ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብሉይ ኪዳን” ገናዶ ረብሓ ኣለዎ እዩ፧

“ብሉይ ኪዳን” ገናዶ ረብሓ ኣለዎ እዩ፧

“ብሉይ ኪዳን” ገናዶ ረብሓ ኣለዎ እዩ፧

1786 ሓደ ፈረንሳዊ ሓኪም: ትሬቴ ዳናቶሚ ኤ ፊዝዮሎዢ (ምይይጥ ስነ-ቕርጺ ኣካልን ስነ-ተግባር ኣካልን) ዘርእስታ መጽሓፍ ኣሕቲሙ ነበረ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኣዝዩ ርጡብ ዝዀነ ብዛዕባ መትናዊ ቕርጺ ዚገልጽ ሓሳብ ዝሓዘት ነበረት: ኣብዚ ቐረባ እዋን ድማ ሓንቲ ኻብተን ብብዝሒ ዘይርከባ ቕዳሓት እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብልዕሊ 27 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ተሸጠት! ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ሰባት: ነዛ ቕድሚ ዘመናት እተገብረ ሕክምናዊ ምርምር ዝሓዘት መጽሓፍ ተጠቒሙ ኺሕክሞም ዚደሊ ሓኪም ኣይቅበልዎን እዮም። እዛ መጽሓፍ ዘለዋ ታሪኻውን ስነ-ጽሑፋውን ረብሓ: ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዚነብር ሕሙም ሓጋዚ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ብሉይ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዘለዎም ኣረኣእያ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ነቲ ንታሪኽ እስራኤል ዚገልጽ ጸብጻብን ነቲ ዚምስጥ ግጥምታቱን ይንእድዎ እዮም። ነዚ ልዕሊ 2,400 ዓመት ዝገበረ መምርሒ ምስዓብ ግን ርትዓዊ ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ስነ-ፍልጠታዊ ምርዳእ: ንግዲ: ከምኡውን ናብራ ስድራቤት ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጸሓፍ ከሎ ዝነበረ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። እቲ ቐደም ኣዳላዊ እታ ክርስችያኒቲ ቱደይ እትበሃል መጽሔት ዝነበረ ፊሊፕ ያንሲ: ኣብታ ዘ ባይብል ጂሰስ ሬድ ዘርእስታ መጽሓፉ ብዛዕባ ብሉይ ኪዳን “ወትሩ ዚወሓጠልካ ኣይኰነን። እቲ ዚወሓጠልካ ዚበሃል ክፋል እውን እንተ ዀነ: በቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰባት ይጽላእ እዩ። በዝን ብኻልእ ምኽንያታትን ድማ እቲ ንሰለስተ ርብዒ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሽፍን ብሉይ ኪዳን መብዛሕትኡ ግዜ ኣይንበብን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ሓድሽ ኣይኰነን።

ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ከባቢ 100 ድ.ክ. ካብ ዚመውት 50 ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን: ማርስዮን ዝስሙ ሃብታም መንእሰይ: ክርስትያናት ንብሉይ ኪዳን ኪቕበልዎ ኸም ዘይብሎም ብወግዒ ኺምህር ጀመረ። ሮቢን ሌን ፎክስ ዝስሙ እንግሊዛዊ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ: ማርስዮን: “እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ተገሊጹ ዘሎ ‘ኣምላኽ:’ ንሸፋቱ ኸምኡውን ንኸም ብዓል ዳዊት ንጉስ እስራኤል ዝኣመሰሉ ኣሸበርቲ ዚሕግዝ ‘ዝወጸሉ ባርባራዊ’ እዩ። ክርስቶስ ግን ነቲ ኻብዚ ፍልይ ዝበለ ሓድሽን ፍሉይን ዝለዓለ ኣምላኽ ከም እንፈልጦ ገበረና” ኢሉ ይማጐት ነበረ። ፎክስ ኣብታ መጽሓፉ ኸም ዝሓበሮ: እዚ እምነት እዚ “‘ማርስዮንነት’ ኰነ: ኣብቲ ብሸነኽ ምብራቕ ዚርከብ ሱርስት ዚዝረበሉ ቦታ ኸኣ ክሳዕ ራብዓይ ዘመን ሰዓብቲ ነበርዎ።” ገለ ኻብዚ ሓሳባት እዚ ኽሳዕ ሕጂ ይእመነሉ እዩ። ከምቲ ፊሊፕ ያንሲ ዝጸሓፎ: ድሕሪ 1,600 ዓመት: “እቲ ክርስትያናት ብዛዕባ ብሉይ ኪዳን ዝነበሮም ፍልጠት ብቕልጡፍ እናሃሰሰ ይኸይድ ኣሎ: ብሓፈሻ ኸኣ ዳርጋ ጠፊኡ እዩ።”

ብሉይ ኪዳን ብኻልእ ተተኪኡ ድዩ፧ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ተጠቒሱ ዘሎ “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት:” ምስቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተጠቒሱ ዘሎ “ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን” ከነሰማምዖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ኢሳይያስ 13:13፣ 2 ቈረንቶስ 13:11) ብሉይ ኪዳን ኣብዚ እዋን እዚ እውን ኪጠቕመካ ይኽእል ድዩ፧