ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብርቂ ስርዓተ-ጸሓይና ብኸመይ ናብ ህላወ መጸ፧

ብርቂ ስርዓተ-ጸሓይና ብኸመይ ናብ ህላወ መጸ፧

ብርቂ ስርዓተ-ጸሓይና ብኸመይ ናብ ህላወ መጸ፧

እቲ ስርዓተ-ጸሓይና ዚርከቦ ቦታ ብርቂ ዚገብሮ ብዙሕ ረቛሒታት ኣሎ። ብተዛማዲ ኺርአ ኸሎ ኣብቲ ብዙሕ ጻዕቂ ኸዋኽብቲ ዘይብሉ ኽፋል ጋላክሲ ሊሐ እዩ ዚርከብ። ዳርጋ ዅሎም እቶም ብለይቲ እንርእዮም ከዋኽብቲ ኻባና ኣዝዮም ርሒቖም ስለ ዚርከቡ: በቲ ዝዓበየ ተለስኮፕ ኺረኣዩ ኸለዉ እውን ከይተረፈ ኣዝዮም ደቀቕቲ ብርሃን ኰይኖም እዮም ዚረኣዩ። ስርዓተ-ጸሓይና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ምርካቡ እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧

እዚ ስርዓተ-ጸሓይና ናብ ሕምብርቲ ጋላክሲ ሊሐ ዝቐረበ እንተ ዚኸውን ነይሩ: ኣብ መንጎ እቲ ጽዑቕ ከዋኽብቲ ስለ እንኣቱ: በቲ ዜስዕቦ ጐዳኢ ጽልዋ ምተሳቐና ኔርና። ንኣብነት: ነቲ ምድሪ እትገብሮ ዙረት መበላሸዎ ነይሩ፣ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት ሓደገኛ ጽልዋ ምሃለዎ። ስርዓተ-ጸሓይ ኣብ ጋላክሲ ኣብ ግቡእ ቦታኡ ምህላዉ ግን: ከምዚ ዓይነት ሓደጋታት የወግድ። ኣብ ርእሲኡ ኸኣ ጋዛት ዝመልአ ደበና ኺሓልፍ ካብ ዜስዕቦ ረስኒ: ዚፍንጀሩ ኸዋኽብትን ካልእ ቀታሊ ጸርግን ካብ ዜስዕቦ ሓደጋ: ከምኡውን ካብ ካልእ ሓደጋታት ንስተር።

ጸሓይ ምስቲ ድሌትና እትቃዶ ዓይነት ኮኸብ እያ። ኵሉ ሳዕ ሙቐት እትህብን ንነዊሕ እዋን እትነብርን እያ፣ ኰይኑ ግን ኣዝያ ዓባይ ወይ ከኣ ኣዝያ ርስንቲ ኣይኰነትን። መብዛሕትኦም እቶም ኣብዚ ጋላክሲና ዘለዉ ኸዋኽብቲ ኻብ ጸሓይ ኣዝዮም ይንእሱ: ነቲ ኣብዛ ፕላነትና ዝዀነት ምድሪ ዘሎ ህይወት ዚኸውን ግቡእ ብርሃንን ዋዕን ድማ የብሎምን። ብተወሳኺ እውን መብዛሕትኦም ከዋኽብቲ ምስ ካልኦት ከዋኽብቲ ብሓይሊ ስሕበት እተኣሳሰሩ ስለ ዝዀኑ: ኣብ ንሓድሕዶም እዮም ዚዞሩ። ጸሓይና ግን ከምዚ ኣይኰነትን። እዚ ስርዓተ-ጸሓይና ምስ ካልኦት ጸሓይ ብሓይሊ ስሕበት ዚራኸብ እንተ ዚኸውን ነይሩ: ስርዓቱ ምተበላሸወ ነይሩ።

ነዚ ስርዓተ-ጸሓይና ብርቂ ኻብ ዚገብሮ ኻልእ ረቛሒ: ቦታ እተን ብግዳም ዚርከባ ዳርጋ ኽቢ ቕናት ዙረት ዘለወን ዓበይቲ ፕላነታት እዩ፣ እዘን ፕላነታት እዚኣተን ነተን ኣብ ውሽጣዊ ኽፋል ዚርከባ ምድራውያን ፕላነታት ብሓይሊ ስሕበት ኣይርብሻአንን እየን። a ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ሓደገኛ ዝዀነ ኣካላት ናብአን ብምስሓብ ኣንፈቱ ይልውጣኦ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ዕቝባ ዀይነን የገልግላ። ፒተር ዋርድን ዶናልድ ብራውንሊን ዝስሞም ተመራመርቲ ኣብታ ሬር አርዝ—ዋይ ኮምፕለክስ ላይፍ ኢዝ ኣንኮመን ኢን ዘ ዩኒቨርስ ዘርእስታ መጽሓፎም: “ኣስተሮይድን ኮመትን ምሳና ይጋጨዉ እዮም: ሳላ እታ ብጋዝ ዝቘመት ስግርና ዘላ ጁፒተር ግን ብዙሕ ሳዕ ኣይኰነን ከምዚ ዜጋጥም” ብምባል ገለጹ። ዓበይቲ ፕላነታት ዘለዎ ኻልእ ስርዓተ-ጸሓይ እኳ እንተ ተረኽበ: መብዛሕትኡ ግን ንሓንቲ ኸም ምድሪ ዝዓይነታ ንእሽቶ ፕላነት ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ዙረት እዩ ዚገብር።

ወርሒ ዘለዋ ግደ

ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ: ደቅሰብ ብወርሒ ወትሩ ምስ ተገረሙ እዮም። ንገጠምትን ንሙዚቀኛታትን መሲጣቶም እያ። ንኣብነት: ሓደ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዚነብር ዝነበረ እብራዊ ገጣሚ ንወርሒ ‘ኸም እሙን ምስክር ኣብ ደበና ንዘለኣለም ከም እትቐውም’ ገይሩ ገሊጽዋ ኣሎ።—መዝሙር 89:37

ሓደ ኻብቲ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ንዘሎ ህይወት እተሕድሮ ጽልዋ: እቲ ዘለዋ ሓይሊ ስሕበት ኣብ ምልኣት ባሕርን ኣብ ምንቅስቓሳት ሞገዳትን ዘለዎ ሳዕቤን እዩ። እቲ ሞገዳት ዚገብሮ ምንቅስቓስ ድማ ንውቅያኖስ ከም ዚውሕዝ ይገብር፣ እዚ ኸኣ ንዅነታት ኣየር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ወርሒ በቲ ዘለዋ ሓይሊ ስሕበት ኣቢላ ምድሪ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ክትዘውር ከላ ዛብያኣ ሓልያ ኸም እትጐዓዝ ትገብራ። ብመሰረት እቲ ኔቸር ዘርእስቱ ስነ-ፍልጠታዊ መጽሔት: ወርሒ እንተ ዘይትህሉ ነይራ: ምድሪ ኣብ ዝነውሐ እዋን ካብ “0 [ዲግሪ] ናብ 85 [ዲግሪ]” ምቐነነት ነይራ። ናይ ምድሪ ዛብያ ቝሩብ ቅንን ዝበለ እንተ ዘይከውን ነይሩ እንታይ ከም ዜጋጥም እሞ ሕስብ ኣብሎ! እቲ ባህ ዜብል ምቅይያር ወቕቲ ኣይምሃለወን: ብሕጽረት ዝናም እውን ምተጐዳእና ኔርና። ምድሪ ቝሩብ ቅንን ዝበለት ብምዃና: እቲ ሙቐታ ኻብቲ ኽንጾሮ እንኽእል ንላዕሊ ኸም ዘይከውን ይገብሮ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ተመራማሪ ስነ-ኮኸብ ዝዀነ ዣክ ላስካር: “እዚ ሕጂ ዘሎና ርጉእ ኵነታት ኣየር ሳላ ሓደ ፍሉይ ፍጻመ ኢና ኽንረኽቦ ኽኢልና: እዚ ድማ ወርሒ ብምህላዋ እዩ” ኢሉ ዝደምደመ። ወርሒ ነቲ ኣብ ምድሪ ርግኣት ከም ዚህሉ ዚገብር ዕዮኣ ንምፍጻም ምእንቲ ኺሕግዛ: ምስተን ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ፕላነታት ዚርከባ ወርሕታት ክትወዳደር ከላ ዓባይ እያ።

ከምቲ ኣብ ጥንታዊ መጽሓፍ ዘፍጥረት ተገሊጹ ዘሎ: እዛ ንምድሪ እትዞራ ወርሒ እትፍጽሞ ኻልእ ዕዮ ኣለዋ: እዚ ኸኣ ብለይቲ ብርሃን ምሃብ እዩ።—ዘፍጥረት 1:16

ብወዝቢ ወይስ ብዕላማ፧

ነቲ ህይወት ኣብ ምድሪ ኸም ዚህሉ ጥራይ ዘይኰነስ: ዜሐጕስ ከም ዚኸውን ዚገብሮ ብዙሕ ረቛሒታት ብኸመይ ክትገልጾ ትኽእል፧ ክልተ ኣማራጺ እዩ ዘሎ። እቲ ሓደ: ኵሉ እዚ ሓቅታት እዚ ውጽኢት ናይ ሓደ ዕላማ ዘይብሉ ወዝቢ እዩ ዚብል እዩ። እቲ ኻልኣይ ድማ ንዅሉ እዚ ነገራት እዚ ምስትውዓል ዝመልኦ ዕላማ ኣለዎ ዚብል እዩ።

ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት: ቅዱሳት ጽሑፋት እዚ ዩኒቨርስ ብሓደ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም እተወጠነን እተገብረን ይገልጽ። እዚ ሓቂ እንተ ዀይኑ: ኣብ ስርዓተ-ጸሓይና ዘሎ ዅነታት ብወዝቢ ዘይኰነስ: ውጽኢት ናይ ሓደ ብፍላጥ እተገብረ ንድፊ እዩ። ፈጣሪ ኣብ ምድሪ ህይወት ንኺህሉ ብዛዕባ ዝወሰዶ ተኸታታሊ ስጕምትታት ዚገልጽ ጸብጻብ ሂቡና ኣሎ። እዚ ጸብጻብ እዚ 3,500 ዓመት ዝገበረ እኳ እንተ ዀነ: እቲ ኣብኡ ዘሎ ብዛዕባ ታሪኽ እዚ ዩኒቨርስ ዚገልጽ ፍጻመታት ግን ምስቲ ተመራመርቲ ዚኣምኑሉ ነገራት ዚመሳሰል ምዃኑ የገርመካ ይኸውን። እዚ ጸብጻብ እዚ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ኢና እንረኽቦ። እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።

ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ ፍጥረት

“ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።” (ዘፍጥረት 1:1) እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መእተዊ ቓላት ብዛዕባ ፍጥረት እዚ ስርዓተ-ጸሓይና እዩ ዚገልጽ: ብዛዕባ ፍጥረት ፕላነትናን ብዛዕባ እቶም ነዚ ዩኒቨርስ ዘቘሙ ብቢልዮናት ኣብ ዚቝጸሩ ጋላክሲታት ዚርከቡ ኸዋኽብትን እውን ይጠቅስ እዩ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: ሓደ እዋን እዛ ምድሪ “በረኻን ጥራያን ነበረት።” ክፍለ-ዓለማት ይኹን ፍርያም መሬት ኣይነበረን። እተን ቀጺለን ዘለዋ ቓላት ግን ብዛዕባ እቲ ተመራመርቲ ሓንቲ ንህይወት እትምሽእ ፕላነት ኪህልዋ ዚግባእ ዚብልዎ ነገር: ማለት ብዛዕባ ማያት ዜጕልሓ እየን። መንፈስ ኣምላኽ “ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ” ድማ ይብላ።—ዘፍጥረት 1:2

እቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ማያት ፈሳሲ ዀይኑ ንኪቕጽል: ሓንቲ ፕላነት ካብ ጸሓይ ኣብ ግቡእ ርሕቀት ክትህሉ ኣለዋ። ብዛዕባ ፕላነት ዜጽንዕ ኣንድሪው ኢንገርሶል ዝስሙ ተመራማሪ: “ማርስ ኣዝያ ዝሕልቲ እያ: ቨኑስ ከኣ ኣዝያ ውዕይቲ እያ: ምድሪ ግን እተመጣጠነት እያ” በለ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ኣትክልቲ ኺበቍል እንተ ዀይኑ: እኹል ብርሃን ኪህሉ ኣለዎ። ከምቲ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ: ኣብቲ ናይ መጀመርታ እዋን ፍጥረት: ኣምላኽ እቲ ናይ ጸሓይ ብርሃን ነቲ ንውቅያኖስ ከም “መጠቕለሊ” ቘልዓ ዀይኑ ዝሸፈኖ ነገር ሰንጢቑ ኸም ዚሓልፍ ገበሮ፣ እዚ ነገር እዚ እቲ ዝሃፈፈ ማይ ዝፈጠሮ ደባን ደበና እዩ ነይሩ።—እዮብ 38:4, 9፣ ዘፍጥረት 1:3-5

ኣብቲ ቐጺሉ ዘሎ ጸብጻብ ዘፍጥረት: ኣምላኽ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ጠፈር” ኢሉ ዚጽውዖ ነገር ከም ዝገበረ ነንብብ። (ዘፍጥረት 1:6-8) እዚ ጠፈር እዚ ንሃዋህው ምድሪ ዜቕውም ኰይኑ: ብጋዝ እተመልአ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ቀጺሉ: ኣምላኽ ነቲ በረኻ ዝነበረ ጽፍሒ ምድሪ ብምቕያር ንቑጽ መሬት ገበረ። (ዘፍጥረት 1:9, 10) ነዚ ድማ ንዝባን ምድሪ ብምንቅስቓስ ከም ዚእከብ ገይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣዝዩ ዓሚቝ ጕድጓድ ተፈጥረ: ክፍለ-ዓለማት ድማ ካብ ውቅያኖስ ወጻ።—መዝሙር 104:6-8

ኣብ ሓደ ብትኽክል ዘይፍለጥ እዋን: ኣምላኽ ብቐሊሉ ብዓይኒ ኺርአ ዘይክእል ኣብ ውሽጢ ውቅያኖስ ዚበቝል ሰበባ ፈጠረ። እዚ ብርእሱ ዚፋረ ሓንቲ ዋህዮ ዘላቶ ዓይነት ተኽሊ ነቲ ኻብ ጸሓይ ዚረኽቦ ጸዓት ተጠቒሙ: ነቲ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ናብ ምግቢ ብምልዋጥ: ኦክስጅን ናብ ሃዋህው ኪፍኑ ጀመረ። እዚ ኣዝዩ ዜገርም መስርሕ እዚ ኣብታ ሳልሰይቲ እዋን ፍጥረት: እቲ ንምድሪ ዝሸፈና ብቝሊ ምስ ተፈጥረ እናተሳለጠ ኸደ። በዚ ኸምዚ እቲ ኣብ ሃዋህው ዝነበረ ኦክስጅን እናወሰኸ ኸደ: እዚ ድማ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባትን እንስሳታትን ብህይወት ንኪቕጽሉ ዚገብሮም ዜስተንፍስዎ ነገር ከም ዚህሉ ገበረ።—ዘፍጥረት 1:11, 12

ፈጣሪ: እታ መሬት ፍርያም ንኽትከውን ኢሉ ኣብ ሓመድ ዚነብሩ ንኣሽቱ ነፍሳት ገበረ። (ኤርምያስ 51:15) እዞም ንኣሽቱ ነፍሳት ነቲ ዝሞተ ነገር ከም ዚምሽምሽ ብምግባር: ነቲ ኣትክልቲ ንኺጥጥዑ ዜድልዮም ባእታታት የዳልዉ። ፍልይ ዝበሉ ኣብ ሓመድ ዚርከቡ ባክተርያ እውን ንናይትሮጅን ካብ ኣየር ብምቕባል: ነቲ ኣትክልቲ ንኺዓብዩ ዜድልዮም ኣድላዪ ባእታታት ይሰርሑ። እቲ ዜገርም: ኣብ ሓንቲ ዕማኾ ፍርያም ሓመድ: ብገምጋም ሽዱሽተ ቢልዮን ዚዀኑ ደቀቕቲ ነፍሳት ኣለዉ!

ዘፍጥረት 1:14-19 ጸሓይ: ወርሒ: ከምኡውን ከዋኽብቲ ኣብታ ራብዐይቲ እዋን ፍጥረት ከም እተገብሩ ትገልጽ። ብላዕለ ላዕሉ ኽትርእዮ ኸለኻ: እዚ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ቕዱስ ጽሑፋዊ መግለጺ ዚጋጮ ኺመስል ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ንዘፍጥረት ዝጸሓፋ ሙሴ ንጸብጻብ ፍጥረት ብኣረኣእያ ሓደ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ተዓዛቢ ዀይኑ ኸም ዝጸሓፋ ኣይትረስዕ። ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዘን እየን ኣብ ምድሪ ዄንካ ኺረኣያ ጀሚረን።

ጸብጻብ ዘፍጥረት: ፍጥረታት ባሕሪ ኣብ ሓምሸይቲ እዋን ፍጥረት: እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ እንስሳታትን ሰባትን ድማ ኣብ ሻድሸይቲ ኸም እተፈጥሩ ይገልጽ።—ዘፍጥረት 1:20-31

ምድሪ ሰባት ኪሕጐሱላ እያ ተፈጢራ

እቲ ኣጀማምራኡ ኣብ ጸብጻብ ዘፍጥረት ተገሊጹ ዘሎ ኣብዛ ምድሪ ዘሎ ህይወት: ክንሕጐሰሉ ኸም እተገብረ ኣይትሰማማዓሉንዶ፧ ኣብ ሓንቲ ብርህቲ መዓልቲ ተንሲእካ: ጽሩይ ኣየር ብምስትንፋስ: ብህይወት ብምህላውካ እተሓጐስካሉ ግዜ ኣሎዶ፧ ምናልባት ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ሸናዕ እናበልካ ብጽባቐን ጨናን እቲ ዕምባባታት ባህ ኢሉካ ይኸውን። ወይ ከኣ ናብቲ ፍረታት ዚርከቦ ኣእዋም ብምኻድ ኣዝዩ ምቁር ፍረ ትበልዕ ትኸውን። ከምዚ ዝበለ ሓጐስ ግን እዚ ዚስዕብ እንተ ዘይህሉ ነይሩ ንምርካቡ ኣጸጋሚ ምዀነ:- (1) ኣብ ምድሪ ዚርከብ ብዙሕ ማይ: (2) ካብ ጸሓይ ዚመጽእ ግቡእ ሙቐትን ብርሃንን: (3) ብግቡእ እተመጣጠነ ኣየር ዘለዎ ሃዋህው: ከምኡውን (4) ፍርያም መሬት።

እዚ ዅሉ ኣብ ማርስ: ቨኑስ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ኣብ ጥቓና ዚርከባ ፕላነታት ዘይርከብ ነገር ብወዝቢ ዝመጸ ነገር ኣይኰነን። እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት ባህ ዜብል ንኪኸውን ተባሂሉ ብዚግባእ እተመዓራረየ ነገር እዩ። ከምቲ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ እትገልጾ: መጽሓፍ ቅዱስ እውን ፈጣሪ ነዛ ጽብቕቲ ፕላነትና ንዘለኣለም ክትነብር እዩ ፈጢርዋ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እተን ኣብ ውሽጣዊ ኽፋል ስርዓተ-ጸሓይና ዚርከባ ኣርባዕተ ፕላነታት: ማለት መርኩሪ: ቨኑስ: ምድሪ: ከምኡውን ማርስ ኣኻውሕ ዝመልአን ስለ ዝዀና: ምድራውያን ተባሂለን እየን ዚጽውዓ። እተን ገዘፍቲ ብግዳም ዚርከባ ፕላነታት: ማለት ጁፒተር: ሳተርን: ዩራኑስ: ከምኡውን ነፕቱን ብዓብይኡ ብጋዝ ዝቘማ እየን።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

“ከም ተመራማሪ ስነ-መሬት መጠን: ነቲ ብዛዕባ መበቈል ምድሪ ኸምኡውን ህይወት ኣብኣ ብኸመይ ከም ዝማዕበለ ዚገልጽ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ሓሳባት: ንኸምቶም ኦሪት ዘፍጥረት እተጻሕፈሎም ነገዳት ዝኣመሰሉ ተራ ሰብ ማል: ብቕልል ዝበለ መገዲ ንኸረድኦም እንተ ዝሕተት: ነቲ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ ሓደ ዘሎ መግለጺ ተጠንቂቐ ኻብ ምስዓብ ዝሓሸ ኽገብር ኣይክእልን እየ።”—ተመራማሪ ስነ-መሬት ዝዀነ ዋለስ ፕራት

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንስነ-ኮኸብ እውን ዚሰማማዕ ቦታ

ጸሓይ ኣብ ካልእ ክፋል እዚ ጋላክሲና እንተ ትኸውን ነይራ: ንከዋኽብቲ ጽቡቕ ጌርና ኣይምረኣናዮምን ኔርና። እታ ዘ ፕሪቭለጅድ ፕላነት ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ስርዓተ-ጸሓይና . . . ካብቲ ደሮናን ብርሃንን ዝበዝሖ ኸባቢ ርሒቑ እዩ ዚርከብ: እዚ ድማ ነቶም ኣብ ቀረባ ዚርከቡ ኸዋኸብትን ነቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ዩኒቨርስን ጽቡቕ ጌርና ንኽንርኢ የኽእለና።”

ኣብ ርእሲ እዚ እውን እቲ ወርሒ ዘለዋ ግዝፍን ካብ ምድሪ ዘለዋ ርሕቀትን: ኣብ እዋን ግርደተ-ጸሓይ ብልክዕ ንጸሓይ ከም እትሽፍና ዚገብር እዩ። እዚ ሓሓሊፉ ዚርአን ዜገርምን ፍጻመታት: ተመራመርቲ ስነ-ኮኸብ ብዛዕባ ጸሓይ መጽናዕቲ ንኺገብሩ ኣኽኢልዎም እዩ። ከምዚ ዝበለ መጽናዕቲ ድማ ነቲ ኸዋኽብቲ ብኸመይ ከም ዜብርሁ ዚገልጽ ቅድሚ ሕጂ ዘይፍለጥ ዝነበረ ሓቅታት ጋህዲ ገበሮ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ክብደት ወርሒ ንዛብያ ምድሪ ወትሩ ብእተወሰነ ዲግሪ ኸም ዚቐንን ይገብሮ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ምድሪ ህይወት ከም ዚህሉ ዚገብር እንታይ እዩ፧ ብብዝሒ ዚርከብ ማይ: ግቡእ ብርሃንን ሙቐትን: ሃዋህው: ከምኡውን ፍርያም መሬት

[ምንጪ ስእሊ]

Globe: Based on NASA Photo; wheat: Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.