ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ፍትሒ ይፈቱ

የሆዋ ፍትሒ ይፈቱ

የሆዋ ፍትሒ ይፈቱ

“ኣነ እግዚኣብሄር ንቕንዕና [“ፍትሒ:” NW] ኤፍቅሮ።”​—ኢሳይያስ 61:8

ፍትሒ እትብል ቃል ‘ብቕንዕና: ብዘይ ኣድልዎ ዚግበር ተግባር’ ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ዘይፍትሓውነት ከኣ ንኻልኦት ምግፋዕ: ምጽላእ: ሕማቕ ምግባር: ምጕዳእ የጠቓልል።

2 ኣስታት 3,500 ዓመት ይገብር: ሙሴ ብዛዕባ እቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዝዀነ የሆዋ: “ኵሉ መገዱ ፍርዲ [ፍትሒ] እዩ እሞ: . . . ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ዘዳግም 32:4) ሸውዓተ ዘመን ዚኸውን ጸኒሑ: ኣምላኽ ንኢሳይያስ: “ኣነ እግዚኣብሄር ንቕንዕና ኤፍቅሮ” ኢሉ ንኺጽሕፍ ብመንፈሱ ደረኾ። (ኢሳይያስ 61:8) ድሕሪኡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን: ጳውሎስ “ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ አሎ፧ ያእ የልቦን” በለ። (ሮሜ 9:14) ኣብቲ ዘመን እቲ: ጴጥሮስ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ: ብሓቂ ኣስተብሀልኩ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) እወ: የሆዋ “ፍርዲ [ፍትሒ] ይፈቱ” እዩ።—መዝሙር 37:28፣ ሚልክያስ 3:6

ዘይፍትሓውነት ሰፊኑ

3 ሎሚ ፍትሒ ልሙድ ባህርይ ኣይኰነን። ኣብ ኵሉ ደረጃታት ሕብረተሰብ: ማለት ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ምስ ሰበ-ስልጣን ኣብ ዘሎና ርክብ: ኣብ ካልእ መገድታት: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ኣደዳ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ክንከውን ንኽእል ኢና። ልክዕ እዩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይፍትሓውነት ሓድሽ ኣይኰነን። ቀዳሞት ወለድና በቲ ንርእሱ ሰይጣን ድያብሎስ ዝገበረ ዓለወኛ መንፈሳዊ ፍጡር ተለዓዒሎም ምስ ዓለዉን ሕጊ ምስ ኣፍረሱን: ኣብ ደቅሰብ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኣስፋሕፊሑ እዩ። ኣዳምን ሄዋንን ሰይጣንን ነቲ የሆዋ ዝሃቦም ናይ ምምራጽ ውህበት ብሕማቕ ምጥቃሞም ፍትሓዊ ኣይነበረን። እቲ ግጉይ ተግባራቶም ንዅሎም ሰባት ብዙሕ መከራን ሞትን ኣስዓበሎም።—ዘፍጥረት 3:1-6፣ ሮሜ 5:12፣ እብራውያን 2:14

4 ካብቲ ኣብ ኤድን እተገብረ ዕልወት ኣትሒዙ ን6,000 ዓመት ዚኸውን ዘይፍትሓውነት ክፍሊ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኰይኑ ኣሎ። ሰይጣን: ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝዀነ: እዚ ትጽቢት ዚግበረሉ ነገር እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:4) ሓሳውን ንሓሶት ኣቦኣን እዩ: ብተወሳኺ መካፍእን ተጻራርን የሆዋ እዩ። (ዮሃንስ 8:44) ወትሩ ኸቢድ ዘይፍትሓዊ ተግባር እዩ ዚገብር። ንኣብነት: ብሰንኪ እቲ ሰይጣን ብኸፊሉ ዚሕተተሉ ሕማቕ ጽልዋ: ቅድሚ እቲ ብግዜ ኖህ ዝመጸ ማይ ኣይሂ: ኣምላኽ “ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረአየ።” (ዘፍጥረት 6:5) ብግዜ የሱስ እውን ተመሳሳሊ ዅነታት እዩ ሰፊኑ ነይሩ። ስለዚ ድማ እዩ የሱስ “ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይአኽላ:” ማለት ከም ዘይፍትሓዊ ተግባራት ዝኣመሰለ ዜጨንቕ ነገራት ይኣኽላ ዝበለ። (ማቴዎስ 6:34) መጽሓፍ ቅዱስ: “ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን” ምግላጹ ሓቁ እዩ።—ሮሜ 8:22

5 ስለዚ: ዘይፍትሓዊ ዝዀነ ሕማቕ ነገራት ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወድሰብ ኪፍጸም ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ዘሎ ዅነታት ከኣ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝገደደ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እዚ ሕጂ ዘሎ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ስርዓት እዚ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ካብ ዚኣቱ ሓያሎ ዓመታት ገይሩ ኣሎ: ናብ መወዳእታኡ ኪቐርብ ከሎ ኸኣ “ክፉእ ዘመን” ምዃኑ ብዝያዳ ይርአ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እዋን እዚ: “ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: . . . ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዚህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ጠባያት ናብ ኵሉ ዓይነት ዘይፍትሓውነት ይመርሕ።

6 ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመት: ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ዘይፍትሓውነት ኣስፋሕፊሑ እዩ። ብቐዳምነት እዚ ዓመታት እዚ ብዙሕ ውግእ እተኻየደሉ እዩ። ንኣብነት: ገሊኦም ጸሓፍቲ ታሪኽ: ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጥራይ: ካብ 50 ሚልዮን ኽሳዕ 60 ሚልዮን ዚኣኽሉ ኸም ዝሞቱ: ካብዚኣቶም ከኣ መብዛሕትኦም ንጹሃት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዚርከብዎም ሲቭል ምዃኖም ይግምቱ። እቲ ውግእ እቲ ኻብ ዜብቅዕ: ኣብ እተፈላለየ ግጭታት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ሞይቶም እዮም: ካብዚኣቶም እውን መብዛሕትኦም ሲቭል እዮም። ሰይጣን ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ዜስፋሕፍሕ ዘሎ: የሆዋ ኣብ ቀረባ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚስዕሮ ብምፍላጡ ተቘጢዑ ስለ ዘሎ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትንቢት: “ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ” ብምባል ገሊጹ ኣሎ።—ራእይ 12:12

7 ኣብ ዓዓመት ኣብ ብዘላ ዓለም ንውትህድርና ዚጠፍእ ገንዘብ ሓደ ትሪልዮን ዶላር ኣቢሉ በጺሑ ኣሎ። ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ንህይወት ዜድልዮም መሰረታዊ ነገር የብሎምን: ስለዚ እዚ ዅሉ ገንዘብ ኣብ ሰላማዊ ዕላማ እንተ ዚውዕል ነይሩ ኼምጽኦ ዚኽእል ዝነበረ ጥቕሚ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሓደ ቢልዮን ዚዀኑ ሰባት እኹል ዚብላዕ የብሎምን: ገሊኦም ግን ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ኣለዎም። ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብሰንኪ ጥሜት ሓሙሽተ ሚልዮን ቈልዑ ይሞቱ። ከመይ ዝበልዎ ዘይፍትሓዊ ተግባር ኰን እዩ! ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ነቶም ብምንጻል ጥንሲ ዚቕተሉ ብዙሓት ንጹሃት እሞ ኣብ ግምት ኣእቱ። ኣብ ዓዓመት ኣብ መላእ ዓለም ካብ 40 ሚልዮን ክሳዕ 60 ሚልዮን ምንጻል ጥንሲ ኸም ዚካየድ ይግመት! ከመይ ዝበልዎ ዜስካሕክሕ ዘይፍትሓዊ ተግባር ኰን እዩ!

8 ሰብኣውያን ገዛእቲ ነቲ ሎሚ ንደቅሰብ ዜሸግሮም ዘሎ ሓያሎ ጸገማት ፍታሕ ኣይረኽቡሉን እዮም ዘለዉ፣ እቲ ዅነታት እውን ብሰብኣዊ ጻዕርታት ኣይመሓየሽን እዩ ዘሎ። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ግዜና: “እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:13) ዘይፍትሓዊ ተግባራት ክፍሊ መዓልታዊ ህይወት ስለ ዝዀነ: ሰባት ኬወግድዎ ኣይክእሉን እዮም። እቲ ኣምላኽ ፍትሒ ጥራይ እዩ ኼወግዶ ዚኽእል። ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ኰነ ንእኩያት ሰባት ኬጥፍኦም ዚኽእል ንሱ ጥራይ እዩ።—ኤርምያስ 10:23, 24

ርትዓዊ ሕቶ

9 ኣብ ዝሓለፈ እዋን ገሊኦም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ኣብ ጕዳያት ደቅሰብ ጣልቃ ስለምንታይ ከም ዘይኣተወን ናይ ሓቂ ፍትሕን ጽድቅን ስለምንታይ ከም ዘየምጽአን ሓቲቶም ነይሮም። ንኣብነት: ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሓደ ሰብ ንውሰድ። እቲ ኣብ መዝሙር 73 ዘሎ ልዕለ-ጽሑፍ ንኣሳፍ ይጠቅሶ እዩ፣ እዚ ኸኣ ብግዜ ንጉስ ዳዊት ንዝነበረ ፍሉጥ ሌዋዊ ሙዚቀኛ ወይ ካብ ቤት ኣሳፍ ንዝወጹ ሙዚቀኛታት ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣሳፍን ደቁን ኣብ ህዝባዊ ኣምልኾ ዜገልግል ሓያሎ ሙዚቃ ኣዳልዮም እዮም። ኰይኑ ግን: እቲ ጸሓፊ እዛ መዝሙር እዚኣ ኣብ ሓደ እዋን: ብመንፈሳዊ ደኺሙ ነበረ። ስጋዊ ብልጽግና እኩያት ተመልኪቱ: ከምኡውን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ህይወቶም ዕግበት ዘለዎምን ሕማቕ ሳዕቤን ዘየጋጥሞምን ከም ዚመስሉ ተዓዚቡ ነበረ።

10 ከምዚ ዚብል ነንብብ:- “ራህዋ ረሲኣን ምስ ርኤኹ: ንደፋራት ቀናእኩሎም። ክሳዕ ሞቶም ስቓይ የብሎምን: ስጋኦምውን ስቡሕ እዩ እሞ: ጸገማ መወትቲ የብሎምን: ከም ሰብውን ኣይተሰቀዩን።” (መዝሙር 73:2-8) ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግን: እዚ ጸሓፊ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ጌጋ ምዃኑ ኣስተውዓለ። (መዝሙር 73:15, 16) ኣተሓሳስባኡ ኼዐሪ ፈተነ፣ ቅኑዓት ሰባት ብዙሕ ግዜ መከራ ኺረኽቡ ኸለዉ: እኩያት ሕማቕ ገይሮም ክነሶም ከይተቐጽዑ ዜምልጡ ዚመስለሉ ምኽንያት ግን ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድኦን።

11 ኣብ መወዳእታ: እዚ ጥንቲ ዝነበረ እሙን ሰብኣይ ንረሲኣን እንታይ ይጽበዮም ከም ዘሎ ተረድኦ። ኣብ መወዳእታ የሆዋ ንዅሉ ነገራት ከም ዜዐርዮ ኣስተውዓለ። (መዝሙር 73:17-19) ዳዊት: “ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ: ንሃገር ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ: ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 37:9, 11, 34

12 የሆዋ ንእከይን ምስኡ ንዚተኣሳሰር ዘይፍትሓውነትን ኣብ ግዜኡ ኻብ ምድሪ ኼጥፍኦ ዕላማኡ ምዃኑ እተረጋገጸ እዩ። እሙናት ክርስትያናት እውን ከይተረፉ ነዚ ሓቂ እዚ በብግዜኡ ኺዘኻኸሩ ኣለዎም። የሆዋ ነቶም ኣንጻር ዕላማኡ ዚኸዱ ኼጥፍኦም: ነቶም ምስ ዕላማኡ ተሰማሚዖም ዚኸዱ ኸኣ ዓስቦም ኪህቦም እዩ። “ኣዒንቱ ይጥምታ: ቈላሕታኡ ንደቂ ሰብ ይዕዘባኦም አለዋ። እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ: ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም። እግዚኣብሄርሲ ጻድቕ: ንጽድቂ ዜፍቅር እዩ . . . እሞ: ኣብ ልዕሊ ረሲኣን ወጽመድ ኬዝንም: ዕድሎት ጽዋኦም ከኣ ሓውን ዲንን ጕሁር ንፋስን ኪኸውን እዩ።”—መዝሙር 11:4-7

ፍትሒ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም

13 የሆዋ ነዚ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘሎ ዘይፍትሓዊ ስርዓት እዚ ምስ ኣጥፈኦ: እተደንቕ ሓዳስ ዓለም ኬምጽእ እዩ። ንሳ ድማ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እታ የሱስ ንሰዓብቱ ኺጽልዩላ ዝመሃሮም ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ክትከውን እያ። እከይን ዘይፍትሓውነትን ብጽድቅን ፍትሕን ኪትካእ እዩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ዚብል ጸሎት ምሉእ ብምሉእ ኪምለስ እዩ።—ማቴዎስ 6:10

14 መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ዓይነት ግዝኣት ክንጽበ ኸም እንኽእል ይገልጸልና እዩ። እቲ ሽዑ ዚህሉ ግዝኣት ኵሎም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ሃረር ዚብልዎ ግዝኣት እዩ። መዝሙር 145:16 ንየሆዋ ኣምላኽ ኣመልኪታ: “ኢድካ ትኸፍት እሞ: ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ” ዝበለቶ ቓላት ምሉእ ብምሉእ ኪፍጸም እዩ። ብዘይካዚ ኢሳይያስ 32:1: “እንሆ: ንጉስ [ክርስቶስ የሱስ ኣብ ሰማይ] ብጽድቂ ኺነግስ እዩ: መሳፍንቲ [ተወከልቲ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ] ኸኣ ብቕንዕና ኺገዝኡ እዮም” ትብል። ኢሳይያስ 9:7 ብዛዕባ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢላ ትንበ:- “ብፍርድን ብጽድቅን ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ምእንቲ ኼጽንዓን ኬቝማንሲ: ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብር እዩ።” ኣብ ትሕቲ እቲ ፍትሒ ዝሰፈኖ ግዝኣት ምንባርሲ ብኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧

15 ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም: ነቲ ኣብ መክብብ 4:1 ዚርከብ: “ኣነ ኸኣ ተመሊሰ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ግፍዒ ተመልከትኩ: እንሆ ኸኣ: ንብዓት እቶም ግፉዓት ርኤኹ: ኣጆኹም: ዚብሎምውን ኣይነበሮምን: ካብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ዓመጻ ወጸ: ኣጆኹም: ዚብሎም ከኣ ኣይነበሮምን” ዚብል ቃላት ንኽንዛረብ ምኽንያት ዚኸውን ነገር ኣይኪህሉን እዩ። ልክዕ እዩ: እታ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ክሳዕ ክንደይ እተደንቕ ክትከውን ከም እትኽእል በዚ ዘይፍጹም ኣእምሮና ምስኣሉ የጸግም እዩ። ክፍኣት ኣይኪህሉን እዩ: የግዳስ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብሰናይ ነገራት ክትምላእ እያ። እወ: የሆዋ ንዅሉ እቲ ዘይፍትሓዊ ነገራት ኬዐርዮ እዩ: ነዚ ድማ ካብቲ ትጽቢት ዝገበርናሉ ነገራት ብዝበለጸ መገዲ እዩ ዚገብሮ። እምበኣር: የሆዋ ኣምላኽ ንሃዋርያ ጴጥሮስ: “ንሕና ግና: ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” ኢሉ ንኺጽሕፍ ብመንፈሱ ኺድርኾ ሓቁ እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:13

16 እቲ “ሓድሽ ሰማያት” ተባሂሉ ዘሎ: ብክርስቶስ ዚምራሕ ሰማያዊ መንግስቲ ኣምላኽ: ድሮ ኣብ ቦታኡ ቘይሙ ኣሎ። እቶም ሕመረት እቲ “ሓድሽ ምድሪ” ዚበሃል ብቕኑዓት ሰባት ዝቘመ ሓድሽ ምድራዊ ሕብረተሰብ: ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ይእከቡ ኣለዉ። ዳርጋ ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት ዚርከብዎ ዀይኑ: እዚኣቶም ድማ ኣብ 235 ሃገራትን 100,000 ኣቢለን ኣብ ዚዀና ጉባኤታትን ይርከቡ። እዞም ሚልዮናት እዚኣቶም ነቲ ጽድቃውን ፍትሓውን መገድታት የሆዋ ይመሃሩ ኣለዉ: ከም ውጽኢቱ ኸኣ ኣብ ብዘላ ዓለም ብክርስትያናዊ ፍቕሪ እተኣስረ ሓድነት ኣለዎም። ሓድነቶም ኣብ ታሪኽ ዓለም ካብ ዚርከብ ብምሉኡ ጕሉሕን ነባርን ቦታ ኣለዎ: ካብቶም ተገዛእቲ ሰይጣን ዝረኸብዎ ዓይነት ሓድነት እውን ዚበልጽ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕርን ሓድነትን ነቲ ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ብጽድቅን ፍትሕን እትመሓደር ሓዳስ ዓለም ዚህሉ ዜደንቕ እዋን ከም መርኣዪ ዀይኑ የገልግል እዩ።—ኢሳይያስ 2:2-4፣ ዮሃንስ 13:34, 35፣ ቈሎሴ 3:14

ሰይጣን ዚፍንዎ መጥቃዕቲ ኺፈሽል እዩ

17 ሰይጣንን ሰዓብቱን ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንኣምለኽቲ የሆዋ ኼጥፍእዎም ኢሎም ኪለዓሉ እዮም። (ህዝቅኤል 38:14-23) እዚ ኽፍሊ እቲ የሱስ “መከራ ኪኸውን እዩ: ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ” ኢሉ ዝጸውዖ እዩ። (ማቴዎስ 24:21) ሰይጣን ዚፍንዎ መጥቃዕቲ ኺዕወት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ብምባል መረጋገጺ ይህበና:- “እግዚኣብሄር ፍርዲ [ፍትሒ] ይፈቱ: ንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሐድጎምን: ንዘለኣለም ይሕለዉ: ዘርኢ ረሲኣን ግና ይጸንት እዩ እሞ: ካብ እከይ ርሐቕ ሰናይ ከኣ ግበር: ንዘለኣለምውን ክትነብር ኢኻ። ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:28, 29

18 ሰይጣንን ጭፍራታቱን ኣብ ኣገልገልቲ የሆዋ ዚፍንውዎ መጥቃዕቲ ናይ መወዳእታ ድፍረቶም ዚረኣየሉ እዩ። የሆዋ ብዘካርያስ ኣቢሉ: “እቲ ንኣኻትኩም ዚትንኪ፥ መርዓት ዓይነይ እዩ ዚትንኪ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ። (ዘካርያስ 2:8 ትርጕም 1990) እቲ ተግባራቶም: ሓደ ሰብ ንመርዓት ዓይኒ የሆዋ ይትንኪ ኸም ዘሎ ጌርካ እዩ ዚርአ። የሆዋ ብቕጽበት ስጕምቲ ኺወስድን ነቶም ነዚ ዚፍጽሙ ኺድምስሶምን እዩ። ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚርከቡ ልዕሊ ዅሉ ፈቃራት: ሓድነት ዘለዎም: ሰላማውያን: ሕጊ ዜኽብሩ ሰባት እዮም። ስለዚ: እቲ ኣባታቶም ዚፍኖ መጥቃዕቲ ብጥራሽ ግቡእ ወይ ፍትሓዊ ኣይኰነን። እቲ ‘ፍርዲ [ፍትሒ] ዚፈቱ’ ዓብዪ ኣምላኽ: ስቕ ኢሉ ኣይኪርእዮምን እዩ። ምእንቲ ህዝቡ ኢሉ ስጕምቲ ኺወስድ ከሎ: ነቶም ጸላእቶም ንዘለኣለም ኬጥፍኦም: ፍትሒ ኺዕወት: ከምኡውን ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዜምልኹ ሰባት ድሕነት ኬምጽኣሎም እዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜስ ከመይ ዝበለ ዜሐጕስ ፍጻመታት ኰን እዩ ዚመጽእ ዘሎ!—ምሳሌ 2:21, 22

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ዘይፍትሓውነት ሰፊኑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

• የሆዋ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይፍትሓውነት ብኸመይ ኪፈትሖ እዩ፧

• ኣብዚ ብዛዕባ ዓወት ፍትሒ ዚገልጽ መጽናዕቲ እዚ እንታይ መሲጡካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

1, 2. (ሀ) እተን “ፍትሒ” ኸምኡውን “ዘይፍትሓውነት” ዚብላ ቓላት እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እታ ባህርዩ ዝዀነት ፍትሕን እንታይ ይብል፧

3. ኣብ ምድሪ ዘይፍትሓውነት ዝጀመረ ብኸመይ እዩ፧

4. ዘይፍትሓውነት ካብ መዓስ ኣትሒዙ እዩ ኽፍሊ ሰብኣዊ ታሪኽ ዝዀነ፧

5. ኣብዚ ግዜና ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ዘይፍትሓውነት ሰፊኑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

6, 7. ኣብዚ ግዜና ሰባት እንታይ ከቢድ ዘይፍትሓዊ ተግባራት እዮም ዚፍጽሙ ዘለዉ፧

8. ደቅሰብ ብኸመይ ጥራይ እዮም ናይ ሓቂ ፍትሒ ኺረኽቡ ዚኽእሉ፧

9, 10. ኣሳፍ ስምዒቱ እተደቝሰ ስለምንታይ እዩ፧

11. ኣሳፍ እቲ ጸሓፍ መዝሙር እንታይ እዩ ተረዲኡ፧

12. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ እከይን ዘይፍትሓውነትን እንታይ ዕላማ እዩ ዘለዎ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ንዘይፍትሓውነት ቀሪቡ ዘሎ ፍታሕ ከመይ ይስምዓካ፧

13, 14. ኣብታ ሓዳስ ዓለም ጽድቅን ፍትሕን ዚሰፍን ስለምንታይ እዩ፧

15. የሆዋ ኣብታ ሓዳስ ዓለም ንደቅሰብ እንታይ ኪገብረሎም እዩ፧

16. እቲ “ሓድሽ ሰማያት” ብኸመይ እዩ ሎሚ ቘይሙ ዘሎ፧ እቲ “ሓድሽ ምድሪ”ኸ ሎሚ ዚዳሎ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

17. ሰይጣን ኣብ ህዝቢ የሆዋ ዚፍንዎ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ብርግጽ ዚፈሽል ስለምንታይ እዩ፧

18. (ሀ) ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽ ኬጥቅዖም ምስ ተላዕለ: ኣምላኽ እንታይ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ፍትሒ ዚረኽቦ ዓወት ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ ምምርማርካ ብኸመይ ጠቒሙካ፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ቅድሚ ማይ ኣይሂ ኽፍኣት በዚሑ ነበረ: ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” እውን በዚሑ ኣሎ

[ኣብ ገጽ 24, 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም: ፍትሕን ጽድቅን ንእከይ ኪትክኦ እዩ