ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እተን “ዳሕሮት መዓልትታት” እንታይ እየን፧

እተን “ዳሕሮት መዓልትታት” እንታይ እየን፧

እተን “ዳሕሮት መዓልትታት” እንታይ እየን፧

ንስኻን ፈተውትኻን ኣብ መጻኢ እንታይ ተስፋ ኸም ዘለኩም ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዓለም ዚፍጸም ነገራት ብኸመይ ንህይወቶም ከም ዚጸልዎ ንምፍላጥ ብኣቓልቦ ንመራኸቢ ብዙሓን ይከታተሉ። ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ምቕላብ ግን ናይ ሓቂ ምስትውዓል ዚህብ እዩ። ከመይሲ: ነዊሕ ይገብር መጽሓፍ ቅዱስ: ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ እቲ ንመጻኢ ዚኸውን እውን ተነብዩ ነይሩ እዩ።

ንኣብነት: የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብሰፊሑ ተዛሪቡ ነበረ። (ሉቃስ 4:43) እቶም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት: እዛ እተደንቕ መንግስቲ እዚኣ መዓስ ከም እትመጽእ ኪፈልጡ ኸም ዚደልዩ ፍሉጥ እዩ። የሱስ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ንኪቕተል ሰለስተ መዓልቲ ምስ ተረፎ ድማ: ሰዓብቱ “ትእምርቲ ምምጻእካን [ብሓይሊ መንግስቲ ምህላውካ] መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ማቴዎስ 24:3) የሱስ ግን መንግስቲ ኣምላኽ ንምልእቲ ምድሪ እትቈጻጸረሉ ግዜ: የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዚፈልጦ ነገሮም። (ማቴዎስ 24:36፣ ማርቆስ 13:32) ይኹን እምበር: የሱስን ካልኦት ሰባትን ክርስቶስ ብሓይሊ መንግስቲ ኺገዝእ ከም ዝጀመረ ዚሕብር ኣብ ምድሪ ዚርአ ፍጻመታት ከም ዚህሉ ተነብዮም ነይሮም እዮም።

“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ ስርዓት እዚ ንነብር ምህላውና ዜርኢ መርትዖ ቕድሚ ምምርማርና: ኣሕጽር ኣቢልና እስከ ኣብ ሰማይ ዘጋጠመ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ንርአ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) የሱስ ክርስቶስ ብ1914 ኣብ ሰማይ ንጉስ ኰነ። a (ዳንኤል 7:13, 14) ሓይሊ መንግስቱ ምስ ተቐበለ ድማ ስጕምቲ ወሰደ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፤ ሚካኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም።” (ራእይ 12:7) “ሚካኤል: እቲ ሊቀ መላእኽቲ:” የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ዘለዎ መዓርግ ዜመልክት እዩ። b (ይሁዳ 9፣ 1 ተሰሎንቄ 4:16) እቲ ገበል ድማ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። ሰይጣንን እቶም ኣጋንንቲ ዚበሃሉ እኩያት መላእኽቲ ሰዓብቱን ኣብቲ ውግእ እንታይ ኣጋጠሞም፧ ተሳዒሮም ናብ ምድሪ “ተደርበዩ” ወይ ካብ ሰማይ ናብ ከባቢ ምድሪ ተሰንደዉ። (ራእይ 12:9) ስለዚ ድማ “ሰማያት: ኣባታቶም [ዚ]ነብሩውን:” ማለት እሙናት መንፈሳውያን ውሉዳት ኣምላኽ ተሓጐሱ። ደቅሰብ ግን ከምዚ ዓይነት ሓጐስ ኣይረኸቡን። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣቱም ምድሪ . . . ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም” ብምባል ተነበየ።—ራእይ 12:12

ሰይጣን ኣዝዩ ስለ እተቘጥዐ: ንደቅሰብ መከራን ጸበባን ኣውረደሎም። እዚ መከራ እዚ ግን ን“ቕሩብ ዘመን” እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዘመን እዚ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ይጽውዖ። እቲ ድያብሎስ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘለዎ ጽልዋ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኬልግስ ብምዃኑ ኽንሕጐስ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ምህላውና እንታይ መርትዖ ኣሎና፧

[እግረ-ጽሑፋት]

a ነታ ብ15 ሓምለ 2006 ዝወጸት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 6-7 ተወከስ።

b ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 218-19 ተወከስ።