ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ “ቤት እምኒ” ዚግበር ዘሎ መንፈሳዊ ህንጸት

ኣብ “ቤት እምኒ” ዚግበር ዘሎ መንፈሳዊ ህንጸት

ኣብ “ቤት እምኒ” ዚግበር ዘሎ መንፈሳዊ ህንጸት

“ቤት እምኒ” ዚብል ትርጕም ስም ዘለዋ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ኣላ። በቲ ቪክቶርያ ዚበሃል መንጫዕጫዕታኣን በቶም እተፈላለዩ እንስሳታት ዘገዳምን እተፈልጠት እያ። ብዘይዚ እውን ካብቲ ደቡብ ካብ ሰሃራ ዘሎ: እቲ ዝሰፍሐ ብሰብ እተሰርሐ ጥንታዊ ህንጻታት ኣብኣ እዩ ዚርከብ። ብማእከላ ሰንጢቑ ዚሓልፍ ጸሊም ኣእማን ዚመልኦ ኸበሳ ኣለዋ። እቲ ኣብቲ ኸበሳ ዚርከብ ማእከላይ ኵነታት ኣየር ነቲ ኸባቢ ኣልሚዕዎ እዩ። እዛ ሃገር እዚኣ ኣስታት 12 ሚልዮን ህዝቢ ዘለውዋ ዚምባብወ እያ።

ቤት እምኒ ዚብል ስም እተዋህባ ግን ስለምንታይ እዩ፧ ብ1867 ኣዳም ረንደርስ እተባህለ ሃዳናይን ዳህሳስን ልዕሊ 720 ሄክታር ስፍሓት ኣብ ዘለዎ መሬት እተዘርግሐ ዓበይቲ ህንጻታት ኣእማን ረኸበ። ኣብቲ ብጭቃ: ብኣዕኑድ: ከምኡውን ብሓሰር እተሰርሐ ኣባይቲ ዚርከቦ ምድረ ሳዕሪ ኣፍሪቃ ኺጐዓዝ ድሕሪ ምጽናሑ ኸኣ እዩ ኣብ ሓንቲ ዑናታት ኣእማን ዝመልኣ: ሎሚ ዓባይ ዚምባብወ እትበሃል ዘላ ኸተማ ዝበጽሐ።

እዚ ዑናታት እዚ ብደቡብ እቲ ማስቪንጎ ተባሂሉ ዚፍለጥ ቦታ እዩ ዚርከብ። ገሊኡ መናድቕ ልዕሊ 9 ሜተር ብራኸ ዘለዎ ዀይኑ ብጸሊም እምኒ ብዘይ ጭቃ እተነድቀ እዩ። ኣብቲ ዑና: ሓደ ኣብ መሰረቱ ኺዕቀን ከሎ 6 ሜተር ዝሰንጣቒቱ: ዳርጋ 11 ሜተር ከኣ ዝቝመቱ ፍልይ ዝበለ ኮኖ-መሰል ግምቢ ኣሎ። ዕላማ እዚ ግምቢ እዚ ኽሳዕ ሕጂ ብልክዕ ኣይተፈልጠን። እቲ ዑና ኣብ ሻምናይ ዘመን ድ.ክ. ከም እተፈጸመ ዚንገር እኳ እንተ ዀነ: እቲ ቦታ ቕድሚኡ ንኣማእታት ዓመታት ሰብ ይነብሮ ኸም ዝነበረ ዚሕብር መርትዖ ግን ኣሎ።

ብ1980 እታ ሽዑ ሮደዥያ እትበሃል ዝነበረት ሃገር ካብ ግዝኣት ብሪጣንያ ናጻ ወጺኣ ዚምባብወ ተባህለት። ኣብታ ሃገር ሾና ኸምኡውን ንደበለ ዚበሃሉ ኽልተ ዓበይቲ ቐቢላታት ኣለዉ፣ መብዛሕትኦም እቶም ህዝቢ ግን ሾና እዮም። እቶም ህዝቢ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ምዃኖም: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ወንጌላውነቶም ካብ ቤት ናብ ቤት ኪኸዱ ኸለዉ ብዙሕ ሳዕ ኣስተብሂሎምሎም እዮም። አረ ሓድሓደ ግዜስ ሓደ ጋሻ ምስ ኳሕኵሐ: መንነቱ ኸይተፈልጠ እውን “እቶ” “ኮፍ በል” ዚብል ዕድመ እዩ ዚቐርበሉ። መብዛሕትኦም ዚምባብወያውያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ: ቅዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ ኪግበር ከሎ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ንደቆም ኮፍ ኢሎም ከም ዚሰምዑ እዮም ዚገብሩ።

ዜጸናንዕ ሃናጺ መልእኽቲ ምሃብ

ዚምባብወ ኣብ ዜና ኽትለዓል ከላ: “አይድስ” ከምኡውን “ድርቂ” ዚብላ ቓላት ብተደጋጋሚ እየን ዚጥቀሳ። ኣብተን ደቡብ ካብ ሰሃራ ዚርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስፍሕፋሕ አይድስ ኣብ ህዝቢ ይኹን ኣብ ቍጠባ ኸቢድ ጕድኣት እዩ ኣስዒቡ። ኣብዛ ሃገር እዚኣ: ኣብ ሆስፒታል ዚኣትዉ ሕሙማት መብዛሕትኦም ምስ ኤች.ኣይ.ቪ. እተተሓሓዘ ሕማም እዩ ዘለዎም። እቲ ሕማም ንሓያሎ ሰባት ኣብ ናብራ ስድራቤቶም ዓብዪ ጕድኣት ኣስዒቡሎም እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብ ዚምባብወ ዘለዉ ሰባት ንምሕጋዝ: እቲ ዝበለጸ ናብራ ህይወት: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት ኣምላኽ ምዃኑ ይእውጁሎም ኣለዉ። ንኣብነት: ቃል ኣምላኽ እቲ መለኮታዊ ውህበት ዝዀነ ጾታዊ ርክብ ኣብ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ ኪፍጸም ከም ዘለዎ: ግብረ ሶዶም ብኣምላኽ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ: ምምሕልላፍ ደም ይኹን ምውሳድ ሓሽሽ ብሕጊ የሆዋ ኽልኩል ምዃኑ ይምህር። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29፣ ሮሜ 1:24-27፣ 1 ቈረንቶስ 7:2-5፣ 2 ቈረንቶስ 7:1) ብዘይዚ እውን እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ ቀረባ ግዜ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ዓይነት ሕማም ከተጥፍኦ ምዃና ብምጕላሕ ነዚ ጭቡጥ ተስፋ ዝሓዘ መልእኽቲ ይዝርግሑ ኣለዉ።—ኢሳይያስ 33:24

ረድኤት ምሃብ

ድርቂ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት: ኣብ ዚምባብወ ኸቢድ ጕድኣት ኣስዓበ። እንስሳታት ዘገዳም ብጥሜትን ድርቀትን ረገፉ። ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸራ ኸብቲ ሞታ። ሄክታራት ዚሽፍን ኣእዋም ዝመልኦ ዱር ብሓዊ በረሰ። ሓያሎ ቘልዑን ኣረጋውያንን ብጕድለት ምግቢ ሞቱ። እቲ ዓብዪ ፈለግ ዛምበዚ እኳ ኸይተረፈ እናነከየ ስለ ዝኸደ እቲ ብእኡ ዚንቀሳቐስ ዝነበረ መመንጨዊ ኤለክትሪክ ኣብ ዜስግእ ኵነታት በጽሐ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም በዚ ሽግራት እዚ እተጐድኡ ንምሕጋዝ: ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት እታ ሃገር: ሸሞንተ ኮሚተታት ረድኤት ኣቘሙ። ገየሽቲ ሓለውቲ እቲ ብሓቂ ንኣሕዋት ዜድልዮም እንታይ ምዃኑ ንምግምጋም: ጉባኤታት እናበጽሑ ንዝረኸብዎ ዘበለ ሓበሬታ ናብ ዚምልከቶ ኮሚተ ረድኤት የመሓላልፍዎ ነበሩ። ሓደ ገያሺ ሓላዊ ኸምዚ ዚስዕብ ጸብጻብ ኣቕረበ:- “ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት: ልዕሊ ሓደ ሽሕ ቶን ዕፉን: ዓሰርተ ቶን ደረቕ ዓሳ: ከምኡውን ክንዳኡ ዚኣክል ባልደንጓ ዓዲልና ኢና። መንፈሳውያን ኣሕዋትና ኽልተ ቶን ሙፉሽዋ [ደረቕ ኣትክልቲ] ኣዳለዉ። እተበርከተ ሓያሎ ኽዳውንትን ገንዘብን እውን ዓዲልና ኢና።” ካልእ ገያሺ ሓላዊ ኸኣ ከምዚ በል:- “ነዚ ቐረብ እዚ ንምምጻእ ነቲ ብዚምባብወ ይኹን ብደቡብ ኣፍሪቃ እተሓተተ ፍቓድ ንኽንረክብ ዘሕለፍናዮ ጸገም ኰነ ነዚ ብዙሕ ዜድሊ ረድኤት ንምጕዕዓዝ ኣጋጢሙ ዝነበረ ቐጻሊ ሕጽረት ነዳዲ ኽዝክር ከለኹ: ዓወትና ነቲ የሱስ: ናይ ሰማይ ኣቦና እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየና ዚፈልጥ ምዃኑ እተዛረበና ቓላት ሓቅነቱ ዜረጋግጸልና ተወሳኺ መርትዖ እዩ: ብምባል ክድምድም ጥራይ እየ ዝኽእል።”—ማቴዎስ 6:32

ገየሽቲ ሓለውቲ ኣብቲ ብድርቂ እተጠቕዐ ቦታታት ኪሰርሑ ኸለዉ ነቲ ሽግር ብኸመይ ይሓልፍዎ ነበሩ፧ ገሊኣቶም ንርእሶምን ነቶም ዜሕድርዎም ስድራቤታትን ዚኸውን ምግቢ ተሰኪሞም ይኸዱ ነበሩ። ሓደ ኻብኣቶም ከም ዘዘንተዎ: ገለ ኻብ ክርስትያን ኣሓትና ነቲ ኻብ መንግስቲ ኺመጽእ ትጽቢት ዚግበረሉ ረዲኤት ሪጋ ምእንቲ ኺሕዛ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ኣገልግሎት ኬብኵራ ዚኽእላ እንተ ዀይነን ተዘራረባ። ኣብቲ ዕዮ ስብከት ብምትኳርን እቲ ሽግር ብኸመይ ከም ዚፍታሕ ብምጽባይን ኣብ የሆዋ ኺእመና ወሰና። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ግን ካብ መንግስቲ ዝመጸ ረድኤት ኣይነበረን።

ንጽብሒቱ ክርስትያናዊ ኣኼባ ኺግበር ተመዲቡ ነበረ: እዘን ኣሓት እዚኣተን እንደገና ውሳነ ምግባር ኣድለየን። ኣብ ኣኼባ ኺእከባ ድየን: ወይስ ረዲኤት ንኺመጸለን ኪጽበያ እየን ኪኸዳ፧ ነቲ ኣኼባ ቐዳምነት ብምሃብ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከዳ። (ማቴዎስ 6:33) ናይ መዕጸዊ መዝሙር እናዘመሩ ኸለዉ: ማኪና ጽዕነት ክትመጾም ከላ ሰምዑ። እቶም ኣብ ኮሚተ ረድኤት ዚዓዩ መንፈሳውያን ኣሕዋቶም ኣብቲ ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ ቦታ ረድኤት ኣምጽኡሎም። እቶም ኣብቲ ኣኼባ እቲ እተኣከቡ እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሰምዖም ሓጐስን ሞሳን ወሰን ኣይነበሮን።

ፍቕሪ ይሃንጽ

ነቶም ኣብ ወጻኢ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ እተራእየ ሕያውነት እውን ጽቡቕ ምስክርነት ንምሃብ ኣጋጣሚታት ከፊቱ እዩ። ኣብ ከባቢ ማስቪንጎ ዚዓዪ ገያሺ ሓላዊ: ምስ ገለ ኻብቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት እናዓየየ ኸሎ ሓንቲ ጓል ኣብ ወሰን መገዲ ደቂሳ ረኣየ። ጽቡቕ ገይራ ኽትዛረብ ስለ ዘይከኣለት: ድምጻ ኸኣ የንቀጥቅጥ ስለ ዝነበረ: እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝያ ኸም ዝሓመመት ኣስተውዓሉ። ስማ ሃሙንያሪ ኪኸውን ከሎ: ብቛንቋ ሾና “ኣይትሓፍሩንዶ፧” ዚብል ትርጕም ኣለዎ። እቶም ኣሕዋት: እቶም ኣብ ኣኽራን ኣብ ዚግበር ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ዚኸዱ ዝነበሩ ኣባላት ቤተ-ክርስትያና ኸም ዝራሕርሕዋ ፈለጡ እሞ ናብቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ ዓዲ ብምውሳድ ፍቕራዊ ደገፍ ገበሩላ።

ኣብታ ዓዲ ዚነብሩ ገለ ሰባት ንሃሙንያሪ ስለ ዚፈልጥዋ: ንኣዝማዳ መጺኦም ኪወስድዋ ነገርዎም። ደቂ እቲ ዓዲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ናይ ሓቂ ሃይማኖት እዚኣ እያ። ክርስትያናት ኬርእይዋ ዘለዎም ፍቕሪ እዚኣ እያ” በሉ። (ዮሃንስ 13:35) እቶም ኣሕዋት ቀቅድሚ ምኻዶም ንሃሙንያሪ ነታ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ እትበሃል ትራክት ሃብዋ። a

እቲ ገያሺ ሓላዊ ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰሙን: ነታ ኣብቲ ሃሙንያሪ እትነብረሉ ኸባቢ ዘላ ጉባኤ ኺበጽሓ ኸደ። ሃሙንያሪ ብደሓን ቤታ ምእታዋ ኼረጋግጽ ከኣ ደለየ። እቶም ስድራቤት ብምሉኦም ንዕኡን ነቶም ኣሕዋትን ምስ ረኸብዎም ኣዝዮም ተሓጐሱ። ወለዳ ኸኣ “ንስኻትኩም ናይ ሓቂ ሃይማኖት ሒዝኩም ኣለኹም። ንህይወት እታ ኣብ መገዲ ኽትመውት እተደርበየት ጓልና ኣድሒንኩምዋ ኢኹም” በልዎም። ንኣባላት ቤተ-ክርስትያና ኸኣ “ንሃሙንያሪ ኽትመውት ገዲፍኩምዋ ኽትከዱስ ከምቲ ስማ ዚብሎ ኣይትሓፍሩንዶ፧” በልዎም። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ስድራቤት ሃሙንያሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመያየጡ ጀመሩ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ከኣ ገደፉሎም። ነቶም ኣሕዋት ከኣ ኪምለሱን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑሎምን ዓደምዎም። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጻረርዎም ዝነበሩ ገለ ኣባላት ስድራቤት ከኣ ኣረኣእያኦም ቀየሩ። ሓደ ኻብኣቶም: ንሃሙንያሪ ዘማኣ: ኣብቲ ኸባቢ መራሕ ቤተ-ክርስትያን እዩ ነይሩ። ንሱ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ተሰማምዐ።

ኣባይቲ ኣምልኾ ምህናጽ

ሓደ ብመንፈስ ተመሪሑ ዚጽሕፍ ዝነበረ ገጣሚ: “ዎ ኣምላኽ: . . . ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ አላ: . . . ማይ ኣብ ዜብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ” በለ። (መዝሙር 63:1) እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብቶም ኣብ ዚምባብወ ዚነብሩ ሓያሎ ሰባት ኪፍጸማ ተራእየን እየን። ብስጋዊ መገዲ ድርቂ እኳ እንተ ኣጋጠሞም: ብመንፈሳዊ መገዲ ግን ንኣምላኽን ንለውሃቱን እዮም ዚጸምኡ። ነዚ ኸኣ ካብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎቶም ዚረኽብዎ ዘለዉ ፍረ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ዚምባብወ ብ1980 ናጻ ሃገር ምስ ኰነት: ኣስታት 10,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 476 ጉባኤታት የገልግሉ ነበሩ። ሎሚ: ድሕሪ 27 ዓመት ግን: ቍጽሪ እቶም ንጡፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰለስተ ዕጽፊ ኪኸውን ከሎ: ቍጽሪ ጉባኤታት ከኣ ዳርጋ ዕጽፊ እዩ ዀይኑ።

መብዛሕትአን እዘን ጉባኤታት እዚኣተን: ናይ ገዛእ ርእሰን ቦታታት ኣምልኾ ኣይነበረንን። ኣብ ጥሪ 2001: ካብተን ልዕሊ 800 ዝዀና ኣብ ዚምባብወ ዚርከባ ጉባኤታት: 98 ጥራይ እየን ዚእከባሉ ቤት ኣምልኾ ማለት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝነበረን። መብዛሕትአን ጉባኤታት ኣብ ትሕቲ ገረብ ወይ ከኣ ኣብቲ ብኣዕኑድ እተሰርሐ: መናድቑ ብጭቃ እተለበጠ: ናሕሱ ኸኣ ብሓሰር እተሸፈነ ንኣሽቱ ኣጓዱ እየን ዚእከባ ነይረን።

ኣብ ዚምባብወ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሳላ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ክርስትያን ኣሕዋቶም ዝለገስዎ ወፈያታትን ፈትዮም ብትግሃት ዝዓየይዎ ዕዮን: ሓያሎ ጉባኤታት መጠናኛን ምዕሩግን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺረኽባ ዚሕግዝ መደብ ኬውጽኡ ጀመሩ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዚነብሩ ኽእለት ህንጸት ዘለዎም ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቶም ኣብ ዚምባብወ ዘለዉ ወለንተኛታት ሓቢሮም ንኺዓዩ ዅነታቶም ኣተዓራርዮም ናብታ ሃገር ከዱ። ሓደ ኻብቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንዅሎም እቶም ኣብ ዚምባብወ ጽቡቕ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽ ኢሎም ካብ ሓያሎ ሃገራት ዝመጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ልቢ ነመስግኖም። ነቲ እዚ ዕዮ እዚ ኸም ዚሰላሰል ዚገብር ማዕከን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ገንዘብ ብምውጻእ ሓገዝኩም ዘበርከትኩም ኵሉኹም ድማ ነመስግነኩም።”

ኣብ ምብራቓዊ ኽፍሊ እታ ሃገር: እቶም ኣሕዋት ኣብ ትሕቲ ን50 ዓመት ዚኣክል ኣብ ትሕቲ ድማ ዚበሃል ሓደ ዓብዪ ኦም ዚእከቡ ነይሮም። እቶም ክርስትያን ሽማግለታት ናይ ሓቂ ቤት ኣምልኾ ኺህነጽ ምዃኑ ምስ ተነግሮም: ብውሑዱ ሓደ ኻብኣቶም ንብዓቱ ኺቈጻጸር ኣይከኣለን። ኣብ ሓንቲ ኣብ ጥቓኦም እትርከብ ጉባኤ ዜገልግል ወዲ 91 ዓመት ሽማግለ: “ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ንኺፍጸም ንነዊሕ እዋን ንየሆዋ ኽልምኖ ጸኒሐ እየ” በለ።

እዚ ዚማርኽ ህንጻታት ብፍጥነት ብዛዕባ ምህናጹ ሓያሎ ርእይቶታት ቀሪቡ እዩ። ሓደ ተዓዛቢ “ንስኻትኩም ቀትሪ ኽትሃንጹ ኸለኹም: ኣምላኽ ለይቲ ይሃንጽ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ” በለ። ነቲ እቶም ዓየይቲ ዝነበሮም ሓድነትን ሓጐስን እውን ሰባት ኣስተብሂሎምሉ እዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ልዕሊ 350 ሓደስቲ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተሃኒጹ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ 534 ጉባኤታት ብሕጡብ ኣብ እተሰርሐ ድልዱል ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኪእከባ ኸኣላ።

ኣብ ዚምባብወ ንህይወት ዜገድስ መንፈሳዊ ህንጸት ይቕጽል ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ዛጊት እተፈጸመ ነገራት ከነስተንትን ከለና ነቲ ምንጪ እዚ በረኸት እዚ ዝዀነ የሆዋ ኢና እነመስግኖ። እወ: የሆዋ “ንቤት እንተ ዘይሀነጻ: ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ።”—መዝሙር 127:1

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Ruins with steps: ©Chris van der Merwe/AAI Fotostock/age fotostock; tower inset: ©Ingrid van den Berg/AAI Fotostock/age fotostock

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ዚምባብወ

ሃራረ

ማስቪንጎ

ዓባይ ዚምባብወ

ኮኖ-መሰል ግምቢ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ: ጉባኤ ኮንሰሽን

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣባላት ጉባኤ ሊንዳለ ኣብ ጥቓ እቲ ሓድሽ ኣዳራሾም