ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መከራ ብምዕጋስ ክንጥቀም ንኽእል ኢና

መከራ ብምዕጋስ ክንጥቀም ንኽእል ኢና

መከራ ብምዕጋስ ክንጥቀም ንኽእል ኢና

“ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና።”​—ያእቆብ 5:11

መከራ ኼሕልፍ ዚደሊ ጥዑይ ሰብ የልቦን፣ የሆዋ ኣምላኽ ፈጣሪና እውን መከራ ኺረኽበና ኣይደልን እዩ። ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ምስ እንምርምር: ሰብኣይን ሰበይትን ድሕሪ ምፍጣሩ ዝነበረ ነገራት ድማ ምስ እነስተብህለሉ: እዚ ኺርድኣና ይኽእል እዩ። ፈለማ: ኣምላኽ ንሰብ ገበሮ። “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ: ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ።” (ዘፍጥረት 2:7) ኣዳም ፍጹም ኣካልን ኣእምሮን እዩ ነይርዎ: ኪሓምም ወይ ኪመውት ድማ ኣይነበሮን።

2 ኣዳም ዚነብረሉ ዅነታት ከመይ ዝበለ እዩ ነይሩ፧ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኤድን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ተኸለ። ነቲ ዝገበሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ምርኣዩ ዜብህግ: ምብላዑ ዝጥዑም ኵሉ ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቘለ።” (ዘፍጥረት 2:8, 9) እወ: ኣዳም ዜደንቕ መንበሪ ነበሮ። ኣብ ኤድን መከራ ኣይነበረን።

3 ዘፍጥረት 2:18: “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ፤ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን: ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ: በለ” ኢላ ትነግረና። የሆዋ ንኣዳም ፍጽምቲ ሰበይቲ ፈጠረሉ: ሓጐስ ዝመልኣ ስድራቤት ንምቛም ድማ መገዲ ኸፈተ። (ዘፍጥረት 2:21-23) ብተወሳኺ መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን . . . በሎም” ኢሉ ይነግረና። (ዘፍጥረት 1:28) እቶም ቀዳሞት ሰብ ሓዳር ንገነት ኤድን ኣስፊሖም: ድሕሪ ግዜ ንምልእቲ ምድሪ ገነት ናይ ምግባር ዜደንቕ ኣጋጣሚ ነበሮም። ካብ መከራ ሓራ ዝዀኑ ሕጉሳት ውሉዳት ድማ ኪወልዱ ነበሮም። ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ጅመራ ዀን እዩ ነይሩ!—ዘፍጥረት 1:31

መከራ ጀመረ

4 ኰይኑ ግን: ንዅሉ ታሪኽ ደቅሰብ ክንርኢ ኸለና: ገለ ዓብዪ ጸገም ከም እተፈጥረ ንጹር እዩ። ኣብ ታሪኽ ሕማቕ ነገራት ተፈጺሙ: ሰባት ከኣ ብዙሕ መከራ ጸጊቦም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ኵሎም ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ሓሚሞምን ኣሪጎምን ሞይቶምን እዮም። ምድሪ ብሕጉሳት ሰባት እተመልአት ገነት ጥቓ ምዃን እኳ ፈጺማ ኣይቀረበትን። እዚ ዅነታት እዚ ኣብ ሮሜ 8:22: “ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን: ንፈልጥ አሎና” ብዚብል ቃላት ብልክዕ ተገሊጹ ኣሎ።

5 የሆዋ በቲ ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ እዚ ዘይበሃል መከራ ተሓታቲ ኣይኰነን። (2 ሳሙኤል 22:31) በዚ መከራ እዚ ብኸፊል ሰባት እዮም ተሓተትቲ። “ብልሽዋት እዮም: ፍንፉን ግብሪ ገበሩ።” (መዝሙር 14:1) እቶም ቀዳሞት ወለድና ኣብ መጀመርታ ዅሉ ጽቡቕ ነገር ተዋሂብዎም ነበረ። እቲ ዅነታት ንኪቕጽል ዜድሊ ዝነበረ ነገር: ንኣምላኽ እዙዛት ምዃን እዩ ነይሩ፣ ኣዳምን ሄዋንን ግን ካብ የሆዋ ተፈልዮም ብርእሶም ኪመላለሱ ደለዩ። እቶም ቀዳሞት ወለድና ኻብ የሆዋ ስለ ዝረሓቑ: የሆዋ ፍጹማት ኰይኖም ከም ዚቕጽሉ ኣይገበረን። ክሳዕ ዚሞቱ እናተበላሸዉ ኸዱ። ንዓና እውን ዘይፍጽምና ኣውረሱና።—ዘፍጥረት 3:17-19፣ ሮሜ 5:12

6 እቲ ሰይጣን ድያብሎስ ተባሂሉ እተጸውዐ መንፈሳዊ ፍጡር እውን ኣብ ምጅማር ኵሉ መከራ ኢድ ኣለዎ። ናይ ምምራጽ ናጽነት ተዋሂብዎ ነበረ። ይኹን እምበር: ኣምልኾ ንኺረክብ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ: ነዚ ናጽነቱ ብሕማቕ ተጠቕመሉ። የሆዋ ጥራይ ደኣ እምበር: ፍጡራቱ ኺምለኹ ኣይግባእን። ንኣዳምን ሄዋንን ‘ከም ኣምላኽ ከም ዚዀኑ: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም ዚፈልጡ’ መብጽዓ ብምእታው ካብ የሆዋ ተፈልዮም ብርእሶም ኪመሓደሩ ዘለዓዓሎም ሰይጣን እዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 3:5

ንኺገዝእ መሰል ዘለዎ የሆዋ ጥራይ እዩ

7 እቲ ዕልወት ዘምጸኦ ሕማቕ ሳዕቤናት: የሆዋ ኸም ልዑላዊ መጠን ንምግዛእ መሰል ዘለዎ ንሱ ጥራይ ምዃኑን ግዝኣቱ ጥራይ ጽድቃዊ ምዃኑን ኣርኣየ። እቲ ዝሓለፈ ኣሽሓት ዓመታት: እቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን ፈጺሙ ተቐባልነት ዘይብሉ እከይን ሓጢኣትን ዓመጻን ዝመልኦ ግዝኣት እዩ ኣማዕቢሉ። (ዮሃንስ 12:31) ሰባት ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ኰይኖም ዝገበርዎ ነዊሕን ሕማቕን ኣገዛዝኣ: ብጽድቂ ኺግዝኡ ኸም ዘይክእሉ ዜርኢ እዩ። (ኤርምያስ 10:23) ስለዚ: ካብቲ ግዝኣት የሆዋ ወጻኢ ዘሎ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ግዝኣት መወዳእታኡ ዜሕዝን እዩ። ታሪኽ ነዚ ብዘይ ጥርጥር የረጋግጾ እዩ።

8 ሕጂ የሆዋ ንሰባት ካብኡ ተፈልዮም ኪህልዎም ዚኽእል ግዝኣት ንኣሽሓት ዓመታት ኪፍትንዎ ስለ ዝፈቐደሎም: ንዅሉ ዓይነት ከምዚ ዝኣመሰለ ግዝኣት ካብ ምድሪ ኼጽርዮን ብመንግስቱ ኺትክኦን እኹል ምኽንያት ኣለዎ። ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ትንቢት ከምዚ ይብል:- “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም [ሰብኣዊ ግዝኣት] ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ . . . [ብክርስቶስ እትግዛእ ሰማያዊት] መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” (ዳንኤል 2:44) ኣጋንንታውን ሰብኣውን ግዝኣት ኬቋርጽ እዩ: ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ ኣብ መጻኢ እትህሉን ንምድሪ እትገዝእን። ክርስቶስ ንጉስ ኪኸውን እዩ: ካብ ምድሪ እተወስዱ 144,000 እሙናት ሰባት ምስኡ ሓቢሮም ኪገዝኡ እዮም።—ራእይ 14:1

ካብ መከራ ጥቕሚ ምርካብ

9 እቶም ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ዚገዝኡ ኼማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት ምምርማር ኣገዳሲ እዩ። ብቐዳምነት: ክርስቶስ የሱስ ንጉስ ንኪኸውን ክሳዕ ክንደይ ብቕዓት ከም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። ታእላው ዘይብሉ ግዜ ፍቓድ ኣቦኡ እናገበረ “ሰራሕተኛ” ዀይኑ ምስ የሆዋ ኣሕሊፉ እዩ። (ምሳሌ 8:22-31) ናብ ምድሪ ንኺመጽእ የሆዋ መሰናድዎ ምስ ገበረሉ: የሱስ ብፍታው ነቲ ዕዮ ተቐበሎ። ኣብ ምድሪ ኸኣ ንሰባት ብዛዕባ ልዑላውነትን መንግስትን የሆዋ ኣብ ምንጋር ኣተኰረ። የሱስ ንልዑላውነት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ተገዛኢ ብምዃን ብሉጽ ኣብነት ሰሪዑልና እዩ።—ማቴዎስ 4:17፣ 6:9

10 የሱስ መስጐጕቲ ኣሕለፈ: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ተቐትለ። ኣብ ግዜ ኣገልግሎቱ: ንዅሉ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ዜሕዝን ኵነታት ደቅሰብ ኪዕዘብ ኪኢሉ እዩ። ነዚ ብምርኣዩን መከራ ብምሕላፉን ገለ ጥቕሚ ነይርዎ ድዩ፧ እወ። እብራውያን 5:8 “ወዲ [ኣምላኽ] እኳ ኽነሱ: በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ” ትብል። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘሕለፎ ተመክሮ: ንኻልኦት ከም ዚርድኣሎምን ከም ዚድንግጸሎምን ገበሮ። ነቲ ሰባት ዘለውዎ ዅነታት ባዕሉ ተመኪርዎ እዩ። ነቶም መከራ ዜሕልፉ ኺድንግጸሎም: ንምድሓኖም ዘለዎ ግደ ኸኣ ብዝያዳ ኺርድኦ ኽኢሉ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ኣብ መጽሓፍ እብራውያን ብኸመይ ከም ዘጕለሖ እስከ ንርአ:- “ስለዚ ነቲ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዐርቕ: ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ብዅሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኺመስሎም ተገብኦ። ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ ተሰቅዩ እዩ እሞ: ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይከአሎ እዩ።” “ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ: ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር: ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን እሞ: . . . ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበል: ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ: ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።”—እብራውያን 2:17, 18፣ 4:14-16፣ ማቴዎስ 9:36፣ 11:28-30

11 እቶም ንክርስቶስ የሱስ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ መጋዝእቱ ኪዀኑ ተባሂሎም ካብ ምድሪ “እተዐደጉ” 144,000 እውን ተመሳሳሊ ነገር እዮም ኣሕሊፎም። (ራእይ 14:4) ኵሎም ኣብ ምድሪ ሰባት ኰይኖም ተወሊዶም: ብመከራ ተኸቢቦም ዓብዮም: ከምኡውን መከራ ኣሕሊፎም እዮም። ንየሆዋ ዘለዎም ንጽህና ስለ ዝሓለዉን ንክርስቶስ ኪስዕብዎ ፍቓደኛታት ስለ ዝዀኑን: ብዙሓት ተሰጒጎም: ገሊኦም ከኣ ተቐቲሎም እዮም። ‘ብሓይሊ ኣምላኽ ምእንቲ ወንጌል መከራ ጸገቡ እምበር: ብምስክር ጐይታኦም ኣይሓፈሩን።’ (2 ጢሞቴዎስ 1:8) እዚ ኣብ ምድሪ ዘሕለፍዎ ተመክሮ: ኣብ ሰማይ ኰይኖም ንሰባት ኪፈርዱ ብቑዓት ይገብሮም እዩ። ዝያዳ ደንገጽትን ሕያዎትን ንሰባት ንምሕጋዝ ሃንቀውታ ዘለዎምን ንኪዀኑ ተማሂሮም እዮም።—ራእይ 5:10፣ 14:2-5፣ 20:6

እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ዚረኽብዎ ሓጐስ

12 እቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኻብ ሕማምን ሓዘንን ሞትን ናጻ ዀይኖም ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም ሕጂ ዜሕልፍዎ ተመክሮ ገለ ጽቡቕ ፍረ ኣለዎዶ፧ እቲ መከራ ዜምጽኦ ስቓይን ጓህን ዚበሃግ ኣይኰነን። ከምዚ ዝኣመሰለ መከራ ምስ እንዕገስ ግን: ጽቡቕ ብሕታዊ ባህርያት ይህልወና: ሓጐስ ከኣ ክንረክብ ንኽእል።

13 እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ:- “ስለ ጽድቂ እኳ ድማ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብኩም: ብጹኣን ኢኹም።” “ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም: . . . ብጹኣን ኢኹም።” (1 ጴጥሮስ 3:14፣ 4:14) “እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን: ብጹኣን ኢኹም። . . . ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ: ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም።” (ማቴዎስ 5:11, 12) “ተፈቲኑ ምስ ወጸ: ነቲ . . . ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ: እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።”—ያእቆብ 1:12

14 እቲ ብጹኣን ወይ ሕጉሳት ዚገብረና: እቲ እነሕልፎ መከራ ኸም ዘይኰነ እተረጋገጸ እዩ። እቲ ሓጐስ ወይ ዕግበት: ፍቓድ የሆዋ ንገብርን ምሳሌ የሱስ ንስዕብን ከም ዘለና ብምፍላጥና ዚመጽእ ሓጐስ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ቀዳማይ ዘመን ገለ ሃዋርያት ተኣሲሮም ኣብ ቅድሚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ቀረቡ: ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ብምስባኾም ድማ ተዀነኑ: ተገርፉ: ድሕሪኡ ተፈትሑ። እዚ ስለ ዝወረዶም ከመይ ተሰምዖም፧ እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ “ምእንቲ ስሙ ኺሐስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ: ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሐጐሱ ኸዱ” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 5:17-41) በቲ መግረፍቲ ዀነ በቲ እዚ ዘምጸኣሎም ቃንዛ ዘይኰነስ: እዚ ዅሉ ዝበጽሖም ንየሆዋ ዝነበሮም ንጽህና ስለ ዝሓለዉን ኣሰር የሱስ ስለ ዝሰዓቡን ምዃኖም ስለ እተረድኦም እዮም ተሓጒሶም።—ግብሪ ሃዋርያት 16:25፣ 2 ቈረንቶስ 12:10፣ 1 ጴጥሮስ 4:13

15 ምጽራርን መስጐጕትን ብቕኑዕ ኣረኣእያ እንተ ኣሕሊፍና: ትዕግስቲ ኸነማዕብል ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ኣብ መጻኢ ንዜጋጥመና መከራ ንኽንሰግሮ ይሕግዘና። “ኣሕዋተየ: በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም: ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ” ዚብል ጽሑፍ ነንብብ ኢና። (ያእቆብ 1:2, 3) ብተመሳሳሊ: ሮሜ 5:3-5: “ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር: እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና: በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን: እቲ ምፍታንውን ተስፋ: . . . እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ” ትብለና። ስለዚ: ኣብ ክርስትያናዊ ጕዕዞና ዝያዳ ፈተናታት ብእተዓገስና መጠን: ኣብዚ እኩይ ስርዓት ተወሳኺ ፈተናታት ንኽንዕገስ ዝያዳ ኢና እንዕጠቕ።

የሆዋ ኪኽሕሰና እዩ

16 ክርስትያናዊ መገዲ ምስዓብና ዜምጽኦ ምጽራር ወይ መስጐጕቲ ንስጋዊ ጥሪትና ኸም እንስእን እንተ ገይሩና: የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ዓስብና ኸም ዚህበና ምፍላጥና ኼሐጕስና ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ ንገለ ኻብቶም ናብ ሰማይ ከይዶም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ገዛእቲ ኪዀኑ ተስፋ ዝነበሮም: “ዚሐይሽን ዚነብርን ገንዘብ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎኩም ፈሊጥኩም: . . . መከራ ጸገብኩም: ምግባት ገንዘብኩም ድማ እንተ ዀነ: ብሓጐስ ተዐገስኩም” ኢሉ ጸሓፈሎም። (እብራውያን 10:34) እዚኣቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሆዋን ክርስቶስን ኰይኖም ነቲ ዜደንቕ በረኸት ኣብታ ሓዳስ ዓለም ኣብ ምድሪ ንዚቕመጡ ዘበሉ ኺዕድሉ ኸለዉ ዚስምዖም ሓጐስ እሞ ገምቶ። እተን ሃዋርያ ጳውሎስ ንእሙናት ክርስትያናት: “ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ: እአምን አሎኹ” ኢሉ ዝጸሓፈን ቃላት ሓቅነተን ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ሮሜ 8:18

17 ብተመሳሳሊ: እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሕጂ ንየሆዋ ምእንቲ ኼገልግሉ ኢሎም ዚስእንዎ ወይ ብፍታዎም ኣሕሊፎም ዚህብዎ ነገራት ብዘየገድስ: የሆዋ በቲ ኣብ መጻኢ ዚገብሮ ነገራት ኣቢሉ ኣኺሉ ኽሳዕ ዚተርፍ ዓስቦም ኪህቦም እዩ። ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ፍጹምን መወዳእታ ዘይብሉን ህይወት ኪህቦም እዩ። ኣብታ ሓዳስ ዓለም: የሆዋ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:4) ከመይ ዝበለ ዜደንቕ መብጽዓ ዀን እዩ! ኣብዛ ዓለም እዚኣ ምእንቲ የሆዋ ኢልና ብፍታው ኰነ ብዘይ ፍታው ዝሓደግናዮ ዝዀነ ይኹን ነገር: ምስቲ የሆዋ ነቶም መከራ ዚዕገሱ እሙናት ኣገልገልቱ ዚህቦም ዜደንቕ ህይወት ዚመዓራረ ኣይኰነን።

18 ዝዀነ ይኹን ብሕጂ እንዕገሶ መከራ: ነቲ ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምርካብ እንረኽቦ ሓጐስ ከም ዘይኰልፎ እተረጋገጸ እዩ። ኵሉ እቲ እነሕልፎ መከራ: በቲ ኣብታ ሓዳስ ዓለም እንረኽቦ ዜደንቕ ኵነታት ኪከሓስ እዩ። ኢሳይያስ 65:17, 18: “እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ። . . . በቲ ኣነ ዝፈጥሮስ ክትሕጐሱን ንዘለኣለም ደስ ኪብለኩምን እዩ” ብምባል ትነግረና። እምበኣር: እቲ ንየሱስ ብኣደ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ: “ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና” ኢሉ ኺዛረብ ሓቁ እዩ። (ያእቆብ 5:11) እወ: ነዚ ሕጂ ዜጋጥመና መከራ ብተኣማንነት እንተ ተዓጊስና: ሕጅን ንዘለኣለምን ክንጥቀም ንኽእል ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ሰባት መከራ ኺረኽቡ ዝጀመሩ ብኸመይ እዮም፧

• መከራ ነቶም ኣብ መጻኢ ንምድሪ ዚገዝእዋን ዚነብሩላን ሰባት ብኸመይ ይጠቕሞም፧

• ሕጂ መከራ እኳ እናኣጋጠመና: ሕጉሳት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

1, 2. የሆዋ ንሰብ መከራ ኼጋጥሞ ኢሉ ኸም ዘይፈጠሮ ዜርእየና እንታይ እዩ፧

3. እቶም ቀዳሞት ሰብ ሓዳር እንታይ እዩ ዚጽበዮም ነይሩ፧

4. ታሪኽ ክትዕዘብ ከለኻ: ብዛዕባ ደቅሰብ እንታይ ነገር እዩ ንጹር ኰይኑ ዘሎ፧

5. እቶም ቀዳሞት ወለድና ናብ ደቅሰብ መከራ ኣብ ምትእትታው ብኸመይ እዮም ተሳቲፎም፧

6. ሰይጣን ኣብ ምጅማር መከራ እንታይ ግደ እዩ ነይርዎ፧

7. ካብ የሆዋ ምዕላው ዘምጸኦ ሳዕቤን እንታይ እዩ ዜርኢ፧

8. የሆዋ ንዅሉ ዓይነት ሰብኣዊ ግዝኣት ብዚምልከት እንታይ ዕላማ እዩ ዘለዎ፧ ነዚ ዕላማኡኸ ብኸመይ ኪፍጽሞ እዩ፧

9, 10. የሱስ ካብቲ ዘሕለፎ መከራ ብኸመይ እዩ ተጠቒሙ፧

11. እቶም ኣብ መጻኢ ነገስታትን ካህናትን ዚዀኑ: ነቲ ኣብ ምድሪ ዝረኸብዎ ተመክሮ ገዛእቲ ምስ ኰኑ ዚጠቕሞም ብኸመይ እዩ፧

12, 13. እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ካብ መከራ ብኸመይ ኪጥቀሙ ይኽእሉ፧

14. ኣምለኽቲ የሆዋ ብመከራ ዚሕጐሱ ስለምንታይ እዮም፧

15. ኣብዚ እዋን እዚ መከራ ምዕጋስና ኣብ መጻኢ ኺጠቕመና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

16. የሆዋ ነቶም ኣብ መጻኢ ነገስታትን ካህናትን ዚዀኑ መከራ ብምሕላፎም ንኪኽሕሶም እንታይ ኪገብረሎም እዩ፧

17. የሆዋ ነቶም ሕጂ ብተኣማንነት ዜገልግልዎ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም እንታይ ኪገብረሎም እዩ፧

18. የሆዋ ኣብ ቃሉ እንታይ ዜጸናንዕ መብጽዓ እዩ ኣትዩልና፧

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ቀዳሞት ወለድና ዜደንቕ መጻኢ ቐሪቡሎም ነበረ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ መከራ ምርኣዩ: ብሉጽ ንጉስን ሊቀ ኻህናትን ኪኸውን ኣኽኣሎ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ሃዋርያት ምእንቲ እምነቶም ‘ኪሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ: ተሓጐሱ’