ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ንየሱስ ዝፈረዶ ሊቀ ኻህናት

እቲ ንየሱስ ዝፈረዶ ሊቀ ኻህናት

እቲ ንየሱስ ዝፈረዶ ሊቀ ኻህናት

ኣብ ሕዳር 1990 ካብ ጥንታዊት ከተማ የሩሳሌም ሓደ ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ኣብ ዚርከብ መናፈሻ ሰባት ኪሰርሑ ኸለዉ: ሓደ ዚምስጥ ነገር ረኸቡ። ሓንቲ ትራክተር ብሃንደበት ንናሕሲ ጥንታዊ መቓብር ኰይኑ ዘገልገለ በዓቲ ኣፍረሰት። እቲ ኸባቢ ኻብ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ክ. ክሳዕ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ዘሎ እዋን ዓብዪ መቓብር ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ። እቶም ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ኽፍሊ ዝረኸብዎ ነገር ዚምስጥ እዩ ነይሩ።

እቲ በዓቲ: ምዉታት ኣብ ካልእ መቓብር ንሓደ ዓመት ዚኸውን ተቐቢሮም ድሕሪ ምጽናሕ ስጋኦም ምስ ተበልዐ ኣዕጽምቶም ዚቕመጠሉ 12 ሳንዱቕ ነይርዎ። ኣብ ጐድኒ ሓደ ኣዕጽምቲ እተቐመጠሉ ብሉጽ ሳንዱቕ የሆሰፍ ባር ቃያፋ (ዮሴፍ ወዲ ቀያፋ) ዚብል ስም ተጻሒፉ ነበረ።

መርትዖ ኸም ዚሕብሮ: እዚ መቓብር እዚ ናይ ሓደ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳይ ንምፍራድ መራሒ መጋባእያ ዝነበረ ሊቀ ኻህናት እዩ። እቲ ጕዳይ ከኣ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ እዩ ነይሩ። ጆሰፈስ ዚበሃል ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ነዚ ሊቀ ኻህናት እዚ “እቲ ቀያፋ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዮሴፍ” ኢሉ ጠቒስዎ ኣሎ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግን ቀያፋ ጥራይ ተባሂሉ እዩ ተጸዊዑ ዘሎ። ንምንታይ ኢና ብዛዕባኡ እንግደስ፧ ንየሱስ ኪፈርዶ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

ቤተሰቡን ድሕረ⁠-​ባይታኡን

ቀያፋ ጓል ሓደ ሃና ዚበሃል ካልእ ሊቀ ኻህናት እዩ ተመርዕዩ። (ዮሃንስ 18:13) እዞም ክልተ ስድራ​ቤታት እዚኣቶም ጽቡቕ ዝምድና ምእንቲ ኺህልዎም: እዚ መውስቦ እዚ ኻብቲ መርዓ እተገብረሉ ዕለት: ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሙ እዩ ተወዲኡ ዚኸውን። እዚ ማለት ከኣ ዘርኢ ኽህነቶም ጽሩይ ምዃኑ ንምርግጋጽ ተጠንቂቖም ወለዶ ይጸባጸቡ ነይሮም ማለት እዩ። ክልቲኦም ስድራ​ቤታት ሃብታማትን ልዑላንን ነይሮም ኪበሃል ይከኣል እዩ፣ ሃብቶም ከኣ ካብቲ ኣብ ከባቢ የሩሳሌም ዝነበሮም ሰፊሕ መሬት ዝመነጨ እዩ። ሃና እቲ ኣብ መጻኢ ሰብኣይ ጓሉ ዚኸውን ዚእመን ፖለቲከኛ መሻርኽቲ ኪዀነሉ ኸም ዝደለየ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ሃናን ቀያፋን ኣባላት እቶም ሓያላት ጕጅለ ሰዱቃውያን ዝነበሩ እዮም ዚመስሉ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:17

ቀያፋ ኣባል ቤተሰብ ስሙያት ካህናት ብምዃኑ: ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ትርጕሙን ተማሂሩ ኪኸውን ኣለዎ። ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰነ ኣብ ቤተ መቕደስ ምግልጋል ጀሚሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ: ሊቀ ኻህናት ኣብ ዝዀነሉ እዋን ወዲ ኽንደይ ዓመት ምንባሩ ግን ኣይፍለጥን እዩ።

ሊቀ ኻህናትን ሊቃውንቲ ኻህናትን

ሊቀ ኽህንነት ፈለማ ብውርሲ ዚርከብን ንምሉእ ዕድመ ዚቕጽልን ሽመት እዩ ነይሩ። ኣብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ክ. ግን ሃስሞናውያን ንስልጣን ሊቀ ኽህንነት መንዝዕዎ። a ሄሮድስ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት ይሸይምን የውርድን ነበረ: እዚ ድማ ብድሕሪ እዚ ስልጣን እዚ ዘሎ ናይ ሓቂ ብዓል ስልጣን መን ምንባሩ ንጹር ገበሮ። ሮማውያን ኣመሓደርቲ ተመሳሳሊ ልምዲ ሰዓቡ።

እዚ ምዕባለታት እዚ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ሊቃውንቲ ኻህናት” ኢሉ ዚጽውዖ ጕጅለ ናብ ምቛም ኣምርሐ። (ማቴዎስ 26:3, 4) እዚ ጕጅለ እዚ ብዘ⁠ይካ ቀያፋ: ኣቐዲሞም ሊቀ ኻህናት ዝነበሩ እሞ ኻብ ስልጣኖም ዝወረዱ ግን ከኣ ነቲ መዓርግ ሒዞም ዝቐጸሉ ኸም ሃና ዝኣመሰሉ ሰባት ዜጠቓልል ነበረ። እቲ ጕጅለ እቲ ናይ ቀረባ ኣባላት ቤተሰብ እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ሊቀ ኻህናት ዝዀኑን ኣቐዲሞም ሊቀ ኻህናት ዝነበሩን ሰባት ዜጠቓልል ነበረ።

ሮማውያን እቲ መዓልታዊ ንጥፈታት ይሁዳ በቶም ልዑላን ኣይሁድ: እንተላይ በቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ኪመሓደር ፈቐዱ። እዚ ንሮሜ ነታ ኣውራጃ ንኽትቈጻጸራን ብዙሓት ወተሃደራት ከይለኣኸት ግብሪ ንኽትእክብን የኽእላ ነበረ። ሮሜ ነቶም መራሕቲ ኣይሁድ ስርዓት ከም ዚሰፍን ኪገብሩን ንጥቕማ ኺዓዩን ትጽበዮም ነበረት። ሮማውያን ኣመሓደርቲ ነቶም ንግዝኣት ሮሜ ዜማርሩ ዝነበሩ መራሕቲ ኣይሁድ ኣይፈትውዎምን እዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን: ቀዋሚ መንግስቲ ምህላዉ ንዅላቶም ዚረብሕ ብምንባሩ ይተሓባበሩ ነይሮም።

ብግዜ ቀያፋ: እቲ ሊቀ ኻህናት ፖለቲካዊ መራሒ ኣይሁድ እዩ ነይሩ። ሃና በቲ ቀሬኔዎስ ዚበሃል ሮማዊ ኣመሓዳሪ ሶርያ ብ6 ወይ 7 ድ.ክ. እዩ ተሸይሙ። ብመሰረት ያታ ረቢታት: እቶም ቤተሰብ ልዑላን ኣይሁድ ብስስዐ: ብዘመደይ ዘመድካ: ብጭቈና: ከምኡውን ብዓመጻ ዚፍለጡ እዮም ነይሮም። ሓንቲ ጸሓፊት: “ቀያፋ ዝለዓለ ስልጣን ብዝሓዘ መጠን: ንሃና ዝያዳ ጠቓሚ ስለ ዚኸውን: ቀያፋ ኣብ ስልጣን ቤተ መቕደስ ቀልጢፉ ዕቤት ንኺገብር” ሃና ኸም ዝሓገዞ ትጽቢት ዚግበረሉ ምዃኑ ሓቢራ እያ።

ቫለሪዩስ ግራቱስ ዚበሃል ኣመሓዳሪ ይሁዳ: ንሃና ብ15 ድ.ክ. ካብ ስልጣኑ ኣውረዶ። ሰለስተ ኻልኦት ሰባት: ሓደ ኻብኦም ወዲ ሃና ዚርከቦም: ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብተኸታታሊ ሊቀ ኻህናት ኰኑ። ቀያፋ ብ18 ድ.ክ. ሊቀ ኻህናት ኰነ። እቲ ብ26 ድ.ክ. ኣመሓዳሪ ይሁዳ ዀይኑ እተሸመ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ከኣ ኣብቲ ኣመሓዳሪ ዀይኑ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ ዓሰርተ ዓመት ኣየውረዶን። ቀያፋ ነዚ ስልጣን ሒዙ ዝጸንሓሉ እዋን: ነቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣገልግሎቱ ዚፍጽመሉ ዝነበረ እዋንን ደቀ መዛሙርቱ ኣብ መጀመርታ ስብከቶም ዜካይዱሉ እዋንን ዚሽፍን እዩ። ቀያፋ ግን ተጻራሪ መልእኽቲ ክርስትና ነበረ።

ንየሱስ ፈርሆ: ንሮሜ ፈርሃ

ቀያፋ ንየሱስ ከም ሓደገኛ መናዓቢ ገይሩ እዩ ርእይዎ። የሱስ ነቲ እቶም መራሕቲ ንሕጊ ሰንበት ዚትርጕሙሉ መገዲ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ: ነቶም ነቲ ቤተ መቕደስ “በዓቲ ጐሓሉት” ዝገበርዎ ነጋዶን ሸረፍትን ድማ ኣውጽኦም። (ሉቃስ 19:45, 46) ገሊኦም ጸሓፍቲ ታሪኽ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ዕዳጋ ብቤት ሃና ኸም ዚውነን ይኣምኑ እዮም። እዚ ድማ ቀያፋ ንየሱስ ስቕ ኬብሎ ዝጸዓረሉ ኻልእ ምኽንያት ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ንየሱስ ኪሕዝዎ ገላዉኦም ምስ ለኣኹ: እቶም ገላዉ በቲ ዘረባኡ ስለ እተደመሙ: ጥራይ ኢዶም ተመለሱ።​—⁠ዮሃንስ 2:13-17፣ 5:1-16፣ 7:14-49

መራሕቲ ኣይሁድ: የሱስ ንኣልኣዛር ከም ዘተንስኦ ምስ ሰምዑ: እንታይ ከም ዝገበሩ እሞ ንርአ። ወንጌል ዮሃንስ ከምዚ ብምባል ይጽብጽብ:- “እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ዋዕላ አኪቦም፤ እዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር አሎ እሞ: እንታይ ንግበር፧ ከምዚ እንተ ሐደግናዮ: ኵሉ ብእኡ ኺአምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም: በሉ።” (ዮሃንስ 11:47, 48) እቲ ዋዕላ ንየሱስ ንሃይማኖታውን ህዝባውን ስርዓት ዜስግእ ከም ዝዀነ ገይሮም ርኣይዎ: በዚ ጕዳይ እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ተሓተትቲ ነበሩ። ሮማውያን ከም ናዕቢ ገይሮም ኪወስድዎ ዚኽእሉ ዝዀነ ይኹን ምንቅስቓስ: ኣብ ጕዳያት ኣይሁድ ጣልቃ ንኺኣትዉ የለዓዕሎም ነበረ። እዚ ድማ እቲ ሳንሄድሪን ወይ መጋባእያ ኣይሁድ ዝኸፈለ መስዋእቲ ኸፊሉ ኼወግዶ ዚደሊ ነገር እዩ።

ቀያፋ: የሱስ ተኣምራት ከም ዝገበረ ዋላ እኳ እንተ ዘይከሓዶ: ክብረቱን ስልጣኑን ሒዙ ኪቕጽል ደለየ ደኣ እምበር: እምነት ኣየሕደረን። ንትንሳኤ ኣልኣዛር እሞ ኸመይ ኢሉ እዩ ኺኣምነሉ፧ ሰዱቃዊ ስለ ዝነበረ: ኣብ ትንሳኤ ኣይኣምንን እዩ ነይሩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 23:8

ቀያፋ “ኵሉ ህዝቢ ኻብ ዚጠፍእስ: ሓደ ሰብኣይ በጃ ህዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዚሔሸና: ከቶ ኣይትሐስቡን ኢኹም” ኢሉ ብምዝራቡ: እኩይ ምንባሩ ተቓሊዑ እዩ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል:- “በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ነበረ እሞ: የሱስ በጃ ህዝቢ ኺመውት ከም ዘለዎ ተነብዩ እዩ እምበር: እዚ ዝበለስ ካብ ልቡ ኣይኰነን። ነቶም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽውን ናብ ሓደ ኺእክቦም እዩ እምበር: በጃ ህዝቢ ጥራይ ኪመውት ኣይኰነን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም [ንየሱስ] ኪቐትልዎ ተማኸሩ።”​—⁠ዮሃንስ 11:49-53

ቀያፋ ትርጕም ቃላቱ ምሉእ ብምሉእ ኣይፈልጦን እዩ ነይሩ። ሊቀ ኻህናት ኰይኑ የገልግል ብምንባሩ: ትንቢት እዩ ተነብዩ። b ሞት የሱስ ጠቓሚ እዩ። ንኣይሁድ ጥራይ ግን ኣይኰነን ዚጠቅም። እቲ በጅነታዊ መስዋእቱ ንዅሎም ደቅሰብ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዜውጽኦም እዩ።

ንምቕታል እተኣልመ ውዲት

ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ኣይሁድ ንየሱስ ብኸመይ ከም ዚሕዝዎን ዚቐትልዎን ንምምይያጥ ኣብ ቤት ቀያፋ ተኣከቡ። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ንየሱስ ኣሕሊፉ ኺህቦ ኺወዓዓል ከሎ: እቲ ሊቀ ኻህናት ኢዱ ኣእትዩ ኪኸውን ኣለዎ። (ማቴዎስ 26:3, 4, 14, 15) ሓደ ሰብ ጥራይ ምቕታል ግን ነቲ እኩይ ሓሳባት ቀያፋ ዜማልእ ኣይነበረን። “ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር . . . ብየሱስ ይአምኑ ነበሩ እሞ: ሊቃውንቲ ኻህናት ንኣልኣዛር ድማ ኪቐትልዎ ተማኸሩ።”​—⁠ዮሃንስ 12:10, 11

ማልኮስ ዚበሃል ባርያ ቀያፋ: ካብ መንጎ እቶም ንየሱስ ንምሓዝ እተላእኩ ጭፍራ ህዝቢ እዩ ነይሩ። ንየሱስ ሒዞም ንኺምርምርዎ ፈለማ ናብ ሃና ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ቀያፋ ወሰድዎ። ቀያፋ ኸኣ ካብ ሕጊ ወጻኢ ብለይቲ ንዓበይቲ ኣይሁድ ፍርዲ ኺፈርዱ ኣኪብዎም ነበረ።​—⁠ማቴዎስ 26:57፣ ዮሃንስ 18:10, 13, 19-24

እቶም ናይ ሓሶት መሰኻኽር ኣብ የሱስ ዚምስክርዎ ምስክርነት ዘይሰማማዕ ኰይኑ ምስ ተረኽበ እውን ቀያፋ በዚ ኣይተዓግተን። እዚ ሊቀ ኻህናት እዚ ነቲ እቶም መመሻጥርቱ ብዛዕባ ሓደ መሲህ ምዃኑ ዚእውጅ ሰብ ዘለዎም ኣረኣእያ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ: የሱስ መሲህ እየ ዚብል እንተ ዀይኑ ኺፈልጥ ሓተተ። የሱስ ከኣ “ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ: ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ” እቶም ከሰስቱ ኺርእይዎ ምዃኖም መለሰ። እቲ ሊቀ ኻህናት ሃይማኖታዊ ንኼምስል ኢሉ “ክዳውንቱ ቐዲዱ: ተጻረፈ: እንሆ ጸርፉ ሰማዕኩም: ደጊምከ እንታይ ምስክር የድልየና፧” በለ። እቲ ሳንሄድሪን የሱስ ኪመውት ከም ዚግብኦ ወሰነ።​—⁠ማቴዎስ 26:64-66

ናይ ሞት ፍርዲ ብሮማውያን ኪጸድቕ ነበሮ። ቀያፋ ኣብ መንጎ ሮማውያንን ኣይሁዳውያንን ዘሎ መንጎኛ ኸም ምዃኑ መጠን: ነቲ ጕዳይ ባዕሉ ናብ ጲላጦስ ኣቕሪብዎ ኪኸውን ኣለዎ። ጲላጦስ ንየሱስ ኪፈትሖ ምስ ደለየ: ቀያፋ ሓደ ኻብቶም “ስቐሎ: ስቐሎ” ኢሎም ጫውጫው ዝበሉ ሊቃውንቲ ኻህናት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ዮሃንስ 19:4-6) ቀያፋ ነቶም ህዝቢ ኣብ ክንዲ የሱስ ንሓደ ቐታሊ ኺፍትሓሎም ኪልምኑ ኣዕገርጊርዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኣብ መንጎ እቶም ብግብዝና “ብዘ⁠ይ ቄሳርሲ ንጉስ የብልናን” ዝበሉ ሊቃውንቲ ኻህናት እውን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።​—⁠ዮሃንስ 19:15፣ ማርቆስ 15:7-11

ቀያፋ ነቲ የሱስ ከም ዝተንስአ ዜርኢ መርትዖ ኣይተቐበሎን። ንጴጥሮስን ንዮሃንስን: ደሓር ድማ ንእስጢፋኖስ ተጻረሮም። ንሳውል ኣብ ደማስቆ ንዝረኽቦም ክርስትያን ኪኣስር ስልጣን ዝሃቦ እውን ቀያፋ እዩ። (ማቴዎስ 28:11-13፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:1-17፣ 6:8-7:60፣ 9:1, 2) ብ36 ድ.ክ. ግን እቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ሶርያ ዝነበረ ቪተሊዩስ ንቀያፋ ኻብ ስልጣኑ ቐንጠጦ።

ጽሑፋት ኣይሁድ ንቤተሰብ ቀያፋ ብሕማቕ እዩ ዚጠቕሶ። ንኣብነት: ናይ ባቢሎን ታልሙድ “ብሰንኪ ቤት ሃኒን [ሃና] ወይለይ: ብሰንኪ ሕሽዅሽኾም [ተንኰሎም] ወይለይ” ዚብል ለቕሶ ይርከቦ። እዚ ለቕሶ እዚ ነቲ “ጨቋኒ ስጕምቲ ንምውሳድ እተገብረ ምስጢራዊ ኣኼባ” ዜመልክት ጌርካ እዩ ዚውሰድ።

ካብ ቀያፋ እንረኽቦ ትምህርቲ

ሓደ ምሁር ነቶም ሊቀ ኻህናት ዝነበሩ ሰባት “ብርቱዓትን ጐራሓትን ክኢላታትን ከምኡውን ዕቡያት” ኢሉ ገሊጽዎም ኣሎ። ቀያፋ ነቲ መሲህ ከይቅበሎ ዕንቅፋት ዝዀኖ ትዕቢት እዩ። ስለዚ: ሎሚ ሰባት ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪነጽግዎ ኸለዉ: ኬገርመና የብሉን። ገሊኦም ኣብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ሓቂ እኹል ተገዳስነት ስለ ዘይብሎም: ነቲ ዚፈትውዎ እምነታቶም ኣይሓድጉን። ገሊኦም ከኣ ትሑታት ሰበኽቲ እቲ ብስራት ምዃን ንኽብረቶም ዜዋርድ ኰይኑ ይስምዖም። ክርስትያናዊ ስርዓታት እውን ነቶም መደናገርቲ ወይ ስሱዓት ኣይስሕቦምን እዩ።

ቀያፋ ሊቀ ኻህናት ከም ምንባሩ መጠን: ንኣይሁድ ነቲ መሲህ ኪቕበሉ ኺሕግዞም ይኽእል ነይሩ። እንተዀነ ግን: ህርፋን ስልጣን ስለ ዝነበሮ ንየሱስ ፈረዶ። ክሳዕ ዚመውት ነዚ ምጽራር እዚ ቐጺልዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብቲ ብዛዕባ ተግባራቱ ዚገልጽ ጸብጻብ ከም ዝረኣናዮ: ምስ ሞትና ብድሕሬና ዚተርፍ ኣዕጽምቲ ጥራይ ዘይምዃኑ እዩ። ብተግባራትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንተ ንሕማቕ ወይ ንጽቡቕ ነባሪ ስም ሓዲግና ኢና እንመውት።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ ታሪኽ ሃስሞናውያን ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ: ኣብ ናይ 15 ሰነ 2001 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 27-30 ተወከስ።

b የሆዋ ኣቐዲሙ ነቲ እኩይ ዝነበረ በላዓም ብዛዕባ እስራኤላውያን ናይ ሓቂ ትንቢታት ኪንበ ተጠቒሙሉ እዩ።​—⁠ዘሁልቍ 23:​1-24:24

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ዮሴፍ ወዲ ቀያፋ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተረኽበ ኣዕጽምቲ ዚቕመጠሉ ሳንዱቕ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Ossuary, inscription, and cave in background: Courtesy of Israel Antiquities Authority