ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንድያብሎስ ስፍራ ኣይትሃቦ

ንድያብሎስ ስፍራ ኣይትሃቦ

ንድያብሎስ ስፍራ ኣይትሃቦ

“ንድያብሎስ ዕድል ኣይትሃብዎ።”​—⁠ኤፌሶን 4:27 ባይንግተን

1. ብዙሓት ሰባት: ድያብሎስ ብሓቂ እንተልዩ ዚጠራጠሩ ስለምንታይ እዮም፧

 ንሓያሎ ዘመናት ብዙሓት ሰባት: ድያብሎስ ቀርኒ ዘለዎ: ሸዀናኡ እተሰንጠቐ: ቀይሕ እተኸድነ: ንእኩያት ሰባት ናብ ዚቃጸል ሲኦል ንምድርባይ ድማ መስአ ዚጥቀም ገይሮም እዮም ዚወስድዎ ነይሮም። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣይድግፎን እዩ። እንተዀነ ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ግጉይ ኣረኣእያታት ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ድያብሎስ ብሓቂ እንተልዩ ኸም ዚጠራጠሩ ገይርዎም: ወይ እታ ቓል ንእከይ ብሓፈሻ ኸም እተመልክት ገይሮም ወሲዶምዋ እዮም።

2. ብዛዕባ ድያብሎስ ዚገልጽ ገለ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት እንታይ እዩ፧

2 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ድያብሎስ ከም ዘሎ ዚሕብር ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ንጹር ኣፍልጦን ይርከብ እዩ። የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ መንፈሳዊ ዓለም ርእይዎ እዩ: ኣብ ምድሪ እውን ኣዘራሪብዎ እዩ። (እዮብ 1:6፣ ማቴዎስ 4:4-11) ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ ናይ መጀመርታ ስም እዚ መንፈሳዊ ፍጡር እዚ ዘይገልጽ እኳ እንተዀነ: ንኣምላኽ ስለ ዘካፍኦ: ድያብሎስ (ማለት “መካፍኢ”) ኢሉ ይጽውዖ እዩ። ንየሆዋ ስለ እተጻረሮ ኸኣ: ሰይጣን (ማለት “ተጻራሪ”) ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። ሰይጣን ድያብሎስ ንሄዋን ንምስሓት ተመን ስለ እተጠቕመ እውን እዩ ኪኸውን ዘለዎ: “እቲ ናይ ጥንቲ ተመን” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ራእይ 12:9፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:14) “ክፉእ” ተባሂሉ እውን ይፍለጥ እዩ።​—⁠ማቴዎስ 6:13 a

3. እንታይ ሕቶ ኢና ኽንምርምር፧

3 ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን: ብዝዀነ ይኹን መገዲ ነቲ ቐንዲ ጸላኢ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክንመስሎ ኣይንደልን ኢና። ስለዚ: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ንድያብሎስ ዕድል ኣይትሃብዎ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ኽንስዕብ ኣሎና። (ኤፌሶን 4:27 ባይንግተን) ገለ ኻብቲ ኽንቀድሖ ዘይብልና ባህርያት ሰይጣን ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧

ነቲ ቐንዲ መካፍኢ ኣይትምሰሎ

4. እቲ “ኽፉእ” ንኣምላኽ ዘካፍኦ ብኸመይ እዩ፧

4 እቲ “ኽፉእ” ተባሂሉ ዘሎ መካፍኢ ስለ ዝዀነ: ድያብሎስ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ይግብኦ እዩ። ምክፋእ ኪበሃል ከሎ: ብዛዕባ ኻልእ ሓሶትን ሃሳይን ዜጸልምን ነገር ምዝራብ ማለት እዩ። ኣምላኽ ንኣዳም: “ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና: ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ: ካብኣ ኣይትብላዕ” ኢሉ አዘዞ። (ዘፍጥረት 2:17) ሄዋን ብዛዕባ እዚ ተነጊርዋ እኳ እንተ ነበረ: ድያብሎስ ብተመን ገይሩ: “ኣይፋልኩም: ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ: ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ: ስለ ዝፈለጠ እዩ እምበር: ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በላ። (ዘፍጥረት 3:4, 5) እዚ ንየሆዋ ኣምላኽ ዜካፍእ ዘረባ እዩ ነይሩ።

5. ድዮትሬፌስ በቲ ዝገበሮ ምክፋእ ተሓታቲ ኪኸውን ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

5 ንእስራኤላውያን: “ክትሐሚ ኢልካ ኣብ ህዝብኻ ኣይትዙር” ዚብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ። (ዘሌዋውያን 19:16) ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ብግዜኡ ዚግበር ዝነበረ ምክፋእ: “ኣነ ናብታ ማሕበር ሓደ ነገር ጽሒፈ አሎኹ: እቲ ኣዉራኦም ኪኸውን ዚደሊ ድዮትሬፌስ ግና ኣይቅበለናን እዩ። ስለዚ: እንተ መጻእኩ: ኣነ ነቲ ንሱ ብእኩይ ዘረባ እናጸረፈና ዚገብሮ ዘሎ ግብሪ ኸዘክሮ እየ” ኢሉ ጸሓፈ። (3 ዮሃንስ 9, 10) ድዮትሬፌስ ንዮሃንስ የካፍኦ እዩ ነይሩ: በዚ ድማ ተሓታቲ ኪኸውን ይግብኦ ነበረ። ከም ድዮትሬፌስ ብምዃን: ነቲ ቐንዲ መካፍኢ ዝዀነ ሰይጣን ኪመስሎ ዚደሊ እሙን ክርስትያን እሞ መን ኣሎ፧

6, 7. ንዝዀነ ይኹን ከነካፍእ ዘይንደሊ ስለምንታይ ኢና፧

6 ኣገልገልቲ የሆዋ ብዙሕ ግዜ ኣደዳ ምክፋእን ናይ ሓሶት ክስታትን ይዀኑ እዮም። “ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ከኣ ደው ኢሎም [ንየሱስ] ኣበርቲዖም ይኸስዎ ነበሩ።” (ሉቃስ 23:10) ሃናንያ እቲ ሊቀ ኻህናትን ካልኦትን ንጳውሎስ ብሓሶት ከሲሶምዎ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 24:1-8) መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ብዛዕባ ሰይጣን: “እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዚኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና” ኢሉ ይዛረብ እዩ። (ራእይ 12:10) እቶም ኣብዚ ብሓሶት እተኸሱ: ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ቕቡኣት ክርስትያናት እዮም።

7 ዋላ ሓደ ክርስትያን ንዝዀነ ይኹን ከካፍእ ወይ ብሓሶት ኪኸስስ ኣይደልን እዩ። እንተዀነ ግን: እተማልአ ሓበሬታ ኸይሓዝና ኣንጻር ካልእ እንተ መስኪርና ኸምኡ ኢና እንገብር። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ: ኰነ ኢልካ ብሓሶት ምምስካር ብሞት ዜቕጽዕ ነበረ። (ዘጸኣት 20:16፣ ዘዳግም 19:15-19) ኣብ ልዕሊ እዚውን ሓደ ኻብቲ የሆዋ ዚፍንፍኖ ነገራት: “ሓሶት ዚዛረብ ሓሳዊ ምስክር” እዩ። (ምሳሌ 6:16-19) ብርግጽ እምበኣር: ነቲ ቐንዲ መካፍእን ብሓሶት ዚኸስስ ከሳስን ክንመስሎ ኣይንደልን ኢና።

ካብ መገድታት እቲ ናይ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ ርሓቕ

8. ድያብሎስ “ካብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ” ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

8 ድያብሎስ ቀታል ነፍሲ እዩ። የሱስ: “ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 8:44) ሰይጣን ካብቲ ንኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣምላኽ ዘርሓቐሉ ተግባር ኣትሒዙ ቐታል ነፍሲ እዩ። ኣብቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኰነ ኣብ ዘርኦም ሞት ኣምጽአ። (ሮሜ 5:12) እዚ ተግባሩ እዚ ንሓደ ኣካል ዘለዎ ፍጡር ደኣ እምበር: ንእከይ ብሓፈሻ ኼመልክት ከም ዘይክእል ከነስተውዕለሉ ኣሎና።

9. ከምቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 3:15 ተሓቢሩ ዘሎ: ብኸመይ ኢና ቐተልቲ ነፍሲ ኽንከውን እንኽእል፧

9 ሓደ ኻብቲ ንእስራኤላውያን እተዋህቦም ዓሰርተ ትእዛዛት “ኣይትቕተል” ዚብል ነበረ። (ዘዳግም 5:17) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ንክርስትያናት “ሓደ ኻባኻትኩም ከም ቀታሊ . . . ኰይኑ መከራ ኣይጽገብ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (1 ጴጥሮስ 4:15) ስለዚ: ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን: ሰብ ኣይንቐትልን ኢና። ግናኸ ንክርስትያን ብጻይና ኻብ ምጽላእና እተላዕለ ኺመውት እንተ ተመኒና: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ገበነኛታት ኢና እንኸውን። ሃዋርያ ዮሃንስ “ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዅሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር: ትፈልጡ ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 3:15) እስራኤላውያን “ንሓውኻ ብልብኻ ኣይትጽልኣዮ” ዚብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ። (ዘሌዋውያን 19:17) እቲ ቐታል ነፍሲ ዝዀነ ሰይጣን ንክርስትያናዊ ሓድነትና ምእንቲ ኸይዘርጎ: ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይናን ዚለዓል ዝዀነ ይኹን ጸገም ቀልጢፍና ንፍትሓዮ።​—⁠ሉቃስ 17:3, 4

ነቲ ቐንዲ ሓሳዊ ጸኒዕካ ተቓወሞ

10, 11. ነቲ ቐንዲ ሓሳዊ ዝዀነ ሰይጣን ጸኒዕና ንኽንቃወሞ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

10 ድያብሎስ ሓሳዊ እዩ። የሱስ ብዛዕባኡ: “ሓሶት ኪዛረብ ከሎ: ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ: ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 8:44) ሰይጣን ንሄዋን ሓስዩ ተዛሪብዋ እዩ: የሱስ ግን ንሓቂ ኺምስክር እዩ ናብ ምድሪ መጺኡ። (ዮሃንስ 18:37) ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ መጠን ንድያብሎስ ጸኒዕና ኽንቃወሞ እንተ ዄንና: ክንሕሱን ከነታልልን ኣይንኽእልን ኢና። ‘ሓቂ ኽንዛረብ’ ኣሎና። (ዘካርያስ 8:16፣ ኤፌሶን 4:25) እቲ “ኣምላኽ ሓቂ” ዝዀነ የሆዋ ንሓቀኛታት መሰኻኽሩ ጥራይ እዩ ዚባርኽ። ሓደ እኩይ ንዕኡ ዚውክል ኪኸውን መሰል የብሉን።​—⁠መዝሙር 31:5፣ 50:16፣ ኢሳይያስ 43:10

11 ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምፍላጥ ካብ ሓሶት ሰይጣን ናጻ ምዃንና ኣኽቢርና ንርእዮ እንተ ዄንና: ናብቲ “መገዲ ሓቂ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ክርስትና ኽንለግብ ኣሎና። (2 ጴጥሮስ 2:2፣ ዮሃንስ 8:32) ብምሉኡ ክርስትያናዊ ትምህርትታት: በቲ “ሓቂ ወንጌል” ዝቘመ እዩ። (ገላትያ 2:5, 14) ድሕነትና ‘በታ ሓቂ ኣብ ምምልላስ:’ ማለት ነታ ሓቂ ጠቢቕካ ኣብ ምሓዝን ነቲ ‘ኣቦ ሓሶት’ ጸኒዕና ኣብ ምቅዋምን እዩ ዚምርኰስ።​—⁠3 ዮሃንስ 3, 4, 8

ነቲ ኣውራ ኸሓዲ ተጻረሮ

12, 13. ንኸሓድቲ ብኸመይ ክንርእዮም ኣሎና፧

12 እቲ ድያብሎስ ዝዀነ መንፈሳዊ ፍጡር: ሓደ እዋን ኣብ ሓቂ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: የሱስ ብዛዕባኡ: “ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን” በለ። (ዮሃንስ 8:44) እዚ ኣውራ ኸሓዲ እዚ ነቲ “ኣምላኽ ሓቂ” ተጻሪርዎ እዩ። ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ “መፈንጠራ ድያብሎስ” ወዲቖም: ማለት ስለ እተታለሉን ካብ ሓቂ ስለ ዝዘምበሉን ግዳያቱ ዀይኖም እዮም። ስለዚ: ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኺጥዕዩን ካብ መፈንጠራ ሰይጣን ምእንቲ ኼምልጡን: ጳውሎስ ነቲ መዓይይቱ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ብለውሃት ኪምህሮም ተማሕጸኖ። (2 ጢሞቴዎስ 2:23-26) ካብ መጀመርታኡ ናብ ሓቂ ጠቢቕካ ምልጋብን ብናይ ክሕደት ኣረኣእያ ኣብ መፈንጠራ ዘይምእታውን ዝሓሸ ምዃኑ ግን ዚከሓድ ኣይኰነን።

13 እቶም ቀዳሞት ሰብኣውያን መጻምድቲ ንድያብሎስ ስለ ዝሰምዕዎን ነቲ ሓሶቱ ስለ ዘይነጸግዎን: ከሓድቲ ዀኑ። እሞ ደኣ ንኸሓድቲ ኽንሰምዖም: ጽሑፋቶም ከነንብብ: ወይ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዚዝርግሕዎ ኽንምርምር ግቡእ ድዩ፧ ንኣምላኽን ንሓቅን ነፍቅር እንተደኣ ዄንና: ከምኡ ኣይንገብርን ኢና። ከሓድቲ ናብ ቤትና ኣይንቕበሎምን ኢና: ሰላም እውን ኣይንብሎምን ኢና፣ ከመይሲ: ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ‘ኣብቲ እኩይ ግብሮም ከም እንሓብሮም’ ዚገብር እዩ። (2 ዮሃንስ 9-11) ነታ ናይ ክርስትያናት “መገዲ ሓቂ” ጠንጢንና: ነቶም “ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ” ዚደልዩን “ብዘረባ ጥበራ ገይሮም: መናገዲ” ኺገብሩና ዚጽዕሩን ኣይንስዓብ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ብውዲት ድያብሎስ ኣይንምበርከኽ።​—⁠2 ጴጥሮስ 2:1-3

14, 15. ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ሽማግለታትን ነቲ መዓይይቱ ዝነበረ ጢሞቴዎስን እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዝሃቦም፧

14 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያን ሽማግለታት: “ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ: መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሰ ሐልዉ። ኣነ ምስ ኣግለስኩ: ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚአትዉኹም: እፈልጥ አሎኹ። ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ: ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም” በሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28-30) ድሕሪ ግዜ: ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኸሓድቲ ተላዒሎምን ‘ቄናን ነገር ምሂሮምን’ እዮም።

15 ኣብ ከባቢ 65 ድ.ክ. እዚ ሃዋርያ እዚ ንጢሞቴዎስ ‘ነቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ኼማቕል’ ተማሕጸኖ። ኣስዕብ ኣቢሉ: “ነቲ ፍረ ዜብሉ: ርኹስ ዘረባ ግና ኣግልሰሉ። ናብ ረሲእነት እናገደዱ ይኸዱ እዮም እሞ: እቲ ዘረባኦም ከም መንሽሮ እናለሐመ ዚባላዕ እዩ። ሄሜኔዎስን ፊሌጦስን ካባታቶም እዮም። ንሳቶም: ትንሳኤ ቕድሚ ሕጂ ዀይኑ: እናበሉ ኻብ ሓቂ ዘምቢሎም: እምነት ሓያሎ ሰባት ይገላብጡ አለዉ” ኢሉ ጸሓፈሉ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኽሕደት ጀመረ። ወሲኹውን “እቲ ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ ግና ቈይሙ አሎ” በለ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 2:15-19

16. እቲ ኣውራ ኸሓዲ እተፈላለየ ውዲት እኳ እንተ ኣለመ: ስለምንታይ ኢና ንኣምላኽን ንቓሉን እሙናት ኴንና ዝቐጸልና፧

16 ሰይጣን ብዙሕ ግዜ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምብልሻው ከሓድቲ ኺጥቀም ጽዒሩ እዩ። እንተዀነ ግን: ኣይሰለጦን። ብ1868 ኣቢሉ: ቻርለስ ቴዝ ራስል ነቲ ንነዊሕ እዋን ተቐባልነት ዝረኸበ ሰረተ⁠-​እምነታት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ተጠንቂቑ መርመሮ: ግጉይ ኣተራጕማ ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ ረኸበ። ራስልን ሒደት ካልኦት ደለይቲ ሓቅን ኣብ ፒትስበርግ: ፐንሲልቫንያ: ሕ.መ.ኣ.: ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቘሙ። ኣብ ውሽጢ 140 ዓመት ዚኸውን: እቲ ኣገልገልቲ የሆዋ ብዛዕባ ኣምላኽን ቃሉን ዘለዎም ፍልጠትን ፍቕርን ዓብዩ እዩ። እቲ ኣውራ ኸሓዲ እተፈላለየ ውዲት እኳ እንተ ኣለመ: እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሕ ብምዃኑ: ነቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንየሆዋን ንቓሉን እሙናት ኪዀኑ ሓጊዝዎም እዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:45

እቲ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ኣባኻ ሓንቲ እኳ ኣይሃልዎ

17-19. ብድያብሎስ ተታሒዛ ዘላ ዓለም ንምንታይ ተመልክት፧ ከነፍቅራ ዘይብልናኸ ስለምንታይ ኢና፧

17 ካልእ ሰይጣን ኣብ መፈንጠራኡ ኼእትወና ዚጽዕረሉ መገዲ: ነዛ ዓለም እዚኣ: ማለት ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረሓቐ ረሲእ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ንኸነፍቅር ብምድራኽ እዩ። የሱስ ንድያብሎስ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ጸውዖ: ኣስዕብ ኣቢሉውን “ኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉን” በለ። (ዮሃንስ 14:30) ሰይጣን ኣባናውን ሓንቲ ኣይሃልዎ! ልክዕ እዩ: “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።” (1 ዮሃንስ 5:19) ስለዚ ኸኣ እዩ ድያብሎስ ንየሱስ ሓንሳእ ናይ ክሕደት ኣምልኾ እንተ ፈጺሙ: “መንግስትታት ኵላ ዓለም” ኪህቦ ምዃኑ እተዛረበ፣ ነዚ ድማ ወዲ ኣምላኽ ብንጹር ኣትሪሩ ነጸጎ። (ማቴዎስ 4:8-10) እታ ብሰይጣን እትግዛእ ዓለም ንሰዓብቲ ክርስቶስ ትጸልኦም እያ። (ዮሃንስ 15:18-21) ሃዋርያ ዮሃንስ ንዓለም ከይንፈትዋ መጠንቀቕታ ምሃቡ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን!

18 ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ: ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ: ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን: እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር: ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።” (1 ዮሃንስ 2:15-17) ናብራ ዓለም ንሓጥእ ስጋና ዚስሕብን ምስ ስርዓታት የሆዋ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ዚጻረርን ስለ ዝዀነ: ንዓለም ክንፈትዋ የብልናን።

19 ፍቕሪ ዓለም ኣብ ልብና እንተ ኣትዩኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተሊና: ነዚ ፍቕሪ እዝን ምስኡ እተተሓሓዘ ስጋዊ ትምኒታትን ንኸነርሕቕ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ኣምላኽ ንጸሊ። (ገላትያ 5:16-21) እቶም “መናፍስቲ እከይ” ነቲ ብረሲኣን ዝቘመ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዚገዝኡ ብዓይኒ ዘይረኣዩ “ገዛእቲ ዓለም” ምዃኖም እንተ ዘኪርና: ርእስና ‘ኻብ ርኽሰት ዓለም ክንሕሉ’ ኽንጽዕር ኢና።​—⁠ያእቆብ 1:27፣ ኤፌሶን 6:11, 12፣ 2 ቈረንቶስ 4:4

20. ‘ካብ ዓለም ኣይኰንናን’ ኪበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

20 የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ: “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በለ። (ዮሃንስ 17:16) ቅቡኣት ክርስትያናትን ውፉያት ብጾቶምን ብስነ⁠-​ምግባራዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ካብ ዓለም እተፈልዩን ንጹሃትን ኪዀኑ እዮም ዚጽዕሩ። (ዮሃንስ 15:19፣ 17:14፣ ያእቆብ 4:4) ካብዛ እክይቲ ዓለም ስለ እተፈለናን ‘ሰበኽቲ ጽድቂ’ ስለ ዝዀንናን: እዛ ዓለም እዚኣ ትጸልኣና እያ። (2 ጴጥሮስ 2:5) ኣብ መንጎ እቶም ኣመንዝራታት: ዘመውቲ: ዘረፍቲ: መምለኽቲ ጣኦት: ሰረቕቲ: ሓሰውቲ: ከምኡውን ሰካራት ዚርከብዎ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ከም እንነብር ዚከሓድ ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 5:9-11፣ 6:9-11፣ ራእይ 21:8) እንተዀነ ግን: ን“መንፈስ ዓለም” ኣይነስተንፍሶን ኢና: ከመይሲ: በዚ ሓጥእ ደራኺ ሓይሊ ኣይንድረኽን ኢና።​—⁠1 ቈረንቶስ 2:12

ንድያብሎስ ስፍራ ኣይትሃቦ

21, 22. ነቲ ኣብ ኤፌሶን 4:26, 27 ዚርከብ ምዕዶ ጳውሎስ ብኸመይ ክትዓየሉ ትኽእል፧

21 ብ“መንፈስ ዓለም” ኣብ ክንዲ እንድረኽ: በቲ ኸም ፍቕርን ርእስኻ ምግታእን ዝኣመሰለ ባህርያት ዜፍሪ መንፈስ ኣምላኽ ኢና እንምራሕ። (ገላትያ 5:22, 23 ትርጕም 1990) እዚ ኸኣ ነቲ ድያብሎስ ኣብ እምነትና ዜምጽኦ መጥቃዕቲ ንኽንጻወር የኽእለና። ድያብሎስ ‘ኣንጸርጺርና እከይ ክንገብር’ እዩ ዚደልየና: መንፈስ ኣምላኽ ግን ‘ኵራ ኽንገድፍ ሓርቖትውን ክንሓድግ’ እዩ ዚሕግዘና። (መዝሙር 37:8) ልክዕ እዩ: ሓድሓደ ግዜ ንኽንቍጣዕ ምኽንያት ይህልወና እዩ። እንተዀነ ግን: ጳውሎስ “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሀብዎ” ኢሉ ይምዕደና።​—⁠ኤፌሶን 4:26, 27

22 ኰሪና ንነዊሕ እዋን እንተ ቐጺልና: ናብ ሓጢኣት ከነምርሕ ንኽእል ኢና። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት እንተ ቐጺልና: ንድያብሎስ ኣብ ጉባኤ ዘይምቅዳው ንኺፈጥር ወይ እከይ ክንፍጽም ንኼለዓዕለና ዕድል እዩ ዚህቦ። ስለዚ: ምስ ካልኦት ዘሎና ዘይምስምማዕ በቲ ኣምላኽ ዘንበረልና መገዲ ቐልጢፍና ኸነደቅሶ ኣሎና። (ዘሌዋውያን 19:17, 18፣ ማቴዎስ 5:23, 24፣ 18:15, 16) እምበኣር: ግቡእ ቍጥዓ እውን እንተዀነ ናብ ምረትን ተንኰልን ጽልእን ከይቅየር ብምቍጽጻርን ርእስና ብምግታእን ብመንፈስ ኣምላኽ ንመራሕ።

23. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ነየናይ ሕቶታት ኢና ኽንርኢ፧

23 ክሳዕ ሕጂ: ክንቀድሖ ዘይብልና እተወሰነ ባህርያት ድያብሎስ ርኢና ኢና። ገሊኦም ኣንበብቲ ግን ‘ንሰይጣን ክንፈርሆ ኣሎና ድዩ፧ ንክርስትያናት መስጐጕቲ ንኺወርዶም ዜለዓዕል ስለምንታይ እዩ፧ ድያብሎስ ከይብለጸልና ኽንጥንቀቕ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧’ ኢሎም ይሓቱ እዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነቲ ኣብ ናይ 15 ሕዳር 2005 ግምቢ ዘብዐኛ: ካብ ገበር ኣትሒዙ ዝወጸ “ድያብሎስ ብሓቂ ኣሎ ድዩ፧” ዘርእስቱ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ተወከስ።

መልስኻ እንታይ እዩ፧

• ንዋላ ሓደ ኸነካፍእ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

• ምስ 1 ዮሃንስ 3:15 ብምስምማዕ: ቀተልቲ ነፍሲ ንኸይንኸውን እንታይ ክንገብር የብልናን፧

• ንኸሓድቲ ብኸመይ ክንርእዮም ኣሎና፧ ስለምንታይከ፧

• ንዓለም ክንፈትዋ ዘይብልና ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ድያብሎስ ንክርስትያናዊ ሓድነትና ኺዘርጎ ኸቶ ኣይነፍቅደሉን ኢና

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ዮሃንስ ንዓለም ከይንፈትዋ እተማሕጸነና ስለምንታይ እዩ፧