ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንድፍስ ብዘይ ነዳፊ፧

ንድፍስ ብዘይ ነዳፊ፧

ንድፍስ ብዘይ ነዳፊ፧

ቻርለስ ዳርዊን ንሕልኽላኽን በበይኑ ዝዓይነቱን ህይወት ሳዕቤን ዝዀነ: ተፈጥሮ ዘዝበለጸ ስለ ዚመርጽ እዩ ዚብል ሓሳብ ካብ ዜቕርብ ዳርጋ 150 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ይኹን እምበር: ህያዋን ነፍሳት ብዜስደምም ልክዕነት ስለ እተገብሩ ብዕላማ እተነድፉ ኪዀኑ ኣለዎም ኢሎም ዚኣምኑ ሰባት: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ነቲ ዳርዊን ዘቕረቦ ኽልሰ-ሓሳብ ፍልቀትን ኣብዚ ዘመንና ዘሎ እተፈላለየ መልክዓቱን ይቃወምዎ ኣለዉ። ዓብዪ ስም ዘለዎም ሓያሎ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት: እቲ ኣብ ምድሪ እንርእዮ በብዓይነቱ ጅር ብፍልቀት መጺኡ ዚብል ሓሳብ ኣይቅበልዎን እዮም።

ገለ ኻብዞም ተመራመርቲ እዚኣቶም ፍጥረት ከም እተነድፈ ብስነ-ህይወትን ብሕሳብን ዚድገፍ: ከምኡውን ንልቦናና ዚወሓጠልና ምዃኑ ይማጐቱ: ነዚ ድማ ምስትውዓል ዘለዎ ንድፊ ይብልዎ። ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ዚቐርብ ስርዓተ-ትምህርቲ ስነ-ፍልጠት ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ሓበሬታ ኼእትዉ ይጽዕሩ። እቲ ብዛዕባ ፍልቀት ዚግበር ዘሎ ምስሕሓብ ብቐንዱ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እዩ ዚካየድ ዘሎ: ኰይኑ ግን ኣብ ሰርብያ: ቱርኪ: ነዘርላንድስ: ዓዲ እንግሊዝ: ከምኡውን ፓኪስታን: ተመሳሳሊ ምስሕሓብ ይርአ ኣሎ።

ዚግደፍ ዘሎ ሓበሬታ

መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣብቲ ተጠንቂቕካ ብእተመርጸ ቓላት ኣቢልካ ብዛዕባ ምስትውዓል ዘለዎ ንድፊ ዚቐርብ መጐተ: ሓደ ዚግደፍ ዘሎ ጕሉሕ ሓበሬታ ኣሎ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ነዳፊ ዚገልጽ ነገር ዘይምህላዉ እዩ። ንድፊ ብዘይ ነዳፍስ ኪኸውን ይኽእል እዩ ኢልካዶ ትኣምን ኢኻ፧ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ መጋዚን እትበሃል መጽሔት: እቶም ነቲ ምስትውዓል ዘለዎ ንድፊ ዚብል ሓሳብ ዚጣበቑሉ ሰባት: “እቲ ነዳፊ መን ወይ እንታይ ኪኸውን ከም ዚኽእል ንጹር ሓሳብ ኣይሃቡን” በለት። ክላውድያ ዋሊስ እትበሃል ጸሓፊት ከኣ: ተሓለቕቲ ምስትውዓል ዘለዎ ንድፊ “ንኣምላኽ ኣብ ምይይጥ ምእንቲ ኸየልዕልዎ ይጥንቀቑ እዮም” በለት። መጽሔት ኒውስዊክ ከኣ “ምስትውዓል ዘለዎ ንድፊ ብዛዕባ ህላወን መንነትን ነዳፊ ዋላ ሓንቲ ኣይገልጽን እዩ” በለት።

ይኹን እምበር: ብዛዕባ ነዳፊ ዚምልከት ሕቶ ዕሽሽ ምባሉ ኸንቱ ምዃኑ ኺርድኣካ ይኽእል እዩ። ህላወን መንነትን እቲ ነዳፊ እንተ ተሓቢኡ ወይ ኣብ ግምት ዚኣቱ እንተ ዘይኰይኑ: ከመይ ኢሉ እዩ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ዘሎ ንድፍን ህይወትን ዚወሃብ መግለጺ እተማልአ ኪኸውን ዚኽእል፧

ነዳፊ ኸም ዘሎ ኣፍልጦ ምሃብ ወይ ዘይምሃብ: ብእተወሰነ ደረጃ ኣብዘን ዚስዕባ ሕቶታት እተመርኰሰ እዩ:- ህላወ ልዕለ-ሰብኣዊ ነዳፊ ምቕባል: ንስነ-ፍልጠታውን ኣእምሮኣውን ግስጋሰ ይዓግቶ ደዀን ይኸውን፧ ካልእ መግለጺ ኣብ ዝሰኣነሉ ግዜ ጥራይ ድዩ መስተውዓሊ ነዳፊ ኺጥቀስ ዚከኣል፧ ካብ ንድፊ ተበጊስካ ነዳፊ ኸም ዘሎ ምድምዳም ንልቦናኻ ዚወሓጠልካ ነገር ድዩ፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዝን ምስዚ ንዚዛመድን ሕቶታት ክትገልጾ እያ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ቻርለስ ዳርዊን ንሕልኽላኽ ህይወት ሳዕቤን ዝዀነ: ተፈጥሮ ዘዝበለጸ ብምምራጹ ምዃኑ ይኣምን ነበረ

[ምንጪ ስእሊ]

Darwin: From a photograph by Mrs. J. M. Cameron/U.S. National Archives photo