ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ረድኤት የሆዋ ትቕበል ዲኻ፧

ረድኤት የሆዋ ትቕበል ዲኻ፧

ረድኤት የሆዋ ትቕበል ዲኻ፧

“እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ: ኣይክፈርህን እየ።”—እብራውያን 13:6

1, 2. የሆዋ ኣብ ህይወትና ዚህበና ሓገዝን መምርሕን ምቕባል ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 ኣብ ሓደ ጎቦ ኣብ ዚርከብ መገዲ ትጐዓዝ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። በይንኻ ግን ኣይኰንካን ዘለኻ: ሓደ ዚመርሓካ ሰብ ምሳኻ ኣሎ: ንሱ ኸኣ ኣብቲ ቦታ እቲ ብሉጽ መራሒ እዩ። ካባኻ ኣጸቢቑ ዚበልጽ ተመክሮን ሓቦን ኣለዎ: ብዓቕሊ ግን ምሳኻ ይጐዓዝ ኣሎ። ብተደጋጋሚ ኸም እትዕንቀፍ ኣስተብሂሉልካ እዩ። ንድሕንነትካ ብምሕላይ ኣብ ሓደገኛ ቦታታት ንኺሕግዘካ ኢዱ ይዝርግሓልካ። ረድኤቱ ምቕባል ምኣበኻዶ፧ ፈጺምካ ኣይምኣበኻን! ከመይሲ ድሕንነትካ ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ።

2 ከም ክርስትያናት መጠን እንጐዓዘላ መገዲ ኣጸጋሚት እያ። በታ ቐጣን መገዲ ናይ ግድን በይንና ዲና ኽንጐዓዝ ዘሎና፧ (ማቴዎስ 7:14) ኣይፋልናን: መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዝበለጸ መራሒ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንሰባት ምስኡ ኺመላለሱ ኸም ዚፈቕደሎም ይሕብረና። (ዘፍጥረት 5:24፣ 6:9) የሆዋ ነገልገልቱ በታ መገዲ ኺመላለሱ ኸለዉ ይሕግዞም ድዩ፧ ባዕሉ “ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ: ኣይትፍራህ: ክድግፈካ እየ: ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” ይብል። (ኢሳይያስ 41:13) የሆዋ ኸምቲ ኣብቲ መብርሂ ዝጠቐስናዮ መራሒ: ነቶም ምስኡ ኺመላለሱ ዚደልዩ ዘበሉ ብሕያውነት ንኺረድኦም ኢዱ ይዝርግሓሎም: ኣዕሩኽቱ ኪዀኑ እውን መገዲ ይኸፍተሎም። ዋላ ሓደ ኻባና ነዚ ደገፍ እዚ ምቕባል ዚኣቢ የልቦን!

3. ቀጺልና እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 ኣብዛ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ዓንቀጽ: የሆዋ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቡ ዝረድኣሉ ኣርባዕተ መገድታት ርኢና ኢና። ሎሚኸ ንህዝቡ ብተመሳሳሊ ይረድኦም ድዩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ረድኤት ከም እንቕበልከ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ሕጂ ነዚ ሕቶታት እዚ ንመርምር። ከምዚ ምግባርና የሆዋ ብርግጽ ረዳኢና ምዃኑ ብዝያዳ ምትእምማን ኪሓድረና ይኽእል።—እብራውያን 13:6

መላእኽቲ ዚህብዎ ሓገዝ

4. ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብመላእኽቲ ኸም ዚድገፉ ኽተኣማመኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

4 መላእኽቲ ነዞም ሕጂ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ይረድእዎም ድዮም፧ እወ: ይረድእዎም እዮም። ልክዕ እዩ: ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኻብ ሓደጋ ንምድሓን ኣብ ዚገብርዎ ተግባራት ብዓይኒ ኣይረኣዩን እዮም። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተዀነ መላእኽቲ ሳሕቲ ጥራይ እዮም ብዓይኒ ተራእዮም። መብዛሕትኡ ዚገብርዎ ነገራት ልክዕ ከምዚ ሎሚ ዚገብርዎ ብዓይኒ ዘይረኣዩ ዀይኖም እዮም ፈጺሞምዎ። ይኹን እምበር: እቶም መላእኽቲ ንኺድግፍዎም ድሉዋት ምዃኖም ዝፈለጡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዙሕ እዮም ተተባቢዖም። (2 ነገስት 6:14-17) ንሕናውን ተመሳሳሊ ስምዒት ንኸነሕድር ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።

5. መላእኽቲ ኣብቲ ሎሚ ዚግበር ዕዮ ስብከት ከም ዚሳተፉ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጸልና ብኸመይ እዩ፧

5 መላእኽቲ የሆዋ ብፍላይ ንዓና ኣብ ዜሳትፍ ሓደ ፍሉይ ዕዮ ተገዳስነት ኣለዎም። እዚ ዕዮ እዚ እንታይ እዩ፧ ኣብ ራእይ 14:6 መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል:- “ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ: ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹ።” እዚ “ናይ ዘለኣለም ወንጌል” እዚ ምስቲ የሱስ ቅድሚ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ” ምዃኑ እተነበየሉ “ወንጌል መንግስቲ” ኸም ዚተኣሳሰር ንጹር እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ልክዕ እዩ: መላእኽቲ ብቐጥታ ኣይሰብኩን እዮም። የሱስ ነዚ ዓብዪ መዝነት እዚ ንደቅሰብ እዩ ሂብዎም። (ማቴዎስ 28:19, 20) ነዚ መዝነትና እዚ ኽንፍጽም ከለና ግን እቶም ጥበበኛታትን ሓያላትን መንፈሳውያን ፍጡራት ዝዀኑ ቕዱሳት መላእኽቲ ኸም ዚረድኡና ምፍላጥናስ ዜተባብዕዶ ኸይኰነ፧

6, 7. (ሀ) መላእኽቲ ንዕዮ ስብከት ይድግፍዎ ኸም ዘለዉ ዚሕብረና እንታይ እዩ፧ (ለ) ደገፍ መላእኽቲ የሆዋ ኸም እንረክብ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

6 ኣብ ዕዮና መላእኽቲ ኸም ዚረድኡና ብዙሕ መርትዖ ኣሎና። ንኣብነት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣገልግሎት ከለዉ: ሓቂ ንኺፈልጥ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ደልዩ ኻብ ዚጽሊ ነዊሕ ዘይገበረ ሰብ ከም ዝረኸቡ ንሰምዕ ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት ብዙሕ ሳዕ ዜጋጥም ብምዃኑ: በጋጣሚ እዩ ዀይኑ ኺበሃል ኣይከኣልን እዩ። ብዙሓት ሰባት ሳላ እቲ መላእኽቲ ዚገብርዎ ሓገዝ ነቲ ‘ኣብ ማእከል ሰማይ ዚዝምቢ መልኣኽ’ “ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ” ብምባል ዚእውጆ ኣዋጅ ኪገብሩ ይመሃሩ ኣለዉ።—ራእይ 14:7

7 እቶም ሓያላት መላእኽቲ የሆዋ ኺድግፉኻ ሃንቀው ትብልዶ፧ ሃንቀውታ እንተሎካ ነዚ ደገፍ ንምርካብ ኣብ ኣገልግሎትካ ዚከኣለካ ዘበለ ግበር። (1 ቈረንቶስ 15:58) ነዚ የሆዋ ዝሃበና ፍሉይ ዕዮ ንምፍጻም ተሓጒስና ዚከኣለና ዘበለ እንተ ጌርና: መላእኽቱ ኸም ዚሕግዙና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።

ካብ ሊቀ መላእኽቲ እንረኽቦ ሓገዝ

8. የሱስ ኣብ ሰማይ እንታይ ክብ ዝበለ ቦታ እዩ ዘለዎ: እዚኸ ንዓና ዜተባብዓና ስለምንታይ እዩ፧

8 የሆዋ ኻልእ ዓይነት ሓገዝ መላእኽቲ እውን ኣዳልዩልና ኣሎ። ራእይ 10:1 ብዛዕባ ሓደ “ገጹ . . . ከም ጸሓይ” ዝዀነ ዜደንቕ “ብርቱዕ መልኣኽ” ትገልጽ። እዚ ኣብ ራእይ እተራእየ መልኣኽ ነቲ ኽብሪ ዝዓሰሎ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ ስልጣኑ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ከም ዜመልክት ፍሉጥ እዩ። (ራእይ 1:13, 16) የሱስ ብሓቂ መልኣኽ ድዩ፧ ሊቀ መላእኽቲ ስለ ዝዀነ: መልኣኽ ኪበሃል ይከኣል እዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:16) ካብ ኵሎም መንፈሳውያን ደቂ የሆዋ ዝሓየለ እዩ። የሆዋ ኸኣ ንዅሎም ሰራዊት መላእኽቱ ኺእዝዞም ሓላፍነት ሂቡዎ እዩ። እዚ ሊቀ መላእኽቲ እዚ ብሓቂ ዓብዪ ምንጪ ሓገዝ እዩ። ብኸመይ፧

9, 10. (ሀ) ክንሓጥእ ከለና የሱስ ‘ጠበቓና’ ወይ ረዳኢና ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ካብቲ የሱስ ዝገደፎ ኣርኣያ እንታይ ሓገዝ ክንረክብ ንኽእል፧

9 እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ “ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ: ጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና: ንሱ የሱስ ክርስቶስ: እቲ ጻድቕ: እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 2:1) ዮሃንስ ብፍላይ ‘ሓጢኣት ክንገብር’ ከለና የሱስ ‘ጠበቓና’ ወይ ረዳኢና ምዃኑ ዝገለጸ ስለምንታይ እዩ፧ መዓልታዊ ኢና እንሓጥእ: ሓጢኣት ከኣ ናብ ሞት እዩ ዜምርሕ። (መክብብ 7:20፣ ሮሜ 6:23) የሱስ ግን ንሓጢኣትና መስዋእቲ ኪኸውን ህይወቱ ኸፊሉ እዩ። ኣብ ጐድኒ እቲ ፈቃር ኣቦና ዀይኑ ኸኣ የማልደልና። ነፍሲ ወከፍና ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ የድልየና እዩ። ብኸመይ ኢና እንቕበሎ፧ ሓጢኣትና ኽንንሳሕን ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ይቕረታ ኺግበረልና ኽንልምንን ኣሎና። ሓጢኣትና ኻብ ምድግጋም እውን ክንሕሎ ኣሎና።

10 የሱስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ ጥራይ ዘይኰነስ: ፍጹም ኣርኣያ እውን ሓዲጉልና እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:21) ካብ ከቢድ ሓጢኣት ምእንቲ ኽንርሕቕን ንየሆዋ ኣምላኽ ምእንቲ ኸነሐጕሶን የሱስ ዝገደፈልና ኣርኣያ ይሕግዘና እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ምርካብናስ ዜሐጐስዶ ኸይኰነ፧ የሱስ ንሰዓብቱ ኻልእ ረዳኢ ኸም ዚወሃቦም ነጊርዎም ነይሩ።

መንፈስ ቅዱስ ዚህበና ሓገዝ

11, 12. መንፈስ የሆዋ እንታይ እዩ: ክሳዕ ክንደይ ሓያል እዩ: እዚ መንፈስ እዚ ሎሚ ዜድልየናኸ ስለምንታይ እዩ፧

11 የሱስ “ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ: ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ: ነቲ መንፈስ ሓቂ: ዓለም . . . ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ” ኢሉ ተመባጽዐ። (ዮሃንስ 14:16, 17) እዚ “መንፈስ ሓቂ” ወይ መንፈስ ቅዱስ እዚ መስለጢ ሓይሊ የሆዋ ደኣ እምበር ኣካል ኣይኰነን። ኣዝዩ ሓያል ከኣ እዩ። የሆዋ ንዅሉ ፍጥረት ንምፍጣር: ዜደንቕ ተኣምራት ንምግባር: ከምኡውን ብዛዕባ ፍቓዱ ብራእይ ንምግላጽ እተጠቕመሉ ሓይሊ እዩ። ሎሚ የሆዋ ንመንፈሱ በዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መገድታት ስለ ዘይጥቀመሉ: ኣየድልየናን እዩ ማለት ድዩ፧

12 ኣጸቢቑ የድልየና እባ ደኣ! ኣብዚ “ኽፉእ ዘመን” እዚ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ መንፈስ ኣምላኽ የድልየና እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ንኽንጸንዕ የበርትዓና። ናብ የሆዋን መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዝያዳ ዜቕርበና ጽቡቕ ባህርያት ንኸነማዕብል ይሕግዘና። (ገላትያ 5:22, 23) ካብዚ የሆዋ ዜዳለዎ ዜደንቕ ሓገዝ ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

13, 14. (ሀ) የሆዋ ንህዝቡ ብፍታው መንፈስ ቅዱሱ ኸም ዚህቦም ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ (ለ) ውህበት መንፈስ ቅዱስ ከም ዘይንቕበል ብምንታይ ዓይነት ተግባር ከነርኢ ንኽእል፧

13 ቀዳማይ: መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺወሃበና ኽንጽሊ ኣሎና። የሱስ “ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም: ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” በለ። (ሉቃስ 11:13) እወ: የሆዋ እቲ ዝበለጸ ኣቦ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ንኺህበና ኻብ ልብና እንተ ሓቲትናዮ: ኪኣብየና ዘይሕሰብ እዩ። እምበኣር ‘ንሕና ኺወሃበና ንሓትት ዲና፧’ ዚብል ሕቶ እዩ ኣገዳሲ። ኣብ መዓልታዊ ጸሎትና ብዛዕባ እዚ ንኽንልምን ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።

14 ካልኣይ: እዚ መንፈስ እዚ ንኺወሃበና ምስኡ ተሰማሚዕና ኽንዓዪ ኣሎና። ነዚ መብርሂ ንምሃብ: ሓደ ክርስትያን ስእለ-ጽሑፍ ናይ ምርኣይ ዝንባለኡ ንምውጋድ ይቃለስ ኣሎ ንበል። ነዚ ርኹስ ልማድ እዚ ንኼወግድ ምእንቲ ኺሕግዞ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃቦ ጸለየ። ካብ ክርስትያን ሽማግለታት ምኽሪ ተቐበለ: ንሳቶም እውን ጥቓ ኸምዚ ዝኣመሰለ ርኹስ ነገር ንኸይከይድ ብምሕባር ወሳኒ ስጕምቲ ኺወስድ መዓድዎ። (ማቴዎስ 5:29) ነዚ ምኽሮም ዕሽሽ ኢሉ ንርእሱ ናብ ተወሳኺ ፈተና እንተ ኣቃሊዑኸ፧ ምስቲ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃቦ ዝጸለዮ ጸሎት ተሰማሚዑ ድዩ ዚዓዪ ዘሎ፧ ወይስ ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ብምጕሃይ ከም ዚስእኖ እዩ ዚገብር ዘሎ፧ (ኤፌሶን 4:30) እዚ ኻብ የሆዋ ዚወሃበና ዜደንቕ ሓገዝ ምእንቲ ኸይቋረጸና: ኵላትና ዚከኣለና ዅሉ ኽንገብር ኣሎና።

ካብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓገዝ

15. ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣፍኲስና ኸም ዘይንርእዮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

15 ንሓያሎ ዘመናት መጽሓፍ ቅዱስ ንእሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ምንጪ ሓገዝ ኰይኑሎም ጸኒሑ እዩ። እንተዀነ ግን: ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣፍኲስና ኣብ ክንዲ ምርኣይ: ክሳዕ ክንደይ ሓያል ምንጪ ሓገዝ ከም ዝዀነ ኽንዝክር ኣሎና። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሓገዝ ንምቕባል ጻዕሪ የድሊ። ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ መዓልታዊ ናብራና ኽንገብሮ ኣሎና።

16, 17. (ሀ) መዝሙር 1:2, 3 ቃል ኣምላኽ ምንባብ ዘለዎ ዓስቢ ብኸመይ እያ እትገልጽ፧ (ለ) መዝሙር 1:3 ብኸመይ እያ ብዛዕባ ጻዕሪ ኸም እንሓስብ እትገብረና፧

16 መዝሙር 1:2, 3 ብዛዕባ ንኣምላኽ ኬሐጕስ ዚደሊ ሰብ “ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ: ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን: ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ: ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ: ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ” ትብል። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ሒዛቶ ዘላ መልእኽቲ ተገንዚብካዮዶ፧ ነዘን ቃላት እዚኣተን ድሕሪ ምንባብ: ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ጽቡቕ ጽላል ከም እትኸውን ብኡንብኡ ኽትሓስብ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ቐም ምባልሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! እዚ መዝሙር እዚ ግን ብዛዕባ ዕረፍቲ ኽንሓስብ ኣይኰነን ዚዕድመና ዘሎ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: ብዛዕባ ብርቱዕ ዕዮ እዩ ዚሕብረና ዘሎ። ብኸመይ፧

17 እታ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ኦም በጋጣሚ ጥቓ ወሓዚ እትዓቢ ዘይምዃና ኣስተብህል። ፍረ እተፍሪ ኦም ስለ ዝዀነት: ኰነ ኢልካ “ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ [“ወሓይዝ ማይ:” NW] እተተኽለት” እያ። ሓንቲ ኦም ካብ ሓደ ንላዕሊ ወሓይዝ ኣብ ዘለዎ ቦታ ብኸመይ ትዓቢ፧ ፍረ ዚህብ ኣእዋም ኣብ ዚትከለሉ ቦታታት: እቲ ብዓል መሬት መስኖታት ብምዅዓት ናብቲ ኣእዋሙ ማይ የውሕዝ እዩ። ሕጂ እቲ ቑም ነገር ኣብዚ እንሆ! ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ኸምታ ኦም ክንከውን ዝኸኣልና: ብዙሕ ጻዕሪ ስለ እተገብረልና እዩ። ምስታ ጽሩይ ማያት ሓቂ እተቕርበልና ማሕበር ኢና እንሓብር ዘሎና። እንተዀነ ግን: እጃምና ኽንገብር ኣሎና። ነቲ ኽቡር ማይ ክንመጽየሉ ኣብ እንኽእል ቦታ ኽንከውን ኣሎና: እዚ ኸኣ ነቲ ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ናብ ኣእምሮናን ልብናን ንምእታው ከነስተንትንን ክንመራመርን ኣሎና ማለት እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ጽቡቕ ፍረ ንፈሪ።

18. ንሕቶታትና ዚኸውን መልሲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ እንታይ የድልየና፧

18 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ከብሒ እንተ ተቐሚጡ ጥራይ ዚረብሓና የብሉን። ዓይንና ዓሚትና ኣብ ዝዀነ ይኹን ገጽ ብምግንጻል ንሕቶና እንደልዮ መልሲ ኽንረኽበሉ እንጽበ ኸም ክታብ ዝኣመሰለ ነገር ኣይኰነን። ውሳነታት ክንገብር ከለና: “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ምእንቲ ኽንረኽቦ ኸም ንሕቡእ መዝገብ ክንኵዕት ኣሎና። (ምሳሌ 2:1-5) ብፍላይ ንጕዳይና ዚምልከት ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ንምርካብ ብትግሃት ተጠንቂቕና ኽንመራመር ኣሎና። ኣብ ምርምርና ኺሕግዘና ዚኽእል ሓያሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኣሎና። ነቲ ኽቡር ጥበብ ቃል ኣምላኽ ብሃንቀውታ ንምዅዓት ነዚ ጽሑፋት እዚ ኽንጥቀመሉ ኸለና: ነቲ የሆዋ ዘዳለወልና ሓገዝ ኢና እንጥቀመሉ ዘለና።

ብኻልኦት ኣመንቲ ኣቢልካ ዚወሃብ ሓገዝ

19. (ሀ) ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ዚወጽእ ዓንቀጻት ብኻልኦት ኣመንቲ ኣቢልካ ኸም እተዋህበ ሓገዝ ጌርካ ዚርአ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ መጽሔታትና ኻብ ዝወጸ ዓንቀጻት ሓንቲ ብፍላይ ጠቒስካ ብኸመይ ከም ዝሓገዘትካ ግለጽ።

19 ሰብኣውያን ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዞም ንሓድሕዶም ይተሓጋገዙ እዮም። የሆዋ ኣብዚ መዳይ እዚ ተለዊጡ ድዩ፧ ኣይተለወጠን። ካብ ካልኦት ኣመንቲ እቲ ዝደለናዮ ሓገዝ ኣብ ግዜኡ ዝረኸብናሉ እዋን ክንዝክር ከም እንኽእል ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንኣብነት: ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንቕሑ! ዝወጸ ኣብ ኣድላዪ እዋን ዘጸናነዓካ: ጸገማትካ ንኽትፈትሕ ዝሓገዘካ: ወይ ኣብ እምነትካ ዜጋጠመካ ፈተና ንኽትዋጽኣሉ ዘተባበዓካ ዓንቀጽ ትዝክርዶ፧ የሆዋ በቲ ‘ምግቢ በብግዜኡ’ ኺህበና እተመዘዘ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ነዚ ሓገዝ እዚ ይህበካ እዩ።—ማቴዎስ 24:45-47

20. ክርስትያን ሽማግለታት ብኸመይ እዮም “ውህበት” ምዃኖም ዜርእዩ፧

20 መብዛሕትኡ ግዜ ግን እቶም ከማና ኣመንቲ ዝዀኑ ቐጥታዊ ሓገዝ እዮም ዚህቡና። ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ልብና ዚትንክፍ ዝርርብ ይህብ: ኣብ ኣጸጋሚ እዋን ዚድግፈና ናይ ጕስነት ምብጻሕ ይገብረልና: ወይ ድኽመትና ኽንዋጽኣሉ ዜኽእለና ምኽሪ ብሕያውነት ይህበና። ሓንቲ መማሰዊት ክርስትያን ብዛዕባ ሓደ ሽማግለ ዝሃባ ሓገዝ “ኣብ ግራት ኣገልግሎት ሓሳባተይ ንኽገልጽ ኣተባብዓኒ። ቀቅድሚኣ ኣብ ዝነበረት ምሸት: ዘዘራርቦ ሰብ ንኽረክብ ንየሆዋ ብጸሎት ለሚነዮ ነይረ። ንጽብሒቱ እዚ ሓው እዚ ብለውሃት ኣዘራረበኒ። ንሓያሎ ዓመታት የሆዋ ብኸመይ ኪሕግዘኒ ኸም ዝጸንሐ ንኽግንዘብ ሓገዘኒ። የሆዋ ነዚ ሽማግለ እዚ ስለ ዝሰደደለይ አመስግኖ እየ” በለት። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መገድታት: እቶም ክርስትያን ሽማግለታት ዘበሉ የሆዋ ኣብታ መገዲ ህይወት ጸኒዕና ምእንቲ ኽንመላለስ ኢሉ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝሃበና “ውህበት” ምዃኖም የርእዩ እዮም።—ኤፌሶን 4:8

21, 22. (ሀ) እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ነቲ ኣብ ፊልጲ 2:4 ዚርከብ ምኽሪ ኺዓየሉ ኸለዉ እንታይ እዩ ዚፈሪ፧ (ለ) ንእሽቶ ናይ ሕያውነት ተግባር እውን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

21 ሽማግለታት ጥራይ ዘይኰኑስ ነፍሲ ወከፍ እሙን ክርስትያን ነቲ “ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት” ዚብል ብመንፈስ ኣምላኽ እተዋህበ ትእዛዝ ኣብ ግብሪ ኼውዕል ይደሊ እዩ። (ፊልጲ 2:4) እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ነዚ ምኽሪ እዚ ምስ ዚዓዩሉ: ዚምስጥ ሕያውነት እዩ ዚንጸባረቕ። ንኣብነት: ሓንቲ ስድራቤት ብሓንሳእ ብዙሕ ዜሕዝን ነገራት ኣጋጠማ። እቲ ኣቦ ንጓሉ ናብ ድኳን ሒዝዋ ኸደ። ናብ ቤቶም ኪምለሱ ኸለዉ: ሓደጋ ማኪና ኣጋጠሞም። እታ ጓል ሞተት: እቲ ኣቦ ኸኣ ከቢድ ጕድኣት ወረዶ። ካብ ሆስፒታል ኪወጽእ ከሎ: ምሉእ ብምሉእ ሰንኪሉ ስለ ዝነበረ ንርእሱ ዋላ ሓንቲ ኺገብር ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ብዓልቲ ቤቱ ተዘኒባ ብምንባራ በይና ኽትከናኸኖ ኣይከኣለትን። ስለዚ: ኣብ ጉባኤኦም ዚርከቡ ሰብ ሓዳር ነቶም ኣብ ሓዘን ዝነበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ናብ ቤቶም ወሲዶም ንሓያሎ ሰሙናት ተኸናኸንዎም።

22 ልክዕ እዩ: ኵሉ ብሕያውነት ዚግበር ተግባር ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን ፍጻመ ዘለዎ ወይ ብዙሕ መስዋእቲ ዚሓትት ኣይኰነን። ገሊኡ ዚወሃበና ሓገዝ ንእሽቶ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ንእሽቶ ይኹን ብዘየገድስ: ነማስወሉ ደይኰንናን፧ ሓደ ሓው ጥዑም ቃላት ብምዝራብ ወይ ሓልዮት ዜንጸባርቕ ተግባር ብምግባር ነቲ ዝደለኻዮ ሓገዝ ዝሃበካ እዋንዶ ትዝ ይብለካ፧ የሆዋ መብዛሕትኡ ግዜ በዚ ኸምዚ እዩ ሓልዮቱ ዜርእየና።—ምሳሌ 17:17፣ 18:24

23. ንሓድሕድና ኽንተሓጋገዝ ክንጽዕር ከለና የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚርእየና፧

23 የሆዋ ንኻልኦት ንምርዳእ ኪጥቀመልካ ትደሊ ዲኻ፧ እዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ተኸፊቱልካ ኣሎ። የሆዋ ኸኣ ነቲ እትገብሮ ጻዕሪ የማስወሉ እዩ። ቃሉ “እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ: ንሱውን ንሰናይ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 19:17) ነሕዋትናን ነሓትናን ዚከኣለና ብምሕጋዝ ብዙሕ ሓጐስ ይርከብ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) እቶም ደይ መደይ ኢሎም ርእሶም ዚፈልዩ ነቲ ኻብ ምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ኰነ ነቲ ሓገዝ ብምቕባል ዚርከብ ምትብባዕ ኣይረኽቡን እዮም። (ምሳሌ 18:1) ስለዚ: ንሓድሕድና ምእንቲ ኽንተባባዕ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ወትሩ ንተኣከብ።—እብራውያን 10:24, 25

24. ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እተገብረ መስተንክር ተኣምራት የሆዋ ብዘይምርኣይና ዝጐደለና ዘሎ ዀይኑ ኺሰምዓና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

24 ነቲ የሆዋ ንኺረድኣና ዘዳለዎ መገድታት ክንሓስበሉ ኸለናስ ዜሐጐስዶ ኸይኰነ፧ የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ዜደንቕ ተኣምራት ኣብ ዚፍጽመሉ እዋን ንነብር እኳ እንተ ዘየለና: ዝጐደለና ዘሎ ዀይኑ ኺስምዓና የብሉን። እቲ ብሓቂ ዜገድስ: ብተኣማንነት ምእንቲ ኽንቅጽል የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ሓገዝ ዚህበና ምዃኑ እዩ። ብእምነት እንተ ጸኒዕና ኸኣ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜስተንክርን ዜደንቕን ግብርታት የሆዋ ኽንርኢ ኢና። ነታ ‘ረዲኤተይ ካብ የሆዋ እዩ ዚመጸኒ’ እትብል ናይ 2005 ዓመታዊት ጥቕሲ ምእንቲ ኸነቃልሕ: ነቲ የሆዋ ብፍቕሩ ዘዳለወልና ረድኤት ንምቕባልን ካብኡ ምሉእ ብምሉእ ንምጥቃምን ቈራጽነት ንግበር።—መዝሙር 121:2

እንታይ ምበልካ፧

ሎሚ የሆዋ በዚ ዚስዕብ ኣቢሉ ኸመይ ገይሩ እዩ ሓገዝ ዚህብ:-

• ብመላእኽቲ፧

• ብመንፈስ ቅዱሱ፧

• በቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ፧

• ብኻልኦት ኣመንቲ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

መላእኽቲ ንዕዮ ስብከት ይድግፉ ኸም ዘለዉ ምፍላጥና ዜተባብዕ እዩ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንሓደ ኻብ ክርስትያናት ብጾትና ዜድልየና ምጽንናዕ ንምሃብ ኪጥቀመሉ ይኽእል እዩ