ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ ኸነገልግሎ ቘሪጽና ኢና

ንየሆዋ ኸነገልግሎ ቘሪጽና ኢና

ታሪኽ ህይወት

ንየሆዋ ኸነገልግሎ ቘሪጽና ኢና

ራይሞ ኩዎካነን ዘዘንተዎ

ብ1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ምስ ተባርዐ: ሕብረት ሶቭየት ነታ እተወለድኩላ ዓደይ ፊንላንድ ኣጥቅዓታ። ኣቦይ ድማ ምስ ሰራዊት ፊንላንድ ኰይኑ ኺዋጋእ ከደ። ድሕሪ ሓጺር እዋን: ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ነታ ዝነበርናላ ኸተማ ብቦምብ ኪድብድብኣ ምስ ጀመራ: ኣደይ ኣብ ዝሓሸ ኸባቢ ንኽነብር ኢላ ናብቲ ዓባየይ እትነብረሉ ቦታ ሰደደትኒ።

ብ1971 ሚስዮናዊ ዀይነ ኣብታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ኡጋንዳ አገልግል ነበርኩ። ሓደ መዓልቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናኣገልገልኩ ኸለኹ: ብዙሓት ዝፈርሁ ሰባት እናጐየዩ ሓሊፎምኒ ኸዱ። ናይ ተዅሲ ድምጺ ምስ ሰማዕኩ: ናብ ገዛይ ገጸይ ክሃድም ጀመርኩ። ድምጺ እቲ ተዅሲ እናቐረበ ምስ ከደ ግን ናብቲ ኣብ ደረት መገዲ ዝነበረ ጕድጓድ ዘሊለ ኣተኹ። እቲ ጠያይት ብርእሰይ እናፋጸየ ይሓልፍ እኳ እንተ ነበረ: እናተንፈሓዅኩ ናብ ገዛይ ከድኩ።

ነቲ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ዘምጸኦ ሳዕቤን ክዓግቶ ዘይክእል እኳ እንተ ነበርኩ: ኣነን ሰበይተይን ንርእስና ናብቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ዕግርግር ዘቃላዕናያ ግን ስለምንታይ ኢና፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ምስቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝገበርናዮ ቘራጽነት እተተሓሓዘ እዩ።

ቈራጽ ውሳነ ንኽገብር ተበራታዕኩ

ብ1934 ኣብ ሄልሲንኪ: ፊንላንድ እየ ተወሊደ። ኣቦይ ለቕላቓይ ነበረ: ሓደ መዓልቲ ድማ ንህንጻ እቲ ኣብ ፊንላንድ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪልቕልቕ ከደ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ ዚገብርዎ ኣኼባታት ነገርዎ። ናብ ገዛ ምስ ተመልሰ ብዛዕባ እዚ ነደይ ነገራ። ብኡንብኡ ኣብ ኣኼባ ኽትካፈል እኳ እንተ ዘይጀመረት: ጸኒሓ ግን ምስታ መሳርሕታ ዝነበረት ናይ የሆዋ ምስክር ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ትዘራረብ ነበረት። ነቲ እተማህረቶ ኣርዚና ኽትርእዮ ጀመረት: ብ1940 ድማ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ተጠምቀት።

እዚ ቕድሚ ምዃኑ: ዓባየይ እቲ ውግእ ክሳዕ ዚውዳእ ናብቲ እትነብረሉ ቝሸት ወሰደትኒ። ኣደይ ካብ ሄልሲንኪ ብዛዕባ እምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዲኣን ንሓብታን ደብዳበ ትጽሕፈለን ነበረት። ክልቲአን ተገዳስነት ስለ ዘሕደራ ነቲ እተማህራኦ ይነግራኒ ነበራ። ገየሽቲ ተወከልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ እንዳ ዓባየይ መጺኦም ኣበራትዑና: ኣነ ግን ንየሆዋ ንኸገልግሎ ገና ኣይቈረጽኩን ነይረ።

ቲኦክራስያዊ ስልጠና ጀመርኩ

እቲ ውግእ ብ1945 ምስ ተወድአ ናብ ሄልሲንኪ ተመለስኩ: ኣደይ ድማ ናብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትወስደኒ ጀመረት። ሓድሓደ እዋን ኣብ ክንዲ ናብ ኣኼባ ናብ ሲነማ እኸይድ ነበርኩ። ኣደይ ግን ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣኼባ ዝሰምዓቶ መደረ ትነግረኒ ነበረት: ብተደጋጋሚ ድማ ኣርማጌዶን ኣዝያ ቐሪባ ኸም ዘላ ተጕልሕ ነበረት። እዚ ሓቂ ምዃኑ ስለ ዝኣመንኩ: ካብኡ ንደሓር ካብ ኣኼባታት ምብኳር ሓደግክዎ። ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝነበረኒ ሞሳ እናዓበየ ብዝኸደ መጠን: ኣብ ኵሉ ንጥፈታት ጉባኤ ናይ ምክፋል ድሌተይ እውን ምስኡ እናዓበየ ኸደ።

ብሕልፊ ድማ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ምክፋል ኣዝዩ የሐጕሰኒ ነበረ። ብ1948 ኣብቲ ኽረምታዊ ዕረፍተይ ዘሕልፈሉ ኣብ ጥቓ ገዛ እንዳ ዓባየይ ኣብ እተገብረ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ተኻፊለ ነይረ። ሓደ ዓርከይ ኣብቲ ኣኼባ ኺጥመቕ መዲቡ ብምንባሩ: ምስኡ ንኽጥመቕ ሓተተኒ። ናይ መሓንበሲ ኽዳን ሒዘ ኸም ዘይመጻእኩ ምስ ነገርክዎ: ንሱ ምስ ተጠምቀ ብድሕሪኡ ናቱ ኽጥቀም ከም ዝኽእል ነገረኒ። በዚ ተሰማሚዐ ድማ ብ27 ሰነ 1948 ወዲ 13 ዓመት ከለኹ ተጠመቕኩ።

ድሕሪ እቲ ኣኼባ: ሓድሓደ ኻብቶም ፈተውቲ ኣደይ ከም እተጠመቕኩ ነገርዋ። ምስ ተራኸብና ድማ ስለምንታይ ንዓኣ ኸየማኸርኩ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ስጕምቲ ኸም ዝወሰድኩ ኽትፈልጥ ደልያ ነበረት። ነቲ መሰረታዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተረዳእክዎ ኸምኡውን በካይዳይ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓታቲ ምዃነይ ከም ዝፈለጥኩ ነገርክዋ።

ዝገበርክዎ ቘራጽነት እናዓበየ ኸደ

እቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝነበሩ ኣሕዋት: ነቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝገበርክዎ ቘራጽነት ንኸደልድሎ ሓጊዞምኒ እዮም። ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት የሰንዩኒ: ኣብ ኣኼባታት ድማ ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ክፍሊ ይህቡኒ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:20) ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰንኩ ንፈለማ እዋን ህዝባዊ መደረ ኣቕረብኩ። ብድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ: ኣብ ጉባኤና ኣገልጋሊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኰይነ ተሸምኩ። እዚ ዅሉ መንፈሳዊ ንጥፈታት ብሱል ንክኸውን እኳ እንተ ሓገዘኒ: ነቲ ዝነበረኒ ፍርሂ ሰብ ግን ገና ኽቃለሶ ነበረኒ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን: ነቲ ኣብ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዚቐርብ ህዝባዊ መደረ ብዓብዪ ጽሑፍ ጌርና ነፋልጦ ነበርና። ነፍሲ ወከፍ ጽሑፍ: ክልተ ፖስተራት ዝሓዘ ዀይኑ: ብገመድ ብምትሕሓዝ ኣብ መንኵብ ስለ ዚንጥልጠል: ቅድሚትን ድሕሪትን ሰብነት ዚሽፍን ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሓድሓደ ሰባት: ሰብ ሳንድዊች ኢሎም ይጽውዑና ነበሩ።

ሓደ ግዜ: ነዚ ፖስተር እዚ ሒዘ ኣብ ሓደ ህዱእ ጐደና ኸለኹ: መማህርተይ ናባይ ገጾም መጹ። ኪሓልፉ ኸለዉ: ኣጠማምታኦም ራዕራዕ ከም ዝብል ገበረኒ። ትብዓት ንኺህበኒ ናብ የሆዋ ብምጽላይ ነቲ ፖስተር ሒዘ ደው በልኩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረኒ ፍርሂ ሰብ ክዋጽኣሉ ምኽኣለይ: ነቲ ደሓር ዘጋጥመኒ ክርስትያናዊ ገለልትነተይ ንኽሕሉ ዚሓትት ዝዓበየ ፈተና ኣዳልዩኒ እዩ።

ድሕሪ ግዜ: እቲ መንግስቲ ንዓይን ንኻልኦት መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንኽንፍጽም ኣዘዘና። ከምቲ እተኣዘዝናዮ ናብቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ከድና: ነቲ ዩኒፎርም ከም ዘይንኽደኖ ግን ብኣኽብሮት ነገርናዮም። እቶም ሰበ-ስልጣን ኣብኡ ኣሰሩና: እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ብዙሕ ከይጸንሐ ንሽዱሽተ ወርሒ ንኽንእሰር ፈረደና። እቲ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከነውዕሎ ዚግባእ ሸሞንተ ወርሒ እውን ተኣሲርና ኣሕለፍናዮ። ስለዚ: ን14 ወርሒ ብምኽንያት ገለልትነትና ተኣሲርና ኢና።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኸለና: መዓልቲ መዓልቲ ተኣኪብና መጽሓፍ ቅዱስ ነጽንዕ ነበርና። ኣብ ውሽጢ እዘን 14 ወርሒ እዚኣተን መብዛሕትና ንመጽሓፍ ቅዱስ ክልተ ሳዕ ኣንቢብናዮ ኢና። ማእሰርቲ ወዲእና ኽንወጽእ ከለና: መብዛሕትና ኻብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ንየሆዋ ንኸነገልግሎ ቘሪጽና ኢና ኔርና። ካብ መንጎ እቶም ሽዑ ዝነበሩ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: መብዛሕትኦም ክሳዕ ሕጂ ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግልዎ ኣለዉ።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ: ናብ ስድራይ ተመለስኩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ምስ ሓንቲ ቬራ ዝስማ ቐናእን ኣብ ቀረባ እዋን እተጠምቀትን ናይ የሆዋ ምስክር ተፋለጥኩ። ብ1957 ድማ ተመርዓና።

እታ ንህይወትና ዝቐየረት ምሸት

ሓደ ምሸት: ካብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንዝመጹ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ክንበጽሖም ከድና፣ ሓደ ኻብኣቶም ድማ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ክኸውን እደሊ እንተ ዀይነ ሓተተኒ። ምሉእ ለይቲ ድሕሪ ምጽላይ: ናብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ደዊለ ነቲ ሓሳብ ከም እተቐበልክዎ ነገርክዎም። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምጅማር ነቲ ጽቡቕ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስርሐይ ምቍራጽ ዝሓትት እኳ እንተዀነ: መንግስቲ ኣምላኽ ከነቐድም ግን ቈሪጽና ኢና ኔርና። ኣብ ታሕሳስ 1957 ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ምስ ጀመርኩ: ኣነ ወዲ 23 ዓመት: ቬራ ድማ ጓል 19 ዓመት ነበረት። ንሰለስተ ዓመት ዚኣክል ነተን ኣብ ፊንላንድ ዚርከባ ጉባኤታት ህዝቢ የሆዋ ተሓጒስና በጻሕናየንን ኣበራታዕናየንን።

ኣብ መወዳእታ 1960: ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዚርከብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንኽካፈል ጻውዒት ቀረበለይ። ካብ ፊንላንድ ዝመጻእና ሰለስተ ሰባት ኣብቲ ንኣሰራርሓ ጨንፈር ብዚምልከት ንዓሰርተ ወርሒ ዚወሃብ ፍሉይ ኮርስ ተኻፈልና። ኣንስትና ግን ምሳና ስለ ዘይመጻ: ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ፊንላንድ ይዓያ ነበራ።

እቲ ኮርስ ቅድሚ ምዝዛሙ: ናብ ቤት ጽሕፈት እቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜመሓድር ዝነበረ ናታን ኤች. ኖር ንክኸይድ ተነግረኒ። ሓው ኖር: ኣነን ሰበይተይን ሚስዮናውያን ኴንና ኣብዛ ሕጂ ማዳጋስካር ተባሂላ እትፍለጥ ሪፓብሊክ ማላጋሲ ንኸነገልግል ሕቶ ኣቕረበልና። ብዛዕባ እዚ ዘለዋ ርእይቶ ኽትነግረኒ ኢለ ንቬራ ደብዳበ ጸሓፍኩላ: ንሳ ድማ ብቕልጡፍ “ሕራይ” ብምባል መለሰት። ናብ ፊንላንድ ምስ ተመለስኩ: ነቲ ኣብ ማዳጋስካር ዚጽበየና ህይወት ንምድላው ተጓየና።

ሓጐስን ጓህን

ኣብ ጥሪ 1962 ካብ ፊንላንድ ኣብ ቈራሪ ኣዋርሕ ስለ ዝነቐልና: ብጸምሪ እተሸፈነ ቆብዕን ረጕድ ጃኬትን ጌርና ናብታ ርእሲ ኸተማ ማዳጋስካር ዝዀነት ኣንታናናሪቮ በረርና። ኣብቲ ትሮፒካዊ ዋዒ ማዳጋስካር ምስ በጻሕና ግን: ኣከዳድናና ቐየርና። እታ መጀመርታ እንነብረላ ዝነበርና ቤት ሚስዮናውያን: ንእሽቶ ዀይና ሓንቲ መደቀሲ ኽፍሊ ጥራይ እያ ነይራታ። ኣቐድም ኣቢሎም ዝመጹ ሚስዮናውያን ሰብ ሓዳር ኣብኡ ስለ ዝነበሩ: ኣነን ቬራን ኣብቲ ገበላ ንድቅስ ነበርና።

ነቲ ወግዓዊ ቛንቋ ማዳጋስካር ዝዀነ ፈረንሳይኛ ኽንመሃር ጀመርና። ኣነን ሰበይተይን ምስታ እትምህረና ዝነበረት ካርቦኖ ዝስማ ሓብቲ ኽንረዳድኣሉ እንኽእል ሓባራዊ ቛንቋ ስለ ዘይነበረና: ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነበረ። ፈረንሳይኛ ንኽትምህረና እንግሊዝኛ ትጥቀም ነበረት: ቬራ ግን እንግሊዝኛ ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ስለዚ: ኣነ ነቲ ሓብትና ካርቦኖ እትህቦ ትምህርትታት ንቬራ ናብ ፊንላንድኛ እትርጕመላ ነበርኩ። ድሕሪ ግዜ ግን ቬራ ንሓድሓደ ነጥብታት ብሽወደንኛ ገይራ ብዝሓሸ ኸም እትርድኦ ኣስተውዓልና: ስለዚ ድማ ንሰዋስው ፈረንሳይኛ ናብ ሽወደንኛ እትርጕመላ ነበርኩ። ብቛንቋ ፈረንሳይኛ ዝመጸ ጽቡቕ ዕቤት ስለ ዝገበርና: ቀጺልና ነቲ ማላጋሲ ዚበሃል ናይቲ ዓዲ ቛንቋ ኸነጽንዕ ጀመርና።

እቲ ኣብ ማዳጋስካር ንመጀመርታ እዋን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመራሕኩሉ ሰብኣይ: ቋንቋ ማላጋሲ ጥራይ እዩ ዚኽእል ነይሩ። ነቲ ጥቕስታት ኣብቲ ፊንላንድኛ መጽሓፍ ቅዱሰይ አንብቦ: ቀጺልና ድማ ነዚ ጥቕስታት ኣብቲ ናይ ማላጋሲ መጽሓፍ ቅዱሱ ንደልዮ ነበርና። ዋላኳ ኣነ ነቲ ጥቕስታት ዝገልጸሉ ዝነበርኩ መገዲ ውሱን እንተ ነበረ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኣብ ልቢ እቲ ሰብኣይ ስለ ዝዓበየ: ናብ ጥምቀት በጽሐ።

ብ1963 ካብቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝመጸ ሚልተን ሄንሸል ንማዳጋስካር በጽሓ። ብድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሕ ኣብ ማዳጋስካር ሓድሽ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተኸፍተ: ኣነ ድማ ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ወረዳን ኣውራጃን ተዓዛቢ ብምዃን ዝነበረኒ ዕዮ: ናይቲ ጨንፈር ተዓዛቢ ዀይነ ተሸምኩ። የሆዋ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብዚሑ እዩ ባሪኹና። ካብ 1962 ክሳዕ 1970 ኣብ ዘሎ ግዜ: ኣብ ማዳጋስካር ዘለዉ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ 85 ናብ 469 ክብ በለ።

ብ1970 ኣብ ኣገልግሎት ጸኒሕና ናብ ገዛና ምስ ተመለስና: ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ገዛ ዅሎም ሚስዮናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ናብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት ንኽንከይድ እትእዝዝ ወረቐት ረኸብና። ኣብኡ ምስ ከድና ሓደ ብዓል ስልጣን: እቲ መንግስቲ ብቕልጡፍ ካብዛ ዓዲ ኽንወጽእ ከም ዝኣዘዘ ነገረና። ካብዛ ዓዲ ኸም እንጥረዝ ዚገብረና ዝፈጸምናዮ ገበን እንተልዩ ምስ ሓተትክዎ: “ኣቶ ኩዎካነን: ዋላ ሓንቲ ዝፈጸምካዮ ነገር የለን” ኢሉ መለሰለይ።

“ኣብዚ እኮ ሸሞንተ ዓመት ኢና ጌርና። እዚ ድማ ዓድና እዩ። ብዘይ ምኽንያት ስቕ ኢልካ ኣይውጻእን እዩ” በልክዎ። ብዙሕ እኳ እንተ ጸዓርና: እቶም ሚስዮናውያን ዘበልና ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክንወጽእ ነበረና። እቲ ጨንፈር ተዓጽወ: ሓደ ኣብኡ ዚነብር ሓው ድማ ነቲ ስራሕ ኪከታተሎ ጀመረ። ካብቶም ኣብ ማዳጋስካር ዚርከቡ ፍቑራት ኣሕዋትና ቕድሚ ምፍልላይና ግን ናብ ኡጋንዳ ኼድና ንኸነገልግል ተመደብና።

ከም ብሓድሽ ጀመርና

ካብ ማዳጋስካር ካብ እንወጽእ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ኣብታ ርእሲ ኸተማ ኡጋንዳ ዝዀነት ካምፓላ በጻሕና። ቀልጢፍና ድማ ነቲ ጥዑም ዝቓናኡ ግን ከኣ ኣዝዩ ኸቢድ ዝዀነ ቛንቋ ሊንጋላ ኽንመሃር ጀመርና። ካልኦት ሚስዮናውያን ንቬራ መጀመርታ እንግሊዝኛ ንኽትመሃር ስለ ዝሓገዝዋ: ብእንግሊዝኛ ጌርና ብዚግባእ ክንሰብኽ ከኣልና።

እቲ ሃሩርን ዳህርን ዝመልኦ ክሊማ ካምፓላ ንጥዕና ቬራ ዚሰማማዕ ኣይነበረን። በዚ ኸምዚ ድማ ኣብታ ዝሓሸ ክሊማ ዝነበራ ኸተማ ምባራራ ተመደብና። ዋላኳ ኣብቲ ቦታ ብዘይካና ኻልእ ናይ የሆዋ ምስክር ኣይንበር: ኣብታ ንፈለማ እዋን ኣገልግሎት ዝወጻእናላ መዓልቲ ግን ጽቡቕ ተመክሮ ብምርካብ ተባሪኽና ኢና። ንሓደ ሰብኣይ ኣብ ገዛኡ እናኣዘራረብክዎ ኸለኹ: ሰበይቱ ኻብ ክሽነ መጸት። ስማ ማርጋሬት ትበሃል: ነቲ እተዛረብክዎ ድማ ጽን ኢላ ሰምዓቶ። ቬራ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብረላ ጀመረት: ማርጋሬት ከኣ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ከኣ ገበረት። ተጠሚቓ ድማ ቀናእ ኣስፋሒት መንግስቲ ኣምላኽ ኰነት።

ኣብ ጐደናታት እተገብረ ውግእ

ብ1971 ኲናት ሓድሕድ ነቲ ኣብ ኡጋንዳ ዝነበረ ሰላም ዘረጎ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ከባቢ እቲ ኣብ ምባራራ ዚርከብ እንነብረሉ ገዛ ሚስዮናውያን ውግእ ተገብረ። እቲ ኣብቲ መእተዊ ዝጠቐስክዎ ተመክሮ ዘጋጠመኒ ኣብዚ እዋን እዚ እዩ።

ካብቶም ወተሃደራት ተሓቢአ ነዊሕ መገዲ እናተንፈሓዅኩ በቲ ጕድጓድ ክጐዓዝ ከለኹ: ቬራ ኣቐዲማ ኣብ ገዛ በጺሓ ነበረት። ኣብ ሓደ ዅርናዕ እቲ ገዛ: ፍርናሻትን ናይ ገዛ ኣቕሑን ጌርና “ዕርዲ” ሰራሕና። ንሓደ ሰሙን ዚኣክል ካብ ረድዮ ዜና እናሰማዕና ኣብ ገዛና ኾፍ በልና። ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ዝሰራሕናዮ ዕርዲ ተዀርሚና ኾፍ ኢልና ኸለና: እቲ ጠያይት ኣብቲ መንድቕ እናዘበጠ ይነጥር ነበረ። ኣብቲ ገዛና ሰብ ከም ዘሎ ንኸይፍለጥ ኢልና: ምስ መሰየ መብራህቲ ኣይነብርህን ነበርና። ሓደ ግዜ ወተሃደራት ናብ ኣፍ ደገ ገዛና መጺኦም ኪጭድሩ ጀመሩ። ንሕና ግን ከይተንቀሳቐስና: ብልብና ናብ የሆዋ ንጽሊ ነበርና። እቲ ውግእ ምስ ተዛዘመ: እቶም ጐረባብትና ሳላ እቲ ዝረኸብዎ ዕቝባ ኣመስገኑና። የሆዋ ንዅልና ኸም ዘዕቈበና እዮም ዚኣምኑ ነይሮም: ንሕናውን ነዚ ሓሳብ እዚ ንሰማምዓሉ ኢና።

ኵነታት ንእተወሰነ እዋን ደሓን ነበረ: ሓደ ንግሆ ግን መንግስቲ ኡጋንዳ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝኣገዶም ብረድዮ ሰማዕና። እቲ ነዚ ኣዋጅ እዚ ዘንብቦ ዝነበረ ሰብ: ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቲ ናይ ቀደም ሃይማኖቶም ኪምለሱ ኸም ዘለዎም ተዛረበ። ዋላኳ ናብቶም ናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣን ከይደ እንተ ኣመልከትኩ: ኣሳልጦ ግን ኣይረኸብኩን። ብድሕርዚ: ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኢዲ ኣሚን ከድኩ: ቈጸራ ንኽግበረለይ ድማ ሓተትኩ። እቲ ተቐባሊ ጋሻ ግን እቲ ፕረዚደንት ብስራሕ ትሑዝ ምዃኑ ነገረኒ። ዋላኳ ብተደጋጋሚ እንተ ኸድኩ ነቲ ፕረዚደንት ግን ክረኽቦ ኣይከኣልኩን። ኣብ መወዳእታ ኣብ ሓምለ 1973 ካብ ኡጋንዳ ኽንወጽእ ነበረና።

ንሓደ ዓመት ዝበልናዮ ዓሰርተ ዓመት ኰነ

እቲ ነቶም ኣብ ማዳጋስካር ዚርከቡ ፍቑራት ኣሕዋትና ኽንፍለዮም ከለና እተሰምዓና ጓሂ: ነቶም ኣብ ኡጋንዳ ዚርከቡ ኽንፍለዮም ከለና እውን ተሰምዓና። ቅድሚ ናብታ እተመደብናላ ሰነጋል ምኻድና ግን ናብ ፊንላንድ ተጐዓዝና። ኣብኡ ምስ በጻሕና ድማ እቲ ናብ ኣፍሪቃ ኽንከይድ እትገብረ መደብ ከም ዝተረፈን ኣብ ፊንላንድ ንኽንጸንሕን ተነግረና። እቲ ናይ ሚስዮናውነት ዕዮና እተዛዘመ እዩ ዚመስል ነይሩ። ኣብ ፊንላንድ ፍሉያት ፓይነራት ኰንና: ጸኒሐ ድማ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኣገልገልኩ።

ብ1990 ኣብ ማዳጋስካር ዝነበረ ተቓውሞ ነከየ፣ እቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ንሓደ ዓመት ዚኸውን ናብ ማዳጋስካር ኬድና ንኸነገልግል ምሕታቱ ሃንደበት ኰነና። ዋላኳ ኽንከይድ እንተ ደለና: ክልተ ዓበይቲ ጸገማት ኣጋጠመና። እቲ ኣሪጉ ዝነበረ ኣቦይ ዚከናኸኖ ሰብ የድልዮ ነበረ: ቬራ ድማ ብተደጋጋሚ ናይ ጥዕና ጸገማት የጋጥማ ነበረ። ኣቦይ ብሕዳር 1990 ምስ ሞተ ሓዘንኩ: ጥዕና ቬራ እናተመሓየሸ ምኻዱ ግን ናብ ሚስዮናውነት ንኽንምለስ ተስፋ ዀነና። ኣብ መስከረም 1991 ድማ እንደገና ናብ ማዳጋስካር ከድና።

ኣብ ማዳጋስካር ንሓደ ዓመት ጥራይ ኢና ተመዲብና ኔርና: ኣብኡ ግን ንዓሰርተ ዓመት ጸናሕና። ኣብቲ ግዜ እቲ ቝጽሪ እቶም ኣስፋሕቲ ኻብ 4,000 ናብ 11,600 ክብ በለ። ሚስዮናዊ ዀይነ ብምግልጋለይ ኣዝየ እየ ተሓጕሰ። ሓድሓደ እዋን ግን: ንሰበይተይ ብኣካላውን ብስምዒታውን ዜድልያ ነገራት ዕሽሽ ዝበልኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ብምንባሩ: ተስፋ እቘርጽ ነበርኩ። የሆዋ ግን ንኽልቴና ንቕድሚት ንኽንቅጽል ሓይሊ ይህበና እዩ። ኣብ መወዳእታ: ብ2001 ናብ ፊንላንድ ተመለስና: ክሳዕ ሕጂ ድማ ኣብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንዓዪ ኣለና። እቲ ነታ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ቕንኢ ሕጂውን ሓያል እዩ ዘሎ: ንኣፍሪቃ ድማ ኣዚና ኢና እንናፍቓ። የሆዋ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ይመድበና: ንዕኡ ኸነገልግሎ ቘሪጽና ኢና።—ኢሳይያስ 6:8

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ፊንላንድ

ኣውሮጳ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ኣፍሪቃ

ማዳጋስካር

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ኣፍሪቃ

ኡጋንዳ

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መዓልቲ መርዓና እተሰኣልናዮ

[ኣብ ገጽ 14, 15 ዘሎ ስእሊ]

ካብቲ ብ1960 ኣብ ፊንላንድ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ዝዓየኹሉ . . .

. . ናብቲ ብ1962 ኣብ ማዳጋስካር ሚስዮናዊ ዝዀንኩሉ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ምስ ቬራ