ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ብዛዕባ የሱስ ምዝራብ ክንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ’

‘ብዛዕባ የሱስ ምዝራብ ክንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ’

“ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ”

‘ብዛዕባ የሱስ ምዝራብ ክንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ’

እዋኑ 33 ድ.ክ. እዩ ነይሩ: እቲ ቦታ ድማ ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ውቁብ ቤት ፍርዲ ሃገራዊ መጋባእያ ኣይሁድ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ: እቲ ዋዕላ ን12 ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ መርመሮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብዛዕባ የሱስ ይሰብኩ ስለ ዝነበሩ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ዮሃንስን ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ፍርዲ ንኻልአይ ሳዕ እዮም ቀሪቦም። እቶም ካልኦት ግን ንፈለማኦም እዩ ነይሩ።

እቲ ሊቀ ኻህናት ነቶም 12 ሃዋርያት ብዛዕባ እቲ ቕድሚ ሕጂ እተዋህቦም ትእዛዝ ነገሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ዮሃንስን ብዛዕባ የሱስ ምምሃር ንኼቋርጹ ምስ ተኣዘዙ: “ንሕናስ ነቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሐድግ ኣይኰነልናን እዩ እሞ: ካብ ንኣምላኽ ንኣኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑስ: እስኪ ባዕላትኩም ፍረዱ” ብምባል መለሱ። ደቀ-መዛሙርቲ የሱስ ትብዓት ንኺረኽቡ ድሕሪ ምጽላይ ድማ ነቲ ብስራት ምእዋጆም ቀጸሉ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:18-31

እቲ ሊቀ ኻህናት ቅድሚ ሕጂ ዝገበሮ ምፍርራህ ከይሰመረ ኸም ዝተረፈ ምስ ተረድአ: ኣብዚ ኻልኣይ መርመራ “በዚ ስም እዚ ኸይትምህሩዶ ኣምሪርና ኣይከልከልናኩምን፧ እንሆ ኸኣ: ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ ደም እቲ ሰብኣይ እቲ ናብ ልዕሌና ኸተምጽኡ ትደልዩ አሎኹም” በሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 5:28

ነቕ ዘይብል ቈራጽነት

ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና “ኻብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ኢሎም ብትብዓት መለሱ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) እምበኣር: እቲ ሰባት ክንገብሮ ዚሓቱና ነገራት ምስ ትእዛዛት ኣምላኽ ዚጋጮ ኣብ ዝዀነሉ እዋን: ካብ ንሰባት ንየሆዋ ኢና ኽንእዘዝ ዚግብኣና። a

እዚ ንኣምላኽ ዘለዎም ተኣማንነት ዜርኢ ቓላት እቶም ሃዋርያት: ንኣባላት እቲ ዋዕላ ኣገሪምዎም ኪኸውን ኣለዎ። እዞም መራሕቲ ሕብረተሰብ ኣይሁድ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምእዛዝ ምስ ዚሕተቱ: ብዘይጥርጥር “ንኣምላኽ ምእዛዝ” ኢሎም ኪምልሱ እዩ ዚግብኦም። ከመይሲ: ኣምላኽ ልዑላዊ ጐይታ እዚ ዩኒቨርስ ምዃኑ እዮም ዚኣምኑ።

ጴጥሮስ ንዅሎም ሃዋርያት ወኪሉ: ንኣገልግሎቶም ብዚምልከት ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ከም ዚግባእ ተዛረበ። በዚ ኸምዚ: እቶም ሃዋርያት እዙዛት ከም ዘይኰኑ ዚገልጽ ዝነበረ ኽሲ ዘይቅቡል ምዃኑ ገለጸ። ኣባላት እቲ ዋዕላ ኻብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ክትእዘዘሉ ዚግባእ እዋናት ከም ዘሎ ኻብ ታሪኽ ህዝቦም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። እተን ኣብ ግብጺ ዝነበራ ኽልተ መሕረስቲ: ነቶም ኣንስቲ እብራውያን ዝወለዳኦም ደቂ ተባዕትዮ ብህይወት ብምሕዳግ ካብ ንፈርኦን ንኣምላኽ ከም ዚፈርሃ ኣርኣያ። (ዘጸኣት 1:15-17) ንጉስ ህዝቅያስ እውን ኢዱ ንኺህብ ጸቕጢ ምስ ወረዶ: ካብ ንንጉስ ሰናክሬብ ንየሆዋ ተኣዘዘ። (2 ነገስት 19:14-37) ኣባላት እቲ ዋዕላ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ጽቡቕ ገይሮም እዮም ዚፈልጥዎ: ኣብኡ ድማ የሆዋ ንህዝቡ ኺእዘዝዎ ኸም ዚጽበ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ።—1 ሳሙኤል 15:22, 23

ተኣዛዝነት ዓስቢ ኣለዎ

ሓደ ኣባል እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ በቲ “ኻብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ዚብል ቃላት ተተንከፈ። ገማልኤል ዚበሃል ዓብዪ ኽብሪ ዚወሃቦ ዝነበረ ዳኛ ኣብቲ ብዕጹው እተገብረ ኣኼባ እቲ ዋዕላ: ነቲ ጥበባዊ ርእይቶኡ ንኺሰምዕዎ ኣእመኖም። ቅድሚኡ ዘጋጠመ ነገራት ከም ኣብነት ብምጥቃስ: ኣብ ዕዮ እዞም ሃዋርያት ኢድካ ምእታው ጥበባዊ ኸም ዘይኰነ ሓበሮም። ከምዚ ብምባል ድማ ዘረባኡ ዛዘመ:- “ምስ ኣምላኽ ክትብአሱ ኸይትርከቡስ: ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም: ገለ ኣይትበልዎም።”—ግብሪ ሃዋርያት 5:34-39

እቲ ገማልኤል ዘቕረቦ ልብምና ዝመልኦ ቓላት: እቲ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ነቶም ሃዋርያት ብናጻ ኸም ዚሓድጎም ገበሮ። ዋላኳ እንተ ተገርፉ: እቶም ሃዋርያት በቲ ዘጋጠሞም ነገር ኣይተዳህሉን። ኣብ ክንዳኡስ: ከምቲ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ “ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 5:42

እቶም ሃዋርያት ንስልጣን ኣምላኽ ልዕሊ ዅሉ ኽብ ኣቢሎም ብምርኣዮም ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዮም ረኺቦም! ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንየሆዋ ኸም ዝለዓለ ገዛኢኦም ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ምስ መምርሒ ኣምላኽ ዚጋጮ ነገራት ንኺገብሩ ምስ ዚእዘዙ: ከምቶም ሃዋርያት “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ብምባል እዮም ዚምልሱ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 2006 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መስከረም/ጥቅምቲ ርአ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧

ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሉቃስ: ነቲ ገማልኤል ኣብቲ ብዕጹው እተገብረ ኣኼባ እቲ ዋዕላ እተዛረቦ ነገራት ከመይ ገይሩ ፈለጦ፧ ምናልባት ብመንፈስ ኣምላኽ ብራእይ ተነጊርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ እውን ጳውሎስ (ተመሃራይ ገማልኤል ዝነበረ) ነቲ ገማልኤል እተዛረቦ ነገራት ንሉቃስ ነጊርዎ ይኸውን። ወይ ከኣ ሉቃስ: ንኣረኣእያ ሃዋርያት ይሰማምዓሉ ንዝነበረ ኣባል እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓቲቱ ይኸውን።