ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መጽሓፍ ምሳሌ ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ መጽሓፍ ምሳሌ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ መጽሓፍ ምሳሌ ዚጐልሕ ነጥብታት

ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን “ሰለስተ ሽሕ ምስላ . . . መሰለ።” (1 ነገስት 4:32) ነዚ ጥበባዊ ብሂላት እዚ ኽንረኽቦ ንኽእል ዲና፧ እወ: ንኽእል ኢና። እታ ብ717 ቅ.ክ. እተዛዘመት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ምሳሌ: ሓያሎ ምስላታት ሰሎሞን ሒዛ ኣላ። እተን ናይ መወዳእታ ኽልተ ምዕራፋት ጥራይ እየን ብኻልኦት ከም እተጻሕፋ ተገሊጸን ዘለዋ፣ እቶም ጸሓፍቲ ኸኣ ኣጉር ወዲ ያቄን ንጉስ ልሙኤልን እዮም። ይኹን እምበር: ገለ ሰባት ልሙኤል: ካልእ ስም ሰሎሞን ምዃኑ ይኣምኑ እዮም።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ዚርከብ መንፈስ ዝነፈሶ ብሂላት: ክልተ ዕላማ ኣለዎ: ማለት “ጥበብን ተግሳጽን ንምፍላጥ” ይሕግዝ። (ምሳሌ 1:2) ነታ ንነገራት ብንጹር ንኽንግንዘብን ጸገማት ንምፍታሕ ፍልጠት ንኽንጥቀምን እተድልየና ጥበብ ከነጥሪ ይሕግዘና። በቲ ብሂላት እቲ ኣቢልና: ተግሳጽ ወይ ስነ-ምግባራዊ ስልጠና ንቕበል። ነቲ ምስላታት ምቕላብን ማዕዳኡ ምስዓብን ንልብና ኺጸልዎ: ንሓጐስና ኣበርክቶ ኺገብር: ከምኡውን ናብ ኣሳልጦ ኺመርሓና ይኽእል እዩ።—እብራውያን 4:12

‘ንጥበብ ኣጥርያ: ንተግሳጽ ሓዛ’

(ምሳሌ 1:1–9:18)

ሰሎሞን: “ጥበብ ኣብ ወጻኢ ትጭድር” በለ። (ምሳሌ 1:20) ነቲ ዓው ዝበለን ንጹርን ድምጻ ስለምንታይ ኢና ኽንሰምዕ ዘሎና፧ ምዕራፍ 2 ጥበብ ብምጥራይ ዚርከብ ብዙሕ ረብሓታት ትገልጽ። ኣብ ምዕራፍ 3 ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ብኸመይ ከም እትምስርት ተገሊጹ ኣሎ። ድሕሪኡ ሰሎሞን: “ጥበብ ኣውራ ነገር እያ እሞ: ንጥበብ ኣጥርያ: እወ: ብዅሉ ጥሪትካ ንምስትውዓል ኣጥርያ: . . . ንተግሳጽ ሐዛ: ኣይትሕደጋ” በለ።—ምሳሌ 4:7, 13

ካብ ዘይስነ-ምግባራዊ መገድታት እዛ ዓለም እዚኣ ንኽንርሕቕ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ እታ ኣብ ምሳሌ እትርከብ 5ይቲ ምዕራፍ: ናይ ምሕሳብ ክእለት ክንጥቀምን ነቲ ዜታልል መገዲ እዛ ዓለም ክንፈልጦን ብምምሕጻን ትምልሰልና። ብዕሉግ ተግባር ምፍጻም ዜስዕቦ ሕማቕ ሳዕቤን እውን ንኽንሓስበሉ ትሕግዘና። እታ እትቕጽል ምዕራፍ ካብቲ ምስ የሆዋ ንዘሎና ርክብ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ተግባራትን ኣረኣእያታትን ክንርሕቕ ተጠንቅቐና። እታ 7ይቲ ምዕራፍ ብዕሉግ ሰብ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ብንጹር እያ እትገልጽ። ኣብ ምዕራፍ 8 ዋጋ ጥበብን ዘቕረበቶ ምሕጽንታን ብዚማርኽ መገዲ ቐሪቡ ኣሎ። እታ 9ይቲ ምዕራፍ: ነቲ ቕድሚኡ እተጠቕሰ ምስላታት መዛዘሚት እትኸውን እተነቓቕሕ ምዕራፍ እያ: ንጥበብ ንኽንስዕባ ብዚድርኸና ዜደንቕ ምሳሌ ኸኣ እያ ቐሪባ ዘላ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

 1:7፣ 9:10—ፍርሃት የሆዋ “ንጥበብ [“ንፍልጠት:” NW] መጀመርያኣ” ከምኡውን “መጀመርታ ጥበብ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ ፈጣሪ ዅሉ ነገራትን ደራሲ ቕዱሳት ጽሑፋትን ስለ ዝዀነ: ብዘይ ፍርሃት የሆዋ: ፍልጠት ኪህሉ ኣይክእልን እዩ። (ሮሜ 1:20፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) የሆዋ ምንጪ ዅሉ ናይ ሓቂ ፍልጠት እዩ። ስለዚ: ፍልጠት ንየሆዋ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ብምሕዳር እዩ ዚጅምር። ብዘይ ፍልጠት: ጥበብ ኪህሉ ስለ ዘይክእል: ፍርሃት ኣምላኽ መጀመርታ ጥበብ እውን ኪበሃል ይከኣል እዩ። ብተወሳኺ: ፍርሃት የሆዋ ዘይብሉ ሰብ: ንዝዀነ ይኹን ፍልጠቱ ንፈጣሪ ንምኽባር ኣይጥቀመሉን እዩ።

5:20፣ 7:5adj.—ኣመንዝራ “ጓና ሰበይቲ” ተባሂላ እተጸውዐት ስለምንታይ እያ፧ ምሳሌ 2:16, 17 ነታ “ዘማዊት” ሰበይቲ “ንፈታዊ ንእስነታ ዝሐደገቶ” ኢሉ ገሊጽዋ ኣሎ። ዝዀነ ይኹን ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዜምልኽ ሰብ ወይ ባዕሉ ንርእሱ ንሕጊ ሙሴ ጓና ኸም ዚኸውን ዝገበረ ሰብ: እንተላይ ኣመንዝራ ማለት እዩ: ጓና ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ ነይሩ።—ኤርምያስ 2:25፣ 3:13

7:1, 2—እቲ “ቓላተይ” ከምኡውን “ትእዛዛተይ” ተባሂሉ ዘሎ እንታይ የጠቓልል፧ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ወለዲ ንኣባላት ስድራቤቶም ንኺጠቅም ኢሎም ዜውጽእዎ ሕግታት ወይ መምርሒታት እውን የጠቓልል። ቈልዑን መንእሰያትን በዝን በቲ ኻብ ወለዶም ዚወሃቦም ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታትን ኪቕየዱ ኣለዎም።

8:30—“ሰራሕተኛ” ወይ “ወሓለ” (ትርጕም 1990) ተባሂሉ ዘሎ መን እዩ፧ ጥበብ ከም ሰብ ብምምሳል ንርእሳ ወሓለ ሰራሕተኛ ኢላ ጸዊዓ ኣላ። እዚ መሰሌታ ሰብ እዚ ንባህርያት ጥበብ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ነቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ሰብኣዊ ህላወኡ እተመልክት እያ። ካብቲ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ እተወልደሉ ነዊሕ እዋን ኣቐዲሙ: ‘እግዚኣብሄር ቅድሚ ዅሉ ጥንታዊ ግብሩ ወለዶ’ ወይ ፈጠሮ። (ምሳሌ 8:22 ትርጕም 1990) ንሱ ድማ ከም “ወሓለ” “ሰራሕተኛ” መጠን: ንዅሉ ነገራት ኣብ ምፍጣር ምስ ኣቦኡ ዀይኑ ብንጥፈት ሰሪሑ እዩ።—ቈሎሴ 1:15-17

9:17—“ናይ ስርቂ ማይ” እንታይ እዩ፧ ጥዑም ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ መንጎ ሓዳር ዚግበር ጾታዊ ተግባራት: ካብ ዔላ ባህ ዜብል ማይ ምስ ምስታይ ስለ ዜመሳስሎ: ናይ ስርቂ ማይ ምስጢራዊ ጾታዊ ርክባት እዩ ዜመልክት። (ምሳሌ 5:15-17) እዚ ኸይተፈልጠ ብምስጢር ዚግበር ብምዃኑ: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ማይ: ጥዑም ከም ዚመስል ይገብሮ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:10-14 ሓጥኣን ሃብቲ ንኽንረክብ መብጽዓ ብምእታው ናብቲ እኩይ መገድታቶም ከይሓባብሉና ኽንጥንቀቕ ኣሎና።

3:3 ሕያውነትን ሓቅን ኣኽቢርና ኽንርእየን ኣሎና: ከምቲ ኣብ ክሳድ ዚእሰር ስልማት ብግህዶ ንኻልኦት ከነርእየን ኣሎና። ነዘን ባህርያት እዚኣተን ኣብ ልብና ኽንቀርጸን: ማለት ክፍሊ እንታይነትና ኽንገብረን ኣሎና።

4:18 መንፈሳዊ ፍልጠት በብቝሩብ እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ። ካብቲ ብርሃን ንኸይንወጽእ: ትሕትናን ዓቕልን ኪህልወና ኣለዎ።

5:8 ብዕሉግ ጽልዋታት ብሙዚቃ: ብመዘናግዒ: ብመርበብ ሓበሬታ: ወይ ብመጻሕፍትን መጽሔታትን ኣቢሉ ይምጻእ ብዘየገድስ: ካብኡ ኽንርሕቕ ኣሎና።

5:21 ንየሆዋ ዜፍቅሮ ሰብ ነቲ ምስ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ብቕጽበታዊ ተድላ ይቕይሮዶ፧ ፈጺሙ ኣይቅይሮን እዩ! ስነ-ምግባራዊ ንጽህና ንምሕላው ልዕሊ ዅሉ ዚድርኸና ነገር: የሆዋ መገድና ኸም ዚርእን ተሓተትቲ ኸም ዚገብረናን ምፍላጥ እዩ።

6:1-5 ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ‘ዋሕስ’ ንኸይንኸውን ማለት ብዘይጥበባዊ መገዲ ገንዘባዊ ትሕጃ ኸይንገብር ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ማዕዳ ዀን እዩ ተዋሂቡና! ነቲ ዝወሰድናዮ ስጕምቲ ተጠንቂቕና ድሕሪ ምምርማርና ዘይጥበባዊ ዀይኑ እንተ ረኺብናዮ: ‘ንብጻይና ኽንንዝንዞን’ ነቲ ጕዳይ ንምዕራይ ዚከኣለና ኽንገብርን ኣሎና።

6:16-19 እዘን ሸውዓተ መሰረታዊ ነገራት: ዳርጋ ንዅሉ ዓይነት ኣበሳ ይሽፍና። ነዚኣተን ክንጸልአን ኣሎና።

6:20-24 ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣተዓባብያ ኣብ መፈንጠራ ጾታዊ ርኽሰት ንኸይንወድቕ ዕቝባ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወለዲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስልጠና ኻብ ምሃብ ዕሽሽ ኪብሉ የብሎምን።

7:4 ንጥበብን ንኣእምሮን ክንፈትወን ኣሎና።

ዚመርሓና ምስላታት

(ምሳሌ 10:1–29:27)

እቲ ምስላታት ሰሎሞን ሒዝዎ ዘሎ መዘኻኸሪታት ሓጺርን ንጹርን ብሂላት እዩ። መብዛሕትኡ ብምንጽጻርን ብምምስሳልን ብምውድዳርን ዝቐረበ ኪኸውን ከሎ: ንኣኻይዳን ኣዘራርባን ኣረኣእያን ብዚምልከት ሓያል ትምህርትታት ኣለዎ።

ካብ ምዕራፍ 10 ኽሳዕ 24 ኣድላይነት ፍርሃት የሆዋ የጕልሓ። ካብ ምዕራፍ 25 ክሳዕ 29 ዚርከባ ምስላታት: “ናይ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሰባት” ዝኣኻኸብወን እየን። (ምሳሌ 25:1) እዘን ምስላታት እዚኣተን ኣብ የሆዋ ኽንምርኰስ ከም ዘሎናን ካልእ ኣድላዪ ትምህርትታትን ይምህራ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

10:6—‘ኣፍ ረሲኣን ዓመጽ ዚኽውል’ ብኸመይ እዩ፧ ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ረሲኣን ብጥዑም ዘረባ ገይሮም ነቲ ንኻልኦት ንኺጐድኡ ዝሓሰብዎ ተንኰል ስለ ዚሽፍንዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ረሲኣን ብሓፈሻኡ ስለ ዚጽልኡ: እቲ ኻብ ካልኦት ዜጋጥሞም ጽልኢ ስቕ ስለ ዜብሎም ኪኸውን ይኽእል እዩ።

10:10—“ብዓይኑ ዚጠቅስ” መከራ ዜምጽእ ብኸመይ እዩ፧ “ሕሱም ሰብ” “ወስላታ ኣፍ” ይጥቀም ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ድራኼኡ ብኣካላዊ ምንቅስቓስ: ንኣብነት ‘ብዓይኑ ብምጥቃስ’ ኪሓብኦ ይፍትን እዩ። (ምሳሌ 6:12, 13) ከምዚ ዓይነት ምትላል: ነቲ ዚታለል ሰብ ብዙሕ ኣእምሮኣዊ ጓሂ ኼምጽኣሉ ይኽእል እዩ።

10:29—“መገዲ እግዚኣብሄር” እንታይ እያ፧ ኣብዚ መገዲ የሆዋ ተባሂላ ዘላ: ነታ ኽንመላለሰላ ዘሎና መገዲ ህይወት ዘይኰነትስ: ኣምላኽ ምስ ሰባት ዘለዎ ርክብ እያ እተመልክት። ኣምላኽ ምስ ሰባት ዘለዎ ርክብ ኪበሃል ከሎ: ንንጹህ ዕቝባ: ንረሲእ ከኣ ጥፍኣት ማለት እዩ።

11:31—ረሲእ ካብ ጻድቕ ዝገደደ ኺፍደ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ኣብዚ ዚፍደ ነገር: እቲ ነፍሲ ወከፎም ዚቕበልዎ መቕጻዕቲ እዩ ዜመልክት። ጻድቕ ኪጋገ ኸሎ: ብተግሳጽ ይፍደ። ረሲእ ደይ መደይ ኢሉ ይሓጥእ: ጽቡቕ ምግባር ድማ ይኣቢ። እምበኣር: ዝገደደ መቕጻዕቲ ይግብኦን ይወሃቦን እዩ።

12:23—ሓደ ሰብ ‘ፍልጠቱ ዚሓብእ’ ብኸመይ እዩ፧ ኣብዚ ፍልጠት ምሕባእ ኪበሃል ከሎ: ፈጺሙ ኣይገልጾን ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ብጃህራ ንርኣዩለይ ፍልጠቱ ኣብ ክንዲ ዚገልጽ: ብምስትውዓል ይገልጾ ማለት እዩ።

18:19—‘እተበደለ ሓው ካብ ጽንዕቲ ኸተማ ንላዕሊ ዚቃወም’ ብኸመይ እዩ፧ እተበደለ ሰብ ከም ሓንቲ እተኸበት ጽንዕቲ ኸተማ ሕድገት ምግባር ይኣቢ እዩ። ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እቲ በዳልን ዚፍጠር ባእሲ: ከም “መሃርሃር ዕርዲ” ዕንቅፋት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

 10:11-14 ዘረባና ሃናጺ ንኪኸውን: ኣእምሮና ብርጡብ ፍልጠት ኪመልእ: ልብና ብፍቕሪ ኺድረኽ: ኣፍና እውን ብጥበብ ኪኽፈት ኣለዎ።

10:19፣ 12:18፣ 13:3፣ 15:28፣ 17:28 ዘረባና ሒደትን ሓልዮት እተሓወሶን ይኹን።

11:1፣ 16:11፣ 20:10, 23 የሆዋ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታትና ቕኑዓት ክንከውን እዩ ዚደልየና።

11:4 ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣኼባ: ጸሎት: ከምኡውን ኣገልግሎት ወፍሪ መስዋእቲ ብምግባር ስጋዊ ሃብቲ ምስዓብ ዕሽነት እዩ።

13:4 ኣብታ ጉባኤ ሓላፍነት ንምርካብ ወይ ኣብ ሓዳስ ዓለም ህይወት ንምርካብ “ሃረር” ምባል ንበይኑ እኹል ኣይኰነን። ነቲ ብቕዓታት ንምምላእ ጻዕራማትን ትጉሃትን ክንከውን ኣሎና።

13:24፣ 29:15, 21 ፈቃር ወላዲ ንውሉዱ ኣየሐንቅቖን ወይ ንጕድለቱ ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ሓደ ኣቦ ወይ ሓንቲ ኣደ: እቲ ጕድለታት ሱር ቅድሚ ምስዳዱ ንምእራሙ ስጕምቲ ይወስዱ።

14:10 ውሽጣዊ ስምዒታትና ዅሉ ግዜ ብልክዕ ክንገልጾ ዀነ ኽንርድኦ ስለ ዘይንኽእል: እቲ ኻልኦት ኪህቡና ዚኽእሉ ስምዒታዊ መጸናንዒ ደረት ኣለዎ። ገሊኡ ዓይነት ጸገማት ንምጽማም ኣብ የሆዋ ጥራይ ኢና ኽንጽጋዕ እንኽእል።

15:7 ከምቲ ሓደ ሓረስታይ ንዅሉ ዘርኡ ኣብ ሓንቲ ቦታ ዘይዘርኦ: ኵሉ እቲ እንፈልጦ ነገራት ንሓደ ሰብ ብሓንሳእ ከነፍስሰሉ የብልናን። ጥበበኛ ሰብ ከከም ኣድላይነቱ በብቝሩብ እዩ ፍልጠት ዚዝርግሕ።

15:15፣ 18:14 ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ: ኣብ ትሕቲ ዜጨንቕ ኵነታት እኳ ኸይተረፈ ሓጐስ ንኺህልወና ይሕግዝ።

17:24 ከምቲ ኣብ ኣገዳሲ ጕዳያት ኣብ ክንዲ ዜተኵር ኣዒንቱን ሓሳባቱን ፍቐዶኡ ዀለል ንኺብል ዚፈቅድ “ዓሻ” ምእንቲ ኸይንኸውን: የግዳስ ብጥበብ ምእንቲ ኽንመላለስ ልቦና ኸነጥሪ ኽንጽዕር ኣሎና።

23:6-8 ብግብዝና ኣአንገድቲ መሲልና ኸይንቐርብ ክንጥንቀቕ ኣሎና።

27:21 ናእዳ ንመንነትና ኺገልጸልና ይኽእል እዩ። እቲ ናእዳ ንየሆዋ ሰብ ዕዳኡ ምዃንና ኣፍልጦ ንኽንህብ እንተ ደሪኹናን ምግልጋሉ ንኽንቅጽል እንተ ኣተባቢዑናን ትሕትናና ይግለጽ። እቲ ናእዳ ልዕል ዝበልና ዀይኑ ኸም ዚስምዓና እንተ ገይሩ: ትሕትና ዚጐድለና ምዃኑ ይቕላዕ።

27:23-27 እዘን ምስላታት እዚኣተን ብኣገላልጻ ገጠር ብምጥቃም: በቲ ብትግሃት ብምዕያይ ዚርከብ ቀሊል ናብራ ምዕጋብ ኣገዳሲ ምዃኑ የጕልሓ። ብፍላይ ኣብ ኣምላኽ ምጽጋዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ጦብላሕታ ኺሓድጋልና ኣለወን። a

28:5 ብጸሎትን ቃሉ ብምጽናዕን ‘ንየሆዋ እንተ ደሊናዮ:’ ብቕቡል መገዲ ንኸነገልግሎ ዜድልየና ‘ዅሉ ኸነስተውዕል’ ንኽእል ኢና።

“ንግራት”

(ምሳሌ 30:1–31:31)

መጽሓፍ ምሳሌ ብኽልተ “ንግራት” ወይ ቍም ነገራት እያ እትዛዝም። (ምሳሌ 30:1፣ 31:1) መልእኽቲ ኣጉር ብዜመራምር ንጽጽር ኣቢሉ: ስስዐ መወዳእታ ዘይብሉ ምዃኑ ኸምኡውን መታለሊ ሰብኣይ ንቘንጆ ንምስዳዕ ዚጥቀመሉ መገዲ ኽሳዕ ክንደይ ዘይፍለጥ ምዃኑ ይሕብር። b ርእስኻ ልዕል ከይተብልን ብቝጥዓ ኸይትዛረብን እውን የጠንቅቕ።

እቲ ልሙኤል ካብ ኣዴኡ እተቐበሎ ንግራት ወይ ቍም ነገራት: ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ወይንን ዜስክር መስተን ከምኡውን ብጽድቂ ብዛዕባ ምፍራድ ጽቡቕ ማዕዳ ሒዙ ኣሎ። ብዛዕባ ንፍዕቲ ሰበይቲ እተዋህበ መግለጺ: “ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሀብዋ: ኣብ ደጌታትውን ተግባራ ይንአዳ” ብዚብል ቃላት ይዛዘም።—ምሳሌ 31:31

ጥበብ ኣጥሪ: ተግሳጽ ተቐበል: ፍርሃት ኣምላኽ ኣማዕብል: ኣብ የሆዋ ተጸጋዕ። እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ምስላታትሲ ኸመይ ዝበለ ጠቓሚ ትምህርትታት ዝሓዘ ዀን እዩ! እምበኣር: ብእተኻእለና መጠን ነቲ ማዕዳኡ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ እሞ ‘ንየሆዋ ዚፈርሆ ሰብ’ ዚረኽቦ ሓጐስ ክንረክብ ኢና።—መዝሙር 112:1

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ 1 ነሓሰ 1991 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 31 ተወከስ።

b ናይ 1 ሓምለ 1992 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 31 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ምንጪ ዅሉ ናይ ሓቂ ፍልጠት እዩ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

‘ፍልጠት ምዝርጋሕ’ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧