ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሓደ ክርስትያን ማኪና እናዘወረ ኸሎ ሓደጋ እንተ ኣጋጢምዎ እሞ ብሰሪ እዚ ሰብ እንተ ሞይቱ: እታ ጉባኤ እንታይ ሓላፍነት ኣለዋ፧

እታ ጉባኤ ኣብቲ ማሕበረሰብ ናይ ደም ገበነኛ ምእንቲ ኸይትኸውን: ናይ ደም ገበነኛ ናይ ምዃን ተኽእሎ ኺሕሰበሉ ዘለዎ ጕዳይ እዩ። (ዘዳግም 21:1-9፣ 22:8) ብሓደጋ ማኪና ሰብ እንተ ሞይቱ እሞ: እቲ መራሕ ማኪና ዘይጥንቁቕ ወይ ከኣ ሓደ ኻብቲ ቄሳር ንድሕነት ዜውጽኦ ሕጊ ወይ ሕግታት ትራፊክ ኰነ ኢሉ ጥሒሱ እንተ ነይሩ ናይ ደም ገበነኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማርቆስ 12:14) ኰይኑ ግን: ካልእ ረቛሒታት እውን ኣብ ግምት ኪኣቱ ኣለዎ።

ናብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ እስራኤል ዝነበራ መዕቈቢ ዚዀና ኸተማታት ዚሃድም ቀታል ነፍሲ: ኣብ ፍርዲ ደው ኪብል ነበሮ። ደይ መደይ ኢሉ እንተ ዘይቀቲሉ: ኣብታ ኸተማ ኪቕመጥ ይፍቀደሉ: ናብቲ ፈዳይ ደም ድማ ኣሕሊፍካ ኣይወሃብን ነበረ። (ዘሁልቍ 35:6-25) ስለዚ: ሓደ ክርስትያን ሓደጋ ምስ ዜጋጥሞ እሞ ብሰሪ እዚ ሰብ ምስ ዚመውት: እቶም ሽማግለታት ብደም ተሓታቲ እንተ ዀይኑ ንምውሳን ነቲ ጕዳይ ኪምርምርዎ ኣለዎም። እቲ መንግስቲ ዘለዎ ኣረኣእያ ዀነ እቲ ቤት ፍርዲ ዚገብሮ ውሳነ ነቲ እታ ጉባኤ እትወስዶ ስጕምቲ ምሉእ ብምሉእ ኣይውስኖን እዩ።

ንኣብነት: ሓደ ቤት ፍርዲ እቲ ሰብ ንተክኒካዊ ሕግታት ብምጥሓስ ገበነኛ ኸም ዝዀነ ኺብይን ይኽእል እዩ፣ እቶም ዚምርምሩ ሽማግለታት ግን እቲ መራሕ ማኪና ነቲ ሞት ዘስዓበ ዅነታት ንምቍጽጻር ብዙሕ ኪገብሮ ዚኽእል ከም ዘይነበረ ኺውስኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ቤት ፍርዲ ብናጻ ኣብ ዘሰናብተሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ: እቶም ሽማግለታት ከም ሓቂ እቲ መራሕ ማኪና ብደም ገበነኛ ኸም ዝዀነ ኺውስኑ ይኽእሉ እዮም።

ነቲ ጕዳይ ዚምርምሩ ሽማግለታት ዚገብርዎ ውሳነ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ኣብ ጭቡጥ ሓቅታትን እተመስረተ: ማለት እቲ መራሕ ማኪና ኣብ ዝኣመነሉ ነገር ወይ ክልተ ወይ ሰለስተ ዜተኣማምኑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣብ ዚህብዎ ምስክርነት እተመርኰሰ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘዳግም 17:6፣ ማቴዎስ 18:15, 16) ናይ ደም ገበነኛ እንተ ዀይኑ: ኮሚተ ፍርዲ ኪቐውም ኣለዎ። እቲ ኮሚተ ድማ እቲ ናይ ደም ገበነኛ ኸም እተነስሐ እንተ ወሲኑ: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግቡእ መግናሕቲ ይህቦ: ኣብ ጉባኤ ሓላፍነታት ከይወሃቦ ድማ እገዳ ይግበረሉ። ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ኼገልግል ኣይክእልን እዩ። ካልእ እገዳታት እውን ይግበረሉ እዩ። ብዘይካዚ: ብሰንኪ ሸለልትነቱ ወይ ጥንቁቕ ብዘይምዃኑ ሞት ስለ ዘስዓበ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓታቲ ይኸውን።—ገላትያ 6:5, 7

ንኣብነት: እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ሕማቕ ኵነታት ኣየር እንተ ነይሩ: እቲ መራሕ ማኪና ብዝያዳ ኺጥንቀቕ ነይርዎ። ትኽስ ዚብል እንተ ነይሩ: ማኪናኡ ደው ኣቢሉ ድቃሱ ኽሳዕ ዚበርር ኬዕርፍ ነይርዎ: ወይ ካልእ ሰብ ከም ዚዝውር ኪገብር ነይርዎ።

እቲ መራሕ ማኪና ብፍጥነት ይኸይድ ነይሩ ንበል። ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ነቲ ደረት ፍጥነት እንተ ጥሒሱ: እዚ “ናይ ቄሳር ንቄሳር” ዘይምሃብ እዩ። ብናህሪ ምዝዋር ንህይወት ሰብ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ብምዃኑ እውን ንቕድስና ህይወት ኣኽብሮት ዘይምህላው የመልክት። (ማቴዎስ 22:21) ኣብዚ መዳይ እዚ: ካልእ ኪሕሰበሉ ዚግባእ ነገር ኣሎ። ሓደ ሽማግለ ብዛዕባ እቲ ቄሳር ዜውጽኦ መምርሒታት ትራፊክ ሸለልተኛ ወይ ኰነ ኢሉ ዚጥሕስ እንተ ዀይኑ: ነተን መጓሰ እንታይ ዓይነት ኣርኣያ እዩ ዝዀነን፧—1 ጴጥሮስ 5:3

ክርስትያናት ንኻልኦት ሰባት ኣብ ውሽጢ ሓጺር ሰዓት ኣብ ሓደ ቦታ ኺበጽሑ ብምሕታት: ነቲ ደረት ፍጥነት ጥሒሶም ንኺጐዓዙ ጸቕጢ ኺገብሩሎም የብሎምን። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት ግን: ወይ ኣቐዲምካ ምብጋስ ወይ ከኣ ንጕዕዞ ዜድሊ ግዜ ንምርካብ መደብካ ምቕያር የድሊ እዩ። ከምኡ እንተ ተገይሩ: ሓደ ክርስትያን ካብቲ ግቡእ ንላዕሊ ብናህሪ ንኺዝውር ኣይፍተንን: የግዳስ ነቲ “ስልጣናት” መንግስቲ ዘውጽእዎ ሕግታት ትራፊክ ኬኽብሮ ይኽእል እዩ። (ሮሜ 13:1, 5) እዚ ኸኣ ነቲ መራሕ ማኪና ኻብቲ ናይ ደም ገበነኛ ኺገብሮ ዚኽእል ሞት ዜስዕብ ሓደጋታት ይሕልዎ። ጽቡቕ ኣብነት ንኪኸውንን ሰናይ ሕልና ንኺህልዎን እውን የኽእሎ።—1 ጴጥሮስ 3:16