ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ኣምላኽ ብዅሉ መዳያታ ብልጽቲ

መንግስቲ ኣምላኽ ብዅሉ መዳያታ ብልጽቲ

መንግስቲ ኣምላኽ ብዅሉ መዳያታ ብልጽቲ

የሱስ ንሰዓብቱ: “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ: ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሉ መሃሮም። (ማቴዎስ 6:9, 10) እዚ ብብዙሓት ሰባት ኣቡነ ዘበሰማያት ተባሂሉ ዚፍለጥ ጸሎት ንዕላማ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ እዩ።

ስም ኣምላኽ በዛ መንግስቲ እዚኣ ኣቢሉ ኪቕደስ እዩ። እዚ ስም እዚ ኻብቲ ብሰሪ ዕልወት ሰይጣንን ሰብን ኣብ ልዕሊኡ ተዀሚሩ ዘሎ ሕስራን ኪጸሪ እዩ። እዚ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከመይሲ: ሓጐስ እቶም መስተውዓልቲ ፍጡራት ንስም ኣምላኽ ቅዱስ ገይሮም ኣብ ምርኣይ ከምኡውን ናይ ምግዛእ መሰል ዘለዎ ንሱ ምዃኑ ኣብ ምቕባል እተመርኰሰ እዩ።—ራእይ 4:11

ብተወሳኺ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ‘ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ኸም ዚኸውን’ ንምግባር እያ ተመስሪታ። እዚ ፍቓድ እዚ እንታይ እዩ፧ ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ደቅሰብን ዘሎ ርክብ ምምላስ እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ንዕላማ እቲ ናይ ኵሉ ፍጥረት ልዑል ዝዀነ የሆዋ: ማለት ቅኑዓት ሰባት ንዘለኣለም እናተሓጐሱ ዚነብሩላ ገነት ኣብ ምድሪ ንምምስራት ክትዓዪ እያ። እወ: ነቲ ብሰንኪ እቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ዝሰዓበ ጕድኣት ስለ እተወግዶ: እቲ ፍቕራዊ ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኺፍጸም እዩ። (1 ዮሃንስ 3:8) አረ መንግስቲ ኣምላኽን እቲ እትፍጽሞ ነገራትን ቀንዲ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ!

በየናይ መዳያት እያ ብልጽቲ፧

መንግስቲ ኣምላኽ: ዓብዪ ሓይሊ ዘለዋ ናይ ሓቂ መንግስቲ እያ። ነብዪ ዳንኤል ሓይላ ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑ ኣፋፍኖት ሂቡና ኣሎ። ነዊሕ ይገብር: ‘ኣምላኽ ሰማይ ንዅለን እዘን [ሰብኣውያን] መንግስትታት እዚኣተን እትጭፍልቐንን እተጥፍአንን መንግስቲ ኼተንስእ’ ምዃኑ ተነበየ። ብተወሳኺ ድማ ከምተን ሰብኣውያን መንግስቲ በብግዜኡ እትለዋወጥ ዘይኰነትስ: “ከቶ ዘይትጠፍእ” እያ። (ዳንኤል 2:44) እዚ ጥራይ እውን ኣይኰነን። እዛ መንግስቲ እዚኣ ብዅሉ መዳያት ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ መንግስትታት ኣዝያ ዝበለጸት እያ።

መንግስቲ ኣምላኽ ብሉጽ ንጉስ ኣለዋ። እዚ ንጉስ እዚ መን ምዃኑ እስከ ርአ። ኣብቲ ዳንኤል ዝረኣዮ “ሕልምን ራእያት”ን: ሓደ “ወዲ ሰብ ዚመስል” ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ናብቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድሕሪ ምቕራብ: ዘለኣለማዊ “ግዝኣትን ክብርን መንግስትን” ተዋህቦ። (ዳንኤል 7:1, 13, 14) እዚ ወዲ ሰብ እዚ ኻብቲ መሲህ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ሓሊፉ ኻልእ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። (ማቴዎስ 16:13-17) የሆዋ ኣምላኽ ንወዱ የሱስ: ንጉስ እታ መንግስቱ ንኪኸውን ሸሞ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ነቶም እኩያት ፈሪሳውያን “መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ: ኣብ ውሽጥኹም አላ” በሎም: ኣብ መጻኢ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዚኸውን እዩ ኣብ መንጎኦም ከም ዘላ ገይሩ እተዛረቦም።—ሉቃስ 17:21

ካብ መንጎ ደቅሰብ ብኣገዛዝኣ ኸም የሱስ ዓይነት ብቕዓት ዘለዎ መን ኣሎ፧ የሱስ ምሉእ ብምሉእ ጻድቕ: ዜተኣማምን: ከምኡውን ርሕሩሕ መራሒ ምዃኑ ድሮ ኣመስኪሩ እዩ። ወንጌላት ድማ ስጕምቲ ዚወስድ ከምኡውን ለዋህን ደንጋጽን ገይሩ እዩ ዚገልጾ። (ማቴዎስ 4:23፣ ማርቆስ 1:40, 41፣ 6:31-34፣ ሉቃስ 7:11-17) ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እቲ ዝተንስአ የሱስ ድሕሪ ሕጂ ኣይኪመውትን እዩ: ሰብኣዊ ድሩትነት እውን የብሉን።—ኢሳይያስ 9:6, 7

የሱስን ተሓባበርቱን ካብቲ ብሉጽ ቦታ ዀይኖም ይገዝኡ። ኣብቲ ዳንኤል ዝረኣዮ ሕልምን ራእያትን: ‘መንግስትን ግዝኣትን ነቶም ናይ ህዝቢ ቕዱሳን’ ኪወሃብ ከሎ እውን ርእዩ እዩ። (ዳንኤል 7:27) የሱስ በይኑ ኣይኰነን ዚገዝእ። ምስኡ ኸም ነገስታት ኰይኖም ዚገዝኡ ኸምኡውን ከም ካህናት ኰይኖም ዜገልግሉ ኻልኦት እውን ኣለዉ። (ራእይ 5:9, 10፣ 20:6) ሃዋርያ ዮሃንስ ነዚኣቶም ብዚምልከት: ‘እንሆ ድማ: እቲ ገንሸል ኣብ ደብረ ጽዮን ደው ኢሉ: ካብ ምድሪ እተዓደጉ ሚእትን ኣርባዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስኡ ነበሩ’ ብምባል ጸሓፈ።—ራእይ 14:1-3

እቲ ገንሸል: የሱስ ክርስቶስ ኣብታ መንግስቲ ቦታኡ ምስ ሓዘ ዜመልክት እዩ። (ዮሃንስ 1:29፣ ራእይ 22:3) እቲ ደብረ ጽዮን ድማ ንሰማይ ዜመልክት እዩ። a (እብራውያን 12:22) የሱስን እቶም 144,000 ተሓባበርቱን ኣብ ሰማይ ኰይኖም እዮም ዚገዝኡ። ከመይ ዝበለ ንምግዛእ ዚኸውን ክብ ዝበለ ቦታ ዀን እዩ! ኣብ ሰማይ ስለ ዘለዉ: ዝሰፍሐ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። “መንግስቲ ኣምላኽ” ቦታኣ ኣብ ሰማይ ብምዃኑ: “መንግስተ ሰማያት” ተባሂላ እውን ትፍለጥ እያ። (ሉቃስ 8:10፣ ማቴዎስ 13:11) ዝዀነ ይኹን ኣጽዋር: ኑክልየሳዊ መጥቃዕቲ እውን እንተዀነ: ነዛ መንግስቲ እዚኣ ኼረኻኽበላን ኬጥፍኣን ኣይክእልን እዩ። ፈጺማ ዘይትሰዓር መንግስቲ እያ: ዕላማ የሆዋ ድማ ክትፍጽም እያ።—እብራውያን 12:28

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ እሙናት ተወከልቲ ኣለውዋ። እዚ ብኸመይ ንፈልጥ፧ መዝሙር 45:16 “ኣብ ብዘላ ምድሪውን መሳፍንቲ ኽትገብሮም ኢኻ” ትብል። እቲ ኣብዚ ትንቢት እዚ ገባሪ ዀይኑ ዚዝረበሉ ዘሎ ወዲ ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 45:6, 7፣ እብራውያን 1:7, 8) ስለዚ: የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እዩ ነዞም መሳፍንቲ ዚሸሞም። መምርሒታቱ ብምሕላው ዝመጸ እሙናት ከም ዝዀኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብዚ እዋን እዚ እውን እንተዀነ እቶም ኣብ ክርስትያን ጉባኤታት ሽማግለታት ኰይኖም ዚዓዩ ብቑዓት ሰብኡት: ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ብጾቶም ‘ኪገዝኡ’ ዘይኰነስ: ኬዕቍብዎምን ኬሐድስዎምን ኬጸናንዕዎምን እዮም ተማሂሮም።—ማቴዎስ 20:25-28፣ ኢሳይያስ 32:2

መንግስቲ ኣምላኽ ጻድቃን ተገዛእቲ ኣለውዋ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጕድለት ዘይብሎምን ቅኑዓትን እዮም። (ምሳሌ 2:21, 22) መጽሓፍ ቅዱስ “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ይብል። (መዝሙር 37:11) ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ትሑታት: ማለት ንኺመሃሩ ድሉዋትን ምቕሉላትን ከምኡውን ልኡማትን ሕያዎትን እዮም። መንፈሳዊ ነገር እዩ ብቐዳምነት ዜገድሶም። (ማቴዎስ 5:3 NW) ቅኑዕ ዘበለ ኺገብሩን ኣምላኻዊ መምርሒ ኪቕበሉን እዮም ዚደልዩ።

መንግስቲ ኣምላኽ ብብሉጽ ሕግታት ትመሓደር። እቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዜመሓድራ ሕግን ስርዓትን ካብ የሆዋ እዩ ዚመጽእ። እዚ ድማ ኣብ ክንዲ ብዘይ ግቡእ ዚቕይደና: ዚጠቕመና እዩ። (መዝሙር 19:7-11) ብዙሓት ሰባት ነቲ ጽድቃዊ ብቕዓታት የሆዋ ሓልዮም ይነብሩ ብምህላዎም ይጥቀሙ ኣለዉ። ንኣብነት: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኣይ: ንሰበይቲ: ከምኡውን ንውሉዳት ብዚምልከት ዚህቦ ምኽሪ ምስዓብ ንናብራ ስድራቤትና የመሓይሾ። (ኤፌሶን 5:33-6:3) ነቲ ‘ንፍቕሪ ኽንለብሳ’ እተዋህበና ትእዛዝ እንተ ሓሊናዮ: ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ይመሓየሽ። (ቈሎሴ 3:13, 14) ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ሓሊና ንነብር እንተ ዄንና: ጽቡቕ ናይ ስራሕ ልማድን ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያን ኪህልወና እዩ። (ምሳሌ 13:4፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ካብ ስኽራን: ጾታዊ ርኽሰት: ትምባኾ: ከምኡውን ካብ ወልፊ ዜትሕዝ ሓሽሽ ምርሓቕና: ጥዕናና ንኽንሕሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 7:21-23፣ 23:29, 30፣ 2 ቈረንቶስ 7:1

መንግስቲ ኣምላኽ: ብኣምላኽ ዝቘመት እያ። እቲ መሲሕ ዝዀነ ንጉሳ የሱስ ክርስቶስ ከምኡውን ኵሎም እቶም ተሓባበርቱ ገዛእቲ: ነቲ ፍትሓዊ ሕግታትን ፍቕራዊ ስርዓታትን ኣምላኽ ኣብ ምድጋፍ ሓላፍነት ኣለዎም። ተገዛእቲ እታ መንግስቲ ኣምላኽ: እንተላይ እቶም ምድራውያን ተወከልቲ: ብሕግታት ኣምላኽ ምምልላሶም ሓጐስ የምጽኣሎም። እምበኣር: ነቶም ገዛእትን ተገዛእትን መንግስቲ ኣምላኽ ብቐንዱ ዜገድሶም ነገር: ኣምላኽ እዩ። ስለዚ: መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ብሓቂ ብቲኦክራሲ: ማለት ብኣምላኽ እትግዛእ እያ። ነቲ እተመስረተትሉ ዕላማ ኸም እትፍጽሞ ድማ ርጉጽ እዩ። እዛ ሓድሓደ ግዜ መሲሓዊት መንግስቲ ተባሂላ እትፍለጥ መንግስቲ ኣምላኽ ግን መዓስ እያ ኽትገዝእ ጀሚራ፧

ክትገዝእ ትጅምር

መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ ክትገዝእ ከም እትጅምር ንምርዳእ ዚሕግዝ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣብ ቃላት የሱስ ኪርከብ ይከኣል እዩ። ንሱ “ዘመናት ኣህዛብ ክሳዕ ዚፍጸም: የሩሳሌም በህዛብ ክትርገጽ እያ” በለ። (ሉቃስ 21:24) ካብተን ኣብ መላእ ምድሪ ዝነበራ ኸተማታት: ምስ ስም ኣምላኽ ብቐጥታ ምትእስሳር ዝነበራ የሩሳሌም ጥራይ እያ ነይራ። (1 ነገስት 11:36፣ ማቴዎስ 5:35) ርእሲ ኸተማ እታ ኣምላኽ ስምረቱ ዝሃባ ምድራዊት መንግስቲ እያ ነይራ። እዛ ኸተማ እዚኣ በህዛብ ክትርገጽ እያ: እዚ ድማ እቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝነበሮ ግዝኣት ብመንግስትታት ዓለም ኪቋረጽ እዩ ማለት እዩ። እዚ መዓስ እዩ ጀሚሩ፧

ነቲ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዚርከብ ዙፋን የሆዋ እተቐመጠ ናይ መወዳእታ ንጉስ: “ዘውዲ ቐንጥጥ: ኣኽሊል ኣውጽእ . . . እቲ ኣነ ንእኡ ዝህቦ ብዓል ፍርዲ [“ሕጋዊ መሰል:” NW] ኽሳዕ ዚመጽእ: እዚ ኸኣ ኣይኪነብርን እዩ” ብምባል ተነግሮ። (ህዝቅኤል 21:25-27) እቲ ኣኽሊል ካብ ርእሲ እቲ ንጉስ ስለ ዚወጽእ: ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝነበሮ ግዝኣት ኪቋረጽ እዩ። እዚ ድማ ብ607 ቅ.ክ. ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ምስ ኣጥፍእዋ ተፈጸመ። ኣብቲ ነዚ ስዒቡ ዝመጸ “ዘመናት:” ኣምላኽ ንግዝኣቱ እትውክል መንግስቲ ኣብ ምድሪ ኣይነበረቶን። እዚ ዘመናት እዚ ምስ ተወድአ ጥራይ እዩ የሆዋ ነቲ “ብዓል ሕጋዊ መሰል:” ማለት ንየሱስ ክርስቶስ ንኺገዝእ ስልጣን ዚህቦ። ንውሓት እዚ እዋን እዚ ኽንደይ እዩ፧

ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዚርከብ ትንቢት: “ነታ ኦም ቍረጽዋን ኣብርስዋን: ግናኸ ነቲ ጕንዲ ሱራታ: ብሰንሰለት ሓጺንን ኣስራዝን ተአሲሩ . . . ሕደግዎ: ሾብዓተ ግዝያት ክሳዕ ዚሐልፋ” ይብል። (ዳንኤል 4:23) ከምቲ ቐጺልና እንርእዮ: ንውሓት እዚ “ሾብዓተ ግዝያት” እዚ ምስቲ “ዘመናት ኣህዛብ” ማዕረ እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ውልቀ-ሰባትን ገዛእትን መንግስትታትን ብኦም እተመሰሉሉ ግዜ ኣሎ። (መዝሙር 1:3፣ ኤርምያስ 17:7, 8፣ ህዝቅኤል ምዕራፍ 31) እታ ምሳልያዊት ኦም “ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ትርኤ ነበረት።” (ዳንኤል 4:11) ስለዚ: እቲ በታ ኦም ተመሲሉ ዘሎ ዚቝረጽን ዚእሰርን ግዝኣት “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ዚበጽሕ እዩ: እዚ ድማ ንዅሉ መንግስቲ ሰብ ዜመልክት እዩ። (ዳንኤል 4:17, 20, 22) እምበኣር: እታ ኦም ብፍላይ ንምድሪ ዚምልከት ልዕሊ ዅሉ ዝለዓለ ግዝኣት ኣምላኽ እያ እተመልክት። የሆዋ ንእተወሰነ እዋን በታ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ዝመስረታ መንግስቲ ኣቢሉ ነዚ ግዝኣት እዚ ኣርእዩ እዩ። እታ ምሳልያዊት ኦም ተቘርጸት: መታን ከይትጭብጭብ ድማ ብሰንሰለት ሓጺንን ኣስራዝን ተኣስረት። እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረ ግዝኣት ኣምላኽ ስርሑ ኸም ዜቋርጽ ዚሕብር እዩ: እዚ ብ607 ቅ.ክ. ተፈጸመ፣ ንሓዋሩ ግን ኣይኰነን ዚቋረጽ። እታ ኦም ክሳዕ እተን “ሾብዓተ ግዝያት” ዚሓልፋ ኽትእሰር ነበራ። እዚ እዋን እዚ ምስ ተወድአ: የሆዋ ነቲ ሕጋዊ ወራሲ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ግዝኣት ሃቦ። ስለዚ: እተን “ሾብዓተ ግዝያት” ከምኡውን እቲ “ዘመናት ኣህዛብ” ንሓደ ዓይነት ናይ ግዜ ንውሓት ዜመልክት እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንውሓት እተን “ሾብዓተ ግዝያት” ክንደይ ምዃኑ ንምፍላጥ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እቲ 1,260 መዓልትታት: ማለት “ዘመንን [ሓደ ዘመን] ዘመናትን [ክልተ ዘመናት: ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ] ፈረቓ ዘመንን:” ብድምር ምስቲ ሰለስተ ዘመንን ፈረቓን ማዕረ እዩ። (ራእይ 12:6, 14) ስለዚ: ዕጽፊ እዚ ቝጽሪ እዚ: ማለት ሾብዓተ ግዜያት ወይ ዘመናት: 2,520 መዓልትታት እዩ ማለት እዩ።

ካብ 607 ቅ.ክ. ጀሚርና 2,520 መዓልትታት እንተ ቘጺርና ናብ 600 ቅ.ክ. ኢና እንበጽሕ። ይኹን እምበር: እተን ሾብዓተ ግዜያት ካብዚ ንላዕሊ እየን ዚወስዳ። ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ “ዘመናት ኣህዛብ” እተዛረበሉ እዋን: ገና ይቕጽላ ነበራ። እምበኣር: እዘን ሾብዓተ ግዜያት ትንቢታውያን እየን ማለት እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቲ “ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ዓመት” ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ክንጥቀም ኣሎና። (ህዝቅኤል 4:6፣ ዘሁልቍ 14:34) በዚ መሰረት እዚ እቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ጣልቃ ኸይኣተወ በቶም ዓለማውያን ሓይልታት እተመሓደረትሉ ግዜ: 2,520 ዓመት እዩ ነይሩ። ካብ 607 ቅ.ክ. ጀሚርና 2,520 ዓመታት እንተ ቘጺርና: ናብ 1914 ድ.ክ. ኢና እንበጽሕ። ኣብታ ዓመት እቲኣ: “ዘመናት ኣህዛብ” ወይ እተን ሾብዓተ ግዜያት ተዛዘማ። እምበኣር: የሱስ ክርስቶስ ብ1914 እዩ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኺገዝእ ጀሚሩ።

“መንግስትኻ ትምጻእ”

እታ መሲሓዊት መንግስቲ ድሮ ኣብ ሰማይ ስለ ዝቘመት: ከምቲ የሱስ ኣብታ ኣብነት ንኽትኰነና ዝመሃረና ጸሎት ዝጠቐሶ: ንኽትመጽእ ክንጽሊ ኣሎና ድዩ፧ (ማቴዎስ 6:9, 10) እወ። እቲ ጸሎት እቲ ግቡእን ገና ትርጕም ዘለዎን እዩ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ: መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ስልጣና ኣብ ምድሪ ኸተረጋግጽ እያ።

እዚ ምስ ተፈጸመ እቶም እሙናት ደቅሰብ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዮም ኪረኽቡ! መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ይብል። (ራእይ 21:3, 4) ኣብቲ ግዜ እቲ “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ [“ሕሙም:” ትርጕም 1990] እየ ኣይብልን” እዩ። (ኢሳይያስ 33:24) እቶም ንኣምላኽ ዜሐጕስዎ ሰባት ነቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም። (ዮሃንስ 17:3) እምበኣር: ነዝን ንኻልእ ዜደንቕ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ንኺፍጸም እናተጸበና: “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን” ንድለ።—ማቴዎስ 6:33

[እግረ-ጽሑፍ]

a ንጉስ እታ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት: ነታ ኣብ ኢድ ይቡሳውያን ዝነበረት ምድራዊት ዕርድቲ እምባ ጽዮን ብምቍጽጻር ርእሲ ኸተማኡ ገበራ። (2 ሳሙኤል 5:6, 7, 9) ነቲ ቕዱስ ታቦት እውን ናብኡ ኣግዓዞ። (2 ሳሙኤል 6:17) እቲ ታቦት ምስ ህላወ የሆዋ ዚተሓሓዝ ስለ ዝዀነ: ጽዮን: ኣምላኽ ዚነብረላ ቦታ ተባሂላ ተጠቒሳ ኣላ፣ ስለዚ ንሰማይ ከተመልክት እትኽእል ብቕዕቲ ተምሳል እያ።—ዘጸኣት 25:22፣ ዘሌዋውያን 16:2፣ መዝሙር 9:11፣ ራእይ 11:19

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

የሆዋ ንየሱስ ክርስቶስ: ንጉስ እታ መንግስቱ ኪኸውን ሸሞ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

2,520 ዓመት

ጥቅምቲ 607 ቅ.ክ. ድ.ክ. ጥቅምቲ 1914

606 1/4 ዓመት 1,913 3/4 ዓመት

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

እተን “ዘመናት ኣህዛብ” ብ607 ቅ.ክ. ጀሚረን ብ1914 ድ.ክ. ተዛዘማ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ምድራውያን ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዙሕ በረኸት ኪረኽቡ እዮም