ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈስ ዜሐድስ ጥዑይ መዘናግዒ

መንፈስ ዜሐድስ ጥዑይ መዘናግዒ

መንፈስ ዜሐድስ ጥዑይ መዘናግዒ

“እንተ በላዕኩም: ወይስ እንተ ሰቴኹም: ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም: ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።”1 ቈረንቶስ 10:31

1, 2. ባህ ዜብል ንጥፈታት ከም “ውህበት ኣምላኽ” ጌርካ ዚርአ ስለምንታይ እዩ፧ ኰይኑ ግን መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ቀጥታዊ መጠንቀቕታ እዩ ዚህብ፧

 ሓጐስ ኣብ ዜምጽኣልና ንጥፈታት ምስታፍ ባህርያዊ ነገር እዩ። እቲ ‘ሕጉስ ኣምላኽና’ የሆዋ: ተሓጒስና ኽንነብር እዩ ዚደልየና: ሓጐስ ምእንቲ ኽንረክብ ከኣ ብዙሕ ምድላዋት እዩ ዚገብረልና። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW፣ 6:17) እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን: “ንኣታቶምሲ ኻብ ባህ ምባል . . . ዚሔሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ። እምበኣርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን: ብዅሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን: እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—መክብብ 3:12, 13

2 ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ጽቡቕ ጻዕሩ ብምዝካሩ ዚረኽቦ ሓጐስ ብሓቂ መንፈስ ዜሐድስ እዩ። ነዚ ድማ ብፍላይ ምስ ስድራቤቱ ወይ ምስ ፈተውቱ ብሓባር ኪገብሮ ኸሎ ብዝያዳ ባህ ዜብል እዩ። ከም “ውህበት ኣምላኽ” ጌርካ ኺርአ ግቡእ እዩ። ልክዕ እዩ: ፈጣሪ ነቲ ዜድልየና ዘበለ ኣብዚሑ ምሃቡ: ኣብ ቀይዲ ዘይብሉ ፈንጠዝያ ኽንሳተፍ ፍቓድ ሂቡና ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ስኽራንን ህርፋንን ርኽሰትን ይዅንን: እቶም ነዚ ነገር እዚ ዚገብሩ ኸኣ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ” የጠንቅቕ እዩ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ ምሳሌ 23:20, 21፣ 1 ጴጥሮስ 4:1-4

3. ብመንፈስ ንቑሓት ክንከውንን ኣብታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ኸነተኵርን ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

3 ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት እዚኣተን: ክርስትያናት ኣብዛ እተበላሸወት ዓለም እናነበሩ ኣብቲ ተግባራታ ምእንቲ ኸይሳተፉ: ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ብጥንቃቐ ኺመላለሱ ብድሆ ዀይንዎም ኣሎ። (ዮሃንስ 17:15, 16) ከምቲ ብትንቢት እተነግረ: ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰባት “ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ” ኻብ ምዃኖም እተላዕለ: እቲ ዓብዪ “መከራ” ቐሪቡ ኸም ዘሎ ዜርኢ መርትዖ እውን ‘ኣይፈልጡን’ ወይ ኣየስተብህሉሉን እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:4, 5፣ ማቴዎስ 24:21, 37-39) የሱስ ንሰዓብቱ “ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (ሉቃስ 21:34, 35) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን: ነቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኸነቕልበሉ ቘሪጽና ኢና። ከምቶም ኣብ ከባቢና ኣብ ዘላ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ዚነብሩ ዘይኰንናስ: ብመንፈስ ንቑሓት ክንከውንን ኣብታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ኸነተኵርን ኢና እንጽዕር።—ጸፎንያስ 3:8፣ ሉቃስ 21:36

4. (ሀ) ቅቡል መዘናግዒ ምርካብ ኣጸጋሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ኤፌሶን 5:15, 16 ዚርከብ እንታይ ምኽሪ ኢና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንደሊ፧

4 ድያብሎስ ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ነገራት ኣዝዩ ተበሃግን ብቐሊሉ ዚርከብን ስለ ዝገበሮ: ካብቲ ብልሹው ተግባራት እዛ ዓለም እዚኣ ምርሓቕ ቀሊል ኣይኰነን። ብፍላይ መዘናግዒ ኽንደሊ ኸለና ኸኣ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። መብዛሕትኡ እዛ ዓለም እዚኣ እተቕርቦ መዘናግዒ ን“ስጋዊ ትምኒት” ዚስሕብ እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:11) ጐዳኢ መዘናግዒ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ይርከብ እዩ። እንተዀነ ግን: ብጽሑፋትን ቲቪን መርበብ ሓበሬታን ቪድዮታትን ኣቢሉ ናብ ቤትና እውን ኪኣቱ ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ቓል ኣምላኽ ንክርስትያናት: “ቅንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ: ጊዜ ዐዲግኩም: ከም ለባማት እምበር: ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ: ተመልከቱ” ብምባል ጥበባዊ ምኽሪ ዚህቦም። (ኤፌሶን 5:15, 16) ነዚ ምኽሪ እዚ ተጠንቂቕና እንተ ስዒብናዮ ጥራይ ኢና ጐዳኢ መዘናግዒ ኸም ዘየስድዓናን ከም ዘይስሕበናን ከምኡውን ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከም ዘየበላሽዎን ናብ ጥፍኣት ከም ዘይመርሓናን ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል—ያእቆብ 1:14, 15

5. ካብ ኵሉ ንላዕሊ ንመንፈስና ኼሐድስ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

5 ክርስትያናት ብእተፈላለየ ንጥፈታት እተዋጠረ ናብራ ስለ ዚነብሩ: ሓድሓደ ግዜ ብእተወሰነ ደረጃ ኺዘናግዑ ምድላዮም ዜገርም ኣይኰነን። አረ መክብብ 3:4 እሞ ኸኣ “ንሰሓቕ ከኣ ጊዜ አለዎ” ከምኡውን “ንጓይላ ድማ ጊዜ አለዎ” ትብል እያ። ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ንመዘናግዒ ኸም መባኸኒ ግዜ ገይሩ ኣይኰነን ዚርእዮ። ኰይኑ ግን: መዘናግዒ ኼሐድሰና ደኣ እምበር: መንፈሳውነትና ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ወይ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታትና ጣልቃ ኺኣቱ የብሉን። ብሱላት ክርስትያናት ብምሃብ ዝያዳ ሓጐስ ከም ዚርከብ ካብ ተመክሮ ይፈልጥዎ እዮም። ፍቓድ የሆዋ ምግባር ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ይህብዎ: ነቲ ፈኵሽ ኣርዑት የሱስ ብምጻሮም ድማ ‘ንነፍሶም ዕረፍቲ’ ይረኽቡ እዮም።—ማቴዎስ 11:29, 30፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:35

ቅቡል መዘናግዒ ምምራጽ

6, 7. ሓደ መዘናግዒ ቕቡል ወይ ዘይቅቡል ምዃኑ ንኽትውስን ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧

6 ሓደ ዓይነት መዘናግዒ ንክርስትያናት ቅቡል ምዃኑ ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧ ወለዲ ንውሉዳቶም መምርሒ ይህቡ እዮም: ሽማግለታት እውን ከከም ኣድላይነቱ ሓገዝ ይህቡ እዮም። ከም ሓቂ ግን ሓደ ዓይነት መጽሓፍ: ፊልም: ጸወታ: ሳዕስዒት: ወይ ደርፊ ቕቡል ከም ዘይኰነ ኻልኦት ኪነግሩና ዜድሊ ኣይኰነን። ጳውሎስ: ‘ብጹሓት ዘበሉ ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ከም ዜላምዱ’ ገሊጹ ኣሎ። (እብራውያን 5:14፣ 1 ቈረንቶስ 14:20) መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ዚኸውን መሰረታዊ ስርዓታት ሰሪዑ ኣሎ። ነቲ ብቓል ኣምላኽ ዝሰልጠነ ሕልናኻ እንተ ሰሚዕካዮ እውን: ኪሕግዘካ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 1:19

7 የሱስ “ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 12:33) ሓደ ዓይነት መዘናግዒ ናብ ከም ዓመጻ: ርኽሰት: ወይ ሓተታ መናፍስቲ ዝኣመሰለ ነገራት ከም እትሰሓብ ብምግባር ብልሹው ፍረ እንተ ኣፍርዩ: ክንጥቀመሉ የብልናን። ንህይወት ወይ ጥዕና ሓደ ሰብ ኣብ ሓደጋ እንተ ኣእትዩ: ቍጠባዊ ጸገም ወይ ጓሂ እንተ ኣምጺኡ: ወይ ከኣ ንኻልኦት እንተ ዓንቂፍዎም: ቅቡል ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሕልና ሓውና እንተ ኣቝሲልናዮ: ንሓጥእ ከም ዘሎና ኼጠንቅቕ ከሎ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ከምዚኸስ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም: ነቲ ድኹም ሕልናኦምውን እናኣቝሰልኩም: ንክርስቶስ ትብድልዎ አሎኹም። ስለዚ ኸኣ እቲ ብልዒ ንሓወይ ዜዐንቅፎ እንተ ዀይኑስ: ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ: ንሓዋሩ ከቶ ስጋ ኣይክበልዕን እየ።”—1 ቈረንቶስ 8:12, 13

8. ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታትን ቪድዮታትን ምጥቃም እንታይ ሓደጋ ኣለዎ፧

8 ድኳናት ብኤለክትሮኒካዊ ጸወታታትን ቪድዮታትን መሊኡ እዩ ዘሎ። ገሊኡ ኻብዚ ጕድኣት ዘይብሉ መዘናግዒ እኳ እንተዀነ: ብሓፈሻኡ ግን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚዅንኖ ነገራት በብግዜኡ ብብዝሒ የቕርብ እዩ። እቲ ተጻዋታይ ኣካላት ኪቘርጽ: ኪቐትል: ወይ ከቢድ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባር ኪገብር ዚድለ እንተ ዀይኑ: እቲ ጸወታ ንጹህ ኪበሃል ኣይከኣልን እዩ። የሆዋ ነቶም ‘ፈተውቲ ግፍዒ’ ይጸልኦም እዩ። (መዝሙር 11:5፣ ምሳሌ 3:31፣ ቈሎሴ 3:5, 6) ሓደ ዓይነት ጸወታ ምጽዋት ናይ ስስዐ ወይ ናይ ዓመጻ ባህሪ ዜሕድረልካ: ስምዒትካ ዜደንዝዞ: ወይ ክቡር ግዜ ዜባኽነልካ እንተ ዀይኑ: ነቲ ዜስዕቦ መንፈሳዊ ጕድኣት ፈሊጥካ: ቀልጢፍካ ምትዕርራይ ግበር።—ማቴዎስ 18:8, 9

ብጥዑይ መገድታት ምዝንጋዕ

9, 10. መስተውዓልቲ ዘበሉ ነቲ ንምዝንጋዕ ዘለዎም ድሌት ብኸመይ የማልእዎ፧

9 ሓድሓደ ግዜ ክርስትያናት “መብዛሕትኡ እቲ ዓለም እተቕርቦ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ እዩ። ስለዚ: ቅቡል ዚበሃል መዘናግዒ ኸመይ እዩ፧” ኢሎም ይሓቱ እዮም። ዜዕግብ መዘናግዒ ኺርከብ ከም ዚከኣል ኣይትጠራጠር: እንተዀነ ግን ጻዕሪ የድልዮ እዩ። ኣርሒቕካ ምሕሳብን መደብ ምግባርን ዚሓትት እዩ፣ ብፍላይ ወለዲ ኸምኡ ኺገብሩ ኣለዎም። ብዙሓት ኣብ ውሽጢ ስድራቤቶምን ጉባኤኦምን ዜሐጕስ መዘናግዒ ይረኽቡ እዮም። ብዛዕባ መዓልታዊ ንጥፈታትካ እናዕለልካ ወይ ብዛዕባ ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጕዳይ እናተመያየጥካ ህድእ ኢልካ ምግቢ ምምጋብ ባህ ዜብልን ሃናጽን እዩ። ዙረት: ግቡእ ጸወታታት: ወይ ብእግሪ ዚግበር ጕዕዞ እውን ኪዳሎ ይከኣል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጥዑይ መዘናግዒ ዜሐጕስን ዜሐድስን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

10 ሰለስተ ቘልዑ ዘዕበዩ ሓደ ሽማግለን ብዓልቲ ቤቱን ከምዚ በሉ:- “ደቅና ኻብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም ንዕረፍቲ ናበይ ከም እንኸይድ ኣብ ምምራጽ ይሳተፉ ነይሮም እዮም። ሓድሓደ ግዜ ነፍሲ ወከፍ ውሉድ ንሓደ ጥዑይ ዓርኩ ኺዕድም ይፍቀደሉ ነይሩ: እዚ ድማ ነቲ ዕረፍትና ባህ ዜብል ይገብሮ። ኣብ ህይወት ደቅና ኣገዳሲ ዝዀነ ፍጻመታት ነተኵረሉ ኔርና። ንኣብነት: በብእዋኑ ቤተሰብን ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ፈተውትን ናብ ቤትና ንዕድሞም ኢና። ኣብ ግዳም ኴንና ምግቢ እናኸሸንና ንበልዕ: ጸወታታት ከኣ ንጻወት። ብማኪና ኣርሕቕ ኣቢልና ንጐዓዝ: ብእግርና ድማ ናብ ኣኽራን ንድይብ፣ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ከኣ ብዛዕባ ፍጥረት የሆዋ ንምምሃር ንጥቀመሉ ነበርና።”

11, 12. (ሀ) ኣብቲ ንምዝንጋዕ እተውጽኦ መደባት ንኻልኦት ንምጽንባር እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ (ለ) ብዙሓት ብቐሊሉ ዘይርስዕዎ እንታይ ዓይነት ምትእኽኻብ እዩ፧

11 ሓድሓደ ግዜ ንምዝንጋዕ መደብ ክትገብር ከለኻ: ካልኦት ምሳኻ ሓቢሮም ንኺዘናግዑ ብብሕትኻ ወይ ብስድራቤት ምድላው ክትገብር ትኽእልዶ፧ መበለት: ዘይተመርዓወ ሰብ: ወይ ንጽል ወላዲ ዘለዋ ስድራቤት ምትብባዕ የድልዮም እዩ። (ሉቃስ 14:12-14) ሒደት ሓደስቲ ሰባት እውን ክትዕድም ትኽእል ኢኻ፣ ከምዚ ኽትገብር ከለኻ ግን ንኻልኦት ናብ ጐዳኢ ጽልዋ ኸይተቃልዖም ክትጥንቀቕ ኣሎካ። (2 ጢሞቴዎስ 2:20, 21) ብእርጋን ወይ ብሕማም ዝደኸሙ ሰባት ናብ ካልእ ቤት ምኻድ ዜጸግሞም እንተደኣ ዀይኑ: ምናልባት ነቲ ምግቢ ሒዝካ ናብ ገዛኦም ክትከይድ ትኽእል ትኸውን።—እብራውያን 13:1, 2

12 ኣጋይሽ ቅልል ዝበለ ምግቢ እናተመገቡ: ገሊኦም ብኸመይ ክርስትያናት ከም ዝዀኑን ንኣምላኽ እሙናት ኰይኖም ንኪቕጽሉ ዝሓገዞም እንታይ ምዃኑን ዚሰምዑሉ ምትእኽኻብ ብዙሓት ብቐሊሉ ዘይርስዕዎ እዩ። ኵሎም እቶም እተኣኻኸቡ: እንተላይ ቈልዑ ኺሳተፉሉ ዚኽእሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣርእስትታት ምምይያጥ ይከኣል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምይይጣት ዋላ ሓደ ሰብ ከይተሸቝረረ ወይ ጕድለት ኣሎኒ ኢሉ ኸይተሰከፈ ንሓድሕድና እንተባብዓሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

13. የሱስን ጳውሎስን ዝቐረበሎም ዕድመ ኣብ ምቕባልን ንኻልኦት ኣብ ምእንጋድን ብኸመይ እዮም ኣብነት ዚዀኑ፧

13 የሱስ ዝቐረበሉ ዕድመ ብምቕባል ኰነ: ንኻልኦት ብምእንጋድ ሰናይ ኣብነት እዩ ዚኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ወትሩ መንፈሳዊ በረኸት ንምክፋል እዩ ዚጥቀመሉ ነይሩ። (ሉቃስ 5:27-39፣ 10:42፣ 19:1-10፣ 24:28-32) እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ኣብነቱ ስዒቦም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:46, 47) ሃዋርያ ጳውሎስ: “ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም: ክርእየኩም እናፍቕ አሎኹ: ማለት: በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት:—ናትኩምን ናተይን: ኣባኹምን ምሳኹምን:—ምእንቲ ኽንጸናናዕ [ኢለ እየ]” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 1:11, 12) ብተመሳሳሊውን ምትእኽኻባትና: ምጽንናዕ ንኺህሉ ሃዋሁ ዚፈጥር ኪኸውን ኣለዎ።—ሮሜ 12:13፣ 15:1, 2

ገለ መዘኻኸሪታትን መጠንቀቕታታትን

14. ሰፊሕ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ተመራጺ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

14 ሰፊሕ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ምግባር መብዛሕትኡ ግዜ ንምቍጽጻሩ ኣጸጋሚ ስለ ዚኸውን: ተመራጺ ኣይኰነን። ሒደት ስድራቤታት ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ዕንቅፋት ኣብ ዘይከውን እዋን ብሓንሳእ ኪዛወራ ወይ ሓያል ናይ ውድድር መንፈስ ዘይብሉ ጸወታ ኺጻወታ ይኽእላ እየን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት: ሽማግለታት: ኣገልገልቲ ጉባኤ: ወይ ካልኦት ብሱላት ክርስትያናት ምስ ዚርከቡ: ጽቡቕ ጽልዋ የሕድሩ: እቲ ኣጋጣሚ ድማ ብዝያዳ መንፈስ ዜሐድስ ይኸውን።

15. ኣዳላዊ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ እንተ ዄንካ: ግቡእ ቍጽጽር ክትገብር ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧

15 ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት እቶም ምድላዋት ዚገብሩ ግቡእ ቍጽጽር ምግባር ዕሽሽ ኪብልዎ የብሎምን። ኣአንጋዲ ብምዃንካ ባህ ዚብለካ እኳ እንተዀነ: ብሰንኪ ሸለልትነትካ ግን ሓደ ጋሻ ኣብ ቤትካ ብእተገብረ ነገር ከም እተዓንቀፈ እንተ ትፈልጥ ሕማቕዶ ኣይምተሰምዓካን፧ ነቲ ኣብ ዘዳግም 22:8 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት እሞ ሕሰበሉ። ቤት ዚሰርሑ እስራኤላውያን ኣብ ዙርያ እቲ ነጋይሽ ንምዝንጋዕ ዜገልግል ናሕሶም መጋረዲ ኺገብሩሉ ይሕተቱ ነበሩ። ስለምንታይ፧ “ገለ ሰብ ካብኣ እንተ ጸደፈ: ንቤትካ ደም ከይተምጽኣላ” ዚብል ምኽንያት እዩ ተዋሂብዎም። ብተመሳሳሊ: ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ነጋይሽካ ኣካላውን መንፈሳውን ጕድኣት ከይበጽሖም: መጠኑ ዝሓለፈ ዘይኰነስ: ግቡእ ቀይድታት ክትገብረሎም ይግባእ።

16. ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ኣልኮላዊ መስተ ዚቐርብ እንተ ዀይኑ: እንታይ ጥንቃቐ እዩ ዜድሊ፧

16 ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ኣልኮላዊ መስተ ዚቐርብ እንተ ዀይኑ: እዚ ብዓብዪ ጥንቃቐ ኺግበር ኣለዎ። ብዙሓት ክርስትያናት ነቲ ኣጋይሾም ዚቐርበሎም ወይ ዚሰትይዎ ዓይነት መስተ ባዕሎም ዚቈጻጸርዎ እንተ ዀይኖም ጥራይ እዮም መስተ ኺህሉ ዜፍቅዱ። ንኻልኦት ዚዕንቅፍ ወይ ንዝዀነ ይኹን ሰብ መስተ ንኼብዝሕ ዚፍትን ዋላ ሓንቲ ነገር ኪፍቀድ የብሉን። (ኤፌሶን 5:18, 19) ገሊኦም ኣጋይሽ ብእተፈላለየ ምኽንያታት ኣልኮላዊ መስተ ፈጺሞም ኣይሰትዩን ይዀኑ። ኣብ ሓያሎ ቦታታት መስተ ኺሰቲ ዚፍቀደሉ ሰብ ካብ እተወሰነ ዕድመ ንላዕሊ እዩ፣ ክርስትያናት ከኣ እዚ ሕግታት እዚ ኣመና ቐያዲ እኳ እንተ መሰለ: ንሕግታት ቄሳር ይሕልዉ እዮም።—ሮሜ 13:5

17. (ሀ) ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ሙዚቃ እንተ ተወሊዑ: እቲ ኣአንጋዲ መራጺ ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ምትእኽኻብ ሳዕስዒት እንተሎ: ብኸመይ እዩ ጠገለ ኺግበረሉ ዚግባእ፧

17 እቲ ኣአንጋዲ ዝዀነ ይኹን ሙዚቃ: ሳዕስዒት: ወይ ካልእ መዘናግዒ ምስ ክርስትያናዊ ስርዓታት ዚሰማማዕ ምዃኑ ኼረጋግጽ ኣለዎ። ሰባት ዘለዎም ናይ ሙዚቃ ምርጫ እተፈላለየ እዩ: ብዙሕ ዝዓይነቱ ሙዚቃ ድማ ኣሎ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ሎሚ ዘሎ ሙዚቃ ናይ ዕልወትን ርኽሰትን ዓመጻን መንፈስ ዜንጸባርቕ እዩ። ስለዚ: መራጺ ምዃን የድሊ። እሩም ሙዚቃ ኪበሃል ከሎ ናይ ግድን ልስሉስ ኪኸውን ኣለዎ ማለት ኣይኰነን: በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ጫውጫው ዝበዝሖን ብርቱዕ ህርመት ዘለዎን ብዕሉግን ሙዚቃ ኪኸውን የብሉን። ናይ ሙዚቃ ምርጫ ንሓደ መጠኑ ዝሓለወ ድምጺ ምጥቃም ዘለዎ ኣገዳስነት ምሉእ ብምሉእ ዘይተረድኦ ሰብ ከይትገድፈሉ ተጠንቀቕ። ንጾታዊ ተግባራት ዜጕልሕ ምንቅስቓሳት ምሕኵልትን ኣጥባትን ዘለዎ ሳዕስዒት: ንክርስትያናት ግቡእ ከም ዘይኰነ ንጹር እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 2:8-10

18. ወለዲ ነቲ ደቆም ዚኸድዎ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ብምቍጽጻር ብኸመይ ካብ ጕድኣት ኪሕልውዎም ይኽእሉ፧

18 ክርስትያን ወለዲ ኣብቲ ደቆም እተዓደምዎ ዝዀነ ይኹን ማሕበራዊ ምትእኽኻባት እንታይ ኪግበር ከም እተመደበ ኺፈልጡ ኣለዎም: ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት ከኣ ምሳታቶም ምኻድ ጥበባዊ እዩ። እቲ ዜሕዝን ግን: ገሊኦም ወለዲ ንውሉዳቶም ቍጽጽር ኣብ ዘይግበረሉ ድግስ ኪሳተፉ ፈቐዶምሎምሲ: ሓያሎ ኻብቶም ኣብኡ እተረኽቡ ርኹስ ወይ ዘይእሩም ተግባር ኪገብሩ ተፈቲኖም እዮም። (ኤፌሶን 6:1-4) እቶም መንእሰያት ኣብ መወዳእታ ዕድመ ዀተቴ ዚርከቡን ረዘንትን እኳ እንተዀኑ: ‘ካብ ትምኒት ጕብዝና ንኺሃድሙ’ ግን ገና ሓገዝ የድልዮም እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 2:22

19. ‘ቅድም ክንደልዮ’ ዘሎና ነገር ንኸነተኵረሉ ዚሕግዘና እንታይ ምኽንያት እዩ፧

19 ሓሓሊፉ ዚግበር መንፈስ ዜሕድስ ጥዑይ መዘናግዒ: ንህይወት ባህ ዜብል ኪገብሮ ይኽእል እዩ። የሆዋ ነዚ ሓጐስ እዚ ኣይክልክለናን እዩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ግን ኣብ ሰማይ መንፈሳዊ መዝገብ ንኽንገብር ከም ዘይሕግዘና ንፈልጥ ኢና። (ማቴዎስ 6:19-21) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ህይወቶም እቲ ኣገዳሲ ነገር ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ኪደልዩ’ ደኣ እምበር: እቲ ‘ኣህዛብ ዚደልይዎ’ ዚብላዕ: ዚስተ: ወይ ዚኽደን ነገር ከም ዘይኰነ ኣረዲእዎም እዩ።—ማቴዎስ 6:31-34

20. እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብቲ ዓብዪ ወሃቢ ዝዀነ ኣምላኽ እንታይ ኪጽበዩ ይኽእሉ፧

20 እወ: ‘እንተ በላዕና: ወይስ እንተ ሰተና: ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርና:’ ነቲ ንኽንሕጐስ ጽቡቕ ነገራት ዝሃበና ዓብዪ ወሃቢ ብምምስጋን: ‘ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ክንገብሮ’ ንኽእል ኢና። (1 ቈረንቶስ 10:31) ኣብታ ድሕሪ ሓጺር እዋን እትመጽእ ንሱ ዘዳለዋ ገነታዊት ምድሪ: ብዅሉ ልግሲ የሆዋን በቲ ምስ ኵሎም እቶም ጽድቃዊ ብቕዓታቱ ዜማልኡ ዘሎና ጥዑይ ምሕዝነትን ንኽንሕጐስ መወዳእታ ዘይብሉ ኣጋጣሚታት ኪህልወና እዩ።—መዝሙር 145:16፣ ኢሳይያስ 25:6፣ 2 ቈረንቶስ 7:1

ትዝክሮዶ፧

• ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ጥዑይ መዘናግዒ ኺረኽቡ ዜጸግሞም ስለምንታይ እዩ፧

• ንክርስትያን ስድራቤታት ዜሐጕስ ኰይኑ እተረኽበ ገለ ዓይነት መዘናግዒ እንታይ እዩ፧

• ብጥዑይ መዘናግዒ ኽንዘናጋዕ ከለና: እንታይ መዘኻኸሪታትን መጠንቀቕታታትን ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ጽቡቕ ፍረ ዜፍሪ መዘናግዒ ምረጽ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት እንታይ ዓይነት መዘናግዒ እዮም ዘይጥቀሙ፧