ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደስቲ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል

ሓደስቲ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል

ሓደስቲ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል

ረቡዕ ንግሆ 24 ነሓሰ 2005: እቲ ብቪድዮ ተተሓሒዙ ዝነበረ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ካናዳን ዚርከብ ስድራ ቤትኤል: ዜሐጕስ ምልክታ ሰምዐ። ካብ 1 መስከረም 2005 ኣትሒዙ: ኣብ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኻር ክልተ ሓደስቲ ኣባላት ተወሰኹ። እዚኣቶም ከኣ ጀፍሪ ጃክሰን ከምኡውን ኣንቶኒ ሞሪስ ዚበሃሉ እዮም።

ሓው ጃክሰን ካብ ለካቲት 1971 ኣትሒዙ ኣብ ታስማንያ እትበሃል ኣብ ኣውስትራልያ እትርከብ ደሴት ፓይነር ኰይኑ ኼገልግል ጀመረ። ኣብ ሰነ 1974 ንጃነት (ጀኒ) እትበሃል ሓብቲ ተመርዓወ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ክልቲኦም ፍሉያት ፓይነራት ኰይኖም ኬገልግሉ ተመዘዙ። ካብ 1979 ክሳዕ 2003 ኣብ ደቡብ ፓሲፊክ ኣብ ዚርከባ ቱቫሉ: ሳሞዋ: ፊጂ ዚበሃላ ደሴታት ሚስዮናውያን ኰይኖም ኣገልገሉ። ኣብተን ደሴታት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኣብ ምትርጓም ብዙሕ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ሓው ጃክሰን ካብ 1992 ኣትሒዙ ኣብ ሳሞዋ: ካብ 1996 ኣትሒዙ ድማ ኣብ ፊጂ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ኰይኑ ኣገልገለ። ኣብ ሚያዝያ 2003 ንሱን ጀኒን ኣባላት እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ስድራ ቤትኤል ኰኑ: ኣብ ክፍሊ ናይ ትርጕም ኣገልግሎት ድማ ኪዓዩ ጀመሩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ሓው ጃክሰን ሓጋዚ ናይ ኣመሓዳሪ ኣካል ኮሚተ ትምህርቲ ዀነ።

ሓው ሞሪስ ብ1971 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፓይነር ኰይኑ ኼገልግል ጀመረ። ኣብ ታሕሳስ እታ ዓመት እቲኣ ንሱዛን ተመርዓዋ: እቲ ጀሲ ዚበሃል በዅሪ ወዶም ክሳዕ ዚውለድ ድማ ንኣርባዕተ ዓመት ዚኸውን ፓይነራት ኰይኖም ቀጸሉ። ጸኒሖም: ፖል ዚበሃል ካልእ ውሉድ ወለዱ። ሓው ሞሪስ ብ1979 እንደገና ስርዓታዊ ፓይነር ብምዃን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመረ። እቶም ኣወዳት ትምህርቲ ምስ ጀመሩ: ብዓልቲ ቤቱ እውን ምስኡ ሓበረት። እታ ስድራቤት ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ሮድ ኣይላንድን ኖርዝ ካሮላይናን ዚበሃል ቦታታት ኣገልገለት። ኣብ ኖርዝ ካሮላይና ሓው ሞሪስ ከም ተተካኢ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይኑ ኣገልገለ: እቶም ደቁ ድማ ስርዓታውያን ፓይነራት ኰይኖም ኬገልግሉ ጀመሩ። ጀሲን ፖልን ደቂ 19 ዓመት ምስ ኰኑ: ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኺኣትዉ ጻውዒት ቀረበሎም። እዚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ሓው ሞሪስ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ። ድሕሪኡ: ብ2002 ንሱን ሱዛንን ናብ ቤትኤል ኪኣትዉ ጻውዒት ቀረበሎም: ካብ 1 ነሓሰ ኣትሒዞም ድማ ኣብቲ ሓድሽ ምድቦም ኬገልግሉ ጀመሩ። ሓው ሞሪስ ኣብ ፓተርሰን ፈለማ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ዓየየ: ጸኒሑ ኸኣ ሓጋዚ ናይ ኣመሓዳሪ ኣካል ኮሚተ ኣገልግሎት ኰነ።

ኣመሓዳሪ ኣካል ብዘይካ እዞም ክልተ ሓደስቲ ኣባላት: ሳሙኤል ሀርድ: ስቲቨን ለት: ቴዶር ጃራዝ: ኣልበርት ሽሮደር: ካሪ ባርበር: ዳንየል ሲድሊክ: ዴቪድ ስፕለይን: ጆን ባር: ገራት ሎሽ: ጋይ ፒርስ ይርከብዎ። ኵሎም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ቅቡኣት ክርስትያናት እዮም።