ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍጥረት እንስሳ ንየሆዋ ልዕል የብሎ

ፍጥረት እንስሳ ንየሆዋ ልዕል የብሎ

ፍጥረት እንስሳ ንየሆዋ ልዕል የብሎ

ዕቤት የሆዋ ኣብ እንስሳታት ተጋሂዱ እዩ። ኣምላኽ ከምቲ ንደቅ​ሰብ ንእንስሳታት እውን ይሓልየሎም እዩ። (መዝሙር 145:16) ነቲ ፈጣሪኦምን ፈጣሪናን ዝዀነ ምንቃፍሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ጌጋ እዩ! እዮብ ዋላኳ ቕኑዕ ሰብኣይ እንተ ነበረ: “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንነፍሱ ስለ ዘጽደቓ:” ገና ኺመሃሮ ዘለዎ ትምህርቲ ነበሮ።​—⁠እዮብ 32:2፣ 33:8-12፣ 34:5

ካብ ፍጥረት እንስሳ እተወስደ ኣብነታት: ሰባት ንመገድታት ኣምላኽ ፈጺሞም ኣብ ሕቶ ኼእትውዎ ኸም ዘይክእሉ ንእዮብ ምሂርዎ እዩ። ነቲ የሆዋ ንባርያኡ እዮብ እተዛረቦ ቓላት ምስ እንምርምሮ: እዚ ዝያዳ ግልጺ ኪዀነልና እዩ።

ሓገዝ ሰብ ኣይደልዩን

እዮብ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እንስሳታት ዝሓተቶ ሕቶታት ኪምልስ ኣይከኣለን። (እዮብ 38:39-41) የሆዋ ንዋዕሮ ዀነ ንኳዅ ብዘ⁠ይ ሓገዝ ሰብ እዩ ዚምግቦም። ኳዃት ዋላኳ ምግቢ ንምድላይ ናብዝን ናብትን ይንፈሩ: ከም ሓቂ ግን ካብ ኣምላኽ እዮም ምግቦም ዚረኽቡ።​—⁠ሉቃስ 12:24

ኣምላኽ ንእዮብ ብዛዕባ እንስሳታት ዘገዳም ሕቶታት ምስ ሓተቶ: ዚህቦ መልሲ ኣይነበሮን። (እዮብ 39:1-8) ዋላ ሓደ ሰብ ንጤለ ቤዱ ዀነ ንእራብ ኬዕቍበን ኣይክእልን እዩ። ከመይሲ: ጥቓ ጤለ ቤዱ ምቕራብ እኳ ኣጸጋሚ እዩ። (መዝሙር 104:18) እራብ ኣብቲ እትወልደሉ ግዜ በቲ ኣምላኽ ዝሃባ ባህረት ተመሪሓ ተገሊላ ናብ ጫካ ትኣቱ። ንደቃ ዜድልዮም ክንክን ትገብረሎም: ካብኡ ‘መሓስኣ ይጥንክራ: ይወጻ እሞ ናብኣ ኣይምለሳን።’ ስለዚ ኻብኡ ንደሓር ርእሰን ይኽእላ።

ኣድጊ በረኻ ኸም ልቡ ይጐዪ: ጸምጸም በረኻ ኸኣ ነቲ ኣብ በረኻ ዀለል ዚብል ኣድጊ ወይ ኣድጊ ኸደን መንበሪኡ እዩ። እዮብ ንኣድጊ ኸደን ጽዕነት ኪጽዕኖ ኣይክእልን እዩ። እቲ ኣድጊ “ለምለም ዘለዎ ዅሉ” ይደሊ: ኣብ ኵድዅዶታት ከኣ ዚበልዓሉ የናዲ። እዚ እንስሳ እዚ በቲ ኣብ ኸተማ ብቐሊሉ ዚርከብ ምግቢ ንናጽነቱ ኣይልውጣን። ሰብ ኪቐርቦ ኸሎ ነፊጹ ስለ ዚሃድም ‘ደሃይ ኰብኳቢ ኣይሰምዕን’ እዩ።

ኣምላኽ ቀጺሉ ብዛዕባ ጐባይ ተዛረበ። (እዮብ 39:9-12) ብዛዕባኡ ኦስተን ለያርድ ዚበሃል እንግሊዛዊ ተመራማሪ ስነ⁠-​ጥንቲ: “ኣብ ቅርጽታት: ጐባይ ዳርጋ ማዕረ ኣንበሳ ዜፍርህን ዚህደንን ጌርካ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ንጉስ ምስኡ ኺቃለስ ከሎ: እቶም ተዋጋእቲ ድማ በፍራስን ብእግሮምን ይስዕብዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኔነቫ ኤንድ ኢትስ ሪሜይንስ: 1849: 2ይ ጥራዝ: ገጽ 326) ዋላ ሓደ ጥበበኛ ሰብ ንጐባይ ኬዕይዮ ኣይክእልን እዩ።​—⁠መዝሙር 22:21

ኣኽናፍ ዘለዎም ፍጥረታት ንኣምላኽ ልዕል የብልዎ

ቀጺሉ ኣምላኽ ንእዮብ ብዛዕባ ኣኽናፍ ዘለዎም ፍጥረታት ሓተቶ። (እዮብ 39:13-18) ራዛ በቲ ሓያል ኣኽናፉ ንላዕሊ ይነፍር። (ኤርምያስ 8:7) ሰገን ዋላኳ ኣኽናፋ ተንገብግብ: ክትነፍር ግን ኣይትኽእልን እያ። ከም ራዛ ድማ እንቋቝሖኣ ኣብ ገረብ ኣብ እተሰርሐ ሰፈር ኣይተቐምጦን። (መዝሙር 104:17) ኣብ ክንዳኡ ሑጻ ፊሒራ እንቋቝሖኣ ኣብኡ ትወልድ። ነቲ እንቋቝሖ ግን ስቕ ኢላ ኣይትጥንጥኖን እያ። ብሑጻ ስለ እትደብዮ እቲ እንቋቝሖ ተመጣጣኒ ሙቐት ይረክብ: እቲ ተባዕታይን እታ ኣንስተይትን ከኣ በብተራ ይሕልውዎ።

ሰገን ሃዳኒ ኺመጽእ ከሎ ስለ እትሃድም: ‘ጥበብ እተኸልአት’ ይመስል። ይኹን እምበር: ኣን ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ባይብል ኣኒማልስ “እዚ ኣቓልቦ ንምስራቕ ዚግበር ስልቲ እዩ። [ሰገናት] ንርእሰን ተጠመቲ ይገብራ: ኣኽናፈን ኣንገብጊበን ከኣ ንትዅረት እቲ ሓደጋ ዜምጽእ ዚመስል እንስሳ ወይ ሰብ ብምስሓብ ካብቲ እንቋቝሖ የርሕቓኦ” ይብል።

ሰገን ብኸመይ እያ “ንፈረስን ፈረሰኛን ትስሕቖም፧” ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ: “ሰገን ክትነፍር ዘይትኽእል እኳ እንተ ዀነት: ብፍጥነታ ግን ፍልጥቲ እያ። በተን ነዋሕቲ ኣእጋራ ብሓንሳእ 15 ጫማ (4.6 ሜተር) እናሰጐመት ኣብ ሰዓት 40 ማይል (64 ኪሎ ሜተር) ትውንጨፍ” ይብል።

ኣምላኽ ንፈረስ ሓይሊ ይህቦ

ቀጺሉ ኣምላኽ ንእዮብ ብዛዕባ ፈረስ ሓተቶ። (እዮብ 39:19-25) ኣብ ግዜ ጥንቲ ተዋጋእቲ ኣብ ፈረስ ተወጢሖም እዮም ዚዋግኡ ነይሮም። ኣፍራስ: ሓደ ዀብኳብን ክልተ ወተሃደራትን ዝሓዘ ሰረገላ ይጐቱ ነበሩ። ኣብ ኲናት ዚሳተፍ ፈረስ ንውግእ ስለ ዚህወኽ ይሕምሕም: ነቲ መሬት ከኣ ብሸዀናኡ ይጽሕሮ። ኣይፈርህን: ካብ ሰይፊውን ድሕር ኣይብልን እዩ: ኣብ ክንዳኡስ መለኸት ኪንፋሕ ከሎ “ይሕምሕም።” ኰይኑ ግን: ፈረስ ውግእ ንዀብኳቢኡ ይእዘዝ እዩ።

እቲ ተመራማሪ ስነ⁠-​ጥንቲ ዝዀነ ለያርድ: ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ተመሳሳሊ መግለጺ ሃበ:- “ባዝራ ዓረብ: ዒሉ ኸላ ብቐሊሉ: ብልጓም ጥራይ ምቍጽጻር ይከኣል እኳ እንተዀነ: እቲ ህዝቢ ጭርሖ ዅናት ምስ ኣስምዐ: እቲ እተወጠሓ ፈረሰኛ ዂናቱ ምስ ኣበጥበጠ፣ ኣዒንታ ሓዊ ይተፍእ: እቲ ደም ዚመሰል ቀይሕ ኣፍንጫኣ ይሰፍሕ: ክሳዳ ግሩም ቀልድዳዊ ቕርጺ ይሕዝ: ጭራኣን ጕንጕኖኣን ከኣ ብንፋስ ብትን ይብል።”​—⁠ዲስከቨሪስ ኣሞንግ ዘ ሩዊንስ ኦቭ ኔነቫ ኤንድ ባቢሎን: 1853: ገጽ 330

ሊላን ንስርን

ሕጂ የሆዋ ብዛዕባ ኻልኦት ዓይነት ኣዕዋፍ ተዛረበ። (እዮብ 39:26-30) ሊላ ‘ንላዕሊ ይነፍር: ኣኽናፉውን ይዝርግሕ።’ ዘ ጊነስ ቡክ ኦቭ ሪኮርድስ ዚፈልስ ሊላ ኣዝዩ ፈጣን ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ: “ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ እተወሰነ ቦታ ኸም ዚቈጻጸሮ ንምርኣይን ኣብ ኣየር ከሎ ንምህዳንን ካብ ነዊሕ ርሕቀት ምስ ዚንቈት: ፍጥነቱ ዝለዓለ ደረጃ ይበጽሕ” በለ። እዚ ዑፍ እዚ ብ45 ዲግሪ ንታሕቲ ኺውንጨፍ ከሎ: ኣብ ሰዓት 349 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ቍልቍል ይንቈት።

ንስሪ ኣብ ሰዓት 130 ኪሎ ሜተር ይጐዓዝ። ህይወት ቀልጢፋ ስለ እትሓልፍ: እዮብ ምስ ብፍጥነት ኪምንጥል ዚሸብብ ንስሪ እዩ ኣመሳሲልዋ። (እዮብ 9:​25, 26) እቲ ኣምላኽ ጸኒዕና ንኽንቅጽል ዚህበና ሓይሊ: ኣኽናፍ ዘይሕለል ንስሪ ዘሎና ዀይኑ ኸም ዚስምዓና ይገብር። (ኢሳይያስ 40:31) ንስሪ ኺነፍር ከሎ ብዓምድታት ምዉቕ ኣየር እዩ ዚጥቀም። እዚ ዑፍ ምስቲ ምውቕ ኣየር እናዞረ ንላዕሊ ይድይብ። ኣብ እተወሰነ ብራኸ ምስ በጽሐ: ሰለል ኢሉ ናብቲ ዚቕጽል ዓምዲ ምዉቕ ኣየር ይሰግር። በዚ ኸምዚ ድማ ብዙሕ ጕልበት ከይተጠቕመ ንሰዓታት ኪንሳፈፍ ይኽእል።

ንስሪ ኺብጻሕ ኣብ ዘይክእል ቦታ ‘ቤቱ ኣብ ላዕሊ ይሰርሕ:’ በዚ ድማ ጨጫውቱ ኻብ ሓደጋ ይሕሉ። እቲ የሆዋ ዝሃቦ ባህረት እዩ ኸምዚ ንኺገብር ኣኽኢልዎ። በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ ምርኣይ ክእለት “ኣዒንቱ ኽሳዕ ርሑቕ ይጥምታ።” ቀልጢፉ ኣትኵሮኡ ኪቐያይር ስለ ዚኽእል: ነቲ ዚሃድኖ እንስሳ ወይ ገምቢ ኻብ ርሑቕ ይርእዮ። ንስሪ ገምቢ እንስሳ ስለ ዚበልዕ: “ኣብቲ ቕቱላት ዘለውዎ ንሱ ኣብኡ ይርከብ።” እዚ ዑፍ እዚ ንኣሽቱ እንስሳታት ሒዙ ናብ ጨጫውቱ የምጽእ።

የሆዋ ንእዮብ ኣረሞ

ኣምላኽ ብዛዕባ እንስሳታት ተወሳኺ ሕቶታት ቅድሚ ምሕታቱ: ንእዮብ ኣረሞ። እዮብከ እንታይ ገበረ፧ ርእሱ ብምትሓት ተወሳኺ ተግሳጽ ብፍቓደኛነት ተቐበለ።​—⁠እዮብ 40:1-14

ካብዚ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ናይ እዮብ ተመክሮ: ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ ንረክብ። ዋላ ሓደ ሰብ ካብቲ ዅሉ ዚኽእል ጕድለት ክረክብ ኢሉ ንኺሓስብ ዜኽእሎ ምኽንያት የብሉን። እንዛረቦን እንገብሮን ነገራት ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዜሐጕስ ኪኸውን ኣለዎ። ብተወሳኺ ድማ ቀንዲ ዜገድሰና ጕዳይ: ምቕዳስ እቲ ቕዱስ ስም የሆዋን ምርግጋጽ ሉዓላውነቱን ኪኸውን ይግባእ።

ብህሞት ንኣምላኽ የኽብሮ

ኣምላኽ እንደገና ትዅረቱ ናብ ፍጥረት እንስሳ ብምግባር ንእዮብ ብዛዕባ እቲ ጉማረ ተባሂሉ ዚፍለጥ ብህሞት ሓተቶ። (እዮብ 40:15-24) ሓደ እኹል ጉማረ ቝመቱ ኻብ 4 ኽሳዕ 5 ሜተር: ክብደቱ ድማ 3,600 ኪሎ ግራም ኪበጽሕ ይኽእል። ብህሞት “ሓይሉ ኣብ ሕቜኡ:” ማለት ኣብቲ ኣብ ሕቜኡ ዚርከብ ጭዋዳታቱ እዩ ዘሎ። እዚ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎ እንስሳ ኣብቲ ውሽጢ ርባ ኣብ ዚርከብ ኣእማን ሰብነቱ ስለ ዚጐሶ: እቲ ኣብ ኸብዱ ዘሎ ረጕድ ቈርበት ይጠቕሞ እዩ። ብርግጽ ሰብ ምስቲ ገዚፍ ሰብነት: ገፊሕ ኣፍ: ከምኡውን ሓያል ምንጋጋ ዘለዎ ብህሞት ፈጺሙ ኺወዳደር ኣይክእልን እዩ።

ብህሞት ካብ ርባ ወጺኡ “ሳዕሪ ይበልዕ።” በሊዑ ንኺጸገብ ኣብ ከረን ዚርከብ ሳዕሪ ብምሉኡ የድልዮ። ከመይሲ: ኣብ መዓልቲ ኻብ 90-180 ኪሎ ግራም ዚምዘን ቈጽለመጽሊ ይበልዕ። ምስ ጸገበ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣእዋም ወይ ዕቦላት ለጥ ይብል። ኣብቲ ዚነብረሉ ርባ ውሒዝ ብሓይሊ እንተ ተጀርበበ: ርእሱ ልዕሊ እቲ ማይ ገይሩ ኣንጻር እቲ ወሓዚ ኺሕምብስ ይኽእል እዩ። እዮብ ንኣፍንጫ እዚ ገዚፍ ኣፍን ዘይድፈር ኣስናንን ዘለዎ ብህሞት ኣንኲሉ ሰንቀ ኼእትወሉ ኣይደፍርን እዩ።

ሌዋታን ንኣምላኽ ውዳሰ የምጽኣሉ

ቀጺሉ እዮብ ብዛዕባ ሌዋታን ተማህረ። (እዮብ 39:25- 41:1-26) እታ “ዕጽፍጻፍ ዝቘርበቱ” ዚብል ትርጕም ዘለዋ ናይ እብራይስጢ ቓል ንሓርገጽ እያ እተመልክት። እዮብ ንሌዋታን መጻወቲ ደቁ ኺገብሮ ይኽእል ድዩ፧ ብፍጹም! ምስዚ ፍጡር እዚ ምጕናፍ ሓደገኛ ኸም ዝዀነ ብተደጋጋሚ ተራእዩ እዩ። ሓደ ሰብ ንሌዋታን ኪመልኮ እንተ ፈቲኑ: እቲ ቕልስ ኣዝዩ ስለ ዚብርትዖ ደጊሙ ኸምኡ ንምግባር ከም ዘይፍትን ይኸውን።

ሌዋታን ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ርእሱ ኻብቲ ማይ ቅልቅል ምስ ዜብል: ኣዒንቱ “ኸም ናይ ወጋሕታ ቕርኒብ” የንጸባርቕ። ዋልታ ሕቘኡ ንሓድሕዱ እተላገበ እዩ: ቈርበቱ ኣሽንኳይዶ ብሰይፍን ብዂናትን ብጥይት እኳ ብቐሊሉ ኣይነኵልን እዩ። እቲ ኣብ ትሕቲ ኸብዱ ዘሎ በሊሕ ቅርፍቲ “ኣሰር በላሕቲ ጫፍ ይሐድግ።” ነድሩ ንማይ ከም ዚፈልሕ ዘይቲ የዕፍሮ። ሌዋታን ገዚፍን ድሩዕን ብምዃኑ: ከምኡውን ነቲ ዜፍርህ ኣፉን ዱልዱል ጭራኡን ከኣ ከም ኣጽዋር ስለ ዚጥቀመሉ: ፈጺሙ ኣይፈርህን እዩ።

እዮብ ተነስሐ

እዮብ “እምብዛ ዜገርም ዝዀነ: ዘይፈልጦ ነገር ተዛሪበ” ብምባል ተኣመነ። (እዮብ 42:1-3) ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መአረምታ ተቐቢሉ ድማ ተነስሐ። ንሱ ብዙሕ ኪባረኽ ከሎ: እቶም ኣዕሩኹ ግን መግናሕቲ ተዋህቦም።​—⁠እዮብ 42:4-17

ንተመክሮ እዮብ ኵሉ ሳዕ ምዝካርና ኽሳዕ ክንደይ ኰን ጥበባዊ እዩ! ነቲ ኣምላኽ ንእዮብ ዝሓተቶ ሕቶታት ክንምልስ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር: ነቲ ንየሆዋ ልዕል ዜብል ብዙሕን እተፈላለየን መስተንክር ፍጥረት ከነማስወሉን ኣኽቢርና ኽንርእዮን ንኽእል ኢና። ከምኡ ኽንገብር እውን ይግብኣና እዩ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ጤለ በዱ

ኳዅ

ዋዕሮ

ኣድጊ በረኻ

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ሰገን ካብ እንቋቝሖኣ ርሒቓ እንተ ኸደት እኳ: ስቕ ኢላ ኣይትጥንጥኖን እያ

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

እንቋቝሖ ሰገን

[Picture on page 15]

Falcon: © Joe McDonald/Visuals Unlimited

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ሊላ

ባዝራ ዓረብ

ንስሪ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ብህሞት ብሓፈሻኡ ጉማረ ተባሂሉ ይፍለጥ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ሌዋታን እቲ ሓያል ሓርገጽ ከም ዝዀነ ይእመን