ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብፍቕሪ ዝደልደለ ትብዓት

ብፍቕሪ ዝደልደለ ትብዓት

ብፍቕሪ ዝደልደለ ትብዓት

“ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር: መንፈስ ፍርሃት ኣይሀበናን።”—2 ጢሞቴዎስ 1:7

1, 2. (ሀ) ፍቕሪ ንሰብ እንታይ ንኺገብር ክትድርኾ ትኽእል፧ (ለ) የሱስ ዘርኣዮ ትብዓት ፍሉይ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 ሓደስቲ ሰብ ሓዳር ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣውስትራልያ እትርከብ ከተማ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጠሊቖም ይሕምብሱ ነበሩ። ካብቲ ባሕሪ ኺወጹ እናሓሰቡ ኸለዉ: ሓደ ዓብዪ ኸልብ ዓሳ ወይ ሻርክ ናብታ ሰበይቲ እናተወንጨፈ መጸ። እቲ ሰብኣያ ብጅግንነት ንሰበይቱ ናብ ካልእ ገጹ ብምድፋእ: ንዕኡ ኸም ዚወስዶ ገበረ። እታ መበለት ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሩ “ህይወቱ እዩ ሂቡኒ” በለት።

2 እወ: ፍቕሪ ንሰባት ፍሉይ ትብዓት ንኼርእዩ ኽትድርኾም ትኽእል እያ። የሱስ ክርስቶስ እኳ “ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ: ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 15:13) ነዘን ቃላት እዚኣተን ድሕሪ ምዝራቡ 24 ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ: ንሓደ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ: ንዅሎም ደቅሰብ ህይወቱ ሃበ። (ማቴዎስ 20:28) ብዘይካዚ: የሱስ ህይወቱ ዝሃበ: ብሃንደበት ኣብቲ ህሞት እቲ ኸይሓሰበሉ ብዘርኣዮ ትብዓት ኣይኰነን። ኣደዳ ላግጽን ማህሰይትን ከም ዚኸውን: ቄናን ፍርዲ ኸም ዚፍረዶ: ከምኡውን ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ኸም ዚመውት ኣቐዲሙ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። አረ ንደቀ መዛሙርቱ እውን ከይተረፈ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ኣዳልይዎም ነበረ:- “እንሆ: ናብ የሩሳሌም ንድይብ አሎና: ንወዲ ሰብ ኣብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ኣብ ጸሓፍትን ኬትሕዝዎ እዮም። ንሳቶም ድማ ፍርዲ ሞት ኪፈርዱሉ: ነህዛብውን ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም። ኬላግጹሉ: ጡፍ ኪብሉሉ: ኪገርፍዎ: ኪቐትልዎ [እዮም]።”—ማርቆስ 10:33, 34

3. ነቲ የሱስ ዝነበሮ ዓብዪ ትብዓት ኣበርክቶ ዝገበረ እንታይ እዩ፧

3 ነቲ ሓለፍ ዝበለ ትብዓት የሱስ ኣበርክቶ ዝገበረ እንታይ እዩ ነይሩ፧ እምነትን ፍርሃት ኣምላኽን ዓብዪ ግደ ኸም ዝነበሮ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (እብራውያን 5:7፣ 12:2) ልዕሊ ዅሉ ግን: ትብዓት የሱስ ካብታ ንኣምላኽ ኰነ ንደቅሰብ ዝነበረቶ ፍቕሩ ዝመነጨት እያ። (1 ዮሃንስ 3:16) ኣብ ልዕሊ እምነትን ፍርሃት ኣምላኽን ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ እንተ ኣማዕቢልና: ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ትብዓት ከነርኢ ንኽእል ኢና። (ኤፌሶን 5:2) ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ብኸመይ ከነማዕብል ንኽእል፧ ምንጫ ኽንፈልጦ ኣሎና።

“ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ”

4. የሆዋ ምንጪ ፍቕሪ እዩ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

4 የሆዋ ንባዕሉ ፍቕሪ እዩ: ምንጪ ፍቕሪ እውን እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣቱም ፍቁራተይ: ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ: ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ: ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ: እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 4:7, 8) ስለዚ: ሓደ ሰብ ከምታ ናይ ኣምላኽ ዓይነት ፍቕሪ ኼማዕብል ዚኽእል: ብርጡብ ፍልጠት ኣቢሉ ናብ ኣምላኽ ምስ ዚቐርብን ብልባዊ ተኣዛዝነት ነቲ ፍልጠት እቲ ምስ ዚዓየሉን ጥራይ እዩ።—ፊልጲ 1:9፣ ያእቆብ 4:8፣ 1 ዮሃንስ 5:3

5, 6. ነቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ከም ናይ ክርስቶስ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኼማዕብሉ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

5 የሱስ ኣብቲ ምስቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ጸሎት: ኣብ መንጎ ንኣምላኽ ምፍላጥን ብፍቕሪ ምዕባይን ዘሎ ዝምድና ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ገለጾ:- “እታ ብእኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትከውን ኣነውን ኣባታቶም: ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ።” (ዮሃንስ 17:26) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: ስም ኣምላኽ ነቲ ዜደንቕ ባህርያት ኣምላኽ ከም ዚውክል ብቓልን ብኣብነትን ብምርኣይ: ነቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ኣቦኡን ዝነበረት ዓይነት ፍቕሪ ንኼማዕብሉ ሓገዞም። ስለዚ ኸኣ እዩ: “እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ” ኺብል ዝኸኣለ።—ዮሃንስ 14:9, 10፣ 17:8

6 ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለት ፍቕሪ: ካብቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እያ እትፈሪ። (ገላትያ 5:22) ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ መብጽዓ እተገብረሎም መንፈስ ቅዱስ ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ምስ ተቐበሉ: ነቲ የሱስ ዝመሃሮም ሓያሎ ነገራት ዘኪሮም ጥራይ ዘይኰነስ: ትርጕም እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ምሉእ ብምሉእ ተረዲኦምዎ እዮም። ምስትውዓሎም እናዓመቘ ብዝኸደ መጠን: ነታ ንኣምላኽ ዝነበረቶም ፍቕሪ ኣዕዚዝዋ እዩ። (ዮሃንስ 14:26፣ 15:26) እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣብ ዜእቱ እዋን እኳ ኸይተረፈ: ብትብዓትን ብቕንኣትን ነቲ ብስራት ሰበኹ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:28, 29

ትብዓትን ፍቕርን ብግብሪ ኺርአ ኸሎ

7. ጳውሎስን በርናባስን ኣብቲ ብሓባር ዝገበርዎ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም እንታይ ኪጽመሙ ነበሮም፧

7 ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር: መንፈስ ፍርሃት ኣይሀበናን” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 1:7) ጳውሎስ ካብ ብሕታዊ ተመክሮኡ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ንሱን በርናባስን ኣብቲ ብሓባር ኰይኖም ዝገበርዎ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም እንታይ ከም ዘሕለፉ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ኣብ ሓያሎ ኸተማታት ሰበኹ: ገለ ኻብዚኣተን ከኣ ኣንጾክያን ኢቆንዩምን ልስጥራን ይርከባአን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዘን ከተማታት እዚኣተን ገሊኦም ሰባት ኣመንቲ ኪዀኑ ኸለዉ: ገሊኦም ግን ተጻባእቲ ዀኑ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:2, 14, 45, 50፣ 14:1, 5) ኣብ ልስጥራ እሞ ኸኣ እተቘጥዑ ጭፍራ ንጳውሎስ ብዳርባ እምኒ ፈጽፈጽዎ: ዝሞተ መሲልዎም ከኣ ሓደግዎ! ይኹን እምበር: “እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸቢቦምዎ ኸለዉ ኸኣ: ብድድ ኢሉ ናብታ ኸተማ አተወ። ንጽብሒቱ ኸኣ ምስ በርናባስ ናብ ደርቤ ኸደ።”—ግብሪ ሃዋርያት 14:6, 19, 20

8. እቲ ጳውሎስን በርናባስን ዘርኣይዎ ትብዓት ነታ ንሰባት ዘላቶም ሓያል ፍቕሪ ዜንጸባርቕ ብኸመይ እዩ፧

8 እዚ ንጳውሎስ ንምቕታል እተገብረ ፈተነ: ንዕኡ ዀነ ንበርናባስ ከም ዚሕለሉ ገይርዎም ድዩ፧ ኣይፋሉን! ኣብ ደርቤ “ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ምስ ገበሩ: ናብ ልስጥራን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ኣንጾክያን ተመልሱ።” ስለምንታይ፧ ነቶም ሓደስቲ ኣብ እምነት ድልዱላት ኪዀኑ ምእንቲ ኼተባብዕዎም ኢሎም እዮም። ጳውሎስን በርናባስን “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንአቱ ይግብኣና እዩ” በልዎም። እቲ ትብዓቶም ካብቲ ‘ንኣባጊዕ’ ክርስቶስ ዝነበረቶም ሓያል ፍቕሪ ዝመነጨ እዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:21-23፣ ዮሃንስ 21:15-17) ኣብተን ሓደስቲ ጉባኤታት ሽማግለታት ድሕሪ ምሻም: እቶም ክልተ ኣሕዋት ጸሎት ኣቕረቡ ኸምኡውን “ናብቲ ብእኡ ዝአመኑ ጐይታ ኣማዕቘብዎም።”

9. ሽማግለታት ኤፌሶን ነቲ ጳውሎስ ዘርኣዮም ፍቕሪ ብኸመይ እዮም ምላሽ ሂቦምሉ፧

9 ጳውሎስ ኣዝዩ ሓላይን ተባዕን ሰብ ብምንባሩ: ብዙሓት ቀዳሞት ክርስትያናት ኣጸቢቖም ይፈትውዎ ነበሩ። ነቲ ምስቶም ኣብ ኤፌሶን ዚርከቡ ሽማግለታት ዝገበሮ ኣኼባ እሞ ዘክሮ፣ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ሰለስተ ዓመት ተቐሚጡ: ብዙሕ ምጽራር እውን ኣሕሊፉ ነይሩ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:17-31) ነቲ ሕድሪ እተዋህቦም መጓሰ ኣምላኽ ኪጓስዩ ድሕሪ ምትብባዑ: ምስ ኵሎም ተምበርኪኹ ሓቢሩ ጸለየ። ድሕሪኡ: “ኵላቶም ከኣ ብዙሕ በኸዩ: ንጳውሎስ ድማ ብኽሳዱ ሐኒቖም ሰዐምዎ። ካብ ኵሉ ኸኣ ስለቲ፤ ደጊምሲ ገጸይ ኣይክትርእዩን ኢኹም: ዝበሎም ቃል ኣዝዮም ጐሀዩ።” እዞም ኣሕዋት ንጳውሎስ ከመይ ዝበለት ፍቕሪ ዀን እያ ነይራቶም! እወ: ዚፈላለዩሉ ግዜ ምስ ኣኸለ: እቶም ሽማግለታት ኪኸዱ ስለ ዘይደለይዎም: ብግዲ እዮም ካባታቶም ተፈልዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 20:36–21:1

10. ኣብዚ ግዜና ዘለዉ መሰኻኽር የሆዋ ንሓድሕዶም ብትብዓት ፍቕሪ ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧

10 ሎሚ: ገየሽቲ ሓለውትን ሽማግለታት ጉባኤን ብዙሓት ካልኦትን ስለቲ ምእንቲ ኣባጊዕ የሆዋ ዜርእይዎ ትብዓቶም ብዙሕ ይፍቀሩ እዮም። ንኣብነት: ብውግእ ሓድሕድ ኣብ ዝዓነዋ ወይ ዕዮ ስብከት ኣብ እተኣገደለን ሃገራት: ገየሽቲ ሓለውትን ኣንስቶምን ንጉባኤታት ንምብጻሕ ህይወቶምን ናጽነቶምን ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም እዮም። ብተመሳሳሊ: ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብጾቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዘይከሓዱ ወይ መንፈሳዊ ምግቢ ኻበይ ከም ዚረኽቡ ምግላጽ ስለ ዝኣበዩ ብተጻባእቲ ገዛእትን ሰዓብቶምን ብዙሕ መከራ ወሪድዎም እዩ። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ነቲ ብስራት ምስባኽ ስለ ዘይሓደጉ ወይ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ ስለ ዘየቋረጹ ተሰጒጎምን ተሰቅዮምን ተቐቲሎምን እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:28, 29፣ እብራውያን 10:24, 25) ንሕና ድማ ንእምነትን ፍቕርን እዞም ተባዓት ኣሕዋትን ኣሓትን ንቕድሓዮ!—1 ተሰሎንቄ 1:6

ፍቕርኻ ኽትዝሕል ኣይትሕደጋ

11. ሰይጣን ንኣገልገልቲ የሆዋ ብመንፈሳዊ መገዲ ዚዋግኦም በየናይ መገድታት እዩ፧ ኣገልገልቲ የሆዋኸ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

11 ሰይጣን ናብ ምድሪ ምስ ተደርበየ: ኣገልገልቲ የሆዋ “ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን” ብምዃኖም ቍጥዓኡ ኣብኦም ኪኽዕዎ ሓሊኑ እዩ። (ራእይ 12:9, 17) ሓደ ኻብቲ ድያብሎስ ዚጥቀመሉ ስልትታት መስጐጕቲ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን እዚ ስትራተጂ እዚ ንህዝቢ ኣምላኽ ብማእሰር ክርስትያናዊት ፍቕሪ ብዝያዳ ስለ ዜቀራርቦምን ዝያዳ ቕንኣት ከም ዚሓድሮም ስለ ዚገብርን ብኣንጻሩ ጽቡቕ ፍረ እዩ ዚህልዎ። ካልእ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ስልቲ: ነቲ ሓጥእ ሰብኣዊ ዝንባለታት ዚስሕብ ነገር ምቕራብ እዩ። እዚ ቓልሲ እዚ ምስቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ‘ጐራሕን ሕሱምን’ ልብና ዘሎ ባህግታት ዚግበር ውሽጣዊ ቓልሲ ስለ ዝዀነ: ነዚ መናውራ እዚ ምጽራሩ ፍልይ ዝበለ ትብዓት ይሓትት።—ኤርምያስ 17:9፣ ያእቆብ 1:14, 15

12. ሰይጣን ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ንምድኻም ኣብ ዚገብሮ ጻዕሪ ነቲ “መንፈስ ዓለም” ብኸመይ ይጥቀመሉ፧

12 ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ሓያል ኣጽዋር: “መንፈስ ዓለም” ማለት እቲ ምስ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ብቐጥታ ዚጻረር ዓብላሊ ዝንባለ ወይ ድራኸ ዓለም እዩ። (1 ቈረንቶስ 2:12) መንፈስ ዓለም ስስዐን ፍቕረ-ንዋይን: ብኻልእ ኣዘራርባ “ፍትወት ኣዒንቲ” የተባብዕ። (1 ዮሃንስ 2:16፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ንዋይን ገንዘብን ብርእሱ ጐዳኢ እኳ እንተ ዘይኰነ: ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ኻብቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ እንተ በሊጹ: ሰይጣን ዓወት ይረክብ እዩ። እቲ መንፈስ ዓለም ዘለዎ “ስልጣን” ወይ ሓይሊ: በቲ ንሓጥእ ስጋ ዘለዎ ስሕበት: ብውዲት: ዘየቋርጽ ብምዃን: ከምኡውን ከም ኣየር ኣብ ኵሉ ብምዝርጋሕ እዩ ዚግለጽ። እምበኣር: መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ንልብኻ ኺጸልዎ ኣይትሕደጎ!—ኤፌሶን 2:2, 3፣ ምሳሌ 4:23

13. ስነ-ምግባራዊ ትብዓትና ኺፍተን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

13 ነቲ እኩይ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ንምጽራርን ንምንጻግን ግን: ስነ-ምግባራዊ ትብዓት ይሓትት። ንኣብነት: ሕማቕ ነገር ምስ ረኣኻ: ተንሲእካ ኻብ ትያትር ምውጻእ ወይ ከኣ ነቲ ኮምፕዩተር ወይ ቲቪ ምጥፋእ ትብዓት ይሓትት። ንኣሉታዊ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ምቅዋሙን ምስ ሕማቕ ኣዕሩኽ ዝነበረካ ርክብ ምብታኹን ትብዓት የድሊ። ብተመሳሳሊ: መማህርትኻ: መሳርሕትኻ: ጐረባብትኻ: ወይ ኣዝማድካ እናኣላገጹልካ ንሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ምድጋፍ ትብዓት የድሊ።—1 ቈረንቶስ 15:33፣ 1 ዮሃንስ 5:19

14. ብመንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ እንተ ተጸሊና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

14 እምበኣር: ንኣምላኽን ንመንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘላትና ፍቕሪ ምድልዳላ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ! መንፈስ ዓለም ብዝዀነ ይኹን መገዲ እንተ ጸልዩካ ንምርኣይ: ንሸቶታትካን ንኣነባብራኻን ግዜ ወሲድካ መርምሮ። ብቝሩብ እውን እንተ ጸልዩካ: ካብ ሱሩ ንኽትምሕዎን ተመሊሱ ኸይደግስካ ንኽትከላኸሎን ትብዓት ምእንቲ ኺህበካ ናብ የሆዋ ጸሊ። የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ልባዊ ለመና ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ። (መዝሙር 51:17) ብዘይካዚ: መንፈሱ ኻብ ናይዛ ዓለም መንፈስ ኣጸቢቑ ይሕይል እዩ።—1 ዮሃንስ 4:4

ብሕታዊ ፈተናታት ብትብዓት ምግጣሙ

15, 16. ከም ናይ ክርስቶስ ዝዓይነታ ፍቕሪ ንብሕታዊ ፈተናታት ንኽንጾሮ እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧ ኣብነት ሃብ።

15 ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብ ዚቃለስዎ ሽግራት: ዘይፍጽምናን እርጋንን ዜምጽኦ ሳዕቤን: እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ዜስዕቦ ሕማም: ስንክልና: ከምኡውን ካልእ ብዙሕ ጸገማት ኪጥቀስ ይከኣል። (ሮሜ 8:22) ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ነዚ ፈተናታት እዚ ንኽንጻወሮ ኽትሕግዘና ትኽእል እያ። ንኣብነት: ነታ ኣብ ዛምብያ ኣብ ክርስትያናዊት ስድራቤት ዝዓበየት ናማንጎልዋ እስከ ንውሰድ። ጓል ክልተ ዓመት ከላ: ሰንከለት። ከምዚ ድማ ትብል:- “ትርኢተይ ንሰባት የስካሕክሖም ኢለ እሓስብ ስለ ዝነበርኩ: ሽቝርርቲ እየ ነይረ። መንፈሳውያን ኣሕዋተይ ግን ኣረኣእያይ ንምቕያር ሓገዙኒ። ከም ውጽኢት ናይዚ: ምሽቝራር ገደፍክዎ: ድሕሪ ግዜ ድማ ተጠመቕኩ።”

16 ናማንጎልዋ ብሽክለታ ስንኩላት እኳ እንተ ኣላታ: ኣብ ሑጻ ዝመልኦ ዘይተጸርገ መገዲ ግን ብኣእዳዋን ብብርካን ክትጐዓዝ ትግደድ እያ። ኰይኑ ግን: እንተ ወሓደ ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ ሓጋዚት ፈላሚት ኰይና ተገልግል እያ። ናማንጎልዋ ንሓንቲ ሰበይቲ ምስ መስከረትላ: እታ ሰበይቲ ነብዐት። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ በቲ ሓብትና ዘለዋ እምነትን ትብዓትን ኣዝያ ስለ እተተንከፈት እያ። ናማንጎልዋ ዝሓገዘቶም ሓሙሽተ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥማቖምን ሓደ ኻባታቶም ሽማግለ ጉባኤ ዀይኑ የገልግል ምህላዉን የሆዋ ኣብዚሑ ኸም ዝባረኻ የርኢ። ንሳ እውን “ብዙሕ ግዜ ኣእጋረይ ኣመና የቐንዝወኒ እኳ እንተ ዀነ: እዚ ግን ደው ኬብለኒ ኣየፍቅድን እየ” ትብል። እዛ ሓብቲ እዚኣ ሓንቲ ኻብቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ብኣካል ድኹማት: ግን ከኣ ሳላ እታ ንኣምላኽን ንብጾቶምን ዘላቶም ፍቕሪ ብመንፈስ ሓያላት ዝዀኑ ብዙሓት መሰኻኽር የሆዋ እያ። ኵሎም እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ክቡራት ኰን እዮም!—ሃጌ 2:7

17, 18. ብዙሓት ሕማምን ካልእ ፈተናታትን ንኺጽመሙ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ ገለ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ ኣብነት ሃብ።

17 ሕዱር ሕማም እውን ዚደቍስ: ካብኡ ሓሊፉ ድማ ናይ መንፈስ ጭንቀት ዜሕድር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሽማግለ ጉባኤ ኸምዚ በለ:- “ኣብታ ዝኸዳ ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ: ሓንቲ ሓብቲ ብሕማም ሽኮርያን ኵሊትን: ሓንቲ ኻልእ ብመንሽሮ: ክልተ ብሕማም ሪሕ: ሓንቲ ድማ ብሕማም ቈርበትን ቅርጥማትን ይሳቐያ ኣለዋ። ሓድሓደ ግዜ ይድቈሳ። ኰይኑ ግን: ኣዝየን ምስ ዚሓማ ወይ ኣብ ሆስፒታል ምስ ዚኣትዋ ጥራይ እየን ካብ ጉባኤ ዚበዅራ። ኵለን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብስሩዕ ይሳተፋ እየን። ነቲ ‘ምስ ዝደክም: ሽዑ እየ ዝብርትዕ’ ኢሉ እተዛረበ ጳውሎስ እየን ዜዘኻኽራኒ። ፍቕረንን ትብዓተንን አድንቖ እየ። ምናልባት ኵነታተን ንህይወትን ነቲ ብሓቂ ዜገድስን ብዝያዳ ኣነጺረን ንኺርእያኦ ይሕግዘን ይኸውን።”—2 ቈረንቶስ 12:10

18 ምስ ምምሳን: ሕማም: ወይ ካልእ ጸገማት እትቃለስ እንተ ዄንካ: ተስፋ ምእንቲ ኸይትቘርጽ ‘ከየባተኽካ ጸሊ።’ (1 ተሰሎንቄ 5:14, 17) ስምዒታዊ ዓቐበትን ቍልቍለትን ተሕልፍ እኳ እንተ ዀንካ: ኣብ ኣወንታውን መንፈሳውን ነገራት: ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ኽቡር ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ኣተኵር። ሓንቲ ሓብቲ “ንዓይ ኣገልግሎት ወፍሪ ፈውሰይ እዩ” በለት። እዛ ሓብቲ እዚኣ ነቲ ብስራት ንኻልኦት ምንጋራ: ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ሒዛ ንኽትቅጽል ይሕግዛ እዩ።

ፍቕሪ ንኣበስቲ ናብ የሆዋ ንኺምለሱ ትሕግዞም

19, 20. (ሀ) ነቶም ኣብ ሓጢኣት ዝወደቑ: ናብ የሆዋ ንኺምለሱ ትብዓት ምእንቲ ኺህልዎም እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

19 ብዙሓት ብመንፈስ ዝደኸሙ ወይ ሓጢኣት ዝፈጸሙ ሰባት: ናብ የሆዋ ምምላስ ይኸብዶም እዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብሓቂ ዚንስሑን ነታ ንኣምላኽ ዝነበረቶም ፍቕሪ ኸም ብሓድሽ ዚውልዕዋን እንተ ዀይኖም: ዜድልዮም ትብዓት ይረኽቡ እዮም። ንኣብነት: ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ማርዮ ንውሰድ። a ማርዮ ኻብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጸ: ወልፊ ኣልኮላዊ መስተን ሓሽሽን ድማ ኣጥረየ። ድሕሪ 20 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐነ። ከምዚ ድማ በለ:- “ብዛዕባ መጻእየይ ኣዕሚቘ ኽሓስብ ጀመርኩ: መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከንብብ ጀመርኩ። ድሕሪ ግዜ: ባህርያት የሆዋ ኺርድኣኒ: ብፍላይ ከኣ እቲ ብዙሕ ሳዕ ዝጸለኹሉ ምሕረቱ ኺርድኣኒ ጀመረ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ: ምስቶም ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ ተባተኽኩ: ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ከድኩ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ተመለስኩ። ኣካላተይ ነቲ ዝዘራእክዎ ይዓጽድ እኳ እንተሎ: ሕጂ ግን እንተ ወሓደ ዜደንቕ ተስፋ ኣሎኒ። ንየሆዋ ስለቲ ድንጋጹን ይቕረታኡን ኣመስጊነ ኣይጸግቦን እየ።”—መዝሙር 103:9-13፣ 130:3, 4፣ ገላትያ 6:7, 8

20 እቶም ምስ ናይ ማርዮ ኣብ ዚመሳሰል ኵነታት ዘለዉ ሰባት ናብ የሆዋ ንምምላስ ኣበርቲዖም ኪዓዩ ኸም ዘለዎም ዜጠራጥር ኣይኰነን። እታ ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብጸሎትን ብምስትንታንን እንደገና እተወልዐት ፍቕሮም ግን: እቲ ዜድሊ ትብዓትን ቈራጽነትን ትህቦም እያ። ማርዮ በቲ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ተበራቲዑ እዩ። እወ: ኣብ ልዕሊ ፍቕርን እምነትን ፍርሃት ኣምላኽን: ተስፋ እውን ንህይወትና እትጠቅም ሓያል ጽልዋ ኽትከውን ትኽእል እያ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ: ነዛ ኽብርቲ መንፈሳዊ ውህበት ኣጸቢቕና ኽንምርምራ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስም ተቐዪሩ እዩ።

ክትምልሶዶ ትኽእል፧

• ፍቕሪ ነቲ ዜደንቕ ትብዓት የሱስ ኣበርክቶ ዝገበረት ብኸመይ እያ፧

• ጳውሎስን በርናባስን ንኣሕዋት ዝነበረቶም ፍቕሪ ፍሉይ ትብዓት ዝሃበቶም ብኸመይ እያ፧

• ሰይጣን ነታ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ኼዳኽማ ዚጽዕር ብኸመይ እዩ፧

• ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ እንታይ ፈተናታት ንኽንጽመም እያ ትብዓት ክትህበና እትኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ንሰባት ዝነበረቶ ፍቕሪ ንኺጸንዕ ትብዓት ሃበቶ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ንመለክዒታት የሆዋ ምድጋፍ ትብዓት ይሓትት

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ናማንጎልዋ ሱቱቱ