ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣገዳስነት ናእዳ ኣስተብህለሉ

ኣገዳስነት ናእዳ ኣስተብህለሉ

ኣገዳስነት ናእዳ ኣስተብህለሉ

ስራሒኡ ኸም ዘይንእዶ ብምግላጽ ዜማርር ሰራሕተኛ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ንስኻ ንባዕልኻኸ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣማሪርካዶ ትፈልጥ፧ መንእሰይ እንተ ዄንካ: ብዛዕባ ወለድኻ ወይ መምህራንካ ተመሳሳሊ ነገር ተዛሪብካዶ ትፈልጥ፧

ገለ ኻብቲ ሰባት ዜማርሩሉ ነጥብታት ምናልባት ሓቅነት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ብመሰረት ሓደ ጀርመናዊ ኣሰልጣኒ ድራኸ: ሰራሕተኛታት ከምዚ ኢሎም ኬማርሩ ኸለዉ: እቲ ዝያዳ ዜበሳጭዎም ናእዳ ስለ ዘይተዋህቦም ዘይኰነስ: ሓለቓኦም ብብሕቲ ስለ ዘይግደሰሎም ምዃኑ ገለጸ። ዝዀነ ዀይኑ ገለ ነገር ጐዲልዎም ኣሎ። ዜዕግብ ርክባት ኪህልወና እንተ ዀይኑ: ናእዳን ብሕታዊ ተገዳስነትን ክልቲኡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ኣምልኾ እውን ከምኡ እዩ። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ: ኣባላታ ንሓድሕዶም ዚነኣኣዱሉ: ምዉቕ ስምዒት ዜርእዩሉ: ከምኡውን ብሕታዊ ተገዳስነቶም ዜንጸባርቑሉ ሃዋህው ኪሰፍን ኣለዎ። ኣባላት እታ ጉባኤ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መምርሒታት ብምስዓብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰናይ ሃዋህው ከም ዚሰፍን ኪገብሩን ኪዕቅብዎን ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር: ጉባኤና ሽሕ ሳዕ ፍቕሪ ዝሰፈና ትኹን ብዘየገድስ: ምምሕያሽ ኪግበረሉ ዚኽእል መዳያት ኣሎ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው: ናእዳ ብምሃብ ዝመጸ ሰለስተ ሰናይ ኣብነታት ንርአ። ንሳቶም ከኣ ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝዀነ ኤሊሁ: ሃዋርያ ጳውሎስ: ከምኡውን የሱስ ክርስቶስ እዮም።

ብእዱብ መገድን ብኣኽብሮትን እተዋህበ ምኽሪ

እቲ ንኣብርሃም ናይ ርሑቕ ዘመዱ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ኤሊሁ: ንእዮብ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኺሕዝ ኣብ ምሕጋዝ ኣገዳሲ ግደ ነበሮ። ኤሊሁ እዱብን ሰብ ዜኽብርን ነበረ። ንኺዛረብ ተራኡ ኽሳዕ ዚበጽሕ ብትዕግስቲ ተጸበየ። እቶም ፈተውቲ እዮብ ኢና በሃልቲ ጕድለት ኪኣርዩ ኸለዉ: ንሱ ግን ምኽሪ ኣብ ልዕሊ ምሃቡ ንእዮብ ስለቲ ቕኑዕ መገዱ ቐልጢፉ ንኢድዎ እዩ። ከምቶም ካልኦት ዘይኰነስ: ስም እዮብ ብምጥቃስ: ብምዉቕ ስምዒትን ንፈታዊኡ ብብሕቱ ኸም ዚግደሰሉ ብዜርኢ መገድን እዩ ንኢድዎ። ፈለማ ብእሩም ዘረባ: “ዎ እዮብ ሕጂ ግና ንዘረባይ ስማዕ: ንዅሉ ቓለይ ከአ ጽን በሎ” ኢሉ ተዛረበ። ገዛእ ርእሱ ኣብ ቦታ እዮብ ብምእታው: ብኣኽብሮት “እንሆ: ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከማኻ እየ: ኣነ ድማ ካብ መሬት እተገበርኩ እየ” በለ። ድሕሪኡ: “እትብሎ ኣንተ አልዩካ ምለሰለይ: ከጽድቐካ እደሊ አሎኹ እሞ: ተዛረብ” ኢሉ ነኣደ።—እዮብ 33:1, 6, 32

ንኻልኦት ብእዱብ መገድን ብኣኽብሮትን ምዝራብ: ናእዳ እንህበሉ ሓደ መገዲ ኺበሃል ይከኣል እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንሰማዒና: ‘ቈላሕታ ንኽገብረልካን ብግቡእ ንኽሕዘካን እትበቅዕ ገይረ እየ ዝቘጽረካ’ እንብሎ ኸም ዘለና እዩ። በዚ ኸምዚ ምዉቕ ስምዒትናን ብሕታዊ ተገዳስነትናን ነመሓላልፈሉ።

እሩምን እዱብን ምዃን ኪበሃል ከሎ: ንሕግታት ስነ-ስርዓት ምስዓብ ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ልቢ ሰባት ንምትንካፍ: ካብ ልብና እዱባትን እሩማትን ክንከውን ኣሎና። እዚ ድማ መግለጺ ናይ ሓቂ ተገዳስነትን ፍቕርን ኪኸውን ኣለዎ።

ብሜላ ናእዳ ምሃብ

ሃዋርያ ጳውሎስ ንኻልኦት ንምንኣድ: ሜላ ኽሳዕ ክንደይ ግደ ኸም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት: ኣብቲ ኻልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ኣብ ኣቴና እናሰበኸ ኸሎ: ንክርስትና ኣብ ቅድሚ ፈላስፋታት ግሪኽ ተጣቢቑሉ ነበረ። ነዚ ኣጸጋሚ ዕዮ እዚ ብኸመይ ብሜላ ኸም ዝሓዞ እሞ ኣስተብህል። “ሓያሎ ፊሎሶፋት ከኣ ካብ ኤጲቁሬዎስን እስጦይኮስን ምስኡ ጸመዱ። ገሊኦም ከኣ፤ እዚ ዓጃው እንታይ ኪብል ኰን እዩ ዚደሊ ዘሎ፧ በሉ። ገሊኦም ድማ: . . . ብሓደስቲ ኣማልኽቲ ዚምህር ዘሎ ደኣ ይመስል: በሉ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:18) እዚ ዘረባ እዚ እኳ እንተ ተዛረቡ: ጳውሎስ ግን በዚ ኸይተቘጥዐ: “ኣቱም ሰብ ኣቴና፥ ብዅሉ ነገርኩም ብሃይማኖት ከም እትግደሱ እርኢ ኣሎኹ” በሎም። ጣኦት ብምምላኾም ኣብ ክንዲ ዚዅንኖም: ብሃይማኖት ዚግደሱ ብምዃኖም ነኣዶም።—ግብሪ ሃዋርያት 17:22 ትርጕም 1990

ጳውሎስ ግብዝና ድዩ ዜርኢ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ንሰማዕቱ ኺፈርድ ቦታኡ ዘይምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ኣብ ሓደ እዋን ንሱ ንባዕሉ እውን ነታ ሓቂ ይፈልጣ ዘይምንባሩ ኣይረስዐን። እተዋህቦ መዝነት መልእኽቲ ኣምላኽ ምቕራብ ደኣ እምበር: ንኻልኦት ምፍራድ ኣይነበረን። ነቲ ሎሚ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜጓንፎም ነገር: ብተመክሮ ይፈልጦ ነበረ። እዚ ኸኣ ገሊኦም ካብ ልቦም ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚጣበቑ ሰባት: ድሕሪ ግዜ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣጸቢቖም ዚጣበቑ ሰባት ከም ዚዀኑ እዩ።

ጳውሎስ እተጠቕመሉ ኣቀራርባ ጽቡቕ እዩ ነይሩ: ስለዚ ድማ ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየ። “ሓያሎ ሰብኡት ከኣ ሰዐብዎ እሞ አመኑ: ካባታቶም ድማ እቲ ናይ ኣርዮስፋጎስ መኰነን: ድዮኒስዮስን ደማሪስ እትብሀል ሰበይትን: ከምኡውን ካልኦት ምሳታቶም ነበሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:34) ጳውሎስ ንሰብ ኣቴና ርጡብ ፍልጠት ስለ ዘይነበሮም ኣብ ክንዲ ዚዅንኖም: ንሓሶት እኳ እንተ ዀነ ኻብ ልቦም እምነት ዘለዎም ምዃኖም ምንኣዱስ ክሳዕ ክንደይ ጥበባዊ ዀን እዩ ነይሩ! ብጌጋ ሓበሬታ እተታለሉ ሰባት: ብዙሕ ግዜ ጽቡቕ ልቢ ኣለዎም።

ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ሄሮድስ ኣግሪጳ ዳግማይ ንጕዳዩ ንኺጣበቕ ምስ ቀረበ: ሜላ ተጠቒሙ እዩ። ሄሮድስ ምስ በርኒቄ ሓብቱ ጾታዊ ርክብ ይገብር ነበረ: እዚ ኸኣ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብንጹር ተዀኒኑ እዩ። ኰይኑ ግን: ጳውሎስ ኣይኰነኖን። ኣብ ክንዳኡስ: ንሄሮድስ ዚንእደሉ ግቡእ መሰረት ረኸበ። “ዎ ንጉስ ኣግሪጳ: ኵሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ትፈልጥ ኢኻ እሞ: ሎሚ ምናዳ ኣብ ቅድሜኻ ብኣይሁድ እኽሰሰሉ ብዘሎኹ ዘበለ ነገር ክመጻረ ስለ እተፈቕደለይ: ነዛ ርእሰይ እተመስገነት ገይረ እርእያ አሎኹ” በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 26:1-3

ንሕና እውን ምስ ካልኦት ኣብ እንገብሮ ርክብ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሜላ ምቕራብና ጥበባዊ እዩ። ንጐረቤት: ንመማህርቲ: ወይ ንመሳርሕቲ ምንኣድ: ሰላማዊ ርክባት ኬስፍንን ጽቡቕ ጠባይ ኬፍርን ይኽእል እዩ። በቲ እንህቦ ግቡእ ናእዳ ጌርና ልቢ ሰባት ብምትንካፍ: ቅኑዓት ሰባት ነቲ ናይ ሓሶት ኣተሓሳስባኦምን ተግባራቶምን በቲ ምስ ርጡብ ፍልጠት ዚሰማማዕ ንኺትክእዎ ኸነለዓዕሎም ንኽእል ንኸውን።

ናእዳ ብምሃብ ዝመጸ የሱስ ዝገደፎ ፍጹም ኣብነት

የሱስ ናእዳ ሂቡ እዩ። ንኣብነት: ካብ ሞት ተንሲኡ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ: ብኣምላኽ ተመሪሑ ብሃዋርያ ዮሃንስ ኣቢሉ ነተን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበራ ሸውዓተ ጉባኤታት ተዛረበን። ነተን ናእዳ ዚግብአን ናእዳ ምሃብ ኣይረስዐን። ነተን ኣብ ኤፌሶን: ጴርጋሞስ: ከምኡውን ትያቲራ ዝነበራ ጉባኤታት ከምዚ ኢሉ ተዛረበን:- “ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻን: ነቶም እኩያት ሰባትውን ክትጾሮም ከም ዘይከአልካን . . . እፈልጥ አሎኹ”፣ “ንስመይ ኣጽኒዕካ ሒዝካዮ አሎኻ: . . . ንእምነተይ ኣይከሐድካያን”፣ “ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ኣገልግሎትካን ትዕግስትኻን: እቲ ግብርኻውን ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ኸም ዚበዝሕ: እፈልጥ አሎኹ።” ኣብታ ኣብ ሳርዴስ ዝነበረት ተሪር ምኽሪ ዘድለያ ጉባኤ እውን ከይተረፈ: ኪንኣዱ ንዚግብኦም ውልቀ-ሰባት ስለ ዘስተብሃለለሎም: ከምዚ በለ:- “ኣብ ሳርዴስ ግና ክዳውንቶም ዘይጸየቑ ሒደት ስማት አለዉኻ: ንሳቶም ብቑዓት እዮም እሞ: ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ኪመላለሱ እዮም።” (ራእይ 2:2, 13, 19፣ 3:4) የሱስ ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ኣብነት ኰን እዩ ዝሰርዓልና!

ንሕና እውን ንየሱስ ብምምሳል: ሒደት ኣባላት ሓደ ጕጅለ ብምግጋዮም: ንብምሉኦም ኣባላት እቲ ጕጅለ ብሓፈሻ ኽንኵንኖም የብልናን: ወይ ከኣ ግቡእ ናእዳ ኸይሃብና ዜድልዮም ምኽሪ ኽንልግስ የብልናን። ይኹን እምበር: ምኽሪ ኽንህብ ኣብ እንምድበሉ እዋን ጥራይ ናእዳ ንህብ እንተ ዄንና: ንናእዳና ጸማም እዝኒ ኸም ዚወሃቦ ኽንርስዕ የብልናን። ብእተኻእለ መጠን ብብዝሒ ናእዳ ሃብ። ድሕሪኡ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ምኽሪ ኽትህብ እንተ ኣድልዩ: ሰባት ብቐሊሉ ኪቕበልዎ እዮም።

ግቡእ ናእዳ ዚህቡ ሽማግለታት

ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ኣውሮጳ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተገልግል ዘላ ኮርኒልያ: ኣብ መጀመርታ 1970ታት እቲ ኺበጽሖም ዝመጸ ገያሺ ሓላዊ ኣብ ብሕታዊ መጽናዕትን ንባብ መጽሔትን ከመይ ከም ዘላ ዝሓተታ እዋን ትዝ ይብላ። ብዛዕባ ሽዑ እተሰምዓ ኽትገልጽ ከላ: “ቍሩብ ሕፍረት ተሰሚዑኒ እዩ” በለት። ግናኸ ንዅሉ እቲ ኣብ መጽሔትና ዚወጽእ ዓንቀጻት ከተንብቦ ከም ዘይክኣለት ነገረቶ። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ “ንሱ ግን ነዚ ጕድለተይ ኣብ ክንዲ ዚኣሪ: ዚከኣለኒ ብምንባበይ ነኣደኒ። በቲ ናእዳኡ ኣዝየ ስለ እተተባባዕኩ: ካብ ሽዑ ኣትሒዘ ንዅሉ ዓንቀጻት ኬንብብ ወሰንኩ” በለት።

ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዜገልግል ረይ: ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት ዘሕለፋ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ትዝ ትብሎ። እቲ ናይ ስራሕን ናይ ስድራቤትን ሓላፍነታት ከምኡውን ኣብታ ጉባኤ ሓያሎ ኻልእ ሓላፍነታት ዝነበሮ ኣስተናባሪ ሓላዊ: በታ ምሸት እቲኣ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኣተወ: ትኽ ኢሉ ናብ ረይ ብምኻድ: “ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት ዘሕለፍካያ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸመይ ነይራ፧” ኢሉ ሓተቶ። ድሕሪ 60 ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን: ረይ ነቲ እቲ ሽማግለ ዘርኣዮ ሓልዮት ክሳዕ ሕጂ ይዝክሮ እዩ።

እዚ ኽልተ ተመክሮታት ከም ዚሕብሮ: ካብ ክሳድ ንላዕሊ ወይ ትርጕም ዘይብሉ ናይ ሻሕራ ቓላት ምዝራብ ዘይኰነስ: ነቲ ኻልኦት ዝገበርዎ ነገር ካብ ልቢ ብዝነቐለ ፍቕራዊ ሞሳ ዚገልጽ ቃላት ምዝራቦም: ዜደንጹ ፍረ ኼፍሪ ይኽእል እዩ። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና እንንእደሉ ኣዝዩ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ንኼገልግሉ ዘለዎም ባህጊ: ብግቡእ እተዳለዉሉ ሓሳባት: ክፍሊ ንምቕራብ ወይ ኣብ ኣኼባ ንምስታፍ ዚሰግርዎ ፍርሂ: ንምስባኽን ንምምሃርን ዘለዎም ቅንኣት: ከምኡውን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽን መንፈሳዊ ሸቶታትን ቀዳምነት ንምሃብ ዚገብርዎ ፈተነታት እሞ ሕስብ ኣብል። ንኻልኦት ክንንእዶም ከለና: ብዙሕ ዓስቢ ኢና እንዓጽድ። ሓጐስ ንረክብ: ኣወንታዊ ኣረኣእያ ድማ ይህልወና።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

ሽማግለታት ጉባኤ ንጉባኤኦም በቲ ዝፈጸመቶ ሰናይ ዕዮ ኺንእድዋ ኣለዎም። ምኽሪ ኺህቡ ኣብ ዜድልየሉ እዋን ከኣ: ብፍቕሪ የቕርብዎ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ኵሉ ነገር ብትኽክል ኪግበር ኣለዎ ኻብ ዚብል ሓሳብ ተላዒሎም: ዝዀነ ይኹን ፍጽምና ዝጐደሎ ነገር ከም ከቢድ ድኽመት ገይሮም ካብ ምርኣይ ይቝጠቡ እዮም።

እቶም ነቲ ኤሊሁ ዘርኣዮ ኣኽብሮትን እዱብነትን: ነቲ ጳውሎስ እተጠቕመሉ ሜላ: ከምኡውን ነቲ የሱስ ዘርኣዮ ፍቕራዊ ሓልዮት ዚቐድሑ ክርስትያን ሽማግለታት: ንኣሕዋቶም ምንጪ ናይ ሓቂ መተባብዒ እዮም ዚዀኑ። ናእዳ ንሰባት ዝያዳ ኺገብሩ እዩ ዜተባብዖም: ሓጐስ ዝመልኦን ስኒት ዘለዎን ርክብ ከም ዚህልወና ድማ ይገብር። የሱስ ኣብ ጥምቀቱ: ነተን ሰማያዊ ኣቦኡ “ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ኢሉ እተዛረበን ቃላት ምስ ሰምዐ: ብዙሕ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። (ማርቆስ 1:11) ንሕና እውን ካብ ልቢ ብዝነቐለ ትርጕም ዘለዎ ናእዳ ጌርና ንኣልባብ ኣሕዋትና ነሐጕስ።

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ብሜላ ብምዝራቡ ጽቡቕ ፍረ ረኸበ: ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ልቢ ዝነቐለ ምዉቕ ናእዳ ዜደንቕ ፍረ ኼፍሪ ይኽእል