ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምሕረት ግበር—ብኸመይ፧

ምሕረት ግበር—ብኸመይ፧

ምሕረት ግበር—ብኸመይ፧

“ጊዜ ኸሎና: ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር።”—ገላትያ 6:10

1, 2. ምሳሌ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ: ብዛዕባ ምሕረት እንታይ ይምህረና፧

 ሓደ ፈላጥ ሕጊ ንየሱስ “ብጻየይከ መን እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ኪምልሰሉ ኸሎ: ነዚ ዚስዕብ ምሳሌ ኣዘንተወሉ:- “ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ: ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን: ዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። ኰነ ኸኣ: ሓደ ኻህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ: ርእይዎ ሐለፈ። ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ በጽሔ: እናረአዮ ሐለፈ። ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ: ምስ ረአዮ ኸኣ ደንገጸሉ። ናብኡ ቐሪቡ ኣቝሳሉ ሰፈፈሉ: ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ: ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ አለዮ። ንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ: ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሀቦ እሞ፤ ተኸናኸኖ: ንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኽፈድየካ እየ: በሎ።” ድሕሪኡ የሱስ ነቲ ሰብኣይ: “ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ: ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ሰብኣይ ድማ: “እቲ ምሕረት ዝገበረሉ” ኢሉ መለሰ።—ሉቃስ 10:25, 29-37ሀ

2 እቲ ሳምራዊ ነቲ ዝቘሰለ ሰብኣይ እተኸናኸነሉ መገዲ: ንናይ ሓቂ ምሕረት ብግቡእ እዩ ዚገልጸልና። ብድንጋጽ ወይ ብቝባቘ ተደሪኹ: ነቲ ግዳይ እፎይታ ዜምጽኣሉ ስጕምቲ ወሰደ። ብተወሳኺ: ነቲ እተሸገረ ሰብኣይ ኣይፈልጦን እዩ ነይሩ። ምሕረት ብሃገራዊ: ብሃይማኖታዊ: ወይ ብባህላዊ ዕንቅፋታት ኣይትሕጸርን እያ። የሱስ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ድሕሪ ምምሳሉ: ንሰማዒኡ: “ኪድከ: ንስኻውን ከምኡ ግበር” ኢሉ መዓዶ። (ሉቃስ 10:37ለ) ነቲ ማዕዳ እቲ ኣብ ልብና ኸነሕድሮን ንኻልኦት ምሕረት ከነርኢ ኽንጽዕርን ንኽእል ኢና። ከመይ ጌርና ግን ኢና ነዚ እንገብሮ፧ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና በየናይ መገድታት ኢና ምሕረት ክንገብር እንኽእል፧

“ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ”

3, 4. ምናዳ ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምሕረት ምግባር ከነተኵረሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

3 ሃዋርያ ጳውሎስ: “ጊዜ ኸሎና: ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” በለ። (ገላትያ 6:10) እምበኣር: ፈለማ ነቶም ኣመንቲ ስድራቤት ከመይ ጌርና ምሕረት ብምግባር ዕዙዛት ክንከውን ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

4 ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ኪመሓሓሩ ኺምሕጸኖም ከሎ: “ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 2:13) ኣብ ከባቢ እዘን መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን ቃላት እዚኣተን ዘሎ ሓሳባት: ገለ ኻብቲ ምሕረት ክንገብረሉ እንኽእል መገድታት ይሕብረና። ንኣብነት: ኣብ ያእቆብ 1:27: “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ: ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ: ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ” ዚብል ነንብብ። ያእቆብ 2:15, 16 ከኣ: “ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ: ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰአኑ: እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ: ሓደ ኻባኻትኩም: ብሰላም ኪዱ: ሙቑ: ጽገቡ: እንተ በሎም: እንታይ ይጠቅም፧” ትብል።

5, 6. ኣብ ውሽጢ ጉባኤና ንዚርከቡ ሰባት ምሕረት ብምግባር ዕዙዛት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

5 ንኻልኦት ምሕላይን ንእተሸገሩ ምሕጋዝን ሓደ ኽፋል ናይ ሓቂ ሃይማኖት እዩ። ንሰባት ዘሎና ሓልዮት በቲ ብኣፍና እንገልጾ ሰናይ ትምኒትና ጥራይ ኪሕጸር ኣምልኾና ኣይፈቅድን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ብድንጋጽ ተደሪኽና ነቶም ብሓቂ እተሸገሩ ንረድኦም ኢና። (1 ዮሃንስ 3:17, 18) እወ: ንዝሓመመ ምግቢ ምድላው: ንኣረጋዊ ኣብ ዕዮ ቤት ምሕጋዝ: ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብመጓዓዝያ ምምላእ: ሓገዝ ንዚግብኦ ድማ በቃቕ ዘይምዃን: ገለ ኻብቲ ምሕረት ብምግባር ዕዙዛት እንዀነሉ መገድታት እዩ።—ዘዳግም 15:7-10

6 ንኣባላት እታ እናሰፍሐት እትኸይድ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ መንፈሳዊ ሓገዝ ምሃብ: ብስጋ ሓገዝ ካብ ምሃብ ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ። “ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ከተተባብዕዎም፥ ነቶም ድኹማት ክትድግፍዎም” ዚብል ማዕዳ ተዋሂቡና ኣሎ። (1 ተሰሎንቄ 5:14 ትርጕም 1990) “እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን . . . መሃርቲ ሰናይ ኪዀና” ተተባቢዐን ኣለዋ። (ቲቶስ 2:3) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክርስትያናት ሓለውቲ: “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ” ኸም ዚዀኑ ይገልጽ።—ኢሳይያስ 32:2

7. ካብቶም ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ: ብዛዕባ ምሕረት ምግባር እንታይ ኢና እንመሃር፧

7 እተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ጉባኤታት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ውሽጢ ጉባኤአን ንዚርከቡ መበለታት: ዘኽታማት: ከምኡውን ሓገዝን መተባብዕን ዜድልዮም ሰባት ዜርእያኦ ሓልዮት: ኣብ ካልእ ቦታታት ንዚርከቡ ኣመንቲ ዚውዕል ረድኤት እውን ወዲበን እየን። ንኣብነት: ነብዪ ኣጋቦስ “ኣብ ኵላ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዚኸውን” ምስ ተነበየ: እቶም ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ዚርከቡ ደቀ መዛሙርቲ “ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋት ረድኤት ኪሰዱሎም መደቡ።” ነዚ ድማ “ብኢድ በርናባስን ሳውልን” ገይሮም ናብቶም ሽማግለታት ለኣኽዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:28-30) ሎሚኸ፧ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብኸም ህቦብላ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ወይ ሱናሚ ዝኣመሰለ ባህርያዊ ሓደጋታት እተጸልዉ ኣሕዋት ንምክንኻን ኮሚተታት ረድኤት ወዲቡ እዩ። (ማቴዎስ 24:45) ምስዚ መሰናድዎ እዚ ተሓባቢርና ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን ብፍታው ምውፋይና: ሓደ ኻብቲ ምሕረት ከነርእየሉ እንኽእል ሰናይ መገዲ እዩ።

“እንተ ኣድሎኹም”

8. ኣድልዎ ምስ ምሕረት እትጻረር ብኸመይ እያ፧

8 ያእቆብ ብዛዕባ ሓንቲ ምስ ምሕረት ኰነ ምስ “ንጉሳዊ ሕጊ” እትጻረር ባህርይ ኬጠንቅቕ ከሎ: “እንተ ኣድሎኹም ግና: ሓጢኣት ትገብሩ አሎኹም: እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 2:8, 9) ብስጋ ሃብታማት ወይ ምርኡያት ንዝዀኑ ሰባት ኣዳሊና ሓለፋ ንገብረሎም እንተ ዄንና: “ንጥርዓን ድኻ” ብዙሕ ኣይንሰምዕን ኢና። (ምሳሌ 21:13) ኣድልዎ ንናይ ምሕረት መንፈስ ይዓብጦ እዩ። ንሰባት ብዘይ ኣድልዎ ብምሓዝ ምሕረት ክንገብር ንኽእል ኢና።

9. ንዚግብኦም ፍሉይ ኣኽብሮት ምሃብ ጌጋ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

9 ዘይነዳሉ ኽንከውን ኪበሃል ከሎ: ንዋላ ሓደ ሰብ ፍሉይ ኣኽብሮት ኣይንህብን ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ኤጳፍሮዲጦስ ዚበሃል መዓይይቱ: “ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ኣኽብርዎም” ኢሉ ጸሓፈሎም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ: “ንሱ እቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለኒ ኣገልግሎት ምእንቲ ኺምልእ: ነፍሱ ቐቢጹ ምእንቲ ዕዮ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ” በለ። (ፊልጲ 2:25, 29, 30) ኤጳፍሮዲጦስ ብተኣማንነት ኣገልግሎቱ ስለ ዝፈጸመ: ፍሉይ ኣኽብሮት ይግብኦ ነበረ። ብዘይካዚ: ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 5:17: “ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽማግሌታት: ምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩ: ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ” ዚብል ነንብብ። ጽቡቕ መንፈሳዊ ባህርያት እውን ተፈላጥነት ኪወሃቦ ይግባእ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኽብሮት ምሃብ ኣድልዎ ኣይኰነን።

‘እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ምሕረት ዝመልአት እያ’

10. ንልሳንና ኽንቈጻጸራ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

10 ያእቆብ ብዛዕባ ልሳን: “ንሳ ዘይትዐርፍ እክይቲ: ዚቐትል ሕንዚ ዝመልኤት እያ። ብእኣ ጌርና ንጐይታን ነቦን ንምርቕ: ብእኣ ጌርናውን ነቶም ብምስሊ ኣምላኽ እተፈጥሩ ሰባት ንረግም። ካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ከምዚ በለ:- “መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና: ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሐስዉን። ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ: ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን አሎ እሞ: እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር: ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን። እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ: ደሓርውን ሰላማዊት: ልእምቲ: ሰማዕ: ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት: ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ።”—ያእቆብ 3:8-10ሀ, 14-17

11. ኣብ ኣጠቓቕማ ልሳንና መሓርቲ ኽንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

11 ስለዚ: እቲ ንልሳንና እንጥቀመላ መገዲ: ‘ምሕረት ዝመልአት’ ጥበብ እንተ ኣልያትና ዚሕብር እዩ። ብሰንኪ ቕንእን ሻራን እንምካሕ: እንሕሱ: ወይ እንሓሚ እንተ ዄንናኸ፧ መዝሙር 94:4 “ኵሎም ገበርቲ እከይ ይጀሀሩ አለዉ” ትብል። ጐዳኢ ዘረባ እውን ብቐሊሉ ንጽቡቕ ስም ሓደ ንጹህ ሰብ ኬበላሹ ይኽእል እዩ። (መዝሙር 64:2-4) ብዘይካዚ: ‘ሓሶት ዜውስእ ሓሳዊ ምስክር’ ኬስዕቦ ዚኽእል ጕድኣት እሞ ሕስብ ኣብሎ። (ምሳሌ 14:5፣ 1 ነገስት 21:7-13) ያእቆብ ብዛዕባ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ልሳን ድሕሪ ምግላጹ: “ኣሕዋተየ: እዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ” በለ። (ያእቆብ 3:10ለ) ናይ ሓቂ ምሕረት ንልሳንና ብንጽህናን ብሰላምን ብልእመትን ክንጥቀመላ እያ እትድርኸና። የሱስ: “ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም” በለ። (ማቴዎስ 12:36) ኣብ ኣጠቓቕማ ልሳንና መሓርቲ ኽንከውንሲ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!

“ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም”

12, 13. (ሀ) ካብቲ ነቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዕዳ እተሓድገሉ ባርያ ዚምልከት ምሳልያዊ ዛንታ: ብዛዕባ ምሕረት እንታይ ንመሃር፧ (ለ) ንሓውና “ኽሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ” በደሉ ንሓድገሉ ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

12 የሱስ ብዛዕባ እቲ ኻብ ጐይታኡ ንጉስ 60,000,000 ዲናር እተዓድየ ባርያ ዝመሰሎ ምሳሌ: መሓርቲ ኽንኰነሉ ዘሎና ኻልእ መገዲ ይሕብረና። እቲ ባርያ ዚኸፍሎ ስለ ዘይነበሮ: ምሕረት ኪገብረሉ ለመነ። እቲ ጐይታኡ ኸኣ “መሐሮ:” ዕዳኡ እውን ሓደገሉ። እቲ ባርያ ምስ ወጸ ግና: ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ጥራይ ዕዳ ዘለዎ ባርያ ምስ ረኸበ: ብዘይ ምሕረት ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። እቲ ጐይታ ነቲ ዝዀነ ምስ ሰምዐ: ነቲ ተሓዲጉሉ ዝነበረ ባርያ ጸዊዑ: “ኣታ ኽፉእ ባርያ: ኣነ ኽንዲ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሐደግኩልካ። ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሐርኩኻዶ: ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን፧” በሎ። ንዜጽብቡሉ ድማ ኣሕሊፉ ሃቦ። የሱስ ነዚ ምሳሌ እዚ ኺዛዝም ከሎ: “ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ: እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ” በለ።—ማቴዎስ 18:23-35

13 እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ምሳልያዊ ዛንታ: ምሕረት ኪበሃል ከሎ ይቕረ ንምባል ድሉው ምዃን ከም ዜጠቓልል ግርም ገይሩ ይሕብረና። የሆዋ ኸም ዕዳ ዝዀነ ብዙሕ ሓጢኣት ይሓድገልና እዩ። ንሕናኸ ‘ንሰብ በደሎም ክንሓድገሎምዶ’ ኣይግባእን፧ (ማቴዎስ 6:14, 15) የሱስ ብዛዕባ እቲ ምሕረት ዘይገበረ ባርያ ቕድሚ ምትራኹ: ጴጥሮስ: “ጐይታይ: ሓወይ እንተ በደለንስ: ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ፧” ኢሉ ሓቲትዎ ነበረ። የሱስ ከኣ “ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር: ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴዎስ 18:21, 22) እወ: መሓሪ ሰብ “ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ:” ማለት ብዘይ ገደብ በደል ኪሓድግ ድሉው እዩ።

14. ብመሰረት ማቴዎስ 7:1-4: መዓልታዊ ብኸመይ ምሕረት ክንገብር ንኽእል፧

14 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ካልእ ምሕረት እነርእየሉ መገዲ ኺገልጽ ከሎ: “ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም . . . እዩ እሞ: ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካስ: ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ: ዘሎ በሰር እትርኢ፧ ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውኻ: ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ: ትብሎ፧ እንሆ: ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ” በለ። (ማቴዎስ 7:1-4) ስለዚ: ንድኽመት ካልኦት እንፈርድ ወይ ኣመና እንነቅፍ ኣብ ክንዲ እንኸውን: በደሎም ብምሕዳግ መዓልታዊ ምሕረት ክንገብር ንኽእል።

“ንዅሉ ሰብ . . . ሰናይ ንግበር”

15. ምሕረት ምግባር ኣብ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ጥራይ እተሓጽረ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

15 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ያእቆብ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ንዚርአ ምሕረት ዜጕልሕ ኪኸውን ከሎ: ምሕረት ምግባር ኪበሃል ከሎ ግን ኣብቶም ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚርከቡ ሰባት ጥራይ እተሓጽረ እዩ ማለት ኣይኰነን። መዝሙር 145:9 “እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይ እዩ: ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ እዩ” ትብል። ንዓና እውን “ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ:” ከምኡውን “ንዅሉ ሰብ . . . ሰናይ ንግበር” ዚብል ማዕዳ ተዋሂቡና ኣሎ። (ኤፌሶን 5:1፣ ገላትያ 6:10) “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ” ዘይንፈቱ እኳ እንተ ዀንና: በቲ ኣብ ዓለም ንዘለዉ ሰባት ዜጋጥሞም ሽግራት ዘይግድሰና ግን ኣይኰንናን።—1 ዮሃንስ 2:15

16. ንኻልኦት ምሕረት እነርእየሉ መገዲ ብምንታይ ረቛሒታት ኪጽሎ ይኽእል፧

16 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ኣደዳ እቲ “ኣጋጣሚ” ዜምጽኦ ሓደጋታት ዝዀኑ ወይ ኣብ ጽንኩር ኵነታት ዘለዉ ሰባት ኬጋጥሙና ኸለዉ ዚከኣለና ሓገዝ ካብ ምሃብ ድሕር ኣይንብልን ኢና። (መክብብ 9:11) ልክዕ እዩ: እቲ ኽንገብሮ እንኽእል ነገር ኰነ መጠኑ ኣብ ኵነታትና እዩ ዚምርኰስ። (ምሳሌ 3:27) ንኻልኦት ስጋዊ ሓገዝ ክንህቦም ከለና: እቲ ሰናይ ዚመስል ግብርና ህኩያት ከይገብሮም ክንጥንቀቕ ኣሎና። (ምሳሌ 20:1, 4፣ 2 ተሰሎንቄ 3:10-12) ስለዚ: ናይ ሓቂ ምሕረት ክንገብር እንኽእል: እነርእዮ ድንጋጽ ወይ ብቝባቘ ብምምዝዛን እተሰነየ ኪኸውን ከሎ እዩ።

17. ነቶም ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ናይ ሓቂ ምሕረት እነርእየሉ ብሉጽ መገዲ እንታይ እዩ፧

17 ነቶም ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ናይ ሓቂ ምሕረት እነርእየሉ ብሉጽ መገዲ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምክፋሎም እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሎሚ መብዛሕትኦም ደቅሰብ ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ደርገፍገፍ እዮም ዚብሉ ዘለዉ። ነቲ ዜጋጥሞም ጸገማት ንኺዋጽኡሉ ዜኽእሎም መገዲ ዀነ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ሓቂ ተስፋ ስለ ዘይፈልጡ: መብዛሕትኦም ሰባት “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ኰይኖም ኣለዉ። (ማቴዎስ 9:36) እቲ ቓል ኣምላኽ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ነቲ ዜጋጥሞም ጸገማት ንኺዋጽኡሉ ብምሕጋዝ: ‘ንእግሮም መብራህቲ’ ኪዀኖም ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎ ዕላማ ስለ ዚነግሮምን ብሩህ ተስፋ ንኺህልዎም መሰረት ስለ ዚሕብሮምን: ‘ንመገዶም ብርሃን’ ኪዀኖም ይኽእል እዩ። (መዝሙር 119:105) ነቲ ዜደንቕ መልእኽቲ ሓቂ ናብቶም ኣመና ዜድልዮም ሰባት ምብጻሕሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ ክብሪ ዀን እዩ! እቲ ዓብዪ “መከራ” ቐሪቡ ስለ ዘሎ: ሎሚ ኣብቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ብቕንኣት እንካፈለሉ እዋን እዩ። (ማቴዎስ 24:3-8, 21, 22, 36-41፣ 28:19, 20) ብኣገዳስነቱ ማዕረ እዚ ዚስራዕ ካልእ ምሕረት እንገብረሉ መገዲ የልቦን።

“እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ” ሃቡ

18, 19. ነቲ ምሕረት ኣብ ህይወትና ዘለዋ ጽልዋ ንምውሳኽ ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 የሱስ: “እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምጽዋት ሀቡ” በለ። (ሉቃስ 11:41) ሓደ ሰናይ ግብሪ ናይ ሓቂ ምሕረት ንኪኸውን: ካብ ውሽጢ ዝመጸ: ማለት ብፍቕርን ብፍታውን ካብ ልቢ ዝመነጨ ኪኸውን ኣለዎ። (2 ቈረንቶስ 9:7) ኣብዛ ጭካነ: ስስዐ: ከምኡውን ብስቓይን ጸገማትን ሰባት ዘይምግዳስ ንቡር ኰይኑላ ዘሎ ዓለም: ከምዚ ዝኣመሰለ ምሕረት ምግባርሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ መንፈስ ዜሐድስ!

19 እምበኣር: ነቲ ምሕረት ኣብ ህይወትና ዘለዋ ጽልዋ ንምውሳኽ ንጽዓር። ዝያዳ መሓርቲ ብዝዀንና መጠን: ዝያዳ ኢና ኸም ኣምላኽ እንኸውን። እዚ ኸኣ ብሓቂ ትርጕም ዘለዎን ዜዕግብን ህይወት ንኺህልወና ይሕግዘና።—ማቴዎስ 5:7

እንታይ ተማሂርካ፧

• ምናዳ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና መሓርቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምሕረት ክንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ነቶም ካብ ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ሰናይ እንገብር ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ሳምራዊ ምሕረት ገበረ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ምሕረት ብምግባር ዕዙዛት እዮም

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ነቶም ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ናይ ሓቂ ምሕረት እነርእየሉ ብሉጽ መገዲ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምክፋሎም እዩ