ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሰይጣን ተጻረሮ እሞ: ንሱ ኺሃድም እዩ

ንሰይጣን ተጻረሮ እሞ: ንሱ ኺሃድም እዩ

ንሰይጣን ተጻረሮ እሞ: ንሱ ኺሃድም እዩ

“ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ።” ​—⁠ያእቆብ 4:7

1, 2. (ሀ) ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 14 ኣብ ዚርከብ ቃላት እንታይ ባህሪ ድያብሎስ እዩ ተንጸባሪቑ ዘሎ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንርኢ፧

 ድያብሎስ እቲ ቐንዲ ምሳሌ ናይ ትዕቢት እዩ። ትዕቢቱ ኣብ ቃላት እቲ ኢሳይያስ ዚበሃል ነብዪ ኣምላኽ ተንጸባሪቑ ኣሎ። ባቢሎንያ ቐንዲ ሓይሊ ዓለም ቅድሚ ምዃና ሓደ ዘመን ዚኸውን ኣቐዲሙ: ህዝቢ የሆዋ ኣብ ልዕሊ “ንጉስ ባቢሎን:” “ንስኻስ ብልብኻ: ናብ ሰማይ ክድይብ: ንዝፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ ኣምላኽ [ነገስታት መስመር ወለዶ ዳዊት] ልዕል ከብሎ . . . ነቲ ኣዝዩ ልዑል ክመስል እየ: በልካ” ኢሎም ከም ዚዛረቡ ተገሊጹ ኣሎ። (ኢሳይያስ 14:3, 4, 12-15፣ ዘሁልቍ 24:17) ትዕቢት “ንጉስ ባቢሎን:” ምስ መንፈስ እቲ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ተባሂሉ ዘሎ ሰይጣን ይመሳሰል እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:4) ኰይኑ ግን: ከምቲ ስርወ⁠-​ንግስነት ባቢሎን ብዜሕፍር መገዲ ዝጠፍአ: ትዕቢት ሰይጣን እውን ናብ ጥፍኣት እዩ ዚመርሖ።

2 ድያብሎስ ክሳዕ ዘሎ ግን: እዚ ዚስዕብ ሕቶታት የተሓሳስበና ይኸውን:- ‘ንሰይጣን ክንፈርሆ ኣሎና ድዩ፧ ሰባት ንክርስትያናት ንኼሳጕጕዎም ዜለዓዕሎም ስለምንታይ እዩ፧ ድያብሎስ ከይብለጸልና ኽንጥንቀቕ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧’

ንድያብሎስ ክንፈርሆ ኣሎና ድዩ፧

3, 4. ቅቡኣት ክርስትያናትን ብጾቶምን ንድያብሎስ ዘይፈርህዎ ስለምንታይ እዮም፧

3 ቅቡኣት ክርስትያናት በዘን “እንሆ: ምእንቲ ኽትፍተኑስ: ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ: ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ: ነቲ ዝመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን: ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ” ዚብላ ቓላት የሱስ ብዙሕ ይበራትዑ እዮም። (ራእይ 2:10) እቶም ቅቡኣትን እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ብጾቶምን ንድያብሎስ ኣይፈርህዎን እዮም። እዚ ዘይምፍራህ እዚ ኻብ ናይ ርእሶም ትብዓት ኣይኰነን። የግዳስ: ንኣምላኽ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ስለ ዘለዎምን ‘ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፉ ስለ ዚጽግዑን’ እዮም ዘይፈርሁ።​—⁠መዝሙር 34:9፣ 36:7

4 ተባዓት ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ: ዝወረደ መከራ እኳ እንተ ወረዶም: ክሳዕ መወዳእታ እሙናት ነበሩ። የሆዋ ነቶም እሙናቱ ኸቶ ኸም ዘይጥንጥኖም ስለ ዝፈለጡ: ሰይጣን ድያብሎስ ኬምጽኦ ብዚኽእል ነገር ፈሪሆም ኣይተምበርከኹን። ቅቡኣት ክርስትያናትን ውፋያት ተሓባበርቶምን እውን ብተመሳሳሊ በዚ ኣብዚ ግዜና ዜጋጥሞም ሓያል መስጐጕቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ንጽህና ኸየበላሽው ቈሪጾም እዮም። ይኹን እምበር: ሃዋርያ ጳውሎስ: ድያብሎስ ሞት ኬምጽእ ከም ዚኽእል ሓቢሩ እዩ። እዝስ ኬፍርሃናዶ የብሉን፧

5. ካብ እብራውያን 2:14, 15 እንታይ ኢና እንመሃር፧

5 የሱስ “ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር: ንሱውን ድያብሎስ እዩ: ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ” ‘ብስጋን ደምን ከም ዝሓበሮም:’ ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። (እብራውያን 2:14, 15) ሰይጣን “ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ” ስለ ዝዀነ: ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ ተቘጻጸሮ: ድሕሪኡ ኸኣ ንመራሕቲ ኣይሁድን ሮማውያንን ንየሱስ ንምቕታል ተጠቐመሎም። (ሉቃስ 22:3፣ ዮሃንስ 13:26, 27) ይኹን እምበር: የሱስ ብመስዋእታዊ ሞቱ ኣቢሉ ንሓጥኣን ደቅሰብ ካብ ቍጽጽር ሰይጣን ሓራ ኣውጸኦም: ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንረክብ ድማ መገዲ ኸፈተልና።​—⁠ዮሃንስ 3:16

6, 7. ሰይጣን ክሳዕ ክንደይ እዩ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ሒዙ ዘሎ፧

6 ሰይጣን ክሳዕ ክንደይ እዩ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ሒዙ ዘሎ፧ ካብቲ እከይ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ: ሓሶታቱን መምርሒታቱን ኣብ ሰባት ሞት ኣስዒቡ እዩ። ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ኸኣ: ኣዳም ስለ ዝሓጥአን: ነዚ ሓጢኣትን ሞትን ናብ ሰባት ስለ ዘመሓላለፎን እዩ። (ሮሜ 5:12) ኣብ ርእሲ እዚውን: ምድራውያን ኣገልገልቲ ሰይጣን ንኣምለኽቲ የሆዋ የሳጕጕዎም እዮም፣ ሓድሓደ ግዜ እውን ከምቲ ንየሱስ ክርስቶስ ዝገበርዎ ኽሳዕ ሞት መስጐጕቲ የውርዱሎም እዮም።

7 ይኹን እምበር: ድያብሎስ ኣብ ልዕሊ ኪቐትሎ ዝደለየ ዘበለ ውልቀ⁠-​ሰብ ኵሉ: ሓይሊ ሞት ከም ዘለዎ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ኣምላኽ ነቶም ናቱ ዘበሉ የዕቍቦም እዩ: ንሰይጣን ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኼጽንቶም ከቶ ኣይፈቕደሉን እዩ። (ሮሜ 14:8) የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ መስጐጕቲ ኺወርድ ከም ዘፍቅድ ዘይከሓድ እዩ፣ ንገሌና ብሰንኪ መጥቃዕቲ ድያብሎስ ክንመውት እውን የፍቅድ እዩ። ኰይኑ ግን: ቅዱሳት ጽሑፋት ነቶም ኣብ “መጽሓፍ መዘከርታ” ዚምዝገቡ ተስፋ ትንሳኤ ኸም ዘለዎም ይገልጽ እዩ፣ ድያብሎስ ከኣ ነዚ እንደገና ህያው ምዃን ንኼወግድ ዋላ ሓንቲ ኺገብር ኣይክእልን እዩ።​—⁠ሚልክያስ 3:16፣ ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15

ሰይጣን መስጐጕቲ ዜውርደልና ስለምንታይ እዩ፧

8. ድያብሎስ ኣብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ መስጐጕቲ ዜውርድ ስለምንታይ እዩ፧

8 እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንተ ዄንና: ድያብሎስ መስጐጕቲ ንኼውርደልና መሰረታዊ ምኽንያት ይህልዎ እዩ። ዕላማኡ ኻብ እምነትና ኸም እነላግስ ንምግባር እዩ። ምስ ሰማያዊ ኣቦና ኽቡር ርክብ እዩ ዘሎና: ሰይጣን ከኣ ነዚ ኼበላሽዎ እዩ ዚደሊ። እዚ ኼገርመና የብሉን። የሆዋ ኣብ ኤድን ኣብ መንጎ እታ ምሳልያዊት “ሰበይትን” ኣብ መንጎ እቲ “ተመንን:” ከምኡውን ኣብ መንጎ ናይ ክልቲኦም ዘርእን ጽልኢ ኺህሉ ምዃኑ ተነብዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 3:14, 15) ቅዱሳት ጽሑፋት ንድያብሎስ “እቲ ናይ ጥንቲ ተመን” ኢሉ እዩ ዚጽውዖ: ሕጂ ቝሩብ ግዜ ተሪፍዎ ኸም ዘሎን ብርቱዕ ቍጥዓ ኸም ዘለዎን ድማ ይገልጸልና እዩ። (ራእይ 12:9, 12) ኣብ መንጎ እቶም ክልተ “ዘርኢ” ጽልኢ ስለ ዚህሉ ኸኣ: እቶም ብተኣማንነት ንየሆዋ ዜገልግሉ ኺስጐጉ ትጽቢት ኪገብሩ ኣለዎም። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ግናኸ ሰይጣን መስጐጕቲ ዜውርደልና ቐንዲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ትፈልጦ ዲኻ፧

9, 10. ድያብሎስ እንታይ ጕዳይ እዩ ኣበጊሱ፧ እዚ ምስ ሰባት ዚተሓሓዝከ ብኸመይ እዩ፧

9 ድያብሎስ ነቲ ናይ ኵሉ ፍጥረት ልዑላውነት ዚምልከት ጕዳይ ኣበጊሱ እዩ። ምስዚ ብዚተሓሓዝ ድማ ሰባት ንፈጣሪኦም ዘለዎም ንጽህና ኣብ ሕቶ ኣእቲዎ እዩ። ሰይጣን ነቲ ቕኑዕ ዝነበረ እዮብ መስጐጕቲ ኣውሪዱሉ እዩ። ስለምንታይ፧ ነቲ እዮብ ንየሆዋ ዝነበሮ ንጽህና ንኼበላሹ ኢሉ እዩ። ሰበይቲ እዮብን እቶም ሰለስተ ‘ዘይጠቕሙ መጸናናዕትን’ ኣብቲ ግዜ እቲ መሳርሒ ድያብሎስ እዮም ኰይኖም። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ተገሊጹ ዘሎ: ሰይጣን ንሰብ ኪፍትኖ እንተ ተፈቒዱሉ: ዋላ ሓደ ሰብ ንኣምላኽ እሙን ከም ዘይከውን ብምግላጽ: ንኣምላኽ ብድሆ ኣቕረበሉ። እዮብ ግን ንጽህናኡ ኣየበላሸወን: በዚ ኸምዚ ድማ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኣርኣየ። (እዮብ 1:8-2:9፣ 16:2፣ 27:5፣ 31:6) ድያብሎስ ንጽህናና ንኼበላሹን ዘቕረቦ ብድሆ ሓቂ ምዃኑ ንኼረጋግጽን ኢሉ: ሎሚ ንዘለዉ መሰኻኽር የሆዋ እውን መስጐጕቲ የውርደሎም እዩ።

10 ድያብሎስ ንጽህናና ኼበላሹ ኻብ ዘለዎ ኽቱር ድሌት እተላዕለ መስጐጕቲ ኸም ዜውርደልና ምፍላጥና: ተባዓትን ጽኑዓትን ንኽንከውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ዘዳግም 31:6) ኣምላኽና ናይ ኵሉ ፍጥረት ልዑላዊ እዩ፣ ንጽህናና ንኽንሕሉ ድማ ኪሕግዘና እዩ። ንጽህናና ብምሕላውን የሆዋ ነቲ ቐንዲ ተጻራፊ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ዚህቦ ምላሽ ብምቕራብን: ወትሩ ልቢ የሆዋ ኸነሐጕስ ንጽዓር።​—⁠ምሳሌ 27:11

“ካብቲ እኩይ ኣድሕነና”

11. “ናብ ፈተና ኣይተእትወና” ዚብል ለመና እንታይ ማለት እዩ፧

11 ንጽህና ምሕላው ቀሊል ነገር ኣይኰነን፣ ልባዊ ጸሎት ዚሓትት እዩ። ብፍላይ እተን ኣብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ዚርከባ ቓላት ሓገዝቲ እየን። ገለ ኻብቲ ኣብኡ የሱስ እተዛረቦ: “ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር: ናብ ፈተና ኣይተእትወና” ዚብል ነበረ። (ማቴዎስ 6:13) የሆዋ ንኽንሓጥእ ኣይፍትነናን እዩ። (ያእቆብ 1:13) ይኹን እምበር: ሓድሓደ ግዜ ቕዱሳት ጽሑፋት የሆዋ ንሓደ ነገር ኬፍቅዶ ኸሎ: ንሱ ኸም ዝገበሮ ወይ ጠንቂ ኸም ዝዀኖ ገይሩ ይገልጾ እዩ። (ሩት 1:20, 21) እምበኣር: ከምቲ የሱስ ዝበሎ ጌርና ምስ እንጽሊ: የሆዋ ኣብ ፈተና ኽንኣቱ ኸየፍቅድ ኢና እንልምን ዘለና። ንሱውን ከምዚ ኣይገብርን እዩ፣ ከመይሲ: “ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ: ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ: መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ: ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ።​—⁠1 ቈረንቶስ 10:13

12. ስለምንታይ ኢና “ኻብቲ እኩይ ኣድሕነና” ኢልና እንጽሊ፧

12 የሱስ ኣብቲ ኣብነት ኪዀነና ዝሃበና ጸሎት ንፈተና ጥራይ ኣይኰነን ጠቒሱ። ብመሰረት እቲ በዅሪ ናይ ግሪኽ ጽሑፍ “ካብቲ እኩይ ኣድሕነና” እውን ኢሉ እዩ። ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ “ካብ ክፉእ ኣድሕነና” (ትርጕም 1956 መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ) ወይ “ካብ እከይ ሓልወና” ይብል እዩ። (ኮንተምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን) ይኹን እምበር: እተን “ካብ . . . ኣድሕነና” ዚብላ ቓላት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብቐንዱ ምስ ሰባት ብምትሕሓዝ እዩ ተዓዩለን ዘሎ: ወንጌል ማቴዎስ ከኣ ንሰይጣን “እቲ ፈታኒ” ኢሉ ኸም ሓደ ኣካል ዘለዎ ፍጡር ገይሩ ይጽውዖ እዩ። (ማቴዎስ 4:3, 11) ስለዚ: “ካብቲ እኩይ” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ክንድሕን ምጽላይና ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም እንሓጥእ እዩ ኺገብረና ዚጽዕር። (1 ተሰሎንቄ 3:5) “ካብቲ እኩይ ኣድሕነና” ኢልና ኽንልምን ከለና: ድያብሎስ ምእንቲ ኸይብለጸልና: እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኺመርሓናን ኪሕግዘናን ኢና እንጽሊ ዘሎና።

ድያብሎስ ኪብለጸልካ ኣይተፍቅደሉ

13, 14. እቶም ሰብ ቈረንቶስ ነቲ ብዕሉግ ዝነበረ ሰብኣይ ዝሓዙሉ መገዲ ኪቕይሩ ዝነበሮም ስለምንታይ እዮም፧

13 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ይቕረ በሃልቲ ኪዀኑ ኺምሕጸኖም ከሎ: “ሰይጣን ከይብለጸልና: ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ: ኣነ ንገለ ይቕረ ኢለ እንተ ዀይነ: ብዛዕባኹም ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ይቕረ ኢለ እየ: እምብኣርሲ ነቲ ይቕረ እትብሉሉ ኣነውን ይቕረ እብለሉ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (2 ቈረንቶስ 2:10, 11) ድያብሎስ ብእተፈላለየ መገዲ ኺብለጸልና ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ነዚ ዝጠቐስናዮ ሓሳባት ዝጸሓፈ ግን ስለምንታይ እዩ፧

14 እቶም ሰብ ቈረንቶስ ንሓደ ብዕሉግ ሰብኣይ ኣብታ ጉባኤ ኪቕጽል ብምፍቃዶም ጳውሎስ ገሲጽዎም ነይሩ እዩ። እታ ጉባኤ “ከምኡ ዘመሰለ ምንዝርናስ ኣብቶም ኣህዛብ እኳ ዜልቦ” እተባህለሉ ነገር ዕሽሽ ብምባላ: እዚ ንሰይጣን ኣሐጒስዎ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ መወዳእታኡ እቲ ኣበሰኛ ተወገዘ። (1 ቈረንቶስ 5:1-5, 11-13) እቲ ሰብኣይ ጸኒሑ ተነስሐ። እቶም ሰብ ቈረንቶስ ነቲ ሰብኣይ ይቕረ ኺብልዎን ኪመልስዎን እንተ ዚኣብዩ ነይሮም: ሰይጣን ብኻልእ መገዲ ምተበለጸሎም ነይሩ። ብኸመይ፧ ከም ሰይጣን ጨካናትን ምሕረት ዘይብሎምን ምዀኑ። እቲ እተነስሐ ሰብኣይ ‘ብብዝሒ ጓሂ እንተ ዚወሓጥን’ ተስፋ እንተ ዚቐብጽን ነይሩ: ብፍላይ እቶም ሽማግለታት ኣብ ቅድሚ እቲ መሓሪ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ በዚ ጕዳይ እዚ ተሓተትቲ ምዀኑ ነይሮም። (2 ቈረንቶስ 2:7፣ ያእቆብ 2:13፣ 3:1) ዝዀነ ይኹን ናይ ሓቂ ክርስትያን ጨካንን ተሪርን ምሕረት ዘይብሉን ብምዃን ንሰይጣን ኪመስሎ ዚደሊ የልቦን።

ኣጽዋር ኣምላኽ ዜምጽኦ ዕቝባ

15. እንታይ ዓይነት ውግእ ኢና እንዋጋእ ዘለና፧ ዓወት ንኽንረክብከ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

15 ካብ ድያብሎስ ክንድሕን እንተ ዄንና: ምስ እኩያት መናፍስቲ መንፈሳዊ ውግእ ክንዋጋእ ኣሎና። ምስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓያላት መናፍስቲ ተዋጊእና ኽንዕወት እንተ ዄንና: “ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ” ክንለብስ ኣሎና። (ኤፌሶን 6:11-18) እዚ ኣጽዋር እዚ “ድርዒ ጽድቂ” የጠቓልል እዩ። (ኤፌሶን 6:14) እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሳኦል ትእዛዝ ኣምላኽ ብምጥሓሱ: መንፈስ ቅዱስ ካብኡ ረሓቐ። (1 ሳሙኤል 15:22, 23) ብጽድቂ እንተ ተመላሊስናን ኵሉ መንፈሳዊ ኣጽዋር እንተ ለቢስናን ግን: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ይህልወና: ሰይጣንን እኩያት መናፍስትን ወይ ኣጋንንትን ንኸየጥቅዑና ድማ ዕቝባ ንረክብ።​—⁠ምሳሌ 18:10

16. እኩያት መናፍስቲ ንኸየጥቅዑና ቐጻሊ ዕቝባ ኽንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 እኩያት መናፍስቲ ንኸየጥቅዑና ቐጻሊ ዕቝባ ኽንረክብ እንተ ዄንና: ገለ ኻብቲ ኽንገብሮ ዘሎና ነገራት: ቃል ኣምላኽ ኣዘውቲርና ኸነንብብን ከነጽንዕን: ነቲ በቲ ‘እሙን መጋቢ’ ዚዳለወልና ጽሑፋት ከኣ ጽቡቕ ጌርና ኽንጥቀመሉ ይግባእ። (ሉቃስ 12:42) በዚ ኸምዚ ኣእምሮና ብጥዑይ መንፈሳዊ ነገራት ንመልኦ። እዚ ድማ ምስቲ ጳውሎስ “ኣሕዋተየ: ሓቂ ዘበለ: ርዝነት ዘለዎ ዘበለ: ቅኑዕ ዘበለ: ንጹህ ዘበለ: ተፈታዊ ዘበለ: ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ: ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ: ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ: ብእኡ ሕሰቡ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ዚሰማማዕ እዩ።​—⁠ፊልጲ 4:8

17. ንፉዓት ኣወጅቲ እቲ ብስራት ንኽንከውን ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

17 የሆዋ ‘ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላው ኣብ ኣእጋርና ንኸነእቱ’ የኽእለና እዩ። (ኤፌሶን 6:15) ኣዘውቲርና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምስታፍና: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንእውጅ የዕጥቐና እዩ። ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ንኺፈልጡን መንፈሳዊ ሓርነት ንኺረኽቡን ካብ ምሕጋዝ ከመይ ዝበለ ብዙሕ ሓጐስ ኰን ኢና እንረክብ! (ዮሃንስ 8:32) እቲ “ናይ መንፈስ ሰይፊ . . . ማለት ቃል ኣምላኽ” ንርእስና ኻብ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ንምክልኻል ከምኡውን “ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት” ናይ ግድን ኣድላዪ እዩ። (ኤፌሶን 6:17፣ 2 ቈረንቶስ 10:4, 5) ነቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብውሕልና ምጥቃም: ነታ ሓቂ ንኽንምህር ይሕግዘና: ብውዲት ድያብሎስ ንኸይንምብርከኽ ድማ ይሕልወና።

18. ‘ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ እንኽእል’ ብኸመይ ኢና፧

18 ጳውሎስ ነቲ ብዛዕባ መንፈሳዊ ኣጽዋርና ዝሃቦ መግለጺ ኸምዚ ብምባል እዩ ጀሚርዎ:- “ኣሕዋተየ: ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። . . . ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ: ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።” (ኤፌሶን 6:10, 11) እታ “ምቅዋሙ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ወተሃደር ካብ ቦታኡ ፈልከት ምስ ዘይምባል ትዛመድ እያ። ሰይጣን ሓድነትና ንምዝራግ: ትምህርትታትና ንምብካል: ወይ ንኣምላኽ ዘሎና ንጽህናና ንምብልሻው እተፈላለየ ውዲት እኳ እንተ ተጠቕመ: ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ካብ ቦታና ፈልከት ኣይንብልን ኢና። ድያብሎስ ዚፍንዎ መጥቃዕቲ ኽሳዕ ሕጂ ዕዉት ኣይኰነን፣ ብሕጂውን ፈጺሙ ኣይኪኸውንን እዩ! a

ንድያብሎስ ተጻረሮ እሞ: ንሱ ኺሃድም እዩ

19. ሓደ ኻብቲ ንድያብሎስ ኣብ እንጻረረሉ እዋን ጽኑዕ ስጕምቲ እንወስደሉ መዳይ እንታይ እዩ፧

19 ኣብቲ ምስ ድያብሎስን ምስቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ እኩያት መናፍስትን እንገብሮ መንፈሳዊ ውግእ ዕዉታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንሰይጣን ፈሪህና እንንቅጥቀጠሉ ምኽንያት የብልናን። ከመይሲ: ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር “ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ያእቆብ 4:7) ሓደ ኻብቲ ንሰይጣንን ምስኡ ዚሓብሩ እኩያት መንፈሳውያን ፍጡራትን ኣብ እንጻረረሉ እዋን ጽኑዕ ስጕምቲ እንወስደሉ መዳይ: ምስ ሽሕር ወይ ስራይ ኰነ ምስቶም ኣብኡ ዚሳተፉ ሰባት ዜራኽብ ዋላ ሓደ ነገር ብዘ⁠ይምግባር እዩ። ኣገልገልቲ የሆዋ ፋል ኪፈልጡ ኺጽዕሩ ወይ ኣብ ቈጸራ ኸዋኽብትን ኣስማትን ሓተታ መናፍስትን ኪሳተፉ ኸም ዘይብሎም: ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ይገልጽ እዩ። ብመንፈሳዊ መዳይ ንጡፋትን ብርቱዓትን እንተ ዄንና: ዝዀነ ሰብ ከይስርየና ኣይንፈርህን ኢና።​—⁠ዘሁልቍ 23:23፣ ዘዳግም 18:10-12፣ ኢሳይያስ 47:12-15፣ ግብሪ ሃዋርያት 19:18-20

20. ንድያብሎስ ክንጻረሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

20 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታትን ሓቅታትን ጠቢቕና ብምስዓብን ንድያብሎስ ጸኒዕና ብምቅዋምን ‘ንድያብሎስ ንጻረሮ’ ኢና። ንሱ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝዀነ: ዓለም ምስኡ ትሰማማዕ እያ። (2 ቈረንቶስ 4:4) ስለዚ: ከም ትዕቢት: ስስዐ: ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት: ዓመጻ: ከምኡውን ፍቕረ⁠-​ንዋይ ዝኣመሰለ ባህርያት እዛ ዓለም እዚኣ ንነጽግ ኢና። የሱስ ነቲ ድያብሎስ ኣብ በረኻ ኺፍትኖ ኸሎ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ ምስ ተጻረሮ: ድያብሎስ ከም ዝሃደመ ንፈልጥ ኢና። (ማቴዎስ 4:4, 7, 10, 11) ብተመሳሳሊ: ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንግዝኦ እንተ ዄንናን ብጸሎት ኣብኡ እንተ ተወኪልናን: ሰይጣን ካባና ኺሃድም እዩ። (ኤፌሶን 6:18) ብሓገዝ የሆዋ ኣምላኽን ብሓገዝ እቲ ፍቑር ወዱን: ዝዀነ ይኹን ፍጡር: እንተላይ ድያብሎስ: ነባሪ ጕድኣት ኬስዕበልና ኣይክእልን እዩ!​—⁠መዝሙር 91:9-11

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ መንፈሳዊ ኣጽዋር ኣምላኽ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ናይ 15 ግንቦት 1992 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 21-3 ተወከስ።

መልስኻ እንታይ እዩ፧

• ንሰይጣን ድያብሎስ ክንፈርሆ ኣሎና ድዩ፧

• ሰይጣን ኣብ ክርስትያናት መስጐጕቲ ዜውርድ ስለምንታይ እዩ፧

• “ካብቲ እኩይ” ንኽንድሕን ክንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ዕዉታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ተባዓት ቀዳሞት ሰዓብቲ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት እሙናት ኰኑ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ድያብሎስ ነቶም ኣብ ዝኽሪ የሆዋ ዘለዉ ኸም ዘይትንስኡ ኺገብሮም ኣይክእልን እዩ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

“ካብቲ እኩይ” ንኽትድሕን ትጽሊ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

“ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ” ለቢስካዶ ኣለኻ፧