ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሱስ: እቲ እሙን ባርያ “ኣስተውዓሊ” ኸም ዚኸውን ምግላጹ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

የሱስ: “እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብጊዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧” ዚብል ሕቶ ኣበገሰ። (ማቴዎስ 24:45) እቲ መንፈሳዊ “ምግቢ” ዚህብ “ባርያ:” ጉባኤ እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት እዩ። የሱስ ነዞም ጕጅለ እዚኣቶም ኣስተውዓሊ ኢሉ ዝጸውዖም ስለምንታይ እዩ፧ a

የሱስ “ኣስተውዓሊ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኸም ዝዀነ: ካብ ትምህርትታቱ ብዝያዳ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ምስ ተዛረበ: ብዛዕባ እተን መርዓዊ ኺመጽእ ዚጽበያ ዝነበራ ዓሰርተ ደናግል እውን ምሳልያዊ ዛንታ ተዛሪቡ እዩ። እተን ደናግል: ነቶም ቅድሚ 1914 ዝነበሩ ምምጻእ እቲ ዓብዪ መርዓዊ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብሃንቀውታ ዚጽበዩ ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት የዘኻኽራና። እቲ መርዓዊ ኺመጽእ ከሎ: ካብተን ዓሰርተ ደናግል: እተን ሓሙሽተ ዘይቲ ኣይነበረንን: እቲ መርዓ ድማ ኣምለጠን። እተን ዝተረፋ ሓሙሽተ ግን ለባማት ወይ ኣስተውዓልቲ ነበራ። እኹል ዘይቲ ሒዘን ስለ ዝነበራ: እቲ መርዓዊ ኣብ ዚመጸሉ እዋን ብርሃን ኬብርሃ ጸንሓ: ናብቲ መርዓ ኺኣትዋ ኸኣ ተፈቕደለን።—ማቴዎስ 25:10-12

ብ1914 የሱስ ስልጣን መንግስቱ ምስ ጨበጠ: ብዙሓት ካብቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብኡንቡኡ ምስኡ ሓቢሮም ናብ ሰማይ ኪኸዱ ይጽበዩ ነበሩ። ይኹን እምበር: ኣብ ምድሪ ገና ብዙሕ ዚዓይዎ ዕዮ ነበሮም: ገሊኦም ከኣ ነዚ ኣይተዳለዉን ነይሮም። ልክዕ ከምተን ምስትውዓል ዘይነበረን ደናግል: ኣቐዲሞም ብመንፈስ ርእሶም ኣየበርትዑን: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ብርሃን ጸይሮም ንኪቕጽሉ ኣይተዳለዉን ነበሩ። መብዛሕትኦም ግን ኣስተውዓልቲ: ማለት ጥበበኛታትን ኣርሒቖም ዚርእዩን ብምንባሮም: ብመንፈስ ደልደሉ። ዝያዳ ዕዮ ይጽበዮም ከም ዘሎ ምስ ፈለጡ: ተሓጒሶም ኪፍጽምዎ ተላዕሉ። ስለዚ: እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ምዃኖም ኣመስከሩ።

የሱስ ኣብ ማቴዎስ 7:24 ነታ “ኣስተውዓሊ” ተባሂላ ኽትትርጐም እትኽእል ቃል ብኸመይ ከም እተጠቕመላ እውን ኣስተብህል። “ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ: ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ [ወይ ኣስተውዓሊ: ብግሪኽኛ ፍሮኒሞ] ሰብኣይ ይመስል” በለ። እቲ ብልሂ ወይ ኣስተውዓሊ ሰብኣይ: ብርቱዕ ንፋስ ወይ ዝናም ከም ዚመጽእ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ድልዱል መሰረት ሰርሐ። ብኣንጻሩ ግን: እቲ ዓሻ ሰብኣይ ኣብ ሑጻ ስለ ዝሰርሐ: ቤቱ ዓነወት። በዚ ኸምዚ ሓደ ኣስተውዓሊ ሰዓቢ የሱስ: ጥበብ ሰብ ምስዓብ ሕማቕ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኣቐዲሙ ይረኣዮ እዩ። ምስትውዓልን ጽቡቕ ምምዝዛንን ስለ ዘለዎ ኸኣ: እምነቱን ተግባራቱን ትምህርትታቱን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትምህርቲ የሱስ ይስርቶ። እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ተመሳሳሊ እዩ ዚገብር።

ኣብ ሓያሎ ትርጕማት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ነታ “ኣስተውዓሊ” ተባሂላ እተተርጐመት ቃል ብኸመይ ከም እተዓየላ እውን ኣስተብህል። ንኣብነት: ፈርኦን ንዮሴፍ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እኽሊ ግብጺ ሸሞ። እዚ ድማ የሆዋ ንህዝቡ ምግቢ ንኺህቦም ኢሉ ዝገበሮ መሰናድዎ እዩ ነይሩ። ዮሴፍ እተመርጸ ስለምንታይ እዩ፧ ፈርኦን ንዮሴፍ: “ከማኻ ዝበለ ኣስተውዓልን ፈላጥን የልቦን” በሎ። (ዘፍጥረት 41:33-39፣ 45:5) ብተመሳሳሊ: ኣቢጋይል “ኣዝያ ኣስተውዓሊት” ከም ዝነበረት መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። ንሳ ነቲ ቕቡእ የሆዋ ዝነበረ ዳዊትን ንሰቡን ምግቢ ሃበቶም። (1 ሳሙኤል 25:3, 11, 18) ዮሴፍን ኣቢጋይልን ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዘስተውዓሉ: ኣርሒቖም ዚርእዩን መመዛዘንትን ከኣ ስለ ዝነበሩ: ኣስተውዓልቲ ኺበሃሉ ይኽእሉ እዮም።

ስለዚ: የሱስ ነቲ እሙን ባርያ ኣስተውዓሊ ኢሉ ኺገልጾ ኸሎ: እቶም በቲ ባርያ ተመሲሎም ዘለዉ: ንእምነቶምን ተግባራቶምን ትምህርትታቶምን ኣብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ስለ ዚስርትዎ: ብምስትውዓል ዚመላለሱን ኣርሒቖም ዚርእዩን መመዛዘንትን ከም ዚዀኑ እዩ ዚሕብር ነይሩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a “ኣስተውዓሊ” እትብል ቃል ካብታ ፍሮኒሞስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እተተርጐመት እያ። እቲ ብማርቪን ኣር. ቪንሰንት እተሰናደወ ዎርድ ስታዲስ ኢን ዘ ኒው ተስታመንት ዘርእስቱ ጽሑፍ: እዛ ቓል እዚኣ መብዛሕትኡ ግዜ ንግብራዊ ጥበብን ብልሓትን ከም እተመልክት ይገልጽ።