ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዜጋጥመካ ዘይፍትሓዊ ተግባር ክትጻወሮ ትኽእል ኢኻ!

ንዜጋጥመካ ዘይፍትሓዊ ተግባር ክትጻወሮ ትኽእል ኢኻ!

ንዜጋጥመካ ዘይፍትሓዊ ተግባር ክትጻወሮ ትኽእል ኢኻ!

ኣብ ህይወቱ ገለ ዓይነት ዘይፍትሓዊ ተግባር ዘየጋጠሞ እሞ መን ኣሎ፧ ሓድሓደ ግዜ ዘይፍትሓዊ ተግባር ዘጋጠመና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ: ኣብ ካልእ እዋን ግን ናይ ሓቂ ምጕዳል ፍትሒ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ።

ዘይፍትሓዊ ተግባር ኬጋጥመና ኸሎ: ስምዒታዊ ስቓይ ኪስምዓና ኸምኡውን ብመንፈሳዊ ኺጐድኣና ይኽእል እዩ። ነቲ ዅነታት ንኸነዐርዮ ድማ ዓሚቝ ድሌት ይሓድረና ይኸውን። ስለምንታይ እዩ ግን ከምዚ ዚስምዓና፧ ብቐዳምነት: እቲ “ዓመጽ ዜብሉ” ፈጣሪና የሆዋ ኣምላኽ: ንደቅሰብ ፍትሒ ናይ ምርካብ ድሌት ኣብ ውሽጦም ስለ ዝሰረተሎም እዩ። (ዘዳግም 32:4፣ ዘፍጥረት 1:26) ይኹን እምበር: ዘይፍትሓዊ ተግባር የጋጥመና ይኸውን። ሓደ ጥበበኛ ሰብኣይ ከምዚ በለ:- “ኣነ ኸኣ ተመሊሰ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ግፍዒ ተመልከትኩ: እንሆ ኸኣ: ንብዓት እቶም ግፉዓት ርኤኹ: ኣጆኹም: ዚብሎምውን ኣይነበሮምን: ካብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ዓመጻ ወጸ: ኣጆኹም: ዚብሎም ከኣ ኣይነበሮምን።” (መክብብ 4:1) ንዘይፍትሓዊ ተግባር ክንጻወሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ዘይፍትሓውነት እንታይ እዩ፧

ዘይፍትሓውነት: መለክዒታት ፍትሒ ዚጠሓሰሉ ዅነታት ወይ ተግባር እዩ። እቲ ደቅሰብ ዚምርሑሉ መለክዒ ፍትሒ እንታይ እዩ፧ እቲ ጻድቕን ዘይልወጥን ፈጣሪና: ንፍትሕን ዓመጻን እንመዝነሉ መለክዒ ናይ ምሃብ መሰል ኣለዎ። ብኣረኣእያ ኣምላኽ: “ብሕጋጋት ህይወት” ምምልላስ ‘ግፍዒ ዘይምግባር’ ዜጠቓልል እዩ። (ህዝቅኤል 33:15) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ የሆዋ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ኪፈጥሮ ኸሎ: ነቲ ቕኑዕን ጌጋን ንኺፈሊ ዚሕግዞ ሕልና ዝሃቦ። (ሮሜ 2:14, 15) ብተወሳኺ እውን: የሆዋ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየናይ ፍትሓዊ: ኣየናይ ዘይፍትሓዊ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

ዘይፍትሓዊ ተግባር ከም ዘጋጠመና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ብሓቂ ዘይፍትሓዊ ተግባር ተፈጺሙ እንተ ዀይኑ ንምርኣይ ነቲ ጕዳይ ብኽፉት ኣእምሮ ኽንምርምሮ ኣሎና። ንኣብነት: ነቲ እብራዊ ነብዪ ዮናስ ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። የሆዋ ንዮናስ ንሰብ ነነዌ ብዛዕባ እቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ጥፍኣት ንኺነግሮም መዘዞ። ኣብ መጀመርታ: ዮናስ ናብ ካልእ ቦታ ብምህዳም ነቲ እተዋህቦ መዝነት ኣይፈጸመን። ኣብ መወዳእታ ግን ናብ ነነዌ ብምኻድ ነቶም ነበርቲ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዝነበረ ጥፍኣት ኣጠንቀቖም። የሆዋ ነቲ ሰብ ነነዌ ዝሃብዎ ኣወንታዊ ምላሽ ብምርኣይ: ነታ ኸተማ ኺንሕፋን ነቶም ነበርቲ ኺምሕሮምን ወሰነ። ዮናስ እንታይ ተሰምዖ፧ “እዚ ንዮናስ ኣዝዩ ኣጕሀዮ: ኰረየውን።” (ዮናስ 4:1) የሆዋ ፍትሓዊ ዘይኰነ ተግባር ከም ዝፈጸመ ዀይኑ ተሰምዖ።

እቲ ንልቢ ኼንብብ ዚኽእልን ‘ፍትሒ ዚፈቱን’ የሆዋ: ከቶ ኸም ዘይተጋገየ ፍሉጥ እዩ። (መዝሙር 33:5 ትርጕም 1990) ዮናስ: እቲ የሆዋ ዝገበሮ ውሳነ ምስቲ ፍጹም ፍትሑ ዚሳነ ምዃኑ ኪቕበል ነበሮ። ንሕና እውን ዘይፍትሓዊ ተግባር ከም ዝወረደና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ: ‘የሆዋ ነዚ ጕዳይ እዚ ፍልይ ብዝበለ መገዲ ስለ ዝረኣዮ ደዀን ይኸውን፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና።

ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኬጋጥመካ ኸሎ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዘይፍትሓዊ ተግባራት ዘጋጠሞም ሰባት ይገልጽ እዩ። ነቲ ዘጋጠሞም ከቢድ ጸገም ብኸመይ ከም እተዋጽኡሉ ምምርማርና ብዙሕ ትምህርቲ ኺምህረና ይኽእል እዩ። እቲ ዮሴፍ ዝሓደጎ ኣብነት ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ንሱ በቶም ዚቐንኡሉ ኣሕዋቱ ንባርነት ናብ ግብጺ ተሸጠ። ኣብ ግብጺ ድማ: ሰበይቲ እቲ ኣዛዚኡ ሓጢኣት ከም ዚፍጽም ክትገብሮ ፈተነት፣ ምስ ኣበያ ግን: ምስኣ ብዕልግና ኺፍጽም ከም ዝሓሰበ ገይራ ብሓሶት ከሰሰቶ። በዚ ምኽንያት እዚ: ዮሴፍ ተኣስረ። ይኹን እምበር: እታ ዝነበረቶ እምነት ካብቲ ተኣሲሩሉ ዝነበረ መቝሕ ሓጺን ዝደልደለት ነበረት። እቲ ዝወረዶ ዘይፍትሓዊ ተግባር ንመንፈሳውነቱ ይኹን ነቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ትውክልቲ ንኼጥፍኦ ኣይፈቐደሉን።—ዘፍጥረት 37:18-28፣ 39:4-20፣ መዝሙር 105:17-19

እቲ ኻልእ ዘይፍትሓዊ ተግባር ዝወረዶ ሰብኣይ ናቦት እዩ። እታ ንኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ሰበይቱ ዝነበረት ኢዛቤል: ብዜስካሕክሕ መገዲ ገፍዓቶ። እቲ ንጉስ ነታ ኣብ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ዝነበረት ርስቲ ናቦት ዝዀነት ቦታ ኺወስዳ ደለየ። ሓደ እስራኤላዊ ንርስቱ ንሓዋሩ ኺሸጦ ስለ ዘይብሉ ግን: ናቦት ነቲ እቲ ንጉስ ነታ ቦታ ኺዕድጋ ዘቕረበሉ ሕቶ ነጸጎ። (ዘሌዋውያን 25:23) እታ እክይቲ ሰበይቲ ኣከኣብ ነዚ ምስ ሰምዐት: ናቦት ንኣምላኽን ንንጉስን ከም ዝጸረፈ ዚምስክሩ ናይ ሓሶት መሰኻኽር ኣዳለወት። ብሰንኪ እዚ ኸኣ: ናቦትን ደቁን ተቐትሉ። እቶም ህዝቢ ኪቐትልዎ ኸለዉ እተሰምዖ ስምዒት እሞ ሕስብ ኣብሎ!—1 ነገስት 21:1-14፣ 2 ነገስት 9:26

እዚ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ምስቲ ንየሱስ ክርስቶስ ዘጋጠሞ ምጕዳል ፍትሒ ኺወዳደር ከሎ: ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይኰነን። እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተበየነ ናይ ሞት ፍርዲ: ብሓሶትን ብዘይሕጋዊ መርመራን እተገብረ ነበረ። እቲ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ዝነበረ ሮማዊ ኣመሓዳሪ: ነቲ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእዮ ነገር ንምግባር ብርታዐ ሰኣነ። (ዮሃንስ 18:38-40) እወ: ሰይጣን ኣብ ልዕሊ የሱስ ክርስቶስ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዘይፍትሓዊ ተግባር ከም ዚወርዶ ገበረ!

እዚ ኣብነታት እዚ: የሆዋ ብዛዕባ ምጕዳል ፍትሒ ኸም ዘይግደስ ዜርኢ ድዩ፧ ኣይኰነን! የሆዋ ነዚ ጕዳይ እዚ ኻብቲ ደቅሰብ ዘለዎም ኣረኣእያ ፍልይ ብዝበለ መገዲ እዩ ዚርእዮ። (ኢሳይያስ 55:8, 9) ዮሴፍ ናብ ግብጺ ስለ እተሸጠ: ንስድራቤቱ ኼድሕን ከኣለ። ቅድሚ እቲ ንስድራቤቱ ዘጥቅዐ ኸቢድ ጥሜት ምምጻኡ: ኣብ ግብጺ ኣመሓዳሪ ምግቢ ዀነ። ሕስብ እሞ ኣብሎ: የሆዋ ንዮሴፍ ዘይፍትሓዊ ተግባር ከም ዜጋጥሞ እንተ ዘይገብር: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣይምኣተወን ነይሩ። ኣብኡ ኸሎ እዩ ንሕልሚ እቶም ክልተ መተኣስርቱ ዝፈትሐ። ጸኒሑ እቲ ሓደ መተኣስርቱ ንፈርኦን ብዛዕባ ዮሴፍ ነገሮ: እዚ ኸኣ ኣመሓዳሪ ምግቢ ንኪኸውን ኣጋጣሚ ኸፈተ።—ዘፍጥረት 40:1፣ 41:9-14፣ 45:4-8

ብዛዕባ ናቦትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ነቲ ጕዳይ ብዓይኒ የሆዋ ኽትርእዮ ፈትን። ነቲ ንምዉታት ናይ ምትንሳእ ዓቕሚ ዘለዎ የሆዋ: ሬሳ ናቦት ኣብ ምድሪ ወዲቑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እኳ: ኣብ ቅድሚኡ ህያው እዩ። (1 ነገስት 21:19፣ ሉቃስ 20:37, 38) ናቦት: የሆዋ ናብ ህይወት ክሳዕ ዚመልሶ ኺጽበ እኳ እንተለዎ: እቲ ኣብ መንጎ ዚሞተሉን ዚትንስኣሉን ዘሎ ግዜ ግን ሓጺር እዩ፣ ከመይሲ: ምዉታት ዋላ ሓንቲ ኣይፈልጡን እዮም። (መክብብ 9:5) ብዘይካዚ እውን: የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣከኣብን ቤቱን ፍርዱ ብምፍጻም ንናቦት ሕነ ፈድዩሉ እዩ።—2 ነገስት 9:21, 24, 26, 35, 36፣ 10:1-11፣ ዮሃንስ 5:28, 29

የሱስ እውን እንተ ዀነ ሞይቱ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን: ኣምላኽ ካብ ሞት ኣተንሲኡ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመ ዘበለ ስም” ሃቦ። (ኤፌሶን 1:20, 21) እቲ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ የሱስ ክርስቶስ ዘውረዶ ዘይፍትሓዊ ተግባራት: የሆዋ ንወዱ ዓስቡ ንኸይህቦ ኣይዓገቶን። የሱስ: የሆዋ ፍቓዱ እንተ ዀይኑ: ብኡንብኡ ነቲ ዚወርዶ ዝነበረ ዘይፍትሓዊ ተግባራትን ዘይሕጋዊ ቐይድን ከም ዜልግሶ ርግጸኛ ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ: የሆዋ ንቕዱሳት ጽሑፋት ዚፍጽመሉን ንዝዀነ ይኹን ዘይፍትሓውነት ዜልግሰሉን እዋን ከም ዚመጽእ ይፈልጥ ነበረ።

ሓቂ እዩ: ሰይጣንን ተወከልቱን ኣብ ልዕሊ ጻድቃን ሰባት ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኣውሪዶም እዮም፣ ኣብ መወዳእታ ግን የሆዋ ነዚ ነገር እዚ ፍታሕ ገይሩሉ እዩ: ነዚ ምጕዳል ፍትሒ ድማ ንሓዋሩ ኼልግሶ እዩ። ስለዚ: ክሳዕ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ዜልግስ: ንኣምላኽ ክንጽበዮ ኣሎና።—ዘዳግም 25:16፣ ሮሜ 12:17-19

የሆዋ ዘይፍትሓውነት ንኺህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያት

የሆዋ ንገሊኡ ዅነታት ስቕ ኢሉ ዚርእየሉ ምኽንያት ይህልዎ ይኸውን። ከም ክፍሊ እቲ ክርስትያናዊ ስልጠና ድማ ምጕዳል ፍትሒ ንኼጋጥመና ይፈቅድ ይኸውን። ሓቂ እዩ: ‘ኣምላኽ ንሓደ እኳ ብእኩይ ኣይፍትንን እዩ።’ (ያእቆብ 1:13) ኰይኑ ግን: ገሊኡ ዅነታት ከምቲ ዘለዎ ንኪቕጽል ብምፍቃድ ስጕምቲ ኻብ ምውሳድ ይቝጠብ ይኸውን: ነቶም ከምዚ ዝበለ ስልጠና ዚቕበሉ ኸኣ ኪናብዮም ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ: ቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም: ንሱ ኺፍጽመኩም: ኬጽንዓኩም: ኬበርትዓኩም ኪስርተኩምውን እዩ” ኢሉ መረጋገጺ ይህበና።—1 ጴጥሮስ 5:10

ኣብ ርእሲ እዚ: የሆዋ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ንኪቕጽል ምፍቃዱ: ሓጢኣተኛታት ሰባት ንኺንስሑ ግዜ ይህቦም። የሱስ ካብ ዚቕተል ድሕሪ ሒደት ሰሙናት: እቶም ንምዕዶ ጴጥሮስ ዝሰምዑ ኣይሁድ “ልቦም ተወግኤ።” ንቓል ኣምላኽ ብምሉእ ልቢ ተቐቢሎም ድማ ተጠምቁ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:36-42

ሓቂ እዩ: ኵሎም ገበርቲ ዓመጻ ይንስሑ እዮም ማለት ኣይኰነን። ገሊኦም ብድፍረት ነቲ ኸቢድ ዘይፍትሓዊ ተግባሮም ይቕጽልዎ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ምሳሌ 29:1 “እቲ ብዙሕ ተገሲጹስ ክሳዱ ዜትርር ሰብ ብድንገት ይጭፍለቕ: መድሃኒትውን የብሉን” ትብል። እወ: የሆዋ ኣብ መወዳእታ: ነቶም ዘይግቡእ ኣካይዳ ዘለዎም ሰባት ኬጥፍኦም እዩ።—መክብብ 8:11-13

ካብ ምጕዳል ፍትሒ እንናገፈሉ እዋን ርሑቕ ይኹን ቀረባ ብዘየገድስ: የሆዋ ኻብዚ ንኽንናገፍ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ይፈልጥ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነቲ ኣብዚ እኩይ ስርዓት እዚ ዜጋጥመና ዝዀነ ይኹን ዘይፍትሓዊ ተግባር ኬልግሶ ምዃኑ እውን ፍሉጥ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ዓስቢ ኸም እንረክብ ተመባጺዑልና ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ኣብታ ‘ጽድቂ ዚነብረላ’ ሓዳስ ዓለም ዚርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:13

[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ስእሊ]

ናቦት ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ዘይፍትሓዊ ተግባር እንታይ ተሰሚዕዎ ይኸውን፧