ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብኽቡር ደም” ደሓንና

“ብኽቡር ደም” ደሓንና

“ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ”

“ብኽቡር ደም” ደሓንና

የሆዋ: እቲ ሓደ ወዱ ነታ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ በጃ ንኺህባ ምልኣኹ እቲ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ እዩ። ሓጥኣን ደቅሰብ ስለ ዝዀንና: ከምዚ ዝበለ ድሕነት የድልየና እዩ፣ ከመይሲ: “ንሓዋሩ ኺነብር . . . ሓደ [ዘይፍጹም ሰብ] እኳ ንሓዉ ዚብጀዎ: ጋር ነፍሲ ንኣምላኽ ዚህበሉ የልቦን።” (መዝሙር 49:6-9) “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ” ምሃቡ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ!—ዮሃንስ 3:16

እቲ በጃ ኸመይ ገይሩ እዩ ዜድሕነና፧ ሳላ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ዘርኣየና ብሉጽ መግለጺ ፍቕሪ: ሓርነት እንረኽበሉ ኣርባዕተ መገድታት እስከ ንርአ።

ብበጃ ሓራ ምውጻእ

ብቐዳምነት: መስዋእቲ የሱስ ካብቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ሓራ ኼውጽኣና ይኽእል እዩ። ኵላትና ብሓጢኣት ኢና ተወሊድና። እወ: ቅድሚ ንሕጊ የሆዋ ምጥሓስና እውን እንተዀነ ሓጥኣን ኢና። ብኸመይ፧ ሮሜ 5:12 “ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ [ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ: ብሓጢኣትውን ሞት” ትብል። ደቂ እቲ ሓጥእ ኣዳም ስለ ዝዀንና: ነቲ ዘይፍጽምናኡ ወሪስናዮ ኢና። ይኹን እምበር: እቲ በጃ ኻብ ባርነት እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ሓራ ንኽንወጽእ መገዲ ኸፈተ። (ሮሜ 5:16) የሱስ ነቲ ዘርኢ ኣዳም ዚዓጽድዎ ሳዕቤን ሓጢኣት ብምስካም: ‘ኣብ ክንዲ ዅሉ ሰብ ሞት ጠዓመ።’—እብራውያን 2:9፣ 2 ቈረንቶስ 5:21፣ 1 ጴጥሮስ 2:24

ካልኣይ: እቲ በጃ ኻብቲ ሞት ዜስዕብ ሳዕቤን ሓጢኣት ናጻ ኺገብረና ይኽእል እዩ። “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ።” (ሮሜ 6:23) ናይ ሓጢኣት መቕጻዕቲ ሞት እዩ። ወዲ ኣምላኽ ግን ሳላ እቲ መስዋእታዊ ሞቱ: እቶም እዙዛት ደቅሰብ ዘለኣለማዊ ህይወት ንኪረኽቡ መገዲ ኸፈተሎም። ስለዚ: እቲ “ብወዲ ዚአምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ: እቲ ብወዲ ዘይአምን ግና . . . ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።”—ዮሃንስ 3:36

ካብ ሳዕቤን ሓጢኣት ናጻ ኽንከውን እንኽእል ኣብ ወዲ ኣምላኽ እምነት ከም ዘሎና እንተ ኣርኢና ጥራይ ምዃኑ ኣስተብህል። እዚ ድማ ኣብ ህይወትካ ለውጢ ምግባርን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ምንባርን ዜጠቓልል እዩ። ነቲ ቐደም እንስዕቦ ዝነበርና ግጉይ መገዲ ኽንሓድጎን ነቲ ንኣምላኽ ዜሐጕሶ ነገር ክንገብር ስጕምቲ ኽንወስድን ኣሎና። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም: . . . ተነስሑን ተመለሱን” በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:19, 20adj.

ሳልሳይ: እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ኻብቲ ኣብ ሕልናና ዚስምዓና ዝነበረ ወቐሳ ናጻ የውጽኣና። ኵሎም እቶም ርእሶም ንየሆዋ ዝወፈዩን እተጠምቁ ደቀ መዛሙርቲ ወዱ ዝዀኑን ሰባት ምጽንናዕ ይረኽቡ እዮም። (ማቴዎስ 11:28-30) ዋላኳ ዘይፍጹማት እንተዀንና: ጽሩይ ሕልና ሒዝና ንየሆዋ ብምግልጋል ግን ዓሚቝ ሓጐስ ንረክብ ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 3:9፣ 1 ጴጥሮስ 3:21) ንሓጢኣትና እንተደኣ ተናዚዝናሉን ሓዲግናዮን: ምሕረት ከምኡውን ካብቲ ዚርብሸና ሕልናና ዕረፍቲ ኽንረክብ ኢና።—ምሳሌ 28:13

ሓገዝን ተስፋን ይህብ

ኣብ መወዳእታ: ኣብቲ በጃ እምነት ምግባርና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንታይ ኣቕዋም ይህልወኒ ይኸውን ካብ ዚብል ፍርሂ የድሕነና። ሃዋርያ ዮሃንስ “ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ: ጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና: ንሱ የሱስ ክርስቶስ” እዩ ብምባል ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 2:1) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ነቲ የሱስ ከም ሓጋዚ መጠን ዘለዎ ተራ ኺገልጽ ከሎ: “ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ: ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ: ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 7:25) ሓጥኣን ክሳዕ ዝዀንና: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ኣቕዋም ንኺህልወና ኣገልግሎት እቲ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ የድልየና እዩ። የሱስ ኣብ ክንዳና ኸም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ዚዓዪ ብኸመይ እዩ፧

የሱስ ካብቲ ብ33 ድ.ክ. ዝተንስኣሉ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሑ: ናብቲ ንዋጋ እቲ ‘ኽቡር ደሙ’ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ዜቕርበሉ ሰማይ ዓረገ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: የሱስ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነቶም እዙዛት ደቅሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ኺገብሮም እዩ። a (1 ጴጥሮስ 1:18, 19) እሞ ደኣ የሱስ ክርስቶስ ፍቕርናን ተኣዛዝነትናን ይግብኦ እዩ እንተ ተባህለስ ኣይትሰማማዕንዶ፧

ኣብ ርእሲ እዚ: የሆዋ ኣምላኽ እውን ፍቕርናን ተኣዛዝነትናን ይግብኦ እዩ። ከመይሲ: ብፍቕሪ ተደሪኹ “ምድሓን” ወይ “ብበጃ ሓርነት” (NW) ንኽንረክብ መገዲ ኣዳልዩልና እዩ። (1 ቈረንቶስ 1:30) እዛ ናይ ሕጂ ህይወትና ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ኣብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እንረኽቦ ዝዀነ ይኹን ዜደንቕ ነገራት እውን ሳላኡ ኢና ረኺብናዮ። እምበኣር: “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” እንብለሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 2006 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መጋቢት/ሚያዝያ ርአ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ትፈልጥዶ፧

• የሱስ ካብ ደብረ ዘይቲ ናብ ሰማይ ዓረገ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:9, 12

• እቶም እሙናት ሃዋርያት የሱስ ጥራይ እዮም ኪዓርግ ከሎ ርእዮምዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:2, 11-13