳኛ እውን ገጽ በረኸት ኪህቡዎም እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም። እንተዀነ ግን: ኣብ ወንጌል ዚርከብ ጸብጻብ ብዝሒ እቶም ንየሱስ ኪበጽሕዎ ዝኸዱ ሰብ ጥበብ ከም ዘይገልጽ ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም ዚፈልጥዎ። ኣብ ርእሲ እዚውን ነገስታት ዘይኰኑስ: ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ እዮም ነይሮም። a ብዘይካዚውን: ኣብኡ በጺሖምዎ ድሕሪ ምኻዶም: ሄሮድስ ንየሱስ ኪቐትል ኢሉ ንዅሎም ኣብ ቤት-ልሄም ዝነበሩ “ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዘለዉ” ሕጻናት ኣቕቲሉ እዩ። እዚ ድማ የሱስ ምስ ተወልደ ንውሕ ዝበለ ግዜ ጸኒሖም ኪበጽሕዎ ኸም ዝኸዱ የመልክት።—ማቴዎስ 2:11, 16

ካብ መበል 12 ዘመን ኣትሒዙ ገሊአን ከተማታት ስጳኛ ብዛዕባ ውልደት የሱስ ዚገልጽ ትያትር ኪሰርሓ ጸኒሐን እየን። ኣብኡ ኸኣ መጀመርታ እቶም ጓሶት: ድሕሪኦም ድማ እቶም ሰብ ጥበብ ናብ ቤት-ልሄም ኪበጽሑ ኸም ዝኸዱ ይርአ። ኣብዚ ግዜና መብዛሕትአን ከተማታት ስጳኛ ብ5 ጥሪ ካባልጋታ ወይ ሰልፊ ይገብራ እየን። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እቶም “ሰለስተ ነገስታት” ኣብ እተሰላለማ ማካይን ደይቦም ብማእከል እቲ ኸተማ ይሓልፉ: ንተዓዘብቲ ድማ ካራሜላ ይዕድልዎም። እቲ ባህላዊ ስልማታት ኰነ እቶም ቪዬንሲኮስ (መዘምራን) ነቲ በዓል ድምቀት ይውስኹሉ።

መብዛሕትአን ስድራቤታት ስጳኛ ድሮ ልደት (24 ታሕሳስ) ፍሉይ ድራር ይገብራ እየን። ገለ ኻብቲ ሽዑ ዚቐርብ ባህላዊ ምግቢ ቱሮን (ካብ ለውዝን መዓርን እተሰርሐ ምቁር ምግቢ): ማርዚፓን (ዓይነት ዶልሺ): ዝነቐጸ ፍረታት: እተጠብሰ ስጋ በጊዐ: ከምኡውን ናይ ባሕሪ ምግቢ ይርከቦ። ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዚነብሩ ኣባላት ስድራቤት እውን ከይተረፉ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ንኺተኣኻኸቡ ዚከኣሎም እዮም ዚገብሩ። ኣብቲ ብ6 ጥሪ ዚዳሎ ኻልእ ባህላዊ መኣዲ ድማ ኣባላት ስድራቤታት ኣብ ውሽጡ ሶርፐሬሳ (ንኣሽቱ ምስሊ) ዘለዎ ሮስኮን ደ ሬየስ ዚበሃል ዓንኬላዊ ዝቕርጹ ናይቶም “ነገስታት” ምቁር ሕብስቲ ይበልዑ። ብግዜ ሮማውያን ተመሳሳሊ ባህሊ ብምንባሩ ነቲ ኣብቲ ሕብስቲ እትርከብ ሕብእቲ ነገር ዝበጽሓቶ ባርያ ንሓደ መዓልቲ “ንጉስ” ከም ዚኸውን ይግበር ነበረ።

“ልዕሊ ዅሉ ዜሐጕሶምን ትሑዝ ዚገብሮምን እዋን”

ኣብ በበይኑ ዓድታት ዘሎ ልምድታት ብዘየገድስ: ልደት ኣብ ዓለም ብቐዳምነት ዚጥቀስ በዓል ኰይኑ ኣሎ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ዚበሃል መዝገበ-ፍልጠት ንበዓል ልደት “ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ክርስትያናትን ገሊኦም ክርስትያናት ዘይኰኑ ሰባትን ኣብ ዓመት ልዕሊ ዅሉ ዜሐጕሶምን ትሑዝ ዚገብሮምን እዋን” ኢሉ ጠቒስዎ ኣሎ። እዚ በዓል እዚ ጠቓሚ ድዩ፧

ውልደት ክርስቶስ ታሪኻዊ ፍጻመ ምንባሩ ንጹር እዩ። አረ እቶም መላእኽቲ እውን “ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” ኢሎም ምእዋጆም: ኣገዳስነት እቲ ፍጻመ እዩ ዚሕብር።

ይኹን እምበር: ዃን ኣርየስ ዚበሃል ስጳኛዊ ጋዜጠኛ “ኣብ መጀመርታ ክርስትና ውልደት የሱስ ኣይበዓልን እዩ ነይሩ” በለ። ከምዚ እንተደኣ ነይሩ: በዓል ልደት ካበይ እዩ መጺኡ፧ ውልደትን ህይወትን የሱስ እንዝክረሉ ብሉጽ መገዲ እንታይ እዩ፧ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ክትረክብ ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ላ ሳግራዳ ኢስክሪቱራ—ተክስቶ ዪ ኮሜንቴርዮ ፖር ፕሮፈሶሬስ ደ ላ ኮምፓኛ ደ ኼሱስ (ቅዱሳት ጽሑፋት—ብፕሮፌሰራት በጻሕቲ የሱስ እተዳለወ ጽሑፍን ሓሳባትን) እትበሃል ጽሕፍቲ “እቶም ሰብኣ ሰገል ስሒርን ቈጸራ ኸዋኽብትን ሕክምናን ዜካይዱ ናይ ፋርሳውያንን ሜዶናውያንን ከለዳውያንን ካህናት” ምንባሮም ትገልጽ። ይኹን እምበር: እቶም ንየሱስ ኪርእይዎ ዝኸዱ ሰብ ጥበብ ኣብ ማእከላይ ዘመን ብወግዒ ቕዱሳት ተባህሉ: መልኽዮር: ጋስፐር: ከምኡውን ባልታዛር ዚብል ኣስማት እውን ተዋህቦም። ኣብ ኮሎኝ: ጀርመን: ኣብ ዚርከብ ካቴድራል ከም እተቐብሩ ድማ ይዝረብ።