ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘እቶም ዋዕላ ኺእከቡ ጸውዑ’

‘እቶም ዋዕላ ኺእከቡ ጸውዑ’

‘እቶም ዋዕላ ኺእከቡ ጸውዑ’

እቲ ሊቀ ኻህናትን እቶም መራሕቲ ኣይሁድን ዚገብርዎ ሓርቢትዎም ነበረ። ነቲ ምስ የሱስ ክርስቶስ እተተሓሓዘ ምልዕዓል ብኸመይ ኪጭፍልቕዎ ይኽእሉ፧ ንየሱስ ከም ዚቕተል ብምግባር ኣሳልጦ እኳ እንተ ረኸቡ: ደቀ መዛሙርቱ ግን ንየሩሳሌም ብዛዕባ ትንሳኤኡ ብዚገልጽ ወረ መልእዋ። ብኸመይ ስቕ ምባሎም ይከኣል፧ እቲ ሊቀ ኻህናትን ደገፍቱን ነዚ ንምውሳን: “እቶም ዋዕላ” ማለት እቲ ላዕለዋይ መጋባእያ ህዝቢ ኣይሁድ “ጸውዑ።”—ግብሪ ሃዋርያት 5:21

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ እስራኤል: ሮማዊ ኣመሓዳሪ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ዝለዓለ ስልጣን ነበሮ። እቲ ዋዕላ ግን ምስ ጲላጦስ እንታይ ርክብ ነበሮ፧ ኣባላት እቲ ዋዕላ እንታይ ስልጣን ነበሮም፧ ነቲ ዋዕላ ዜቝምዎ መነመን እዮም ነይሮም፧ ብኸመይከ ይዓዩ ነበሩ፧

ኣመዓባብላ እቲ ዋዕላ

እታ “ዋዕላ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ብሓፈሻ ንኣኼባ ወይ ንጉባኤ ዚጥቀሙላ ዝነበሩ ቓል እያ። ብመሰረት ትውፊት ኣይሁድ: ነቲ ሃያማኖታዊ ኣካል ፍርዲ: ወይ መጋባእያ እያ እተመልክት።

ጸሓፍቲ እቲ ታልሙድ ዚበሃል ድሕሪ እቲ ብ70 ድ.ክ. ዘጋጠመ ጥፍኣት የሩሳሌም እተጠርነፈ ጽሑፍ ነቲ ዋዕላ ኸም ሓደ ጥንታዊ ኣካል ገይሮም እዮም ዚገልጽዎ። ኣብ ሕጊ ኣይሁድ ብዛዕባ ዚርከብ እተፈላለየ ነጥብታት ንኺዝትዩ ብዚእከቡ ምሁራት ዝቘመ ምዃኑን ካብቲ ሙሴ ን70 ዓበይቲ ሰባት ንእስራኤል ንምምራሕ ዝኣከበሉ እዋን ከም ዝጀመረን እዮም ዚሓስቡ። (ዘሁልቍ 11:16, 17) ጸሓፍቲ ታሪኽ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣይቅበልዎን እዮም። ክሳዕ እቲ ፋርስ ንእስራኤል እትገዝኣሉ ዝነበረት እዋን: ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ዋዕላ ዚመሳሰል ነገር ከም ዘይነበረ ይሕብሩ። ጸሓፍቲ ታሪኽ: እቲ ታልሙዳውያን ብዛዕባ እዚ ብምሁራት ዝቘመ ኣካል ዘለዎም ኣምር: ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ዋዕላ ንላዕሊ: ምስቲ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዘመን ዝነበረ ኣኼባታት መምህራን ኣይሁድ ከም ዚቀራረብ እውን ይኣምኑሉ እዮም። እሞ ደኣ እቲ ዋዕላ መዓስ እዩ ተመስሪቱ፧

ብ537 ቅ.ክ. ካብ ባቢሎን ናብ ይሁዳ እተመልሱ ምሩኻት: ሃገራዊ ውድብ ከም ዘቘሙ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና እዩ። ነህምያን እዝራን: ምናልባት ነቲ ናይ መጻኢ ዋዕላ ዝጀመሩ ሓላቑን ዓበይትን ከበርተን ጠቒሶም ኣለዉ።—እዝራ 10:8፣ ነህምያ 5:7

እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኻብ እተዛዘመሉ እዋን ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ወንጌል ማቴዎስ እተጻሕፈሉ እዋን ዝነበረ ግዜ: ኣይሁድ ብዙሕ ህውከት እዩ ነይርዎም። ብ332 ቅ.ክ. ኣለክሳንደር ዓብዪ ንይሁዳ ተቘጻጸራ። ኣለክሳንደር ምስ ሞተ: ይሁዳ ኣብ ትሕቲ ኽልተ ኽፋል ግዝኣቱ ዝነበራ መንግስትታት: ማለት ፈለማ ኣብ ትሕቲ እንዳ ቶለሚ: ድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ እንዳ ሰሉከስ ወደቐት። ኣብቲ እንዳ ሰሉከስ ካብ 198 ቅ.ክ. ንኣይሁድ ኪገዝኡሉ ዝጀመሩ እዋን ንመጀመርታ ግዜ ባይቶ ኣይሁድ ቈመ። እዚ ኣኼባ እዚ እተወሰነ ስልጣን እዩ ነይርዎ ኪኸውን ዚኽእል፣ ኰይኑ ግን ንኣይሁድ ርእሰ-ምምሕዳር ከም ዘለዎም መሰሎም።

ብ167 ቅ.ክ. እቲ ኻብ ስርወ-ንግስነት ሰሉከስ ዝዀነ ንጉስ ኣንቲከስ ራብዓይ (ኢፒፋነስ) ባህሊ ግሪኽ ኣብ ኣይሁድ ኪጽዕን ፈተነ። ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ኣብ ዝነበረ መሰውኢ ንዙስ ሓሰማ ብምስዋእ: ነታ ቤተ መቕደስ ኣርከሳ። እዚ ዕልዋ ኣለዓዓለ: ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ መቃባውያን ካብ ግዝኣት ስርወ-ንግስነት ሰሉከስ ብምውጻእ: ስርወ-ንግስነት ሃስሞናውያን ኣቘሙ። a ኣብቲ ግዜ እቲ: እቶም ነቲ ዕልዋ ዝደገፉ መራሕቲ ሓፋሽ ዝነበሩ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብቲ ምምሕዳር እታ ሃገር ነቲ ብኻህናት ተታሒዙ ዝነበረ ስልጣን ረኸቡ።

በዚ ኸምዚ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ተገሊጹ ዘሎ ዋዕላ: ቅርጺ ኺሕዝ ጀመረ። ንሃገር ዜመሓድር ዋዕላን ንሕጊ ኣይሁድ ብምትርጓም ዝመጸ ላዕለዋይ ፍርዳዊ ኣካልን ኰነ።

ሚዛን እቲ ስልጣን

ኣብ ቀዳማይ ዘመን: ሮሜ ንይሁዳ ትገዝኣ ነበረት። ኣይሁድ ግን እተወሰነ ናጽነት ነበሮም። ሮሜ ንተገዛእታ ህዝብታት ርእሰ-ውሳነ ናይ ምሃብ ፖሊሲ ነበራ። ስለዚ: ሰበ-ስልጣን ሮሜ ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ እታ ዓዲ ኣብ ዚፍጸም ዝነበረ ጕዳያት ኣእዳዎም ኣየእትዉን ነበሩ: ካብቲ ብሰንኪ ባህላዊ ፍልልያት ኪለዓል ዚኽእል ዝነበረ ጸገማት ከኣ ይርሕቑ ነበሩ። ከምዚ ዝገበሩ: ነቶም ኣብቲ ኣውራጃ ዚርከቡ ተገዛእቲ ብመሰረት ልምድታቶም ንኺመላለሱን ርእሶም ንኼመሓድሩን ብምፍቃድ ሰላምን ተኣማንነትን ከም ዚሰፍን ንምግባር እዩ። ሮማውያን ነቲ ፕረዚደንት እቲ ዋዕላ ዝነበረ ሊቀ ኻህናት ካብ ምሻምን ምቕንጣጥን ከምኡውን ግብሪ ኻብ ምእካብ ሓሊፎም: ልዑላውነቶምን ጥቕሞምን ኪትንከፍ ከሎ እንተ ዘይኰይኑ ጣልቃ ኣይኣትዉን ነበሩ። ከምቲ ኣብቲ የሱስ እተፈርደሉ ኣገባብ እተራእየ: ሮሜ ናይ ሞት ፍርዲ ናይ ምሃብ ስልጣን ንዓኣ ዓቂባቶ ዝነበረት እዩ ዚመስል።—ዮሃንስ 18:31

ስለዚ: እቲ ዋዕላ ንመብዛሕትኡ ውሽጣዊ ጕዳያት ኣይሁድ የካይድ ነበረ። ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ንምእታው ዜገልግሉ ዓቀይቶት ነበርዎ። (ዮሃንስ 7:32) ታሕተዎት ኣብያተ-ፍርዲ: ብዘይ ናይ ሮማውያን ጣልቃ ምእታው ንንኣሽቱ ገበናትን ስቪላዊ ጕዳያትን ይፈርዳ ነበራ። እተን ታሕተዎት ኣብያተ-ፍርዲ ኣብ ወሳነ ኺበጽሓ ምስ ዘይክእላ: ናብቲ ዋዕላ ይቐርብ: እቲ ብይን ከኣ ናይ መወዳእታ ይኸውን ነበረ።

እቲ ዋዕላ ነቲ ስልጣኑ ሒዙ ምእንቲ ኪቕጽል: ሰላምን ደገፍን ግዝኣት ሮሜ ኺሕሉ ነበሮ። እቶም ሮማውያን ባህ ዘይበሎም ፖለቲካዊ ነገራት እንተ ኣጋጢምዎም ግን: ጣልቃ ይኣትዉን ኣድላዪ ስጕምቲ ይወስዱን ነበሩ። ንኣብነት: ንሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዘእተውዎ: ኣብ መንጎ ኣይሁድ ጣልቃ ብምእታው እዩ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 21:31-40

ኣባልነት እቲ መጋባእያ

እቲ ዋዕላ 71 ኣባላት: ማለት እቲ ሊቀ ኻህናትን 70 ኣውራታትን እታ ሃገርን ነበርዎ። ብግዜ ሮማውያን በቶም ልዑላን ካህናት (ብቐንዱ ሰዱቃውያን): ካህናት ዘይኰኑ ኣሪስቶክራት: ከምኡውን በቶም ምሁራት ክፍሊ እቶም ፈሪሳውያን ዝዀኑ ጸሓፍቲ ዝቘመ እዩ ነይሩ። እቶም ልዑላን ካህናት: በቶም ካህናት ዘይኰኑ ምርኡያት እናተደገፉ ነቲ መጋባእያ ይዕብልልዎ ነበሩ። b እቶም ሰዱቃውያን ዓቃባውያን ኪዀኑ ኸለዉ: እቶም ፈሪሳውያን ከኣ ለውጥታት ዜምጽኡን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ህዝቢ ዓብዪ ጽልዋ ዝነበሮምን ተራ ሰባት እዮም ነይሮም። ብመሰረት እቲ ጆሰፈስ ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ ዝበሎ: እቶም ሰዱቃውያን ነቲ እቶም ፈሪሳውያን ዜቕርብዎ ዝነበሩ ጠለብ ከይፈተዉ እዮም ዚቕበልዎ ነይሮም። ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ንርእሱ ኺመጻረየላ ኸሎ: ነዚ ንሕንሕን ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ፍልልይ እምነትን ተጠቒሙሉ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 23:6-9

እቲ ዋዕላ ኣሪስቶክራስያዊ ብምንባሩ: ኣባልነት ነባሪ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ባዶ ቦታ ምስ ዚፍጠር ድማ ንምምላኡ እቶም ዝተረፉ ኣባላት: ሰባት ይሸሙ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ብመሰረት እቲ ሚሽናህ: እቶም ሓደስቲ ኣባላት “ካህናትን ሌዋውያንን ኣዋልዶም ንኻህናት ኬመርዕዉ ዚፍቀደሎም እስራኤላውያንን” ኪዀኑ ነበሮም። እዚ ማለት ከኣ ንጽህና ዘርኦም ዜመስክር መዝገብ ወለዶ ኬቕርቡ ዚኽእሉ ኣይሁድ ኪዀኑ ነይርዎም ማለት እዩ። እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንስርዓት ፍርዲ ምልእቲ እታ ሃገር ስለ ዚቈጻጸር: ኣብ ታሕተዋይ ኣብያተ-ፍርዲ ስሙያት ዝዀኑ ሰባት ኣብቲ ዋዕላ መንበር ይረኽቡ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም።

ስልጣን

ኣይሁድ ነቲ ዋዕላ ኣዝዮም የኽብርዎ ነበሩ: ኣብ ታሕተዎት ኣብያተ-ፍርዲ ዚርከቡ ደያኑ ኸኣ ነቲ ዚውሰን ውሳነ ኪቕበልዎ ነበሮም: እንተ ዘይተቐቢሎምዎ ኪቕተሉ ይኽእሉ ነበሩ። እቲ መጋባእያ ብፍላይ ንብቕዓታት ካህናት ከምኡውን ንየሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ኣብኡ ዚግበር ኣምልኾን ዚምልከት ጕዳያት የገድሶ ነበረ። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: እቲ ዋዕላ ዝነበሮ ስቪላዊ ስልጣን ኣብ ይሁዳ እተሓጽረ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን ንሕጊ ሙሴ ኣብ ምትርጓም ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ጌርካ ይርአ ብምንባሩ: ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ዚርከቡ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ቅኑዕን ጌጋን ናይ ምውሳን ጽልዋ ነበሮ። ንኣብነት: እቲ ሊቀ ኻህናትን ኣማኸርቱን ነቶም መራሕቲ እተን ኣብ ደማስቆ ዝነበራ ኣባይቲ ጸሎት: ንሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብ ምእሳር ኪተሓባበሩ መምርሒ ጸሓፉሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 9:1, 2፣ 22:4, 5፣ 26:12) ብተመሳሳሊ: በዓል ንምብዓል ናብ የሩሳሌም ዚኸዱ ኣይሁድ: ብዛዕባ እቲ ዋዕላ ዘውጽኦ ኣዋጃት ዚገልጽ ወረ ሒዞም ናብ ዓዶም ይምለሱ ነይሮም ይዀኑ።

ብመሰረት ሚሽናህ: እቲ ዋዕላ ኣብ ሃገራዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ጕዳያት: ኣብቶም ውሳነታቱ ምቕባል ዝኣበዩ ደያኑ: ከምኡውን ኣብ ፍርዲ ናይ ሓሶት ነብያት ንበይኑ ስልጣን ነበሮ። የሱስን እስጢፋኖስን ብምጽራፍ: ጴጥሮስን ዮሃንስን ንህዝቢ ብምንዓብ: ጳውሎስ ከኣ ንቤተ መቕደስ ብምርካስ እዮም ተኸሲሶም ኣብ ቅድሚ እቲ መጋባእያ ዝቐረቡ።—ማርቆስ 14:64፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:15-17፣ 6:11፣ 23:1፣ 24:6

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን እተፈርድዎ ፍርዲ

እቲ ዋዕላ ብዘይካ ኣብ ሰናብትን በዓላትን: ካብቲ ንግሆ ዚቐርብ መስዋእቲ ኽሳዕ እቲ ምሸት ዚቐርብ መስዋእቲ ኣብ ዘሎ እዋን ውሳነ ንምግባር ይቕመጥ ነበረ። ጕዳይ ኪተሓዝ ዚከኣል ኣብ ግዜ መዓልቲ ጥራይ እዩ ነይሩ። ናይ ሞት ፍርዲ ነቲ ጕዳይ ድሕሪ ምስማዕ ንጽብሒቱ ብይን ይንገር ብምንባሩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ድሮ ሰንበት ወይ ድሮ በዓል ኣይተሓዝን ነበረ። መሰኻኽር ንጹህ ደም ከየፍስሱ ሓያል ማዕዳ ይወሃቦም ነበረ። ስለዚ: እቲ ድሮ በዓል ኣብ ቤት ቀያፋ ብለይቲ እተገብረ ንጕዳይ የሱስ ዚምልከት መርመራን ብይንን ሕጋዊ ኣይነበረን። እቲ ዝገደደ ኸኣ: እቶም ደያኑ ባዕሎም ናይ ሓሶት መሰኻኽር ደለዩ: ንጲላጦስ እውን ንየሱስ ንኪቕተል ኣሕሊፉ ንኺህቦ ኣእመንዎ።—ማቴዎስ 26:57-59፣ ዮሃንስ 11:47-53፣ 19:31

እቶም ናይ ሞት ፍርዲ ኼፍርድ ዚኽእል ጕዳይ ዝሓዙ ደያኑ: ነቲ ጕዳይ ብህድኣት ብምሓዝ ነቲ ኽሱስ ኬድሕንዎ ይጽዕሩ ኸም ዝነበሩ ታልሙድ ይገልጽ እዩ። ኰይኑ ግን: እስጢፋኖስ እውን ከምቲ ቕድሚኡ ንየሱስ ዘጋጠሞ: ከምዚ ዓይነት መርመራ ኣይተገብረሉን። ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ መከላኸሊ ነጥቡ ምስ ኣቕረበ: ጭፍራ ሰባት ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። ሮማውያን ኣብ ጕዳይ ሃዋርያ ጳውሎስ ጣልቃ እንተ ዘይኣትዉ ነይሮም: ጳውሎስ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ምተቐትለ። አረ ኣብቲ ዋዕላ ዚርከቡ ደያኑ እውን ንኪቕተል ውዲት ኣሊሞምሉ እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 6:12፣ 7:58፣ 23:6-15

ይኹን እምበር: እንተ ወሓደ ሒደት ኣባላት እቲ መጋባእያ: ብስርዓት ዚመላለሱ ሰብኡት ዝነበሩ እዩ ዚመስል። እቲ ንየሱስ እተዛረቦ ጐበዝ ገዛኢ ኣይሁድ: ኣባል እቲ ዋዕላ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሃብቲ እቲ ሰብኣይ ዕንቅፋት እኳ እንተ ዀኖ: የሱስ ሰዓቢኡ ኪኸውን ካብ ዓደሞ ጽቡቕ ባህርያት ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ።—ማቴዎስ 19:16-22፣ ሉቃስ 18:18, 22

እቲ “ሓለቓ ኣይሁድ” ዝነበረ ኒቆዲሞስ እቶም ብጾቱ ደያኑ እንታይ ይብሉኒ ኢሉ ስለ ዝፈርሀ እዩ ዚኸውን: ንየሱስ ጸልማት ተጐልቢቡ ኺበጽሖ ዝኸደ። ኰይኑ ግን: ኒቆዲሞስ “ሕግናኸ ንሰብዶ: ቅድም ከይተሰምዔን እቲ ዝገበሮ ኸይተፈልጠን: ይፈርዶ እዩ፧” ብምባል: ንየሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ተጣበቐሉ። ጸኒሑ ንስጋ የሱስ ንቐብሪ ንምድላው “ከርበን ዓልወን” ኣምጽአ።—ዮሃንስ 3:1, 2፣ 7:51, 52፣ 19:39

ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ ዚበሃል ካልእ ኣባል እቲ ዋዕላ እውን: ደፊሩ ናብ ጲላጦስ ኣትዩ ስጋ የሱስ ለመኖ: ኣብ መቓብሩ ድማ ኣንበሮ። ዮሴፍ ‘ንመንግስቲ ኣምላኽ ይጽበያ እዩ ነይሩ:’ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሀ ግን ወደ መዝሙር የሱስ ምዃኑ ኼፍልጥ ኣይደለየን። ኰይኑ ግን: ንየሱስ ንምቕታል ኣብ ዝገበርዎ ውዲት ምስቶም ኣባላት እቲ ዋዕላ ኣብቲ ውዲቶም ብዘይምጽንባሩ ዚነኣድ እዩ።—ማርቆስ 15:43-46፣ ማቴዎስ 27:57-60፣ ሉቃስ 23:50-53፣ ዮሃንስ 19:38

ገማልኤል ዚበሃል ኣባል እቲ ዋዕላ: ነቶም ብጾቱ ደያኑ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪሓድግዎም ጥበባዊ ምኽሪ ሂብዎም እዩ። “ምስ ኣምላኽ ክትብአሱ ኸይትርከቡ” ድማ በሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:34-39) እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ደገፍ ኣምላኽ ከም ዘለዎም ኣፍልጦ ዘይሃቦም ስለምንታይ እዩ፧ እቶም ኣባላት እቲ ዋዕላ ንተኣምራት የሱስ ኣብ ክንዲ ዚቕበሉ: “እዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር አሎ እሞ: እንታይ ንግበር፧ ከምዚ እንተ ሐደግናዮ: ኵሉ ብእኡ ኺአምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም” ኢሎም ሓሰቡ። (ዮሃንስ 11:47, 48) ንስልጣን ካብ ዝነበሮም ህርፋን እተላዕለ: ኣብቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ንፍትሒ ረገጽዋ። ብተመሳሳሊ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንሰባት ምስ ኣሕወዩ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ክንዲ ዚሕጐሱ: “ቅንኣት መሊእዎም ተንስኡ።” (ግብሪ ሃዋርያት 5:17) ደያኑ ኸም ምዃኖም መጠን: ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎምን ፍትሓውያንን ኪዀኑ ነበሮም: መብዛሕትኦም ግን ብልሹዋትን መታለልትን እዮም ነይሮም።—ዘጸኣት 18:21፣ ዘዳግም 16:18-20

ፍርዲ ኣምላኽ

እስራኤላውያን ንሕጊ ኣምላኽ ብዘይምሕላዎምን ነቲ መሲህ ብዘይምቕባሎምን: የሆዋ ኣብ መወዳእታ ሕሩይ ህዝቢ ኻብ ምዃን ነጸጎም። ብ70 ድ.ክ. ሮማውያን ንኸተማ የሩሳሌምን ንቤተ መቕደሳን ንብምሉኡ ስርዓት ኣይሁድን ኣጥፍኡ: ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ዋዕላ ጠፍአ።

እቲ የሆዋ ዝሸሞ ዳኛ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ: ገለ ኣባላት እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ዋዕላ ኺትንስኡ ዚበቕዑ እንተ ዀይኖም ኪውስን እዩ፣ ገለ ኻባታቶም ከኣ ኣብ መንፈስ ቅዱስ እዮም ሓጢኦም። (ማርቆስ 3:29፣ ዮሃንስ 5:22) የሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነታት ኪውስን ከሎ: ብፍጹም ፍትሒ ኸም ዚገብሮ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 11:3-5

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ መቃባውያንን ሃስሞናውያንን ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ: ናይ 15 ሕዳር 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 21-4 ከምኡውን ናይ 15 ሰነ 2001 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 27-30 ተወከስ።

b መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም “ሊቃውንቲ ኻህናት” ኪዛረብ ከሎ: ነቶም ኣብ ሕሉፍ እዋን ሊቀ ኻህናት ዝነበሩን ነቲ ሽዑ ሊቀ ኻህናት ዝነበረን ኣብ መጻኢ ነቲ ልዑል ቦታ ኽህነት ኪሕዙ ብቕዓት ዘለዎም ኣባላት ስድራቤትን እዩ ዜመልክት።—ማቴዎስ 21:23