ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞ ኣይትፍለዮ

ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞ ኣይትፍለዮ

ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞ ኣይትፍለዮ

“ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር: ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ: ሰብ ኣይፍለዮ።”—ማቴዎስ 19:6

1, 2. ሰብ ሓዳር ሓሓሊፉ ጸገማት ኬጋጥሞም ምጽባይ ቅዱስ ጽሑፋውን ክውንነታውን ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 ብማኪና ነዊሕ ጕዕዞ ኽትገብር ከም እትጅምር ጌርካ እሞ ሕሰብ። ኣብ መገዲ ጸገማት ኬጋጥመካዶ ይኽእል፧ ከም ዘየጋጥም ጌርካ ምሕሳብ ዕሽነት እዩ። ንኣብነት: ሕማቕ ኵነታት ኣየር የጋጥመካ ይኸውን: እዚ ኸኣ ቀስ ንኽትብልን ብጥንቃቐ ንኽትጐዓዝን የገድደካ። እታ ማኪና እውን ትበላሾ ትኸውን: ነቲ ሽግር ባዕልኻ ኽትፈትሖ ስለ ዘይትኽእል ከኣ ኣብ ደረት መገዲ ደው ኢልካ ሓገዝ ትሓትት ትኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ነቲ ጕዕዞ ኽትጅምሮ ኸም ዘይነበረካን ነታ ማኪና ጠንጢካያ ኽትከይድ ከም ዘሎካን ንኽትውስን ኪድርኸካዶ ይግባእ፧ ኣይግባእን። የግዳስ: ነዊሕ ርሕቐት ክትጐዓዝ ከለኻ: ጸገማት ኬጋጥመካ ትጽበ: ነቲ ጸገማት እትሰግረሉ ጥበባዊ መገድታት ድማ ተናዲ።

2 ኣብ ሓዳር እውን ከምኡ እዩ። ጸገማት ዘይተርፍ እዩ: ኪምርዓዉ ዚሓስቡ መጻምድቲ ፍጹም ሓጐስ ኪረኽቡ ኢሎም እንተ ተጸብዮም ዕሽነት እዩ። ሰብኡትን ኣንስትን “ብስጋ መከራ” ኸም ዚረኽቡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 7:28 ብንጹር ገሊጹ ኣሎ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዚኸውን፧ ብሓጺሩ: ሰብኡትን ኣንስትን ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑን ኣብ “ክፉእ ዘመን” ንነብር ስለ ዘሎናን እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ ሮሜ 3:23) ስለዚ: መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ዚቃደዉ መጻምድቲ እኳ ኸይተረፉ: ሓሓሊፉ ጸገማት የጋጥሞም እዩ።

3. (ሀ) ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ንሓዳር ብኸመይ ይርእይዎ፧ (ለ) ክርስትያናት ሓዳሮም ኪዕቅቡ ዚጽዕሩ ስለምንታይ እዮም፧

3 ኣብዛ ዘመናዊት ዓለም: ገሊኦም መጻምድቲ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ ዚወስድዎ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ነቲ ሓዳር ምፍራስ እዩ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ፍትሕ እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ይኹን እምበር: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንጸገማት ይፈትሕዎ ደኣ እምበር: ካብኡ ኣይሃድሙን እዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንሓዳር ካብ የሆዋ እተዋህቦም ቅዱስ ውህበት ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። የሱስ ብዛዕባ እተመርዓዉ ሰብ ሓዳር: “ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ: ሰብ ኣይፍለዮ” በለ። (ማቴዎስ 19:6) ልክዕ እዩ: ነዚ ስርዓት እዚ ምሕላዉ ወትሩ ቐሊል ኣይኰነን። ንኣብነት: ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይፈልጡ ኣዝማድን ካልኦት ሰባትን: እንተላይ ገሊኦም ኣማኸርቲ ሓዳር: ንሰብ ሓዳር ቅዱስ ጽሑፋዊ ብዘይኰነ መሰረት ኪፈላለዩ ወይ ኪፋትሑ የተባብዕዎም እዮም። a ክርስትያናት ግን ንሓዳር ኣብ ክንዲ ተሃዊኽካ ምብታኑ: ምጽጋኑን ምዕቃቡን ኣጸቢቑ ዝሓሸ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። እወ: ካብ መጀመርታ ኣትሒዝና ብመገዲ የሆዋ ደኣ እምበር: ብምኽሪ ኻልኦት ከይንኸይድ ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና።—ምሳሌ 14:12

ጸገማት ምስጋር

4, 5. (ሀ) ኣብ ሓዳር እንታይ ጸገማት ኪስገር ኣለዎ፧ (ለ) ኣብ ሓዳር ጸገማት ኪለዓል ከሎ እውን ከይተረፈ: እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ስርዓታት ዚሰርሕ ስለምንታይ እዩ፧

4 ኵሉ ሓዳር ሓሓሊፍካ ቘላሕታ ኸም ዜድልዮ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት: ንንኣሽቱ ዘይምስምማዓት ከተደቅሶ የድሊ እዩ። ኣብ ገሊኡ ሓዳር ግን ንመሰረት እቲ ርክብ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ኸቢድ ጸገማት ይህሉ ይኸውን። ሓድሓደ ግዜ ኻብ ሓደ ሓዳር ዘለዎ ምኩር ክርስትያን ሽማግለ ሓገዝ ክትሓትት የድልየካ ይኸውን። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምህላዉ: ሓዳርካ ሕማቕ ምዃኑ ዜመልክት ኣይኰነን። የግዳስ: ነቲ ፍታሕ ንምርካብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጠቢቕካ ኽትስዕብ ከም ዜድሊ ዜጕልሕ እዩ።

5 የሆዋ ፈጣሪ ደቅሰብን መስራቲ ሓዳርን ከም ምዃኑ መጠን: ዕዉት ሓዳር ንኺህሉ ዜድልየና ነገራት ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ይፈልጦ እዩ። እቲ ኣብዚ ዜተሓታትት ዘሎ ግን: ‘ነቲ ኣብ ቃሉ ዚርከብ ምኽሪ ኽንሰምዖን ክንእዘዞን ዲና፧’ ዚብል እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና ብርግጽ ክንጥቀም ኢና። የሆዋ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቡ: “ኣየ: ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ: ሰላምካ ኸም ወሓዚ: ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ” በሎም። (ኢሳይያስ 48:18) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተሰሪዑ ዘሎ መምርሒታት ምስዓብ: ዕዉት ሓዳር የፍሪ። ፈለማ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኡት ዝሃቦ ምኽሪ እስከ ንርአ።

“ኣንስትኹም ኣፍቅሩ”

6. ንሰብኡት እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ እዩ ተዋሂብዎም፧

6 እታ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝለኣኻ መልእኽቲ: ንሰብኡት እተዋህበ ንጹር መምርሒታት ሒዛ ኣላ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ: ኣቱም ሰብኡት: ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። . . . ርእሱ በጃኣ ሀበ። ሰብኡትውን ከምኡ: ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ። [“እቲ ንሰበይቱ ዜፍቅር፥ ንገዛእ ርእሱ እዩ ዜፍቅር።” ትርጕም 1990] ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር: ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። . . . ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ። ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ።”—ኤፌሶን 5:25, 28, 29, 33

7. (ሀ) ቀንዲ መሰረት ክርስትያናዊ ሓዳር እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧ (ለ) ሰብኡት ንኣንስቶም ብቐጻሊ ኼፍቅርወን ዘለዎም ብኸመይ እዩ፧

7 ጳውሎስ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዚፍጠር ኵሉ ዓይነት ጸገማት ኣይዘርዘረን። ኣብ ክንዳኡስ: ንዅሉ ክርስትያናዊ ሓዳር መሰረት ክትከውን እትግባእ ኣገዳሲት ባህርይ ብምጥቃስ ናብ ሱር እቲ ጸገም ኣተኰረ። እዛ ባህርይ እዚኣ ኸኣ ፍቕሪ እያ። ኣብዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ቝጽርታት ፍቕሪ ሽዱሽተ ሳዕ ተጠቒሳ ኣላ። ጳውሎስ ንሰብኡት “ኣንስትኹም ኣፍቅሩ” ኺብሎም ከሎ: እታ “ኣፍቅሩ” እትብል ቃል ኣብ በዅሪ ጽሑፍ ብቐጻሊ ኺገብርዎ ኸም ዘለዎም እተመልክት ምዃና እውን ኣስተብህል። ብፍቕሪ ጸኒዕካ ኻብ ምቕጻል ንላዕሊ: ብፍቕሪ ምትሓዝ ዝቐለለ ኸም ዝዀነ ጳውሎስ ኣስተውዒሉ ኪኸውን ኣለዎ። ብፍላይ ኣብዘን ብዙሓት ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም” ከምኡውን “ተቐየምቲ” ዝዀኑለን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ ጸገም እዚ ጐሊሑ ይርአ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-3) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ባህርያት ሎሚ ንሓያሎ ሓዳር ቀስ ብቐስ ይብትኖ ኣሎ: ሓደ ፈቃር ሰብኣይ ግን ንዓይ ይጥዓመኒ ዚብል ባህርያት ዓለም ንኣተሓሳስባኡ ዀነ ንተግባራቱ ኺጸልዎ ኣይፈቅድን እዩ።—ሮሜ 12:2

ንሰበይትኻ ዜድልያ ብኸመይ ከተማልኣላ ትኽእል፧

8, 9. ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ንሰበይቱ ብምንታይ መገድታት እዩ ዜማልኣላ፧

8 ክርስትያን ሰብኣይ እንተ ዄንካ: ንርእስኻ ጥራይ ኣብ ክንዲ ምሕሳብ: ንሰበይትኻ ናይ ሓቂ ፍቕሪ እተርኢ ብኸመይ ኢኻ፧ ጳውሎስ ኣብቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፎ ቓላት: ክልተ ኽትገብሮ ዚግባእ ነገራት ጠቒሱ ኣሎ። እዚ ኸኣ እቲ ሓደ ንሰበይትኻ ዜድልያ ምምላእ ኪኸውን ከሎ: እቲ ኻልኣይ ከኣ ከም ገዛእ ርእስኻ ጌርካ ምክንኻን እዩ። ንብዓልቲ ቤትካ ዜድልያ ብኸመይ ከተማልኣላ ትኽእል፧ ሓደ መገዲ ብስጋዊ: ማለት ብኣካላዊ መዳይ ዜድልያ ምሕላይ እዩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ: “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ” በሎ።—1 ጢሞቴዎስ 5:8

9 ይኹን እምበር: ምግብን ክዳንን መጽለልን ምቕራብ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ብስጋ ዜድልያ ኣብ ምምላእ ንፉዕ ክነሱ: ብስምዒታውን መንፈሳውን መዳይ ዜድልያ ነገራት ግን ኣየማልእን ይኸውን። በዚ ኽልተ ዳሕረዋይ መገዲ ዜድልያ ምምላእ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሓቂ እዩ: ብዙሓት ክርስትያን ሰብኡት ንጉባኤ ዚምልከት ኣብ ምሕላይ ትሑዛት እዮም። ኰይኑ ግን: ሓደ ሰብኣይ ከቢድ ሓላፍነታት ጉባኤ እኳ እንተ ኣለዎ: ከም ርእሲ ስድራቤት መጠን ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓላፍነት ካብ ምፍጻም ዕሽሽ ይብሎ ማለት ኣይኰነን። (1 ጢሞቴዎስ 3:5, 12) እዛ መጽሔት እዚኣ: ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኸምዚ ዚብል ሓሳብ ሃበት:- “ብመሰረት ብቕዓታት መጽሓፍ ቅዱስ: ‘ጕስነት ኣብ ቤትካ እዩ ዚጅመር’ ኪበሃል ይከኣል እዩ። ሓደ ሽማግለ ንስድራቤቱ ሸለል ዚብል እንተ ደኣ ዀይኑ: ንሽመቱ እውን ኣብ ሓደጋ እዩ ዜእትዎ ዘሎ።” b እምበኣር: ንሰበይትኻ ብኣካላዊ: ብስምዒታዊ: ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልያ ኸተማልኣላ ኣሎካ።

ንሰበይትኻ ምክንኻን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

10. ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺከናኸና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

10 ንሰበይትኻ ትከናኸና እንተ ዄንካ: ብፍቕሪ ተደሪኽካ ጽቡቕ ጌርካ ትሕዛ ኢኻ። ነዚ ኽትገብረሉ እትኽእል ሓያሎ መገድታት ኣሎ። ቀዳማይ: ምስ ብዓልቲ ቤትካ እኹል ግዜ ኣሕልፍ። ኣብዚ መዳይ እዚ ንሰበይትኻ ዕሽሽ እንተ ኢልካያ: ንዓኻ ዘለዋ ፍቕሪ ኺዝሕል ይኽእል እዩ። እቲ ንስኻ ንሰበይትኻ እኹል እዩ እትብሎ ግዜን ቈላሕታን እውን: ንሳ እኹል ከም ዘይኰነ ገይራ ኽትወስዶ ኸም እትኽእል ሕሰበሉ። ንብዓልቲ ቤትካ ትከናኸና ኸም ዘለኻ ጌርካ ምእማንካ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። የግዳስ: ሰበይትኻ ኸም እትከናኸና ኺስምዓ ኣለዎ። ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር: ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 10:24) ፈቃር ሰብኣይ ከም ምዃንካ መጠን: ንሰበይትኻ ብሓቂ ዜድልያ ነገር ክትርዳእ ትደሊ ኢኻ።—ፊልጲ 2:4

11. ሓደ ሰብኣይ በቲ ንሰበይቱ ዚሕዘሉ መገዲ ምስ ኣምላኽ ኰነ ምስታ ጉባኤ ዘለዎ ርክብ ብኸመይ ኪትንከፍ ይኽእል፧

11 ንሰበይትኻ ኸም እትከናኸን እተርእየሉ ኻልእ መገዲ: ብዘረባኻ ዀነ ብተግባርካ ለውሃት እተርእያ እንተ ዄንካ እዩ። (ምሳሌ 12:18) ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ: “ኣቱም ሰብኡት: ነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይትምረርወን” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ቈሎሴ 3:19) ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ: እተን ጳውሎስ ኣብ መወዳእታ እተዛረበን ቃላት ቍንቍኛ ኪዀና ኸለዋ: “ከም ከዳሚት ጌርካ ኣይትሓዛ” ወይ “ከም ባርያ ኣይትግበራ” ተባሂለን ኪትርጐማ ይኽእላ እየን። ሓደ ብስቱር ኰነ ብጋህዲ ንሰበይቱ ዚጭቍን ሰብኣይ: ንሰበይቱ ኸም ዘይከናኸና ፍሉጥ እዩ። ንሰበይቱ ብጭካነ ብምሓዙ: ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ኬበላሹ ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሰብኡት: “ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት: ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት: ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን: ከምኡ ምስ ኣንስትኹም በእምሮ ንበሩ” ኢሉ ጸሓፈ። c1 ጴጥሮስ 3:7

12. ክርስትያን ሰብኡት ካብቲ የሱስ ንክርስትያናዊት ጉባኤኡ ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

12 ሰበይትኻ ንዓኻ ዘለዋ ፍቕሪ ኸም ትሑዝ ጌርካ ኣይትርኣዮ። ብቐጻሊ ኸም እተፍቅራ መረጋገጺ ሃባ። የሱስ ንክርስትያናዊት ጉባኤኡ ብዝሓዘሉ መገዲ ኣቢሉ: ንክርስትያን ሰብኡት ኣብነት ሓዲጉሎም እዩ። ሰዓብቱ ብተደጋጋሚ ሕማቕ ባህርያት ኣብ ዜርእዩሉ ግዜ እውን ከይተረፈ: ለዋህን ሕያዋይን ይቕረ በሃልን እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ንኻልኦት: “ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት . . . ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” ኪብሎም ከኣለ። (ማቴዎስ 11:28, 29) ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ እውን ኣብነት የሱስ ብምስዓብ: ንሰበይቱ ኸምቲ የሱስ ነታ ጉባኤኡ ዝሓዛ ገይሩ ይሕዛ እዩ። ንሰበይቱ ብቓል ኰነ ብግብሪ ብሓቂ ዚከናኸና ሰብኣይ: ምንጪ ናይ ሓቂ ዕረፍቲ እዩ ዚዀና።

ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚመላለሳ ኣንስቲ

13. መጽሓፍ ቅዱስ ንኣንስቲ ኺሕግዝ ዚኽእል እንታይ ስርዓታት እዩ ዘለዎ፧

13 መጽሓፍ ቅዱስ ንኣንስቲ ኺሕግዝ ዚኽእል ስርዓታት እውን ኣለዎ። ኤፌሶን 5:22-24, 33 ከምዚ ትብል:- “ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ: ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ: ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ: ኣትን ኣንስቲ: ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም። ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ: ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተአዘዛኦም። . . . እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሀዮ [“ተኽብሮ” ትርጕም 1990]።”

14. እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ተገዛእነት ንኣንስቲ ዜዋርድ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

14 ጳውሎስ ንተኣዛዝነትን ንኣኽብሮትን ብኸመይ ከም ዘጕለሖ ነስተብህል። ሰበይቲ ንሰብኣያ ኽትእዘዞ እዩ መዘኻኸሪ ተዋሂቡዋ። እዚ ምስቲ ኣምላኽ ዘቘሞ ስርዓት ዚሰማማዕ እዩ። ኵሉ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህያው ፍጡር ንኻልእ ኪግዛእ ኣለዎ። የሱስ እውን ከይተረፈ ንየሆዋ ኣምላኽ ይግዝኦ እዩ። (1 ቈረንቶስ 11:3) ልክዕ እዩ: ሓደ ንርእስነቱ ብግቡእ ዚጥቀመሉ ሰብኣይ: ሰበይቱ ንዕኡ እትግዛእ ንኽትከውን ዝቐለለ እዩ ዚገብረላ።

15. ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንኣንስቲ እተዋህበ ምኽሪ እንታይ እዩ፧

15 ጳውሎስ ብተወሳኺ “ሰበይቲውን ንሰብኣያ ተኽብሮ” ኢሉ እዩ። ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ “ለዋህን ህዱእን መንፈስ” ከተርኢ ኣለዋ ደኣ እምበር: ብትዕቢት ምስ ሰብኣያ ኽትበኣስ ወይ ብርእሳ ኽትኸይድ የብላን። (1 ጴጥሮስ 3:4) ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዋ ሰበይቲ ንጥቕሚ ቤታ ኣበርቲዓ ትዓዪ: ነቲ ርእሳ ዝዀነ ድማ ክብሪ ተምጽእ። (ቲቶስ 2:4, 5) ብዛዕባ ሰብኣያ ጽቡቕ ክትዛረብ ትጽዕር: ካልኦት ኣሕሲሮም ንኺርእይዎ ዚድርኽ ዋላ ሓንቲ ነገር ከኣ ኣይትገብርን። ብዘይካዚ: ውሳነታቱ ዕዉት ንኪኸውን ኣበርቲዓ ትዓዪ።—ምሳሌ 14:1

16. ክርስትያን ኣንስቲ ኻብ ሳራን ርብቃን እንታይ ኪመሃራ ይኽእላ፧

16 ለዋህን ህዱእን መንፈስ ምህላው ኪበሃል ከሎ: ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ርእይቶታት የብላን ወይ ኣተሓሳስባኣ ኣገዳስነት የብሉን ማለት ኣይኰነን። ከም ሳራን ርብቃን ዝኣመሰላ ጥንቲ ዝነበራ ንኣምላኽ ዚፈርሃ ኣንስቲ ተበግሶ ብምውሳድ ብዛዕባ ገሊኡ ጕዳያት ዘተሓሳሰበን ነገር ገሊጸን እየን: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ከኣ የሆዋ ንተግባራተን ከም ዝሰመሮ ይሕብር። (ዘፍጥረት 21:8-12፣ 27:46–28:4) ክርስትያን ኣንስቲ እውን ስምዒታተን ኪገልጻ ይኽእላ እየን። ይኹን እምበር: ብዜዋርድ ቃና ድምጺ ዘይኰነስ: ብሓልዮት ኪገብራኦ ኣለወን። ከምዚ እንተ ገይረን: ሓሳበን ዚገልጻሉ መገዲ ዝያዳ ዜሐጕስን ውጽኢታውን ኰይኑ ኺረኽባኦ እየን።

ቃል ኪዳን ዘለዎ ግደ

17, 18. ሰብኡትን ኣንስትን ነቲ ሰይጣን ንሓዳር ንምፍራስ ዚገብሮ ፈተነ ኺጻረሩ ዜኽእሎም እንታይ መገድታት ኣሎ፧

17 መርዓ ንምሉእ ህይወትካ እትኣትዎ ቓል ኪዳን እዩ። ስለዚ: ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ሓዳሮም ዕዉት ንምግባር ናይ ሓቂ ባህጊ ኺህልዎም ኣለዎ። ሓሳቦም ብግህዶ ዘይለዋወጡ እንተ ዀይኖም: ጸገማት ይውህለል: እናኸበደ ድማ ይኸይድ። መብዛሕትኡ ግዜ: ሰብ ሓዳር ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ: ምዝርራብ የቋርጹ: እዚ ኸኣ ቂም ከም ዚሕዙ ይገብሮም። ገሊኦም ሰብ ሓዳር ነቲ ርክቦም መወዳእታ ኺገብሩሉ ይጽዕሩ እዮም: ምናልባት ካብ ሓዳሮም ወጻኢ ምስ ኣንጻር ጾታ ፍቕራዊ ርክብ ኪምስርቱ ይደልዩ ይዀኑ። የሱስ “ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ” ኢሉ ኣጠንቀቐ።—ማቴዎስ 5:28

18 ሃዋርያ ጳውሎስ ንዅሎም ክርስትያናት: እንተላይ ንእተመርዓዉ ክርስትያናት: “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሀብዎ” ኢሉ መኸሮም። (ኤፌሶን 4:26, 27) እቲ ቐንዲ ጸላኢና ሰይጣን ነቲ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ዚለዓል ፍልልያት ኪምዝምዞ ይፍትን እዩ። ኪዕወት ኣይትፍቀዱሉ! ጸገማት ኪፍጠር ከሎ: ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣተሓሳስባ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተመስረተ ጽሑፋት ጌርኩም መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ምርምር ግበሩ። ነቲ ፍልልያትኩም ብህድኣትን ብቕንዕናን ፍትሕዎ። ነቲ ዝፈለጥኩምዎ ስርዓታት የሆዋ ኣብ ግብሪ ንኸተውዕልዎ ጻዕሪ ግበሩ። (ያእቆብ 1:22-25) ከም ሰብ ሓዳር መጠን ንሓዋሩ ምስ ኣምላኽ ንኽትመላለሱ ቘራጽነት ግበሩ: ነቲ ንሱ ዝጠመሮ ድማ ዋላ ሓደ ኺፈልዮ ኣይትፍቀዱ!—ሚክያስ 6:8

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናይ 8 ለካቲት 2002 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 10 ዘላ “ፍትሕን ምፍልላይን” ዘርእስታ ሳጹን ተወከስ።

b ናይ 15 ግንቦት 1989 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 12 ተወከስ።

c ሓደ ሰብኣይ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላፍነት ኪወሃቦ እንተ ዀይኑ: ብኣካላዊ መገዲ ዀነ ብዘረባ “ዘይዋቓዕ” ኪኸውን ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ: ናይ 17/9/111 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 11 [ወይ ናይ 1 መስከረም 1990 (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 25] ከምዚ ትብል:- “ኣብ ካልኡ ብመገድታት ኣምላኽ እናተመላለሰ ኣብ ቤቱ ግን ዚጭቍን ምስ ዚኸውን ነዚ መዓርግ እዚ ኣይበቅዕን እዩ።”—1 ጢሞቴዎስ 3:2-5, 12

ትዝክሮዶ፧

• ሓዳር ክርስትያናት እኳ ኸይተረፈ ጸገማት ኬጋጥሞ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

• ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚምግባን ዚከናኸናን ብኸመይ እዩ፧

• ሓንቲ ሰበይቲ ንሰብኣያ ኸም እተኽብሮ ንምርኣይ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

• ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ቃል ኪዳኖም ኬጽንዑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ሰብኣይ ብስጋዊ ጥራይ ዘይኰነስ: ብመንፈሳዊ እውን ንስድራቤቱ ብግቡእ ዚምግብ ኪኸውን ኣለዎ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ንሰበይቱ ዚከናኸና ሰብኣይ: ምንጪ ዕረፍቲ እዩ ዚዀና

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ኣንስቲ ስምዒታተን ብኣኽብሮት ይገልጻ