ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መጻወድያ ሃዳናይ የናግፈና

ካብ መጻወድያ ሃዳናይ የናግፈና

ካብ መጻወድያ ሃዳናይ የናግፈና

“[የሆዋ] ካብ መጻወድያ ሃዳናይ . . . ኼናግፈካ እዩ።” —መዝሙር 91:3

1. እቲ “ሃዳናይ” መን እዩ፧ ሓደገኛ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

 ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት: ምስ ሓደ ልዕለ-ሰብኣዊ ኣእምሮን ጕርሕን ዘለዎ ሃዳናይ ይቃለሱ እዮም። ኣብ መዝሙር 91:3 “ሃዳናይ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። እዚ ጸላኢ እዚ መን እዩ፧ ካብ 1 ሰነ 1883 ኣትሒዛ: እዛ መጽሔት እዚኣ: እዚ ሃዳናይ ሰይጣን ድያብሎስ ምዃኑ ገለጸት። ልክዕ ከምቲ ሃዳናይ ንሓንቲ ዑፍ ብመፈንጠራ ኺሕዛ ዚጽዕር: እዚ ሓያል ጸላኢ እዚ ኸኣ ጕርሒ ብዝመልኦ መገዲ ንህዝቢ የሆዋ ንምግጋይን ኣብ መፈንጠራ ንምእታውን ይህቅን እዩ።

2. ሰይጣን ምስ ሃዳናይ ዑፍ ተመሳሲሉ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

2 ኣብ ግዜ ጥንቲ: ኣዕዋፍ ነቲ ባህ ዜብል መዝሙረን: ነቲ ዜደንቕ ክንቲተን: ከምኡውን ንምግብን ንመስዋእትን ኪዀና ተባሂሉ ይህደና ነበራ። ይኹን እምበር: ብተፈጥሮአን ጥንቁቓትን ብቐሊሉ ዝስምብዳን ብምዃነን ብመጻወድያ ኽትሕዘን ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ: ሓደ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዚነብር ዝነበረ ዑፍ ዚሃድን ሰብ: ፈለማ ንፍሉይነትን ልማዳትን እታ ብመጻወድያ ኺሕዛ ዚደሊ ዑፍ ብጥንቃቐ የጽንዕ። ብድሕሪኡ ዜታልል ሜላታት ተጠቒሙ ኣብ መጻወድያ የእትዋ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሰይጣን ምስ ሃዳናይ ብምምስሳል: ብኸመይ ነቲ ሜላታቱ ኽንፈልጦ ኸም እንኽእል ይሕግዘና እዩ። ድያብሎስ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍና መጽናዕቲ ይገብር እዩ። ንልማዳትናን ባህርያትናን ይዕዘቦ እዩ: ንኺሕዘና ድማ ስዉር መፈንጠራ የንብረልና። (2 ጢሞቴዎስ 2:26) ብእኡ እንተ ተታሒዝና: መንፈሳዊ ዕንወት ስለ ዜጋጥመና: ናብቲ ናይ መወዳእታ ጥፍኣት እዩ ዚወስደና። ስለዚ: ንርእስና ኻብዚ ንኸነዕቍባ: እተፈላለየ ውዲት እቲ “ሃዳናይ” እስከ ንርአ።

3, 4. ውዲታት ሰይጣን ምስቲ ኣንበሳ ዚጥቀመሉ ስልቲ ዚመሳሰል መዓስ እዩ፧ ምስቲ ተመን ዚጥቀመሉ ስልቲ ዚመሳሰልከ መዓስ እዩ፧

3 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንጹር ስእላዊ መግለጺ ብምጥቃም: ነቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ውዲት ምስቲ ሽደን ኣንበሳን ተመንን ዚጥቀሙሉ ስልቲ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (መዝሙር 91:13) ሰይጣን ልክዕ ከም ኣንበሳ: ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ መስጐጕቲ ብምውራድን ብሕጊ ኣመኽንዩ ስጕምቲ ብምውሳድን ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ይፍኑ እዩ። (መዝሙር 94:20) እዚ ምስ ናይ ኣንበሳ ዚመሳሰል መጥቃዕቲ ንሒደት ሰባት ከም ዚዕንቀፉ ኺገብሮም ይኽእል ይኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ ግን: ከምዚ ዝበለ ቐጥታዊ መጥቃዕቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ከም ዚሓብሩ ብምግባር ኣወንታዊ ፍረ እዩ ዜፍሪ። ብዛዕባ እቲ ምስ ናይ ተመን ዚመሳሰል ሰይጣን ዚጥቀመሉ ብዝያዳ እተሓላለኸ መጥቃዕቲኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧

4 ከምቲ መርዛም ተመን ኣብቲ እተሓብኣሉ ቦታ ኣድብዩ ጸኒሑ ዘጥቅዕ: ድያብሎስ ድማ ነቲ ልዕለ-ሰብኣዊ ብልሑ ተጠቒሙ ዜታልልን ዚቐትልን መጥቃዕቲ ይፍኑ። በዚ ኸምዚ: ንኣእምሮ ገሊኦም ህዝቢ ኣምላኽ: ፍቓድ የሆዋ ዘይኰነስ: ፍቓዱ ንኺገብሩ ብምምራዝ ተዓዊቱ እዩ፣ እዚ ኸኣ ዜሕዝን ሳዕቤን እዩ ዜምጽእ። እቲ ዜሐጕስ ግን: ንውዲት ሰይጣን አይንስሕቶን ኢና። (2 ቈረንቶስ 2:11) ቀጺልና እስከ እቲ “ሃዳናይ” ዚጥቀመሉ ኣርባዕተ ሓደገኛ መጻወድያ ንርአ።

ንሰብ ምፍራህ

5. “ንሰብ ምፍራህ” ኣዝዩ ሓደገኛ መጻወድያ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5 እቲ “ሃዳናይ:” ደቅሰብ ብኻልኦት ተቐባልነትን ስምረትን ኪረኽቡ ድሌት ከም ዘለዎም ይፈልጥ እዩ። ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ሰባት ዚሓስብዎን ዚስምዖምን ነገራት ዘይግደሱ ኣይኰኑን። ድያብሎስ ነዚ ስለ ዚፈልጥ: ነቲ ሰባት እንታይ ይብሉኒ ዚብል ስግኣት ይምዝምዞ እዩ። ንኣብነት: ንገሊኦም ህዝቢ ኣምላኽ በቲ “ንሰብ ምፍራህ” ዚበሃል መጻወድያ ተጠቒሙ ሚዛኖም ከም ዚስሕቱ ገይርዎም እዩ። (ምሳሌ 29:25) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንሰብ ብምፍራሆም ኣብቲ የሆዋ ዝኸልከሎ ነገር እንተ ተኻፊሎም ወይ ከኣ ነቲ ቓል ኣምላኽ ኪገብርዎ ዝኣዘዞም ነገር እንተ ዘይገይሮም: በቲ “ሃዳናይ” ተታሒዞም ኣለዉ ማለት እዩ።—ህዝቅኤል 33:8፣ ያእቆብ 4:17

6. ሓደ መንእሰይ በቲ “ሃዳናይ” ኪተሓዝ ከም ዚኽእል ዜርኢ እንታይ ኣብነት እዩ፧

6 ንኣብነት: ሓደ መንእሰይ ነቲ ኻብ መማህርቱ ዝወረዶ ጸቕጢ ኢዱ ብምሃብ ሽጋራ የትክኽ ይኸውን። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ቤት ትምህርቲ ኺመጽእ ከሎ: ሽጋራ ምትካኽ ዚብልዎ ነገር ኣብ ኣእምሮኡ ኣይነበረን ይኸውን። ድሕሪ ሓጺር እዋን ግን: ንጥዕናኡ ዚጐድእን ንኣምላኽ ዜጕህን ነገር ገበረ። (2 ቈረንቶስ 7:1) ብኸመይ እዩ ኺጋገ ኽኢሉ፧ ምናልባት ምስ ዘይጥዑያት ኣዕሩኽ ኪመሓዞ ስለ ዝጀመረ: ከየርሕቕዎ ኢሉ ይኸውን። ኣቱም መንእሰያት: እቲ “ሃዳናይ” ኬስድዓኩም ኰነ ኣብ መጻወድያ ኼእትወኩም ኣይተፍቅዱሉ! ብቐሊሉ ምእንቲ ኸይትተሓዙ ድማ ንርእስኹም ካብታ ንእሽቶ እትበሃል ምልምላም እውን ሓልውዋ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሕማቕ ዕርክነት ንኽንርሕቕ ዚህቦ መጠንቀቕታ ድማ ኣቕልቡሉ።—1 ቈረንቶስ 15:33

7. ሰይጣን ንገሊኦም ወለዲ መንፈሳዊ ሚዛኖም ከም ዚስሕቱ ኺገብሮም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

7 ጥንቁቓት ክርስትያናት ወለዲ: ነቲ ንስድራቤቶም ብስጋ ዜድልዮም ነገራት ኬማልኡ ኸም ዘለዎም ዚገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነት ብርዝነት እዮም ዚርእይዎ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ይኹን እምበር: ዕላማ ሰይጣን: ክርስትያናት በዚ መዳይ እዚ ሚዛኖም ከም ዚስሕቱ ምግባር እዩ። ምናልባት ነቲ ኣስራሕቶም ዝያዳ ሰዓታት ንኺሰርሑ ዚገብሩሎም ጸቕጢ ኢዶም ብምሃብ ብተደጋጋሚ ኻብ ኣኼባታት ይተርፉ ይዀኑ። ወይ ከኣ ፍቓድ ምሕታት ስለ ዜፍርሆም: ኣብቲ ምስ ኣሕዋቶም ንየሆዋ ዜምልኹሉ ኣኼባ ኣውራጃ ምሉእ ብምሉእ ከይተኻፈሉ ይተርፉ። ‘ብየሆዋ ምእማን’ ካብዚ መጻወድያ እዚ ኼዕቍበና ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 3:5, 6) ኣብ ርእሲ እዚ: ኵላትና ኣባላት ቤት የሆዋ ምዃንናን የሆዋ ንዓና ናይ ምሕላይ ሓላፍነት ከም ዘለዎን ምፍላጥና እውን ሚዛንና ንኽንሕሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣቱም ወለዲ: ፍቓድ የሆዋ ኽትገብሩ ኸለኹም: ኣምላኽ በዚ ዀነ በቲ ንዓኹምን ንስድራቤትኩምን ከም ዚሓልየልኩም እምነት ኣላትኩምዶ፧ ወይስ ሰይጣን ፍርሂ ሰብ ተጠቒሙ ፍቓዱ ኸም እትገብሩ ብምግባር ኣብ መጻወድያኡ ኣእትዩኩም እዩ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ብጸሎት ንኽትሓስቡሉ ንላበወኩም።

መጻወድያ ፍቕረ-ንዋይ

8. ሰይጣን ንፍቕረ-ንዋይ ከም መስድዒ ገይሩ ዚጥቀመሉ ብኸመይ እዩ፧

8 ሰይጣን ንፍቕረ-ንዋይ እውን ከም መፈንጠራ ገይሩ ይጥቀመሉ እዩ። እቲ ንግዳዊ ስርዓት እዛ ዓለም: መብዛሕትኡ ግዜ ንገሊኦም ህዝቢ ኣምላኽ እውን ዜታልል: ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ የሀብትም እዩ ዚበሃል ሜላታት እዩ ዜተባብዕ። ሓድሓደ ግዜ: ገሊኦም ሰባት “ኣበርቲዕካ ስራሕ። ሽዑ ኣብቲ ጥጡሕ ዚበሃል ደረጃ ምስ በጻሕካ: ክትዘናጋዕን ህይወት ከተስተማቕርን ትኽእል ኢኻ። ፈላሚ ዄንካ እውን ከተገልግል ትኽእል ኢኻ” ዚብል ምኽሪ ይወሃቦም እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቓላት: ነቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ብጾቶም ኪብለጹሎም ዚደልዩ ሰባት ዚዛረብዎ ሚዛኑ ዘይሓለወ ኣተሓሳስባ እዩ። ነዚ ድራኸ ዝዀኖ እሞ ሕስብ ኣብለሉ። ኣተሓሳስባ እቲ የሱስ ኣብ ምሳሌኡ “ዓሻ” ዝበሎ ሃብታም ሰብኣይ ደይኰነን ዜንጸባርቕ፧—ሉቃስ 12:16-21

9. ገሊኦም ክርስትያናት ንነገራት ብምምናይ ኣብ መጻወድያ ዚኣትዉ ስለምንታይ እዮም፧

9 ሰይጣን ነዚ እኩይ ስርዓቱ: ሰባት ንነገራት ከም ዚምነዩ ገይሩ ብምድራኽ እዩ ዜካይዶ። እዚ ትምኒት እዚ ግን ኣብ መወዳእታ ንክርስትያናዊ ህይወት በብቝሩብ ኪቈጻጸሮ ይኽእል እዩ: ነቲ ቓል ብምሕናቕ ድማ “ፍረ ዜብሉ” ይገብሮ። (ማርቆስ 4:19) መጽሓፍ ቅዱስ: በቲ ዘሎና ቐለብን ክዳንን ክንዓግብ እዩ ዜተባብዓና። (1 ጢሞቴዎስ 6:8) ይኹን እምበር: ብዙሓት ሰባት ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ስለ ዘየውዕልዎ: በቲ “ሃዳናይ” ይፍንጠሩ እዮም። ትዕቢት ደዀን እተወሰነ ዓይነት ኣነባብራ ኸም ዚስዕቡ ገይርዎም ይኸውን፧ ንሕናኸ፧ ነገራት ንምጥራይ ዘሎና ድሌት: ንረብሓ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኻልኣይ ቦታ ኸም እንህቦ ድዩ ዚገብረና ዘሎ፧ (ሃጌ 1:2-8) እቲ ዜሕዝን: ገሊኦም ሰባት ነቲ ዝዓበዩሉ ደረጃ መነባብሮ ሒዞም ንኪቕጽሉ ኢሎም ኣብ ጽንኩር ቍጠባዊ ዅነታት: ንመንፈሳውነቶም መስዋእቲ ገይሮም እዮም: እዚ ኸኣ ልማድ ኰይንዎም ኣሎ። ከምዚ ዝበለ ፍቕረ-ንዋያዊ ኣተሓሳስባ ነቲ “ሃዳናይ” የሐጕሶ እዩ!

መፈንጠራ ዘይጥዑይ መዘናግዒ

10. ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ከመይ ዘበለ ርእሰ-ምርመራ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧

10 እቲ “ሃዳናይ” ዚጥቀመሉ ኻልእ ስልቲ: ነቲ ሰባት ዘለዎም ንሕማቕን ንጽቡቕን ናይ ምፍላይ ክእለቶም ምብልሻው እዩ። እቲ ነዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ምዝንጋዕ ኢንዱስትሪ ተቘጻጺርዎ ዘሎ ኣተሓሳስባ: ምስቲ ኣብ ሶዶምን ጎሞራን ዚርአ ዝነበረ ዚመሳሰል እዩ። ኣብ ቲቪን መጽሔታትን ዚግለጽ ዜናታት እውን: ዓመጽን ዜሰክሕ ጾታዊ ተግባራትን እዩ ዜጕልሕ። እቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዚቐርብ መዘናግዒ ነቲ ሰባት “ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ” ዘለዎም ክእለት የዳኽሞ ኣሎ። (እብራውያን 5:14) ይኹን እምበር: ነቲ የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ እተዛረቦ: “እቶም ነቲ እከይሲ ሰናይ: ንሰናይ ከኣ እከይ ዚብሉ: . . . ወይለኦም” ዚብል ቃላት ዘክሮ። (ኢሳይያስ 5:20) እቲ “ሃዳናይ” ብኸምዚ ዝዓይነቱ ዘይጥዑይ መዘናግዒ ንኣተሓሳስባኻ ጸልይዎ ድዩ፧ ነዚ ንምፍላጥ: ንርእስኻ ምምርማር ኣገዳሲ እዩ።—2 ቈረንቶስ 13:5

11. ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ነቲ ኣብ ቲቪ ዚርአ ተኸታታሊ ፊልምታት ብዚምልከት እንታይ መጠንቀቕታ እዩ እተዋህበ፧

11 ርብዒ ዘመን ይገብር: ግምቢ ዘብዐኛ ነቶም ኣብ እምነት ዘለዉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ: ብዛዕባ ኣብ ቲቪ ዚርአ ተኸታታሊ ፊልምታት ፍቕራዊ መጠንቀቕታ ሂባ ነበረት። a እዛ መጽሔት እዚኣ: እቲ ዚፍቶ ተኸታታሊ ፊልምታት ብዛዕባ ዘለዎ ረቂቕ ጽልዋ ኸምዚ ኢላ ነበረት:- “እቲ ፍቕሪ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ: ንዝዀነ ይኹን ኣካይዳ ንኽትስዕብ ከም ምኽኒት ጌርካ ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ንኣብነት: ሓንቲ ኸይተመርዓወት ዝጠነሰት መንእሰይ ንፈታዊታ: ‘ግን እኮ ንቪክቶር አፍቅሮ እየ። ካልእ ኣይግድሰንን እዩ። . . . ካብኡ ምውላድ ጥራይ እዩ ዜገድሰኒ!’ ትብላ። እቲ ነዚ ዜሰንዮ ልስሉስ ሙዚቃ ድማ ሰባት ነቲ ዝገበረቶ ሕማቕ ነገር ሸለል ከም ዚብልዎ ይገብሮም። ንስኻ እውን ንቪክቶር ክትፈትዎ ትጅምር። ነታ መንእሰይ ድማ ትድንግጸላ። ‘ትርድኣላ።’ ሓንቲ ጸኒሓ ናብ ልባ እትመልሰት ተኸታታሊት እዚ ፊልም: ‘እቲ ኣዝዩ ዜገርም: ንኸምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ኸተመኻኒ ትጅምር። ርኽሰት ጌጋ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። . . . ብሓሳበይ ግን ነቲ ዘይስነ-ምግባራዊ ሰብ እድግፎ ኸም ዝነበርኩ ተረዳእኩ’ በለት።”

12. እቲ ንመደባት ቲቪ ብዚምልከት ዚወሃብ መጠንቀቕታ ልክዕ ምዃኑ ዚሕብር እንታይ ኣብዚ እዋን እዚ ዚርአ ዘሎ ነገራት እዩ፧

12 እዘን ዓንቀጻት ካብ ዚሕተማ ኣትሒዙ: ከምዚ ዝዓይነቱ ንልቢ ዜበላሹ መደባት ወሲኹ ኣሎ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት: ከምዚ ዝኣመሰለ መደባት ን24 ሰዓት እዩ ዚመሓላለፍ። ሰብኣይ: ሰበይቲ: ከምኡውን ብዙሓት ኰተቴታትን ጐራዙትን ብተደጋጋሚ ንኣእምሮኦምን ንልቦምን በዚ ኸምዚ ዝበለ መዘናግዒ ይመልእዎ ኣለዉ። ንሕና ግን ንርእስና ብናይ ሓሶት ምኽንያታት ክንጥብራ የብልናን። እቲ ጽዩቕ መዘናግዒ ኻብቲ ኣብ ናይ ጋህዲ ዓለም ዚርአ ነገራት ዝኸፍአ ኣይኰነን ኢልካ ምድምዳም ጌጋ እዩ። ሓደ ክርስትያን በቶም ፈጺሙ ናብ ቤቱ ኺዕድሞም ዘይደሊ ሰባት ንምዝንጋዕ ምምራጹስ ምኽንያት ኬቕርበሉ ይኽእልዶ፧

13, 14. ገሊኦም ሰባት ካብቲ ንቲቪ ብዚምልከት እተዋህበ መጠንቀቕታ ኸም እተጠቕሙ ዝገለጹ ብኸመይ እዮም፧

13 ብዙሓት ሰባት ነቲ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” እተዋህበ መጠንቀቕታ ኣብ ልቦም ብምሕዳሮም ተጠቒሞም እዮም። (ማቴዎስ 24:45-47) ገሊኦም ሰባት ነዚ ንጹርን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተን ምኽሪ ምስ ኣንበቡ: እዘን ዓንቀጻት እዚኣተን ብብሕቶም ከም ዝተንከፋኦም ብምግላጽ ደብዳበ ጸሓፉ። b ሓንቲ ሰበይቲ ኸምዚ ኢላ ተኣመነት:- “ን13 ዓመት ውልፍቲ ተኸታታሊ ፊልም ነበርኩ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እኸይድ: ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት እውን ሓሓሊፈ እካፈል ስለ ዝነበርኩ: ደሓን ዘለኹ መሲሉኒ ነይሩ። ይኹን እምበር: ነቲ ‘ሰብኣይኪ እንተ ገፊዑኪ ወይ ዘይትፍቀሪ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑኪ: ክትዝምዊ ትኽእሊ ኢኺ: ምኽንያቱ ኢዱ እዩ ረኺቡ’ ዚብል ኣብ ተኸታታሊ ፊልም ዚርአ ዓይነት ኣረኣእያ ኸማዕብል ጀመርኩ። ከምዚ ምግባር ‘ምኽኑይ’ እዩ ኢለ ኣብ ዝሓሰብኩሉ እዋን ድማ ኣብ የሆዋን ኣብ ሰብኣየይን ሓጣእኩ።” እዛ ሰበይቲ እዚኣ ተወገደት። ኣብ መወዳእታ ግን: ናብ ልባ ተመሊሳ ተነስሐት: ተመልሰት ድማ። እተን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቲቪ ዚርአ ተኸታታሊ ፊልምታት መጠንቀቕታ ዝሃባ ዓንቀጻት: በቲ የሆዋ ዚጸልኦ ነገራት ንኸይትዘናጋዕ ብርታዐ ሃባኣ።—ኣሞጽ 5:14, 15

14 ካልእ በዚ ህይወቱ እተጸልወ ኣንባቢ ድማ: “ልበይ ፈጺሙ ናብ የሆዋ ተጸጊዑ ዘይምንባሩ ኸም ዝርዳእ ስለ ዝገበራኒ: ነዘን ዓንቀጻት ምስ ኣንበብክወን ነባዕኩ። ካብኡ ንደሓር ባርያ እዚ ተኸታታሊ ፊልም ከም ዘይከውን ንኣምላኸይ መብጽዓ ኣተኹ” በለ። ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ: እተን ዓንቀጻት ብምውጽአን ድሕሪ ምምስጋና: ብዛዕባ እቲ ዝነበራ ልማድ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “እቲ ምስ የሆዋ ዝነበረኒ ርክብ ይጽሎ ደዀን ይኸውን ኢለ . . . እሓስብ ነበርኩ። ከመይ ገይረ እየ እሞ ‘ንዕኦም’ ከም ፈተውተይ እናረኣኹ ኽነሰይ: ዓርኪ የሆዋ ክኸውን ዝኽእል፧” ኣስታት 25 ዓመት ይገበር ከምዚ ዝበለ ተኸታታሊ ፊልም ንልቢ ሰባት የበላሹ እንተ ነይሩ: ሎሚኸ፧ (2 ጢሞቴዎስ 3:13) ንዅሉ እቲ ሰይጣን ከም መፈንጠራ ዚጥቀመሉ ዘይጥዑይ መዘናግዒ: ኣብ ቲቪ ዚርአ ተኸታታሊ ፊልም: ዓመጽ ዝመልኦ ጸወታታት ቪድዮ: ወይ ርኹስ ቪድዮታት: ከነለልዮ ኣሎና።

መፈንጠራ ብሕታዊ ፍልልያት

15. ገሊኦም ሰባት ኣብ መፈንጠራ ሰይጣን ዝኣተዉ ብኸመይ እዮም፧

15 ሰይጣን ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ምክፍፋል ንምፍጣር: ንብሕታዊ ፍልልያት ከም መፈንጠራ ገይሩ ይጥቀመሉ። ዝዀነ ይኹን ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነታት ይሃልወና ብዘየገድስ: በዚ ኽንፍንጠር ንኽእል ኢና። ገሊኦም ሰባት: ሰላምን ሓድነትን እቲ ኻብ የሆዋ ዚመጽእ ዜደንቕ መንፈሳዊ ብልጽግናን ብብሕታዊ ፍልልያት ንኺዝረግ ብምፍቃዶም: ኣብ መፈንጠራ ሰይጣን ኣትዮም እዮም።—መዝሙር 133:1-3

16. ሰይጣን ሓድነትና ንምዝራግ ሰላሕ እናበለ ዚዓዪ ብኸመይ እዩ፧

16 ኣብ ግዜ ቐዳማይ ውግእ ዓለም: ሰይጣን ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ብምጥቃም ነቲ ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ኼጥፍኦ ፈቲኑ ነበረ: እዚ ፈተነ እዚ ግን ፈሺሉ እዩ። (ራእይ 11:7-13) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ድማ: ሓድነትና ንምዝራግ ሰላሕ እናበለ ይዓዪ ኣሎ። ብሕታዊ ፍልልያት ንሓድነትና ንኺዘርጎ እንተ ፈቒድናሉ: ነቲ “ሃዳናይ” ስፍራ ንህቦ ኣሎና ማለት እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቲ ኣባናን ኣብታ ጉባኤን ብዘይ ዕንቅፋት ዚወርድ ዝነበረ መንፈስ ቅዱስ ይዕገት። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙ: እቲ ሰላምን ሓድነትን እታ ጉባኤ ስለ ዚዝረግ: ነቲ ናይ ስብከት ዕዮ ዕንቅፋት ይዀኖ: ሰይጣን ከኣ ባህ ይብሎ።—ኤፌሶን 4:27, 30-32

17. እቶም ብሕታዊ ፍልልያት ዘለዎም ሰባት: ነቲ ጸገም ንምፍታሕ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

17 ምስ ሓደ ክርስትያን ብጻይካ ብሕታዊ ፍልልያት እንተ ኣልዩካ: እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ ሓቂ እዩ: ነፍሲ ወከፍ ዜጋጥም ኵነታት ኪፈላለ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: ጸገማት ዚጅምረሉ እተፈላለየ ምኽንያታት እኳ እንተ ኣሎ: ብሕታዊ ፍልልያት ዘይፍትሓሉ ምኽንያት ግን የልቦን። (ማቴዎስ 5:23, 24፣ 18:15-17) እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ምኽሪ መንፈስ ዝነፈሶን ፍጹምን እዩ። እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ እንተ ውዒሉ ድማ ኣብ ባይታ ኣይወድቕን እዩ። ኵሉ ሳዕ ጽቡቕ ውጽኢት እዩ ዜምጽእ!

18. ንየሆዋ ምምሳል: ብሕታዊ ፍልልያት ንኽንፈትሕ ዚሕግዘና ስለምንታይ እዩ፧

18 የሆዋ “ንይቕሬታ ድልዊ” ኸምኡውን ‘ይቕረታ ምስኡ ኣሎ።’ (መዝሙር 86:5፣ 130:4) ንሕና እውን ንዕኡ ብምምሳል ፍቑራት ውሉዳት የሆዋ ምዃንና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (ኤፌሶን 5:1) ኵላትና ሓጢኣተኛታት ስለ ዝዀንና: ምሕረት የሆዋ የድልየና እዩ። ስለዚ: ንኻልእ ሰብ ይቕረ ዘይንብል እንተ ዄንና ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ከምቲ ኣብቲ የሱስ ገሊጽዎ ዝነበረ ምሳሌ ዘሎ: ጐይታኡ ብዙሕ ዕዳ ሓዲግሉ ኽነሱ: ንሱ ግን ንብጻዩ ንዘይጠቕማ ገንዘብ ኪብል ይቕረ ዘይበለ ባርያ ኽንከውን ንኽእል ኢና። እቲ ጐይታ ነዚ ዅሉ ምስ ፈለጠ: ነቲ ይቕረ ዘይበለ ባርያ ኣእሰሮ። የሱስ ነቲ ምሳሌ: “ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ: እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ” ኢሉ ዛዘሞ። (ማቴዎስ 18:21-35) ብዛዕባ እዚ ምሳሌ ምስትንታን ከምኡውን የሆዋ ኽንደይ ሳዕ ይቕረ ኸም ዝበለልና ምሕሳብ: ነቲ ምስ ሓውና ዘለና ብሕታዊ ፍልልያት ንኸነደቅሶ ኺሕግዘና እዩ።—መዝሙር 19:14

ኣብ “ጸግዒ እቲ ልዑል” ምዕቋብ

19, 20. ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ሓደገኛ እዋን: ‘ንጸግዕን ጽላልን’ የሆዋ ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧

19 ኣብ ሓደገኛ ግዜ ኢና እንነብር ዘለና። ፍቕራዊ ዕቝባ የሆዋ እንተ ዘይንረክብ ኔርና: ሰይጣን ብርግጽ መጥፍኣና ነይሩ። ስለዚ: ኣብ መፈንጠራ እቲ “ሃዳናይ” ንኸይንኣቱ: ኣብቲ ምሳልያዊ ቦታ ዕቝባ ዝዀነ ‘ጸግዒ እቲ ልዑል ክንሓድር’ ከምኡውን ‘ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ክንነብር’ ኣሎና።—መዝሙር 91:1

20 ወትሩ ንመዘኻኸሪታትን መምርሒታትን የሆዋ ኸም መዕቈቢ ደኣ እምበር: ከም ቀያዲ ጌርና ኽንርእዮ የብልናን። ኵላትና ምስ ሓደ ልዕለ-ሰብኣዊ ኣእምሮ ዘለዎ ሃዳናይ ኢና ንጋጠም ዘለና። ብዘይ ፍቕራዊ ሓገዝ የሆዋ ግን: ካብቲ መፈንጠራኡ ኼምልጥ ዚኽእል ዋላ ሓደ የለን። (መዝሙር 124:7, 8) እምበኣር: የሆዋ ኻብ መፈንጠራ እቲ “ሃዳናይ” ንኼናግፈና ንጸሊ!—ማቴዎስ 6:13

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ 1 ታሕሳስ 1982 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 3-7።

b ናይ 1 ታሕሳስ 1983 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 23።

ትዝክሮዶ፧

• “ንሰብ ምፍራህ” ኣዝዩ ሓደገኛ መፈንጠራ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ሰይጣን ንፍቕረ-ንዋይ ዚጥቀመሉ ብኸመይ እዩ፧

• ሰይጣን ንገሊኦም ሰባት ብዘይጥዑይ መዘናግዒ ገይሩ ኣብ መፈንጠራ ዘእተዎም ብኸመይ እዩ፧

• ድያብሎስ ሓድነትና ንምዝራግ ዚጥቀመሉ መፈንጠራ እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ገሊኦም ‘ንሰብ ብምፍራህ’ ኣብ መጻወድያ ኣትዮም እዮም

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

በቲ የሆዋ ዚጸልኦ ዲኻ እትዘናጋዕ፧

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ክርስትያን ብጻይካ ብሕታዊ ፍልልያት እንተ ኣልዩካ: እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧