ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ”

“ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ”

“ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ”

“መጻሕፍቲ ምጽሓፍ መወዳእታ የብሉን።” (መክብብ 12:12) ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ብቐሊሉ ኺርከብ ዚከኣል ማእለያ ዘይብሉ ጽሑፋት ክትርኢ ኸለኻ: ሓቅነት እዘን ቃላት እዚኣተን ይርድኣካ። ሓደ መስተውዓሊ ኣንባቢ ኻብዚ ዅሉ ነየናይ ኺመርጽ ከም ዘለዎ ኺውስን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ብዙሓት ኣንበብቲ ንሓንቲ መጽሓፍ ቅድሚ ምንባቦም: ፈለማ ብዛዕባ እቲ ደራሲ ገለ ነገር ኪፈልጡ ይደልዩ እዮም። እቶም ሓተምቲ ድማ: ነታ እቲ ደራሲ እተወልደላ ዓዲ: ንደረጃ ትምህርቱ: ከምኡውን ዝርዝር እቲ ቕድሚ ሕጂ ዘሕተሞ መጻሕፍቲ እትገልጽ ሓጻር ሕጡብ ጽሑፍ የእትዉ ይዀኑ። ኣብቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝነበረ ዘመናት: ደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ደረስቲ: ኣንበብቲ ንኸይንዕቅወን ተባሂሉ: ብናይ ደቂ ተባዕትዮ ስም ብርዒ ተጠቒመን ይጽሕፋ ነበራ። እምበኣር: መንነት እቲ ደራሲ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ዜሕዝን: ከምቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ዝረኣናዮ: ገሊኦም ሰባት እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተጠቒሱ ዘሎ ኣምላኽ: ንጸላእቱ ብዘይንሕስያ ዜጥፍእ ጨካን ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሮም ስለ ዚርእይዎ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዕሽሽ ይብልዎ። a ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽን ብዛዕባ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ እስከ ንርአ።

ብዛዕባ እቲ ደራሲ

ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ: ኣምላኽ ንእስራኤላውያን “ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ” በሎም። (ሚልክያስ 3:6) ድሕሪ 500 ዓመት: ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ያእቆብ ብዛዕባ ኣምላኽ: “ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 1:17) ገሊኦም ሰባት: እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተገሊጹ ዘሎ ኣምላኽ ካብቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዘሎ እተፈልየ ዀይኑ ዚስምዖም ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ: እተፈላለየ ባህርያት ኣምላኽ ተገሊጹ ስለ ዘሎ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ዘፍጥረት ጥራይ እኳ: “ብልቡ ድማ ጐሃየ:” “ጐይታ ሰማይን ምድርን:” ከምኡውን “ፈራድ ኵላ ምድሪ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። (ዘፍጥረት 6:6፣ 14:22፣ 18:25) እዚ እተፈላለየ መግለጺ ንሓደ ኣምላኽ ዜመልክት ድዩ፧ እሂናይ ደኣ።

ንኣብነት: ሓደ ፈራዲ ነቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ዚረኽቦም ሰባት: ሕጊ ዜኽብር ጽኑዕ ሰብ ገይሮም ይርእይዎ ይዀኑ። ደቁ ግን ከም ሓደ ፈቃርን ለጋስን ኣቦ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ነቶም ናይ ቀረባ ፈተውቱ ድማ ተቐራብን ተዋዛዪን ዓይነት ሰብ እዩ። እቲ ፈራድን እቲ ኣቦን እቲ ዓርክን ሓደ ሰብ እዩ። ኣብ እተፈላለየ ዅነታት: እተፈላለየ መዳያት ባህርያቱ ጥራይ እዩ ዜርኢ ዘሎ።

ብተመሳሳሊ: ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ንየሆዋ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን” ኢሉ ይገልጾ። ይኹን እምበር: “ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ” ምዃኑ እውን ንፈልጥ ኢና። (ዘጸኣት 34:6, 7) እዚ ኽልተ መዳያት እዚ ንትርጕም ስሙ ዜጕልሕ እዩ። እታ “የሆዋ” እትብል ስም ቃል ብቓሉ “ዚኸውን” ማለት እያ። ኣምላኽ መብጽዓኡ ንምፍጻም ኣድላዪ ዘበለ ዅሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘጸኣት 3:13-15 NW) ኰይኑ ግን: ብዛዕባ ሓደ ኣምላኽ ኢና እንዛረብ ዘለና። የሱስ: “እግዚኣብሄር ኣምላኽና: ንሱ በይኑ እዩ እግዚኣብሄር” በለ።—ማርቆስ 12:29

ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተተኪኡ ድዩ፧

ኣብዚ እዋን እዚ: ሓድሽ ምርምር ምስ ተገብረ ወይ እቲ ህቡብ ዝነበረ ኣረኣእያ ምስ ተቐየረ: መምሃሪ መጻሕፍቲ ምቕያር ልሙድ እዩ። ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ በዚ ኸምዚ ተኪእዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን።

የሱስ: እቲ ጸብጻብ ኣገልግሎቱ ኸምኡውን እቲ ደቀ መዛሙርቱ ዝጸሓፍዎ መጻሕፍቲ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኪቕይሮ ኢሉ እንተ ዚሓስብ ነይሩ: ብዛዕባ እዚ ምተዛረበ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ሉቃስ ዘሎ ጸብጻብ: ብዛዕባ እቲ የሱስ ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ ዝነበረ ዅነታት ኪገልጽ ከሎ: “ካብ [ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከብ] ሙሴን ኵሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ጽሑፋት ዘሎ [ነቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ] ኺትርጕመሎም ጀመረ” ይብል። ብድሕርዚ: የሱስ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱን ንኻልኦትን ተራእዮም። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል፦ “ንሱ ድማ፤ እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ: ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግብኦ እዩ: ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ: በሎም።” (ሉቃስ 24:27, 44) ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ግዜ ዝሓለፎ እንተ ዚኸውን ነይሩ: ስለምንታይ ደኣ እሞ የሱስ ኣብ መወዳእታ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ተጠቒምሉ፧

እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ድሕሪ ምምስራታ: ሰዓብቲ የሱስ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ምጥቃሞም ቀጺሎም እዮም። ነቲ ገና ዘይተፈጸመ ትንቢታት: ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዚርከብ ጠቓሚ ትምህርቲ ዚህብ ስርዓታት: ከምኡውን ነቲ ክርስትያናት እሙናት ንኪዀኑ ዜተባብዖም ሰናይ ኣብነት ዝሓዘ ብዛዕባ ጥንታውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ጸብጻባት ንምጕላሕ እውን ተጠቒሞምሉ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:16-21፣ 1 ቈረንቶስ 9:9, 10፣ እብራውያን 11:1–12:1) ሃዋርያ ጳውሎስ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ . . . ይጠቅም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። b (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣብዚ እዋን እዚ ጠቓሚ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

ንመዓልታዊ ህይወት ዚኸውን ምኽሪ

ንኣብነት: ሕጂ ዘሎ ዓሌታዊ ጽልኢ እስከ ርአ። ኣብ ሓንቲ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ እትርከብ ከተማ ዚነብር ወዲ 21 ዓመት ኢትዮጵያዊ መንእሰይ: “ናብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኽንከይድ እንተ ደሊና: ብጕጅለ ዄንና ኢና እንኸይድ። ከምኡ እንተ ጌርና: መጥቓዕቲ ኣየውርዱልናን ይዀኑ” በለ። ቀጺሉ እውን “ሰዓት 6 ድ.ቀ. እንተ ሓሊፉ: ብፍላይ ኣብቲ ናይ ትሕቲ ምድሪ ባቡር ዚርከበሉ ቦታ ኽንከይድ ኣይንኽእልን ኢና። ሰባት ክርእዩና ኸለዉ: ንሕብሪ ቘርበትና ጥራይ እዮም ዚርእዩ” በለ። ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ነዚ ጸገም እዚ ዚኸውን ፍታሕ ኣለዎዶ፧

ጥንታውያን እስራኤላውያን: “ጓና ምሳኻትኩም ኣብ ሃገርኩም እንተ ተቐመጠ ድማ: ኣይትግፍዕዎ። ንስኻትኩምውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ: እቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን: ከም ነፍስኻ ኸኣ ፍተዎ” ዚብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነበረ። (ዘሌዋውያን 19:33, 34) እወ: ኣብታ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሕጊ ንስደተኛታት ወይ ን“ጓኖት” ሓልዮት ንኼርእዩ ይእዝዝ ነበረ: እዚ ሕጊ እዚ ድማ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እዩ ዚርከብ። እቲ ኣብዚ ሕጊ እዚ እተጠቕሰ መሰረታዊ ስርዓታት: ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዚርአ ዘሎ ዓሌታዊ ጽልኢ ኺፈትሖ ኸም ዚኽእል ኣይትሰማምዓሉንዶ፧

ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ: ብዛዕባ ቝጠባ ብዝርዝር ምኽሪ ዚህብ እኳ እንተ ዘይኰነ: ንኣተሓሕዛ ገንዘብ ብዚምልከት ግን ግብራዊ መምርሒ ይህብ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ምሳሌ 22:7 “ተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ” ዚብል ነንብብ። ኣማኸርቲ ቝጠባ ብልቓሕ ምዕዳግ ናብ ድኽነት ኪመርሕ ስለ ዚኽእል ዘይጥበባዊ ምዃኑ ይሰማምዑሉ እዮም።

ብተወሳኺ እውን: እቲ ኣብ ታሪኽ ካብ እተራእዩ ሓደ ኻብቶም ዝሃብተሙ ሰባት ዝዀነ ንጉስ ሰሎሞን: ነቲ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ብፍቕረ-ንዋይ እተዋሕጠት ዓለም ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ደድሕሪ ሃብቲ ምጕያይ: ብትኽክል ገሊጽዎ ነበረ። “ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን: እዚውን ከንቱነት እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መክብብ 5:10) እዝስ ከመይ ዝበለ ጥበባዊ ምኽሪ ዀን እዩ!

ንመጻኢ ዚኸውን ተስፋ

ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓደ ፍረ ነገር ዘተኰረ እዩ። እዚ ኸኣ ልዑላውነት ኣምላኽ ዚረጋገጽን ስሙ ዚቕደስን በታ ብየሱስ ክርስቶስ እትመሓደር መንግስቲ ምዃኑ ይገልጽ።—ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 11:15

ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብምምርማር: ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ዚህሉ ህይወት ብዝርዝር ክንመሃር ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ምጽንናዕ ዚህብን ናብቲ ምንጪ እዚ ምጽንናዕ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብዝያዳ ኸም እንቐርብ ዚገብረናን እዩ። ንኣብነት: ነብዪ ኢሳይያስ ኣብ መንጎ እንስሳታትን ሰባትን ሰላም ከም ዚህሉ ተነብዩ ነበረ፣ “ተዅላ ምስ ዕየት ኪሰፍር: ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ: ምራኽን ኵርኵር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ: ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ” ድማ በለ። (ኢሳይያስ 11:6-8) ከመይ ዝበለ ባህ ዜብል ተስፋ ዀን እዩ!

ብዛዕባ እቶም ብሰንኪ ዓሌታዊ ጽልኢ: ከቢድ ሕማም: ወይ ኪቈጻጸርዎ ዘይክእሉ ቝጠባዊ ረቛሒታት እተወጽዑ ሰባትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ: ብዛዕባ ክርስቶስ የሱስ ብትንቢት ኪገልጽ ከሎ: “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ” ይብል። (መዝሙር 72:12, 13) ነቶም ኣብዚ መብጽዓ እምነት ዚገብሩ ሰባት ንመጻኢ ብተስፋን ብምትእምማንን ከም ዚጽበይዎ ስለ ዚገብሮም: ከምዚ ዝኣመሰለ መብጽዓታት ጠቓሚ እዩ።—እብራውያን 11:6

ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና: እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ” ኢሉ ኺጽሕፍ እምበኣር ሓቁ እዩ! (ሮሜ 15:4) እወ: ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ሕጂ እውን ክፍሊ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ኣብዚ ግዜና እውን ብሓቂ ረብሓ ኣለዎ። ነቲ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ትምህርቲ ብዝያዳ ንኽትፈልጥ ጻዕሪ ብምግባር: ናብቲ ደራሲኡ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንኽትቀርብ ተስፋ ንገብር።—መዝሙር 119:111, 112

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነቲ ብሉይ ኪዳን: ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኢልና ጠቒስናዮ ኣለና። (ነታ ኣብ ገጽ 6 ዘላ “ብሉይ ኪዳንዶ ወይስ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፧” እትብል ሳጹን ርአ።) ብተመሳሳሊ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሓድሽ ኪዳን: ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኢሎም እዮም ዚጽውዕዎ።

b ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ነዚ ግዜና ዚኸውን ዓብዪ ረብሓ ዘለዎ ብዙሕ መሰረታዊ ስርዓታት ዝሓዘ እዩ። ይኹን እምበር: ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ እቲ ኣምላኽ ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ኸም ዘይኰኑ ኸነስተብህለሉ ኣሎና።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

ብሉይ ኪዳንዶ ወይስ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፧

እታ “ብሉይ ኪዳን” እትብል ሓረግ ኣብ 2 ቈረንቶስ 3:14 እያ እትርከብ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ “ኺዳን” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ: እታ ብግሪኽኛ ዲኣተክ እትብል ቃል እያ። እታ ኣብ 2 ቈረንቶስ 3:14 እትርከብ “ብሉይ ኪዳን” እትብል ስያመ እንታይ ማለት እያ፧adj.

ኣዳላዊ መዝገበ-ቃላት ዝዀነ ኤድዋርድ ሮቢንሰን: “እቲ ጥንታዊ ኺዳን ኣብተን ሙሴ ዝጸሓፈን መጻሕፍቲ ተመዝጊቡ ስለ ዝነበረ: [ዲኣተክ] ነቲ መጽሓፍ ኪዳን: ጽሑፋት ሙሴ: ማለት ነቲ ሕጊ እያ እተመልክት” በለ። ኣብ 2 ቈረንቶስ 3:14 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ሕጊ ሙሴ እዩ ዚጠቅስ ነይሩ: እዚ ኸኣ ክፋል እቲ ቕድሚ ክርስትና ዝነበረ ቕዱሳት ጽሑፋት ጥራይ እዩ።

ነተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ቐዳሞት 39 መጻሕፍቲ ዚኸውን ብቑዕ ስም ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ የሱስ ክርስቶስን ሰዓብቱን ነዘን ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣተን ግዜአን ከም ዝሓለፈ ወይ ከም ብሉይ ገይሮም ዘይኰነስ: “ጽሑፋት” ከምኡውን “ቅዱሳት ጽሑፋት” ኢሎም ጠቒሶምወን ኣለዉ። (ማቴዎስ 21:42፣ ሮሜ 1:2) ስለዚ: ምስዚ መንፈስ ዝነፈሶ መግለጺ ብምስምማዕ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነተን ብሉይ ኪዳን ተባሂለን ዚጽውዓ መጻሕፍቲ: ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኢሎም ይጽውዕወን። ከምዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት ድማ: እዚ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣብ ፈለማ መብዛሕትኡ ብእብራይስጢ ስለ እተጻሕፈ እዩ። ብተመሳሳሊ: እቶም ነተን ሓድሽ ኪዳን ተባሂለን ዚጽውዓ መጻሕፍቲ ንኺጽሕፉ ኣምላኽ ብመንፈሱ ዝደረኾም ሰብኡት ግሪኽኛ ይጥቀሙ ስለ ዝነበሩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዘን መጻሕፍቲ: ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኢሎም ይጽውዕወን።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ፈራዲ ኸም ጽኑዕ ዳኛ: ፈቃር ኣቦ: ከምኡውን ከም ዓርኪ ዀይኑ ኺፍለጥ ይኽእል እዩ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ክሳዕ መወዳእታ ኣገልግሎቱ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተጠቕመሉ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ሰብ ቅኑዕ ውሳነ ንኺገብር ኪሕግዞ ዚኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓታት እንታይ እዩ፧