ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብ ዘፍጥረት 27:18, 19 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ: ያእቆብ ንኤሳው መሲሉ ምቕራቡስ ጌጋዶ ኣይኰነን፧

ነዛ ዛንታ እዚኣ ትፈልጣ ትኸውን ኢኻ። ይስሃቅ ምስ ኣረገ ንኤሳው ገለ ሃደን ኬምጽኣሉ ኺነግሮ ኸሎ: “ከይሞትኩ ነፍሰይ ምእንቲ ኽትምርቐካስ: ኣነ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ኽበልዕ: ሰሪሕካ ኣምጽኣለይ” በሎ። ርብቃ ሰብኣያ እንታይ ከም ዝበለ ስለ ዝሰምዐት: ጥዑም ብልዒ ኣዳልያ ንያእቆብ: “በሊዑ: ቅድሚ ሞቱ ምእንቲ ኺምርቐካስ: ነቦኻ ኸተእትወሉ” ኢላ ኣዘዘቶ። ያእቆብ ድማ: ክዳን ሓዉ ተኸዲኑ ቘርበት መሓስእ ኣብ ክሳዱን ኣእዳውን ገይሩ ነቲ ጥዑም ብልዒ ሒዙ ናብ ኣቦኡ ኣተወ። ይስሃቅ: “መን ኢኻ ንስኻ፧” ኢሉ ምስ ሓተቶ: ያእቆብ: “ኣነ ኤሳው በዅርኻ እየ” ኢሉ መለሰሉ። ይስሃቅ ኣመኖ: ምርቓ እውን መረቖ።—ዘፍጥረት 27:1-29

መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ርብቃን ያእቆብን ዝገበርዎ ነገር ብሃንደበት ከም ዝዀነ እኳ እንተ ሓበረና: ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበሩ ግን ብንጹር ኣይነግረናን እዩ። ስለዚ: ቃል ኣምላኽ ነቲ ርብቃን ያእቆብን ዝገበርዎ ነገር ከም ዘይድግፎ ወይ ከም ዘይኵንኖ: ንሓሶትን ምትላልን ድማ ኣብነት ከም ዘይከውን ከነስተብህለሉ ይግባእ። ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቲ ዅነት መብርሂ ይህብ እዩ።

ቀዳማይ: ያእቆብ ምርቓ ኣቦኡ ንምቕባል ብቝዕ ምዃኑ: ኤሳው ግን ብቝዕ ዘይምዃኑ: እቲ ዛንታ ንጹር ይገብሮ እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ያእቆብ ብሕጋዊ መገዲ ኻብቲ ዘየማሱ ፍላይ ማንታ ሓዉ ንብዅርናኡ ዓዲግዋ ነበረ። ኤሳው “ንብዅርናኡ ኸምዚ ገይሩ ነዐቓ።” (ዘፍጥረት 25:29-34) ያእቆብ ኪምረቕ ኢሉ ናብ ኣቦኡ ምቕራቡ እምበኣር: ዚግብኦ እዩ ነይሩ።

ካልኣይ: ይስሃቅ ንያእቆብ ከም ዝመረቖ ምስ ፈለጠ: ንምርቓኡ ኪቕይሮ ኣይደለየን። ምናልባት ነቲ የሆዋ ንርብቃ ቕድሚ ነቶም ማናቱ ደቃ ምውላዳ: “እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዛእ እዩ” ዝበሎ ዘኪሩ ይኸውን። (ዘፍጥረት 25:23) ያእቆብ ናብ ካራን ኪኸይድ ቅድሚ ምንቃሉ እውን ይስሃቅ ነቲ ምርቓኡ ኸም ዘስፍሖ ኺስትብሃለሉ ዘለዎ ነገር እዩ።—ዘፍጥረት 28:1-4

ኣብ መወዳእታ: እቲ እተገብረ ነገር የሆዋ ኸም ዚፈልጦን ከም ዚደልዮን ኪዝከር ኣለዎ። እቲ ይስሃቅ ዝመረቖ ምርቓ ምስቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ መብጽዓ እተኣሳሰረ እዩ። (ዘፍጥረት 12:2, 3) ኣምላኽ: ያእቆብ ኪምረቕ እንተ ዘይደሊ ነይሩ ብዝዀነ መገዲ ጣልቃ ኺኣቱ ምኽኣለ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ: የሆዋ ንያእቆብ: “ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ኸኣ ብኣኻን ብዘርእኻን ኪባረኹ እዮም” ኢሉ ኣረጋገጸሉ።—ዘፍጥረት 28:10-15