ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ክርስቶስ ብኸመይ እዩ ኺዝከር ዘለዎ፧

የሱስ ክርስቶስ ብኸመይ እዩ ኺዝከር ዘለዎ፧

የሱስ ክርስቶስ ብኸመይ እዩ ኺዝከር ዘለዎ፧

የሱስ ክርስቶስ “ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ እቲ ልዕሊ ዅሉ ጽልዋ ዝገበረ ምዃኑ እተረጋገጸ እዩ።”—“ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ”

ዓበይቲ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብዝገበርዎ ነገራት ይዝከሩ እዮም። እሞ ደኣ ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ብዝገበሮ ተግባራት ዘይኰነስ ብልደቱ ዚዝክርዎ ስለምንታይ እዮም፧ ኣብ ኵለን ህዝበ-ክርስትያን መብዛሕትኦም ሰባት ምስቲ የሱስ እተወልደሉ እዋን እተተሓሓዘ ታሪኽ ኬዘንትዉ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ተገሊጹ ዘሎ ብሉጽ ትምህርቲ ኺዝክሩን ኣብ ግብሪ ኼውዕሉን ዚጽዕሩ ግን ክንደይ እዮም፧

ሓቂ እዩ: ውልደት የሱስ ዜደንቕ ነገር እዩ ነይሩ: እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ግን ነቲ ዝገበሮን ዝመሃሮን ነገራት እዮም ዝያዳ ኣተኲሮምሉ። እምበኣር ኣምላኽ ውልደት ክርስቶስ ነቲ ምስ ዓበየ ዝገበሮ ነገራት ኪጋርዶ ኣይኰነን ዚደሊ። ኰይኑ ግን: በዓል ልደት ንእንታይነት ክርስቶስ ብኣፈ-ታሪኽን ዛንታታትን እተወልደሉ እዋን ከም ዚሽፈን ገይርዎ ኣሎ።

ምስ በዓል ልደት ዚተሓሓዝ ካልእ ነእምሮ ዚርብሽ ሕቶ እውን ይለዓል እዩ። የሱስ ኣብዚ ግዜና ናብ ምድሪ እንተ ዚመጽእ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ልደት ዘሎ ንግዲ እንታይ ምበለ፧ ክልተ ሽሕ ዓመት ይገብር ኣብ የሩሳሌም ናብ ዚርከብ ቤተ መቕደስ በጺሑ ነይሩ። ኣብኡ በቶም በቲ በዓል ኣይሁድ ተጠቒሞም መኽሰብ ዚሓፍሱ ዝነበሩ ሸረፍትን ሸየጥትን ተቘጥዐ። “እዚ ኻብዚ ኣልዕልዎ: ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ” ድማ በሎም። (ዮሃንስ 2:13-16) እምበኣር የሱስ ንግዲ ምስ ሃይማኖት ምትሕንፋጽ ዘይፈቱ ምዃኑ ንጹር እዩ።

ሓያሎ ቕኑዓት ስጳኛውያን ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልደት እናዓበየ ዚኸይድ ዘሎ ንግዲ ኸም ዜተሓሳስቦም ይገልጹ እዮም። እንተዀነ ግን: መበቈል መብዛሕትኡ ልምድታት ልደት ኣብ ግምት ብምእታው: እዚ ናይ ንግዲ ዝንባለ ኺውገድ ዘይከኣል እዩ ዚመስል። ዃን ኣሪየስ ዚበሃል ጋዜጠኛ “እቶም ኣብ ውሽጢ ክርስትና ዀይኖም ነቲ በዓል ልደት ‘ኣረማዊ’ ብምዃኑን ካብ ኣብ ሃይማኖት ንላዕሊ ንተድላን ጥሪትን ኣትኵሮ ይግበር ብምህላዉን ዚነቕፉ ሰባት: ኣብ መበቈል በዓል ልደት እኳ ኸይተረፈ . . . ሓያሎ መዳያት እቲ ናይ ሮማውያን ኣረማዊ በዓል [ጸሓይ] ከም ዝተኣታተወ ብሓፈሻ ኣይፈልጡን እዮም” በለ።—ኢል ፓየስ: 24 ታሕሳስ 2001

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ሓያሎ ስጳኛውያን ጋዜጠኛታትን መዝገበ-ፍልጠትን: ልምድታት በዓል ልደት ኰነ ሽዑ ዚግበር ንግዲ ኣረማዊ መበቈል ከም ዘለዎ ገሊጾም ኣለዉ። ኢንሲክሎፔድያ ደ ላ ሬሊኾን ካቶሊካ ብዛዕባ እታ ልደት ዚበዓለላ ዕለት “ሮማዊት ቤተ-ክርስትያን በዛ ዕለት እዚኣ ኸም ዚበዓል ዝገበረት: ነቲ ኣረማዊ በዓላት ብናይ ክርስትያናት ንምትካእ እዩ ዚመስል። . . . ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ሮማ ዝነበሩ ኣረማውያን ን25 ታሕሳስ ናታሊስ ኢንዊክቲ: ምውላድ ‘ዘይትሰዓር ጸሓይ’ ኢሎም የብዕልዋ ምንባሮም ንፈልጥ ኢና” ብምባል ገሊጻ ኣላ።

ኢንሲክሎፔድያ ኢስፓኒካ እውን ብተመሳሳሊ “25 ታሕሳስ ብትኽክል ብእተገብረ ቐመር ኣይኰነትን በዓል ልደት ኰይና: የግዳስ ነቲ ኣብ ሮማ ዚበዓል ዝነበረ ምጅማር ሓጋይ ናብ ክርስትና ብምትእትታዉ እዩ” በለት። ሮማውያን ኣብቲ ቘራሪ ወርሓት ጸሓይ ክትወጽእ ከላ ብኸመይ እዮም ዜብዕልዎ ነይሮም፧ ቀይዲ በተኽ ድግስ ብምግባርን ህያባት ብምውህሃብን እዮም። መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ነዚ ህቡብ በዓል ከየወግድዎ ስለ ዝፈርሁ: ኣብ ክንዲ ጸሓይ እተወልደትሉ: የሱስ እተወልደሉ ኢሎም ብምጽዋዕ ናብ “ክርስትና” ኣተኣታተዉዎ።

ኣብ መጀመርታ: ማለት ኣብ ራብዓይን ሓምሻይን ዘመን ንኣምልኾ ጸሓይን ልምድታቱን ዝነበረ ፍቕሪ ብቐሊሉ ዚቕህም ኣይነበረን። እቲ ካቶሊክ ዝነበረ “ቕዱስ” ኣጉስቲን (354-430 ከ.ኣ.ዘ.) ነቶም ኣመንቲ ዘበሉ ን25 ታሕሳስ ከምቲ ኣረማውያን ንኽብሪ ጸሓይ ዜምልኽዎ ገይሮም ከየምልኹ ኼዘኻኽሮም ኣድልይዎ ነበረ። ሕጂውን እንተዀነ እቲ ናይ ጥንታዊት ሮማ ልምድታት ዓብላሊ እዩ ዀይኑ ዘሎ።

ንተድላን ንንግድን ዚምሽእ በዓል

ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ልደት ንተድላን ንንግድን ዚምሽእ ህቡብ ኣህጉራዊ በዓል ኣብ ምግባር ሓያሎ ረቛሒታት ወሳኒ ግደ ነይርዎ እዩ። ልምድታት እቲ ኣብ ሓጋይ ዚግበር ካልእ በዓላት: ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ኣውሮጳ ዚበዓል በዓላት: በብቕሩብ ናብቲ ናይ ሮማ በዓላት ተወሃሃደ። a ኣብ መበል 20 ዘመን ከኣ ሸቃጦን ክኢላታት ዕዳጋን ዝዀነ ይኹን ብዙሕ መኽሰብ ዜምጽኣሎም ልምዲ የስፋሕፍሑ ነበሩ።

እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ ኣብ ክንዲ ውልደት ክርስቶስ ዘለዎ ትርጕም: እቲ በዓል ዝያዳ ኣገዳስነት ሓዘ። ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ስም ክርስቶስ እውን ኣብ በዓል ልደት ኣይጥቀስን እዩ። ኢል ፓየስ እትበሃል ጋዜጣ ስጳኛ “[ልደት] ኣባላት ስድራቤት ብሓባር ኰይኖም ከከም ዝደለይዎ መገዲ ገይሮም ዜምልኹሉ ዓለምለኻዊ በዓል እዩ” በለት።

እዚ ሓሳብ እዚ ነቲ ኣብ ስጳኛን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከባ ኻልኦት ሃገራትን እናኣስፋሕፍሐ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት የንጸባርቕ። በዓል ልደት ኣዝዩ ሰፊሕ እናዀነ ኪኸይድ ከሎ: ብዛዕባ ክርስቶስ ዘሎ ፍልጠት ግን እናሃሰሰ ይኸይድ ኣሎ። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: በዓል ልደት ናብቲ ጥንታዎት ሮማውያን ቀይዲ ዘይብሉ ድግስን ህያባት ብምውህሃብን ዜብዕልዎ ዝነበሩ በዓል እዩ ተመሊሱ።

ሕጻን ተወሊዱልና

እዚ በዓል ልደት ዚበዓለሉ መገዲ ምስ ክርስቶስ ዘይተሓሓዝ እንተ ዀይኑ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንውልደትን ህይወትን ክርስቶስ ብኸመይ እዮም ኪዝክርዎ ዘለዎም፧ ካብቲ የሱስ እተወልደሉ ሸውዓተ ዘመን ኣቐዲሙ: ኢሳይያስ ብዛዕባኡ “ሕጻን ተወሊዱልና: ወዲ ተውሂቡና እዩ እሞ: እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኵቡ እዩ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 9:6) ኢሳይያስ ውልደት የሱስን ድሕሪኡ ዜጋጥም ነገራትን ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሓበረ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ የሱስ ሓያል ገዛኢ ኪኸውን ነበሮ። መስፍን ሰላም ተባሂሉ ተጸውዐ: ኣብ ግዝኣቱ ድማ ንሰላም መወዳእታ የብሉን። ኣብ ርእሲ እዚ ግዝኣት የሱስ “ብፍርድን ብጽድቅን” ዚቐውም እዩ።—ኢሳይያስ 9:7

ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም ብዛዕባ ምውላድ የሱስ ኪነግራ ኸሎ: ቃላት ኢሳይያስ ኣቃልሐ። “ንሱ ዓብዪ ኪኸውን: ወዲ ልዑልውን ኪብሀል እዩ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ: መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን” ኢሉውን ተነበየ። (ሉቃስ 1:32, 33) እምበኣር ኣገዳስነት ውልደት የሱስ ምስቲ ኸም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ዚፍጽሞ ዕዮ ዚተኣሳሰር እዩ። ግዝኣት ክርስቶስ ንዅሎም ሰባት: እንተላይ ንዓኻን ንእተፍቅሮም ሰባትን: ኪጠቅም ይኽእል እዩ። አረ እቶም መላእኽቲ እውን ውልደት የሱስ “ሰላም . . . ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም እግዚኣብሔር ዚሕጐሰሎም ሰብ” ከም ዜምጽእ ሓቢሮም እዮም።—ሉቃስ 2:14 ትርጕም 1990

ኣብ ሰላምን ፍትሕን ዝመልኣ ዓለም ኪነብር ሃረር ዘይብል መን ኣሎ፧ እንተዀነ ግን: ነቲ ኣብ ግዝኣት ክርስቶስ ዚህሉ ሰላም ንምርካብ: ንኣምላኽ ከነሐጕሶን ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወናን ኣለዎ። የሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ንምምስራት ዜኽእል ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ክርስቶስን ምፍላጥ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ: “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ።—ዮሃንስ 17:3

ንየሱስ ኣጸቢቕና ምስ ፈለጥናዮ: ብኸመይ ክንዝክሮ  ኸም ዚደልየና ንምፍላጥ ብዙሕ ኣይጨንቐናን እዩ። ኣብታ ጥንታዎት ኣረማውያን ዜብዕሉላ ዝነበሩ ዕለት ብምብላዕን ብምስታይን ህያባት ብምውህሃብን ድዩ፧ ከምዚ ኸም ዘይደሊ ፍሉጥ እዩ። ቀቅድሚ እታ ዝሞተላ ምሸት: ንደቀ መዛሙርቱ “እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ: ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ: ኣነውን ኤፍቅሮ” ብምባል እንታይ ከም ዚደሊ ነጊርዎም ነይሩ።—ዮሃንስ 14:21

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጽዑቕ መጽናዕቲ ብምግባሮም: ትእዛዛት ኣምላኽን የሱስን እንታይ ምዃኑ ኺርድኡ ኽኢሎም እዮም። ንየሱስ ከምቲ ዚደልዮ ጌርካ ኽትዝክሮ ምእንቲ ኽትክእል ነዚ ኣገዳሲ ትእዛዛት እዚ ተሓጒሶም ኬረድኡኻ ይኽእሉ እዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ልደት ዚግበር ጽሕድን ሳንታ ክላውስን ክልተ ጐሊሑ ዚርአ ኣብነታት እዩ።

[ኣብ ገጽ 6, 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ድግስን ህያባት ምሃብን ይነቅፍ ድዩ፧

ህያባት ምሃብ

መጽሓፍ ቅዱስ ህያባት ምሃብ ይቕበሎ እዩ: የሆዋ ንባዕሉ እኳ ወሃቢ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ተባሂሉ ኣሎ። (ያእቆብ 1:17) የሱስ ድማ ንፉዓት ወለዲ ንደቆም ውህበት ከም ዚህቡ ሓቢሩ ኣሎ። (ሉቃስ 11:11-13) እዮብ ካብ ሕማሙ ምስ ጠዓየ: ፈተውቱን ስድራቤቱን ህያባት ሃብዎ። (እዮብ 42:11) እንተዀነ ግን: ዋላ ሓደ ኻብዚ ኣብ እተወሰነ በዓል ዚወሃብ ህያባት ኣይነበረን። የግዳስ: ካብ ልቢ ዝመነጨ እዩ ነይሩ።— 2 ቈረንቶስ 9:7

ምትእኽኻብ ስድራቤት

ምትእኽኻብ ስድራቤት ንኣባላት ስድራቤት: ብፍላይ ከኣ ኣብ ሓደ ቤት ንዘይነብሩ: ሓድነት ከም ዚህልዎም ኣብ ምግባር ብዙሕ ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ቃና ኣብ እተገብረ መርዓ ተኣኻኺቦም ነይሮም: ብዘይ ጥርጥር እውን ስድራቤትን ፈተውትን እተኣኻኸቡሉ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። (ዮሃንስ 2:1-10) ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሓሻሽ ወዲ ዝሃቦ ምስላ: እቲ ወዲ ምስ ተመልሰ: እቲ ኣቦ ንስድራቤቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረ: ሙዚቃን ሳዕስዒትን እውን ነበረ።— ሉቃስ 15:21-25

ጥዑም ምግቢ ምብላዕ

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምስ ስድራቤቶም: ፈተውቶም: ወይ ከምኦም ኣመንቲ ዝዀኑ ሰባት ጥዑም ምግቢ ኸም እተመገቡ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ይገልጽ እዩ። ሰለስተ መላእኽቲ ንኣብርሃም ምስ መጽዎ: ስጋን ጸባን ጠስምን ቀጫጩን ብምቕራብ መኣዲ ኣዳለወሎም። (ዘፍጥረት 18:6-8) ሰሎሞን “ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን” ከም ውህበት ኣምላኽ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።—መክብብ 3:13፣ 8:15

እምበኣር ኣምላኽ ምስ ፈተውትናን ስድራቤትናን ኴንና ጥዑም ምግቢ ኽንበልዕ ከም ዚደልየና ዜተሓታትት ኣይኰነን: ህያብ ምሃብ እውን ይሰምሮ እዩ። ኣብ ዓመት ኣብ ዝዀነ ይኹን መዓልቲ ነዚ ኽንገብረሉ እንኽእል እኹል ግዜ ኣሎና።