ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሓቂዶ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢና እንነብር ዘለና፧

ብሓቂዶ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢና እንነብር ዘለና፧

ብሓቂዶ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢና እንነብር ዘለና፧

ነተን መጽሓፍ ቅዱስ ዳሕሮት መዓልትታት ብምባል ዚጽውዐን ንምልላይ ዚሕግዝ ብኽልተ መዳያት እተራእየ ፍጻመታት ኣሎ። ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ “መወዳእታ ዓለም” ወይ ኣብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ዜጋጥሙ ፍጻመታት ከም ዚህልዉ ተነብዩ ነበረ። (ማቴዎስ 24:3) ኣብ ርእሲ እዚውን መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያን ተግባርን እቶም ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚነብሩ ሰባት ከም ዚቕየር ተዛሪቡ ነበረ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1

ፍጻመታት ዓለም ምስ ጠባይን ባህርይን ሰባት ተደሚሩ: ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ምህላውና ኸምኡውን ድሕሪ ሓጺር እዋን መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ሰባት ዘለኣለማዊ በረኸት ከም እተምጽኣሎም ዜርኢ መርትዖ እዩ። እምበኣር እስከ በቲ የሱስ ነተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዜመልክት ዝገለጾ ሰለስተ ፍጻመታት ንጀምር።

“መጀመርታ ቕልውላው”

የሱስ “ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ” በለ። ወሲኹ ድማ “እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ” በለ። (ማቴዎስ 24:7, 8) እስከ “እዚ ዅሉ” ሓደ ብሓደ ንርኣዮ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመን ብዙሓት ሰባት ብሰሪ ውግእን ዓሌታዊ ግጭታትን ተቐቲሎም እዮም። እቲ ዎርልድዎች ኢንስቲትዩት ዚበሃል ትካል ብምሁራት ኣመርሚሩ ዘውጸኦ ጸብጻብ: “እቶም ኣብ [መበል 20] ዘመን ግዳይ ውግእ ዝዀኑ ሰባት: ሰለስተ ዕጽፊ እቶም ካብ ቀዳማይ ዘመን ዓመተ ምሕረት ኣትሒዝካ ኽሳዕ 1899 ኣብ እተገብረ ውግእ ዝሞቱ ሰባት እዮም” በለ። ጆናታን ግሎቨር ኣብታ ህዩማኒቲ—አ ሞራል ሂስትሪ ኦቭ ዘ ትወንቲዝ ሰንችሪ ዘርእስታ መጽሓፉ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ካብ 1900 ክሳዕ 1989 ኣብ ዝነበረ እዋን ብውግእ ዝሞቱ ሰባት 86 ሚልዮን ከም ዝበጽሑ እዩ ዝግመት። . . . ኣብ መበል 20 ዘመን ብውግእ ዝሞቱ ሰባት ንኽትርድኦ ዘጸግም እዩ። ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም ጥራይ ክልተ ሲሶ ዝዀኑ (58 ሚልዮን) ካብ ተቐትሉ: ብውግእ ዝሞቱ ብገምጋም ጌርካ ምግላጹ ግቡእ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ኣብቲ ዘመን እቲ ብማዕረ እንተ ዚዝርጋሕ ንተስዓ ዓመት ዚኣክል ኣብ መዓልቲ 2,500 ኣብ ሰዓት ከኣ ልዕሊ 100 ሰባት ብዘይምቍራጽ ይሞቱ ነይሮም ማለት እዩ።” እዝስ ንኣዝማድን ፈተውትን እዞም ዝሞቱ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ጓህን ስቓይን ከም ዘምጸኣሎም እሞ ሕስብ ኣብሎ!

ዓለም እኹል ምግቢ ተፍሪ እኳ እንተላ: ካብቲ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ዚርአ ፍጻመታት ግን ጥሜት እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመት ካብ ብዝሒ ህዝቢ ንላዕሊ ምህርቲ ምግቢ ኸም ዚበዝሕ ተመራመርቲ ይሕብሩ። ይኹን እምበር: ብዙሓት ሰባት እኽሊ ዜብቍሉሉ እኹል ቦታን ምግቢ ዚዕድጉሉ ገንዘብን ስለ ዘይብሎም: ሕጽረት ምግቢ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ይርአ ኣሎ። ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት ዚርከቡ 1.2 ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ዶላር ኣመሪካ ወይ ካብኡ ንታሕቲ ጥራይ ረኺቦም እዮም ዚሓድሩ። ካብ መንጎ እዚኣቶም ድማ 780 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ብጥሜት ይሳቐዩ። ብመሰረት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና: ጕድለት ኣመጋግባ ኣብ ዓመት ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ዚዀኑ ቘልዑ ይቐትል ኣሎ።

ብዛዕባ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ምንቅጥቃጥ ምድርኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ከምቲ መጽናዕቲ ስነ-ምድሪ ሕ.መ.ኣ. ዚሕብሮ: ካብ 1990 ኣትሒዙ ንህንጻታት ኬፍርስ ዚኽእል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዓመት ብገምጋም 17 ግዜ ኣጋጠመ። ኣብ ርእሲ እዚውን ንህንጻታት ምሉእ ብምሉእ ኬዕኑ ዚኽእል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብገምጋም ኣብ ዓመት ሓንሳእ ኣጋጠመ። ሓደ ኻልእ ምንጪ ኸም ዝሓበሮ: “ኣብዚ ዝሓለፈ 100 ዓመት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ቀቲሉ እዩ።” ከምዚ ዝዀነሉ ሓደ ምኽንያት ድማ ካብ 1914 ኣትሒዙ ዓብዪ ቝጽሪ ህዝቢ ኣብዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዜጋጥመሉ ቦታ ይሰፍር ስለ ዘሎ እዩ።

ካልኦት ኣገደስቲ ፍጻመታት

የሱስ “ኣብ በቦታኡ ድማ. . . ፌራ ኪኸውን” ምዃኑ ተዛሪቡ ነበረ። (ሉቃስ 21:11) ሕክምናዊ ስነ-ፍልጠት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ገስጊሱ እዩ። ይኹን እምበር: ቀደም ዝነበረን ሓድሽን ሕማም ንደቅሰብ ይቐዝፎም ኣሎ። ብሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሓበሬታ ሕ.መ.ኣ. እተዳለወ ሰነድ ከምዚ ይብል:- “ካብ 1973 ኣትሒዙ ዕስራ ዚኸውን ፍሉጥ ሕማማት: እንተላይ ዓባይ ሰዓልን ዓሶን ሸሮኽን: ዝያዳ ሓደገኛታትን ንመድሃኒት ዚጻወርን ብምዃን ከም ብሓድሽ ኣብ ሰፊሕ ቦታታት ይቕልቀል ወይ ይላባዕ ኣሎ። ካብ 1973 ኣትሒዙ ብውሑዱ 30 ዚኸውን ቅድሚኡ ፈጺሙ ዘይፍለጥ ዝነበረ ሕማማት ይርአ ኣሎ: ካብዚ ድማ እቶም መድሃኒት ዘይተረኽበሎም ኤች.ኣይ.ቪ.: ኢቦላ: ሄፐታይተስ ሲ: ከምኡውን ቫይረስ ኒፓህ ይርከብዎም።” ብመሰረት እቲ ብ28 ሰነ 2000 ቀይሕ መስቀል ዘውጸኦ ጸብጻብ: ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓመት: እቶም ብሰሪ ተላባዒ ሕማማት ዝሞቱ ሰባት: ካብቶም ብሰንኪ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት ብ160 ዕጽፊ ይዛይዱ።

‘ምብዛሕ ዓመጻ’ እውን ካብቲ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዚርአ ኣቓልቦ ኺግበረሉ ዚግባእ ፍጻመ እዩ። (ማቴዎስ 24:12) ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት: ሰባት ንገዛኦም ከይሸጐሩ ኣይከዱን እዮም፣ ምስ መሰየ ድማ ኣብ ጐደናታት ኪንቀሳቐሱ ይፈርሁ እዮም። ብዛዕባ እቲ እንርእዮ ዘለና ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ተግባራት ዘጋጥም ዘሎ ናይ ኣየርን ማይን መሬትን ብከላኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ እዚውን መፈጸምታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ “ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ [ዜ]ጥፍኣሉ” ምዱብ ግዜ ትዛረብ እያ።—ራእይ 11:18

ባህርይ እቶም ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዚህልዉ ሰባት

በጃኻ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ናብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ገንጺልካ ኣንብብ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ” ጸሓፈ። ቀጺሉ ድማ እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት ዚልለዩሉ 20 ዚኸውን ባህርያት ዘርዘረ። ኣብቲ እትነብረሉ ሕብረተሰብ ገለ ኻብዚ ባህርያት እዚ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ እስከ ቐጺልና ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዛዕባ እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ሰባት እተባህለ ነገር ንርአ።

“ፈተውቲ ርእሶም።” (2 ጢሞቴዎስ 3:2) “[ሰባት] ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ቓሕታኦም ንኺገብሩ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለዉ። ኣማልኽቲ እዮም ኰይኖም ዘለዉ: ከምኡ ተገይሮም ኪረኣዩ ድማ እዮም ዚጽበዩ።”—ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትሕትም ፋይናንሻል ታይምስ ዘርእስታ ጋዜጣ

“ፈተውቲ ገንዘብ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:2) “ፍቕረ-ንዋይ ንምርካብ ዚርአ ዘሎ ስስዐ: ነቲ ብዓቕምኻ ናይ ምንባር መንፈስ ዓብሊልዎ ኣሎ። ኣብቲ ሕብረተሰብ ከም ሃብታም እንተ ዘይተራኢኻ: ህይወትካ ብላሽ እያ ማለት እዩ።”—ኣብ ኢንዶኔዥያ እትሕተም ጃካርታ ፖስት ዘርእስታ ጋዜጣ

“ንወለዶም ዘይእዘዙ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:2) “ወለዲ: እቲ ወዲ 4 ዓመት ውሉዶም ልክዕ ከም [ፈረንሳዊ ንጉስ] ሉዊ መበል 14 ኺእዝዞም ከሎ ወይ እታ ጓል 8 ዓመት ጓሎም ‘ተጻሊእና ኢና’ ኢላ ኽትጭድር ከላ ዚገብርዎ እዩ ዚሕርብቶም።”—ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትሕተም ኣመሪካን ኤጁኬተር ዘርእስታ መጽሔት

“ርኹሳት።” (2 ጢሞቴዎስ 3:2) “ንብዓልቲ ቤቶምን ደቆምን ራሕሪሖም ዚኸዱ ሰብኡት ምብዝሖም: [ኣብዚ ዝሓለፈ 40 ዓመት] ካብ እተራእየ ለውጢ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት እቲ ዝዓበየ ኪኸውን ይኽእል እዩ።”—ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትሕተም ዊልሰን ኳርተርሊ ዘርእስታ መጽሔት

“ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም።” (2 ጢሞቴዎስ 3:3) “ኣብ መዓልታዊ ህይወት ሕብረተሰብ ዓለም: ኣብ መንጎ ስድራቤት ዚርአ ዓመጻ ዓብላሊ ዀይኑ ኣሎ።”—ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትሕተም ጆርናል ኦቭ ዘ ኣመሪካን ሜዲካል ኣሶስየሽን ዘርእስታ መጽሔት

“ገዛእ ርእሶም ገቲኦም ዘይክእሉ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:3 ትርጕም 1990) “እቲ ንግሆ ንግሆ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ጋዜጣታት ዚወጽእ ዜና: ንኣተሓሳስባ እቶም ንብጻዮም ኰነ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ዚምልከት ጕዳያት ገዛእ ርእሶም ምቍጽጻር ዚጐድሎም: ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ዘይስዕቡ: ከምኡውን ምሕረት ዘይብሎም ሰባት ዜንጸባርቕ እዩ። . . . ሕብረተሰብና ንዓመጻ ኸምዚ ሕጂ ዀይንዎ ዘሎ ዀይኑ ንኪቕጽል ስቕ ኢሉ እንተ ርእይዎ: ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ስነ-ምግባራዊ ምጽናት ገጹ ምኻዱ ኣይተርፎን እዩ።”—ኣብ ታይላንድ እትሕተም ባንግኮክ ፖስት ዘርእስታ ጋዜጣ

“ጨካናት።” (2 ጢሞቴዎስ 3:3) “ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ዝዓይነቱ ሕርቃንን ልጓም ዘይብሉ ቝጥዓን . . . ኣብ መራሕቲ ማካይን: ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ኣብ ዚፍጸም ህስያ . . . ከምኡውን ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብገበን ዚስነ ዘየድሊ ዓይነት ዓመጻ ይርአ ኣሎ። ዓመጻ ብሃውርን ብሃንደበትን ይፍጸም ስለ ዘሎ: ሰባት እተገለሉን ተኣፈፍትን ኰይኑ እዩ ዚስምዖም።”—ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትሕተም ቢዝነስ ቱደይ ዘርእስታ ጋዜጣ

“ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:4) “ጾታዊ ሓርነት ንክርስትያናዊ ስነ-ምግባር ከም ጸላኢ ገይሩ ዚርኢ ስነ-ምግባራዊ ውግእ እዩ ዀይኑ ዘሎ።”—ኣብ ኢንተርነት እትወጽእ ባውንድለስ ዘርእስታ መጽሔት

“መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም: ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:5) “[ሓንቲ ኣብ ነዘርላንድስ ኣመንዝራ ዝነበረት ሰበይቲ] ንሕጋውነት [ምንዝርና] ዝያዳ ተቓውሞ ዚመጽእ ካብ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ምዃኑ ተኣመነትሉ። ድሕሪ ቝሩብ ስቕታ ድማ ፍሽኽ እናበለት ኣመንዝራ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ካብቶም ኣዘውቲሮም ናብኣ ዝመጹ ዝነበሩ ዓማዊል: [ሃይማኖታውያን] ኣገልገልቲ ምንባሮም ተዛረበት። ቀጺላውን ‘ኣመናዝር ዘበላ ሃይማኖታውያን ሰባት ካብቶም ዝበለጹ ዓማዊለን ከም ዝዀኑ እየን ዚዛረባ’ ብምባል ሰሓቐት።”—ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትሕተም ናሽናል ካቶሊክ ሪፖርተር ዘርእስታ ጋዜጣ

ቀጺሉ ዚመጽእ እንታይ እዩ፧

ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ እዛ ዓለም ብሓሳረ መከራ እያ መሊኣ ዘላ። ይኹን እምበር: እቲ ብዛዕባ ‘ትእምርቲ ምምጻእ ክርስቶስን መወዳእታ ዓለምን’ ዚገልጽ ትንቢት ኣወንታዊ መዳይ ኣለዎ። የሱስ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 24:3, 14) እዚ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ይስበኽ ኣሎ። “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ” ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ድማ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምእዋጅ ብንጥፈት ይሳተፉ ኣለዉ። (ራእይ 7:9) እቲ ቕንኣት ዝመልኦ ንጥፈቶም እንታይ እዩ ዓሚሙ፧ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃና: እንታይ ከም እትገብር: ከምኡውን ነቲ እተምጽኦ በረኸት ብኸመይ ኪርከብ ከም ዚኽእል ዳርጋ ኣብ መላእ ምድሪ ንኺበጽሕ ገይሮም እዮም። ብርግጽ: ኣብዚ ‘ዘመን መወዳእታ ምስትውዓል እናወሰኸ ኸይዱ እዩ።’—ዳንኤል 12:4

ንስኻውን ካብዚ ፍልጠት እዚ ኽትጥቀም ኣሎካ። እቲ ብስራት ክሳዕ እቲ የሆዋ ዚደልዮ ምስ ተሰብከ: ቀጺሉ እንታይ ከም ዚኸውን እሞ ርአ። የሱስ “ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” በለ። (ማቴዎስ 24:14) ኣብቲ ግዜ እቲ ኣምላኽ ንዅሉ እከይ ካብ ምድሪ ኼልግሶ እዩ። ምሳሌ 2:22 “ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ: እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም” ትብል። ሰይጣንን ኣጋንንቱንከ እንታይ ኪዀኑ እዮም፧ ናብቲ ዳግማይ ንኣህዛብ ዘየስሕቱሉ መዓሙቝ ኪድርበዩ እዮም። (ራእይ 20:1-3) ‘እቶም ቅኑዓትን እቶም ፍጹማትን ከኣ ኣብ ምድሪ ኺተርፉ እዮም።’ በቲ ዜደንቕ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ኪሕጐሱ እዮም።—ምሳሌ 2:21፣ ራእይ 21:3-5

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

መወዳእታ ስርዓት ሰይጣን ምቕራቡ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቶም ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ምህላውና ዘየስተውዕሉ ሰባት: መወዳእታ ምስ መጸ ሃንደበታዊ ነገር ኪዀኖም እዩ። (ማቴዎስ 24:37-39፣ 1 ተሰሎንቄ 5:2) ስለዚ ድማ እዩ የሱስ ንሰማዕቱ ኸምዚ ዝበሎም:- “እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ: ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ: ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ።”—ሉቃስ 21:34-36

እቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ወዲ ሰብ ዝዀነ የሱስ ደው ዝበሉ ወይ ተቐባልነት ዚረኽቡ ሰባት ጥራይ እዮም ካብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ዚድሕኑ። ነዚ ተሪፉና ዘሎ ግዜ: ስምረት የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስ ንምድላይ ክንጥቀመሉስ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ! የሱስ ኣብቲ ንኣምላኽ ዘቕረቦ ጸሎት: “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) ስለዚ: ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ንሱ ኻባኻ ዚደልዮ ብቕዓትን ዝያዳ ኽትመሃር ምጽዓር ጥበባዊ መገዲ እዩ። ኣብ ማሕበረሰብካ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ንኽትርዳእ ተሓጕሶም ኪሕግዙኻ እዮም። ምስኦም ንኽትራኸብ ወይ ናብ ሓተምቲ እዛ መጽሔት ንኽትጽሕፍ ብኽብሪ ንዕድመካ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ምልክታት እተን ዳሕሮት መዓልትታት

ዓበይቲ ፍጻመታት:-

▪ ውግእ።—ማቴዎስ 24:6, 7

▪ ጥሜት።—ማቴዎስ 24:7

▪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ።—ማቴዎስ 24:7

▪ ፌራ።—ሉቃስ 21:11

▪ ምብዛሕ ዓመጻ።—ማቴዎስ 24:12

▪ ምዕናው ምድሪ።—ራእይ 11:18

ሰባት:-

▪ ፈተውቲ ርእሶም።—2 ጢሞቴዎስ 3:2

▪ ፈተውቲ ገንዘብ።—2 ጢሞቴዎስ 3:2

▪ ዕቡያት።—2 ጢሞቴዎስ 3:2

▪ ንወለዶም ዘይእዘዙ። —2 ጢሞቴዎስ 3:2

▪ ዘየማስዉ።—2 ጢሞቴዎስ 3:2

▪ ርኹሳት።—2 ጢሞቴዎስ 3:2

▪ ንስድራቤቶም ፍቕሪ ዜብሎም።—2 ጢሞቴዎስ 3:3

▪ ገዛእ ርእሶም ገቲኦም ዘይክእሉ።—2 ጢሞቴዎስ 3:3 ትርጕም 1990

▪ ጨካናት።—2 ጢሞቴዎስ 3:3

▪ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ።—2 ጢሞቴዎስ 3:4

▪ ግቡዛት ሃይማኖታውያን።—2 ጢሞቴዎስ 3:5

ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ:-

▪ ብዙሕ ፍልጠት ኣለዎም። —ዳንኤል 12:4

▪ ነቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ምድሪ ይሰብክዎ።—ማቴዎስ 24:14

[ምንጪ ስእሊ]

UNITED NATIONS/Photo by F. GRIFFING