ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሓቂ ኣምልኾን ኣረማውነትን እተጋጨወሉ ቦታ

ናይ ሓቂ ኣምልኾን ኣረማውነትን እተጋጨወሉ ቦታ

ናይ ሓቂ ኣምልኾን ኣረማውነትን እተጋጨወሉ ቦታ

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ቱርኪ ዚርከብ ዑናታት ጥንታዊት ኤፌሶን: ንልዕሊ ሓደ ዘመን ጽዑቕ ስነ-ጥንታዊ ምርምር ዚግበረሉ ቦታ ዀይኑ ጸኒሑ እዩ። ሓያሎ ህንጻታት ዳግም ተሃኒጹ: ሓያሎ ርኽበታት እውን ብሊቃውንቲ መጽናዕቲ ተገይሩሉን መግለጺ ተዋሂቡሉን እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኤፌሶን ሓንቲ ኻብተን ኣብ ቱርኪ ብበጻሕቲ ሃገር ኣዝየን ዚዝውተራ ዚስሕባ ቦታታት ኰይና ኣላ።

ብዛዕባ ኤፌሶን እንታይ እዩ ተረኺቡ፧ እዛ እትምስጥ ጥንታዊት መዲና ሕጂ ብኸመይ ትግለጽ፧ ንዑናታት ኤፌሶንን ኣብ ቭየና ንዚርከብ ቤተ-መዘክር ኤፌሶንን ምስ እንርኢ: ኣብ ኤፌሶን ናይ ሓቂ ኣምልኾን ኣረማዊ ሃይማኖትን ብኸመይ ከም እተጋጨወ ንኽንርዳእ ኪሕግዘና እዩ። ፈለማ ግን ታሪኽ እታ ኸተማ ንርአ።

ኵሉ ዚምነያ ቦታ

ኣብ መበል 11 ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ኣውሮጳን እስያን ዘይምርግጋእን ስደትን ኣስፋሕፊሑ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እዩ ናይ ኣዮንያ ግሪኻውያን ናብ ምዕራባዊ ገማግም ንእሽቶ እስያ ኸይዶም ዝሰፈሩ። እቶም ቀዳሞት ሰፈርቲ ኣብቲ ቦታ እቲ ነቶም ከም ኣደ ጌርካ እትርአ ኣምላኽ ዜምልኹ ህዝቢ ረኸብዎም። እዛ ኣምላኽ እዚኣ ጸኒሓ ኣርጤምስ ኤፌሶን ተባሂላ ተጸውዐት።

ኣብ መፋርቕ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. እቶም ሲመር ዝበሃሉ ሰበኽ ሳግም ካብቲ ብሰሜን ዚርከብ ጸሊም ባሕሪ ንንእሽቶ እስያ ንምውራር መጹ። ጸኒሑ ብ550 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ንጉስ ክሪሰስ ብዓል ልድያ ዚበሃል ብሃብቱ ውሩይ ዝዀነ ገዛኢ ተንስአ። ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ እናኣስፋሕፍሐ ምስ ከደ ግን ንጉስ ቂሮስ ንኸተማታት ኣዮንያ: እንተላይ ንኤፌሶን: ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ኣእተወን።

ብ334 ቅ.ኣ.ዘ. ኣሌክሳንደር ብዓል መቄዶንያ ንግዝኣት ፋርስ ኪወርር ጀመረ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ሓድሽ ገዛኢ ኤፌሶን ኰነ። ኣሌክሳንደር ብ323 ቅ.ኣ.ዘ. ብንእሽቶኡ ምስ ሞተ: ኣብቲ እቶም ጀነራላቱ ስልጣን ንምሓዝ ዝገበርዎ ቓልሲ ኤፌሶን ተሳቲፋ እያ። ብ133 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ውሉድ ዘይነበሮ ንጉስ ጴርጋሞስ ዝነበረ ኣተለስ ሳልሳይ: ንኤፌሶን ከም ውርሲ ገይሩ ንሮማውያን ሃባ: ክፍሊ እቲ ሮማዊ ግዝኣት እስያ ድማ ኰነት።

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምስ ኣረማውነት ተጋጨወ

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ዝገበሮ ኻልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናብ ኤፌሶን ኪመጽእ ከሎ: እታ ኸተማ 300,000 ዝዀኑ ተቐማጦ ነበርዋ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:19-21) ኣብ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ናብ ኤፌሶን ተመሊሱ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ብትብዓት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ተዛረበ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ግን ኣይሁድ ዜምጽእዎ ምጽራር እናሓየለ ምስ ከደ: መዓልታዊ ዝርርቡ ኣብ ኣደራሽ ጢራኖስ ኪህብ ጀመረ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:1, 8, 9) ስብከቱ ብተኣምራዊ ምሕዋይን ምውጻእ ኣጋንንትን እናተሰነየ ንኽልተ ዓመት ቀጸለ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:10-17) ስለዚ: ብዙሓት ኣመንቲ እንተዀኑ ዜገርም ኣይኰነን! እወ: ቃል የሆዋ ስለ ዝበርትዐ: ብዙሓት ጠንቈልቲ ዝነበሩ ነቲ ኽቡር ዝዋጋኡ መጻሕፍቶም ብፍታዎም ኣንደድዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 19:19, 20

ጳውሎስ ዝሃቦ ዕዉት ስብከት ንብዙሓት ሰባት ኣምልኾ ኣርጤምስ ከም ዚሓድጉ ጥራይ ገይሩ ዘይኰነስ: ካብቶም ነዚ ኣረማዊ ኣምልኾ ዚስዕቡ ዘበሉ ቝጥዓ ኣለዓዒሉ እዩ። ንኣርጤምስ ዚኸውን መቕደስ ብሩር: ብዙሕ ኣታዊ ዚርከበሉ ዕዮ እዩ ነይሩ። ድሜጥሮስ ዚበሃል ሰብኣይ እዚ ዕዮ እዚ ብዙሕ መኽሰብ ዘይርከበሉ ኸይከውን ስለ ዝፈርሀ: ነቶም ኣንጠረኛታት ብሩር ናዕቢ ኺገብሩ ኣለዓዓሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 19:23-32

ኣብ መወዳእታ እቲ ታዕታዕ እቶም ህዝቢ ብሓደ ዀይኖም ክልተ ሰዓት ዚኣክል “ናይ ሰብ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ” እናበሉ ጨደሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:34) እዚ ናዕቢ እዚ ምስ ሃድአ: ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ ኸም ብሓድሽ ኣተባቢዕዎም ነቐለ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:1) ካብ ኤፌሶን ወጺኡ ናብ መቄዶንያ ብምኻዱ ግን ኣምልኾ ኣርጤምስ ካብ ምውዳቕ ኣይደሓነን።

ቤተ መቕደስ ኣርጤምስ ሰንከልከል ይብል

ኣምልኾ ኣርጤምስ ኣብ ኤፌሶን ሱር ሰዲዱ ነበረ። ቅድሚ ንጉስ ክሪሰስ ዝነገሰሉ እዋን እታ ሲብሊ ተባሂላ እትፍለጥ ኣደ እትበሃል ኣምላኽ ኣብቲ ቦታ ማእከል ሃይማኖታዊ ህይወት ነበረት። ክሪሰስ ብጽውጽዋያት ገይሩ ሲብሊ ምስ ኣማልኽቲ ግሪኽ ከም እትዛመድ ብምግባር: ብግሪኻውያንን ግሪኻውያን ብዘይኰኑ ህዝብን ተቐባልነት ዘለዎ ሃይማኖት ኬቕውም ጸዓረ። ብደገፉ ኸኣ ኣብ መፋርቕ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ቤተ መቕደስ እታ ንሲብሊ ዝተክአት ኣርጤምስ ኪህነጽ ተጀመረ።

እቲ ቤተ መቕደስ ኣብ ስነ-ህንጻ ግሪኽ ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ። ቅድሚኡ ኸምኡ ዓይነትን ግዝፍን ዘለዎ ህንጻ ንምህናጽ ክንድዚ ዝምግዛፉ እምነ-በረድ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ብ356 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ቤተ መቕደስ ብሓዊ ነደደ። እቲ ብግርማኡ ኻብኡ ዘይንእስ ከም ብሓድሽ እተሰርሐ ቤተ መቕደስ: ኣገዳሲ ምንጪ ስራሕን ቀንዲ ስሕበት እቶም ንንግደት ዚመጹ ሰባትን ኰነ። እቲ ኣብቲ 73 ሜተር ዝምግፋሑ 127 ሜተር ዝምንዋሑ ቦታ እተሃንጸ ቤተ መቕደስ: ዳርጋ 50 ሜተር ዝምግፋሑን 105 ሜተር ዝምንዋሑን ነበረ። ሓደ ኻብቲ ሸውዓተ ኣደነቕቲ ነገራት ዓለም ጌርካ ኸኣ ይርአ። ይኹን እምበር: ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ብእኡ ተሓጒሱ። እቲ ሄራክላይተስ ዚበሃል ናይ ኤፌሶን ፈላስፋ ነቲ ናብቲ መሰውኢ ዚወስድ ጸልማት ቦታ ምስቲ ናይ ንውርምና ጸልማት ኣመሳሰሎ: ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ስነ-ምግባር ከኣ ካብ ናይ እንስሳታት ዝገደደ ገይሩ ገለጾ። ንመብዛሕትኦም ሰባት ግን ኣብ ኤፌሶን እትርከብ ቤተ መቕደስ ኣርጤምስ ፈጺማ ዘይትወድቕ ይመስሎም ነበረ። ታሪኽ ግን እዚ ኣረኣእያኦም ጌጋ ምዃኑ እዩ ዚምስክር። እታ ኤፈሶስ—ዴ ኖይ ፉወረ (ኤፌሶን—ሓድሽ መሐበሪ) ዘርእስታ መጽሓፍ “ክሳዕ ካልኣይ ዘመን ኣብ ዘሎ እዋን ኣምልኾ ኣርጤምስን ኣምልኾ ኻልኦት ሰፊሕ ተቐባልነት ዝነበሮም ኣማልኽትን ብሃንደበት ነከየ” በለ።

ኣብ ሳልሳይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ኤፌሶን ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጠመ። በዚ ጥራይ ከይኣከል እውን ካብ ጸሊም ባሕሪ ዝመጹ ጎዝ ዚበሃሉ ባሕረኛታት ነቲ ዜደንቕ ሃብቲ እቲ ቤተ መቕደስ ኣርጤምስ ዘሪፎም ነቲ ህንጻ ብሓዊ ኣቃጸልዎ። እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት መጽሓፍ “ኣርጤምስ ስለ እተሳዕረትን መንበሪኣ ኽትከላኸል ስለ ዘይከኣለትን: ከመይ ገይራ እያ እሞ ነታ ኸተማ ዕቝባ ኸም ዝዀነት ጌርካ እትውሰድ፧” በለት።—መዝሙር 135:15-18

ኣብ መወዳእታ ራብዓይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ሃጸይ ቲዮዶሸስ ቀዳማይ “ንክርስትና” ወግዓዊ ሃይማኖት እታ ሃገር ገበሮ። ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ኽቡር ዝነበረ ቤተ መቕደስ ኣርጤምስ ንናይ ህንጻ መሳርሒታት ዚኸውን እምኒ ዚወጸሉ ቦታ ዀነ። ኣምልኾ ኣርጤምስ ከኣ ዋላ ሓንቲ ትርጕም ዘይብሉ ዀይኑ ተረፈ። ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ተዓዛቢ ነቲ ቤተ መቕደስ ሓደ ኻብቲ ዜደንቕ ነገራት ጥንታዊት ዓለም ምዃኑ ኣመልኪቱ: “ሕጂ ፈጺሙ ዝባደመን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኵነታት ዘሎን ቦታ እዩ” በለ።

ኣርጤምስ በታ “ኣደ ኣምላኽ” ተተክአት

ጳውሎስ ንሽማግለታት ጉባኤ ኤፌሶን: ንሱ ምስ ኣልገሰ “እኩያት ተዃሉ” ኸም ዚኣትዉዎምን ካባታቶም “ቄናን ነገር ዚምህሩ” ሰባት ከም ዚትንስኡን ነጊርዎም ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:17, 29, 30) እዚ ኸኣ ብልክዕ ተፈጺሙ እዩ። ናይ ሓሶት ኣምልኾ ብመልክዕ ናይ ክሕደት ክርስትና ዀይኑ ኣብ ኤፌሶን ከም ዘስፋሕፍሐ ታሪኽ ይሕብረና።

ብ431 ከ.ኣ.ዘ. ኤፌሶን ሳልሳይ ሓባራዊ ዋዕላ ተገብረላ: ብዛዕባ ክርስቶስ ድማ ምይይጥ ተገብረ። ኤፈሶስ—ዴ ኖይ ፉወረ ብዛዕባ እዚ “እቶም ክርስቶስ ኣምላኽ እዩ ዚብል እምነት ዝሓዙ . . . ካብ ኣሌክሳንድርያ ዝመጹ ዓወት ረኸቡ” ብምባል ትገልጽ። ናይዚ ሳዕቤን ከኣ ሰፊሕ ጽልዋ እዩ ነይርዎ። “እቲ ንማርያም ካብ ወላዲት ክርስቶስ ናብ ወላዲት ኣምላኽ ክብ ዘበላ ኣብ ኤፌሶን እተገብረ ውሳነ: ንኣምልኾ ማርያም መሰረት ኰይኑ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ቤተ ክርስትያን ናይ መጀመርታ ዓብዪ ምክፍፋል ፈጢሩ እዩ። . . . እዚ ኽሳዕ እዚ ግዜና የካትዕ ኣሎ።”

በዚ ኸምዚ ኣምልኾ ሲብሊን ኣርጤምስን በምልኾ እታ “ወላዲት ኣምላኽ” ወይ “ኣደ ኣምላኽ” እትበሃል ማርያም ተተክአ። ከምቲ እታ መጽሓፍ ዝገለጸቶ “ኣብ ኤፌሶን ዘሎ ኣምልኾ ማርያም ክሳዕ እዚ ግዜና ህያው ኰይኑ ዝጸንሐ ልምዲ ዀይኑ ኣሎ: ካብ ኣምልኾ ኣርጤምስ ፈሊኻ ዚርአ ድማ ኣይኰነን።”

እተረስዐ ታሪኽ

ምስ ውድቀት ኣምልኾ ኣርጤምስ: ኤፌሶን እውን ወደቐት። ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ዓሶ: ከምኡውን እቲ ወደብ ብድበት ብምምላኡ ንናብራ እታ ኸተማ ኣጸጋሚ ገበሮ።

ኣብ ሻውዓይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ምስልምና ኼስፋሕፍሕ ጀመረ። እዚ ምስፍሕፋሕ እዚ ድማ ነዕራብ ኣብ ሓደ ኸም ዚሓብሩ ብምግባር ኣየብቅዐን። ጭፍራ መራኽብ ኣዕራብ ኣብ ሻውዓይን ሻምናይን ዘመን ንኤፌሶን ብተደጋጋሚ ዘረፍዋ። እቲ ወደብ ምሉእ ብምሉእ ብድበት ምስ መልአን እታ ኸተማ ዅምራ ዑናታት ምስ ኰነትን መወዳእታ ኤፌሶን ተረጋገጸ። ካብታ ሓደ ግዜ እተደንቕ ዝነበረት መዲና: ኣብዚ እዋን እዚ ኣያ ሶሉክ (ብናይ ሕጂ ኣጸዋውዓ ሰልኩክ) ተባሂሉ ዚፍለጥ ሒደት ተቐማጦ ዚነብርዎ ቦታ ጥራይ እዩ ተሪፉ ዘሎ።

ዙረት ኣብ ዑናታት ኤፌሶን

ነቲ ጥንታዊ ኽብሪ ኤፌሶን ንምግማት: ነቲ ዑናታት ዜርካ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ካብ ላዕለዋይ መእተዊ ጕዕዞ እንተ ጀሚርካ: ነዊሕ ከይጸናሕካ ነቲ ኣብ ጐደና ኩረተስ ክሳዕ ቤተ-መጻሕፍቲ ሰልሰስ ዚርከብ ዜደንቕ ትርኢት ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ኣብ የማናይ ሸነኽ እቲ ጐደና ዚርከብ ኣብ ካልኣይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. እተሃንጸ ንእሽቶ ትያትር ነቓልቦኻ ይስሕቦ እዩ። እዚ ኣደራሽ እዚ 1,500 ዚኣኽሉ ሰባት ዚሕዝ ኰይኑ: ንቤት ምኽሪ እታ ኸተማ ጥራይ ዘይኰነስ ንህዝባዊ መዘናግዒ እውን ይውዕል ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ብኽልቲኡ ሸነኽ ጐደና ኩረተስ ህንጻታት ኣሎ። ንኣብነት: እቲ ንመንግስቲ ብዚምልከት ዘተ ዚግበረሉ መጋባእያ: ቤተ መቕደስ ሄድሪን: እተወሰነ ፈልፋሊታት: ኣብ ልዕሊ ኵድዅዶ እተሃንጸ መንበሪ ስሙያት ሰብ ኤፌሶን ዝዀነ ኣባይቲ ይርከቦ።

እቲ ኣብ ካልኣይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. እተሃንጸ ግሩም ቤተ-መጻሕፍቲ ሰልሰስ ብጽባቔኡ ይምስጠካ እዩ። ኣብኡ ዝነበረ ሓያሎ ጥቕላላት ኣብቲ ዓብዪ ንንባብ ዚኸውን ክፍሊ ኣብ ከብሕታት ይቕመጥ ነበረ። ኣብቲ ዜደንቕ ህንጻ ዚርከብ ኣርባዕተ ሓወልትታት ካብ ሓደ ኸም ሰልሰስ ዝኣመሰለ ኣኽቢርካ ዚርአ ሮማዊ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትጽቢት ዚግበር ባህርያት የጕልሕ። እዚ ሓወልትታት እዚ ኸኣ ሶፊያ (ጥበብ): ኣረቲ (ውርዝውና): ኣኒያ (ተወፋይነት): ከምኡውን ኢፒስቲሚ (ፍልጠት ወይ ምርዳእ) እዩ። እቲ ጥንቲ ዝነበረ ሓወልትታት ኣብቲ ኣብ ቭየና ዚርከብ ቤተ-መዘክር ኤፌሶን ኪርከብ ይከኣል እዩ። ኣብ ጐድኒ እቲ ብቕድሚት ሸነኽ ቤተ-መጻሕፍቲ ዚርከብ ኣጸድ: ናብ ዕዳጋ ተራጎኖስ ዚወስድ ዓብዪ ማዕጾ ኣሎ። ኣብዚ ብመናፈሲ ቦታታት እተኸበ ሰፊሕ ኣደባባይ እዚ ሰባት መዓልታዊ ንግዳዊ ንጥፈታቶም ይፍጽሙ ነበሩ።

ቀጺሉ ናብቲ ዓብዪ ትያትር ዚመርሕ መገዲ እምነ-በረድ ይርከብ። እዚ ብግዜ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ ንመወዳእታ ግዜ ዝሰፍሐ ትያትር 25,000 ዝዀኑ ተመልከትቲ ኺሕዝ ይኽእል። እቲ ህንጻ በዕኑድን ብቕርጽታትን ብሓወልትታትን ዝመልክዐ እዩ። እቲ ድሜጥሮስ ዚበሃል ኣንጠረኛ ብሩር ኣብቶም ኣብዚ እተኣከቡ ሰባት ዘለዓዓሎ ናዕቢ በእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ኻብቲ ዓብዪ ትያትር ናብቲ ወደብ እታ ኸተማ ዚወስድ ጐደና እውን ብሓቂ ዜደንቕ እዩ። እዚ ጐደና እዚ 500 ሜተር ዝምንዋሑ 11 ሜተር ዝምግፋሑ ዀይኑ ብኽልቲኡ ሸነኻቱ ኣዕኑድ ኣለዎ። እቲ ንምውስዋስ ኣካላት ተባሂሉ እተሰርሐ ናይቲ ትያትር ጂምናዝዩምን ናይቲ ወደብ ጂምናዝዩምን ኣብዚ መገዲ እዚ እዩ ተሃኒጹ። እቲ ኣብ መወዳእታ እቲ ጐደና ዚርከብ ናብ ወደብ ዚመርሕ ዚምስጥ ኣፍደገ: ናብ ካልእ ክፋል ዓለም ዜውጽእ ኣፍደገ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ኸኣ ነቲ ኻብ ዓለም ኣዝዩ ኣብ ዜደንቕ ዑናታት ዝገበርናዮ ሓጺር ዙረት ነብቅዕ። ኣብ ቭየና ዚርከብ ቤተ-መዘክር ኤፌሶን ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ቕርጺ እዛ ታሪኻዊት ከተማን ሓያሎ ቕርስታትን ሒዙ ኣሎ።

ኣብቲ ቤተ-መዘክር ክትዘውርን ንሓወልቲ ናይ ሰብ ኤፌሶን ኣርጤምስ ክትርእን ከለኻ: ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ቐዳሞት ክርስትያናት ጸኒዖም ብዙሕ ነገራት ከም ዘሕለፉ ኽትርዳእ ትኽእል። ብሓተታ መናፍስቲ ኣብ ዝመልአትን ብሃይማኖታዊ ጽልኢ ኣብ ዝዓወረትን ከተማ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ኣምለኽቲ ኣርጤምስ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣምሪሮም ይጻረርዎ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:19፣ ኤፌሶን 6:12፣ ራእይ 2:1-3) ኣብቲ ዘይምሹእ ኵነታት ግን ናይ ሓቂ ኣምልኾ ሱር ሰደደ። እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እውን ልክዕ ከምቲ ንኣምልኾ ጥንታዊት ኣርጤምስ ዘጋጠማ ምስ ጠፍአ: እቲ ኣምልኾ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪብርትዕ እዩ።—ራእይ 18:4-8

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

መቄዶንያ

ጸሊም ባሕሪ

ንእሽቶ እስያ

ኤፌሶን

ባሕሪ መዲተራነያን

ግብጺ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ዑናታት ቤተ መቕደስ ኣርጤምስ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

1. ቤተ-መጻሕፍቲ ሰልሰስ

2. ንኣረቲ ቐሪብካ ኽትሪኣ ኸለኻ

3. ናብቲ ዓብዪ ትያትር ዚውስድ መገዲ እምነ-በረድ