ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስም ኣምላኽ ኣብ ሙዚቃ ሩስያ

ስም ኣምላኽ ኣብ ሙዚቃ ሩስያ

ስም ኣምላኽ ኣብ ሙዚቃ ሩስያ

ብ1877 እቲ ሞደስት ሙሶርግስኪ ዝስሙ ውሩይ ሩስያዊ ደራሲ ሙዚቃ: ኣብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ዘለዋ ዓድታት ተመርኲሱ: ንመዘምራን ዚኸውን ሙዚቃ ኣዳለወ። ንሓደ ፈታዊኡ ድማ: “ሓንቲ ጂሰስ ናቪነስ [እያሱ] እትብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት ሙዚቃ ጽሒፈ ነበርኩ። ነቲ [እያሱ] ናብ ከነኣን ኪኸይድ ከሎ ዝገበሮ ዓወት ዝመልኦ ጕዕዞ እውን ብምጥቃስ: ምሉእ ብምሉእ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እየ ኣዳልየያ” ኢሉ ጸሓፈሉ። ሙሶርግስኪ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍጻመታትን ገጸ-ባህርያትን ተጠቒሙ: እተፈላለየ ሙዚቃ: እንተላይ ነታ “ጥፍኣት ሰናክሬብ” እትብል ደረሰ።

እቲ ዜገርም: ሙሶርግስኪ ኣብታ “ጂሰስ ናቪነስ” ከምኡውን ኣብታ ብ1874 ዘውጸኣ “ጥፍኣት ሰናክሬብ” እትብል ሙዚቃ: ነቲ ሩስያኛ ኣደማምጻ እቲ መለኮታዊ ስም ተጠቒሙ ንኣምላኽ ጠቒስዎ ኣሎ፣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እዚ ስም እዚ: በተን יהוה (የሀወሀ) ዚብላ ኣርባዕተ ፊደላት ዳርጋ 7,000 ሳዕ ተጠቒሱ ኣሎ።

ስለዚ: እዚ ሙሶርግስኪ ዘዳለዎ ሙዚቃ: መበል 20 ዘመን ቅድሚ ምጅማሩ ነዊሕ ይገብር: ሕብረተሰብ ሩስያ ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ይፈልጦ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እዩ። የሆዋ ንሙሴ “እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ: ንውሉድ ወለዶ ኸኣ እዚ መዘከርታይ እዩ” ኢልዎ ስለ ዝነበረ: እዚ ግቡእ እዩ።—ዘጸኣት 3:15

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ክፋል እቲ ሙዚቃ ሙሶርግስኪ እተቐመጠሉ ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ሰይንት ፒትርስበርግ ብ1913

[ምንጪ ስእሊ]

Sheet music: The Scientific Music Library of the Saint-Petersburg State Conservatory named after N.A. Rimsky-Korsakov; street scene: National Library of Russia, St. Petersburg