ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም ብፍቕሪ ኣሰልጥንዎም

ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም ብፍቕሪ ኣሰልጥንዎም

ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም ብፍቕሪ ኣሰልጥንዎም

“ኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር።”—1 ቈረንቶስ 16:14

1. ሕጻን ካብ ዚውለድ ኣትሒዙ: ወለዲ እንታይ እዩ ዚስምዖም፧

 ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዜሐጕስ ኣጋጣሚታት ሕጻን ዚውለደሉ እዋን ምዃኑ መብዛሕትኦም ዚሰማምዑሉ ነገር እዩ። ኣሊያ ዝስማ ኣደ: “ነታ ናጽላ ጓለይ ንፈለማ ግዜ ምስ ረኣኽዋ: ባህ ዜብል ስምዒት እዩ ተሰሚዑኒ። ክሳዕ ሕጂ ኻብ ዝረኣኽዎም ሕጻናት ዝጸበቐት ሕጻን ኰይና ተራእየትኒ” በለት። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሐጕስ ኣጋጣሚ ንወለዲ ሻቕሎት ኪፈጥረሎም ይኽእል እዩ። ብዓል ቤታ ንኣሊያ: “ንጓለይ ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ፈተናታት ብግቡእ ከዳልዋ ዝኽእል እንተ ዀይነ የሻቕለኒ ነበረ” በለ። ብዙሓት ወለዲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሻቕሎት ኣለዎም: ንደቆም ብፍቕሪ ኼሰልጥንዎም ከም ዜድሊ እውን የስተውዕሉ እዮም። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ ስልጠና ኺህቡ ዚደልዩ ክርስትያን ወለዲ ብድሆታት የጓንፎም እዩ። ገለ ኻብዚ እንታይ እዩ፧

2. ወለዲ እንታይ ብድሆታት ኣለዎም፧

2 ሕጂ ኣብ ምጽንቃቕ እተን ዳሕሮት መዓልትታት ኢና እንነብር ዘለና። ከምቲ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ዝነበረ: መብዛሕትኡ ኽፋል ሕብረተሰብ ፍቕሪ የብሉን። ሰባት: “ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም:” “ዘየማስዉ: ርኹሳት: . . . ቀለልቲ: ጨካናት” ኰይኖም ኣለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ከምዚ ዓይነት ጠባይ ምስ ዘለዎም ሰባት መዓልታዊ ምርኻብ: ነቲ ኣባላት ክርስትያናዊ ስድራቤታት ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ርክብ ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ ኸኣ: ወለዲ ምስቲ ርእሶም ከም ዘይገትኡ: ዘይሓሰብዎ ነገር ከም ዚዛረቡ: ከምኡውን ከም ዘየመዛዝኑ ዚገብሮም ዝወረስዎ ዝንባለ ይቃለሱ እዮም።—ሮሜ 3:23፣ ያእቆብ 3:2, 8, 9

3. ወለዲ ሕጉሳት ውሉዳት ኬዕብዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

3 ወለዲ እዚ ብድሆታት እዚ እኳ እንተ ኣለዎም: ሕጉሳትን ብመንፈስ ጥዑያትን ውሉዳት ኬዕብዩ ይኽእሉ እዮም። ብኸመይ፧ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ: “ኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር” ዚብል ምዕዶ ብምስዓብ እዮም ነዚ ዚገብርዎ። (1 ቈረንቶስ 16:14) እወ: ፍቕሪ “ማእሰር ፍጻሜ እያ።” (ቈሎሴ 3:14) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ መልእኽቱ ብዛዕባ ፍቕሪ ገሊጽዎ ዘሎ ሰለስተ መዳያት ንመርምር: ወለዲ ንደቆም ኬሰልጥኑ ኸለዉ ነዛ ባህርይ እዚኣ ኺዓዩላ ዚኽእሉሉ መገድታት ከኣ ንርአ።—1 ቈረንቶስ 13:4-8

ዓቃል ምዃን ዘለዎ ኣገዳስነት

4. ወለዲ ዓቃላት ኪዀኑ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧

4 ጳውሎስ: “ፍቕሪ ዓቃል እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 13:4) እታ “ዓቕሊ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ንትዕግስትን ንዅራ ደንጓዪ ምዃንን ተመልክት። ወለዲ ዓቃላት ኪዀኑ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧ መብዛሕትኦም ወለዲ ኸምዚ ኪዀኑ ዜድልየሉ ሓያሎ ምኽንያታት ኪዝርዝሩ ይኽእሉ እዮም። ገለ ኻብኡ እስከ ንርአ። ቈልዑ ሓደ ነገር እንተ ደልዮም: ዓሰርተ ሳዕ እዮም ዚሓቱ። ወላዲ ንውሉዱ ነቲ ነገር ከም ዘይፈቕደሉ ኣትሪሩ ዋላ እንተ ነገሮ: እቲ ውሉድ ግን ሓሳቡ ኬቐይሮ ኢሉ ደጋጊሙ ይሓትት። ኰተቴታት ከኣ ነቲ ወለዶም ስራሕ ዕሽነት ከም ዝዀነ ዚፈልጥዎ ነገር ኪገብሩ ምእንቲ ኺፍቀደሎም ንነዊሕ እዋን እዮም ዚማጐቱ። (ምሳሌ 22:15) ብዘይካዚ: ውሉዳት ከም ኵላትና ጌጋታቶም ደጋጊሞም ይገብሩ እዮም።—መዝሙር 130:3

5. ወለዲ ዓቃላት ንኪዀኑ ኺሕግዞም ዚኽእል እንታይ እዩ፧

5 ወለዲ ንደቆም ዓቃላትን ዕጉሳትን ኪዀኑ ዚሕግዞም እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ንጉስ ሰሎሞን: “ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 19:11) ወለዲ ኣብ ሓደ እዋን ንሳቶም እውን ‘ከም ቈልዓ ኸም እተዛረቡ: ልቢ ቘልዓ ኸም ዝነበሮም: ከምኡውን ከም ቈልዓ ኸም ዝሓሰቡ’ ብምዝካር ብዛዕባ ጠባይ ቈልዑ ምስትውዓል ኪህልዎም ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 13:11) ኣቱም ወለዲ: ንዘይረብሕ ነገር ኢልኩም ንኣዴኹም ወይ ንኣቦኹም ዘሸገርኩምሉ ግዜዶ ትዝ ይብለኩም፧ መንእሰያት ኣብ ዝነበርኩምሉ እዋን: ወለድኹም ንስምዒታትኩም ወይ ጸገማትኩም ዘይርድኡ ዀይኑ እተሰምዓኩም እዋን ኣሎዶ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ውሉዳትኩም ከምኡ ዚገብሩሉ ምኽንያት: ከምኡውን ብዛዕባ ውሳነታትኩም ብትዕግስቲ ቐጻሊ መዘኻኸሪ ኺወሃቦም ዜድልየሉ ምኽንያት ኪርድኣኩም ይኽእል እዩ። (ቈሎሴ 4:6) የሆዋ ንእስራኤላውያን ወለዲ: ሕግታቱ ንደቆም ‘ኪምህርዎም’ ምንጋሩ ኸነስተብህለሉ ይግባእ። (ዘዳግም 6:6, 7) እታ “ምሀሮም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል: “ምድጋም:” “ደጋጊምካ ምዝራብ:” “ምቕራጽ” ማለት እያ። እዚ ድማ ሓደ ውሉድ ሕግታት ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ምውዓል ቅድሚ ምጅማሩ: ወለዲ ብዙሕ ሳዕ ደጋጊሞም ኪነግርዎ ኸም ዘለዎም የመልክት። ኣብ ህይወት ዜድሊ ኻልእ ትምህርትታት ንምሃብ እውን ብተመሳሳሊ ምድግጋም የድሊ እዩ።

6. ሓደ ወላዲ ዓቃል ኪበሃል ከሎ: ዕሽሽ በሃሊ ማለት ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

6 ይኹን እምበር: ሓደ ወላዲ ዓቃል ኪበሃል ከሎ: ዕሽሽ በሃሊ ይኸውን ማለት ኣይኰነን። ቃል ኣምላኽ: “ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍራ” ዚብል መጠንቀቕታ ይህብ። እዛ ምስላ እዚኣ ኻብ ከምዚ ዓይነት ውጽኢት ንምምላጥ ዚሕግዝ እንታይ ምዃኑ ኽትገልጽ ከላ: “ሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ” ትብል። (ምሳሌ 29:15) ሓድሓደ ግዜ ውሉዳት ነቲ ወለዲ ንኺገንሕዎም ዘለዎም መሰል ኣብ ሕቶ የእትውዎ እዮም። ክርስትያን ስድራቤታት ግን ብዲሞክራሲ ኺምርሓ ኣይግባእን: ወለዲ ንዜውጽእዎ ሕግታት ከም ዚኽበር ንኺገብሩ ዘለዎም መሰል ከኣ ኣብ ስምረት እቲ ውሉድ ዚምርኰስ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: እቲ ልዕሊ ዅሉ ርእሲ ስድራቤት ዝዀነ የሆዋ: ወለዲ ንደቆም ብፍቕሪ ኼሰልጥኑን ኪግስጹን ስልጣን ሂብዎም እዩ። (1 ቈረንቶስ 11:3፣ ኤፌሶን 3:15፣ 6:1-4) ከም ሓቂ እኳ: ተግሳጽ ምስታ ጳውሎስ ቀጺሉ ዝጠቐሳ መዳይ ፍቕሪ ኣጸቢቓ እትዛመድ እያ።

ከመይ ጌርኩም ብፍቕሪ ተግሳጽ ከም እትህቡ

7. ለዋሃት ወለዲ ንደቆም ዚግስጹ ስለምንታይ እዮም፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግሳጽከ እንታይ የጠቓልል፧

7 ጳውሎስ “ፍቕሪ ለዋህ እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 13:4) ብሓቂ ለዋሃት ዝዀኑ ወለዲ ንደቆም ብግቡእ ይግስጽዎም እዮም። ከምኡ ብምግባሮም ከኣ ንየሆዋ ይመስልዎ። ጳውሎስ: “እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ [“ይግስጾ:” NW]” ኢሉ ጸሓፈ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ዓይነት ተግሳጽ: መቕጻዕቲ ጥራይ ማለት ከም ዘይኰነ ኣስተብህል። ስልጠናን ትምህርትን ዚብል ሓሳብ እውን ሒዙ ኣሎ። ዕላማ ተግሳጽ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስ: “ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ” በለ። (እብራውያን 12:6, 11) ወለዲ ንደቆም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብለውሃት ኪምህርዎም ከለዉ: ምስ ዓበዩ ሰላማውያንን ቅኑዓትን ንኪዀኑ እዮም ዕድል ዚህብዎም ዘለዉ። ውሉዳት “ተግሳጽ እግዚኣብሄር” ምስ ዚቕበሉ: ካብ ብሩር ወይ ወርቂ ኣጸቢቑ ዚኸብር ጥበብን ፍልጠትን ምስትውዓልን ይረኽቡ።—ምሳሌ 3:11-18

8. ወለዲ ንደቆም ዘይግስጹ እንተ ዀይኖም: መብዛሕትኡ ግዜ እንታይ ውጽኢት እዩ ዚርከብ፧

8 በቲ ኻልእ ሸነኽ: ወለዲ ንደቆም ዘይግስጹ እንተ ዀይኖም: ከም ሓቂ ለውሃት ኣይኰነን ዜርእይዎም ዘለዉ። የሆዋ ንሰሎሞን: “ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ: ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ” ኢሉ ንኺጽሕፍ ብመንፈሱ ደረኾ። (ምሳሌ 13:24) ግቡእ ተግሳጽ ከይተዋህቦም ዚዓብዩ ቘልዑ: መብዛሕትኡ ግዜ ንርእሰይ ይጥዓመኒ በሃልትን ዘይሕጉሳትን እዮም ዚዀኑ። ብኣንጻሩ እቶም ብደንገጽቲ ግን ከኣ ጽኑዕ ሕግታት ብዘለዎም ወለዲ ዝዓበዩ ውሉዳት: ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝያዳ ንፉዓት ይዀኑ: ምስ ሰባት ብቐሊሉ ይረዳድኡ: ከምኡውን ብሓፈሻ ሕጉሳት ይዀኑ። እምበኣር: ንደቆም ዚግስጹ ወለዲ ለውሃት እዮም ዜርእይዎም ዘለዉ።

9. ክርስትያን ወለዲ ንደቆም እንታይ እዮም ዚምህርዎም፧ እቲ ኺማላእ ዘለዎ ነገራትከ ብኸመይ ኪርአ ኣለዎ፧

9 ንውሉዳት ብለውሃትን ብፍቕርን ምግሳጽ እንታይ የጠቓልል፧ ወለዲ ንደቆም እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚደልይዎም ብንጹር ኪገልጹሎም ኣለዎም። ንኣብነት: ደቂ ክርስትያን ወለዲ ኻብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይመሃሩ: ኣብ እተፈላለየ መዳያት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምክፋል ኣድላዪ ምዃኑ ድማ ይግለጸሎም እዩ። (ዘጸኣት 20:12-17፣ ማቴዎስ 22:37-40፣ 28:19፣ እብራውያን 10:24, 25) ውሉዳት እዚ ኼማልእዎ ዘለዎም ነገራት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዚቐርብ ዘይምዃኑ ኺፈልጡ ኣለዎም።

10, 11. ወለዲ ናይ ቤቶም ሕግታት ኬውጽኡ ኸለዉ ንደቆም ዜተሓሳስቦም ነገራት ኣብ ግምት ዜእትዉ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

10 ሓድሓደ ግዜ ግን ወለዲ ናይ ቤቶም ሕግታት ኬውጽኡ ኸለዉ ምስ ደቆም ይመያየጡ ይዀኑ። ውሉዳት እቲ ዚወጽእ ሕግታት ኪሳተፉ እንተ ኽኢሎም: ነቲ ሕግታት ንኺሕልውዎ ዝያዳ ዝንባለ ይህልዎም። ንኣብነት: ወለዲ ነቲ ውሉዳቶም ናብ ቤቶም ኪምለሱሉ ዘለዎም ሰዓት ኪመርጹ ይኽእሉ እዮም። ወይ ከም ኣማራጺ ንውሉዳቶም ብዛዕባ ናብ ቤቶም ዚኣትዉላ ሰዓት ሓሳብ ኪህቡን ነታ ሰዓት ዝመረጹላ ምኽንያታት ኪገልጹን ኪሓትዎም ይኽእሉ እዮም። ድሕሪኡ እቶም ወለዲ ነታ ንሳቶም ዝደልይዋ ሰዓት ጠቒሶም: እዚ ግቡእ ዝዀነሉ ምኽንያት ኪገልጹ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኣረኣእያ ፍልልይ እንተ ኣጋጢሙ—መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ እዚ ዘይተርፍ እዩ—እንታይ እዩ ዚግበሮ፧ ሓድሓደ ግዜ ወለዲ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥሕስ ክሳዕ ዘይኰነ: ነቲ ውሉዳቶም ዚደልይዎ ኺፈቕዱሎም ይኽእሉ እዮም። እዚ ግን ወለዲ ንስልጣኖም ይሓድግዎ ወይ ይጥንጥንዎ ኣለዉ ማለት ድዩ፧

11 ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ: የሆዋ ምስ ሎጥን ስድራቤቱን ኣብ ዝነበሮ ርክብ ንስልጣኑ ኸመይ ገይሩ ብፍቕሪ ኸም እተጠቕመሉ ንርአ። መላእኽቲ ንሎጥን ሰበይቱን ኣዋልዱን ካብ ሶዶም ምስ ኣውጽእዎም: “ምእንቲ ኸይትጠፍእ: ናብ ከረን ኣቢልካ ድሓን” በልዎ። ሎጥ ግን: “ኣይፋልካን ጐይታይ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ: “በጃኻ እንሃ: እዛ ኸተማ እዚኣ ናብኣ ንምህዳም ቀረባ እያ: ንእሽቶ ኸኣ እያ። . . . በጃኻ: ናብኣ ኽድሕን ሕደገኒ:” ኢሉ ሓሳብ ሃበ። የሆዋ እንታይ ምላሽ ሃቦ፧ “እንሆ: በዚ ነገርዚውን ሕራይ ኢለካ እየ” በሎ። (ዘፍጥረት 19:17-22) የሆዋ ንስልጣኑ ሓዲግዎ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን! የግዳስ ነቲ ሎጥ ዘቕረቦ ለመና ኣብ ግምት ብምእታው: ኣብዚ መዳይ እዚ ተወሳኺ ለውሃት ኬርእዮ ወሰነ። እሞኸ ወላዲ እንተ ዄንካ: ናይ ስድራቤት ሕግታት ከተውጽእ ከለኻ ንደቅኻ ዜተሓሳስቦም ነገራት ኣብ ግምት ከተእትወሉ እትኽእል ኣጋጣሚታት ኣሎዶ፧

12. ንውሉዳት ስግኣት ከይሓድሮም ዚሕግዝ እንታይ እዩ፧

12 ልክዕ እዩ: ውሉዳት ነቲ ሕግታት ኪፈልጡ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ሕግታት እንተ ኣፍሪሶም ዚወርዶም መቕጻዕቲ እውን ኪፈልጡ ኣለዎም። እቲ መቕጻዕቲ ሓንሳእ ምስ ተመያየጡሉን ምስ ተረድእዎን: ኪፍጸም ኣለዎ። ወለዲ ንደቆም ከም ዚቐጽዕዎም ኣጠንቂቖምዎም ኬብቅዑ: ወትሩ ዘይፍጽምዎ እንተ ዀይኖም ለውሃት ኣይኰኑን ዚገብሩሎም ዘለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ: “እኩይ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፍረድን እዩ እሞ: ስለዚ ልቢ ደቂ ሰብ እኩይ ንምግባር ብሃቐና መልኤ” ይብል። (መክብብ 8:11) ሓቂ እዩ: ሓደ ወላዲ ንውላዱ ምእንቲ ኸየዋርዶ ኢሉ: ኣብ ቅድሚ ሰባት ወይ ኣብ ቅድሚ መሳቱ እቲ ቘልዓ ኻብ ምቕጻዕ ኪቝጠብ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: ውሉዳት ኣብ መቕጻዕቲ እውን እንተ ዀነ: ነቲ ወለዶም “እወ” ዝበልዎ እወ: “ኣይኰነን” ዝበልዎ ኸኣ ኣይኰነን ከም ዝዀነ ምስ ዚፈልጡ: ስግኣት ኣይሓድሮምን: ንወለዶም ድማ ዝያዳ ኣኽብሮትን ፍቕርን የማዕብሉ።—ማቴዎስ 5:37

13, 14. ወለዲ ንደቆም ኬሰልጥኑ ኸለዉ ንየሆዋ ብኸመይ ኪመስልዎ ይኽእሉ፧

13 መቕጻዕቲ ብለውሃት ኪወሃብ እንተ ዀይኑ: ከከም ነቲ ውሉድ ዜድልዮ ጌርካ ኺወሃብ ኣለዎ። ፓም: “ክልቲአን ደቅና እተፈላለየ ተግሳጽ እዩ ዜድልየን። እቲ ኣብታ ሓንቲ ዚዓዪ ዝነበረ: ኣብታ ኻልአይቲ ኣይዓዪን እዩ ነይሩ” በለት። ላሪ ዚበሃል ብዓል ቤታ ኸኣ: “እታ ዓባይ ጓልና ተራር ስለ ዝነበረት: ከቢድ ተግሳጽ ጥራይ እዩ ዜስምዓ ነይሩ። እታ ንእሽቶ ጓልና ግን ብተሪር ቃላትን ብዓይንናን ጥራይ ትሰምዓና ነበረት” በለ። እወ: ለዋሃት ወለዲ ንነፍሲ ወከፍ ውሉዶም ኣየናይ ተግሳጽ ከም ዚዓዪ ኼስተውዕሉ ይጽዕሩ እዮም።

14 የሆዋ ንብርታዐን ድኽመትን ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊኡ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ: ንወለዲ ኣብነት ይዀኖም እዩ። (እብራውያን 4:13) ኪቐጽዕ ከሎ እውን: እምብዛ ተሪር ወይ ኣመና ልምሉም ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ወትሩ ንህዝቡ “ብልክዕ” እዩ ዚግስጾም። (ኤርምያስ 30:11) ኣቱም ወለዲ: ንብርታዐን ድኽመትን ውሉዳትኩም ትፈልጡ ዲኹም፧ ነቲ ፍልጠት እቲ ብኣወንታውን ብለውሃትን ንምስልጣኖም ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ ዲኹም፧ እንተ ኽኢልኩም: ንደቅኹም ከም እተፍቅርዎም ተርእዩ ኢኹም ዘለኹም።

ሓሳባቶም ብግህዶ ኺገልጹ ኣተባብዕዎም

15, 16. ወለዲ ንደቆም ሓሳባቶም ብግህዶ ንኺገልጹ ብኸመይ ኬተባብዕዎም ይኽእሉ፧ ኣብዚ መዳይ እዚኸ ክርስትያን ወለዲ እንታይ ኣቀራርባ እዩ ዝሓሸ ዀይኑ ዝረኸብዎ፧

15 ካልእ ፍቕሪ እትረኣየሉ መዳይ: “ብሓቂ ትሕጐስ እምበር: ብዓመጽ ባህ ኣይብላን” ተባሂሉ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 13:6) ወለዲ ንደቆም ቅኑዕን ሓቅን ዘበለ ንኼፍቅሩ ብኸመይ ኬሰልጥንዎም ይኽእሉ፧ ሓደ ኣገዳሲ ስጕምቲ: እቲ ውሉዳት ዚዛረብዎ ዘረባ ወለዲ ኪቕበልዎ ዘይደልዩ እኳ እንተ ዀነ: ስምዒታቶም ብግህዶ ኺገልጹ ምትብባዖም እዩ። እቲ ውሉዳት ዚዛረብዎ ሓሳባትን ስምዒታትን ምስ ጽድቃዊ መለክዒታት ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ: ንወለዲ ኸም ዜሐጕሶም ርዱእ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ግን ሓደ ውሉድ ካብ ልቡ ዚዛረቦ ዘረባ: ናብ ክፉእ ነገር ከም ዝዘንበለ ዚገልጽ እዩ። (ዘፍጥረት 8:21) ወለዲ ብኸመይ እዮም ምላሽ ኪህቡ ዘለዎም፧ ደቆም ከምዚ ዓይነት ሓሳባት ስለ ዝገለጹ: ብኡንብኡ ኪቐጽዕዎም ይሓስቡ ይዀኑ። ወለዲ ኸምዚ ዓይነት ስጕምቲ እንተ ወሲዶም ግን: ደቆም ነዊሕ ከይጸንሑ ወለዶም ኪሰምዕዎ ዚደልዩ ነገራት ጥራይ ኪዛረቡ ይጅምሩ ይዀኑ። ልክዕ እዩ: ኣኽብሮት ዝጐደሎ ዘረባ ብቕልጡፍ መአረምታ ኺወሃቦ ኣለዎ: ኰይኑ ግን ንውሉዳት ብኸመይ ብስነ-ስርዓት ሓሳቦም ኪገልጹ ኸም ዘለዎም ምምሃርን እንታይ ኪብሉ ኸም ዘለዎም ምውሳንን ፍልልይ ኣለዎ።

16 ወለዲ ንውሉዳቶም ሓሳባቶም ብግህዶ ኺገልጹ ብኸመይ ኬተባብዕዎም ይኽእሉ፧ እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኣሊያ: “ደቅና ዚርብሸና ነገር ኪነግሩና ኸለዉ: ብቝጥዓ ምላሽ ከይንህብ ጻዕሪ ብምግባር ክፉት ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ሃዋህው ከም ዚፍጠር ገበርና” በለት። ቶም ዚስሙ ኣቦ ድማ: “ንጓልና ኣብቲ ምስ ኣተሓሳስባና ዘይትሰማማዓሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ: ሓሳባታ ኽትገልጸልና ነተባብዓ ነበርና። ወትሩ እንተ ዀሊፍናያን ብኡንብኡ ንሕና እንደልዮ እንተ ጽዒንናላን: ከም እትበሳጮን ኣብ ልባ ዘሎ ምንጋር ከም እትሓድጎን ይስምዓና ነበረ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ሓሳባታ ንሰምዓ ምዃንና: ንሳ እውን ንዓና ንኽትሰምዓና ዘተባብዓ ይመስለና” በለ። ርግጽ እዩ: ውሉዳት ንወለዶም ኪእዘዙ ኣለዎም። (ምሳሌ 6:20) ክፉት ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ሃዋህው ግን ወለዲ ንውሉዳቶም ናይ ምምዝዛን ክእለት ንኼማዕብሉ ኺሕግዝዎም ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ። ኣቦ ኣርባዕተ ዝዀነ ቪንሰንት: “ብዙሕ ግዜ ደቅና እቲ ዝበለጸ ውጽኢት ምእንቲ ኺርድአን: ረብሓን ጕድኣትን ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንመያየጠሉ ነበርና። እዚ ኸኣ ናይ ምምዝዛን ክእለተን ንኼማዕብላ ሓገዘን” በለ።—ምሳሌ 1:1-4

17. ወለዲ ብዛዕባ እንታይ እዮም ርግጸኛታት ኪዀኑ ዚኽእሉ፧

17 ልክዕ እዩ: ንኣተዓባብያ ቘልዓ ዚምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ብፍጹም መገዲ ኣብ ግብሪ ኼውዕሎ ዚኽእል ዋላ ሓደ ወላዲ የልቦን። ይኹን እምበር: ደቅኹም ነቲ ብዓቕልን ብለውሃትን ብፍቕርን ንኸተሰልጥንዎም ዝገበርኩምዎ ጻዕሪ ኣጸቢቖም ከም ዜማስውሉ ርግጸኛታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። የሆዋ ኣብዚ መዳይ እዚ እትገብርዎ ጻዕርታት ብርግጽ ኪባርኾ እዩ። (ምሳሌ 3:33) ኵሎም ክርስትያን ወለዲ: ውሉዳቶም ከማታቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩ ኪዀኑሎም እዮም ዚደልዩ። ወለዲ ነዚ ብሉጽ ሸቶ እዚ ብኸመይ ኪወቕዕዎ ይኽእሉ፧ እዛ ስዒባ ዘላ ዓንቀጽ ገለ ዝርዝር ሜላታት ክትገልጽ እያ።

ትዝክሮዶ፧

• ምስትውዓል ንሓደ ወላዲ ዓቃል ኪኸውን ኪሕግዞ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

• ለውሃትን ተግሳጽን ዚዛመዳ ብኸመይ እየን፧

• ኣብ መንጎ ወለድን ውሉዳትን ክፉት ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ኪህሉ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣቱም ወለዲ: ቈልዑ ኸለኹም ከመይ ከም ዝነበርኩም ትዝክርዎዶ፧

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ንደቅኹም ሓሳባቶም ብግህዶ ኺገልጹ ተተባብዕዎም ዲኹም፧