ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንልሳን ብምቍጽጻር ፍቕርን ኣኽብሮትን ምርኣይ

ንልሳን ብምቍጽጻር ፍቕርን ኣኽብሮትን ምርኣይ

ንልሳን ብምቍጽጻር ፍቕርን ኣኽብሮትን ምርኣይ

“ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ከም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፥ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ተኽብሮ።” —ኤፌሶን 5:33 ትርጕም 1990

1, 2. ኵሎም ምርዑዋት ሰባት እንታይ ኣገዳሲ ሕቶ እዮም ንርእሶም ኪሓቱ ዘለዎም፧ ስለምንታይከ፧

 “ብጥንቃቐ ይተሓዝ” ዚብል ወረቐት እተለጠፈሉ ኣብ ካርቶን እተዓሸገ ህያብ ተዋሂቡካ ንበል። ነቲ ኣቕሓ ብኸመይ ምሓዝካዮ፧ ንኸይስበረካ ብእተኻእለካ መጠን ከም እትጥንቀቕ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ነቲ ውህበት ዝዀነ መርዓኸ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧

2 እታ ናእሚ ዝስማ እስራኤላዊት መበለት: ነተን ዖርጳን ሩትን ዚበሃላ ኣንስቲ: “ነፍሲ ወከፍክን ኣብ በቤት ሰብኣይክን ዕረፍቲ ኽትረኽባ እግዚኣብሄር ይሀብክን” በለትን። (ሩት 1:3-9) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንፍዕቲ ሰበይቲ: “ቤትን ሃብትን ካብ ወላዲ ይውረስ: ለባም ሰበይቲ ግና ካብ እግዚኣብሄር እያ” ይብል። (ምሳሌ 19:14) ምርዑዋት እንተ ዄንና: ንመጻምድትና ኻብ ኣምላኽ ከም እተዋህበ ውህበት ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና። እሞ ደኣኸ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት ብኸመይ ኢና እንሕዞ ዘለና፧

3. ሰብኡትን ኣንስትን እንታይ ጳውሎስ ዝሃቦም ማዕዳ እዮም ኪስዕቡ ዘለዎም፧

3 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት: “ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ከም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፥ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ተኽብሮ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ኤፌሶን 5:33 ትርጕም 1990) ሰብኡትን ኣንስትን ንኣዘራርባኦም ብዚምልከት ነዚ ማዕዳ እዚ ብኸመይ ከም ዚስዕብዎ እሞ ንርአ።

ካብታ “ዘይትዐርፍ እክይቲ” ተጠንቀቑ

4. ልሳን ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ጽልዋ ኺህልዋ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

4 ሓደ ኻብቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፈ ያእቆብ: ልሳን “ዘይትዐርፍ እክይቲ: ዚቐትል ሕንዚ ዝመልኤት እያ” በለ። (ያእቆብ 3:8) ዘይትዓርፍ ልሳን መዕነዊት ምዃና ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ነቲ ንዚጐድእ ዘረባ ምስ “ዚቘርጽ ሰይፊ” ዜመሳስሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምስላ ይፈልጦ ኸም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ምስላ እቲ ኣስዕብ ኣቢሉ: “መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ” ይብል። (ምሳሌ 12:18) ብርግጽ: ቃላት ሓያል ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ኪጐድእ ወይ ኬጥዒ ይኽእል እዩ። ቃላትካ ኣብ መጻምድትኻ እንታይ ጽልዋ እዩ ዘለዎ፧ እዚ ንመጻምትድኻ እንተ ሓቲትካ: እንታይ መልሲ ኢኻ እትረክብ፧

5, 6. ገሊኦም ልሳኖም ንኺገትኡ ኣጸጋሚ ዝዀኖም እንታይ ረቛሒታት እዩ፧

5 ጐዳኢ ዘረባ ኣብ ሓዳርካ እንተ ኣትዩ: ነቲ ዅነታት ከተመሓይሾ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር: ጻዕሪ የድልዮ እዩ። ስለምንታይ፧ ብቐዳምነት: ክንቃለሶ ዚግባእ ዘይፍጹም ስጋና ኣሎ። ዝወረስናዮ ሓጢኣት ኣብቲ እንሓስበሉን እንዘራረበሉን መገዲ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ። ያእቆብ: “ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ: ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጕም ዚከአሎ: ብቑዕ ሰብኣይ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ያእቆብ 3:2

6 ኣብ ርእሲ እቲ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና: ሓደ ሰብ ዝዓበየሉ ስድራቤት እውን ንልሳን ብሕማቕ ንኺጥቀመላ ግደ ኣለዎ። ገሊኦም ሰባት ኣብ ትሕቲ “ተቐየምቲ፥ . . . ገዛእ ርእሶም ገቲኦም ዘይክእሉ፥ ጨካናት” ወለዲ እዮም ዓብዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-3 ትርጕም 1990) ብዙሕ ግዜ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው ዝዓበዩ ቘልዑ: ዓበይቲ ምስ ኰኑ ተመሳሳሊ ባህርያት እዮም ዜንጸባርቑ። ልክዕ እዩ: ዘይፍጽምና ዀነ ሕማቕ ኣተዓባብያ: ጐዳኢ ዘረባ ንኽትዛረብ መመኽነይታ ኣይከውንን እዩ። ነዚ ረቛሒታት እዚ ምፍላጡ ግን: ገሊኦም ሰባት ንልሳኖም ካብ ጐዳኢ ዘረባ ምግታእ ስለምንታይ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀኖም ንኽንርዳእ ይሕግዘና።

‘ሕሜት ኣርሕቑ’

7. ጴጥሮስ ንክርስትያናት ‘ኵሉ ሕሜት ንኼርሕቑ’ ኺምዕዶም ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

7 እቲ ጠንቂ ዀይኑ ዘሎ ብዘየገድስ: ኣብ ሓዳር ጐዳኢ ዘረባ ምዝራብ ንመጻምድትኻ ፍቕርን ኣኽብሮትን ከም ዝጐደለካ እዩ ዚሕብር። ጴጥሮስ ንክርስትያናት ‘ኵሉ ሕሜት ንኼርሕቑ’ ኺምዕዶም ሓቁ እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:1) እታ “ሕሜት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: “ጸርፊ” ማለት እያ። ንሰባት ‘ብቓላት ምጥቃዕ’ ዚብል ሓሳብ ሒዛ ኣላ። እዝስ ንሳዕቤን እታ ዘይትዓርፍ ልሳን ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኣነጺሩ ዚገልጾ!

8, 9. ጸርፊ እንታይ ሳዕቤን እዩ ዘለዎ፧ ሰብ ሓዳር ኪጻረፉ ዘይብሎምከ ስለምንታይ እዩ፧

8 ጸርፊ ኣዝዩ ኸቢድ ኣይመስልን ይኸውን: ኰይኑ ግን ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ኺዛረቡ ምስ ጀመሩ ዜጋጥም እሞ ሕስብ ኣብሎ። ንመጻምድትኻ ዓሻ: ሰነፍ: ወይ ስሱዕ ኢልካ ምጽራፍ: ንብምልኡ ባህርያት እቲ ሰብ ብሓንቲ እተሕስር ቃል ጌርካ ኢኻ እትጥቕልሎ ዘለኻ። እዚ ብርግጽ ጐዳኢ እዩ። ብዛዕባ እቲ ንጕድለት መጻምድትኻ ዜጕልሕ እተጋነነ ቓላትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ “ኵሉ ሳዕ ምስ ደንጐኺ ኢኺ” ወይ “ፈጺምካ ኣይትሰምዓንን ኢኻ” ዚብል ቃላት ብሓቂ እተጋነነዶ ኸይኰነ፧ ነቲ ኻልእ ውልቀ-ሰብ ንርእሱ ንኺከላኸል እዩ ዜለዓዕሎ። እዚ ኸኣ ብተራኡ ኽርክር የበግስ።—ያእቆብ 3:5

9 ቃላት ጸርፊ ዝመልኦ ዝርርብ ኣብ ሓዳር ውጥረት እዩ ዚፈጥር: እዚውን ሕማቕ ሳዕቤናት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ምሳሌ 25:24 “ካብ ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ: ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ” ትብል። ብዛዕባ ናግራም ሰብኣይ እውን ተመሳሳሊ ኺበሃል ይከኣል እዩ። ሓደ ኻብቶም መጻምድቲ ዜቝስል ቃላት ዚዛረብ እንተ ዀይኑ: ነቲ ሰብኣይ ወይ ነታ ሰበይቲ ኸም ዘይፍቀሩን ፍቕሪ ኺረኽቡ ኸም ዘይግብኦምን ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ብምግባር ውዒሉ ሓዲሩ ንርክቦም ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ። እምበኣር: ንልሳን ምግታእ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ግን ብኸመይ ኪግበር ይከኣል፧

‘ንልሳንኩም ልጐሙ’

10. ንልሳን ምቍጽጻራ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

10 ያእቆብ 3:8 “ንልሳንሲ ሓደ ሰብ እኳ ኺገዝኣ ኣይተኻእሎን” ትብል። ኰይኑ ግን: ከምቲ ሰብ ንምንቅስቓሳት ፈረስ ንምቍጽጻር ልጓም ዚጥቀም: ንልሳንና ንምልጓም እውን ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና። “ሓደ እኳ: ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር: ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ: ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ: ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።” (ያእቆብ 1:26፣ 3:2, 3) እዘን ቃላት እዚኣተን ንልሳንካ ኣብ ከቢድ ጕዳይ ብኸመይ ከም እትጥቀመላ እየን ዜመልክታ። ምስ መጻምድትኻ ዘሎካ ርክብ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ እውን ትጸልዎ እያ።—1 ጴጥሮስ 3:7

11. ንዜጋጥም ዘይምስምማዕ ናብ ክርክር ንኸይዓቢ ምዕጋቱ ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧

11 ንመጻምድትኻ ብኸመይ ከም እትዛረብ ምስትብሃል ጥበባዊ እዩ። ውጥረት እንተ ሰፊኑ: ከተፍኵሶ ጽዓር። ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 27:46-28:4 ተመዝጊቡ ዘሎ ኣብ ህይወት ይስሃቅን ሰበይቱ ርብቃን ዘጋጠመ ዅነታት እሞ ንውሰድ። “ርብቃ ኸኣ ንይስሃቅ፤ ብምኽንያት ኣዋልድ ሔት ህይወተይ ደኸመት። ያእቆብ ድማ ካብ ኣዋልድ ሔት: ካብ ኣዋልድ እዛ ሃገር እዚኣ: ከምዚኣተን ዘመሰለት ሰበይቲ ዜእቱ እንተ ዀይኑስ: ስለምንታይ ኣነ ብህይወት እነብር፧ በለቶ።” ይስሃቅ ብታህዋኽ ከም ዝመለሰላ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ የልቦን። ኣብ ክንዳኡስ: ንያእቆብ ወዱ ጸዊዑ: ንርብቃ ምንጪ ጓሂ ዘይትኸውን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዋ ሰበይቲ ንኺረክብ ሰደዶ። ኣብ ሰብኣይን ሰበይትን ዘይምስምማዕ ተፈጢሩ እሞ ንበል። ኣብ ክንዲ “ንስኻ” ወይ “ንስኺ” እናበልካ ምዝራብ: “ኣነ” እናበልካ ምዝራብ ነቲ ንኣሽቱ ዘይምስምማዓት ናብ ክርክር ንኸይዓቢ ኺዓግቶ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: “ንስኻኮ ፈጺምካ ምሳይ ግዜ ኣይተሕልፍን ኢኻ!” ኣብ ክንዲ ምባል: “ሓቢርና ዝያዳ ግዜ ኸነሕልፍ እንተ ንኽእል ባህ ምበለኒ” ምባል ዝሓሸዶ ኸይኰነ፧ ኣብቲ ሽግር ደኣ እምበር: ኣብቲ ሰብ ጥራይ ኣይተትኵር። መንና ቕኑዕ: መንና ጌጋ ኢልካ ኣይትመርምር። ሮሜ 14:19 “ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሀንጽን ንስዐብ” ትብል።

“መሪርን ነድርን ኵራን” ኣርሕቑ

12. ንልሳንና ንምቍጽጻር ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጽሊ ዚግባእ፧ ስለምንታይከ፧

12 ንልሳንና ምግታእ ኪበሃል ከሎ ንዘረባና ምቍጽጻር ጥራይ ዘይኰነስ: ካልእ ነገራት እውን የጠቓልል እዩ። ከመይሲ: ቃላትና ኻብ ልብና ደኣ እምበር ካብ ኣፍና ኣይኰነን ዚምንጭ። የሱስ “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ: እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ” በለ። (ሉቃስ 6:45) ስለዚ: ንልሳንካ ንምቍጽጻር: ከም ዳዊት “ዎ ኣምላኽ: ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ: ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ” ኢልካ ኽትጽሊ የድልየካ ይኸውን።—መዝሙር 51:10

13. መሪርን ነድርን ኵራን ናብ ጸርፊ ኺመርሕ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

13 ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ነቲ ጐዳኢ ቓላት ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ስምዒታት እውን ንኼርሕቕዎ ተማሕጸኖም። “ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ኻባኻትኩም ይርሐቕ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ኤፌሶን 4:31) “ታዕታዕን ጸርፍን” ቅድሚ ምጥቃሱ: “መሪርን ነድርን ኵራን” ከም ዝጠቐሰ ኣስተብህል። እቲ ኣብ ውሽጢ ዚፈልሕ ቍጥዓ እዩ ጸርፊ ዀይኑ ኺግንፍል ዚፍትን። ስለዚ: ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘ኣብ ልበይ መረረን ኵራን ኣሎ ድዩ፧ “ተነቃፊ” ድየ፧’ (ምሳሌ 29:22) ከምኡ እንተ ዀይኑ: ቍጥዓኻ ምእንቲ ኸይግንፍል: ነዚ ዝንባለታት እዚ ንኸተሰንፎን ርእስኻ ንኽትገትእን ሓገዝ ንምርካብ ናብ ኣምላኽ ጸሊ። መዝሙር 4:4 “ኰርዩ እሞ ኣይትአብሱ: ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን” ትብል። ቍጥዓኻ ምቍጽጻር እንተ ኣሸጊሩካ እሞ ርእስኻ ምግታእ ዝኣብየካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ: ነቲ ኣብ ምሳሌ 17:14 ዚርከብ “ናብ ምሕርቃም ስኒ ኸይበጽሔ ኻብ ቈየቛ ርሐቕ” ዚብል ማዕዳ ስዓብ። ንግዜኡ እቲ ሓደጋ ኽሳዕ ዚሓልፍ ካብቲ ዅነታት ርሓቕ።

14. ቂም ምሓዝ ንሓዳር ኪጸልዎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

14 ኵራን ቍጥዓን ምጽዋሩ ቐሊል ኣይኰነን: ብፍላይ ካብቲ ጳውሎስ “መሪር” ዝበሎ ዝመነጨ እንተ ዀይኑ ኣጸጋሚ እዩ። እታ ጳውሎስ እተጠቕመላ ናይ ግሪኽ ቃል “ዕርቂ ዘይቅበል መንፈስ ቅሬታ” ከምኡውን ‘ሓያሎ ጌጋታት ናይ ምሓዝ ክፍኣት’ ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ሓድሓደ ግዜ ጽልኢ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ከም ጽዑቕ ግመ ይኸውን እዩ: እዚ ዅነታት እዚ ኸኣ ንነዊሕ ግዜ ይቕጽል ይኸውን። ጠንቂ እቲ ጸገም ምሉእ ብምሉእ እንተ ዘይተፈቲሑ: ምንዕዓቕ ኬስዕብ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ብሕሉፍ ጌጋታት ቂም ምሓዝ ከንቱ ነገር እዩ። እቲ እተፈጸመ ነገር: ንድሕሪት ኪምለስ ኣይከኣልን እዩ። ይቕረ ተባሂሉ እተሓልፈ ጌጋ: ኪርሳዕ ኣለዎ። ፍቕሪ “ኣይትቕየምን እያ።”—1 ቈረንቶስ 13:4, 5

15. ነቶም ተሪር ቃላት ምጥቃም ዝለመዱ ሰባት: ኣዘራርባኦም ንኪቕይሩ ዚሕግዞም እንታይ እዩ፧

15 ኣብቲ ዝዓበኻሉ ስድራቤት ተሪር ቃላት ምጥቃም ልሙድ እንተ ነበረ እሞ: ከምኡ ኢልካ ምዝራብ እውን ንስኻ እንተ ለመድካዮኸ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ለውጢ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓያሎ መዳይ ህይወትካ ገሊኡ ነገራት ክትገብር ስለ ዘይትደሊ: ድሮ ቐይድታት ጌርካ ኢኻ። እሞ ደኣኸ ንዘረባ ብዚምልከት ኣበይ ኢኻ ደረት ክትገብረሉ እትመርጽ፧ ቃላትካ ጐዳኢ ቕድሚ ምዃኑ ቐይዲ ኽትገብረሉ ዲኻ፧ እቲ ኣብ ኤፌሶን 4:29 ተገሊጹ ዘሎ “ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ” ዚብል ደረት ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኸኣ ‘ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥካ: ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርካ: ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ክትለብስ’ ይሓተካ።—ቈሎሴ 3:9, 10

‘ምምኽኻር’ ናይ ግድን ኣድላዪ እዩ

16. ምስጕዳም ንሓዳር ጐዳኢ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16 ሰብኣይን ሰበይትን ዚስጕደሙ እንተ ዀይኖም: ብዙሕ ዜስልጥዎ ነገር የልቦን: ጐዳኢ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ብሰንኪ ብስጭት ወይ ተስፋ ምቝራጽ ኪስጕደም ስለ ዚኽእል: ዚስጕደመሉ ምኽንያት ወትሩ ንመጻምድቱ ንምቕጻዕ ከይከውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: ዘይምዝርራብ ውጥረት የስፍን: ጸገም ድማ ኣይፈትሕን። ሓንቲ ሰበይቲ “እንደገና ምዝርራብ ምስ ጀመርና: ነቲ ጸገም ከቶ ኣይነልዕሎን ኢና” በለት።

17. ኣብ ሓዳር ጸገም ዜጋጥሞም ዘሎ ክርስትያናት እንታይ ኪገብሩ ይግባእ፧

17 ኣብ ሓዳር ውጥረት ምስ ዚፍጠር: ቀሊል ፍታሕ የልቦን። ምሳሌ 15:22 “ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ: ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን: ኣብቲ መኸርቲ ዚበዝሕዎ ግና ይጸንዕ” ትብል። ምስ መጻምድትኻ ኾፍ ኢልካ ነቲ ጕዳይ ክትመያየጠሉ ኣሎካ። ብእተኻእለካ መጠን ንመጻምድትኻ ብኽፉት ኣእምሮን ልብን ስማዕ። ከምዚ ምግባር ዘይከኣል ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካ: ካብቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ንምንታይ ዘይትጥቀም፧ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ፍልጠት ኣለዎም: ንመሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዝመጸ እውን ተመክሮ ኣለዎም። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ” እዮም።—ኢሳይያስ 32:2

ኣብቲ ቓልሲ ኽትዕወቱ ትኽእሉ ኢኹም

18. ኣብ ሮሜ 7:18-23 እንታይ ቃልሲ እዩ ተገሊጹ ዚርከብ፧

18 ንልሳንና ምልጓም ቃልሲ እዩ። ንግብርታትና ምቍጽጻር እውን ከምኡ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ዘጋጠሞ ብድሆ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ፍቓድሲ አሎኒ: ምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ አሎኹ እሞ: ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ አሎኹ እምበር: ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ: ስለዚ ኣባይ ማለት ኣብ ስጋይ: ሰናይ ከም ዜልቦ: እፈልጥ አሎኹ። ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና: ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር: ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ።” ብሰንኪ እቲ “ኣብ [ኣካላትና] ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት:” ንልሳንና ዀነ ንኻልእ ክፋል ኣካላትና ብዘይግቡእ መገዲ ናይ ምጥቀም ዝንባለ ኣሎና። (ሮሜ 7:18-23) ይኹን እምበር: ነቲ ቓልሲ እቲ ኽንሰግሮ: ብሓገዝ ኣምላኽ ከኣ ክንዕወት ንኽእል ኢና።

19, 20. ክርስቶስ ዝሓደጎ ኣብነት ንሰብኡትን ኣንስትን ልሳኖም ንኺለጕሙ ኺሕግዞም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

19 ፍቕርን ኣኽብሮትን ኣብ ዘለዎ ርክብ: ንጐዳእን ንተሪርን ቃላት ቦታ የብሉን። ብዛዕባ እቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝሓደጎ ኣብነት እሞ ሕሰብ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸቶ ኣይተጻረፎምን። ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ለይቲ ሃዋርያቱ መኖም ከም ዚዓቢ ምስ ተኸራኸሩ እውን ከይተረፈ: እቲ ወዲ ኣምላኽ ኣይተቛየቖምን። (ሉቃስ 22:24-27) መጽሓፍ ቅዱስ “ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ: ኣቱም ሰብኡት: ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ . . . ርእሱ በጃኣ ሀበ” ኢሉ ይምዕድ።—ኤፌሶን 5:25

20 ሰበይቲኸ እንታይ ክትገብር ኣለዋ፧ ‘ንሰብኣያ ኸተኽብሮ’ ኣለዋ። (ኤፌሶን 5:33) ንሰብኣያ እተኽብር ሰበይቲ ትቋየቖን ትጸርፎን ድያ፧ ጳውሎስ: “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ: ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ: ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ: ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 11:3) ከምቲ ክርስቶስ ነቲ ርእሱ ዚግዝኦ: ኣንስቲ እውን ነቶም ርእሰን ኪግዝኣ ኣለወን። (ቈሎሴ 3:18) ዋላ ሓደ ዘይፍጹም ሰብ ንየሱስ ምሉእ ብምሉእ ኪመስሎ ዚኽእል እኳ እንተ ዘይኰነ: ሰብኡትን ኣንስትን ‘ኣስኣሰሩ ኺስዕቡ’ ምስ ዚጽዕሩ ግን ልሳኖም ንምቍጽጻር ኣብ ዚገብርዎ ቓልሲ ንኺዕወቱ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ።—1 ጴጥሮስ 2:21

እንታይ ተማሂርካ፧

• ዘይትዓርፍ ልሳን ንሓዳር ክትጐድኦ እትኽእል ብኸመይ እያ፧

• ልሳን ንምልጓማ ኣጸጋሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ንዘረባና ኽንቈጻጸሮ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

• ኣብ ሓዳር ውጥረት ኬጋጥም ከሎ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ሽማግለታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሓገዝ ይህቡ