ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዓልቲ ምረቓ—ጽብቕቲ መዓልቲ

መዓልቲ ምረቓ—ጽብቕቲ መዓልቲ

መዓልቲ ምረቓ—ጽብቕቲ መዓልቲ

“ሎሚ መዓልቲ ጽብቕቲ መዓልቲ እያ። ጸሓይ ደሚቓ በሪሃ: ሰማይውን ድብንብን ኣይበለን: ሳዕሪ ለሚዑ ይርአ ኣሎ። ኣዕዋፍ እውን ይዝምራ ኣለዋ። ሎሚ ብሓቂ ጽብቕቲ መዓልቲ እያ: ዜጕሂ ነገር ከኣ ኣይኬጋጥመናን እዩ። ከመይሲ: የሆዋ በረኸት እምበር ጓሂ ዜምጽእ ኣምላኽ ኣይኰነን።”

ብ11 መስከረም 2004 እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓው ሳሙኤል ሀርድ በዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቓላት ኣቢሉ ንስነ-ስርዓት ምረቓ እቲ መበል 117 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ጀመሮ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሃናጺ ምኽሪ: ካብቲ ኸባቢ እተረኽበ ተመክሮታት: ከምኡውን ሚስዮናውያን ዝረኸብዎ እተወሰነ ተመክሮታት ተጠቓሊሉ ነይሩ። እወ: ነቶም ኣብቲ ኣብ ፓተርሰን: ኒው ዮርክ ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበሩ ኸምኡውን ኣብ ህንጻታት ብሩክሊንን ዎልኪልን ኰይኖም ብኣውድዮ ዀነ ብቪድዮ ዚከታተሉ ዝነበሩ ብድምር 6,974 ዝዀኑ ሰባት ጽብቕቲ መዓልቲ እያ ነይራ።

ንተመሃሮ ዚኸውን ዜተባብዕ ቃላት

ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ጆን ኪኮት “ከም ሚስዮናውያን መጠን ሓጐስኩም ዓቅቡ” ዘርእስቱ ዜተባብዕ ዝርርብ ኣቕረበ። ተመሃሮ ጊልዓድ ከምቲ ኣብቲ ምረቓ እተራእየ ብሓጐሶም ዚፍለጡ ምዃኖም እውን ሓበረ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሓጐስ ከም ዘምጸኣሎም: ድሕርዚ ኸኣ ካልኦት ተመሳሳሊ ሓጐስ ኪረኽቡ ኺሕግዙ ምዃኖም ገለጸ። ብኸመይ ግን እዮም ንሰባት ዚሕግዙ፧ ሚስዮናውያን ኰይኖም ኬገልግሉ ኸለዉ ውፉያት ብምዃን እዮም ነዚ ዚፍጽምዎ። የሱስ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ወይ የሐጕስ በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ሓደስቲ ሚስዮናውያን ነቲ ንኻልኦት ሓቂ ዚነግር ለጋስን ‘ሕጉስን ኣምላኽ’ ዝዀነ ንየሆዋ ኣምላኽ ምስ ዚመስልዎ: ሓጐሶም ዓቂቦም ኪመላለሱ ይኽእሉ እዮም።—1 ጢሞቴዎስ 1:11

ቀጺሉ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዴቪድ ስፕለይን “ከመይ ጌርኩም ኢኹም ተሳኒኹም ክትነብሩ፧” ዘርእስቱ ዝርርብ ኣቕረበ። ብሓባር ምንባር “ንዅላቶም ኵሉ” ምዃን ዚሓትት እኳ እንተዀነ: ሰናይን ጥዑምን ምዃኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 9:22፣ መዝሙር 133:1) ሓው ስፕለይን እቶም ተመረቕቲ ሚስዮናውያን ኰይኖም ኬገልግሉ ኸለዉ: ኣብ ዞባኦም ምስ ዚርከቡ ሰባት: ምስ ሚስዮናውያን ብጾቶም: ኣብ ሓዳስ ጉባኤኦም ምስ ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን: ነቲ ኣብቲ ዓዲ ዚግበር ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ ምስ ዚውድቡ ኣባላት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት: ኰታስ ምስ ብዙሓት ሰባት ኪራኸቡ ምዃኖም ገለጸ። ምስ ሰባት ዘለዎም ርክብ ብእተኻእለ መጠን ዜሐጕስ ንምግባር እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት ሃበ:- ነቲ ኣብኡ ዚዝረብ ቋንቋ ፍለጥዎ: ነቲ ናይቲ ዓዲ ባህሊ ተጠንቂቕኩም ሓልዉዎ: ብጾትኩም ሚስዮናውያን ንበይኖም ግዜ ኼሕልፉ ምስ ዚደልዩ ኣኽብሩሎም: ነቶም ሓላፍነት ዘለዎም ድማ ተኣዘዝዎም።—እብራውያን 13:17

ቀጺሉ ሎረንስ ቦወን ዚበሃል ናይ ጊልዓድ መምህር “ናይ መን ሓሳብ እዩ ዘለኩም፧” ኢሉ ሓተተ። ነቶም ተመሃሮ ኸኣ እቶም ‘ላዕለ ላዕሊ ርእዮም ዚፈርዱ’ ንየሱስ ከም መሲህ ገይሮም ከም ዘይተቐበልዎ ኣዘኻኸሮም። (ዮሃንስ 7:24) ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዝዀኑ: ኵላቶም “ናይ ሰብ” ዘይኰነስ ‘ናይ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሓስቡ’ ጥንቁቓት ኪዀኑ ኣለዎም። (ማቴዎስ 16:22, 23) መንፈሳውያን ዝዀኑ ሰባት እኳ ኣተሓሳስባኦም ኬዐርዩ ኣለዎም። ከምቲ ኣብ ባሕሪ እትጐዓዝ መርከብ ኣብ መዓርፎኣ ንምብጻሕ ምትዕርራይ እትገብር: ንሕና እንገብሮ ምትዕርራይ እውን ሸቶና ንኽንወቅዕ ኣበርክቶ ይገብር ወይ መንፈሳዊ ምስባር መርከብ ከም ዜጋጥመና ይገብር። በዚ ኸምዚ ወትሩ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ከም ‘ናይ ኣምላኽ ንኽንሓስብ’ ይሕግዘና።

ዋለስ ሊቨራንስ ዚበሃል ካልእ ናይ ጊልዓድ መምህር ቀጺሉ ኣብ ኢሳይያስ 55:1 እተመስረተ “እንታይ ኢኹም እትሻየጡ” ዘርእስቱ ዝርርብ ኣቕረበ። ነቶም ተመሃሮ ኻብቲ ነዚ ግዜና ዚኸውን ኣምላኽ ዝሃበና ትንቢት ዕረፍትን ሓጐስን እኽለ-ማይን ‘ኪሻየጡ’ ኣተባብዖም። ትንቢት ኢሳይያስ ንቓል ኣምላኽ ምስ ማይን ወይንን ጸባን ኣተኣሳሲራቶ ኣላ። ከመይ ጌርካ እዩ “ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ” ኽትሻየጥ ዚከኣል፧ ሓው ሊቨራንስ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትንቢት ብምቕላብ ከምኡውን ነቲ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባትን መገድታትን ብሓሳባትን መገድታትን ኣምላኽ ብምትካእ ምዃኑ ገለጸ። (ኢሳይያስ 55:2, 3, 6, 7) ከምዚ ብምግባር: እቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ኣብቲ እተመደቡሉ ወጻኢ ሃገር ጸኒዖም ኪቕጽሉ ይኽእሉ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ዘይፍጹማት ሰባት ስጋዊ ምሾት ንምርካብ ካብ ዚግበር ጻዕሪ ሓጐስ ከም ዚርከብ ይሓስቡ እዮም። እቲ ተዛራባይ ግን “በዚ ኣተሓሳስባ ኣይትታለሉ። ትርጕም ዘለዎ መጽናዕቲ ትንቢታዊ ቓል ኣምላኽ ንምግባር ግዜ መድቡ። እዚ ኸኣ ኣብ ሚስዮናዊ ዕዮኹም ዕረፍቲ ኪዀነኩምን ኬበርትዓኩምን ሓጐስ ኬምጽኣልኩምን እዩ” በለ።

ዜሐጕስ ተመክሮታትን ቃለ-መጠይቓትን እቶም ተመሃሮ

እቶም ተመሃሮ ኣብ ስብከት ኣዘውቲሮም ይሳተፉ ነበሩ። ማርክ ኑማር ዚበሃል ካልእ ናይ ጊልዓድ መምህር “ብወንጌል ኣይሓፈሩን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ንገሊኦም ተመሃሮ ተመክሮታቶም ብመርኣያ ኸም ዜቕርብዎ ገበረ። (ሮሜ 1:16) እዞም ክኢላታት ኣገልገልቲ እዚኣቶም ካብ ቤት ናብ ቤት: ኣብ መገዲ: ከምኡውን ኣብ ዕዳጋ ብኸመይ ከም ዝመስከሩ ነቶም ተኣከብቲ ኣርኣይዎም። ካልእ ቋንቋ ዚፈልጡ ተመሃሮ: ኣብ ናይ ጉባኤኦም ዞባ ንዚርከቡ ነቲ ቛንቋ እቲ ዚዛረቡ ሰባት ኪበጽሕዎም ጸዓሩ። ገሊኦም ከኣ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜዳልዉዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማርን ብምጥቃም ኣብ ጽቡቕ መዓላ ኣውዓልዎ። እወ: ነቲ ብስራት ንምስባኽ ‘ኣይሓፈሩን።’

እቲ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት እተመደበ ሓው ዊልያም ኖንኪስ ካብ ቡርኪና ፋሶን ላትቭያን ሩስያን ንዝመጹ ተመክሮ ዘለዎም ሚስዮናውያን ቃለ-መጠይቕ ገበረሎም። ንሳቶም እውን “የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ነቶም እሙናት ዓስቦም ይህቦም” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዘተኰረ ማዕዳ ሃቡ። ሓደ ኻብቶም ቃለ-መጠይቕ እተገብረሎም ኣሕዋት: እቶም ተመሃሮ ነቶም 300 ሰራዊት ጊዴዎን ኪዝክርዎም ኣተባብዖም። ነፍሲ ወከፍ ወተሃደር እተመደበሉ ዕዮ ብምፍጻም ነቲ ጊዴዎን ዝረኸቦ ዓወት ኣበርክቶ ገበረ። (መሳፍንቲ 7:19-21) ብተመሳሳሊውን እቶም ሚስዮናውያን ኣብቲ እተመደበሎም ዕዮ እንተ ጸኒዖም: ዓስቢ ይረኽቡ እዮም።

እቲ ሳሙኤል ሮበርሰን ዚበሃል ኣብ ፓተርሰን መምህር ኰይኑ ዜገልግል ሓው ቀጺሉ ዝመርሖ ቓለ-መጠይቕ “ንዅላቶም ኵሉ ኹኑ” ዚብል ኣርእስቲ ነበሮ። ኣብ ሰኔጋል: ጓም: ላይበርያ: ከምኡውን ማዳጋስካር ንዜገልግሉ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ቃለ-መጠይቕ ገበረሎም። ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ብድምር 170 ሚስዮናውያን የገልግሉ ኣለዉ። እቶም ኣባላት ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንሓደስቲ ሚስዮናውያን ኣብቲ እተመደቡሉ ኸባቢ ንኸይሽገሩ ኺሕግዞም ኢሎም ዝሃብዎ ሓሳባት: ነቶም ተመረቕቲ ተመሃሮ ጠቒምዎም እዩ። እዚ ኸኣ ንምዕራባውያን ዘይልሙድ ባህልታት ምልማድ ማለት እዩ። ንኣብነት: ኣብ ገሊኡ ሃገራት ሰብኡት: እንተላይ እቶም ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ: ንሓድሕዶም ኪዘራርቡ ኸለዉ ኣእዳዎም ኪተሓሓዙ ልሙድ እዩ። ኣብ ትሕቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ጓም ኣብ ዚመሓደር ገሊኡ ቦታታት ፍልይ ዝበለ ምግቢ ይቐርብ እዩ። ገሊኦም ሚስዮናውያን ምስዚ ተወሃሂዶም ይነብሩ ስለ ዘለዉ: እቶም ሓደስቲ እውን እንተዀኑ ነዚ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም።

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ጋይ ፒርስ “‘ንመንግስቲ ኣምላኽ’ እሙናት ኩኑ” ዘርእስቱ ዝርርብ ኣቕረበ። ነቶም ተኣከብቲ ኸኣ “የሆዋ ብዕላማ እዩ ፈጢሩ። ንፍጡራቱ ዝሓለነሎም ነገር ነይሩ። እቲ ነዛ ምድሪ እዚኣ ዘለዎ ዕላማ ኣይተቐየርን። ዚፍጸመሉ ግዜ ይቐርብ እዩ ዘሎ። ነዚ ኪቕይሮ ዚኽእል ድማ የልቦን” በሎም። (ዘፍጥረት 1:28) ሓው ፒርስ ንዅሎም ተኣከብቲ ብሰንኪ ሓጢኣት እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ዝዀነ ኣዳም ጸገማት እኳ እንተ ተፈጥረ: ንልዑላውነት ኣምላኽ ብተኣማንነት ኪግዝኡ ኣተባብዖም። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ኣብታ ኣምላኽ ዚፈርደላ ሰዓት ኢና እንነብር ዘሎና። ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ረኺብና ሓቂ ኺፈልጡ ንምሕጋዝ ሓጺር እዋን እዩ ተሪፉና ዘሎ። ነዚ ግዜ እዚ ንሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምንጋር ብዚግባእ ተጠቐሙሉ” ኢሉ ተማሕጸኖም። እቶም ብተኣማንነት ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚድግፉ: ኣምላኽ ከም ዚድግፎም ኪተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም።—መዝሙር 18:25

ኣብ መዛዘሚ እቲ ስነ-ስርዓት: እቲ ኣቦ መንበር ካብ እተፈላለየ ኽፍልታት ምድሪ ዝመጸ ሰላምታታትን ሰናይ ትምኒታትን ኣንበበ። ድሕሪኡ ነቶም ተመረቕቲ ዲፕሎማ ዓደሎም። ሓደ ኻብቶም ተመረቕቲ ድማ ንደቂ ኽፍሉ ወኪሉ ስለቲ እተዋህቦም ስልጠና ኻብ ልቢ ዝመነጨ ሞሳ እትገልጽ ደብዳበ ኣንበበ። እዚ ኸኣ ነታ ዅሎም እቶም ተኣከብቲ ዘይርስዕዋ ጽብቕቲ መዓልቲ ዚበቅዕ መዛዘሚ እዩ ነይሩ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን]

ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ

ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 11

ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 22

ቍጽሪ ተመሃሮ:- 48

ገምጋም ዕድመ:- 34.8

ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 18.3

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 13.4

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 117 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት: ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ኻብ ቅድሚት ንድሕሪት ኪኸውን ከሎ: ኣስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን እዩ።

(1) ኤስተር ቶምፕሰን፣ ግሎሪሰል ኖርቨል፣ ቶንያ ፖወል፣ መሊሳ ኮዛ፣ ታሚ ማክኢንታየር። (2) ኣነድሪያ ራይሊ፣ ካራ ክለይተን፣ ጀኒን ኣለን፣ ኣሊስ ብላንኮ፣ ሎርደስ ሙኞስ፣ ናኦሚ ሩስታድ። (3) ዛከሪ ጉረሮ፣ ካተሊን ግራሲያ፣ ደቢ መከረሊ፣ ቶሞይ ኢሺካዋ፣ ጉስታቮ ብላንኮ። (4) ስቲቭ ማክኢንታየር፣ ኢልቫ ክሩዝ፣ ጆዲ ጉረሮ፣ ኦልጋ ሪቺ፣ ሊዝበት ኣቬያኔዳ፣ ሩበን ግራሲያ። (5) ጀፍ ፖወል፣ ሂልደገን ፊስካ፣ ቪክቶር ሙኞስ፣ ዳንየላ ባውማን፣ ሰማንታ ሾው፣ ካቲ ብራውን፣ ላውሬኣኖ ብራውን። (6) ኮርዊን ሾው፣ ኣድሪያን ራይሊ፣ ክላራ ፐሎኲን፣ ኒኮል ሙኒኽ፣ ደኒስ መከረሊ፣ ካዙኦ ኢሺካዋ። (7) ማርኩስ ሙኒኽ፣ ጀፍ ፐሎኲን፣ ትሮይ ኮዛ፣ ማርሻል ኣቬያኔዳ፣ ከነት ኣለን፣ ኢሪክ ሪቺ፣ ቲም ኖርቨል። (8) ጆን ክሩዝ፣ ሀልሙት ባውማን፣ ዘብ ክለይተን፣ ኢርሊንግ ፊስካ፣ ማርክ ቶምፕሰን፣ ጄምስ ሩስታድ።