ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በዛ ጽብቕቲ ምድርና ባህ ይበልካ

በዛ ጽብቕቲ ምድርና ባህ ይበልካ

በዛ ጽብቕቲ ምድርና ባህ ይበልካ

እታ መንበሪት ደቅሰብ ምስቲ ኺዕቀን ዘይከኣልን ደረት ኣልቦን ዩኒቨርስ ክትወዳደር ከላ: ከም ሓንቲ ንእሽቶ ነቝጣ ምዃና ተመራመርቲ ስነ-ኮኸብ ይገልጹ። ብዘይካ ኣብ ምድሪ: ኣብ ካልእ ግኡዝ ዩኒቨርስ ህይወት ዚብልዎ ኣይተረኽበን። ኣብዛ ፕላነትና ዝዀነት ምድሪ ጥራይ እዩ ንህይወት ዚሰማማዕ ኵነታት ዘሎ።

ብዘይካ እዚ እውን ኣብዛ ጽብቕቲ ዓለምና ባህ ኢሉና ኽንነብር ንኽእል ኢና። ኣብ ቈራሪ መዓልቲ ብጸሓይ ክትመውቕ ከለኻ: ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! በቲ ጸሓይ ክትበርቕን ክትዓርብን ከላ ዚርአ ዕጹብ ትርኢት ልቡ ዘይትንከፍ እሞ መን እዩ፧ ሓቂ እዩ: ጸሓይ ንስምዒታትና ኻብ ምሕጓስ ንላዕሊ እያ እትገብር። ንህይወትና ኣዝያ ኣገዳሲት እያ።

ንሚልዮናት ዓመታት: እቲ ጸሓይ ዘለዋ ሓይሊ ስሕበት ንምድሪ ይኹን ነተን ካልኦት ፕላነታት ቦታአን ከይሰሓታ ኸም ዚዞራ ገይርወን እዩ። ብተወሳኺ እውን: ከምቲ ተመሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚመሃርዎ: ብምሉኡ ስርዓተ-ጸሓይ ኣብ ሕምብርቲ እቲ ንሕና እንነብረሉ ጸባዊ መገዲ ዚበሃል ጋላክሲ: ወይ ጋላክሲ ሊሐ እዩ ዚዘውር። ኣብዚ ዘለናዮ ጋላክሲ ግን: ጸሓይ ሓንቲ ኻብቶም ብሓደ ዀይኖም ነዚ ጕዕዞ እዚ ዚገብሩ ልዕሊ 100 ቢልዮን ዝዀኑ ኸዋኽብቲ እያ።

ጋላክሲ ሊሐ ኣብ ጥምሮ እቲ 35 ዚኸውን ጋላክሲታት ተኣሲሩ ይርከብ። ዝዓበየ ጥምሮታት ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ጋላክሲታት ይሕዝ። እዚ ስርዓተ-ጸሓይና ኣብ ኣዝዩ ዓብዪን ጽዑቕን ጥምሮ እንተ ዚኸውን: ስሩዕ ኣካይዳኡ ምተረበሸ ነይሩ። ስለዚ: ከምቲ ጊልየርሞ ጎንሳሌስን ጀይ ሪቻርድስን ኣብታ ዘ ፕሪቭለጅድ ፕላነት ዘርእስታ መጽሓፎም ዝገለጽዎ: ኣብዚ ዩኒቨርስ ነዚ ኸምዚ ናትና ዓይነት “እተሓላለኸ ህይወት ዚምሽእ” ቦታታት ኣዝዩ ውሑድ እዩ።

እቲ ኣብዛ ፕላነት እዚኣ ዘሎ ህይወት: ብወዝቢ ዘጋጠመ ወይ ከኣ ናይ ኣጋጣሚ ውጽኢት እቲ “ዓብዪ ንትጓ” ድዩ፧ ወይስ ኣብዛ ጽብቕቲ ፕላነት ዝዀነት ምድሪ ዘሎ ህይወት ዓብዪ ትርጕም ኣለዎ፧

ብዙሓት ሰባት እዛ ምድርና ህይወት ክትጸውር እያ ተሰሪሓ ኣብ ዚብል መደምደምታ በጺሖም እዮም። a ሓያሎ ዘመናት ይገብር: ሓደ እብራዊ ገጣሚ ብዛዕባ ምድርን ሰማይን ጠቒሱ ነበረ። “ንሰማያትካ: ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ: ንስኻ ዘቘምካዮም: ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ: . . . ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧” ብምባል ድማ ጸሓፈ። (መዝሙር 8:3, 4) እዚ ገጣሚ እዚ ፈጣሪ ኺህሉ ኣለዎ ኢሉ ይኣምን ነበረ። እዚ መደምደምታ እዚ ኣብዚ ዘለናዮ ስነ-ፍልጠታዊ መዋእል ርትዓዊ ድዩ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ መጽሓፍ መዝሙር: ብፍላይ ከኣ ኣብ መዝሙር 8 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

እታ ዘ ኢላስትረይትድ ሳይንስ ኢንሳይክሎፔድያ—ኣሜዚንግ ፕላነት አርዝ ዘርእስታ መጽሓፍ: “ምድሪ ኻብ ርሑቕ ክትርአ ኸላ: ኣብቲ ጸልማት ዝዀነ ህዋ እትርከብ ሰማያዊት ዕንቍ እያ እትመስል” በለት።

[ምንጪ ስእሊ]

Globe: U.S. Fish & Wildlife Service, Washington, D.C./NASA