ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ጽላል ጥበብ”

“ጽላል ጥበብ”

“ጽላል ጥበብ”

ምሳሌ 16:16: “ካብ ምጥራይ ወርቂ ኽንደይ ኰን ምጥራይ ጥበብ ይበልጽ። ካብ ምጥራይ ብሩርሲ ምጥራይ ምስትውዓል ክንደይ ኰን ይኸብር” ትብል። ጥበብ ክሳዕ ክንድዚ ኽብርቲ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ ምኽንያቱ: “ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ: ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዪኣ ብህይወት ምንባር እዩ።” (መክብብ 7:12) ጥበብ ንመጥረዪኣ ብህይወት ከም ዚነብር እትገብሮ ግን ብኸመይ እያ፧

ኣምላኻዊ ጥበብ ምጥራይ: ማለት ብዛዕባ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ርጡብ ፍልጠት ምጥራይን ምስኡ ተሰማሚዕካ ምንባርን: በቲ የሆዋ ዚሰምሮ መገዲ ንኽንመላለስ ይሕግዘና። (ምሳሌ 2:10-12) እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን: “ጐደና እቶም ቅኑዓት ካብ እኩይ ምርሓቕ እዩ: እቲ ንመገዱ ዚጥንቀቐላ ንነፍሱ ይሕልዋ” በለ። (ምሳሌ 16:17) እወ: ጥበብ ንዜጥርያ ሰብ: ካብ ሕማቕ መገዲ ትሕልዎ: ህይወቱ ድማ ተድሕኖ! እቲ ኣብ ምሳሌ 16:16-33 ዚርከብ ሓጺርን ንጹርን ጥበባዊ ብሂላት: ኣምላኻዊት ጥበብ ኣብ ባህርይናን ዘረባናን ተግባራትናን ኪህልዋ ዚኽእል ኣወንታዊ ጽልዋ ይሕብር። a

“ትሑት” ኩን

ጥበብ ከም ሰብ ኰይና: “ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን . . . እጸልእ እየ” ኢላ ኸም እትዛረብ ጌርካ ተገሊጻ ኣላ። (ምሳሌ 8:13) ትዕቢትን ጥበብን ፈጺመን ኣይራኸባን እየን። ብጥበብ ክንመላለስ ኣሎና: ትዕቢት ወይ ትምክሕቲ ኸይነማዕብል ከኣ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ብፍላይ ኣብ ገሊኡ መዳያት ህይወትና ኣሳልጦ እንተ ረኺብና ወይ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላፍነት እንተ ተዋሂቡና: ዝያዳ ኽንጥንቀቕ ኣሎና።

ምሳሌ 16:18 “ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ: ንውድቀት ከኣ ኵርዓት” ኢላ ተጠንቅቕ። ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ውድቀት እሞ ሕስብ ኣብለሉ፣ እዚ እቲ ፍጹም መንፈሳዊ ወዲ ኣምላኽ ዝነበረ እሞ ንርእሱ ሰይጣን ድያብሎስ ዝገበረ ፍጡር ዝወደቖ ውድቀት እዩ። (ዘፍጥረት 3:1-5፣ ራእይ 12:9) ቀቅድሚ ውድቀቱ ትዕቢትዶ ኣየርኣየን እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓደ ሓድሽ ክርስትያን ዝዀነ ሰብኣይ: “ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕ” ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላዊ ዀይኑ ኺሽየም ከም ዘይብሉ ኺገልጽ ከሎ: ነዚ ነገር እዚ ሓቢሩ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:1, 2, 6) ንኻልኦት ዕቡያት ኪዀኑ ኸይነተባብዕ ከምኡውን ንርእስና ነዛ ባህርይ እዚኣ ኸይነማዕብላ ኽንጥንቀቕ ኣሎና።

ምሳሌ 16:19: “ምስቶም ዕቡያት ዘመተ ኻብ ምክፋልሲ: ምስቶም መሳኪን ደኣ ብመንፈስ ትሑት ምዃን ይሐይሽ” ትብል። እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ጽቡቕ ማዕዳ ምዃኑ: ኣብቲ ንነቡካድነጻር ንጉስ ጥንታዊት ባቢሎን ዘጋጠሞ ተራእዩ እዩ። ኣብ ጐልጐል ዱራ ብትዕቢት ሓደ ምስሊ ኣቘመ፣ እዚ ምስሊ እዚ ምናልባት ናቱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ምስሊ ኣብ በሪኽ መሰረት ቈይሙ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ: ብጠቕላላ ቝመቱ 27 ሜተር ኣቢሉ ይኸውን ነበረ። (ዳንኤል 3:1) እዚ ኣዝዩ ገዚፍ ሓወልቲ: ዜደንቕ ኣርማ ሃጸያዊ ግዝኣት ነቡካድነጻር ንኪኸውን እዩ ተሓሲቡ ነይሩ። ንሰባት ከምቲ እቲ ሓወልቲ: ክዋኒት: እንዳ ደወል: ከምኡውን ሰማይ ጠቀስ ርሻን ዝኣመሰለ ነዋሕቲ ነገራት ዚምስጦም እኳ እንተ ዀነ: ንኣምላኽ ግን እዚ ኣይምስጦን እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “እግዚኣብሄር ልዑል እዩ እሞ: ንትሑት ይርእዮ: ንዕቡይውን ካብ ርሑቕ የለልዮ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 138:6) አረ “እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚርኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ።” (ሉቃስ 16:15) እምበኣር: ‘ምስቶም ታሕቶት ትሕት ንበል እምበር: ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብና ኣይነውድቕ።’—ሮሜ 12:16

‘ብምስትውዓልን ብዚምስጥን’ ኣገባብ ተዛረብ

ጥበብ ምጥራይ ንዘረባና ብኸመይ ይጸልዎ፧ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ከምዚ በለ:- “ነቲ ቓል ዜቕልበሉ ሰናይ ይረክብ: ብእግዚኣብሄር ዚእመን ከኣ ብጹእ እዩ። ጥበበኛ ዝልቡ መስተውዓሊ ይበሀል: ጣዕሚ ኸናፍር ከኣ ትምህርቲ ይውስኽ። [“ዘረባኡ ኸኣ ይምስጠካ።” ትርጕም 1990] ምስትውዓል ንዜጥርያ ሰብ ፈልፋሊት ህይወት እያ: ዕሽነት ግና ነቶም ዓያሱ ቕጽዓቶም እያ። ልቢ እቲ ጥበበኛ ንኣፉ መስተውዓሊ ይገብሮ: ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኸን። [“ዘረባኡ ኸኣ ይምስጠካ።” ትርጕም 1990]ምሳሌ 16:20-23

ጥበብ ብምስትውዓልን ብዚምስጥን ኣገባብ ንኽንዛረብ ትሕግዝና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሓደ ጥበበኛ ዝልቡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ጕዳይ ‘ሰናይ ኪረክብ’ ይጽዕር: ‘ብየሆዋ ድማ ይእመን’ እዩ። ኣብ ካልኦት ሰባት ሰናይ ክንረክብ ምስ እንጽዕር: መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባኦም ጽቡቕ ኢና እንዛረብ። ቃላትና ተሪር ወይ ንኽርክር ዜለዓዕል ኣብ ክንዲ ዚኸውን: ጥዑምን ዚምስጥን ይኸውን። ነቲ ኻልኦት ዘለውዎ ዅነታት ምስ እነስተውዕሎ: ነቲ ዜሕልፍዎ ዘለዉ ጸገምን ብኸመይ ጸይሮምዎ ኸም ዘለዉን ንኽንርድኦ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን እውን ጥበብ ዘለዎ ዘረባ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንኻልኦት ቃል ኣምላኽ ክንምህሮም ከለና: ዕላማና ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓበሬታ ምምሕልላፍ ጥራይ ኣይኰነን። ሸቶና ልቢ ውልቀ-ሰባት ምትንካፍ እዩ። እዚ ኸኣ ንኸናፍርና ትምህርቲ ዚውስኽ: ዚምስጥ: ወይ ዜእምን ክንገብሮ ዚሓትት እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “በቲ . . . እተረዳእካዮ ጽናዕ” ኢሉ ተማሕጸኖ።—2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15

ብመሰረት እቲ ብዊልያም ኢ. ቫይን እተዳለወ ኣን ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ዎርድስ እታ ኣብዚ “እተረዳእካዮ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: “ብጽልዋ እቲ ዚቐርብ ርትዒ ወይ ስነ-ምግባራዊ ሓሳባት ናይ ኣእምሮ ለውጢ ምምጻእ” ማለት እያ። ንሰማዕትና ብዜእምን መርትዖ ጌርና ኣእምሮኦም ከም ዚልውጡ ኽንገብር እንተ ዄንና: ብዛዕባ ኣተሓሳስባኦምን ተገዳስነቶምን ኵነታቶምን ድሕረ-ባይታኦምን ከነስተውዕል ኣሎና። ከምዚ ዝኣመሰለ ምስትውዓል ካበይ ክንረክብ ንኽእል፧ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር: “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ . . . ይኹን” ኢሉ መልሲ ሂቡና ኣሎ። (ያእቆብ 1:19-20) ነቲ ሰማዒና ሕቶታት ብምሕታትን ነቲ ዚብሎ ተጠንቂቕና ብምስማዕን: ኣብ ልቡ ዘሎ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና።

ሃዋርያ ጳውሎስ ንኻልኦት ብምእማን ወይ ብምርዳእ ዝመጸ ሓለፍ ዝበለ ኽእለት ነበሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:4) እቲ ሓደ ኻብቶም ተጻረርቱ ዝነበረ ድሜጥሮስ ዚበሃል ኣንጠረኛ ብሩር እኳ: “ኣብ ኤፌሶን ጥራይ ዘይኰነስ: ዳርጋ ኣብ ኵላ እስያ ንብዙሓት ሰባት ከም ዘስድዔን ከም ዘዕለወን: ትርእዩን ትሰምዑን አሎኹም” ኢሉ ንኽእለት ጳውሎስ ዚእምት ነገር ተዛሪቡ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:25) ጳውሎስ ኣብ ዕዮ ስብከት ውጽኢታዊ ዝዀነ ብናቱ ኽእለት ምዃኑ ገሊጹዶ ይፈልጥ፧ ኣይፋሉን። ስብከቱ ብ“መንፈስን ስልጣንን” ኣምላኽ ከም ዚገብሮ እዩ ዚቘጽሮ ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 2:4, 5) ንሕና እውን ካብ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝ ንረክብ ኢና። ኣብ የሆዋ ስለ እንውከል: ኣብ ኣገልግሎትና ብምስትውዓልን ብዜእምንን ኣገባብ ክንዛረብ ከለና: ንሱ ኸም ዚሕግዘና ንተኣማመን ኢና።

“ጥበበኛ ዝልቡ መስተውዓሊ ይበሀል” እንተ ተባህለ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። (ምሳሌ 16:21) እወ: ምስትውዓል ንዜጥርያ “ፈልፋሊት ህይወት እያ።” ዓያሱ ግን ከመይ እዮም፧ “ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ።” (ምሳሌ 1:7) ካብ የሆዋ ዚመጾም ትምህርቲ ወይ ተግሳጽ ብምንጻጎምከ እንታይ ይዓጽዱ፧ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ: ሰሎሞን: “ዕሽነት ግና ነቶም ዓያሱ ቕጽዓቶም እያ” በለ። (ምሳሌ 16:22) ተወሳኺ ተግሳጽ ይወሃቦም: እዚ ድማ ብዙሕ ግዜ ዝኸበደ ቕጽዓት እዩ። ዓያሱ ኣብ ርእሶም ጸገምን ውርደትን ሕማምን ሞትን እውን ኬምጽኡ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ንጉስ እስራኤል: ነቲ ጥበብ ኣብ ዘረባና ኺህልዋ ዘለዎ ተወሳኺ ጽቡቕ ጽልዋ ኺሕብር ከሎ: “ልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ: ንነፍሲ ጥዑም: ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ” በለ። (ምሳሌ 16:24) ከምቲ መዓር ምቁርን ንዝጠመየ ቐልጢፉ ሓይሊ ዚህብን: ልኡም ዘረባ እውን ዜተባብዕን መንፈስ ዜሐድስን እዩ። ብተወሳኺ ድማ መዓር ንጥዕና ጽቡቕ እዩ: ፈውሲ ዀይኑ እውን የገልግል እዩ። ልኡም ዘረባ እውን ከምኡ እዩ፣ ንመንፈሳዊ ጥዕና ጽቡቕ እዩ።—ምሳሌ 24:13, 14

ካብታ ‘ቕንዕቲ እትመስል መገዲ’ ተጠንቀቕ

ሰሎሞን: “ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ አላ: መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ” በለ። (ምሳሌ 16:25) እዚ ኻብ ናይ ሓሶት መመኽነይታን ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዚጻረር ኣካይዳን ክንሕሎ እተዋህበ መጠንቀቕታ እዩ። ሓንቲ መገዲ ብስጋዊ ዓይኒ ቕንዕቲ እኳ እንተ መሰለት: ምስቲ ጽድቃዊ ስርዓታት ቃል ኣምላኽ ግን እትጻረር ክትከውን ትኽእል እያ። ብዘይካዚ: ሓደ ሰብ ናብ ሞት እትወስድ: ቅንዕቲ ኢሉ ዝኣመነላ መገዲ ምእንቲ ኺስዕብ ሰይጣን ኬታልሎ ይኽእል እዩ።

ርእስና ኻብ ምትላል ክንሕልወሉ እንኽእል ዝሓሸ መገዲ: ጥበበኛን ዚርዳእን ልቢ ምጥራይ: ከምኡውን ብፍልጠት ቃል ኣምላኽ ዝሰልጠነ ሕልና ምሓዝ እዩ። ንስነ-ምግባር: ንኣምልኾ: ወይ ንዝዀነ ይኹን ካልእ ነገር ዚምልከት ውሳነታት ክንገብር ከለና: ርእስና ንኸይነታልል ዚሕልወና ዝበለጸ መገዲ በቲ ኣምላኽ ንጽቡቕን ክፉእን ዘለዎ መለክዒታት እንተ ተመሪሕና ጥራይ እዩ።

“ዓያዪ፥ ጥሜቱ መታን ኪዕንግል፥ ኣበርቲዑ ይጽዕር”

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ኣስዕብ ኣቢሉ: “ኣፉ ይድርኾ እዩ እሞ: ጥሜት እቲ ዓያዪ ስሌኡ ኢሉ ይዐዪ” በለ። (ምሳሌ 16:26) ኣብዚ ሰሎሞን: ንዓያዪ ጥሜት ስለ ‘ዚድርኾ:’ ምግቢ ንምርካብ ካብ ዘለዎ ድሌት ተላዒሉ: ‘ስሌኡ ኺዓዪ ኸም ዚኽእል’ ገሊጹ ዘሎ። ትርጕም 1990 “ዓያዪ፥ ጥሜቱ መታን ኪዕንግል፥ ኣበርቲዑ ይጽዕር” ይብል። ጥሜትና ንኽንዕንግል ዘሎና ንቡር ባህጊ: ኣፍረይቲ ንኽንከውን ኪድርኸና ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ባህጊ ጠቓሚ እዩ። ይኹን እምበር: እዚ ግቡእ ባህጊ እዚ መጠኑ ብምሕላፍ: ናብ ስስዐ እንተ ተቐዪሩኸ፧ እዚ ዜስዕቦ ሳዕቤን: ምስቲ ምግቢ ንምኽሻን እተኣጕደ ሓዊ: ንዱር ናብ ዚህሙዅ ባርዕ እንተ ተቐዪሩ ዜስዕቦ ሳዕቤን ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ስስዐ ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ጐዳኢ ባህጊ እዩ። ጥበበኛ ሰብ ነዚ ሓደጋ እዚ ስለ ዚፈልጦ: ነቲ ጥዑይ ባህግታቱ እውን ይቈጻጸሮ እዩ።

“ሰናይ ናብ ዘይኰነት መገዲ” ኣይትኺድ

ካብ ኣፍና ዚወጽእ ቃላት: ከም ባርዕ ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰሎሞን ጕድለት ካልኦት ምንዳይን ብዛዕባ እዚ ንኻልኦት ምዝራብን ዘለዎ ጕድኣት ኪገልጽ ከሎ: “ሕሱም ሰብ እከይ ይዅዕት: ኣብ ከናፍሩ ኸኣ ከም ዚባላዕ ሓዊ አሎ። ጠዋይ ሰብ ቈየቛ ይዝርግሕ: ሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም” በለ።—ምሳሌ 16:27, 28

ስም ብጻዩ ኼበላሹ ዚፍትን ሰብ: “ሕሱም” እዩ። ኣወንታዊ ጐድኒ ሰባት ንኽንርእን ዜኽብሮም ነገር ንኽንዛረብን ክንጽዕር ኣሎና። ነቶም ዚሓምዩ እዝኒ ምሃብከ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧ ቃላቶም ብቐሊሉ መሰረት ዘይብሉ ጥርጣረ ስለ ዜሕድር: ፈተውቲ ይፈላሊ: ኣብ ጉባኤ ኸኣ ምክፍፋል ይፈጥር። ጥበብ ግን ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ንኸይንሰምዖም ትድርኸና።

ሰሎሞን: ሓደ ሰብ ንብጻዩ ኽሳዕ ክንደይ ኪሓብሎ ኸም ዚኽእል ኬጠንቅቕ ከሎ: “ግፍዔኛ ሰብ ንብጻዩ ይሐባብሎ እሞ ሰናይ ናብ ዘይኰነት መገዲ ይመርሖ። በዒንቱ ዚጠቅስ ሓሳባቱ ጠዋይ እዩ: ከናፍሩ ዚርምጥጥ ከኣ ነቲ ኽፍኣት ፈጺምዎ እዩ” በለ።—ምሳሌ 16:29, 30

ግፍዒ ወይ ዓመጻ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኺሓብሎም ይኽእልዶ፧ ሎሚ ብዙሓት ውልቀ-ሰባት ስለ እተሓብሉ: ‘ጠዋይ ሓሳባት’ ስዒቦም እዮም። ግፍዒ የተባብዑ ወይ ይገብሩ እዮም። ካብ ቀጥታዊ ግፍዒ ወይ ዓመጻ ምርሓቕ ኣጸጋሚ ኣይከውንን ይኸውን። ኰይኑ ግን: ብዝረቐቐ መገዲ ንታለልዶ ኢና፧ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ተሓቢሎም ነቲ ዓመጻ ዜተባብዕ መዘናግዒታት ወይ ስፖርት ይርእዩዶ ኸይኰኑ፧ እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መጠንቀቕታ ንጹር እዩ:- “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን።” (ምሳሌ 13:20) ኣምላኻዊት ጥበብ ከመይ ዝበለ ዕቝባ ዀን እያ እትዀነና!

ብዛዕባ ሓደ ህይወቱ ምሉእ ምስ ጠቢባንን መስተውዓልትን ዘሕለፈ እሞ: ‘ሰናይ ናብ ዘይኰነት መገዲ ዘየምርሐ’ ሰብከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ብመገዲ ጽድቂ ዚሓልፍ ህይወት: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚነኣድን ኣኽብሮት ዚግብኦን እዩ። ምሳሌ 16:31 “ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ: እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ” ትብል።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ቍጽጽር ዘይተገብረሉ ቝጥዓ ባህ ዜብል ኣይኰነን። እቲ በዅሪ ወዲ ኣዳምን ሄዋንን ዝነበረ ቃየል: “ኣዝዩ ዀረየ:” ንሓዉ ኣቤል ከኣ “ተንስኦ: ቀተሎ ድማ።” (ዘፍጥረት 4:1, 2, 5, 8) ቍጥዓ ግቡእ ዚዀነሉ እዋን እኳ እንተሎ: ቍጥዓና ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ ኸይከውን ክንጥንቀቕ ኣሎና። ምሳሌ 16:32 “ንዅራ ደንጓዪ ዝዀነ ኻብ ጅግና ይበልጽ: ካብቲ ንኸተማ ዚሕዝ ከኣ መንፈሱ ዚገዝእ ይበልጽ” ትብል። ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ዅራ: ብርታዐ ወይ ውርዝና ኣይኰነን። የግዳስ: ንሰብ ‘ሰናይ ናብ ዘይኰነት መገዲ ዚመርሖ’ ድኽመት እዩ።

‘የሆዋ ይምድብ’

እቲ ንጉስ እስራኤል: “ዕጭ ናብ ሕቝፊ እዮም ዜውድቑ: ንመን ከም ዚበጽሕ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዚምድቦ” በለ። (ምሳሌ 16:33) ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: ሓድሓደ ግዜ የሆዋ ፍቓዱ ንምሕባር ዕጭ ተጠቒሙ እዩ። እቲ ዚወድቕ ዕጭ: ጸጸር ወይ ክንዲ ጸጸር ዚኸውን ዕንጨይቲ ኪኸውን ይኽእል ነበረ። ፈለማ: የሆዋ ነቲ ጕዳይ ንኺውስኖ ናብኡ ምህለላ ይቐርብ። ድሕሪኡ: እቲ ዕጭ ናብ ሕቝፊ ይድርበ እሞ: ካብኡ ሓንቲ ትለዓል። እቲ ውጽኢት ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ጌርካ ይርአ ነበረ።

የሆዋ ነቲ ዚሓስቦ ነገር ንህዝቡ ንምሕባር: ድሕሪ ደጊም ዕጭ ኣይጥቀምን እዩ። ፍቓዱ ኣብ ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ገሊጹልና ኣሎ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ርጡብ ፍልጠት ምሓዝ: ኣምላኻዊ ጥበብ ንምጥራይ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከየንበብና ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ኽትሓልፍ ኣይነፍቅድ።—መዝሙር 1:1, 2፣ ማቴዎስ 4:4

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ምሳሌ 16:1-15 መብርሂ እንተ ደኣ ደሊኻ: ናይ 15 ግንቦት 2007 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 17-20 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ጥበብ ካብ ወርቂ እትበልጽ ስለምንታይ እያ፧

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣገልግሎት ክንከውን ከለና: ንኸናፍርና ዜእምን ትምህርቲ ዚውስኸሉ እንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

“ሕሱም ሰብ እከይ ይዅዕት”

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ቝጥዓ: ንሰብ “ሰናይ ናብ ዘይኰነት መገዲ ይመርሖ”

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ዓመጻ ኺሓብል ይኽእል እዩ