ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ” ዚህቦ ሓገዝ

“እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ” ዚህቦ ሓገዝ

“እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ” ዚህቦ ሓገዝ

ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር: ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ጳውሎስ ንየሆዋ “እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (ሮሜ 15:5) መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ምስ ግዜ ዚቕየር ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ስለ ዜረጋግጸልና: ነቶም ዜገልግልዎ ምጽንናዕ ከም ዚህቦም ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። (ያእቆብ 1:17) አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ የሆዋ ነቶም ዜድልዮም ብእተፈላለየ መገድታት ከም ዜጸናንዖም እውን ይገልጸልና እዩ። ገለ ኻብዚ መገድታት እዚ እንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ነቶም ሓገዙ ደልዮም ብጸሎት ዚቐርብዎ ብርታዐ ይህቦም እዩ። ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ኬጸናንዑ እውን ይድርኾም እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን: ኣብ ቃሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍላይ ነቶም ብምኽንያት ሞት ውሉዶም ዝሓዘኑ ወለዲ ዜበራትዕ ልቢ ዚትንክፍ ጸብጻብ ይህቦም እዩ። እስከ እምበኣር ነዚ ሰለስተ ኣገባብ ምጽንናዕ በብሓደ ንርኣዮ።

“እግዚኣብሄርውን ሰምዖ”

ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ የሆዋ ፈጣሪና: “ኣቱም ህዝቢ: ኵሉ ጊዜ ብእኡ ተወከሉ: ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ: መዕቈቢና ኣምላኽ እዩ” በለ። (መዝሙር 62:8) ዳዊት ኣብ የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምትእምማን ዘሕደረ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኺዛረብ ከሎ: “እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ: እግዚኣብሄርውን ሰምዖ: ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 34:6) ኣብ ኵሉ እቲ ዜሕልፎ ዝነበረ ጭንቂ: ሓገዝ ኪረክብ ወትሩ ናብ ኣምላኽ ይጽሊ ነበረ: የሆዋ ኸኣ ኵሉ ሳዕ ይሕግዞ ነበረ። ኣምላኽ ከም ዚድግፎን ንኺጽመም ከም ዚሕግዞን ካብ ተመክሮ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

ውላዶም ዝሞቶም ወለዲ: የሆዋ ኸምቲ ንዳዊት ዝገበረሉ ኣብ እዋን ከቢድ ሓዘን ኪሕብሕቦም ከም ዚኽእል ኪፈልጡ የድልዮም። ከም ዚሕግዞም ብምትእምማን ነቲ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ ዓብዪ ኣምላኽ ኪቐርብዎ ይኽእሉ እዮም። (መዝሙር 65:2) እቲ ኣብታ ቕድሚ እዚኣ ዝነበረት ዓንቀጽ እተጠቐሰ ዊልያም: “ብዙሕ ሳዕ: ብዘይ ወደይ ክነብር ከም ዘይክእል ኰይኑ ይስምዓኒ ስለ ዝነበረ: የሆዋ ዕረፍቲ ኺህበኒ ለመንክዎ። ንሱ ድማ ንኽነብር ዚሕግዘኒ ብርታዐን ምትብባዕን ወትሩ እዩ ዚህበኒ” በለ። ንስኻ እውን ብእምነት ናብ የሆዋ እንተ ደኣ ጸሊኻ: እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ሰማይ ኬጽንዓካ እዩ። ደሓር ድማ የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ኼገልግልዎ ዚጽዕሩ: “ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ: ኣይትፍራህ: ክድግፈካ እየ: ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” ብምባል ተመባጺዑሎም እዩ።—ኢሳይያስ 41:13

ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ዚህብዎ ደገፍ

እቶም ውላድ ዝሞቶም ወለዲ ብሕት ኢሎም ዚበኽይሉን ስምዒቶም ዜህድኡሉን ግዜ የድልዮም እዩ። ይኹን እምበር: ንንውሕ ዝበለ እዋን ካብ ካልኦት ተገሊሎም ኪነብሩ ግን ጥበባዊ ኣይኰነን። ብመሰረት ምሳሌ 18:1 “እቲ ንርእሱ ዚፍለ” ኺጕዳእ ይኽእል እዩ። ስለዚ እምበኣር: እቶም ዚጕህዩ ርእሶም ከየግልሉ ኺጥንቀቑ ኣለዎም።

ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ኣዕሩኽ: ነቶም እተደቝሱ ዜድሊ ሓገዝ ኪህብዎም ይኽእሉ እዮም። ምሳሌ 17:17 “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር: ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ” ትብል። ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቐሰት ሉሲ: ወዳ ምስ ሞታ ኻብ ናይ ሓቂ ፈተውቲ ምጽንናዕ ረኺባ እያ። ብዛዕባ ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያን ብጾታ ኸምዚ ትብል:- “ሓድሓደ ግዜ ብዙሕ ዘይዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ: እቲ ዚገብርዎ ምብጻሕ ብዙሕ ሓጊዙ እዩ። ሓንቲ መሓዛይ በይነይ ክኸውን ከለኹ ንብዙሕ መዓልትታት እናተመላለሰት በጺሓትኒ እያ። ኣብ ገዛይ ኰይነ እበኪ ኸም ዝነበርኩ ስለ ዝፈለጠት: ወትሩ እናመጸት ምሳይ ኰይና ትበኪ ነበረት። ካልእ መሓዛይ ከኣ ንኸተተባብዓኒ ኢላ መዓልቲ መዓልቲ ትድውለለይ ነበረት። ካልኦት እውን ኣብ ቤቶም ይዕድሙና ነበሩ: ሕጂ እውን ኣየቋረጹን።”

እቲ ወለዲ ብሞት ውሉዶም ዜጋጥሞም ከቢድ ሓዘን ቀልጢፉ ዘይርሳዕ እኳ እንተ ዀነ: ናብ ኣምላኽ ምጽላይን ምስ ናይ ሓቂ ክርስትያን ብጾት ምሕባርን ነቶም ዝሓዘኑ ናይ ሓቂ ምጽንናዕ ኬምጽኣሎም ይኽእል እዩ። ውሉድ ዝሞቶም ሓያሎ ክርስትያን ወለዲ: የሆዋ ምስኦም ምዃኑ ርእዮም እዮም። እወ: የሆዋ “ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ: ነቝሳሎም ይዘንን።”—መዝሙር 147:3

ምጽንናዕ ዚህብ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ርእሲ ጸሎትን ሃናጺ ዕርክነትን: እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ንሓዘንተኛታት ምንጪ ምጽንናዕ እዩ። የሱስ ነቶም ውሉዳት ዝሞትዎም ወለዲ: ምዉታቶም ብምትንሳእ ሓዘኖም ኬርሕቐሎም ልባዊ ባህግን ክእለትን ከም ዘለዎ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻባት ንሓዘንተኛታት ናይ ሓቂ ምጽንናዕ ዚህብ እዩ። ነቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ኽልተ ጸብጻብ እስከ ንርአ።

የሱስ ኣብ ከተማ ናይን ቀብሪ ኺሓልፍ ከሎ ምስ ረኣየ እንታይ ከም ዘጋጠመ: ሉቃስ ምዕራፍ 7 ትነግረና። እቶም ሰባት ነቲ ሓደ ወዲ መበለት ኪቐብርዎ እዮም ዚኸዱ ነይሮም። ቍጽሪ 13 ኸምዚ ትብል:- “ጐይታ ምስ ረአያ: ደንገጸላ እሞ፤ ኣይትብከዪ: በላ።”

ንሓንቲ ኣደ ኣብ ቀብሪ ወዳ ኽትበኪ ኸላ ኣይትብከዪ ኺብላ ዚደፍር ብዙሕ ሰብ የለን። የሱስ ከምኡ ዝበለ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ሓዘና ኼብቅዕ ምዃኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል:- “[የሱስ] ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ: እቶም ጸወርቲውን ደው በሉ። ንሱ ኸኣ፤ ኣታ ጐበዝ: ተንስእ: እብለካ አሎኹ: በሎ። እቲ ምዉት ተንሲኡ ተቐመጠ: ምዝራብውን ጀመረ: ነዲኡ ድማ ሀባ። ” (ሉቃስ 7:14, 15) ኣብታ ህሞት እቲኣ እታ ኣደ ናይ ሓጐስ ብኽያት በኽያ ኽትከውን ኣለዋ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ: ያኢሮስ ዝስሙ ሰብኣይ ናብ የሱስ ቀሪቡ: ከቢድ ሕማም ሓሚማ ንዝነበረት 12 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓሉ ኼሕውየሉ ለመኖ። ድሕሪኡ ቝሩብ ጸኒሑ እታ ጓል ከም ዝሞተት ተነግሮ። እዚ ምስ ሰምዐ ያኢሮስ ሰምበደ: የሱስ ግን “ኣይትፍራህ: እመን ደኣ” በሎ። የሱስ ኣብ ቤት እታ ስድራቤት ምስ በጽሐ: ናብታ ሞይታ ዝነበረት ጓል ከደ። ብኢዳ ሒዙ ኸኣ “ኣቲ ጓል: ተንስኢ: እብለኪ አሎኹ” በላ። ሽዑ እንታይ እዩ ዝዀነ፧ “እታ ጓል ድማ ብኡብኡ ተንስኤት።” እቶም ወለዲ እንታይ ተሰምዖም፧ “ዓብዪ ምግራም ተገረሙ።” ያኢሮስን ሰበይቱን ንጓሎም ኪሓቝፍዋ ኸለዉ ብሓጐስ ተዋሕጡ። ሕልሚ ዀይኑ እዩ ተሰሚዕዎም።—ማርቆስ 5:22-24, 35-43

እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ብዛዕባ ትንሳኤ ቘልዑ ዚገልጽ ዝርዝር ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ: ንሓዘንተኛታት ወለዲ እንታይ ትጽቢት ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ ዜርእዮም እዩ። የሱስ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ” በለ። (ዮሃንስ 5:28, 29) የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ ነቶም ዝሞቱ ህይወት ኪህቦም ዕላማ ገይሩ እዩ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሞይቶም ዘለዉ ቘልዑ: ‘ተንስኡ: እብለኩም ኣለኹ’ ዚብል ድምጺ የሱስ ኪሰምዑ እዮም። እቶም ቈልዑ እንደገና ብኣእጋሮም ኪኸዱን ኪዛረቡን እዮም። ወለዶም ከኣ ልክዕ ከም ያኢሮስን ሰበይቱን “ዓብዪ ምግራም” ኪግረሙ እዮም።

ውሉድ እንተ ደኣ ሞይቱካ: የሆዋ ብትንሳኤ ገይሩ ንሓዘንካ ናብ ሓጐስ ከም ዚቕይሮ ፍለጥ። ካብዚ ዜደንቕ መጻኢ እዚ ምእንቲ ኽትጥቀም: ነቲ “እግዚኣብሄርን ሓይሉን ድለዩ: ኣዘውቲርኩም ገጹ ድለዩ። . . . ዝገበሮ መስትንክር ግብርታቱን ተኣምራቱን . . . ዘክሩ” ዚብል ማዕዳ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዕየየሉ። (መዝሙር 105:4-6) እወ: ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣገልግሎ: ብቕቡል መገዲ ኸኣ ኣምልኮ።

ንየሆዋ እንተ ደኣ ‘ደሊኻዮ:’ ብኡብኡ እንታይ ኢኻ እትረክብ፧ ናብ ኣምላኽ ብምጽላይ ክትብርትዕ: በቲ እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያን ፈተውቲ ዚህብዎ ፍቕራዊ ሓልዮት ክትጸናናዕ: ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕ ድማ ክትተባባዕ ኢኻ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን: ኣብዚ ቐረባ እዋን: የሆዋ በቲ “መስተንክር ግብርታቱን ተኣምራቱን” ንዓኻን ነቲ ዝሞተ ውሉድካን ዘለኣለማዊ ጥቕሚ ኼምጽኣልኩም ከሎ ኽትርኢ ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]

‘ነታ ኽልተ ደቃ ዝሞትዋ ሰበይቲ ሒዝክያ ምጺ’

ካሂንደን ቢንቱን ዚበሃሉ ሰብኣይን ሰበይትን ናይጀርያውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክልተ ደቆም ብሓደጋ ማኪና ሞትዎም። ብምኽንያት እዚ ኣሰቃቒ ሞት እዚ ድማ ብሓዘን ተደቝሱ። ምስናይዚ ግን እቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮም ትውክልቲ ኣበርትዖም: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ንጐረባብቶም ካብ ምንጋር ከኣ ኣየቋረጹን።

ነቲ ካሂንደን ቢንቱን ዘርኣይዎ ርግኣትን ጽንዓትን ካልኦት ሰባት ኣስተብሃልሉ። ሓደ መዓልቲ ወይዘሮ ኡኮሊ ንሓንቲ ኻብ ፈተውቲ ቢንቱ: “ነታ ኽልተ ደቃ ብሓንሳእ ዝሞትዋ እሞ ሕጂውን መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትሰብኽ ዘላ ሰበይቲ ሒዝክያ ምጺ። ንኽትጾሮ ዘኽኣላ ሓይሊ እንታይ ምዃኑ ኺፈልጥ እደሊ እየ” በለታ። ቢንቱ ኣብ ቤት እታ ሰበይቲ ምስ በጽሐት: ወይዘሮ ኡኮሊ: “ብዛዕባ እቲ ንደቅኺ ዝቐተለ ኣምላኽ ሕጂ እውን ስለምንታይ ትሰብኪ ኸም ዘለኺ ኽፈልጥ እደሊ ኣለኹ። ኣምላኽ ንሓንቲ ጓለይ ወሰዳ። ካብ ሽዑ ንነጀው ምስ ኣምላኽ ርክብ የብለይን” በለት። ቢንቱ ብመጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒማ ሰባት ስለምንታይ ከም ዚሞቱ ኸምኡውን እነፍቅሮም ምዉታትና ኸም ዚትንስኡ እተረጋገጸ ተስፋ ኺህልወና ዚኽእለሉ ምኽንያት ገለጸትላ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15፣ ሮሜ 5:12

ድሕርዚ ወይዘሮ ኡኮሊ: “ንሰባት ከም ዝሞቱ ዚገብሮም ኣምላኽ ከም ዝዀነ እየ ዚሓስብ ነይረ። ሕጂ እቲ ሓቂ ፈለጥኩ” በለት። ብዛዕባ ተስፋታት ኣምላኽ ብዝያዳ ንኽትፈልጥ ከኣ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ወሰነት።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

‘ከጸናንዕ ምደለኹ: እንታይ ከም ዝገብር ግን ኣይፈልጥን እየ’

ወለድን ኣሕዋትን ሓደ ዝሞተ ቘልዓ ኸቢድ ሓዘን ኪሓዝኑ ኸለዉ: ፈተውቶም ይሻቐሉ እዮም። ንኣባላት እታ ስድራቤት ኪሕግዝዎም ይደልዩ: ግናኸ ንሓዘኖም ዜጋድድ ጌጋ ነገር ከይዛረቡ ወይ ከይገብሩ ይሰግኡ። ‘ከጸናንዕ ምደለኹ: እንታይ ከም ዝገብር ግን ኣይፈልጥን እየ፧’ ኢሎም ንዚሓስቡ ሰባት ዚኸውን ገለ ርእይቶታት እንሆ:-

❖ እንታይ ከም እትብል ወይ ከም እትገብር ብዘይምፍላጥካ: ካብቶም ሓዘንተኛታት ኣይትርሓቕ። ምስኦም ምህላውካ ጥራይ የበራትዖም እዩ። እንታይ ከም እትብል ይጠፍኣካ ድዩ፧ ሕቝፍ ምባል ወይ ከኣ በቲ ሞት ከም ዝሓዘንካ ብቕንዕና ምግላጽካ ኸም እትሓልየሎም ዜርኢ እዩ። ክትበኪ እንተ ደኣ ጀሚርካ: ንሓዘኖም ኬጋድዶ እዩ ኢልካ ትፈርህ ዲኻ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ” ይብል። (ሮሜ 12:15) ንብዓትካ መተሓዝንቶም ምዃንካ ዚሕብር ስለ ዝዀነ የጸናንዖም እዩ።

❖ ተበግሶ ውሰድ። ነታ ስድራቤት ፍዅስ ዝበለ ምግቢ ኸተዳልወላ ትኽእልዶ፧ ነቲ እተዀመረ ረሳሕ ብያትታት ክትሓጽቦ ትኽእልዶ፧ ኣብ ደገ ኸተሳልጠሎም ወይ ክትዓዳድገሎም እትኽእል ነገራት ኣሎዶ፧ “ዜድልየካ ነገራት እንተ ደኣ ኣልዩ: ንገረኒ” ኣይትበል። እዚ ብቕንዕና እኳ እንተ ተባህለ: ንሓያሎ ሓዘንተኛታት ወለዲ ንኽትሕግዞም ግዜ ኸም ዘይብልካ እዩ ዚሕብሮም። ኣብ ክንዳኡስ: “ሕጂ ኽዓዮ ዚኽእል እንታይ ኣሎ፧” ኢልካ ሕተት: ነቲ ዚደለይዎ ድማ ግበረሎም። ይኹን እምበር: ኣብ ናይ ብሕቲ ጕዳያቶም ወይ ናብራኦም ጠብለቝ ኣይትበል።

❖ “እንታይ ከም ዚስምዓካ ይርድኣኒ እዩ” ኣይትበል። ነፍሲ ወከፍ ሰብ: ዜፍቅሮ ሰብ ኪሞቶ ኸሎ ዚስምዖ ስምዒት እተፈላለየ እዩ። ንስኻ እውን ውሉድ ሞይቱካ እኳ እንተ ዀነ: እንታይ ከም ዚስምዖም ግን ብልክዕ ኣይትፈልጥን ኢኻ።

❖ ናብቲ ንቡር ክሳዕ ዚምለሱ ብዙሕ ግዜ ስለ ዚወስድ ብእተኻእለካ መጠን ሓገዝ ምሃብ ቀጽል። ንሓዘንተኛታት ስድራቤት ኣብ መጀመርታ መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሕ ቈላሕታ ዚወሃቦም እኳ እንተ ዀነ: ኣብ ካልእ ግዜያት እውን የድልዮም እዩ። ስለዚ: ኣብቲ ቐጺሉ ዘሎ ሰሙናትን ኣዋርሕን እውን ብዛዕባ ዜድልዮም ነገራት ቈላሕታ ግበረሎም። a

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብምኽንያት ሞት ውሉዶም ኣብ ሓዘን ንዚርከቡ ወለዲ ብኸመይ ክትሕግዞም ከም ዘሎካ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት ዘርእስታ ብሮሹር: ኣብ ገጽ 20-4 እትርከብ “ካልኦት ብኸመይ ክሕግዙ ይኽእሉ፧” እትብል ምዕራፍ ርአ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ እስሊ]

የሱስ ንቘልዑ ኼተንስኦም ሓይልን ባህግን ከም ዘለዎ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር