ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ትንቢት ዳንኤል ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ትንቢት ዳንኤል ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ትንቢት ዳንኤል ዚጐልሕ ነጥብታት

“መጽሓፍ ዳንኤል ሓንቲ ኻብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ኣዝየን መሰጥቲ መጻሕፍቲ እያ። . . . ኣብ ውሽጣ ዘሎ ሓቅታት ግዜ ዚሓልፎ ኣይኰነን።” (ሆልማን ኢላስትሬትድ ባይብል ዲክሸነሪ) ዳንኤል ዝጸሓፎ ዛንታ ኻብቲ ብ618 ቅ.ክ. ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጺኡ ነታ ኸተማ ዝኸበበሉን “ካብ ደቂ እስራኤል” ምሩኻት ናብ ባቢሎን ኣብ ዝወሰደሉን እዋን እዩ ዚጅምር። (ዳንኤል 1:1-3) ካባታቶም እቲ ገና መንእሰይ: ምናልባት እውን ኰተቴ ዝነበረ ዳንኤል ይርከቦም። እታ መጽሓፍ ከኣ ዳንኤል ኣብ ባቢሎን ከሎ እያ እትዛዘም። ኣብቲ ግዜ እቲ ዳንኤል ዳርጋ ወዲ 100 ዓመት ከሎ: ካብ ኣምላኽ: “ክትዐርፍ: በቲ መወዳእታ መዓልትታት ከኣ ናብ ግዴኻ ኽትትንስእ ኢኻ” ዚብል መብጽዓ ተዋህቦ።—ዳንኤል 12:13

እቲ ቐዳማይ ክፋል ትንቢት ዳንኤል ብመስርዕ ፍጻመታት ዝሰፈረ ዀይኑ ኸም ሳልሳይ ኣካል ጌርካ እዩ ተጻሒፉ፣ እቲ ኻልኣይ ክፋል ከኣ ከም ቀዳማይ ኣካል ኰይኑ እዩ ተጻሒፉ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዳንኤል ዝጸሓፋ ዀይና: ብዛዕባ ምትንሳእን ምውዳቕን ሓይልታት ዓለም: ብዛዕባ መሲህ ዚመጸሉ ግዜ: ከምኡውን ኣብዚ ግዜና ብዛዕባ ዚፍጸም ነገራት ዚሕብር ትንቢታት ዝሓዘት እያ። a እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ነብዪ ነቲ ነዊሕ ህይወቱ ምልስ ኢሉ ብምዕዛብ: ንጽህናና እንሕሉ ፍርሃት ኣምላኽ ዘሎና ሰባት ንኽንከውን ምእንቲ ኼተባብዓና ኢሉ ገለ ኽፋል ህይወቱ ኣዘንትዩልና ኣሎ። ዳንኤል ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ህያውን መስለጥን እዩ።—እብራውያን 4:12

እቲ ብመስርዕ ፍጻመታት ዝሰፈረ ጸብጻብ እንታይ ይምህረና፧

(ዳንኤል 1:1–6:28)

እዋኑ ብ617 ቅ.ክ. እዩ ነይሩ። ዳንኤልን እቶም ሲድራቅ: ሚሳቅ: ዓብድ-ኔጎ ዚበሃሉ ሰለስተ ኣዕሩኹን ኣብ ቤተ-መንግስቲ ባቢሎን ነበሩ። ብዛዕባ ህይወት ቤተ-መንግስቲ ንሰለስተ ዓመት ስልጠና ኣብ እተዋህቦም እዋን: እቶም መንእሰያት ንኣምላኽ ዝነበሮም ንጽህና ሓለዉ። ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ንጉስ ነቡካድነጻር ምስጢራዊ ሕልሚ ሓለመ። ዳንኤል ነቲ ሕልሚ ኣፍለጦ: ትርጕሙ ኸኣ ገለጸሉ። እቲ ንጉስ ድማ ንየሆዋ “ኣምላኽ ኣማልኽትን ጐይታ ነገስታትን ገላጺ ምስጢራትን” ምዃኑ ኣፍልጦ ሃበሉ። (ዳንኤል 2:47) ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ነቡካድነጻር ነዚ ትምህርቲ እዚ ዝረስዖ እዩ ዚመስል። እቶም ሰለስተ ኣዕሩኽ ዳንኤል ንሓደ ዓብዪ ምስሊ ምስጋድ ምስ ኣበዩ: እቲ ንጉስ ናብ ጕሁር እቶን ሓዊ ኸም ዚድርበዩ ገበረ። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ግን ኣድሓኖም: ነቡካድነጻር ከኣ “ከምኡ ገይሩ ኼናግፍ ዚኽእል ካልእ ኣምላኽ የልቦን” ኢሉ ንኺእመን ተገደደ።—ዳንኤል 3:29

ነቡካድነጻር ካልእ ኣገዳሲ ሕልሚ ሓለመ። ሓንቲ ዓባይ ኦም ረኣየ: እታ ኦም ከኣ ተቘርጸት: ንኸይትዓቢ እውን ቀይዲ ተገብረላ። ዳንኤል ትርጕም እቲ ሕልሚ ገለጸሉ። ነቡካድነጻር ምስ ተጸለለን ጸኒሑ ናብ ልቡ ምስ ተመልሰን: እቲ ሕልሚ ብኸፊል ተፈጸመ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ንጉስ ቤልሻጽር ንመኳንንቱ ዓብዪ ድግስ ገበረሎም: ኣብኡ ድማ ነቲ ኻብ ቤተ መቕደስ የሆዋ እተወስደ ኣቓሑ ብንዕቀት ተጠቕመሉ። በታ ለይቲ እቲኣ ቤልሻጽር ተቐትለ: ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸኣ ነታ መንግስቲ ተቐበላ። (ዳንኤል 5:30, 31) ብዘመን ዳርዮስ: ዳንኤል ልዕሊ 90 ዓመት ዕድሚኡ ኸሎ: ዝቐንኡሉ ሰበ-ስልጣን ኪቐትልዎ ውዲት ኣለሙሉ። የሆዋ ግን ‘ካብ ኣናብስ ኣድሓኖ።’—ዳንኤል 6:27

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:11-15—እቶም ኣርባዕተ ኣይሁዳውያን መንእሰያት ገጾም ዝበርሀ ኣሕምልትን ጥረምረን ጥራይ ስለ ዝበልዑ ድዩ፧ ኣይኰነን። ዝዀነ ይኹን ኣገባብ ኣመጋግባ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልቲ ኸምዚ ዓይነት ውጽኢት ኬምጽእ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ገጽ እቶም እብራውያን ለውጢ ኺርአ ዝኸኣለ: እቲ እተወከልዎ የሆዋ ስለ ዝባረኾም እዩ።—ምሳሌ 10:22

2:1—መዓስ እዩ ነቡካድነጻር ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ምስሊ ዝሓለመ፧ እቲ ጸብጻብ “ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት መንግስቱ” ምዃኑ ይገልጽ እዩ። ነቡካድነጻር ብ624 ቅ.ክ. እዩ ነጊሱ። በዚ ኸምዚ እታ ኻልአይቲ ዓመት ግዝኣቱ 623 ቅ.ክ.: ማለት ንይሁዳ ቕድሚ ምውራሩ እያ እትኸውን። ኣብቲ ግዜ እቲ ዳንኤል ነቲ ሕልሚ ንምትርጓም ኣብ ባቢሎን ኪህሉ ኣይምኸኣለን። እምበኣር እታ “ኻልአይቲ ዓመት” ተባሂላ ዘላ: ካብቲ ንጉስ ባቢሎን ንየሩሳሌም ደምሲሱ ገዛኢ ዓለም ዝዀነላ 607 ቅ.ክ. ኣትሒዝካ እትቝጸር ክትከውን ኣለዋ።

2:32, 39—እቲ መንግስቲ ብሩር ካብቲ ርእሲ ወርቂ ዚንእስ: እቲ መንግስቲ ኣስራዚ እውን ካብቲ ብሩር ዚንእስ ብኸመይ እዩ፧ እቲ ኣብቲ ምስሊ ብዚርከብ ብሩር እተመሰለ ሃጸያዊ ግዝኣት ሜዶንን ፋርስን: ንይሁዳ ዝገልበጠ ብዘይምዃኑ: ካብቲ ብርእሲ ወርቂ እተመሰለ ባቢሎን ዚንእስ ነበረ። እቲ ስዒቡ ዝመጸ ሓይሊ ዓለም ዝዀነ ግሪኽ ብኣስራዚ ተመሲሉ ነበረ። ከምቲ ኣስራዚ ኻብ ብሩር ዚትሕት: ግሪኽ እውን ዝነኣሰ እዩ ነይሩ። ሃጸያዊ ግዝኣት ግሪኽ ዝሰፍሐ ኽፋል እኳ እንተ ገዝአ: ከምቲ ሜዶንን ፋርስን ዝገበርዎ ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ ምርኮ ሓራ ናይ ምግባር ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣይረኸበን።

4:8, 9—ዳንኤል ንባዕሉ ጠቢብ ወይ ከም ደብተራ ዓይነት ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። እቲ “ሊቀ ጠቢባን” ዚብል ስያመ: “ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጠቢባን ባቢሎን . . . ሓለቓ” ምንባሩ እዩ ዜመልክት።—ዳንኤል 2:48

4:10, 11, 20-22—እታ ኣብ ሕልሚ ነቡካድነጻር እተራእየት ዓባይ ኦም ንምንታይ ተመልክት፧ እታ ኦም ኣብ ፈለማ ንነቡካድነጻር ከም ገዛኢ ሓይሊ ዓለም መጠን እተመልክት ነበረት። እቲ ግዝኣት “ክሳዕ ወሰናት ምድሪ” እተዘርግሐ ስለ ዝነበረ ግን: ካብዚ ንዝዓበየ ነገር እውን ተመልክት እያ። ዳንኤል 4:17 ነቲ ሕልሚ ምስቲ “እቲ ልዑል” ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዘለዎ ግዝኣት ኣተሓሒዛቶ ኣላ። እምበኣር: እታ ኦም ንልዑላውነት የሆዋ: ብፍላይ ከኣ ምስ ምድሪ ንዚተሓሓዝ ነገራት እተመልክት እያ። ስለዚ: እቲ ሕልሚ ኽልተ ፍጻመ ነበሮ: ሓደ ኣብ ግዝኣት ነቡካድነጻር: ካልእ ከኣ ኣብ ልዑላውነት የሆዋ።

4:16, 23, 25, 32, 33—እተን “ሾብዓተ ግዝያት” ንውሓተን ክንደይ እዩ፧ ኵሉ እቲ ኣብ ትርኢት ንጉስ ነቡካድነጻር እተራእየ ለውጥታት ንኺፍጸም “ሾብዓተ ግዝያት” ኪሓልፍ ነበሮ: እዚ ኸኣ ካብ ሸውዓተ መዓልቲ ዚነውሕ ኪኸውን ኣለዎ። ንነቡካድነጻር ብዚምልከት: እዚ ግዝያት ነፍሲ ወከፉ 360 መዓልትታት ዝሓዘ ሸውዓተ ዓመታት: ወይ 2,520 መዓልትታት እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዝዓበየ ፍጻሜኡ ኸኣ: እተን “ሾብዓተ ግዝያት” ን2,520 ዓመታት የመልክታ። (ህዝቅኤል 4:6, 7) እዚኣተን የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ክትድምሰስ ከላ ዝጀመራ ዀይነን: ብ1914 የሱስ ሰማያዊ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዝፋን ምስ ደየበ ድማ ኣብቅዓ።—ሉቃስ 21:24

6:6-10—ናብ የሆዋ ንምጽላይ ፍሉይ ኣካላዊ ኣቃውማ ዘየድሊ ኻብ ኰነ: ዳንኤል ኣብተን 30 መዓልትታት ብልቡ እንተ ዚጽሊዶ ጥበባዊ ኣይምዀነን፧ ዳንኤል ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ይጽሊ ምንባሩ ዅሉ ዚፈልጦ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ እዮም እቶም ውዲት ዝኣለሙ ሰባት ንጸሎት ዚኽልክል ሓሳብ ዘምጽኡ። ኣብቲ ናይ ጸሎት ልማዱ ዝዀነ ይኹን ለውጢ እንተ ዚገብር ነይሩ: ካልኦት ከም እተለማለመ ምመሰሎም: ንየሆዋ ጥራይ ተወፋይነት ካብ ምሃብ ከም ዝሰነፈ ዚሕብር ድማ ምዀነ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:3-8 ዳንኤልን ብጾቱን ንየሆዋ እሙናት ንምዃን ዘርኣይዎ ቘራጽነት: ነቲ ኻብ ወለዶም ረኺቦምዎ ኪዀኑ ዚኽእሉ ስልጠና ዜጕልሕ እዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ ኣብ ህይወቶም ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት እንተ ሂቦምን ንደቆም ከምኡ ኺገብሩ እንተ ምሂሮምዎምን: እቲ ውሉዳቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ካልእ ዜጋጥሞም ዝዀነ ይኹን ፈተናታትን ጸቕጥታትን ንኺጻወሩ ዘለዎም ተኽእሎ ይዓቢ።

1:10-12 ዳንኤል ነቲ “እቲ ሓለቓ ስሉባት” ንንጉስ ዝፈርሃሉ ምኽንያት ስለ እተረድኦ: ደጋጊሙ ኣይለመኖን። ናብቲ ኺለማለም ዚኽእል ዝነበረ “መጋቢ” ቐሪቡ ግን ሕቶኡ ኣቕረበሉ። ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ: ብተመሳሳሊ ብምስትውዓልን ብምርዳእን ብጥበብን ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና።

2:29, 30 ንሕና እውን ከም ዳንኤል: ሳላ መንፈሳዊ መሰናድዎታት ብዘጥረናዮ ዝዀነ ይኹን ፍልጠትን ባህርያትን ክእለታትን ዚቐርበልና ውዳሰ ብምሉኡ ንየሆዋ ኽንህቦ ኣሎና።

3:16-18 እቶም ሰለስተ እብራውያን ኣቐዲሞም ኣብ ኣመጋግባ እንተ ዚለማለሙ ነይሮም: ብኸምዚ ዝኣመሰለ ተሪር ምትእምማን ንኺምልሱ ዝነበሮም ዕድል ምጸበበ። ንሕና እውን ‘ብዅሉ እሙናት’ ንኽንከውን ክንጽዕር ይግብኣና።—1 ጢሞቴዎስ 3:11

4:24-27 ነቲ ኸቢድ ፍርድታት ኣምላኽ ዜጠቓልል መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ: ከምቲ ዳንኤል ንንጉስ ነቡካድነጻር ኪወርዶ ዘለዎ ነገራትን ‘ልምዓቱ ንኺነውሕ’ ኪገብሮ ዚግባእ ተግባራትን ኬፍልጦ ኸሎ ዘርኣዮ ዓይነት እምነትን ትብዓትን ይሓትት።

5:30, 31 እቲ ‘ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን እተመሰለ ምስላ’ ፍጻሜኡ ረኺቡ እዩ። (ኢሳይያስ 14:3, 4, 12-15) እቲ ኸም ናይ ስርወ-ንግስነት ባቢሎን ዝዓይነቱ ትዕቢት ዘለዎ ሰይጣን ድያብሎስ ድማ ኣብ መወዳእታ ኺዋረድ እዩ።—ዳንኤል 4:30፣ 5:2-4, 23

ራእያት ዳንኤል እንታይ ይገልጽ፧

(ዳንኤል 7:1–12:13)

ብ553 ቅ.ክ. ዳንኤል እቲ ናይ መጀመርታ ራእዩ ብሕልሚ ኺርኢ ኸሎ: ኣብ 70ታት ዕድሜኡ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ነቶም ክሳዕ እዚ ግዜና ተኸታቲሎም ንዚመጹ ሓይልታት ዓለም ዜመልክቱ ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ረኣየ። ኣብቲ ብዛዕባ ሰማይ ዝረኣዮ ራእይ: “ወዲ ሰብ ዚመስል” “ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት” ኪወሃቦ ኸሎ ረኣየ። (ዳንኤል 7:13, 14) ክልተ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ብዛዕባ ሜዶንን ፋርስን: ብዛዕባ ግሪኽ: ከምኡውን ብዛዕባ “ሓደ ጨካን ዝገጹ” ራእይ ረኣየ።—ዳንኤል 8:23

ብ539 ቅ.ክ. ባቢሎን ወደቐት: ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸኣ ገዛኢ መንግስቲ ከለዳውያን ኰነ። ዳንኤል ብዛዕባ ምብዳም ዓዱ ዜብቅዓሉ እዋን ናብ የሆዋ ጸለየ። ገና ኺጽሊ ኸሎ: የሆዋ ንዳንኤል ብዛዕባ እቲ መሲህ ‘ምስትውዓል ንኺምህሮ’ ኢሉ ንገብርኤል መልኣኽ ለኣኸሉ። (ዳንኤል 9:20-25) ግዜ ሓሊፉ 536/535 ቅ.ክ. ኰነ። ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም ተረፍ ናብ የሩሳሌም ተመሊሶም ነይሮም። ኰይኑ ግን: ኣብቲ ዕዮ ህንጸት ቤተ መቕደስ ምጽራር ኣጋጠሞም። እዚ ንዳንኤል ኣጨነቖ። ብዛዕባ እዚ ብትግሃት ጸለየ: የሆዋ ኸኣ ልዑል መዓርግ ዘለዎ መልኣኽ ናብ ዳንኤል ለኣኸ። እቲ መልኣኽ ንዳንኤል ምስ ኣበርትዖን ምስ ኣተባብዖን: ነቲ ኣብ መንጎ ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ዚህሉ ንልዕልና ዚግበር ቃልሲ ዚገልጽ ትንቢት ነገሮ። እቲ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ነገስታት ዚህሉ ግጭት ካብቲ መንግስቲ ኣለክሳንደር ዓብዪ ኣብ መንጎ እቶም ኣርባዕተ ጀነራላቱ እተመቓቐለትሉ እዋን ኣትሒዙ: ክሳዕ እቲ ዓብዪ መስፍን እተባህለ ሚካኤል ‘ዚትንስኣሉ’ ግዜ ዚቕጽል እዩ።—ዳንኤል 12:1

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

8:9—እታ “ኽብርቲ” ንምንታይ ተመልክት፧ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ እታ “ኽብርቲ” ነቲ ቕቡኣት ክርስትያናት ኣብ ግዜ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ዚህልዎም ምድራዊ ዅነታት እያ እተመልክት።

8:25—እቲ “መስፍን መሳፍንቲ” መን እዩ፧ እታ “መስፍን” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ሳር እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል: ብመሰረቱ “ሓለቓ” ወይ “ርእሲ” ማለት እያ። እቲ “መስፍን መሳፍንቲ” ዚብል መዓርግ ነቲ ሓለቓ ዅሎም እቶም መሳፍንቲ እተባህሉ መላእኽቲ ዝዀነ: እንተላይ ነቲ “ሚካኤል: ካብቶም ኣውራታት መሳፍንትስ ሓደ” እተባህለ እውን ሓለቓኡ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዜመልከት።—ዳንኤል 10:13

9:21—ዳንኤል ንገብርኤል መልኣኽ: “ሰብኣይ” ዝበሎ ስለምንታይ እዩ፧ ገብርኤል ከምቲ ኣቐዲሙ ንዳንኤል ብራእይ እተራእዮ: ሰብኣዊ መልክዕ ሒዙ ስለ ዝመጾ እዩ።—ዳንኤል 8:15-17

9:27—ክሳዕ መወዳእታ እታ መበል ሰብዓ ናይ ዓመታት ሰሙን: ወይ ክሳዕ 36 ድ.ክ. እንታይ ኪዳን እዩ ‘ጸኒዑ’ ዝቐጸለ፧ እቲ ሕጊ ኺዳን ብ33 ድ.ክ. የሱስ ምስ ተሰቕለ ተኣልዩ እዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ኽሳዕ 36 ድ.ክ. ነቲ ብስጋ እስራኤላውያን ንዝዀኑ ዚምልከት ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ኺዳን ከም ዚጸንዕ ብምግባር: ንኣይሁድ ዘርኢ ኣብርሃም ስለ ዝዀኑ ፍሉይ ሓለፋ ገበረሎም። እቲ ንኣብርሃም እተኣተውሉ ኺዳን ኣብቶም “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ጸኒዑ ይቕጽል ኣሎ።—ገላትያ 3:7-9, 14-18, 29፣ 6:16

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

9:1-23፣ 10:11 ዳንኤል ትሑት: ንኣምላኽ ውፉይ: ብመጽናዕቲ ዝመጸ ጻዕረኛ: ንጸሎት ትጉህ ብምንባሩ “ኣዚኻ ፍትዊ” ተባሂሉ ኣሎ። እዚ ባህርያት እዚ ንኣምላኽ ክሳዕ መወዳእታ ህይወቱ እሙን ንኪኸውን ኣኽኣሎ። ንሕና እውን ኣብነት ዳንኤል ክንስዕብ ቈራጽነት ንግበር።

9:17-19 ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ‘ጽድቂ ዚነብረላ’ ሓዳስ ዓለም ክንጽሊ ኸለና እውን እንተ ዀነ: እቲ ብቐዳምነት ኬተሓሳስበና ዘለዎ ነገር ብሕታዊ መከራናን ጸገምናን ምብቃዑ ዘይኰነስ: ምቕዳስ ስም የሆዋን ምርግጋጽ ልዑላውነቱን ኪኸውንዶ ኣይግባእን፧—2 ጴጥሮስ 3:13

10:9-11, 18, 19 ነቲ ናብ ዳንኤል ዝመጸ መልኣኽ ብምምሳል: ደገፍ ብምሃብን ዜጸናንዕ ቃላት ብምዝራብን ንሓድሕድና ኽንተባባዕን ክንበራታዕን ኣሎና።

12:3 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት: እቶም “ጠቢባን” ወይ “ምስትውዓል ዘለዎም” (NW) ተባሂሎም ዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናት: ‘ከም ብርሃናት በሪሆም’ እዮም: ነቶም ክፍሊ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ” እውን ሓዊስካ “ንብዙሓት ናብ ጽድቂ” መሪሖም እዮም። (ፊልጲ 2:15፣ ዮሃንስ 10:16፣ ራእይ 7:9) እቶም ቅቡኣት ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ምስኡ ዀይኖም ንዅሉ ጥቕምታት እቲ በጃ ንእዙዛት ደቅሰብ ኣብ ምውዓል ኪሳተፉ ኸለዉ: ‘ከም ከዋኽብቲ ኺበርሁ’ እዮም። እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ነቶም ቅቡኣት ብዅሉ መገዲ ብምሉእ ልቦም እናደገፉ ብተኣማንነት ናባታቶም ኪለግቡ ኣለዎም።

የሆዋ ‘ነቶም ዚፈርህዎ ይባርኾም’

ትንቢት ዳንኤል ብዛዕባ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ እንታይ ትምህረና፧ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ድሮ እተፈጸመን ገና ብሕጂ ዚፍጸምን ትንቢታት እሞ ሕስብ ኣብለሉ። የሆዋ ቓሉ ዚፍጽም ምዃኑ ብንጹር እዩ ዜርእየና።—ኢሳይያስ 55:11

እቲ ኣብ ትንቢት ዳንኤል ዘሎ ዛንታ ዝሓዘ ኽፋልከ ብዛዕባ ኣምላኽና እንታይ እዩ ዚሕብረና፧ እቶም ኣብ ቤተ-መንግስቲ ባቢሎን ምስ ዝነበረ ኣነባብራ ምሕዋስ ዝኣበዩ ኣርባዕተ መንእሰያት እብራውያን: ‘ፍልጠትን ምስትውዓልን ጥበብን’ ረኸቡ። (ዳንኤል 1:17) እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መልኣኹ ልኢኹ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ካብ ጕሁር እቶን ሓዊ ኣውጸኦም። ንዳንኤል ካብ ጕድጓድ ኣናብስ ኣናገፎ። የሆዋ ‘ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ: ንሱ ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ: ነቶም ዚፈርህዎ ድማ ይባርኾም እዩ።’—መዝሙር 115:9, 13

[እግረ-ጽሑፍ]

a ትንቢት ዳንኤል በብጥቕሲ ኽትምርምር እንተ ደሊኻ: ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ዳንኤል “ኣዚኻ ፍትዊ” እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧