ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መጽሓፍ እዮብ ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ መጽሓፍ እዮብ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ መጽሓፍ እዮብ ዚጐልሕ ነጥብታት

እቲ ሓደ ኻብቶም ርእሲ ኣቦታት ዝነበረ እዮብ ኣብዚ ሎሚ ምድሪ ዓረብ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዘሎ ምድሪ ኡጽ እዩ ዚነብር ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓያሎ እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። እዮብ ሽሕኳ እስራኤላዊ እንተ ዘይነበረ: ንየሆዋ ኣምላኽ ዜምልኽ ሰብ እዩ ነይሩ። ብዛዕባኡ መጽሓፍ ቅዱስ “ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን” ይብል። (እዮብ 1:8) እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ምርኡያት ኣገልገልቲ የሆዋ ዝነበሩ: ዮሴፍ ወዲ ያእቆብን ነብዪ ሙሴን: ንዝነበረ እዋን ዜመልክት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

እቲ ንመጽሓፍ እዮብ ከም ዝጸሓፋ ጌርካ ዚውሰድ ሙሴ: ብዛዕባ እዮብ ኪፈልጥ ዝኸኣለ ኣብታ ጥቓ ምድሪ ኡጽ እትርከብ ምድሪ ሚድያን ን40 ዓመት ዚኣክል ኣብ ዘሕለፈሉ እዋን እዩ ኪኸውን ዚኽእል። እስራኤላውያን ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ በረኻ ዘሕለፍዎ ናይ 40 ዓመት ጕዕዞኦም ኣብ ጥቓ ምድሪ ኡጽ ምስ በጽሑ: ብዛዕባ እተን ናይ መወዳእታ ዓመታት እዮብ ሰሚዑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። a ተመክሮ እዮብ ብውሕሉል መገዲ ተቐናቢሩ ስለ እተጻሕፈ: እቲ ጸብጻብ ናይ ስነ-ጽሑፍ ውጽኢት ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚውሰድ። ካብዚ ንላዕሊ ግን ንኸም እኒ ‘ሕያዎት ሰባት ስለምንታይ እዮም ዚሳቐዩ፧ የሆዋ እከይ ኪህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧ ዘይፍጹማት ሰባት ንኣምላኽ ዘለዎም ንጽህና ኺሕልዉ ይኽእሉ ድዮም፧’ ዚብል ሕቶታት ትምልስ እያ። እቲ መጽሓፍ እዮብ ሒዛቶ ዘላ መልእኽቲ ኽፍሊ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ብምዃኑ ህያውን መስለጥን እዩ።—እብራውያን 4:12

‘እታ ኣነ እተወለድኩላ መዓልቲ ትደምሰስ’

(እዮብ 1:1-3:26)

ሓደ መዓልቲ ሰይጣን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪቡ ንንጽህና እዮብ ኣብ ሕቶ ኣውደቖ። የሆዋ ንሕቶኡ ተቐቢሉ ኣብ ልዕሊ እዮብ እተፈላለየ መከራታት ንኼውርድ ንሰይጣን ፈቐደሉ። እዮብ ግን ‘ንኣምላኽ ምኽሓድ’ ኣበየ።—እዮብ 2:9

እቶም ሰለስተ ኣዕሩኽ እዮብ ‘ምስኡ ኺሓዝኑ’ መጹ። (እዮብ 2:11) ሓንቲ ቓል እኳ ኸየውስኡ ስቕ ምስ በሉ: እዮብ ባዕሉ ‘እታ ኣነ እተወለድኩላ መዓልቲ ትደምሰስ’ ብምባል ዘረባ ጀመረ። (እዮብ 3:3) “ከምቲ ብርሃን ዘይረአየ ሕጻን” ወይ ብምዉቱ እተወልደ: ኪኸውን ተመነየ።—እዮብ 3:11, 16

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:4ደቂ እዮብ መዓልቲ ልደቶምዶ የብዕሉ ነይሮም እዮም፧ ኣየብዕሉን እዮም ነይሮም። እተን “መዓልቲ” ከምኡውን “መዓልቲ ልደት” ዚብላ ቓላት ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ በበይኑ ትርጕም ዘለወን እተፈላለያ ቓላት እየን። (ዘፍጥረት 40:20) ኣብ እዮብ 1:4 ተጠቒሳ ዘላ “መዓልቲ” እትብል ቃል ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ጸሓይ ንዘሎ ግዜ እያ እተመልክት። እቶም ሸውዓተ ደቂ እዮብ ኣብ ዓመት ንሸውዓተ መዓልቲ ዚኣክል ብስድራቤቶም ይተኣኻኸቡ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ኣብተን ንምሳሕ ዚእከቡለን መዓልትታት “ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት እቲ ሓደ: ካልኣይ መዓልቲውን ኣብ ቤት እቲ ኻልእ” ይምስሑ ነበሩ: ወይ ከኣ ብመሰረት ካልእ ትርጕም ነፍሲ ወከፍ “ኣብ መመዓልቱ” (NW) ነቶም ካልኦት ኣብ ቤቱ ምሳሕ ይዕድሞም ነበረ።

1:6፣ 2:1—ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኪቘሙ ዚፍቀደሎም ዝነበሩ መን እዮም፧ ገለ ኻብቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዚቘሙ ዝነበሩ ፍጡራት: እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ ቓል: እቶም እሙናት መላእኽቲ: ከምኡውን ንሰይጣን ድያብሎስ ሓዊስካ እቶም ዘይእዙዛት ‘ደቂ ኣምላኽ’ እዮም። (ዮሃንስ 1:1, 18) ሰይጣንን ኣጋንንቱን ክሳዕ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ዝቘመትሉ እዋን ካብ ሰማይ ኣይተደርበዩን ነይሮም። (ራእይ 12:1-12) የሆዋ ንዅሎም መንፈሳውያን ፍጡራት ኣብ ቅድሚኡ ኪቘሙ ብምፍቃድ: ነቲ ሰይጣን ዘልዓሎ ብድሆን ሕቶታትን ኣቕረበሎም።

1:7፣ 2:2—የሆዋ ንሰይጣን ብቐጥታ ድዩ ተዛሪብዎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ምስ መንፈሳውያን ፍጡራቱ ብኸመይ ከም ዚዛረብ ዚገልጽ ብዙሕ ዝርዝር ሓሳባት ኣይህበናን እዩ። ይኹን እምበር: ነብዪ ሚክያስ: ሓደ መልኣኽ ብቐጥታ ምስ የሆዋ ኺዘራረብ ከሎ ብራእይ ርእይዎ እዩ። (1 ነገስት 22:14, 19-23) በዚ መሰረት እዚ እምበኣር: የሆዋ ንሰይጣን ብዘይ ማእከላይ ብቐጥታ ተዛሪብዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

1:21—እዮብ ናብ ‘ከርሲ ኣዲኡ’ ኺምለስ ዚኽእል ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ ኣምላኽ ንሰብ “ካብ ሓመድ ምድሪ” ስለ ዝፈጠሮ: እታ ኣብዚ “ኣደ” ተባሂላ ዘላ ቓል ብምሳልያዊ መገዲ ንምድሪ እያ እተመልክት።—ዘፍጥረት 2:7

2:9—ሰበይቲ እዮብ ንሰብኣያ “ንኣምላኽ ግዳ ኽሐዶ እሞ ሙት” ክትብሎ ኸላ እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባ እዩ ነይርዋ ኪኸውን ዚኽእል፧ ሰበይቲ እዮብ እቲ ንሰብኣያ ዘጋጠሞ ጥፍኣት ኣጋጢምዋ እዩ። እቲ ሓደ እዋን ጥዑይን ድልዱልን ዝነበረ ሰብኣያ ብዜፈንፍን ሕማም ኪሳቐ ኽትርእዮ ኸላ ኣጕህይዋ ኪኸውን ኣለዎ። እቶም እተፍቅሮም ደቃ ብሞት ተፈልዮምዋ እዮም። በዚ ዅሉ ነገራት እዚ ኣዝያ ኻብ ምጭናቓ እተላዕለ ድማ ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ማለት ምስ ኣምላኽ ዝነበራ ርክብ ከም እትርስዖ ገይርዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:8-11፣ 2:3-5 ከምቲ ኣብ እዮብ እተራእየ: ንጽህናኻ ንምሕላው ኣብ ልዕሊ እቲ ግቡእ ተግባርን ዘረባን: ንየሆዋ ንምግልጋል ቅኑዕ ድራኸ የድሊ።

1:21, 22 ኣብ ምሹእ ኵነታት ይኹን ኣብ ዘይምሹእ ኵነታት ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ብምሕላው: ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኸነረጋግጽ ንኽእል ኢና።—ምሳሌ 27:11

2:9, 10 ሽሕኳ ኣባላት ስድራቤትና ንመንፈሳዊ ንጥፈታትና ኣኽቢሮም ዘይርእይዎ እንተዀኑ ወይ እውን ንኽንለማለም ወይ እምነትና ንኽንሓድግ ጸቕጢ ዚገብሩልና እንተዀኑ: ከም እዮብ ኣብ እምነትና ኽንጸንዕ ይግባእ።

2:13 ፈተውቲ እዮብ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዘይነበሮም: ንእዮብ ብዛዕባ ኣምላኽን መብጽዓታቱን ጠቒሶም ኬጸናንዑሉ ዚኽእሉ ቓላት ኣይነበሮምን።

“ካብታ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን”

(እዮብ 4:1-31:40)

እቶም ሰለስተ ፈተውቲ እዮብ ኣብ ዘረባኦም ዝጠቐስዎ ቐንዲ ነጥቢ: እዮብ ካብ ኣምላኽ ክሳዕ ክንድዚ ኸቢድ መቕጻዕቲ ኺወርዶ ዝኸኣለ ኣዝዩ ሕማቕ ነገር ፈጺሙ ኪኸውን ኣለዎ ዚብል እዩ። ኤሊፋዝ ይመርሕ: ቤልዳድ ከኣ ደድሕሪኡ ዝገደደ ሃሳዪ ዘረባ ይዛረብ: ሶፋር ከኣ ብዝያዳ ዓጽሚ ዚሰብር ዘረባ የውስእ ነበረ።

እዮብ ነቲ በጻሕቱ ዘቕረብዎ ናይ ሓሶት ምኽንያታት ኣይተቐበሎን። እቲ ኣምላኽ መከራ ዘፍቀደሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ስለ ዘይተረድኦ ኸኣ: ብዛዕባ ርእሱ ኣብ ምምጽራይ ኣተኰረ። እዮብ ንኣምላኽ የፍቅሮ ስለ ዝነበረ ግን: “ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን” በለ።—እዮብ 27:5

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

7:1፣ 14:14ሰልፊ” እንታይ ማለት እዩ፧ እዮብ በቲ ዝወረዶ መከራ ኣዝዩ ኻብ ምጭናቑ እተላዕለ: ህይወት ልክዕ ከም ሰልፊ ኸቢድን ኣድካምን ኰይኑ ተራእዮ። (እዮብ 10:17) እቲ ሓደ ሰብ ካብ ግዜ ሞቱ ኣትሒዙ ኽሳዕ ትንሳኤኡ ኣብ ሲኦል ዜሕልፎ ግዜ ኸይፈተወ ስለ ዝዀነ: ነቲ እዋን እቲ ምስቲ ብግዴታ ዚግበር ሰልፊ ኣተሓሒዝዎ ኣሎ።

7:9, 10፣ 10:21፣ 16:22—እዚ ሓሳባት እዚ እዮብ ኣብ ትንሳኤ ይኣምን ከም ዘይነበረ ዚሕብር ድዩ፧ ኣብዚ እዮብ ብዛዕባ እቲ ብኡንብኡ ዚጽበዮ ዝነበረ ነገራት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እንታይ ማለቱኸ እዩ ነይሩ፧ እንተደኣ ሞይቱ: እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ኪርእይዎ ኸም ዘይክእሉ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ: ብኣረኣእያኦም: እቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ኽሳዕ ዚመጽእ እዮብ ናብ ቤቱ ኣይምለስን ወይ ደጊም ዜለልዮ የብሉን። ብዘይካ እዚውን እዮብ: ሓደ እኳ ብገዛእ ርእሱ ኻብ ሲኦል ኪምለስ ከም ዘይክእል ንምምልካት ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዮብ ትንሳኤ ይጽበ ኸም ዝነበረ ግን ኣብ እዮብ 14:13-15 ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ።

10:10—የሆዋ ንእዮብ ‘ከም ጸባ ዘፍሰሶ: ከም ርግኦ ዘርግኦ’ ብኸመይ እዩ፧ እዚ እዮብ ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ብኸመይ ከም እተኣልመ ዜብርህ ናይ ግጥሚ መግለጺ እዩ።

19:20—እዮብ “ግርጻነይ [“ቈርበት ስነይ:” NW] ጥራይ ተሪፉኒ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ስኒ: ቈርበት ዘይብሉ ኽነሱ ቘርበት ስኑ ጥራይ ከም ዝተረፎ ገይሩ ኺዛረብ ከሎ: ምንም ነገር ከም ዘይተረፎ ንምሕባር ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

4:7, 8፣ 8:5, 6፣ 11:13-15 ብዛዕባ ሓደ መከራን ስቓይን ዜሕልፍ ዘሎ ሰብ: ነቲ ዚዘርኦ ይዓጽድ ከም ዘሎን ስምረት ኣምላኽ ከም ዘይብሉን ጌርና ተሃዊኽና ኽንድምድም የብልናን።

4:18, 19፣ 22:2, 3 እቲ እንህቦ ምኽሪ ኣብ ቃል ኣምላኽ ደኣ እምበር: ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ርእይቶ እተመርኰሰ ኪኸውን የብሉን።—2 ጢሞቴዎስ 3:16

10:1 እዮብ ተመሪሩ ስለ ዝነበረ ብዛዕባ እቲ ዝወረዶ መከራ ብኻልእ ምኽንያታት ኪኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ ኺሓስብ ኣይከኣለን። ንሕና ግን ብፍላይ ብዛዕባ እቲ እተላዕለ ሕቶታት ንጹር ምርዳእ ስለ ዘሎና: መከራ ኺወርደና ኸሎ ኽንምረር የብልናን።

14:7, 13-15፣ 19:25፣ 33:24 ሰይጣን ዝዀነ ይኹን ፈተና ኼውርደልና ኸሎ ተስፋ ትንሳኤ ሓይሊ ኺህበና ይኽእል እዩ።

16:5፣ 19:2 ቃላትና ንኻልኦት ዜተባብዕ ደኣ እምበር: ዜሕርቖም ኪኸውን ይብሉን።—ምሳሌ 18:21

22:5-7 ኣብ ክሲ እተመስረተን ጭቡጥ መረጋገጺ ዘይብሉን ምኽሪ ጥቕሚ ዘይብሉን ጐዳእን እዩ።

27:2፣ 30:20, 21 ንጽህና ምሕላው ፍጽምና ዚሓትት ኣይኰነን። እዮብ ብጌጋ ንኣምላኽ ነቒፍዎ እዩ።

27:5 ንጽህና ምሕላው ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ እተመርኰሰ ብምዃኑ: እዮብ ባዕሉ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ንጽህናኡ ኼበላሽወሉ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ: ንሕናውን ንየሆዋ ዓሚቝ ፍቕሪ ኺህልወና ኣለዎ።

28:1-28 ሰብ: ሃብቲ ምድሪ ኣበይ ከም ዘሎ ይፈልጥ እዩ። ብዘለዎ ኽእለት ተመሪሑ እናመርመረ ኺደልዮ ኸሎ: ነቲ ኣርሒቑ ዚርኢ ንስሪ እኳ ኺርእዮ ዘይክእል ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሎ ይረኽቦ። ኣምላኻዊ ጥበብ ግን ንየሆዋ ብምፍራህ እዩ ዚርከብ።

29:12-15 ንጽጉማት ሳህሊ ኸነርእዮም ይግባእ።

31:1, 9-28 እዮብ ካብ ምኵሻም: ካብ ዝሙት: ንኻልኦት ካብ ምግፋዕ: ካብ ፍቕረ-ንዋይ ኰነ ኻብ ኣምልኾ ጣኦት ብምርሓቕ ሰናይ ኣብነት ገዲፉልና እዩ።

‘ኣብ ሓመድን ሓሙዅስትን ኰይነ እንሳሕ ኣሎኹ’

(እዮብ 32:1-42:17)

ሓደ ኤሊሁ እተባህለ መንእሰይ ተዓዛቢ: ነቲ ዝነበረ ኽትዕ ብትዕግስቲ ይሰምዖ ነበረ። ብትብዓት ከኣ ምዝራብ ጀመረ። ንእዮብን ነቶም ሰለስተ ኣሳቐይቱን ከኣ ኣረሞም።

ኤሊሁ ዘረባኡ ምስ ወድአ: የሆዋ ኻብ ህቦብላ ንፋስ መለሰ። ንእዮብ ስለምንታይ መከራ ኸም ዝወረዶ ኣይገለጸሉን። ይኹን እምበር: እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንእዮብ እተፈላለየ ሕቶታት ብምሕታት ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ሓይሉን ዓብዪ ጥበቡን ኣፍለጦ። እዮብ ከኣ ብዘይምስትውዓል ከም እተዛረበ ኣፍልጦ ብምሃብ “ኣብ ሓመድን ሓሙዅስትን ኰይነ . . . እንሳሕ አሎኹ” በለ። (እዮብ 42:6) እዮብ ፈተናኡ ምስ ወድአ: ዓስቢ ንጽህናኡ ረኸበ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

32:1-3—ኤሊሁ ናብ እዮብ ዝኸደ መዓስ እዩ፧ ኤሊሁ ንዅሉ እቲ ዘረባ ስለ ዚሰምዖ: እዮብ ነቶም ንሸውዓተ መዓልቲ ዚኣክል ስቕ ኢሎም ዝነበሩ ፈተውቱ ቐቅድሚ ምዝራቡ: ኪሰምዓሉ ኣብ ዚኽእል ቦታ ኾፍ ኢሉ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—እዮብ 3:1, 2

34:7—እዮብ ከምቲ “ንምልጋጽ ከም ማይ ዚሰትዮ” ሰብ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ እዮብ ኣብቲ ተደቚሱሉ ዝነበረ ዅነታት: እቶም ሰለስተ ፈተውቱ ሽሕኳ ኣንጻር ኣምላኽ ይዛረቡ እንተ ነበሩ: ንዕኡ የላግጹሉ ኸም ዝነበሩ ገይሩ ይወስዶ ነበረ። (እዮብ 42:7) በዚ ኸምዚ ኸኣ ንምልጋጽ ልክዕ ከምቲ ሓደ ዝጸምአ ሰብ ባህ ኢልዎ ማይ ዚሰቲ ስቕ ኢሉ ይቕበሎ ነይሩ ማለት እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

32:8, 9 ጥበብ ብዕድመ ጥራይ ኣይርከብን እዩ። ንቓል ኣምላኽ ክትርዳእን ብመንፈሱ ኽትምራሕን የድሊ።

34:36 ንጽህናና ኸም ዝሓለና ኺፍለጥ ዚከኣል ብገለ መገዲ ‘ክሳዕ ፍጻመ ምስ እንፍተን’ እዩ።

35:2 ኤሊሁ ቕድሚ ምዝራቡ ጽን ኢሉ ብምስማዕ እቲ ናይ ሓቂ ጕዳይ እንታይ ምዃኑ ፈለጠ። (እዮብ 10:7፣ 16:7፣ 34:5) ክርስትያን ሽማግለታት እውን ምኽሪ ቕድሚ ምሃቦም ጽን ኢሎም ኪሰምዑን መርትዖ ኺረኽቡን ነቲ እተላዕለ ጕዳይ ኣነጺሮም ኪርድእዎን የድሊ።—ምሳሌ 18:13

37:14፣ 38:1-39:30 ብዛዕባ እቲ መግለጺ ሓይሉን ጥበቡን ዝዀነ ተኣምራት ኣምላኽ ምስትንታንና ትሕት ከም እንብል ይገብረና: ካብ ዝዀነ ይኹን ብሕታዊ ረብሓታትና ኸኣ ምርግጋጽ ልዑላውነቱ ኸም ዚበልጽ ንኽንርዳእ ይሕግዘና።—ማቴዎስ 6:9, 10

40:1-4 ኣብቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከነጕረምርም እንተደኣ ሓሲብና: ‘ንኣፍና ብኢድና ኽንሕዛ’ ይግብኣና።

40:15–41:26 ብህሞትን (ጉማረ) ሌዋታንን (ሓርገጽ) ኣየ ኸመይ ዝበለ ሓይሊ ዀን እዩ ዘለዎም! ንሕናውን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ንኽንጸንዕ: በቲ ነዞም ሓያላት ኣራዊት ዝፈጠረ ኣምላኽ ዚህበና ሓይሊ ኽንብርትዕ የድልየና።—ፊልጲ 4:13

42:1-6 እዮብ ቃል የሆዋ ምስማዑን ብዛዕባ እቲ መግለጺ ሓይሉ ምዝኽኻሩን ንኣምላኽ ወይ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ ‘ኺርኢ’ ኣኽኢልዎ እዩ። (እዮብ 19:26) እዚ ኸኣ ኣተሓሳስባኡ ኼዕሪ ሓገዞ። ንሕና እውን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መአረምታ ኺወሃበና ኸሎ ንጌጋታትና ኣፍልጦ ሂብና ምትዕርራይ ክንገብር ይግብኣና።

“ትዕግስቲ እዮብ” ኣማዕብል

መጽሓፍ እዮብ: ኣምላኽ ነቲ ንደቅሰብ ዝወርዶም መከራን ስቓይን ተሓታቲ ኸም ዘይኰነ ብንጹር ተርኢ። ተሓታቲ ሰይጣን እዩ። ኣምላኽ ኣብ ምድሪ መከራ ኺህሉ ምፍቃዱ: ነቲ ብዛዕባ ልዑላውነቱን ንጽህናናን እተላዕለ ሕቶ ብሕታዊ ምላሽ ንኽንህብ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና።

ኵሎም እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ እውን ከም እዮብ ኪፍተኑ እዮም። ታሪኽ እዮብ ንሕናውን ክንዕገስ ወይ ክንጽመም ከም እንኽእል እምንቶ የሕድረልና። ጸገማትና ንዘለኣለም ዚቕጽል ከም ዘይኰነ የዘኻኽረና። ያእቆብ 5:11 “ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም: . . . ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ አሎኹም” ትብለና። እዮብ ንጽህናኡ ብምሕላዉ የሆዋ ባሪኽዎ እዩ። (እዮብ 42:10-17) ኣብ ቅድሜናስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ተስፋ ዀን እዩ ተዘርጊሑልና ዘሎ! እዚ ድማ ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ እዩ። ስለዚ እምበኣር: ከም እዮብ ንጽህናና ንምሕላው ቈራጻት ንኹን።—እብራውያን 11:6

[እግረ-ጽሑፍ]

a መጽሓፍ እዮብ ካብ 1657 ክሳዕ 1473 ቅ.ክ. ዘሎ ልዕሊ 140 ዓመት እትሽፍን እያ።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ካብ “ትዕግስቲ እዮብ” እንታይ ኢና እንመሃር፧