ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕሉፋት ክንከውን ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

ሕሉፋት ክንከውን ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

ሕሉፋት ክንከውን ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

ብሚዛናውነት ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ዚዀነና የሆዋ እዩ። “ግብሩ ፍጹም እዩ:” ፍትሑ ዅሉ ሳዕ ብምሕረት ስለ እትስነ ተራር ኣይኰነትን። (ዘዳግም 32:4) ፍቕሩ ምስቲ ፍጹም ሕግታቱ ብምስምማዕ ስለ እትንጸባረቕ: ነቲ መሰረታዊ ስርዓት ፈጺማ ዕሽሽ ኢላ ኣይትፈልጥን እያ። (መዝሙር 89:14፣ 103:13, 14) እቶም ቀዳሞት ወለድና ብዅሉ መዳያቶም ሚዛናውያን ኰይኖም እዮም ተፈጢሮም። ብዝዀነ ይኹን መዳያት ሕሉፋት ናይ ምዃን ዝንባለ ኣይነበሮምን። ሓጢኣት ምስ ፈጸሙ ግን እቲ ሓጢኣት ‘ነውሪ’ ማለት ዘይፍጽምና ኣምጽኣሎም: እዚ ኸኣ ሚዛኖም ከም ዚስሕቱ ገበሮም።—ዘዳግም 32:5

ንመረዳእታ:- ኣብ ሓደ ኽፋሉ ኣጸቢቑ ዝሓበጠ ጎማ ኣብ ዘለዋ ማኪና ወይ ብሽክለታ ደይብካ ወይ ዘዊርካ ትፈልጥዶ፧ እቲ ሓባጥ ነታ ማኪና ወይ ብሽክለታ ኽትከይድ ከላ ጥር ጥር ከም እትብል ይገብራ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ሓደጋ እውን ኬብጽሓ ይኽእል እዩ። እቲ ጎማ ኣብ ዝገደደ ደረጃ ኸይበጽሐ ወይ ከይነፈሰ ኸሎ ኺጽገን ኣለዎ። ብተመሳሳሊ: እቲ ዘይፍጹም ባህርያትና እውን ሓባጥ ጐባጥ እዩ። ነዚ “ሓባጥ” እዚ ኺዓቢ እንተ ደኣ ሓዲግናዮ: ጕዕዞ ህይወትና ኣዝዩ ኣሸጋሪ: አረ ሓደገኛ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ሓድሓደ ግዜ በቲ ጽቡቕ ባህርያትና እውን ሕሉፋት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ሕጊ ሙሴ ንእስራኤላውያን ኣብ ክዳንውንቶም ዘፈር ኪገብሩ ዚሓቶም እኳ እንተ ነበረ: እቶም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ግን ካብቶም ህዝቢ ተፈልዮም ኪረኣዩ ስለ ዝደለዩ “ዘፈር ክዳውንቶም” ካብ መጠን ንላዕሊ “የንውሑ” ነበሩ። ድራኸኦም ከኣ ካብቶም ካልኦት ሰባት ዝያዳ ቕዱሳን መሲሎም ምእንቲ ኺረኣዩ እዩ።—ማቴዎስ 23:5፣ ዘሁልቍ 15:38-40

ሎሚ ገሊኣቶም ሰባት: ዝገበሩ ገይሮም: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ኣመና እተፈልየ ዜደንጹ ነገር ብምግባር: ቈላሕታ ኻልኦት ኪስሕቡ እዮም ዚጽዕሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ “ኣቕልቡለይ! ኣነ እውን ውልቀ-ሰብ እየ!” ይብሉ ኸም ዘለዉ እዩ። ይኹን እምበር: ብኣከዳድና: ብኣመለኻኽታ: ከምኡውን ብተግባር ሕሉፍ ምዃን ነቲ ንሓደ ክርስትያን ብሓቂ ዜድልዮ ነገራት ዜማልእ ኣይኰነን።

ብዛዕባ ስራሕ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ሓዝ

መንነትና ወይ እንነብረሉ ኸባቢ ብዘየገድስ: ጥዑይ ስራሕ ንህይወትና ትርጕም ከም ዚህልዎ ኺገብር ዚኽእል ሓደ ረቛሒ እዩ። ብስራሕ ዕግበት ክንረክብ ኢና ተፈጢርና። (ዘፍጥረት 2:15) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ትህኪት ዚዅንን። ሃዋርያ ጳውሎስ: “ገለ ሰብ ኪዐዪ ዘይፈቱ እንተ ዀይኑስ ኣይብላዕ” ብምባል ኣነጺሩ እተዛረበ። (2 ተሰሎንቄ 3:10) እወ: ብዛዕባ ስራሕ ህኩያት ምዃን ውጽኢቱ ድኽነትን ዘይምዕጋብን ጥራይ ዘይኰነስ: ስምረት ኣምላኽ እውን ኣየውህበናን እዩ።

ብኣንጻሩ ኸኣ ገሊኣቶም ብስራሖም ውሉፋት ወይ ብፍታዎም ባሮት ስራሕ ብምዃን ሕሉፋት ይዀኑ። ስራሖም ንጥቕሚ ስድራቤቶም ከም ዝዀነ ብምሕሳብ: ኣንጊሆም ካብ ገዛ ይወጹ: ኣምስዮም ከኣ ይምለሱ። ብኣንጻሩ ግን: ከምዚ ብምግባሮም ንስድራቤቶም ጸገም ፈጢሮምሎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሓንቲ ኣብ ቤት እትውዕል: ብዓል ቤታ ኸኣ ኣብ ስራሑ ተወሳኺ ሰዓታት ዜሕልፍ ብዓልቲ ሓዳር: “ኣብዚ ምሾት ዝመልኦ ቤት ዘሎ ዅሉ ኣቝሑ ተሪፉ ሰብኣየይ ምሳይን ምስ ደቀይን እንተ ዜሕልፍ ምመረጽኩ” በለት። እቶም ካብ መጠን ንላዕሊ ኺሰርሑ ዚመርጹ ሰባት ነዚ ዚስዕብ ንጉስ ሰሎሞን ዘሕለፎ ብሕታዊ ተመክሮ ኣርዚኖም ኪሓስቡሉ ይግባእ:- “ነቲ ኣእዳወይ ዝገበራኦ ዅሉ ዕዮን ነቲ እናዐየኹ ዝጸዐርኩሉ ጻዕርን ተመልከትክዎ: እንሆ ኸኣ: እዚ ዅሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን እዩ።”—መክብብ 2:11

እወ: ብስራሕ ዝመጸ ብኽልቲኡ መዳያት ሕሉፋት ክንከውን የብልናን። ትጉሃት ሰራሕተኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና: ምስናይዚ ግን ባርያ ስራሕ ምዃን ሓጐስናን ካልእ ነገራትን ዚሰርቕ ምዃኑ እውን ክንዝክር ይግባእ።—መክብብ 4:5, 6

ብዛዕባ ተድላ ሕሉፍ ኣረኣእያ ኣይትሓዝ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግዜና “ሰባት . . . ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ” ኪዀኑ ምዃኖም ተነብዩ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:2, 4) ሰይጣን ንሰባት ሓባቢሉ ኻብ ኣምላኽ ንኼርሕቖም ኣዝዩ ውጽኢታዊ ዀይኑ ዝረኸቦ መሳርሒ ደድሕሪ ተድላ ኸም ዚጐዩ ምግባር እዩ። ከም ሓደገኛ ዓይነት ስፖርት ዝኣመሰለ መዘናግዒታት ህቡብ ይኸውን ኣሎ። ቍጽሪ ዓይነት እዚ መዘናግዒታት ኰነ ቝጽሪ እቶም ኣብኡ ዚሳተፉ ሰባት እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ንምንታይ እዩ ግን ህቡብ ዚኸውን ዘሎ፧ ሓያሎ ሰባት ብመዓልታዊ ናብራኦም ዕግበት ስለ ዘይብሎም ዝያዳ ዜሐጕሶም ነገራት እዮም ዜናድዩ። እንተዀነ ግን: ነዚ ሓጐስ እዚ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ደረጃኡ እናወሰኸ ዚኸይድ ሓደጋ እውን የስዕብ እዩ። እቶም ብሕልና ዚምርሑ ክርስትያናት ንህይወትን ነቲ ወሃብ ህይወትን ኣኽብሮት ብምርኣይ: ካብ ሓደገኛ ስፖርት ይርሕቑ እዮም።—መዝሙር 36:9

ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ፈጠሮም ኣበይ እዩ ኣንቢርዎም፧ ኣብ ገነት ኤድን። ኤድን ማለት ከኣ ብመሰረት እቲ በዅሪ ቛንቋ “ተድላ:” ወይ “ደስታ” ማለት እዩ። (ዘፍጥረት 2:8) ገለ ኻብቲ የሆዋ ንደቅሰብ ዝነበሮ ዕላማ እምበኣር ተድላ ዘለዎ ባህ ዜብል ህይወት ኪነብሩ እዩ።

ብዛዕባ ተድላ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ብምሓዝ ዝመጸ የሱስ ፍጹም ኣብነት ገዲፉልና እዩ። ብምሉእ ተወፋይነት ፍቓድ የሆዋ ይፍጽም ነበረ: ብሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ካብ ምንባር ከኣ ፈጺሙ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን እዩ። ኪደክም ከሎ እውን ከይተረፈ ነቶም ጽጉማት ግዜ ይምድበሎም ነበረ። (ማቴዎስ 14:13, 14) እወ: የሱስ ንዚቐርበሉ ዝነበረ ዕድመ ምሳሕ ይቕበል: ንዕረፍቲ ይኹን ንምግቢ እውን ግዜ ይምድብ ነበረ። ከምዚ ብምግባሩ ገሊኣቶም ጸላእቲ ኸም ዚወቕስዎ እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። “እንሆ: በላዕን ሰታይ ወይንን” ኢሎምዎ እዮም። (ሉቃስ 7:34፣ 10:38፣ 11:37) ይኹን እምበር: የሱስ ናይ ሓቂ ተወፋይነት ኪበሃል ከሎ ፈጺምካ ብዘይ ተድላ ምንባር ማለት ከም ዘይኰነ ይፈልጥ ነበረ።

ስለዚ: ብምዝንጋዕ ዝመጸ ሕሉፋት ክንከውን ከም ዘይብልና ንጹር እዩ። ንተድላን ምዝንጋዕን ኣብ ህይወትና ቐንዲ ቦታ ምሃቡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኬምጽእ ኣይክእልን እዩ። ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ዜጠቓልል ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገራት ዕሽሽ ከም እንብል እውን ኪገብረና ይኽእል እዩ። ምስናይዚ ግን ምሉእ ብምሉእ ካብ ተድላ ኽንርሕቕ ኰነ ነቶም ብሚዛናዊ መገዲ ዚጥቀሙሉ ሰባት ክንወቅስ ግቡእ ኣይኰነን።—መክብብ 2:24፣ 3:1-4

ሚዛናዊ ናብራ ብምንባር ሓጐስ ርኸብ

ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር: “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና” በለ። (ያእቆብ 3:2) ሕሉፋት ንኸይንኸውን ኣብ እንገብሮ ቓልሲ ኸምዚ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ሚዛንና ንኽንሕሉ ኺሕግዘና ዚኽእል ግን እንታይ እዩ፧ ገለ ኻብኡ ብርታዐናን ድኽመትናን ፈሊና ኽንፈልጥ የድልየና። ከምዚ ምግባር ቀሊል ኣይኰነን። ከመይሲ: ብገሊኡ ነገራት ከይተፈለጠና ሕሉፋት ኴንና ኽንጸንሕ ንኽእል ኢና። ስለዚ እምበኣር: ምስ ብሱላት ክርስትያናት ክንለግብን ነቲ ዚህቡና ሚዛናዊ ምኽሪ ኸኣ ክንሰምዖን ይግብኣና። (ገላትያ 6:1) ነዚ ድማ ንሓደ እንኣምኖ ዓርክና ወይ ኣብታ ጉባኤ ተመክሮ ንዘለዎ ሽማግለ ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብሓቂ ብኸመይ ከም እንርአ ንኽንምርምር ከም “መስትያት” ኰይኑ ኼገልግል ይኽእል እዩ።—ያእቆብ 1:22-25

ሕሉፋት ካብ ምዃን ክንላቐቕ እንኽእል ምዃንና ዜሐጕስ እዩ። ጻዕርን ቈራጽነትን እንተ ደኣ ጌርና: ብሓገዝ የሆዋ ሚዛናውያንን ሕጉሳትን ክንከውን ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ምስ ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ርክብ ኪመሓየሽ ይኽእል እዩ: ነቶም እንሰብከሎም ከኣ ዝሓሸ ኣብነት ክንከውን ንኽእል ኢና። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ነቲ ሚዛናውን ፈቃርን ኣምላኽና የሆዋ ኽንቀድሖ ኢና።—ኤፌሶን 5:1

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

©Greg Epperson/age fotostock